ጉዕሽ ወዲ’ንከረ

  1. 1. “ኣብ መቓብር ህወሓት ጥራሕ”

ኣብ ልዕሊ እቲ “ዓሚቕ ገምጋም” ዝተባህለ ከይዲ ዝተዋህበ ሓደ ግብረመልሲ ኩሉ ነገር ዝዕሪ ኣብ መቓብር ህወሓት እዩ ዝብል እዩ። ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ዓሰርተ በትሪ እንተተዓጥቀት ክትድሕን እትኽእል ኣየኮነትን ይብሉ። ብስሩ ሞይታ ናብ መቓብራ ስለዝወረደት ፍሒርካ ምውፃእ ኣይከኣልን ይብሉ።

ብናታቶም ኣባህላ እቲ ዘሕዝን ከም ቁርዲድ ኣብ ቆርበት ለጊባ፤ ገርንያ ምሟታኳ ከይተረዳኣን ብምሟታ እዩ ይብሉ። ሕዚ ዝተኣከበ ጉጅለ ባዕሉ ነባዕሉ ነብሱ ንምብላዕን ንምብልላዕን ምበር ንምድሓን ኣይኮነን ይብሉ። ኣናፁ ዝገብርኦ ቅድድም ብድሕሪኤን ንእተጓይየን ድሙ ሓንቲ ንምትራፍ ናይ ምትሕንኳል ቅድድም እዩ። ኣመራርሓ ህወሓት እውን፤ ህዝቢ ኣጓይዩ ክሓንቆም ምስበለ ዝተወሰኑ ዘምልጡ መሲልዎም ዝተወሰኑ ሰባት ሓንኵሎም ብምውዳቕ እዚኦም እዮም ፀላእትኻ   ኢሎም ብምሃብ ነብሶም ዝድሕኑ መሲልዎም እምበር ፋይዳ የብሎምን ይብሉ።

ብዝኾነ እዚኦም፤ ኣኬባ ተሃድሶ ህወሓት ከም ቀልዲ እዮም ዝርእይዎ። ኣብ ርእሲ እቲ ምሟቶም ተወሳኺ ጊዜ የጥፍኡ ኣለዉ ኢሎም ይሓዝኑ። ብስሩ ጉዳይ ህወሓት ደጊም ጉዳይና ስለዘይኮነ ድሕሪ ህወሓት ንዝመፅእ ፖለቲካዊ ምህዳር ክንየው ኣሳጊርና ንሕሰብ በሃልቲ እዮም። ንቐፃሊ ‘ኳ ውድብ ክጣየሽ እንተኾይኑ ኣብ ህወሓት ካብ ዘሎ ዝኾነ ሓላፊ ይኹን ካብቲ ውድብ ጥር እትብል ደገፍ ዘይሕተቶ ሓዱሽ ዝረሰነ ደምን ኣተሓሳስባን ዝመርሖ ናይ ሓዱሽ ትውልዲ ውድብ እዩ ዝኸውን ይብሉ። ምእንተዙይ ድማ ህወሓት ስጉምቲ እዚ ሓዱሽ ወለዶ ካብ እተዕንቅፍ ብሰላም እንተትዓርፍ ታሪኻዊ ክብሪ ክትሽለም ነይራ ብመባል ይምዕዱ። ከምኡ እንተዘይገይራ እዚ ኩሉ ብሕማቕን ፅቡቕን ዝፀሓፈቶ መዋእል ታሪኻ ብምሉኡ ክትድምስሶ ትኽእል ብምባል ብዘየናሕሲ የጠንቅቑ።

እዚ መርገፂ ዘስጉሙ ሰባት ውሕድ ዝበሉ እኳ እንተኾኑ፤ ዘምፅእዎ መርትዖ ግን ሸለል ኢልካ ዝስገር ኣይኮነን። ኣመራርሓ ህወሓት ተፀሚቖም ጥብ ዘብልዎ ምሕዞ ሓርቢትዎም ክነሱ፤ ንዝሓለፉ ርብዒ ክፍለዘመን ኣብታ ዝነበሩላ ናይ በዓቲ ሕጊ ነቍጦም፤ ዝለዋወጥ መድረኻትን ጠለብ ሓፋሽን ከይርእዩ መጋረጃ እምኒ ተኸዊሎም ትብተኸኒ ኢሎም፤ ማዕፀኦም ንድሕሪት ሃርሂሮም፤ መንገዲ ዓወት ካባና ወድያ ዝፈልጣ የለን ኢሎም ብጃህራን ዳንኬራን ሓምቢጦም፤ ክሕብሮም ንዝመፀ ሕሉቕ ሽማሽም ለጢፎም፤ ሓዱሽ ሓሳብ ንዘስምዕ ሰብ ውጉዝ ከመኣርዮስ ኢሎም፤ ሰብ ከም በጊዕ ኣብ ሓንቲ ፅላል ክዓጎሎም … ኣብ መንገዲ ረኺቦም ከይፈንቀልዎ ዘሓለፉ እምኒ የለን። ስለዚ ሕዚ እቲ ሓፋሽ፤ ከም ሞሞና ብደውኩም ቆንቍንኩም፤ ኣንጉዕን ብርክን ፀንፊፍኩም ንዓይነት ጥራሕ ደው ኢልኩም ዘለኹም ኢኹም እንተበሎም ነውሪ የብሉን። ዝፀሞቕካዮ ዕረ ትጥዕሞ እምበር ናበይ ድሕር ድሕርየ።

እዙይ ማለት ግን፤ ሕዚ መቓብር ህወሓት ንእለታ ክርኢ ኣለኒ ናብ ዘብል ርቡፅ ኣካይዳ ክወስደና ኣይግባእን። ርግፅ እቲ ዘንትእለት ነባሪ ህዝቢ ትግራይን እቲ ከም ማንም ውድብ ዝተፈጥረ ዓብዩ ኣሪጉ ዝመውትን ወድብ ብተፈጥሮ ሓደ ኣይኮኑን። ኣብ ታሪኽ ግን ብሓደ ዓትዒቶም ዝሓዝዎ መትከላት ነይሮም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሱም ደርባውን ብሄራውን ወፅዓ ነይሩ። ነዚ በሰልኡ ተቐቢላ ህወሓት መሪሓ ኣቃሊሳቶ እያ። ነዚ ታሪኽ እዚ ህዝቢ ትግራይ ከም ወርቃዊ ታሪኽ ክውሰደሉ፤ ስውኣቱን ስድራ ስውኣቱን፤ ውጉኣቱ፤ ሓወልቱ፤ ተጋደልቱ፤ ክብረ በዓላት ቃልሱ፤ ኣብቲ ቃልሲ ዘጥረዮም መሰላቱ ከም ዓይኒ ብሌኑ ክሕብሐቡ ክመሓለፉ ይደሊ እዩ።

ስለዙይ ታሪኹ ምእንተ ኣደዳ ኾማሮን አቃጣሮን ከይኸውን፤ ብስሩውን ምእንቲ ንድሕሪት ከይኽበስ፤ ምስታ ወርቃዊ ዘመን ቃልሱ ዝመርሓቶ ህወሓት ብሓደ ረፋድ ቃል ኪዳኑ ከምሉቕ ኣይደልን። እንተቕቢፃ’ውን ብወግዕን ብሕግን ክተቕብል እዩ ዝደልያ። ስለዚ ሕዚ ናብ መቓብር ትውረድ ኢልካ ምፍካር፤ ምስ ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ከም ምግጣም እዩ ዝሕሰብ።

ካልኣይ ህወሓት ዋላ ከም ጫዓ ብደዋ እንተቆንቆነት ሕዚ ኣብዛ ሃገር ፎሎኽሎኽ ካብ ዝብሉ ካብ ማንም ውድብ ንላዕሊ ካዕቢ ተሞክሮ ዝደለበት፤ ዕቑር ማዕኸን ሽሻይ ዘለዋ ውድብ ምኳኑ ምኽሓድ ኣይከኣልን። ስለዙይ ከይመዝመዝካን ከይሰነቕካን የለን ሕዚ ደኣ ራዕ ኢልኪ ዑና ኹኒ ምባል ኣይከኣልን።

ሳልሳይን ቀሊልን ነጥቢ፤ ህወሓት ስቅ ኢልካ ሕዚ ቀብርኺ እንተዘይረአኹ እትብላ ውን ኣይኮነትን ዘላ። ነዊሕ እዋን ዋላ ብዝተፈላለየ ድልየት ተኣክቦም፤ ከበድትን ፈኮስትን ብረት ዝዓጠቑ ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ኣባላት ዘለዉዋ እያ። ብሓደ ንሓሙሽተ ከም ቅጥኒ ዘሪጋ፤ ከም ዓለባ ሳርየት ሰፋፍያ ዝሓዘቶ ማሕበረሰብ ኣሎ። እዙይ ብቐሊሉ ከም ጡጥ ፋሪኽካ ተፋኹሶ ማለት የዋህነት እዩ። ብሓፂር ኣዘራርባ፤ ካብ ኣወዳድባ፤ ካብ ኣጓሳጉሳ ህዝቢ፤ ካብ ኣተዓቓቐባ ሚስጢር፤ ካብ ውፍይነት፤ ካብ ቆራፅ መርገፂ ፤ ካብ ፃዕራምነት ወዘተ ህወሓት ስንቂ ህይወት ከይወሰድካ፤ ኣቲ ውድብ ንዒ ዘወር በሊ ከይርኤኪ ምባል ዝሰሪ ሓሳብ ኣይመስልን።

 

 

 

 

 

2) ኣይንኣምንን  

እቲ ካልኣይ ግብረ መልሲ ሓፋሽ፤ ህወሓት ተዓርያ ኢልና ኣይንኣምንን ዝብል እዩ። ተመንያ ዘርአየስ ብልሕፂ ተዳህለ። ኣብዚ እምነት’ዚ ዝተጠርነፈ ሰብ ድማ ካብ ኩሉ ብዝሕ ይብል። እዚኦም ኣብቲ ዝሓዝዎ እምነት ኩምራ መርትዖ ስለዝፅፍፅፉ፤ ምስኦም ክትዕ ዝጀመረ ሰብ ብዙሕ ከይሰደረ ኢዱ ንዓቐብ ክገብር ዘገድዱ እዮም። መርተዐኦም ንኸምርዝዙ ድማ ቁሩብ ንድሕሪት እውን የንዳዕድዑ። ብ1985 ዓም ተጋዳላይ ህወሓት ነቲ ኣመራርሓ ከም ዓሳ ብርእስኻ ምጭናው ጀሚርካ ክብል ኣምሪሩ ነቐፈ። ውድብ ድማ ነዚ ግብረ መልሲ ኢላ፤ ጎራሓት “መሓዙት” ውድባትን ስንኩል ምኽንያትን ተዓጢቓ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ራሕረሓቶ። ሽዑ እቲ ኣመራርሓ ነብሱ ክንዲ ዝፍትሽ ቂም ነኺሱ ካብ ክሳደይ ክሳድ ወድነይ ክብል ኣብ ማሕዘል እናረረወ ቤተመንግስቲ ሚኒሊክ ኣብ ዘእተዎ ተጋዳላይ ጨከነ፤ ከሓደ። ተጋዳላይ በተነ። ተጋዳላይ ኣሪጎም ናብ ዝፀንሕዎ ወለዱ ተመሊሱ ተጠዋሪ ኮነ። እዙይ ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፤ ስድራ ገድሊ ዝኾነ መላእ ህዝቢ ትግራይ ነቶም ከዳዓት ዝበሎም ካብ ከብዱ ሓጢጡ ክድርብዮም ምኽንያት ኮነ።

እዚ ኣንቀፀ ክሕደት ይብሃል። ናይ ክሕደት መጀመርታ ማለት እዩ። (እቶም ኩልሻዕ ዝፅሕፉ ጀነራላት ጆቤን ፃድቃንን፤ እዚ ኩሉ ብርዖም እንትድሕዳሕ ኣብዚ ጉዳይ ብሒም ክብሉ ዘይምኽኣሎም ሚሒር የተዓዛዝብ፤ ብጣዕሚ የተዓዛዝብ)። ብዝኾነ ብዘይ ተካኢ ሓይሊ ዝተረፉ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እዩ። ደሓር “ሳያርፋ ያረፋ” ኣድሪፎም።

ድሕሪኡ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመት ንደገ መንገፍ ጥር አንተየበሉ፤ ገዛ ዓፅዮም ከኹድዱ ቀነዩ። መጨረሽኡ ርእዮታ ዓለም ፍልልይ ዘይብሎም ክነሶም፤ በኺትና ኢና ክብሉ ነንርእሶም ተመናጨቱ። (93 ዓም እኮ እዩ። ንሓዲኡ “ተሃድሶ” ፍስሃ ወ ሰላም፣ ንሓዲኡ ምፅኣተ ኣለም፣ ንገሊኡ ደንገርገርን ፅልምትመትን።) ህዝቢ ብደገ ኮይኑ “እንተደሊኹም ኩልኹም ውፁ ማህፀንና ወላድ እዩ። ኣደዳ እሰይ እሰይ ፀላኢ ከይትገብሩና ግና ምኸሩ” ክብል ምዒድዎም። ማዕዳ መምህሮም ክሰምዑ ስለዘይከኣሉ ድማ፤ ናብቶም ጊዚያዊ ጠበርቶምን ዘለቕቲ ሓግሐግቶም ከይዶም ተሳሓሲሖም። መጨረሻ ስንክሳር ጎራሓት ኣጥበንቢኑ ኣውዲቕዎም። “እኛ በኛ” ጠጥዒ ለሚዶም። እቲ ግራት መሓሞድያ ወቒዕዎስ ሃጕጉ። ህዝቢ መጎጎ ቀርፂፁ ግራትና ቃዲሩ ክብል አእወየ። ኣብ መንጉኡ እቲ ልቦም ኣውዲቆም ዝኣመንዎ መራሒ ብሃንደበት ስኢኖሞ።

ድሕሪኡ ዝገደፈልና ልፋፈ ፅድቂ ኣሎሞ ሃዋርያታቱ ክነትግብሮ ኢና በሉ። ንዕኡ ዘትግብር ዘይኮነስ ንዕኡ ዋርድያ ጠጠው ኢሉ ዝሕሉ ሰብ እውን መደቡ። ተፀበ እንተበልካ ግን ብዘይካ ሓንቲ ጭርሖ ጥብ እትብል ዓኾር እኳ ተሳእነት። ብጭርሖ “ሌጋሲ” ዓዲ ብዓዳ ተሓቢፃ ። እታ ሌጋሲ ኣብ ኢድ መን ከምዘላ ግን ተሳእነት። ፈሲ ቡኻርያ። መለስ ይትረፍ ካብዛ ዓለም ሓሊፉስ፤ እንተዝህልው እኳ ምስዛ ተቐያያሪት ዓለም ክደርግ ለይትን ቀትርን ሰሪሑ ኣይመርከበላን እንተተባህለ፤ ግዲ የብልኩምን ሕድሩ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ዝብላዕ ክቕየር እዩ ኢሎም ኣቕበፁ። ዓሻ እምቢ ጠንጠነለይ ኢሉ ይስዕር ከምዝበሃል።  

ብዙሕ ኣይፀንሓን፤ ኩሉ መዓልቲ ድሒኑ ሓደ መዓልቲ ግን ዘይዳሕና ኮነ። ሓፋሽ ብእንመርሖም መራሕቲ ክንምራሕ ጋዶ በለ። እወ ንሶም ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ተምተገተሩ ፍሒት ኣይበሉን። ደሓር ጋርጋርን ሸኸርከርን ከምዘይተዋፅኦም ፈሊጦም ወይ ዕድመ ከናውሑ ጎሪሖም፤   ሓፋሽ ኢኻ ልከዕ እስቲ ንገረና ክብሉ ነፀልኦም ዘርጊሖም ለመኑ። ዘረባ እርይ ምሰበሉ እቲ ገጢሙ ዘሎ ዕብየት ዝጠለቦ እዩሞ ንፋስ እንተሂብካና ክነመዓራሪ ኢና ክብሉ ተመሕፀኑ። ከምኦም ዕድለኛ ፍጥረት የለን። ሓፋሽ ዕድል ሂብዎም።

ኣብታ ፀባብ እዋን ተኣኪቦም ብሪቕሪቕ ዝብላ ጭርሖታት ብቀዳማይ ሚኒስተሮም እንተይተረፈ ንቕድሚት ኣምፂኦም ዘረባ ኳሓሉ። ሓፋሽ ክንደይ ከምዝሕስዉ ክሰምዕ ተዓዘበ እምበር ክኣምኖም ኣይከኣለን። መበል 12 ጉባኤ ህወሓት መፀ። ሽዑ “ደርሆ ሼጥና ፍትሒ ንዕድግ ኣለና” ክብል ህዝቢ ነገሮም። ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጀሚሮም “ሓፋሽ ሓቅኻ ኢኻ” ክብሉ ዝጀመሩ መራሕቲ ህወሓት ሽዑ’ውን ንዝተባህለ ኩሉ እማን እዩ ኢሎም ጠቢሮም ሰገርዎ። ዝተነግሮም ፀገማት ግን ኣብ ክንዲ ሰብ ኣልሾም ዘዋስብዎ፤ ኣድራሻ ኣብ ዘይብሉ ጎዲፍ ማርያም ከይዶም ሰንደይዎ። ይገርም እዩ፤ እቲ ተደቢሮም “እሺ” ዝብልዎ ዘረባ እውን እናቕሓረና መፀ። ቃል ዓለም ስለዝኾነ።

ስለዙይ ኣብ ገዛ ቃልዓለም ክሳብ ክንደይ ክንበር ኮይኑ፤ ዓቕሎም ስለዝፀበቦም ኮንፈረንስ’ባ ጉባኤ’ባ እናተፀወዐ፤ ህዝቢ ተንፍስ ተባሂሉ። ባዕሎም ኣብ ዝኣተውዋ መፈንጥራ ድቃስ ሓርቢትዎም። ናይቲ ሕቶ መልክዕ ድማ እቲ ንቡር ናይ ፍትሕን መሰረተ ልምዓትን ሕቶ ጥራሕ ካብ ምኳን ዘሊሉ፤ ናብ ህልውና ጉዳይ ሰጊሩ። ብሰሩ ኩርንኩሪት ኣሲርኩም ንጥቕዓት ሂብኩምና፤ ስለዚ ምህላውኩም ጥራሕ ኢና ክነፈልጥ እንደሊ’ምበር ካባኹም እንፅበዮ የለን ክብል ኣብ ኣፎም ነገሮም። እንተተላዒልና ዕርግያ ዘይኮንና እናዓፁስ ንዓኹም ክንሻመየኩም ኢና ክብል ፍለጡላ ንባዕልኹም በሎም። ካብዚ ዝኸብድ ውርደት ዝርአየ ዓይኑ ይብራህ!

ሕዚ ናይ መወዳእታ ፃዕረ ሞት ንልዕሊ 35 መዓልቲ ገዛ ዓፅዮም ተመያይጦም። ኣብ መወዳእታ ዝቕየድ ከምዝቐየዱ፤ ዝጉለል ከምዝጎለሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እዙይ ኣጠቓሊልካ እንትርአ ብተመን ዝተነኽሰ ብልሕፂ ተዳህለ ስለዝኾነ መጨበጢ የብሉን። እዚ ኩሉ ዘበን ሓፋሽ ካብ ማዕዳን መጠንቀቕታን ዓዲ ኣይወዓለን። ንሶም ድማ ርዖ ኣንፂፎም ካብ ምድቃስ ዓዲ ኣይውዓሉን። ስለዚ ብመንታይ ክንኣምኖም ክብሉ ኣብዚ ኣራእያ ዘለዉ ሰባት ይከራኸሩ።

ነዚ ኣራእያ’ዚ መልሲ ክህቡ ዝኽእሉ ባዕላቶም እቶም ኣመራርሓ ጥራሕ እዮም።

  1. 3. እቲ ገምጋም ምንጥል ስልጣን ዛንዳታት እዩ ምበር ፅርየት ኣይኮነን።

እዚኦም ሕልፍ ኢሎም ከይዶም ቁሸታውን ጎጣውን ሽም ኣምፂኦም ነቲ ሕዚ ዝተገብረ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ዓልየታውን ዛንዳውን መልክዕ ዝህቡ እዮም። እዙይ ደቂቕ ጉዳይ እንተዝኾን ‘ሞ፤ የለን ኣይፋሉን ኢልካ ጥራሕ እንተዝሕለፍ ፅቡቕ ምኾነ።

ብርግፅ ከምዚ ዝበለ ዛንዳውን ፀቢብ ኣተሓሳስባን፤ ኣብ ተስፋ ዝቆረፀ ሃዋህውን ባይታን ፈለኽለኽ ምባል ዝጅምር ብምኳኑ ንምንታይ መፀ ኢልካ ብኣልማሚት ዝኹነን ኣይኮነን። ነቲ ዝፈጠሮ ጀቐጀቐ ምንፃፍ ሓደገኝነት እቲ ኣራእያ ኣብ ጭኾል ኣውፂእኻ ምውቃዕን ግን ግቡእ እዩ።

ኣሸበሸብ ሕዚ ምስቲ በፂሕናዮ ዘለና ፀፍሒ ምዕባለ ክነዋድዶ ዘለና መሳርዕ ኣሎ ምባል ነውሪ ኣይኮነን። ሳላ ብዘይ ኣፈላላይ ዝተቓለስና፤ ሳላ በታ ዘላ ዓቕምና ዝነቓሕና ዝተመሃርና እንታይ ይግበር ከምዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርእሰ ምርኮሳ ነብስና ክንኣሊ ዘኽእል ዓይኒ ኣለና። ደው በል ከም ኣርዑት ኣብ እንግዳዕኻ ፀቒጠ ክብለፀልካ ዝብል ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ሕዚ ገመድ ክመልስ ተዘይኮይኑ ዝዕሸወሉ ህዝቢ የለን። ስለዚ ከምቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ኣብ ዝኾነት ነቑጣ ዘሎ ሰብ ንዕኡ ብዝመስልን ብዝኣምነሉን ሰብ ክውከል ይግባእ። ይትረፍ ከባቢ፤ ብተዋፅኦ ፆታ፤ ሃይማኖት ከምኡውን ዓውደ ሰራሕቲ ኣብቲ ስልጣን እንተተወከሉ እዩ እፎይታን ስምዒት ዋንነትን ዝፈጥር። ብምኳኑ ድማ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ኣማራፅታት ኩሎም ክፍተሹ፤ ብውዲ ብግዲ ድማ ዝውክለና ሰብ ክቕመጥ ኣለዎ ኢልካ ኩርኳሕ ምኳን ግቡእ እዩ። ክኸውን እውን ይግባእ።

ግን ነስተብህል! ሓንቲ እመት ከይሰደርካ ንምጉርባስ ክንብገስ የብልናን። ካብ ኩሉ ግን ካብ ፀቢብነት ጎጣውንት ክንብገስ የብልናን። ሕሰብዎ እንዶ! ሕዚ ዘለናሉ ሚዲሚዶ ቃልሲ እንቅዓ ጉዕርን ፃህያይን ዘለዉዎ እዩ። ብጨገረት ዘይራኸቡ ድቓላ ሓይልታት፤ ትምክሕቲ ኣብ ዝብል ከረጢት ተኸይጦም፤ ብንዕቐት ዓዊሮም ኣላታን የብላን ሕልኮ ግብግብ ገጢሞምልና ዘለዉ ግዜ ኣለና። ከም ስጋ ቀረመት ብጎጥ መታቲሮም ኣሰር መሰደርና ከጥፍኡናን፤ ባይታ ዘቢጥና ዘምፀእናያ ኩላሶ ካብ ኣፍና ክምዝዝዑን   ባይታ ይዘብጡ ኣለዉ።

ነዚኦም ሕዚ ይትረፍ ብጎጥ ተጎዚና፤ ከም ሻምበቆ ረቢብና ክነፅምበዖም እኳ ንጋዶ እዩ። ሓግሒግና ክነውድቆም እንኽእለላ ኣማራፂት ሕብረት እያ። ብስሩ ቅዱምን ድሑርን ታሪኻዊ ባይታና ሓደ ምኳንና እዩ ዝንበብ።   እዙይ ዘይፈልጥ ትግራዋይ ዘሎ ኣይመስለንን።

ስለዚ እዛ ካልእ ሸውዓተ መጉየየ ግራት እናሃለዋ ናብ ጎጥ ምፅባብ ዝጀመረት ቍልዒን አራእያ ፈኸም ትብል ስለዘላ ፅያፋ ዘይከተተት ኣለዋ።   ምኢቲ ነኳላት ንዘለዋ፤ ባዕላውን   ህይወት ስኢነ ነይረ ንዝበለት ህወሓት መትሓዚ ዘይሰኣናላስ ሒዙ በዘየፅንዕ መሓውራ እንተዘይኣተናያ እዩ ክሕሸና።  

ብመሰረቱ ፀላእቲ ትግራዋይ ነዚ ህዝቢ’ዚ እንተተላዒሉ ፈፂምና ኣይንኽእሎን ኢሎም ዝለዝሓሰቡ፤ ንዕኡ ዝጭቁኑላ ዝነበረት ምሸ ሓንቲ እያ። ንትግራዋይ ዝወቕጡላ ዝነበሩ መጉእ ሓንቲ እያ፤ መንነትን ኣተሓሳስባን ተግራዋይ ኢሎም ዝዕቅኑላ መትከል ውን ሓንቲ እያ። ብሓፂሩ ትግራዋይ ኣብ ዝኾነ ኹርናዕ ትግራይ ይወለድ ኣብ ቅድሚ ዓቀይቶት ትግራዋይ ጥራሕ እዩ።

ምእንትኡ ድማ ይትረፍ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዝነበረ ነጨበረር ትግራዋይኳ ብዘይ ኣፈላላይ ዝውፅዕ ስጉምቲ ይወስዱ ነበሩ። ንኣብነት ቋንቋኻ ከይትዛረብ ኢሎም ነይሮም እንቴልና ኣብ ልዕሊ ሓደን ክልተን ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝነበረ ትግራዋይ ሞት ፈሪዶም ማለት ነይሩ። ባዕልኹም ክተመሓድሩ ኣይትኽእሉን ኢሎምና እንተነይሮም ኣብ ልዕሊ መንነትና ሞት ፈሪዶም ነይሮም ማለት እዩ።

እዚ ምስኮነ ትግራይ ወሸን ኢላ ብዘይ ኣፈላላይ ኩላ ተቓሊሳ። ኣብ ቃልሲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝሃበካ ምቕባል እምበር ምፅብፃብ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ፀሓይ ኣብ ሓንቲ ከተማ 2500 ወገናትና ብናፓል ፋሽሽቲ ተቐዚፎም። እዚ ፅሑፍቶ ወይ ዕድል ኣይኮነን። እዚ ኣብ ከይዲ ቃልሲ ዝፍጠር ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ነይሩ።። ብሓንቲ ፀሓይ 2500 መናእሰይ ናብ ቃልሲ ዘሰለፈት ወረዳ ድማ ነይራ። እዙይ ውን ፅሑፍቶ ወይ ዕድል ኣይነበረን። ኣብ ከይዲ ቃልሲ እቲ ህዝቢ ከም እንኮ መፍትሒ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነይሩ። ሓደ ብመፅብዓ ወሊዳ መሪቓ ምስቲ ቃልሲ ጋማ ዘእሰረት ወላዲት ኣላ። ሸውዓተ ወሊዳ ቦኽርን ሕሳስልደን ሓጢጣ ኣማራሪሓ “ንቓልሲ ዘይትኸውን ነብስስ ኣይትፈጠር” ኢላ በይና ሓደ መስርዕ ህወሓት ዝመልአት ማህፀን ኣላ። ቀፀፅ እንተዝነብር ተመዓዳዲኻ ጠጠው እምበር ናብቲ ሕዚ ዝበፃሕናዮ ከብሒ ሰተት ኢልና ኣይምበፃሕናን። ሕልሚ እዩ። ስለዚ እቲ ሕዚ ኮይኑ ዘሎ ነገር ቃልስን ታሪኻዊ ኣጋጣምን ዝፈጠርዎ እዩ። ሰብ ክጋደል፤ ንመስዋእትነት ክወፍር እንተሎ ከይተፃባፀብካ ሕዚ ብዝሓዞ ብርኪ ምፅብፃብ ራሕሲ ዘይብሉ ንቑፅ ኣራእያ እዩ ዝኸውን።

ብስሩውን ንጎጣዊ ኣራእያ ክንፍንፍን ዘለና ናይ ድሕሪት ታሪኽና ብምቁማት ጥራሕ ኣይኮነን። ጎጣዊ ኣራእያ ንቕድሚት ስድሪውን ስለዘይወስድ እዩ። ክንፈትሖ እንደሊ ፀገም ብማዕፆ ጎጥ እንተኣቲናዮ ከፅድፈና ‘ምበር ከተኣናግደና ኣይኽእልን።

4 ተዓርዮም እዮም

እቲ ራብዓይ ኣራእያ ሓፋሽ፤ ሎምስ ብዘይ ቃልዓለም ተዓርዮም እዮም ዝብል እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣራእያ ዘስጉሙ መብዛሕቶም፤ እቶም ቅድም ክብል’ውን ውድብ መንገፍ ኣይነበራን ዝብሉን   ሕሉፍ ሓሊፍዎም ሽም ውልቀ መራሒ እናጠቐሱ “ኣይዞኻ እገለ” እናበሉ ሰብ ብዝበልዖ እናኾምስዑ ዝነበሩ በላዕቲ ምሸሓዳርን ኩስምን ምኳኖም ጋህዲ እዩ። እዚኣቶም ካብ ሕሽክርናን ክድምናን ወፂኦም ናብ ናይ ባዕሎም መንፈስ ክሳብ ዝምለሱ ምፅባይ እዩ።

እንተኾነ ካብቲ ምኽንያታዊ ሰብ እውን ተዓርዮም ይመስሉ ዝብል ዘረባ ክዝረብ እንሰምዓሉ ሳሕቲ ኣሎ። ነዚ ዘቕርብዎ መርትዖ ድማ፤ ፈለማ እቲ ገምጋም ኣብ መሰረተ መትከል፤ ጭቡጥ ኩነታት፤ ከምኡውን ትንታነ ኣሰላልፉ ሓይልታት ዝጀመረ እዩ ይብሉ። ካብኡ ሓሊፋ ካብቲ ሕሉፍ ፍልይ ኢሉ፤ ናብ ውልቀ ሰባት ወሪዱ እዩ። እቶም ኣብ ዘይመዓልቶም ገለል በሉልና ተባሂሎም ዝነበሩ ዝሓሹ መራሕቲ ዝተሳተፋሉ ምንባሩ ድማ ኣብ ኣካይድኡ ክፀፍፍ ይኽእለ እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘውፅእዎ መግለፂውን፤ ህይወት ዘይብሉ ውድብ ከምዝነበረ ስለዘቐመጠ ተዓርዮም ኣለዉ ክብሃል ይከኣል። ተኣማኒቶ   ወዲኦም እንተዘይተባህሉ ‘ኳ፤ ሱር እቲ መንሽሮ ቦርቝቆሞ፤ እታ ባቡር እትኸደሉ ሃዲድውን ዘርጊሖሞ ኣለዉ ይብሉ።

ስለዚ ኣፀቢቆም ክሳብ ዝድልድሉ ድሕሪ ሕዚ ዘሎ ጊዜ ካብቲ ዝተፀበናዮ ስለዘይኸፍአና ተወሳኺ ጊዜ ክነእውዶም ይከኣል ‘ዩ ብምባል ይምዕዱ። ኣብ ልዐሊ እዚ ኣራእያ ብደገ ኮይንካ ዝውሃብ መልሲ የለን። ትንቢት ግን ኣይኽልከልን። ይግበረሎም እዩ! እሞ ኣብዚ ምዕራይ ኩላትና ኢድ ክህልወና ስለ ዝግባእ ኣብ ቀፃሊ ፅሑፍና፣ እንታይ ከግበር ኣለዎ? መን እንታይ ይግበር? ወዘተ ዝብል ሒዝና ክንቀረብ ኢና። ቅድሚኡ ግን እቶም ኣብዙይ ዘውደቑና ፀገማት እንታይ ነይሮም ምፍላጦም ንድሓር ‘ውን ከይድገሙ ስለ ዝሕግዝ ኣብቶም ዝነበሩ ፀገማት ምግላፅን መግላህን ክነድህብ።

ሪፓብሊክ ፀብፃብ ሕሶት

ኣብ ዘበን ሳዳም ዝነበረት ዒራቕ፤ ዙርያመለሽ ፖለቲካውን ሰብኣውን ምህዳራ ተዓዚቡ ክገልፃ ዝተበገሰ ሓደ ናይ ታይም መጋዘን ፀሓፊ “ኣብ ዘመን ሳዳም ዘላ ዒራቕ ጥቕልል ኣቢልካ ሪፓብሊክ ፍርሒ” ክትብሃል ኣለዋ በለ። ሽዑ ብሪፓብሊካን ጋርድ ዝሕሎ መንግስቲ፤ ሸውዓተ ቤተመንግስቲ ሃኒፁ ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍለጥ መራሒ፤ ብሒም ዝበለ ብኣሽሓት ሰለልትን ጋንግስተርን ኣብ ዝተረኽበሉ ከም ፅንፅያ ዝርምተት ሓፋሽ፤ ሳዳም ኣብ ዝተበረሆ መዓልቲ ንዓ “ኣነ ክቕፅል ዶ ኣይፋል vote of confidence ሃብ” እናተባህለ ዝምንጠል ህዝቢ ኮታ መሳርሒ ሓደ ገባሪ ሓዳጊ ውልቀ ሰብ ኮይኑ ስለዝርአያ ብጣቓ ፍርሒ ዘተሸመመት ዓዲ ክብላ ንቡር ኮነ። ሕዚ ኣነ’ውን ካብቲ ፀሓፊ ሓንቲ ቃል ተለቂሔ፤ ትግራይ ሪፓብሊክ ፀብፃብ ሕሶትን ተስፋ ቅብፀትን ክብላ። እዙይ ነናብ ሕድሕድ መሓውር እናውረድኩ ከርእየኩም ሓዙ፤

ኣመራርሓ

ርግፅ ትግራይ ኣብ ውልቀ ሓደ መራሒ ዝወደቐት ኣይኮነትን። ብሰናይ ፍቓድ ሓለፍቲ ዘይኮነትስ ወድዓዊ ባህላን ቅርፂ ማሕበረሰባን’ውን ስለዘይፈቅድ አዩ። ኣብ ውልቀ ሓደ ብኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዝተጠመረ፤ ኣይተተንክፉኒ በሃሊ ተኣናፊ፤ መራሒ ዘይኮነስ ዝተበልዐ ሕድሪ ደው ዝበለ ሓለዋ ጋንታ፤ ሓሉ ምስበልዎ ንባዕሉ ከም መራሒ ዝቆፀረ፤ እቲ ወረጃ ህዝቢ ኩሉ ከሕልፍ ኢሉ ድንን ምስበለሉ   ከዕሽዎ ዝመረፀ፤   ብርጡጥ ዓቀይታይ፤ ቅድም ክብል ዕርቡን አሕሊፈልካ ስለዝኾነኩ ሕዚ እንተደቀስኩ ከይትንቐንቐኒ ኢሉ ዝሻህረተ፤ ምስሉይን ዓርስን … ኣመራርሓ ብዘይ ደረት ዝዓንደረላ እያ ኮይና።

እዝክር እዋን ስግግር መንግስቲ ኮይኑ ትግራይ ክልላዊ መሓውር እንትትምስርት፤ ሓለፍቲ ቢሮታት ኮይኖም ዝተመደቡ ነዊሕ ራእይ ሰነቖም ዓዶም ንኸገልግሉ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመፁ ምሁራን ተጋሩ እዮም ዝነበሩ። ንሶም ትልሚ ልምዓት ነዊሕ ዘበን ብሳይንሳዊ መንገዲ ኣውፂኦም ክመርሑ ጀሚሮም ነበሩ። ሽዑ እቲ ተጋደልቲ በቲኑ ስልጣን ክብሕት ዝቃዳደም ቅንጣብ ራእይ ዘይነበሮ በለፀኛ ግን፤ ንስጉምቲ እቶም ምሁራን ብኣንፃር ረብሓ ትግራይ ዘይኮነስ፤ ምስጋንኡ ከምዝመንጠልዎ ማለት ንሕና ብዝተጋደልናሎም ኣብ ዝነበሩ ነይሮም ወንበር ሒዞም በዝብል ሓሳድ ኣራእያ ይግምግሞም ነበረ። ስለዘይተመህረ እምበር ስልጣን ከምዝርከብ እናተሓነየ ድሕሪ ምፅናሕ ድማ፤ ፈቆድኡ ከይዱ ብሰላዕ በጣዕ ተማሂርና እናበለ ወረቐት እናምፅኣ፤ ካብቶም ተወላወልቲ ኢሉ ዝመደቦም ምሁራን ስልጣን እናተመንዝዐ ክወሃቦ ገበረ። እቶም ምሁራት ድማ ዓኾር እናደርበዩ ብዓሰርተ ዕፅፊ ናብ ዝበልፅ ቦትኦም ከዱ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ትግራይ ስልጣን ማለት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ተጋደልቲ ነበር ኣትያ። ካቢኔ (ሓለፍቲ ቢሮ) ብምሉኣ ናይ ብቕዓት ምኳና ተሪፉ፤ ናይ ምግዳል ካሕሳ ወይ ጥሮታ እትኽፈለላ ዓውደ ስራሕ ኮነት። ሓላፍነት ወረዳውን፤ ተጋዳላይ ነበር ከይዱ ዘዕርፈላ ሕዛእቲ (ማገገምያ) ኮይና ተፈለየት። ሽዑ እቲ ስልጣን ማለት ብምግዳሉ ዝተዋህቦ ብፅሒት ገይሩ ዝቆፀረ ቢሮ ሓላፊ፤ ኣብ ሓደ ቢሮ እንተጥፊኡ ቅፅዓቱ ናብ ካልእ ቢሮ ምኽያድ ኮነት። ኣይተ መለስ ዝተረኽቡሉ ፅርየትን ምትዕርራይን ተገይሩ ይብሃል ነበረ ኣብ ከይዲ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፤ “መንዶኾን ካብ ቢሮ ትምህርቲ ንሕርሻን ገጠርን፤ ክስቶ ድማ ካብ ህወሓት ቢሮ ኣልዒሎም ንቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ገይሮምዎም” ይብሃል። ኣመሓዳሪ ወረዳውን ከምኡ። ልዕሊ 15 ዓመት ኣብ 4 ቢሮ እናተቐያየረ፤ ልዕሊ 20 ዓመት ዳርጋ ርብዒ ወረዳታት ትግራይ ሽምበለል እነናበለ ዘመሓደረ፤ ሰብ ኣሎ እንትብለኩም ክድንፅወኩም ኣይግባእን።

ኣይተ መለስ ነብሶም ይምሓር ተለኣኣኺ ይፈትዉ ነይሮም። ንኣብነት እገለ ነቲ ዓውዲ ከይፈለጦ ከመይ ገይሩ ቲቪኢቲ ይመርሕ እንተበልካዮም፤ “ክለኣኽ እንተኺኢሉ እኹል እዩ” ይብሉ ዝነበሩ ሰብ እዮም። ግን ዓቕሎም ዘፅብብ ሕቶ እንተምፃእኻሎም ድማ “ታይ እሞ ፀፀር ገበጣ ኮይኖምና። ኾረጥ ኢልና። ንሳቶም ኢና እነሽከርክሮም” ኢሎም ዝምልሱ ሰብ ነይሮም። ሱር እቶም ሽግራት ንምርኣይ እንተኼድካ ሕዚ፤ ምናልባት ብህይወት ኣብዘየለዉ ሰባት ክርከብ ዝከኣል መኳኑ የሕዝን።

ብዝኾነ ትግራይ ስልጣን ብሕዛእቲ ብዝተኸፋፈለ፤ ቀስ አናበለ ጨው ጨው ጥዒምዎ ለካ ብዘይ ኣነስ እዛ ዓዲ ሰብ የብላን ግዲ እያ ኢሉ ብዘራጠጠ ነዳይን ጥሮተኛን እያ ትምራሕ ነይራ። እዙይ ብምኳኑ ድማ እናሓደረት ማህሚና። ዓዲ ፀብፃብን ጭርሖን ኮይና። ኣታ ጉድ አኮ እዩ፤ ሓደ ክረምቲ’ማ 70 ሚልየን ኩንታል አእቲና ውን ኢሎም። ትግራዋይ 15 ኪሎ ሴፍቲኔት እናተሰፍረ፤ ብሕልሙ ብሕንባሻ ክኮራበብ ሓግዩ ኢሎሞ። 8 ቢልየን ፈልሲ ኣብ መላእ ትግራይ ተኺልናውን ኢሎም። ሸሞንተ ቢልየን ፈልሲ ብራሕቒ ሓደ ሜትሮ ተዝትከል ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ምሸፈነ። ግን ሕያዎት መራሕትና ፀቢፀብቲ፤ ሕያዎት መራሕትና ተቐበልቲ ኮይንና ሕርየት መራእይቲ ዘበን ፄርና። ዋየ ብፀብፀብ ከመይ ድዮም ሰኺሮም ዝነበሩ። ጋዳ እቲ እንግዳዕና ዘይርብርብ። ሕርየት መራእይቲ ዘይዕፀፍ ሓያል ህዝቢ!

እዙይ ወድዙይ ኣብ መወዳእታ “አነስ ቦታ ጥራሕ ሃቡኒ’ምበር ዘይክእሎ ዶ ሃልዩ” ናብ ዝብሉ ዕስለ ዛንዳ ከደምትን ሰተት ኣቢሉ ኣውዲቑና። ንሶም ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቆም ዘይርእዩ ዝተገሰሙ ኮይኖም ኣብ ኢድና ሞይቶም። ተስፋ ቐቢፆም ተስፋ ኣስኢኖማ ዓዲ። ዳይናሚዝም ዝብሃል ኣተሓሳስባ ኣብ ትግራይ ቦታ ስኢኑ ባህግን ደረጃ ዕብየትን ዝመርሕዎ ዘለዉ ህዝቢ ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን። ክብል ክብል ዓዲ ደም ከፊላ፤ ማይ ስኢና ከርዋሕ ኢላ። ደም ከፊላ ደርሆ እናሸጠት ፍትሒ ብገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ ተጫሪታ ክትዕድግ ክኢላ። ኣሽሓት መናእሰይ ዲግሪ ተመሪቆም ማዕሮ ሸውዓተ ዓመት ዓስቦም ስራሕ ኣልቦነት ኮይኑ። ብሓፂሩ ኣመራርሓ ትግራይ ቀስ እናበለ፤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፤ ኩርዓት ህዝቢ ትግራይ፤ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ፤ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ወዘተ፤ ገሊኡ ብሽግር ግንዛበ፤ ገሊኡ ድማ ኮነ ኢሉ ኣድክዩ ንኽገዝእ ዝጨወየ ናይ በተኻት እኽብካብ ምኳኑ እዩ ኣርእዩና። መወዳእታ ትግራይ ብሕሱም ድኽነት ካብ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ። ምናልባትውን በታ ዘለናያ ወይ ዝነበርናያ እንተኼድና፤ ናብታ 11 ሰብ ንምግዳል እንትወፁ ዝነበረት ኩነታት ከይመልሱና ይስጋእ።

 

ሚድያ ትገራይ

ዘመናዊ ሚድያ ትግራይ ወዲ እቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበረ ድምፂ ወያነን ወይንን ምኳኑ ፍሉጥ እዩ። እቲ ወላዲ ድማ ንምስኻዕ ሓደ ፖለቲካውን ወታደራውን ዕላማ ዝተሰንከተን ዘገልገለን እዩ። ድሕሪ ምዝዛም ቃልሲ ዕጥቂ፤ እቲ ድምፅን ልሳንን ወያነ፤ ነተን ኣብ መፃኢት ትግራይ ዝጣየሳ ሚድያታት ቴክኒካዊ ተሞክሮ ድኣ ከሕልፍ ምተገበኦምበር፤ ወርድን ቁመትክንን ብዕቅነይ ተሰፈያ ዝብል ክኸውን ኣይነበሮም። ግንከ ሚድያ’ውን ናይ ባዕሉ ደሴት ክምስርት ስለዘይኽእል፤   ከም ሃገሩ ኣብ ትሕቲ እቶም ራእይ ዝፀንቀቑ ኣመሓደርቲ ወዲቑስ በዚኣ ኢኻ እትኸድ ክብሃል ተገዲዱ። ሽዑ ኣብ ማእኸል ዓዲ እንቅዓ ጋዜጣታት እንትወፃ፤ ኣብ ትግራይ ግን ይትረፍ ክሕተማ፤ ንየ ዝተሓትማ’ኳ ከይመፃ ተኸልከላ። ምዝራብ ተኸለኪለ እየ ብረት ዘልዓልኩ ኢሉ ዝዛረብን፤ ሓቁ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉን ተጋዳላይ፤ ብዘይካ መንገዲ ውድብ ኩሉ መንገዲ ዕንወት እዩ ኢሉ ዳሓር ኣፍኩም ዕፀዉ ክብልስ፤ ሕስብ እንተበልካዮ ባቖ እዩ። ኣይትዛረብ ንዝበልካዮ ህዝቢ ካብኣ እትበልፅ ናፅነት ታይ ከምትህቦ ፈፂሙ ኣይፍለጥን። ግን ንኣዳም ይግረሞ ኢሎም ገይሮሞ።

እቲ ዝገርም ዕብየት አናመፀ ምስከደ ‘ውን አኮ እዮም ክመሃሩ ዘይከኣሉ። ብውልቀ ፃዕረን ገዓርዓር ኢለን ክሕተማ ዝጀመራ ከባቢ 13 ዓይነት መፅሄት ትግርኛ ነይረን። ካድረታት ውድብ ብልህታት እንተዝኾኑ ከም ኣማራፂ ምምፀአን ደጊፎም፤ ዋላ ሙልጭልጭ ብዝብል ሜላ ኣብኣን ሓሳቦም እናቕረቡ ወዘተ ዕዳጋ ሓሳባት ኣብ ትግራይ ከምዝዓመረ ከምስሉ ምኽኣሉ። ግን ኣይገበርዎን። ሕሉፍ ሕልፊቱ ነቲ ከይድን ልምዓትን ብሓደ ይኹን ብኻልእ መልክዑ ዝሕግዛ እኳ እንተኾና፤ መፅሄት ብምኳነን ጥራሕ ዝርአዩ ህማ ኣተሓሳስባ ዝሓዞም ካድረታት ውድብ ህወሓት ‘ሓዘን ትለቀን’ ሽመን እናጠቐኑ ከቕህምወን ርኢና። ሚድያ ወፃኢ፤ ተወር ከይብል ገይሮም ቀይዶሞ።  

ኤፍ ኤም ራድዮ ብርቂ ዝመስሎም ሰባት ኣለዉ። ብኢንቨስትመንት ደረጃ ግን ካብ ኤፍ ኤም ሓንቲ ማእኸላይ ትሕዝቶ ዘለዋ ሆቴል ምኽፋት ትኸብድ። ኣብ ትግራይ ግን ዛጊድ ናይ ውልቂ ኤፍ ኤም ዝብሃል ኣሰር መሰደሩ የለን ክነብር ውን እቶም ናብ ስርወ መግዛእትን ጠጥዒ ሕዛእትን ይህንደዱ ዝነበሩ ኩኩናይ ካድረታት ኣይደለዩን። እተን በጀት መንግስቲ ዝስለዓለን ኤፍኤማት ድማ፤ ዕሊ ዘለዎ መልእኽቲ ሕደግዎ’ሞ፤ ነታ ቋንቃና ‘ኳ ሓቢ ክትጥዕመና ብዝሰርሑ ዕሸላት ጋዜጠኛታት መሊኦም ህዝቢ ኣብዘይ ጉዳዩ ሓሸው ክብል፤ ኣብዘይምጥኖ ፅያፉ ዘይከተተ ታራ ሰላዕ በጣዕ ክውዕል፤ ዝዓበየ ጎልጎል ስልዖ ኣየር ደማ ጭፈራን ዳንኬራን ከጉርዑሉ ይውዕሉ ኣለዉ።

እዚ ኣካይዳ ጋዶ እዩ ኢሎም ብሰንኪ መዋእል ስራሕ እናበሰሉ ክመፁን ክሓቱን ዝጀመሩ ነባራት ጋዜጠኛታት’ወን ንምልክት አኳ ክርእይዎም ዝፀልኡ ካድረታት ካብተን ሚድያታት ሓጢጦም ኣውፂኦሞም። ንዐኦም እናውፅኡ ድማ፤ ሓንቲ ናይ 15 ደቒቓ መደብ እኳ ክሰርሑን ክፅሕፉን ዝቕንዘዉ ዝነበሩ ግን ኣብ ምልእኣኽን ምኽዳምን ፅፍሮም ከሊኦም ዝነጥፋ ድኹማት ማዕሮ ናብቲ ጫፍ ዋላ ወንጭፍ ኣትሒዞም ሰቒሎምዎም። ሓደ ሓደ ጊዜኳ ኮር ተገልበጥ እንዲና እንርኢ፤ ሰቓላይ ወሪዱ ተሰቃላይ ከም ቋንጣ ነቒፁ ዝቐረየሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። lol ይብሉ ፌስቡከኛታት!

ሕዚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቖም ዘኣትዉ ፍረሻት ኣብቶም ካብ መድፍዕ ንላዕሊ ዝነጉድ ቀይሕ ቢሮ ኣትሒዞም ብዋርድያነት ዘቐመጥዎም ሰባት ታይ ከምዝመሃር ጨኒቕዎ ሸምበለል ኢሉ። እቶም መናእሰይ ጋዜጠኛታት ዝተማህርዎን ዝትግብርዎን ነገር ተዋቒዕዎም፤ ንጊዚኡ ትንፋስ ከፅንሑ ኣብቲ ደምበ ዝኣተዉ፤ ነፃነቶም ንምእዋጅ ግን መዓልቲ ከምዝፅበዩ እንትገልፁ ይስማዕ። ትግራይ ንባዕሎም መዋፅኦ ብዝፃናተው ጋዜጠኛታት ንይምሰል ትስበኽ ምህላዋ ድማ እቲ ምሽክንነኣ ዓርሞ ዘይብሉ ይገብራ። ነዊሕ ታሪኽ እንትሓፅር፤ ኣብዚ ርብዒ ክፍለዘመን እዚ ትግራይ ሚድያን ጋዜጠኛን ዝብሃል ቀቢፃ ኣብ ትሕቲ ታህዲድን ፖለቲካዊ ለመናን ዝነጥፋ ትካላት እያ መስሪታ።

ንኺድ ናብቲ ስትራቴጂ ኮሙኒኬሽን ከውፅእን ብሓበሬታ ዝማዕበለን ህዝቢ ክፈጥር እየ ኢሉ ዝንየት “ርክብ ህዝብን መንግስትን”፤ ገለ ሰባት እኳ “ቢሮ ፍልልይ ህዝብን መንግስትን” እዮም ዝብልዎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ።። እዚ መሓውር’ዚ ኣብቶም ድሕር ዝበሉ ዓመታት ጭርሖ ኣብ ምልጣፍ፤ ዳስ ኣብ ምስራሕ፤ ባልጃ ሓለፍቲ ኣብ ምኵልኳልን ሓንቲ ምልክታ ቤት ፍርዲ እተውፅእ ጋዜጣ ኣብ ምሕታምን ዝተደረተ ስራሕ ሂቦምዎ ኣብኡ ብዙሕ ዓመታት ፈፈው ኢሉ። (ዝገርመኩም እዚ ቢሮ በቶም ሽሞም ከክንዲ በጥቂ ዝኾነ ግን ንጋፍ ፍልጠት ኮሙኒኬሽን ዘይነበሮም ማእኸላዊ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስ፤ ጎበዛይ ወለኣረጋይ፤ ኪሮስ ቢተው፤ መንግስቱ ኢትባረክ ዝምራሕ ዝነበረ ምኳኑ የሕዝን።)

ዳሓር 97 ዓም ቅንጅት ብሓበሬታን ዋዕዋዕን ነግ ነግ ምሰበሎም፤ ለካ ዝቐትልስ ዘንግስስ ጎስጓስ እዩ ብምባል ነቲ ቢሮ ክሳብ ጣብያ ነዲቕዎ። እዚ እንትነድቕ ግና ስምዒት ህዝቢ ኣኪብካ፤ ወዲብካ ተንቲንካ ሓበሬታ ሂብካ፤ ህዝቢ ደልዱል ፍልጠት ክሕዝ እሞ ካብኡ ዝመስሎ ውሳነታት ንኽበፅእ ካብ ዝብል ቅንዕናን ኣዛውሮን ኣይኮነን። እዙይ እንተገይሩ ህዝቢ ደኽዩ ኣይግዘአሎምን፤ ስለዚ ኣብ ስልጣኖም መሸንቅቖ ኣተወት ማለት እያ። ስለዚ ኣብ ዓፈና ዘድሀበ ጭልጥ ዝበለ ነፍሕን፤ ንሕስያ ዘይፈልጥ ውጭምድናን ንዛሕ ተባሂሉ።

ብመሰረት ‘ዚ ‘ዞም ቢሮ አዚኦም ኣትኪሎም ኣብ ግራት ሓሶት ፀሚዶም ማሕረስ ጀሚሮም። ሓንቲ ጋዜጣ ኣብ ክልተ ሰሙን ብውሳነ ቤት ፍርዲ ሓቢፆም ከሓትሙ ቀፀሉ።  ንዓ ብነፃ ውሰድ ድማ ኢሎሞ። ህዝቢ ግን ነታ ከምኣፍንጫ ከልቢ ዝጨነወት ርዖ ክወስዳ ፈንፊንዋ። ፆማ ተደፊና እትሓድር እኖ ገባር፤ 10 ሚልየን ኣለኒ በል እትብል ጋዜጣ ታይ ክትዓብሰሉ ብነፃ’ውን ክባር እያ። 20% ዝበፅሓ ፕሮጀክት 90% በፂሑ ትብል፤ 30% ምስበፅሓ ድማ ተመሊሳ 10 በፂሑ ኢሎም ዘዛብዑ ጋዜጠኛታት ዝፅሕፍዋ ጋዜጣ ክብሪ ህዝቢ ዘይትፈልጥ ርካሽ እያ። ምእንተዙይ ድማ እታ ጋዜጣ ናብ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳታት በቢኽልተ ቅነ እናተጠመረት በፂሓ፤ ገዛ ተፈልዩላ ተጠሚራ ኣብ መኽዝን ክትቅመጥ ዝተፈርዳ ኮነት። እዚኣ ብሚልዮን በጀት ተሰሊዑላ እትህነኩት ዘላ ጋዜጣ ምፅፋፍ ዝኣበዮ ቢሮ፤ ይሰርሕ ኣሎ ንኽብሃል ጥራሕ፤ ንትግራይን ህዝባን ንጎኒ ራሕሪሑ፤ ኣሰር ኣመራርሓ ንዝብልዎም ሰባት እናተኸተሉ ካብ ሰማይ ዝወረዱ ቅዱሳን ኣምሲሎም ዝኹሕሉ ዋጦት ኣሰሊፉ “ኣዮካ አገለ” ክትብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓሸው ክተብል ትርአ’ላ።

ከም ንቡር ቢሮ ህዝቢ ርክብ ማለት ቅድሚ እቲ ህዝቢ እናመርሓ፤ ሃጓፍ ሓበሬታ ክመልእ መግለፂ መንግስቲ ዝህብ እዩ። እዚ ተልእኾኡ ዘፍፅም መሓውር ኮነ ፍልጠት ዘለዎ ግን ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ገለ ጊዚያት ተርእዮታት ክገልፅ ዘይኮነስ ከይገልፅ ናይ ምዕፋን እጃም ዝተዋህቦ’ውን ይመስለ። ንኣብነት ኣብ ነበለት ህዝቢ ምምሕዳር ቀሪቡ ይመርሓና ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ እንተብቅዕ፤ እዚ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ይኹን መንግሰቲ ከሕጉስ ኣይፍለጥን ተዓፊኑ ንኽተርፍ ፅዒሩ። ሓፋሽ ብናይ ባዕሉ ከይዲ ዝፈጥሮ ተርእዮ ይዕፍኑ። ንሶም ብቕኒቶም ዘዳለዉዎ ኢቨንት ከዕምሩ ግን ሓፋሽ ኣብ ማእኸል ጎልጎል ወፂኻ ሳዕስዕ ይብሉ። ወፂኡ ዘይሳዕሰዐ ካብ ሓዲኡ ሓዲኡ እዩ ኢሎም ጠቐር የልብሱ። ንኣብነት ነበለት ሰልፊ እንትወፅእ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይሰደደ ቢሮ ርክብ ህዝቢ፤ ኣቶ ኣባይ ንህዝቢ ነበለት “ግደፉ ኣይትሓምሰና” ክብል ኣብ ዘወፈረሉ ጊዜ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ከም ፀዋር ሕፀ ዓጂበሞ እሰትሂና ክብሉ ከይሓፈሩ መሬት ነበለት ረጊፆማ።   

እዚ ቢሮ ንሓለፍቲ ክህሉ ኩሉ ሓርቢትዎስ ማዕሮ ኣብ ፌስ ቡክ ሰብ ንኽፃረፉ በቢጊዚኡ ሰሰለስተ ሚኢቲ መልሓሶም ምግራዝ ዘድልዮ ዲበላታት እናጫጨሓ ኣዋፊሩ ነይሩ። ብክልል ደረጃ’ውን ናይ ብሉፃት ኮኸብ ተባሂሎም ልዕሊ 50 ሽሕ ቅርሺ ተሸሊሞም ነበሩ። ‘ኣቦኺ ቀሺ ሰብኣይኪ ዛቝናይ ከፍ ኢልኪ ቝረቢ’ እዩ ነገረ ዓለሙ። እታ በጀት ዝተሰለዐላ ጋዜጣ ‘ኳ ከየጠናኸርካ ዝተሰኽተተ ካልእ ድስቲ ግን፤ ንቕዱምን ድሑርን መደባት ኩሉ ሒዝዎ ሓረረ። ሓደ መንግስቲ እየ በሃሊ፤ ልክዕ ከም ሓደ ቂመኛ ሰብ፤ ሓሳቡ ንዝገልፅ ሰብ ተኹቱኽ   ኢልካ፤ እሞ ድማ ናይ ምፅሓፍ ክእለት ሃልይዎም ከይብሃል ተፃረፍቲ፤ እሞ ድማ ፀላኢ እናፍረዩልካ ንዝሓድሩ ሓምሻይ መስርዐኛታት…   ገንዘብ እናሰላዕኻ ምውፋርስ እንታይ ሕማሙ ይበሃል? ኣይሃብካ ገዓት ዓንኳ ዓንኳ !  

ብሓፂሩ እዚ ቢሮ ሰብ ንኽዛረብ ተጣይሹ እንተብቅዕ፤ ሰብ ብኹታ ኣፉ ሸፊኑ ዕዝምዝም እናበለ ክነብር ኣንፂፉ ዝሰርሕ እዩ። ስለዚ አዚ ቢሮ ክሰርሖ ዝግባእ ዘይሰርሐ፤ ክሰርሖ ዘይግባእ ዝፈተነ ዋሎ ዝኾነ ቢሮ ምኳኑ ይፍለጥ።

ትግ ቲቪ (ኤመሓት)

ናብ ትግ ቲቪ ክምለሰኩም። ትግ ቲቪ ን20 ዓመት ገኒና ካብ ዝፀንሐት ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ደምሲስካ፤ ርብዒ ክፍለ ዘመን ቀቢርካ ኣብ ልዕሊ መቓብራ ዝጠጠዓት ሙግያ ምኳና ይፍለጥ። ንሱ ጎጆ ክትቅልስ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ እንትወፅእ፤ ደልዳላ መሓውር ኣይተዋህቦን። ብሽኩላት ደለይቲ ስልጣን ተብተብ ኢሉ ዝተጣየሸ እዩ። ዳሓር አቶም ሽኩላት ብተብተብ ደይቦም ዋላ ሓንቲ ኢደ እግሪ እንተይሰርዑሉ ንውልቆም ቁሩብ ንፋስ ረኺቦም ጥራሕ ብተብተብ ተቆሪፆም። ድሕሪኦም ዝመፁ ኣብ ካልእ ሚድያ ኣኵረምቢጦም ካብ ሙያ ጋዜጠኝነት መኒኖም ክንሶም፤ ነታ ተኳሳሒት ሚድያ ካብኦም ንላዕሊ ለይትን ቀትርን ዝሕለዋ ዋርድያ የለን ተባሂሉ ብሃደን ዝመፁ እዮም።

እዚ ምስኮነ ወዮም ብወረጦ ዝመፁ ሓለፍቲ፤ ከምታ ዝተባህልዎ ሳእኒ ኣማሓደርቲ ክሳለሙ ንሓፋሽ ብትኽ ኣቢሎም ረስዕዎ። ብኣማኢት ሚልየን ዝምደበሉን ከባቢ 380 ሰራሕተኛን ዝሓዘ ትካል እናመርሑ ክንሶም፤ ናይ ባዕሎም ደሴት ሃኒፆም ካብ ሓፋሽ ተበተኹ። ንሰራሕተኛታቶም ኣሰራርሓ ዜና ምመሃር ዝሓርበቶም እዞም ሓለፍቲ፤ እግሪ ኣመሓደርቲ እናሰዓቡ ንሰራሕተኛታቶም ፅላል ከመይ ከምዝተሓዝ ከርእዩ መሬት ዓረበቶም። በዚኦም ዝምራሕ ማዕኸን ድማ ማዕኸን መልእኽቲ ዘይኮነስ ጠበቓ ሹመኛታት ኮነ። ንዝተላዕሉ ሪኢቶታትን ሕቶታትን ህዝቢ፤ ብኣንፃር ረብሓ ዓድን ሰብን ዘይኮነስ፤ ካብ ውሑዳት ኣመሓደርቲ ዝተዋህቦም ሚዛን ሒዞም እናዓቀኑ ከውድቕዎ ቀፀሉ። ነቲ መሃያ ቆፂሩ ዝኸፍሎም ህዝቢ፤ ክንዲ ፈረ ኣድሪ ምርኣይ ሲኢኖሞ ኣብ ሓምሻይ ሰቐለ ተወጢሖም፤ “ውድብ አያ ኢላታ” እትብል ሓንቲ ጭርሖ ዓርማም ሒዞም ኣንቆልቍሎም ክርእዩ ጀሚሮም።

ንድኽመታት መራሕቲ ሕንጉረ ኢሎም ከሳራስሩ ንህዝቢ ኣቆናፂቦም። ፅጋብ ኮርኒዕዎም ማዕሮ ከም ሚድያ ዘይኮኑስ ነብሶም ከም ምክትል ላዕለዎት ሓለፍቲ ገይሮም ቆፂሮም። ሓደ እዋን ወከልቲ ህዝቢ እምባሰነይቲ ሰልፊ ክገብሩ ሽፋን ክትህቡና እንተበልዎም፤ “ክትገብሩ ‘ውን ኣይግባእን፤ ክንሽፍነልኩም ‘ውን ኣይንኽእልን” ክብሉ ፊን ኣቢሉሎምስ ግደ ውድብ ሒዞም መግለፂ ሂቦም።

እዙይ አዩ ትግ ቲቪ ማለት። ድምፂ ውሑዳት ሰብ ወንበር እዩ። ምስ ዝተሓተት ስነ ምግባርን ሜላ ጋዜጠኝነትን ብዘይፋለጡ ቀራን ካድራት ዝምራሕ እዩ። ባህልና፤ ቋንቋና፤ ስነልቦናና፤ ባህግና፤ ኣንፈትና ብዘይፈልጡ ክፈልጡውን በዘይፅዕሩ ቆራዲድ ዝምራሕ ትካል እዩ። እዚኣ ከይተብሃል እወን ከምህበይ በዓቲ ደጊፎም ዘሓድሩ ሰባት እዮም።

ብሓፂሩ ሚድያ ዝተሰለፈሉ ኩርናዕ እኳ ዘየድሓነ ሓፁር ታምቡኽ እዩ። ንሶም ምስ ፈረሶም ዝፈርስ ዝቖነቆነ ሞሞና። እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ግን ኣብ ሕብተተሰብ ዘብፅሖ ስምብራት እዩ። ደራፋይ ክደርፍ፤ ከያናይ ክኸይን፤ ፀሓፋይ ክፅሕፍ ወዘተ ደገፍ ሚድያ ከምዝደሊ ይፍለጥ። ንሰን ድማ፤ መንገፍ ኣብ ምርኣይ ዘይኮነስ ኣብ ምቅብጣር እዚ ስርዓት ንዝነጥፍ ስለዘቐደማ ምእንቲ ሚድያ ክትብል ብዙሓት ኣብ ዘይእምነታ ረጊፃ። ደረፍትና ወይ ሌጋሲ ኢሎም ጎረረኦም ከንቅዑ ወይ “ክሳዳ ውርውራይ ሽምጢ ምራውንትየ፤ ቃንጫ መሸላ እዩ ሓሪዱኒ በልየ” እናበሉ ከበሮ ከብዝሑ ግድን ኮኖም። ትግራይ ዓዲ ሊቃውንቲ እንከላ፤ ፈጠራን ኪነትን ሓሪምዋ መራገፊት ሽሻይ ዓዲሃገር ኮይና። ነዚ ካብ ዓረብን ናይል ሳት ክንመልስ እንደገና ሓደ ወለዶ ክወስደልና ምኳኑ እንትንሓስብ ድማ የሕዝን። እዚ እዩ አቲ ሓቁ!

ኣባላት ውድብን ተጋዳላይን

ኣባልነት ውድብ

ኣብ ትግራይ ልዕሊ ርብዒ ሚልየን ኣባል ውድብ ከምዘሎ ፀብፃባቶም   የመላኽቱ። እዚ ማለት ሓደ ካብ 5 ትግራዋይ ኣባል ውድብ እዩ ኢሎምና ኣለዉ ማለት እዩ። ህወሓት ግን ክንዲ ቁፅሪ ኣባላታ ዝጠንከረት ኣይኮነትነ። እቲ ምኽንያት ቀሊል እዩ። ቀደም ተጋዳላይ ሽምዓ ኮይኑ መኸኸ። ሎሚ ድማ ኣባል ንሓፋሽ ከም ጥዋፍ ንምንዳድ ዕቁብ ኣተወ። ውድብ ከም ድፋዕ ተጠቒሙ ናብ ውልቀ ሕልሙ ድሙንሙን በለ።  መብዛሕቶም ኣባላት እንተውግዑ፤ ተገዲድና ኢና ተመልሚልና ይብሉ። ገለ ድማ እነመዓድዎ መዝነት መሕለፊኡ ብኣባልነት ስለዝኾነ ኣቲና ይብሉ። ኩሉ ሓደ። ኩሉ ኣማራፂ ንውልቀ ጎጆ እዩ። ሓለፈት እትብሃል ስልጣን ኩላ ሕዛእቲ ኣባላት ውድብ ምኳና ይፍለጥ። ስለዚ ኣባልነት ማለት ዓዲ መዓርን ፀባን ማለት እዩ። ስለዚ ውድብ ዝኣጎለ እንቋቖሖ እያ ሓቁፋ ዘላ። ገሊኦም ኣባላት ካብቲ ማንም ንላዕሊ ሽማ ከጥፍእዋ ዝቃዳደሙ እዮም። ካብ ኣኼባ ከይወፁ ብፌስቡክ “ሚስጢር” ዝድሕድሑ ንሶም እዮም።

ብሓፂሩ ኣባላት ውድብ ሕዚ በቲ ህዝቢ ከም እዝኒ ዝጦቡ ኣጨናጨንቲ፤ ከም ጥቕሚ ዘስድዖም ኣረይቲ ርፍራፈ፤ ከም ነገረኛታትን ምስሉያትን እዮም ዝቑፀሩ ዘለዉ። ባዕሎም እውን ነብሶም ኣብ ሚዛን አእትዮም ካብቲ ኣባል ዘይኮነ ሰብ ንታሕቲ ከምዝምዘኑ እናፈለጡስ ብር እንተብሉ እናራሕርሕዎ ይንገፉ ዘለዉ እዮም። ገለ ሰባት ንኹሉ ኣባል ውድን ከምኡ ኣይትበሎ፣ ብዙሕ ጥዑይ እኮ ኣሎ እዩ ይብሉኒ፤ ኣነ ድማ መዓንጥኡ ኣስጢሙ ክቃለስ ክሳብ ዘይረኣክዎ መስቲ ኣራዪ ርፍራፍን ተሓሽካሪን ከድምሮ እየ ይብሎም፤ ክቃለስ እንተሪአዮ ድማ ሽዑ ዝብሎ ይህሉ ንሐዚ ግን ዝብሎ እዙይ እዩ ይብሎም።

ስለዚ ኣባል ውድብ ቁፅሪ እዩ። ኣብ 1997 ዓም መረፃ’ኮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣባላት ነይሮምኒ ዝበለት ውድብ ብኣማኢት ዝቁፀር ድምፂ ረኺባ ነጊፉ ተደጊፋ እንትትወፅእ ርኢናያ ኢና። እዚ ዘምፀኦ ዘሎ ኣታሕዛ እዩ። ሓንካስ ተመሪሑካ ትሕንክስ ናይ መን ደኣ ክትርኢ። ህይወት ዘይብሉ ወድብ ተመሪሑካውን ትነቅፅ ከመይ ጌርካ ደኣ ትጫልድ ዘይነበረ።

ተጋዳላይ

ተጋዳላይ ትግራይ ሃዋርያ እዩ። ንስርሒት ተጋዳላይ ኣልዒሉ ዝነቅፍ ፈታዊ ይኹን ፀላኢ ኣይገጠመንን። ስርሒት ተጋዳላይ ክትኣምኖን ክትክሕዶን ዘፅግም ተኣምር እዩ። ሓደ ተጋዳላይ (ኩሉ ተጋዳላይ) ብማእኸላይ ግምት 16 ዓመት ብነፃ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሂቡ ዝብል መፅናዕቲ ኣሎ። እዙይ ኣብ ዝኾነ ዓለም መዳርግቲ ዘይርከቦ ብፈረንጂኛ It happens only in TIGRAI ። ብመሰረት ‘ዚ ይትረፍ ክርሳዕ ዝገበርካ እንተገበርካሉ ‘ውን ሞስኡ እትኸፍሎ ኣይኮነን። ነብዩ መሓመድ (ሰ. አ. ወ) ሞሳ እኖ እንትገልፁማ ይብሉ “ዝገበርካ እንተገበርካ ሞሳ እታ ሓንቲ መዓልቲ ክትወድቕ ኢልካ ዝሰምበደታኳ ኣይትመልሳን”። ሞሳ ተጋዳላይ ውን ከምኡ አዩ ነይሩ። ግንከ ዘይብላዕ ተበሊዑ። ሕዚ 75% ተጋዳላይ ካብቲ ድኻ ሕብረተሰብ ዝነብሮ ማእኸላይ መነባብሮ ዝተሓተ ናብራ ከምዝነብር መፅናዕትታት ይሕብሩ።

ካልኣይ ክፋል ክቕፅል እዩ