ሜ/ጀ ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጀቤ)

ሃገርና ኣብ ስግግር ትርከብ፡፡ ካብ ስርዓት ምልክነት ናብ ዴሞከራሲ፡፡ እዚ ሕገ-መንግስትና ተተሪኢስካ ዝግበር ስግግር ኣብ  ብተነፃፃሪ ሓፂር ግዜ ዝፍፀም እዩ፡፡ ንኣውሮፓዊያን ቡዙሕ ሚኢትታት ዓመታት ዝወሰዶም ንሕና ኣብ ትሒቲ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ክነካዩዶ ዓለምለካዊን ናይ ሃገርና ኩነታት የገድደና፡፡ እዚ ካብ ዘይንፈልጦ ናብ እናሓልሞ  ዝግበር  ጉዕዞ  ኣረጊት አተሓሳስበታት፣ ውዳበታትን ኣሰራረሓትን እናወገድና ብሓዱሽ ንምትካእ ፀዓርዓርን ቡዙሕ ላዕልን ታሕትን ዘለዎ፤ ቡዙሕ ርግፀኛ ዘይሙዃን (uncertainity)፤ ምድንጋራት ዘለዎ፤ ስሕተታት ዝፍጸመሉ፤ ብዙሕ ፅንፍታት (extremisim) ዝረኣየሉ፣  ቡዙሕ ጎንፅታት ዘለዎ፣ ቡዙሕ ሂዎት ዝኽፍሎ እዩ፡፡

ከምዚ ቦኽሪ ወላድ ገና ካብ ምጥናስ ጀሚሩ ቡዙሕ ለውጥታትን ስቓይን ክትሽከም እትግደድን ኣብ መወዳእ ደማይ ንቡዙሕ ሰዓታት ኣብ ገሊኡ እውን መዓልትታት ዝወስድ እንትፋስ እተዊ ውፅኢ፡ ድጊም ኣይጠነስን ዘብላ ስቃይ ሓሊፋ ካም ማንም ንላዕሊ እትፈትዋ/እትፈትዎ ዉላድ እትሓቁፍ እሞ ኣብቲ ናይ ስቓይ እዋን እትብሎ ዝነበርት ሓዲጋ እንደገና ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ አትጠነስሉን አትወልድሉን ከይዲ እዩ፡፡

ስግግር እውን ዓወት ድሕሪ ስቓይ እዩ። ምረቱ ክንዲ ዕጥቂ ቃልሲ እኳ እንተዘየኮነ!! ስግግር ሕብረተሰባዊ ምንቅስቓስ ስለዝኮነ ግን ዝተሓላለኸ እዩ፡፡ እቲ ናይ እኖ ምውላድ ከይዲ ብተወሰነ ጥራይ እዩ ክገልፆ ዝኽእል፡፡

ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምግማት ብዘፀግም ቕልጡፍ ለውጥታት የመዝግብ ኣሎ፡፡ ሃገር ንምዕራይ

ንቕድሚት ንክትውንጨፍ ዓበይቲ ዕድላት (apportinities) ይሰፍሑ ኣለዉ፡፡ ነዚኦም ዕድላት ብዝግባእ መርሚርካ ናብ ረብሓ ዓድን ህዝብን ንምውዓል ግን ናይ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ጉድለት  ብሰፊሑ ይረአ ኣሎ፡፡ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብድሆታት(challenges) ኣናኢስካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን፡፡ ናብ ዕድል ንምልዋጥ እንታይ ንግበር ንምባል ግን ዝሰኸነ ኣመራርሓ የድልዮ፡፡

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ፈኸም እናበለ ፀኒሑ ኣብ 2008 ዝተጓሃሃረ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቃልሲ ናብ ዘይምለሰሉ መድረኽ በፂሑ ኣሎ፡፡ ሓላፍ ዘላፍ እንተለውዎን፤ ፅንፈኛታት ክጨውዩዎን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ጎነፂ ክፈጥሩን እንተሞከሩ እውን ናይ ህዝብታት ሕቶ ንዴሞክረሲ፣ ፍትሕን ልምዓትን እዩ ነይሩ፡፡ ብኣዋጅ እቶ እቶ (emergency) በርኒዑ (ተጨናጊፉ) እቲ ኣዋጅ ኣድላይ እኳ እንተነበረ ክላዓል እነተሎ መስረታዊ ምምዕርራይ ስለዘይተገበረ እተ ዝተደጎለ ሓዊ ሃልሃል ምባል ይጅምር ኣሎ፡፡ ኢትዮጵያ ከትበታትን ድያ ዝብል ስግአት ይስተውዓል ኣሎ፡፡ ግቡእ ስግኣት እዩ፡፡   ኣብ ድሮ 1983 ዓም ከይትበታተን ስግአት ነይሩ፤ ሳላ ህዝበታት ኢትዮጲያን ህዝባዊን ውሕሉልን ኣመራርሓ ኢህወዴግ ካብ ምብትታን ድሒና ጥራይ ዘይኮነ ንቅድሚት ክትስጉም፣ ኣብ ዓለም ቦትኣ ክትሕዝ ዳደ ክትብል ጀሚራ ነይራ፡፡ ሽዑ ዝነበረ ኣመራርሓ (መሰል ህዝብታት ንምርግጋፅ ስለተቓለሰ) ወሳኒ መሰረቱ ህዝባዊነቱ ነይሩ፡፡ ሕዚ ግን ኢህወዴግ ኣይከኣለን፡፡ ምኽባር መሰል ህዝብታትን ኢህወዴግን ሕቖን ከብድን ኮይኑም ኣለው፡፡

ህዝብታት ተለዓዒሎም እዮም፡፡ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ረበረሓታት ንምርግጋፅ ተበጊሶም ኣለው፡፡ እዚ መምለሲ የብሉን፡፡ ብዝሓለፈ ኣካይዳ ክመልሶ ኣይኽእልን፡፡ እቲ እንፈልጦ ኢህወዴግ የለን፤ ምስ ኩነታት ክኸይድ ኣይከኣለን፡፡ እቲ ማዕበል ህዝቢ  ንኢህወዴግ እውን ንፅቡቕ ይኹን ንሕማቕ ይቕይሮ እዩ ዘሎ፡፡ ኣብ ኦሆዴድ ክረአ ዝክእል አዎንታዊ ለውጥታት ንዕዘብ ኣለና፤ ይበል ዘብልን እናተባባዕና ናብ መሰረታዊን ሙሉእን ለወጢ ክኸውን ድጋፍ ከንገብር ዝግባኣና ይመስለኒ፡፡ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጢ እውን ከም ቀደም ክኸይድ ኣይኸኣለን። ሰብ ቅልፅም ዝነበሩ ደኺሞም ሓደሽቲ ዘይላደዩ ሓይልታት ቅልቅል/ቦኽቦኽ ይብሉ ኣለዉ፡፡ ኢህወዴግ በቲ ዘለዎ መንገዲ እንተቐፂሉ ኣብ መረፃ 51% እንተረኺቡ ተኣምር ክበሃል ይኽእል (100% ድርኡውን መስሓቒ እዩ ነይሩ)፡፡ ኢህወዴግ ንባዕሉ ካብ መሰረቱ እንተዘይቀይሩ ከስዓር ከምዝኽእል ካብሕዚኡ ክዳለው ኣለዎ፡፡ ተቓወምቲ ውድባት ሙቹው ኩነታት ተፈጢሩሎም እናሃለወ ለቑዘይዘይ እዮም ዝብሉ ዘለው፤ ክባራበሩ ይግባእ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ንናይ ህዝብታት ምችው ናይ ቃልሲ ኩነታት ዝመርሕ ተሳኢኑ ኣሎ፡፡ እዚ ጉድለት ከመይ ንሸፍኖ እዩ አቲ ሕቶ፡፡

እቲ ኩነታት ተቐይሩ ተነፃፃሪ ርግዓት ክሳብ ዝመፅእ ብዙሕ ዘይተለመደ ነገራት ክንሪኢ ግድን እዩ፡፡ ዕግርግር ክቕፅል ይኸውን ዘሕዝን ዋላ እኳ እንተኾነ ከንዳለወሉ ይግባእ፡፡ ኣብ ፓርላማ ምጉሳጥ፣ ከም ኣካል ረጊፅኻ ምውፃእ፣ ክልላት ነንሕድሕደን ዝወናጀላሉ ወ.ዘ.ተ ክረአ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ማእኸል ሸተት ይብል ስለዘሎ፡፡ (እቲ ውድብ ብምእኽሉነትን ብብቕዓትን ክመርሕ ተዘይኪኢሉ …)

ምድንጋፅን ደንበርበርን (panic) ነቲ ኩነታት ዘጋድድን ነቶም ፅንፈኛታት ዝሓሸ ዕድል ክፈጥረሎምን ተዘይኮይኑ ምንም ፋይዳ የብሉን፡፡ ኣብ ግዜ ዘይህብ ኩነታት ኮይንካ ረጊዕኻ፣ ኣፅኒዕኻ፤ ተላዚብካ ዝምጥን ራእይን ስትራቴጂን ብምሕንፃፅ መፍትሒ ምእላሽ እዩ፡፡ ክሳቡ እቲ ኩነታት ከይጋደድ እቶም ዝሓንኮርዎ ነቲ ኩነታት ዝምጥን ስልቲ ኣውፂኦም ይንቀሳቀሱ፡፡ ሓላፊነቶም ብዝግባእ ይዋፅኡ፡፡

እዚ ፅሑፍ እዚ ኣብ “ታይፒንግ” እናሃለወ ናይ ዝተኸበሩ ኣባዱላ ገመዳ ኣፈ-ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዓርሶም ካብ ስልጣን ከምዘግለሉ ተሰሚዑ፡፡ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዙሕ ሰብ ተደናጊፁ፡፡ ዘይተለመደ እውን ስለዝኾነ ክሳብ ባዕሎም ዕላዊ መግለፂ ዝህቡ ምስ ውድቦም ተስማዕሚዖም እዮም ዝኾኑ ዝብል ግምት ነይሩ፡፡….ንክሰርሕ ዝምችው ኩነታት የለን ድልየት እውን የብለይን… ዝብል ኣዘራርባ ግን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ከምዘለዎ ዘመላኽት እዩ፡፡ፖለቲካዊ ኣጀንዳ እንተሃልይዎም እማ ናይ ኣፈ-ጉባኤ ቦታ፤ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መከላከያን ድህንነትን ኮሚቴ ኣቦ-ወንበር ብዝግባእ ዘይጥቀምሉ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን፡፡ እቲ ኣጅንዳ ከሳብ ዝፍለጥ እናገመትና ቁሊሕሊሕ ምባልና ኣይተርፍን፡፡

ግን ብደምቢ ሓሲቦምሉ ነቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝሓሸ መንገዲ ኢሎም መሪፆም እንተኾይኖም ብሉፅ (smart) ስጉምቲ ክኸውን ይክእል እዩ፡፡ እቲ 1993 መጀመርያ ኣብ ህወሓት ደሓር እውን ኣብ ገለ መራሕቲ ኦህዴድን ደህዴድን ዝበፅሐ ኩሉ ዓይነት መንግስታዊ ደብዳብ ተዋሳኣይ ስለዝነበሩ ይፈልጥዎ እዮም፡፡ ዓርሰ-ምክልኻል ይብሉኻ እዚ እዩ!!

ናይ እማን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ እንተሊይዎም ግን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ትርጉሙ ዓብዪ እዩ፡፡ ኣብ ደረጃ ስልጣን ኢትዮጵያ ከም ካልኣይ ዝቑፀር ሰብ ካብ መዝነቱ ባዕሉ ወሪዱ ተራ ናይ ፓርላማ ኣባል ኮይኑ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለስ እዩ ማለት እንተኾይኑ ኣባዱላ ምስቲ ሓዱሽ ምዕባለ ይጓዓዙ ኣለዉ ማለት እዩ፡፡ ገና ዘይተፈለጠ እንተኾነ እውን ከምኡ እንተኾኑ የቐንየለይ ኢልካ ምምችቻው እዩ፡፡ ናብ ልመና እንተተኣትዩ ግን ጥፍኣት እዩ፤ ውረደት እዩ፡፡ 

ፖለቲካ ትግራይ ?

ፖለቲካ ትግራይ አብ ዕንይንይ እዩ ዘሎ፡፡ ንቅድሚት ምኻድ ኣብይዎ ኣብ ደውታ ይርከብ፡፡ ኣብ ፖለቲካዊ ደውታ ነዊሕ ክፅናሕ ኣይካኣልን፡፡  ንቅድሚት ምስጓ ወይም ምንሽረታት  እዩ እትዕድል፡፡ ብኡ ምኽኒያት እቲ ፖለቲካ አብ ቀራን መንገዲ ኣሎ ይብሃል፡፡ ናይዚ ቀንዲ መግለጺ ህዝቢ አምሪሩ አይግዛእን ክብል እንቶሎን መራሕቲ ደማይ ምግዛእ  ክኣብዮም እንተሎ እዩ፡፡ ህዝቢ ተወሰኽቲን ሓደሽቲን ፖሊቲካው፤ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ መሰለት እንትእልሽ መራሕቲ ደማይ ከም ቀደም በቲ ዝለመድዎ ሓድሓደ ኣናእሽተይ ምምዕርራያት ገይሮም “ፅቡቅ ኣለና በቲ ዝሃብናኩም ዕገቡ” እንትብሉ እዩ፡፡ 

አብ መራሕቲ ዘሎ ምዝሕታል ፖለቲካ ትግራይ ዕንክሊል ክብል ይገብሮ አሎ፡፡ ካብዚ ምውፃእ ጊዜ ዘይህብ ኮይኑ አሎ፡፡ ካብዚ ዕንይንይ ወፂእና ንቕድሚት ክንግስግስ፣ ዝላ ክነመዝግብ እንተኮይኑ ምስ ኩነታት ዝኸይድ፤ ነቲ ሕሉፍ ኩነታት ብዝግባእ ዝገምገመ፤ ሓዱሽ አተሓሳስባ፤ ፖሊሲ፤ ውዳበን አሰራርሓታትን ይሓትት። ምስ ኩነታት ንምሕማስን ሰዓራይ ኮይንካ ንምውፃእን ግድን አድላዪ ይኸውን፡፡ ዓለማዊ፤ ሃገራዊን ክልላውን ኩነታት አብ ግምት ዘእተወ ንቐዋሚ ፕሮግራም መሰረት ዝገበረ ወይም ምምሕያሽ ዝሓዘለ ፖለቲካዊ ማዕቐፍ/package አድላዪ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ናይ ለውጢ ማኒፌስቶ ዝበሃል፡፡

ነዚ ፅሑፍ ክበሃል ማኒፌስቶ ክንብል ከለና ናይቲ ውድብ/ጉጅለ ዕላዊን ዝተፅሓፈን መግለፂ ኮይኑ ዕላሙኡን፤ እምነታቱን፤ ፖሊሲታቱን ምስ ኩነታት ዝኸይድ ምምሕያሽን አጠቓሊሉ ናብ አባላት ውድብ/ህዝቢ ቐሪቡ ነቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ሂወት ዝህብ ሰነድ እዩ፡፡ ናይ ቅድሚት መርኣይ ሰነድ፡፡ መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ "ኣነ" እንተተመሪፀ ነቲ ቐዋሚ ፕሮግራም ህይወት ንምሃብ፣ ዝረኸብናዮ ዓወታት ብምዕቃብ፣ አጋጢሙና ዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኩለመዳያዊ ምንቅስቃስ ዝሓዘ ሰነድ እየሁ’ሞ ምረፁኒ ኢሎም ዝወዳደሩሉ እዩ፡፡

አብቲ ውድብ ምምሕያሹ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ድማ ምስ ካልኦት ውድባት ንምውድዳር ዝሓሸ ሓሳብ ሒዘ ኣለኹ እሞ መንግስቲ ኮይነ ክመርሕ ዕድል ሃቡኒ ኢሉ ዝውዳደረሉ እዩ፡፡ እዚ ብሃገር/ክልል ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ታሕቲ ክወርድ ዝግባእ እዩ፡፡ ናይ ወረዳ አመራርሓ ውድብ እውን ናይ ባዕሎም ናይ ወረዳ ማኒፌስቶ ኣዳልዮም አብ ውሽጦም ውድድር አካይዶም ዝምረፅሉን እዩ ዝኸውን፡፡ እቲ ናይ ወረዳ ናይ ፓርቲ ጉባኤ እቲ ዝሓሸ ሚኒፌስቶ መሪፁ አመዓራርዩ ወረዳ ንምምሕዳር ስዒርካ ንምውፃእ ናይ ፓርቲ ፕላትፎርም(platform) ይገብሮ ማለት እዩ፡፡

ናይ ለውጢ ሚኒፊስቶ ዝተለመደ አመራርሓን አካይዳን ውድብ ፈቲሹ ሓዱሽን መሃዛይን፣ ምስ ኩነታት ዝከይድ እምበር ነቲ ዝነበረ አካይዳ ከምዘለዎ ሒዝዎ ዝኸይድ አይኮነን፤ ዝኣረገ ኣገባብ መረፃ ኣመራርሓን ኣካይዳን ደርቢዩ ዘበናዊን ምስ ዲሞክራሲ ዝኸይድን ዝሓዘ እዩ፡፡

ናይ ለውጢ ሚኒፌስቶ ዘለዉ መማረፂ ሓሳባት ብዝግባእ ቀሪቦም ክፍተሹን ዝሓሸን ዝማዕበለን ሓሳባት ተቀባልነት ክረክቡ ዘግብር ኩነታት ዝፈጥር እዩ፡፡ እከለ መዓዝ ተጋዲሉ፤ መዓዝ ኣባል ውድብ ኮይኑ፤ ኣበይ ኣበይ ሰሪሑ ብዝብልን ብፍልጦን ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ውድባዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዝነበረ ኣመረርፃ ናብ እዋናዊ ዓቕሚ ዝግስግስ ኣካይዳ ይኸውን፡፡ እቲ ሙሁራዊ ዓቕሚ ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ተሳትፍኡ ልዑል ክኾን ዝገብር እዩ፡፡ በቲ ካልእ ገፅ ሰብ በብቕዓቱ (ሓሳቡን ተግባሩን) ዝምዝነሉ ኩነታት ስለዝህሉ ምጥልላፍ (networking) ዝወለዶ ፖለቲካዊ ግዕዝይና  አብ ምትሓት ዓብዪ እጃም ኣለዎ፡፡ ናይቲ ፓርቲ ዴሞክራሲዊ ህይወት ክህልው ወሳኒ ተራ ይፃወት። ናይ ትውልዲ ምትኽኻእ እውን ናይ ማን ተግባራዊ ክኸውን ዕድል ይህብ፡፡

ኣብ ትግራይ ህወሓትን ዓረናን ሕጋዊ ኮይኖም ይንቀሳቀሱ ኣለዉ፡፡ ነዚኦም ንምዕራይን ንምጥንኻርን ወይ ሓዱሽ ኣወዳድባ ንምፍጣርን እቲ መንእሰይ ብፍላይ እቲ ሙሁር ክሕዞ ዝግባእ ኣካይዳ ብወገነይ ክኾን ኣለዎ ዝብሎ  ሓሳበይ ከም መበገሲ ሸው ከብል ይፈቐደለይ፡፡ ዝሓሸ ትዕዝብቲ ዘለኒ ኣብ ህወሓት ስለዝኾነ ከም መርኣያ ንህወሓት ንምሕዋይ እንታይ ዓይነት ናይ ለውጢ ሚኒፌስቶ ከምዘድሊ ዝራኣየኒ ከቅርብ እየ፡፡ ኣብ ዓረና ዘለኒ ፍልጠት ውሱን ስለዝኾነ  ሕቶታት እየ ክድርቢ፡፡ 

ኣብ መወዳእታ ዘይሩ ዘይሩ እታ ዓዲ ናይቲ መንእሰይ እያ እሞ ሓደራ እናበልኩ ብኣካል ዘይፈልጦ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተባዕነት ዝነጥፍ ዘሎ መንእሰይ ዘፀኣት (ዶክተር) ኣብ ቀረባ ዝለጠፋ (post ዝገበሮ) ብናይ ፈላስፋ ፕላቶ ጥቅሲ እቲ መእተዊ ክዛዝሞ፡፡

“One of the penalities for refusing to participate in polotics, is that you end up being governed by your inferiors”

I ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት)

“Strong minds discuss ideas

Average minds discuss events

Weak minds discuss people” Socrates

ህወሓት እዚ ፌዴራላዊ ስርዓት ኣብ ምምስራትን ስላምን ልምዓትን ኣብ ምመፃእን ዓቢይ ግደ ነይሩዋ፡፡ ቅኑዕ ዕለማ ስለዝነበራን ንዕኡ መፈፀሚ ዝኸውን ብሉፅ ስትራተጂን ስልትን ስለ ተኸተለትን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኣብ ህዝባ ሙሉእ ምተእምማን ስለዝነብራን አዩ፡፡ ናእዳ ኸኣ ረከባቱሉ እያ (ብዘይካ ፅንፈኛታት)፡፡ ኣብ ጉድለታቱ ካብ ካለኦት ንለዕሊ እንተተመረረትሉ’ውን  ባህሪያዊ እዩ፡፡ እቲ ዋና ጉዳይ ግን ህወሓት ሕዚ ከመይ ኣላ እዩ፡፡

ብናይተይ ትዕዝብቲ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ካብ “ውድብና” ናብ እዛ “ውድብ” ናብ ዝብል ናብ ምጉናይን ቅቡልነት ናይ ምስኣን ከይዲ ዘሎ እዩ ዝመስል፡፡ እቲ ውድብ ዕላምኡ ከስሕቱ ብዝኽእሉ መሰረታዊ ሽግራት ከምዝተሓላለኸ ብናይ ህዝቢ ተፅዕኖ፡ ኣባላቱ ኣብቲ 2007 ዝነበረ ጉባኤ ገምጊሞምዎ፡፡ ብፀረ-ዲሞክረሲያዊነት፣ ዓቕሚ ምስኣን፣ ኪራይ ኣካቢነት፣ ናይ ሓሶት ፀብፃብ እቲ ዝለዓለ ኣካል ዝተገምገመሉ እዩ ነይሩ፡፡ ናብ በዓል ዋና ኣይተሰጋገረን እምበይ ከምቲ ኣይተ ተኽለ ብርሃን ኣርኣያ ዝበልዎ   “ስልጣን ንውልቀ ረብሓኻ ምውዓል በዓል ዋና ዘይተረከቦ ሓፈሻዊ ገምጋም”(ወይን መስከረም 01) ኮይኑ እምበይ ከማይ እተን ጠቕላላ ናይ ዓቕሚ ምልማስን ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝፈጥሮ ምጥልላፍን (networking) እየን እቲ ዝለዓለ ጥፍኣት ዘምፅኣ ዝመስለኒ፡፡ ክራይ ኣካብነት ናይ ሓሶት ሪፖርትን ወ.ዘ.ተ ብዋናነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ብምስፋሕን ድኽነት ኣብ ምውጋድ ብቁዕ ኣመራርሓ ብምህላውን ዝፍትሑ/ዝንክዩ እዮም፡፡ ማንታ ሽግራትና ናይ ዴሚክራሲ ሕፅረትን ድኽነትን ስለዝኾነ፡፡

ህወሓት ሓሚሙ ኣሎ፡፡ ዝሓዊ ድዩ ወይስ ዘይሓዊ ዝብል መካትዒ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ህወሓት ኣብዞም 43 ዓመታት ብዙሓት ደውታታት እናተኣናገደት  እያ መፂኣ። ካብኣቶም እቶም ሰለስተ መሰረታውያን ክበሃሉ ዝኽእሉ እዮም እቶም ካልኦት ንዓኣቶም ዘፈጠሩ ነእሽቶያት ክንብሎም ንኽእል። እቲ ሰለስተ መሰረታዊ ዝበልክዎም 76/77፤ 92/93፤ ከምኡ እውን ሐዚ ዘለናዮ ደውታ እዩ።

76/77

እዚ ደውታ እዚ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ህወሓት ክቕፅል ድዩ ኣይቕፅልን ክብል ዘኽእል ነይሩ። ህወሓት ምምራሕ ኣብይዎ ዕንይንይ ዝበለሉ፣ ኣብ ህዝቢን ተጋዳላይን መንፈስ ተስፋ ምቑራፅ ዝተጀመረሉ፣ ኣብ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ስራሕቲ ምዝሕታል ዝተፈጠረሉ፣ ናይ ተጋዳላይ መዐቀኒ መቕያር ዝተጀመረሉን ኣብ ቃልሲ ምንባር ኣተሓሳስባ ንምጋስ ዝጀመረሉን እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ሚዛን ብዝግባእ ምግምጋም ዘይተኸኣለሉ፤ ናይ ደርጊ ስትራተጂካዊ መጥቃዓይ ዓቕሚ እናተሸርሸረ ዝመፀሉ፣ እቲ ኩነታት ካብ ናይ ደባይ ውግእ ናብ መደበኛ ኩናት እናተቐየረ እናሃለወ ንእኡ ዝኸውን ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዘይነበረሉ እዩ። እዚ ደውታ እዙይ ብዝተወሰነ ኣመራርሓ ፅንዓት ጀሚሩ ብሰፋሕቲ ናይ ካድረ ምይይጣት ዝተፀንበለሉን ኣብ ናይ ማሌሊት ምስረታ ብሰፊሕ ክትዓት ዝጎልበተሉን፤ ድሕሪ ጉባኤ ማሌሊት እውን ሰፋሕቲ ክትዓት ዝቐፀለሉን ትግባርን ክልሰ ሓሳብን ኣዛሚዱ ናይ ዓወት ብርሃን ዘርኣየ መንገዲ ተፈቲሑ።

ፅንዓት መሰረት ዝገበረ ሰፊሕ ምድላው ዝተገበረ ምኻኑ፤ ንመጀመርታ ግዜ መራሕቲ ዘዝመሰሎም ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ሒዞም ክትዕ ተገይሩ። እቲ ዝበዝሕ ናብ ተመሳሳሊ ኣርዳድኣ ኣብ ወያነ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ስራሕትን ዝነበረ ሕግራት ጎርጉሩ ዘውፅእ ኣብ ወታደራዊ ስራሕትና ዝነበረ ሰንከልከል መሰረታዊ ሽግራቱ ኣነፂሩ ናይ ኣረኣእያን ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ለውጢታት ኣምፂኡ። እቲ ናይ እማን ምትኽኻእ ኣምፂኡ። ንቲ ሓዱሽ ኣተሓሳስባታት ዝተሓንገጡ ዝለዓለ መሪሕነት ጨቢጦም። ፅንዓትን ዴሞክራስያዊ ኣካይዳን ንቲ ደውታ ፈቲሑ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ዝበለፀ ዝንቀሳቀሰሉ ኩነታት ብምፍጣር ናብ ዓወት ዘብፀሐ ኮይኑ።

92/93

እዚ ደውታ እዙይ ብዋናነት ዝግለፅ ኣብ ናይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ናይ ዕላማ ሓድነት ዘይምህላው ዝግለፅ ኮይኑ እቲ ኣብ ኢትዮ ኤርትራ ኩናት ዝነበረ ኣፈላላይ እውን ንቲ ናይ ዕላማ ዘይንፅሩነት ከይስተኻኸል ኩትኳሕ ዝኮኖ እዩ ነይሩ። ምሩፅ ሕገ መንግስቲ ሒዝካ ምስኡ ዝኸይድ ዴሞክራስያዊ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዘይምህላው ዝፈጠሮ እዩ። ኣብ መጀመርታ ኣብቲ ፖሊት ቢሮ ተሓፂሩ ደሓር ማእከላይ ኮሚቴ ዝተሳተፈሉ ፣ ንኣባላትን ህዝቢን ተሓቢኡ እቲ ኣፈላላይ ዝተፈጠረሉ፣ እቲ ርክባት ምስ ተበጠሰ ኣብ ኣባላትን ህዝብን ዓብዪ ምድንጋፅ ዝተፈጠረሉ፣ መትሓዚ መጨበጢ ተሳኢኑሉ ወታደራዊ ብዝኾነ መልክዕ እቲ ኩሉ ዴሞክራስያዊን ትካላዊን ኣሰራርሓታት ጥሕስሕስ ኣቢሉ ንቲ ደውታ እንተይፈትሐ ነዚ ናይ ሐዚ ደውታ ብዝለዓለ ክርአ ገይርዎ።

ናይ ህዝቢ፣ ሙሁር፣ ውድብ ዓቕሚ ኣባኺኑ ናብ መምለሲ ዘይብሉ ደውታ ኣምሪሑ። ኣብ ኩናት እዋን ስለ ዝነበረ ኣብ መጀመርያ ምሕባእ ነይርዎ እዩ። እዚ እውን እቶም ዝተፈላለየ መርገፂ ዘለዎም ሰፋሕቲ መማረፂ ፅሑፋት ኣቕሪቦም ምይይጥ ተጀሚሩ ነይሩ። ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎ መድረካት ተኸፊቱ። ኣብ ሞንጎ ብዘጋጠመ ናይ ኣሰራርሓ ምውጣጥ ግን እቲ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ን ኣባልን ህዝብን ተገሊፁ ብጉባኤ ይኹን ብኻሊእ መልክዕ መዕለቢ ከይተገበሮ እቲ ደውታ ብዝሓመቀ መልክዑ ክቕፅል ተገይሩ። እቲ ጉዳይ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝተገበረ ፃዕርታት ለውጢ ከምፅእ ኣይከኣለን።

እቲ ቀንዲ ሽግር ናይ ዴሞክራስያዊ ሃዋህው እዩ ነይሩ። እቲ ዝሰዓረ ኣንጃ ዴሞክራሲ ከም ጭርሖ እንተጋውሐ እካ ኩሉ ኣካይድኡ ፀረ ዴሞክራስያዊ ኮይኑ (ገና ክፅርሕ ተሎ ጀሚሩ) ሕገ መንግስትን ይ ህወሓት ህንፃን ብዝጥሕስ መንገዲ ናይ ዴሞክራስያዊ ሃዋህው ብዝገደደ መንገዲ ቐቲልዎ። ብ1997 ዓም ኩነታት ኣጋዲድዎ ዝተጣኸረ ዘይዴሞክራስያዊ ውድብ እናኾነ መፂኡ። ንብዙሕ ሰብ ተስፋ ዝህብን ንዴሚክራስያዊ ስርዓት መሰረት ዝኮኑ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ለውጥታት እንተመፁ እውን ምስኡ ጎኒ ንጎኒ ዝኸይድ ናይ ሰብ ሓይልኻ ምትእኽኻብ፣ ሕገ መንግስታዊ ትካላት ብህይወት ክንቀሳቀሳ ምግባር፣ ልዕልነት ሕጊ ክርጋገፅ ምግባር ስለ ዘይተከተሎ እቲ ደውታ ብዘደንግፅ መንገዲ ቀፂሉ።

ሐዚ እውን ኣብ ሳልሳይ ደውታ እኒሀ ህወሓት። ይድሕን ዶ ኣይድሕንን መካትዒ ኮይኑ ኣሎ። ብወገነይ ህወሓት ናይ ምድሓን ዕድሉ 10% ዋላ እንተኾነ እቲ መንእሰይ ብሙሉእ ዓቕሚ ክፍውሳ ክረባረብ ኣለዎ እብል፡፡ እቲ ሕብረተሰባዊ ሃፍቲ (social capital) እናሞሽሞሸ እንተኾነ እውን ሕዚ እውን ዓብዪ ሃፍቲ እዩ፡፡ ብሚኢቲ ኣሽሓት ኣባላት ዝሓዘ ውድብ ህወሓት ስለዝኮነ፤ ንምድሓን ንንቀሳቐስ ዝብሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከምዘለዉ ኹሉ፤ “ፅቡቅ ኢና ዘለና ቀደሙ እውን ዝነበሩ ሽግራት ክንድዚ ዝገነኑ ኣይኮኑን፣ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ስልጣን ዝደልዩን ምስ ፀላእቲ ተሓባቢሮም ንዓና ክወቕዑ ሰማይ ሰቒሎሞ እምበር ድሕሪኡ እውን በቲ ‘ዓሚቅ ተሃድሶ’ ኣስተኻኺልናዮ ኢና” ኢሎም ካብ ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ገምጋም ቀዳማይ ወፂእና ኢሎም ከምመረጋገፂ እናቕረቡ ንባዕሎም ዘፅናዕንዑ፤ ዘዐሽዩ ኣለዉ፡፡ “ኣብ ፌስቡክ እንበሃሎ ግደፍዎ፣ ኣብመሬት ቡዝሕ ንስረሕ ኣለና” ዝብሉ ኣለው። ገዛኢ ፓርቲ እንትብስብስ እቲ ኩነታት ምርኣይ ይኣብዮ፤ ዝደልዮ ጥራይ ይሰምዕ፣ የነብብ፣ ይግምግም፡፡

እቲ ናይ ህወሓት ዕንይንይ ግን ኣብዚ ደው ኣይብልን፡፡እቶም ውድብ ነድሕና ዝብሉ ይኹኑ ፅቡቕ ኢና ዘለና ዝብሉ ንቕድሚት ዘሰጉም ዝተዋደደ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ብመልክዕ ሚኒፌስቶ የብሎምን፡፡ እንተሎ እውን ዝተበታተነን ኣብ ሓደ ኣጀንዳ ዘለዉ እኳ ሙሉእ ምርድዳእ ዘይብሉን እዩ፡፡ እዚ ኣብዘይኮነሉ እዋን እቲ ምጥልላፍ ዋና ናይ ፖለቲካዊ ቃልሲ መልክዕ ኮይኑ ምቕፃሉ ኣይተርፍን፡፡ ዝገደደን ሓደገኛን ክኸውን እዩ፡፡ ንኻልኦት ሓይልታት እውን ዝዕድም ክኸውን እዩ፡፡

እቶም ህወሓት ፅቡቕ እያ ዘላ ዝብሉ መራሕቲ (መርትዖ እንተሃሊይዎም) እቲ ዋና ነገር ኣብዝሓለፈ ስለዘይኮነ ትግራይና ንቕድሚት ብዝለዓለ ደረጃ ክትጓዓዝ ምስ ኩነታት ዝኸይድ ሚኒፌስቶ ኣዳልዮም ብሕብሕብኢተይ ዘይኮነስ ብዕልን ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ኣባላት ውድብ፣ እንተተኻኢሉ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖም ክቃለሱ ኣይረአዩን፡፡

እቶም ውድብ ነድሕና ዝብሉ እንተኾነ እውን ንሶም ዝሓሰብዎ መደብ ይህልዎም እምበር ንኣባልን ህዝብን ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘሰልፍ ምስቲ ኩነታት ዝኸይድ ሚኒፌስቶ የብሎምን፡፡ ሕዚ ኣብ ቐረባ ዝርከብ ሃፍቲ ናይ ማረት ይኹን ናይ ፕሮፖጋንዳ ዓቕሚ ተጠቒምካ ንህዝቢ ምዝሕሓልን ነቶም ተፃረርቲ ዝብልዎም ናይ ምንሻው መንገዲ እዮም ሒዞም ዘለዉ፡፡

“ቐደሙ እውን ህወሓት ኣብ ገምጋም ብዙሕ ግዜ እተጥፍእ ውድብ እያ፡፡ ብተወሳኺ ህዝቢ ንምዝሕሓል ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቃሳት ነቶም መሰረታዊ ሕቶታት ክምልስዎ ግዜ እውን ዘለዎም ኣይመስልን” ኢሉ ኣብ ማሕበረዊ ሚድያ ሓደ ንጡፍ ዘቕመጦ ከካፍለኩም፡፡

በዓላት ንምድላውን ንምኽባርን ዝጠፍእ ግዜ ዘገርም እዩ፡፡ ሓዱሽ ዓመት፤ መስቀል ኣብ ጮምዓን ዓዲግራትን ከኽብሩ፤ ሕዳር 11 የርክበሎም፤ ሕዳር ፅዮን ይበፅሕ፤ ዓብዪ በዓል ለካቲት 11 ይመፅእ፤ ናይ ኣድዋ ዓወት በዓል ይስዕብ፤ ሰነ 15 ናይ ስዉአት መዓልቲ ብኡ ኣቢሉ ኣሸንዳ ይሰግሩ በለ እሞ፤ እሞ ሃይማኖት ስለዝኣምኑን ንህዝቢ ስለዘኽብሩን ከይመስለኩም ካብ ነብሲ ወከፍ ምንቅስቃስ ትርፊ ክረኽብሉ እምበር፡፡

ኣብ ናይ ለውጢ ሚኒፌስቶ መሰረት ዝገበረን ንፁር ዘፈላልዮም ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣብዘይብሉን  ክቡር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ወሪዶም ክቡር ዶክተር ደብረፅዮን ወይም ክቡር ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ እንተኮኑ ምንም ለውጢ ኣየምፅኡን፡፡ ወጮስያ ተገልበጥካዮ ወጮ እዩ ዝኸውን፡፡

ፖለቲካ ናይ ይኽተሉ ትብሎም ህዝቢ/ክፋል ህዝቢ ንዋታዊ ረብሓታትን ክብርታትን ብዘይ ምቁራፅ ንምዕቃብን ንምጉልባትን ዝግበር ምንቅስቃስ እዩ፡፡ ካልእ ፈይዳ የብሉን፡፡ እዚ ብሰላም፤ ዲሞክራሲ፤ ልምዓት ዝግለፅ ረብሓን ክብርታትን መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ ንመላእ ህዝቢ ዘሳትፍ፣ ዘሰልፍ ክኸውን ይግባእ፡፡ ህዝቢ ብዝተማልአ ንምስላፍ ዴሞክራሲያዊነትን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓትን ይሓትት፡፡ እቲ ናይ ለውጢ ሚኒፌስቶ ነዚአን መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ፤ ትካላዊ ምምዕርራይ፤ ዳግመ-ፍተሻ ፖሊሲታትን ውድባዊ አሰራርሓታትን ምስ ዘበኑ ክኸዱ ምግባር ብዝብል ክትንተኑ እዮም፡፡

  1. 1.    ናይ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ለውጢ

“ብዘይካ መስመር ህወሓት ኩሉ መንገዲ ጥፍኣት እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ህወሓት ንኹሉ ሕ/ሰብ ኮላይ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎ በብእጃሙ፡ ሕብረተሰብ ንንዋታዊ ረብሓታትን ክብርታቱ ንምጉልባትን ንከይስለፍ ገይርዎ እዩ፡፡ ብፍላይ እቲ ሙሁር ነዚ ተመራሚሩ ነቲ ፕሮግራም ዘለዎ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት በብግዚኡ እናተመዓራረየ ከይኸድ  ገይርዎ እዩ፡፡

እቲ ፕሮግራም/መስመር ዝበሃል ዘመንጭዉ ውሑዳት ሰባት እዮም፡፡ እዞም ሰባት እዚኦም ንፁህን ብቑዕን ኣእምሮ እንተሃለዎም እውን ሰባት እዮም እሞ ምስ ኩሉ ጉድለታት እዩ ዝወፅእ፡፡ ኩነታት ክቀያየር እንከሎ ንሱ እውን እናማዕበለ ዝኸይድ እዩ፡፡

“ኩሉ ካልእ መንገዲ መንገዲ ጥፍኣት እዩ” ማለት ካልእ ኣተሓሳስባታት ከይተኣናገዱ ዘኽእል ፀረ-ዴሞክረሲን ሕገ-መንግስትናን እዩ። ናይ ጥፍኣት ኣረኣእያ ከመይ ኢልካ ተተኣናግድ፡፡

እዚ ድሑር ኣተሓሳስባ እዚ ካልእ ሐደገኛ ኣተሓሳስባ ይወልድ እዩ፡፡ እዚ መስመር ኣብ ዓለም ዘየለ ንህዝቢ ትግራይ ብዘይፈላላይ ሓደ ልቢ ኮይኑ ተሰሊፉሉ እዩ፡፡ ስለዚ እዛ መስመር ብኣ ኣቢልካ እውን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዩ፡፡ ህወሓት ተዘየለ ህዝቢ ትግራይ እውን የለን ናብ ዝብል ይወስድ፡፡ ህወሓት ነቲ ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ፀረ-ደርጊ ቃልሲ ዘይነዓቕ ግደ እኳ እንተገበረ እቲ ዓወት ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ኣብ ጠቕላላ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ከም ነጥቢ እዩ ክወስድ ዘለዎ፡፡ እቶም ረብሓታትን ክብርታትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ብቐፃልነት ዝምዕብል ኣተሓሳስባ ይሓትት፡፡

እቲ ብዉሕዳት ዝመንጨወ መስመር ኣብ ሓደ እዋን ብህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ ነገራዊ/ማቴርያላዊ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ከምኡ ኮይኑ ግን ካብኡ ዝተፈለየ ምናልባት’ውን ዝሓሸ ኣተሓሳስባ የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ እውን ናይቲ መስመር መመንጨውቲ ኢና ዝብሉን ኣብቲ መስመር ዝተሰለፉን ቀፃሊ ዝኾነ ጎንፂ (conflict) እዩ ዝህልው፡፡ “ኣበይ ትፈልጡ ንሕና እንዲና ኣምፂእናዮ” ብዝብል እቲ መስመር ዝበሃል ዘይምዕብል ግኡዝ ገይርካ ምውሳድ እቶም መራሕቲ እውን ደው ኢሎም ክቐርዩ ንባዕሎም ከየማዕብሉ ይገብሮም፡፡

ኣብዚ እዋን እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ይፈልጥዎ ዶ? ይርድእዎ ዶ ወይስ ረሲዖምዎ?  እቶም ናይቲ ውድብ ስነ-ሓሳባዊ  (Ideologue) መራሒቲ ካብ ዝበሃሉ ሓደ ክቡር ኣይተ ኣባይ ፀሃየ እኳ ከምዚ ይብሉ “ንኢህወዴግ ዝትክእ ሊበራል  ሃፍታም ፓርቲ እዩ” (ውራይና መበል 28፡2008)። በቲ ካልእ ወገን “ወያናይ ዴሞክራሲ ሊበራል ዴሞክራሲ ክበፅሖ ዝኽእል ናይ መጨረሻ ጫፍ እዩ” እዩ ዝብል ኣብ ዕላዊ ፅሑፍ። ብናይ ኣቶ ኣባይ ኣመለኻኽታ ወያናይ ዴሞክራሲ ትሕቲ ሊበራል ዴሞክራሲ ማለት እዩ፡፡ ሊበራሊዝም ልዕሊ ወያናይ ዴሞክራሲ እንተኮይኑ ድኣ ካብሕዚኣ ህወሓት ናይ ደንበ ሊበራሊዝም ዘይትፅንበር?

እቶም ገሊኦም ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ሊበራሊዝም፤ ክራይ ኣካብነት፤ ኣንጃ ዝብሉ መዳርጉሓት (jargons) እንትከባለሉ ትሪኦም እሞ ባዶነቶም ‘ውን ትዕዘብ፡፡ ህወሓት ደው ኢላ እያ ዘላ ናይ ቀዳሞት ድሕሪት ኮይና ኣላ፡፡ ናይ ኣይዶሎጂ ፖለቲካዊ ክስረት ዘጋጠማ ኣብ ቀደም እትነብር “ሕልፈተኛ ጭዋ” ኮይና ኣላ፡፡

እዚ ድሑር ኣተሓሳስባ “ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ” ዝበሃል ብተግባር ግን “ኣውቶክራቲክ ጥርናፈ” ተፀንቢሉ ምናልባት ትግራይና እታ ብጣዕሚ ዓፋኒ ክልል ኣብ ኢትዮጵያ ከይኮነት ኣይተረፈትን፡፡

“ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ” ከም መትከል ናይ ውዳበ ኣመራርሓ ብሌኒን እንትጋዋሕ ንስርዓት ሶሻሊዝም(socialism) ማለት ንስርዓት ምልኪ ሸቃላይ (dictatorship of the prolateriat) ዝተብሃለ ዝተወጠነ እዩ፡፡ ንሱ እውን እንተኾነ መሰል ምንሽርሻር ነፃ ሓሳባትን ሓበራዊ ወሳነ ብርናፈ ምፍፃምን freedom of expression and unity of action ዘጣመረ እዩ፡፡ ምስ ፀረ-ደርግ ዝነበረ ብወታሃደራዊ ዝተሰነየ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣሰማሚዕኻ ክከይድ ክግበር ይከኣል ይነብር፡፡ ምስ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዝሃነት ውድባትን (multi party system) ግን ፈፂሙ ኣይኸይድን፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሎም ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ስለዝድርዕሞም፡፡

ወታደራዊ ኣመራርሓ ብባህሪኡ ምእማንን (conviction) ምግዳድን(coercion) ብሓደ ገፅ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝፈስስ ትእዛዝ በቲ ካሊእ ገፅ ዝንቀሳቐስ እዩ። ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ እቲ ሰራዊት ስሩዕ/ ፕሮፈሽናል ኣይኮነን። ንሓደ ፖለቲካዊ እምነት ዝወገነ ንእኡ ጥራይ ዝቃለስ እዩ። በዚ ምኽንያት እቲ ናይ ምእማንን ምግዳድን ሚዛን ናብ ምእማን ኣዕርዩ ዝዓዘዘ እዩ። ኣብ ስሩዕ ናይ ሃገር ሰራዊት ግን ከም ኣብ ሕገመነግስትና ዓንቀፅ 87/5 ዘቐመጦ “ተግባር ሰራዊት ምክልኻል ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ወገናውነት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ይንቀሳቐስ”ይብል። ንሓደ ውድብ ምውጋን ፀረ ሕገ መንግስቲ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። በዚ መሰረት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝገብርዎ ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይሳተፍን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዕማሙ መሰረት ዝገበረ ምእማን ጥራይ እዩ ዝኸውን። ምስ ፖለቲካዊ ሰራዊት ክነፃፀር እንተሎ እቲ ናይ ንእማን ንግዳድን ሚዛኑ ዝተፈለየ እዩ።

ህወሓት ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ምእማን መለለይኣ እዩ ነይሩ። ከምክ ሰራዊት ጅግና ዝኾነሉ ፍሉይ ምኽንያት ኣሚኑ ንዕላምኡ ብዕቱብ ይቃለስ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ግን እቲ ምግዳድ ብመልክዕ ጥርናፈ ብተወሰነ ብርኪ ዝህልው እኳ እንተኾነ ዋና መግለፂኡ ምእማን እዩ። ዕላምኡ ብዝግባእ ዝፈልጥን ኣካይድኡ ዝቕበልን ብኡ ምኽንያት ኣሚኑ ጥራይ ዝንቀሳቐስ እዩ። ነፃነት ሓሳብካ ምግላዕ ብዝተማለአ መንገዲ ብምርግጋፅ እዩ ተግባራዊ ዝኸውን።

ኣብዚ እዋን እዙይ ኣብ ህወሓት ምእማን እናሃሰሰ ምግዳድ እናጎልበተ ዝኸይድ ዘሎ እዩ ዝመስለኒ። ኣብ ናይ ፓርላማ ፌዴራል/ክልል ኣባላት ኣወሳስና እቲ ፀረ ዴሞክራቲክ ዝኾነ ቁልጭ ኣቢሉ የርኢ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ክንደየናይ ፀረ ሕገመንግስቲ ከም ዝኾነን ሰብ ናብ ኢዱ ዘውፅእ ማሽን (ሮቦት) ከም ዝቐየረን ምርኣይ ይከኣል። ኣብ ሕገመንግስትና ዓንቀፅ 5 ዘሎ ናይ ፓርላማ ስልጣንን ተግባርን ርኣዩ እማ፡ እቲ ኣውተክራቲክ ጥርናፈ ንትካላትና ከመይ ከም ዘምከነ ምርኣይ ይከኣል። ኣባላት ውድብ ዳርጋ ካብቲ ፈፃሚ ኣካል ዝመፅእ ትእዛዝ እዮም ዝቕበሉ። 100% ናይ ሓደ ውድብ ኣባላት ኣብ ዝኸንሉ ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕግታትን ሽመትን ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ እቲ ኣብዝሓ ዝኣመነሉ እዩ ሕጊ ክኸውን ዝነበሮ። እዚ ግን ተራእዩ ኣይፈልጥን።  ሕልንኡ ዝሸጠ፣ ንዝመረፆ ህዝቢ ዝኸድዐ፣ ንሕገመንግስቲ ዝፃረር፣ ዝድቅስ ተወካሊ ተፈጢሩ ኣሎ።

ህወሓት እቲ ወታደራዊ ጥርናፈ እቲ ናይ ምእማን ጉኒ ኣህሲሱ በቲ መገደዲ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ይመርሕ ኣሎ። ካብ ታሕቲ ዝመፅእ ዳርጋ የለን፤ ኩሉ ነገር ካብ ላዕሊ እዩ ዝወርድ ልክዕ ከም ወታደራዊ ትካል።

ብዝኾነ  ምስ ኩነታት ይኸይድ ድዩ እይኸይድን እንተይተብሃለ ሱቕ ኢልካ ይቕፅል ኣሎ፡፡ እቲ ሓሳብካ ብነፃ ናይ ምግላፅ ነፃነት ብመስፍናዊ ኣተሓሳስባ ተላዕጢጡ ጠቅሊሉ ጥርናፈ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ፡፡ መጠን ዝሓለፎ ጥርናፈ ንድኹማት ይመችወሎም፡፡ ኣብቲ ፓርቲ ሰብ ብሒጭ እንተይበለ ስለ ዝምርሐሎም ናይ ሙሉእ ጥርናፈ ፖለቲካ ደማይ ምጥልላፍ ብዝለዓለ ደረጃ መዳለዊ ይኸውን፡፡ ኣብ ሓሳባት ዝተኣኻኸበ ዘይኮነ ኣብ ጥቕመይ ጥቕምኻ፤ ኣብ ስልጣነይ ሓልወለይ ክሕልወልካ፤ ሕኸኸለይ ክሓከልካ ኣሰላልፋ እዩ ዝኸውን፡፡

ጥርናፈ ኣድላዪ እንተኾነን ጥርናፈ ዘይብሉ ውድብ ዘይሃለ እንተኾነ እውን ሙሉእ ናይ ሓሳብ ነፃነት መሰል ዘየረጋግፅ እንተኮይኑ እቲ ሓደጋ እንሪኦ ዘለና እዩ፡፡ ገዛኢ ፓርቲ ኮይኑ ብሙሉእ ጥርናፈ ዝጓዓዝ እንተኮይኑ እቲ ፈፃሚ ኣካል ፍፁም ዓብላላይ ኮይኑ ነተን ካልኦት ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ከም መውፂኢ ሕግን ተርጓሚ ሕጊ ዝመሰሉ የልምሶም፤  ልዕልነት  ሕጊ ይጠፍእ ፍትሒ ይሰኣን፡፡

ኩሉ ካልእ ናይ ጥፍኣት መንገዲ እዩ ዝብልን እቲ ኣውቶክራቲክ ጥርናፈን ብመሰረቱ ክቅየሩን ክስተኻኸሉን ዘኽእል ናይ ለውጢ ማኒፌስቶ የድሊ፡፡

2. ናይ ትካላት መንነት (integrity)ምሕላው

2.1 ምምሕዳርን ፓርቲን ዘለዎም ተነፃፃሪ ነፃነት ምሕላው

ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲን ውድብን ዘለዎ ተነፃፃሪ ነፃነት ኣብ ቦትኡ የለን፡፡ ሓደ ምኽንያት ንቅልውላው ይኸውን ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ ግን ዝገደደ እዩ፡፡ ህወሓት ማለት ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝብል ንህዝቢ ዘናሽው ኣተሐሳስባ ስለዘሎ ኣብ ትግራይ ብዝገርም መልክዑ ሓደ ኮይኖም ንፖለቲካ ትግራይ ሕምስምስ የብልዎ ኣለዉ፡፡

ኣብ ሞንጎ ምምሕዳርን ውድብን ዘሎ ምትሕውዋስ ንክልቲኦም እዩ ዘልምስ፡፡ ካብ ዕላማ እቲ ውድብ መሰረት ገይርካ ክርአ እንከሎ ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ የእትዎ’ሎ፡፡ ናይ ሓደ ውድብ ጥንካሬ ዝልካዕ ብኣይዶሎጂን ፖለቲካዊ ብስለት፤ ብቅዓት፤ ፅሬቱን እዩ፡፡ ኣባላቱ በዚ ኣይዶሎጂኡን ፖለቲኩኡን ዘለዎም ዕጥቂ እዩ፡፡ እዚ ኣብ ህወሓት ዝረአ ዘሎ ኣይዶሎጂካዊን ፖለቲካዊን ክስረት ካብዚ ዝብገስ እዩ፡፡ እቲ ፓርቲ ካብ ናይ ባዕሉ ስራሕ ኣብ ዕለታዊ ናይ ምምሕዳር ስራሕቲ ኣተዩ ይሕምዙቕ እሞ እቲ ዋና ስርሑ ይሰርዕ፡፡ ኣብ ትግራይ 74 ካሬ መሬት ንመንበሪ እንትወሃብ “መንግስትናን ውድብናን” እዩ ዝበሃል፤ ውድብና ንምባል ታይ ኣድለየ? ሰብ ናብ ምምሕዳር ዝምደብ ናብ ህወሓት ብዘለዎ ቕርበት እዩ፡፡ ናይ ትግራይን ኣምሓራን ክልላት ዶብ ንምጥራር እኳ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ናይ ኣምሓራ ምኳኑ ተሪፍዎ “ህወሓት ምስ ብኣዴን” እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣየ ጉድ መባእታዊ ልዕልና  ሕጊ ዘይፍለጠሉ ክልል፡፡ ሕገ-መንግስትና ንክልል ትግራይ እምበር ንህወሓት ኣፍልጦ የብሉን፡፡ እንተልዮም ልክዕ ከም ዓረና ትግራይ ወይም መኢኣድ እዩ፡፡

ኣብ ትግራይ ናይ ውድብን መንግስትን በብደረጅኡ ናይ ሓባር ኣኼባ ይግበር እዩ፡፡ ኣጀንድኡ ከኣ ከም ኩሉ ነገር ዝተሓዋወሰን ግዜ፤ ጉልበት፤ ገንዘብ መጥፍኢ እዩ፡፡ ናይ ህወሓት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባን ናይ ክልል ካቢኔን ዝምልከት ኣብ ናይ ትግራይ ናይ ሰላም፤ ልምዓት፤ ዴሞክራሲ ጉዳይ እንታይ ከምዝበሃል ክትሰምዕ እንከለኻ ይድንፅወካ፡፡ ?

ብናተይ ርኢቶ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት  ዋና ስርሑ ክኸውን ዝግብኦ ኣይዶሎጂን ፖለቲካን ምስ ኩነታት ክምዕብል፤ ክዓሙቕ ምግባርን ንኣባላቱ ምዕጣቕን እዩ፡፡ እቶም ኣባላቱ ብቑዓት እንተኾይኖም ኣብ ዝኸድዎ ናይ ፓርቲ ምድባታት መፈፀምቲ እዮም ዝኾኑ፡፡ እቲ ፓርቲ ናይ ባዕሉ ናይ ፅንዓትን ምርምርን ማእከል ሃሊይዎ ናይ ካልኦት ፅንዓት እውን እናተሓባበረ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ኣይዶሎጂን ፖለቲካዊ ዕብየት ምርግጋፅን ናይ ኣባላት ፅርየት ምሕላው እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡

ወያናይ  ዴሞክራሲ ኢና ንኽተል ይብሉ ኣብዚ እዋን እዚ፤ ዓይኑ መርፍኡ ዝጠፍኦ እቶም ላዕለዎት ዝፈልጥዎን ዝሰማምዕሉን ኣይመስሉን፤ ኣበቲ ፖለቲካ እውን ከምኡ እዩ፡፡ ንኣብነት ናይ ትግራይ ዓብላልነት ኣሎ ኢሎም ፅንፈኛታት ኣንፊሖም ሓቂ ክሳብ ዝመስል ፀረ-ትግራዋይ ምንቅስቃስ ክግበር እንከሎ እሶም ዋና ስርሖም ዝመስል እከለ ኣበይ ንመድቦ እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ብምፅራር ነቲ ፌደራላዊ ስርዓት ንምፍራስ ካብ ኩሎም ዓይነት ፅንፈኛታት ሰፊሕ ምንቅስቃስ ኣሎ፡፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ናይ ባዕሎም ውሽጣዊ ጉዳያት እዮም ድሙንሙን ዝብሉ ዘለዉ፡፡ ህወሓት ኣብዚ ሕገ-መንግስቲ ምፅዳቕ ዓብዪ ተራ ነይርዎ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ምንፅርፃርን ምሬትን ኣሎ፡፡ ህወሓት ፖለቲካሊ ብቕዕቲ ተትህሉ ነዚ ብስፍሓት ኣፅኒዓ ኣጠቃላሊ መፍትሒ መቐመጠት፡፡ እንኳይ ንምፍታሕ ንምርዳእ ዘይትኽእል ኮይና ኣላ፡፡ ሕዚ ግን ማንም ቆላሕ ዝብላ የብላን፡፡ ካብ ቐዳሞት ዳሕራዊት ማለት እዚ እዩ፡፡

ህወሓት ኣብ ምምሕዳር ዝተጣበቐት ቁርዲድ ኮይና ኣላ፤ ናይ መንግስትን ህዝብን ገንዘብ፤ ንብረት፤ ጊዜ ወዘተ ናታ ክሳብ ዝመስላ፡፡ እዚ ቁርዲድነት ብቅዓት ይሃልዎም ኣይሃልዎም፤ ዕላማ ውድብ ይፍለጡ ኣይፍለጡ፤ ነቶም ሓለፍቲ “ካባኹም ንላዕሊ” ዝብሉ ብምምዳብ አዮም ክቆፃፀሩ ዝፍትኑ ዘለው፡፡ ኣብ ኩለመዳይ ብቕዓት ስለዘይብሎም ከዓ ምምራሕ ማለት ምቁፅፃር ይኸውን፡፡ (control freak) ዝኾኑ ቁርዲዳት ኣብኩሉ ስራሕትታት ይምደቡ፡፡ ቁርዲድ ደም ምምጣጥ እምበይ ነቲ ዝተጣበቆ ዝጠቅም ነገር የብሉን፡፡ ናይ መንግስቲ ስልጣን ንውልቀ ጥቕሚ ምውዓል ተባሂሉ ድማ ይግምገመለይ፡፡

ብዘይካ ፖለቲካዊ ሹመኛታት እቲ ካልእ ናይ መንግስቲ ምደባ ብሞያን ንሞይኡ ብዘለዎ ተጣባቒነትን ብቕዓትን ጥራይ ይምደብ፡፡ ህወሓት ገዛኢ ውድብ ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ ናይ መንግስቲ መደባት ክግምግም ከሎ ኣጠቃላሊ ኣንፈታት ብዘቐምጥን ህዝብን መንግስትን ብዘዕግብን መንገዲ ይኹን፡፡

ናይ ህወሓት ኣቦመንበር ወይ ምክትሉ ብዘይ ሕቶ ናይ ትግራይ ርእሰ ምምሕዳር ዝኮነሉ ኣሰራርሓ ይፈትሹ፡፡ ክልተ ትካላት ብሓደ ርእሲ ምምራሕ ነቲ ፓርቲ ይኹን ነቲ ህዝቢ ዝጎድእ እዩ ዝመስለኒ፡፡ ፓርቲ ዕማሙ ክፍፅም ምምሕዳር ሕገ-መንግስታዊ ግቡእ ክዓይይ ነን በይኖም እንተኮይኖም ኣይጠቅሞን ዶ ዝብል እስኪ ይፀናዕ፡፡

2.2 ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ዕማሞም ክፍፅሙ ሓዱሽ ምምዕርራይ  

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ኣረኣእያታት ማለት “ኩሉ መንገዲ ጥፍኣት" ዝብልን ኣብ ጥርናፈ ዘሎ ኣካይዳን መንግስትን ፓርቲን ምትሕውዋስን ነዘን ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ምልማስ ኮይኑ ኣሎ፡፡ መውፅኢ ሕጊ፣ ፍትሒ ኣካላት፣  ናይ ሲቪልን ሞያዊን ማሕበራት ነፃነተን ዘረጋግፃሉ ኩነታት ይፍጠር፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ፅሑፋት ብተደጋጋሚ ዝፀሓፍኩሉ ስለዝኮነ ምውካስ ይከኣል እዩ፡፡

2.3 ዝጦምበወ ቢሮክራሲ ኣፍሪስካ ከምብሓድሽ ምምዕርራይ    

ድሕሪ 20 ግንቦት 1983 ዓም ትግራይ እቲ ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎ ቢሮክራሲ ንምህናፅ ካብ ካልእ ከባቢ ዝሓሸ ዕድል ነይሩዋ፡፡ ዝወየነ ህዝቢ፣ ወያናይ ካድረ፣ ሕድሪ ኣያታትና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሉ ዘለና ሙሁር ዝወሓጀሉ ኩነታት ነይሩ፡፡ እዚ ኣጣሚርካ ንኻልኦት ክልላት ኣብነታዊ ዝኾነ ቢሮክራሲ ምተፈጠረ ግን ኣይተዓደልናን መርዓስ ይትረፍክንዋ………… ከም ዝበሃል ከምሃገሩ ተዝኸውን እውን ግርም እዩ፡፡ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቢሮክራሲ ሕማቕ እዩ፡፡ ናይ ትግራይ ዝረኣዩ ግን ዝሓሸ እዩ ይብልዎ፡፡ ኣይ ህዝባውነት ኣይ ክእለት ሕማቕ ፖለቲካ ትግራይ ዘሕረሮ ቢሮክራሲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ላዕሊ ዝገለፅክዎም ይመስለኒ ግን ብናይ ባዕሉ ባህርይ እውን ብዙሕ ክፅናዕ ዝግብኦ ይህልዎ፡፡

2.4  ነፃነት ኣካላት ፍትሒ (de-politization)

ነፃ ኣካላት ፍትሒ፤ ዝኾነ ፓርቲ ብምርጫ ይስዓር ብሕጊ ጥራሕ ዝንቀሳቐስ ዓቃቢ ሕጊ፣ ፖሊስ ወዘተ ከመይ ኢልና ንህነፅ ዝብል ብሰፊሑ ክስረሓሉ ዘለዎ እዩ፡፡ ሓይሊ ፖሊስ ብፍላይ ናይ ሓደ ውድብ ጨንፈር ከይኸውን ዝዓጠቐ ሲቪል ምኳኑ ገዲፉ ወተሃደራዊ (militarized police) ከይኸውን ምምዕርራይ ክግበር ኣለዎ፡፡

2.5 ዝፀወዮ ባዕሉ ዝሰምዕ፤ ዝፀሓፎ ንበይኑ ዘንብብ ሚድያ ናይ ህዝቢ ንግበሮ

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሽግራት ካብ  ኣብ ካልኦት መዳያት ንላዕሊ ኣብ ሚድያ ዝለዓለ ናይ ምልማስ ግደ ኣለዎም፡፡ ሚድያ ምሓዝ ንስልጣን፤ ንዝና ካብ ዝብል “ናይ መንግስቲ ስልጣን ንግልኻ ናይ ምጥቃም” ስለዝኾነ ኣብ ዓይኒ ብዙሕ ስለዘእትው እቲ ዝለዓለ ቁፅፅር ዝግበሮ እውን እዩ፡፡

ናይ ትግራይ ናይ መንግስቲ ሚድያ ናይ ህወሓት ከምዝኾነ ገይሩ እዩ ንባዕሉ ዝሓስቦ፡፡ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ረብሓታትን ክብርታትን ንኽምዕብል ዝሰርሕ ናይ ህዝብን መንግስትን ድልድል ከምዝኾነ ዝቕበል ኣይመስለንን፡፡ ብሕግን ብሕግን ጥራሕ ከም ዝግዛእ ዝረስዐ እዩ ዝመስል፡፡ ከም ዝመሰሎ ዝሕምብጥ ትካል ኮይኑ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ  ብስእነት ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን እንትስብስብ “ከም መንግስቲ ውድብ ትግራይ” የለን ዝኣንፈቱ መሀከዪ ምንቅስቃስ ይገብር፡፡ ህወሓት ብናይ ህዝቢ ፀቕጢ ሽግር ኣለና እንተበለ እውን ነቲ ህዝብን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት አቕሪቡ ክንዲ ዝግምግም ባዕሉ እቲ ሽግር ክንዲ ክንቲት ከምዝኮነ ብምቅራብ ይሸፋፍኖ፡፡ መራሕቲ ሕንጥሸይ እንትብሉ ብማይክሮፎን ዘጋውሕ ትካል እዩ፡፡

ታሪኽ ዝሰርቕ፣ ኣብ ስዉኣት እንተይተረፈ ሌላን ጉሌላን ዝገብር፣ 60 ሽሕ ስዉኣት ገዲፉ ናይ 10-15 “ፍሉያት” መድረኽ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ወሳኒ ተራ የናእስ፡፡ እቲ ቃልሲ ናይ ውልቀሰባት ይገብሮ፡፡ እቶም ውልቀሰባት እውን ሕዚ ኣብ ስልጣን ብዘለዉ ተጋደልቲ ነበር ብዘለዎ ርክብ የቕርብ የርሕቅ፡፡

ናይ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣቀራርባ ዝምለከት…….. ዝነበረና ወግዒ ከካፍለኩም፡፡

ኣነ፦ ስማዕ እባ ኣብቲ ስትራቴጂክ መጥቃዕቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ወታደራዊ ኮሚቴ ዶ ኣይነበራን እዩ? ኢለ ሓቲተዮ፡፡ ንሱ፦ ነይርዋ እባ እንታይ ማለትካ እዩ?

ኣነ፦ እቲ ኮሚቴ ኣቦወንበር ዶ ነይርዎ?

ንሱ፦ እወ ስየ ነይሩ፡፡

ኣነ፦ እንታይ ደኣ ናይቲ ስትራቴጂካዊ መጥቃዕቲ ኣመራርሓ እንተርእይ ኣቶ ስየ ከምዘይነበረ ትገብርዎ?

ንሱ፦ ንሱማ መድረኽ እዩ …….

ኣነ፦ (ንምእማኑ ኣሸጊሩኒ) ሕዚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ቅዋም ክሕዝ ሕገ-መንግስትና ዝፈጠረሉ መሰል እኮ እዩ፡፡ ካብቶም ዝነበሩና ዉሑዳት ስትራቴጂስት እሞ ናይቲ ወተሃደራዊ ኮሚቴ ኣቦወንበር ምግዳፍ ሓሶት ብምግዳፍ (omission) ዶ ኣይኮነን ኢለ፡፡

ንሱ፦ መልሲ የለን፡፡

ናይ ትግራይ  ማስ ሚድያ ህዝቢ ትግራይ ረብሓታቱን ክብርታቱን ዝሕልወሉ ምርምራዊ ሓሳባት ኣናቐረበሉ ኩሉ ዓይነት መሰላቱ ዘረጋግፀሉ ዘይኮነ ናይ ውሑዳት “ፍሉያት” ሰበ-ስልጣን መሳርሒ ስለዝኾነ ካብ መሰረቱ ክቕየር ኣለዎ፡፡ መሰረታዊ ሕቶታት ዝሽርሸረሉ መፍትሒታቶም ዝሕበረሉን ሓቀኛ ዜና ክሓልፍን ንህወሓት፣ንዓረናን ካልኦትን ብመዓረ ዝርኢ መተሓዳደሪ ደንቢ ክመሓየሽ ኣብ ህዝቢ ዝኣመኑን ናቶም ረብሓን ክብርን ምስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣሳሰሩ ክመርሕዎ ይገብርዎ፡፡

  1. 3.   ዳግመ ፍተሻ ፖሊሲታትን ኣተገባብርኡን

ገሊኡ ፖሊሲታት ከምዘለዎ ክኸይድ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ኣብ ኣተገባብርኡ ግን ብዙሕ ዓንቀፍቀፍ የጋጥሞ ኣሎ፡፡ ስለዚ ናይ ኣተገባብርኡ ስትራቴጂን ስልትን ምስ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሽግራት ኣተኣሳሲርካ ምህናፅ የድሊ እዩ፡፡

ናይ ትምህርቲ ፅርየት ፉሉይ ጠመተ የድልዮ እዩ፡፡ ትውለድታት ዝሃንፅ ወይ ዝቐትል ስለ ዝኮነ፡፡ ቡዘሓት መራሕትን ሙሁራትን ትምህርቲ ናይ ቅድሚት ድልድል እዩ ይብሉ፡፡ ፅባሕ ናይቶም ሎሚ ብዝግባእ ዝተዳለው እዩ እንደሕር ዘይኮነ ዉሑጅ ምስጋር ኣብዩዎም ኣብ ጫፍ ዕንይንይ ይብሉ፡፡ ን Kofi Anan ክጠቅስ ፉቐዱለይ “Knowledge is power. Information is liberating. Education is the premise of progress, in every society, in every family.”

ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላይዜሽን፤ ናይ ቱሪዝም  ወ.ዘ.ተ ፖሊሲታት ብዙሕ ሕቶታት ዝለዓሎም እዮም፡፡ መላእ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ብሙሁራን ዝምራሕ ፍተሻ የድሊ፡፡ ኣብዚ ክንጥንቀቕ ዘለና ከምዚ ህወሓት ዝመልመሎም “think thank” መስሓቂ ከይኸውን እዩ፡፡ ኣባል ውድብ ወይ ናብኡ ዝቐረበ ክበሃል የብሉን፡፡ መማረፂ ሓሳባት ኩሎም ንኹሎም ሙሁራን ዘሳትፉ ናይቲ ህዝቢ ዳግመ መልስ (feed back) ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኩሎም መማረፂ ፖሊሲታት ይቕረቡ እቲ ዝበለፀ ይመዘዝ፡፡

  1. 4.   ናይ ኣንጭዋን ድሙን ፀወታ ዘወግድ ውሽጠ ምምዕርራይ ይገበር  

ካብ ርሑቕ ክሪኦ ከለኹ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ሰለስተ ኣንጃ ተጎጃጂሎም ናይ መን ይስዕር ናይ ኣንጭዋን ድሙን ምትሕልላውን ምጥልላፍን እዮም ዝርከቡ፡፡

ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ዝኾነ ጉጅለ፡ ዘነፀረን ብግልፂ ዝወፀአን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ የብሉን፡፡ “ፅቡቕ ኢና ዘለና፣ ኣይ ህወሓት ነዐርያ” እዩ ዝመስል፤ ምናልባት እውን ኣብ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይተመስረተ ተራ ናይ ስልጣን ባእሲ እውን ክኸውን ይኽእል፡፡ ህወሓት 1993 ተሃድሶ የድልያ ነይሩ፡፡ ግን ብሽም “ተሃድሶ” በርዒኑ። 2010 እውን ተሃድሶ ድልያ እዩ፤ ኣብ ዓብዪ ሕማም (i.c.u) ኮይና ስለዘላ ዓሚቕ ተሃድሶ የድልያ እዩ፡፡ ግን “ጥልቅ ተሃድሶ” ኢሎም ከምዘይትምለስ ገይሮም ይቐብርዋ ኣለዉ፡፡

ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፖሊሲ፣ ኣርኣእያን ኣወዳድባን ለውጥታት ከም ዘለዎ ኮይኑ እቲ ውዱባዊ ህንፃ እውን ምስኡ ክመዓራረ ኣለዎ፡፡ “ዴሞክራስያዊ ጥርናፈ” ብመሰረቱ ክስተኻኸል፣ መራሕቲ ብብቅዓት ብሓዱሽ ኣረኣእያ ዝምርፅሉ፣ እቲ ድሕሪ 1997 ምእንተ ስልጣን ኢሉ ናብ ውድብ ዝኣተወ ዝራገፈሉ፣ መንኣሰይ ሙሁራት ብስፍሓት ኣባላት ዝኾኑሉን ዕድመ ኣባልነት እንተይቆፀርካ ናብ መሪሕነት ዝመፀሉ ኣሰራርሓ ምንዳይ ይግባእ፡፡

ብናተይ ሪኢቶ ካብ ዕላማ ህወሓት ኣንፃር ክርአ እንከሎ ትፈርስ እያ ዘላ፡፡ እቲ ደም ይውሕድ እቲ ቅርፂ(form) እምበይ እቲ ትሕዝቶ(content) አዐርዩ የንቆልቁል እዩ ዘሎ፡፡ እቲ ውድባዊ ህንፃ እቲ ቅርፂ እንተይፈረሰ ነቲ ትሕዝቶ ንምጉልባት ዓብዪ ተራ ኣለዎ፡፡ በዚ መሰረት እውን ይመዓረረ ካብ 1-3 ዘለዉ ከም መበገሲ ተወሰዱ፡፡

ብፍላይ ምስ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ “ውፃእ-መዓት” እዩ፡፡ ንህወሓት እውን ከምኡ ገይሩ እዩ ቀሪፅዎ፡፡ ብውሑድ ሰብ ሓይሊን ንዋትን ነቲ ገዚፍ ሓይሊ ክስዕር እየ ኢሉ ምብጋሱን ምዕዋቱን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጥሞ ዝነበረ ውሽጣውን ግዳማውን ፈተናታት ፈንፂሓ ጠሓሒሳ ናብ ዐወት ዝተሰጋገረት እያ፡፡               

እዚ ልምዲ (tradition) ኣብዚ እዋን እዚ ብዓፀበ ቀለለ ብዘይ ምድንጋፅን ደንበርበር ምባል(panic) ብዝግባእ ክንዕቅቦ ዘለና ወርቃዊ ልምዲ እዩ፡፡ ደገፍቲ ጋንታ መቐለ ተቓውሞ ኣስሚዖም እንትበሃል ምድንጋፅን ናይ ዓቕሊ ፅበት ስጉምቲ ምውሳድን፤ ተምሃሮ ረቢሾም እንትበሃል ወ.ዘ.ተ ዘሎ ዙርቕሩቕነት ኣተሓሳስባ ምስቲ እናወዓዬ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ሃገርናን ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተርኣዩ ናይ ተቃውሞ ኣንፈታት ክንርኢ ግድን እዩ ዝኸውን፡፡ ከምቲ 2008 ዝነበረ ዓመፅ ዝተሓወሶ ምንቅስቃስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እውን ብዙሓት ሓደሽቲ ነገራት ክርአ እዩ፡፡ እዚ ሓደሽቲ ምንቅስቓስ ስትራቴጂካሊ ንዘይርኢ ሕዚ እውን ዓዲ ክትፈርስ እያ ካብ ዝብል ናይ ዓበርበር ስጉምቲ ብምውሳድ ዘላቒ ሓደጋ ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ህወሓት እንተ ዓርያ ካብቲ social capital ዝኾነ ናይ ፅንዓትን ድምብርፅ ዘይብል ልምዲ ብቀሊሉ ንምሽጋር ይከኣል፡፡

ወያነ ኢትዮጵያ

ክሳብ ሐዚ ዝነበሩ ሓሳባት ህወሓት ንባዕላ ኣመዓራርያ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ምምራሕ ተራ ከመይ ትፃወት እዩ። ህወሓት ንምዕራይ እዚ ኣብ ወያነ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣርኣእያ እውን ክስተኻኸል ኣለዎ። መሰል ማእኸል ዝገበረ ሰላማዊ ወያነ ንሃገርና ዘድሕናን እቲ ጀሚራቶ ዘላ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓት ዝላ እትመዝግበሉ ኮነታት እዩ ክፈጥር። ኩሎም ህዝብታት ዝገብርዎ ናይ መሰልና ይረጋገፅ ሕቶታት ንሃገርና ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኦሮሞ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮ እዩ።

እቲ 2008 ዓም ዝተወለዐ ሐዚ እውን ዝቕፅል ዘሎ ምንቅስቓስ ፅንፈኛታት ናብ ዓመፅ ክጨውይዎ እንተፈተኑ እውን ብመሰረቱ ዴሞክራስያዊን ሰላማውን እዩ። ኣንፃር ዓፋኒ ስርዓት ኢህወዴግ ዘቕነዐ እዩ። ህወሓት ትተዓረ ኣይትተዓረ ከም ተጋሩ ምስኦም ደው ክንብል ኣለና። ደድሕሪ ፅንፈኛታት እናኸድና እዚ ገይሮም እዚ ተዛሪቦም ወዘተ ናብ ዝብል ኣይንእተው። ኣብዚ ቀረባ እናተፈጠረ ዝመፀ ጎንፂ (ኣብ ሞንጎ ኦሮምያን ሶማሊ ክልልን) ተጋሩ ምስ ሶማል ኮይኖም ዝብል ግምታዊ ኣረዳድኣ (ፐርሰፕሽን) ኣብ ገለ ኦሮሞ ይስማዕ እዩ። ሓቂ እንተሊይዎ ከነስተኻኽሎ ይግባእ። ካብኢ ሓሊፉ ግን ንሕና ንሶማል ወጊና ንኦሮሞ ንምጉዳእ ከም ዘይንንቀሳቐስ ምስራሕ ከድልየና እዩ።

ኣብ ህንፀት እዛ ሃገር ተጋሩ ልዑል ግደ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ንዛ ሃገር ዳግም ምትዕርራይ ናይ ህዝብታት መሰል ብዘረጋግፅ መንገዲ ምጅማሩ ዝግበአና ክብሪ ረኺብና ኣለና። እቲ ስርዓት መሰላት ምርግጋፅ ክጅምር እንተሎ ግን እዚ ይፈርስ ኣሎ። ብቐልስና ዝረኸብናዮን ታሪኽ ዝሃበናን ቦታ ሓንሺሽና በሊዕናዮ። ንኽንምለስ እቲ ብሕታዊ መንገዲ ናይ መሰል ሰንደቕ (ባነር) ተሰከምቲ እንተኾይና ኢና።

ፅንፈኛታትን ህዝቢታትን ክንፈሊ ኣለና። ኣብ ሃገርና ፅንፈኛታት ዓቕሚ ዝረኽቡ ክንዲ ንህዝቢታት መሰሎም ኣብ ምርግጋፅ  ተሰሊፍና ኣብ ምእማን እንነጥፍ ንፅንፈኛታት ብቲ ነሃቶም መንገዲ ሃንቺ መንቺ እናተበሃልና ንምምካት ምፍታን ንቲ ኩነታት ምብልሻው እዩ። ብመንፅር እዚ ከም ህወሓት ወይ ከም ተጋሩ ናይ መጀመርታ ስራሕና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፅንፈኛ ኣርኣእያ ምምካት እዩ።

ህዝብታት ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክሳተፉ እንተለው ብዙሕ ነገራት ኣብ ሕቶ እዩ ዝኣትው። እቲ ሓዱሽ ጉፅዞ ሕቶ መርግጋፅ መሰል ንቡዙሕ ነገራት ከም ብሓዱሽ ዝፍትሽ፤ እቲ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ኣብ ባንዴራ፣ ኣብ ፓርቲን መንግስትን ዘሎ ውክልና ምልዓሉ ኣይተርፍን። ከም ሰጎን ኣብ ሓሸዋ ርእሳ ኣድኒና ሽግራት ንምሕላፍ ትፍትን ንሕና እውን እቲ ንኹሉ ነገር ናይ ምፍታሽ ናይ ወያነ ባህሪ ከምዘየለ ገይርና ኣፅቂጥናን ኩሉ ነገር ሰላም ከም ዝኮነ ገይርና ዕሽሽ ምባል ዋጋ የኽፍል እየ፤ ናይ ሓደጋ ምልክት እዩ።

ክልተ ነገራት ከልዕል፦ ሓደ ናይ ኢህወደግ ውክልና፣ ካልኣይ ናይ ሓይሊ ምክልኻልን ደሕንነትን ኣመራርሓ ዝምልከት እዩ። ኢህወደግ ክቕፅል እንድዩ? እንተኾይኑ ኸ ከመይ ኢሉ? ዝብል ምሕታት ኣይተርፍን። ብፍላይ ንህወሓት ክልተ ናይ ግጥም ከባቢ (confrontational area) ካብ ሕዚኡ ፈዘዝ እንተይበለ ኣፅኒዑ ክወስድ ይግባእ። ናይ ግንባር ውክልና ብበዝሒ ህዝቢ ዶ ይኹን ዝብልን ኣብ ኣመራርሓ ምክልኻልን ድሕንነትን ክልዓል ዝኽእልን። ኣብ ከምዙይ ዝበለ ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ግዜ ወሳኒ እዩ እሞ ቀልጢፍካ ምርኣይ ጠቓሚ ይመስለኒ።

ከም መጠቓለሊ፤ ኣብ ሃገርናን/ትግራይን ነቲ ኩነታት ዝምጥን ዝተማልአ ፖለቲካዊ ሚኒፌስቶ ሒዝካ ነዚ ሚኒፌስቶ ብዝተማልአ ዝርድኦን ዝኣምነሉን ኣካል እዩ ንሕወሓት ከመርሓ ዘለዎ፡፡ ብናተይ አረኣእይ መብዛሕትኦም ኣባላት ፈፃሚን ማእከላይ ኮሚቴን ተዘልግሱ እሞ ብሓደሽቲ ብቑዓት ሙሁራት ተዝትክኡ ህወሓት ነብሲ ምዘርአት፡፡ ውድብ ከይትፈርስ ዝብል ናይ 1993 መጭበርበሪ ጭርሖ ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ!!፡፡

II. ዓረና  እውን ይዓርይ

ብመጀመርያ ዓረና ትግራይ ኣብ ብጣዕሚ ዓፋኒ ኩነታት ዳርጋ “police state” ኣብ ዝኾነ ናይ ትግራይ ፖለቲካ ክሳብ ሕዚ ኩሉ በደላት ተፃዊሩ ሕዚ እውን ኣለኹ ምባሉ ኣድናቖተይ ክገልፅ ይደሊ፡፡ እቲ ናይ ህዝቢ ነፃነት ንምርግጋፅ ዝተጠረየ ተሞክሮ ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ክሳብ ውደባ “ሓደ ንሓሙሽተ” ንምዕፋንን ንስለላን ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን እቲ ኩነታት ዓፈና ትግራይ ክሳብ ክንደየናይ ዘየንቀሳቕስ ከምዝኾን ንምርዳእ ኣየፀግምን፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ መንግስቲ ትግራይ የመና ጨቋኒ (the most repressive state) ደኾን ይኾን ይብል እየ፡፡ ናይ ዓረና ትግራይ ጥንካረን ድኽመት ኣብዚ ዓውዲ (context) ኣእቲኻ እዩ ክርአ ዘለዎ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብመናእሰይ ሙሁራን ዝተገበረ ምትኽኻእ እውን ኣብነታዊ እዩ፤ ውፅኢቱ ገና እንሪኦ እነተኮንና አውን፡፡

ትዕዝብተይ ብጣዕሚ ውሱን እዩ፡፡ ስለዚ ምስ ኩነታት ዝኸይድ ፖለቲካዊ ማኒፍስቶ ንክህልዎም (ክህልዎም እውን ይኽእል) ሓደ ሓደ ንውሽጦም ዝሪኢሉ እሞ ዝጥንክሩሉ ኩነታት እንተሃለወ እየ ሕቶታት ከቕርብ፡፡

ሀ- ዓረና  ንፁር ራእይ፣ ፖለቲካዊ ዓላማ፣ ስትራቴጂን ስልትን ኣለዎ ዶ?

ለ- ኩሉ ኣባል ብፍላይ እቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ብተመሳሳሊ ደረጃ ይፈልጦምን ይዋደቐሎም ዶ?

ሐ- ህዝቢ ትግራይ በቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት መሪርዎ መሪሕነት ኣብ ዝደለየሉ እዋን ዓረና  ንምንታይ እዩ ብተዓፃፃፊነት ዘይተጠናኸረ?

መ- ተኣማኒ ተቓዋሚ (responsible opposition) ንምኳን ዝገብሮ ፃዕሪ ክሳብ ክንደይ እዩ? ምስ ህወሓት ኣብ ዘራኽብዎ ናይ ሓባር ዕላማ ብሓባር ናይ ምስራሕ ብህወሓት መሪሕነት ክልል ትግራይ ዝገብሮ ኣወንታዊ ምንቅስቃስ ምምጓስ (appreciate ምግባር) ወ.ዘ.ተ፡፡

ሰ- ናይ ተቓዋሚ ውድብ ድኽመታት ምቅላዕ ብዋናነት ዕላማኻ ንምስራፅ ምእንታን እዩ፡፡ ኣብ አዲስ ኣበባ እንሪኦም ተቓወምቲ (እቶም ናይ እማን ማለተይ እዩ) ንኢህወዴግ ምቅላዕ ዋና ስርሖም ይገብሩ፡፡ ቀንዲ ስርሖም ዕላምኦም ምስራፅ ሙኻኑ ይርስዑ፡፡ ስለዚ ብደገ ዘለና ዕላማ ግዲ የብሎምን ክንብል ይገብረና፡፡ ኣብ ፅሑፍ ዝተቐመጠ ፕሮግራም ንበይኑ ግኡዝ እዩ፡፡ ምስ ህልው ኩነታት ክኸይድ ዝገብር ምንቅስቃስ እንተልዩ እዩ ሂወት ዝህልዎ፡፡ ዓረና ትግራይ ከ?

ረ- ኣብ ስልጣን ክመፅእ  ይኽእል እዩ ዝብል ሳይኮሎጂ፡፡

ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንሪኦም ተቓወምቲ(ሕዚ እውን እቶም ናይ እማን)  ኾይንካ ንዘልኣለም ለጥ ኢሎም ዝነብሩ ገይሮም ዝወስዱ ይመስሉ፡፡ ናይ 97 ኩነታት ይመፅእ ከምዘሎ ኣይዕዘቡን፡፡ መንግስቲ እንተኾይና እዛ ዓዲ ከመይ ክንመርሓ፤እንታይ ዓይነት ጥምረት coalition ይህልወና፡፡ እቲ ተኣናፋይ (sensitive) ዝኾነ ናይ ፀጥታ ኩነታት ክንመርሕ ብቅዓት ኣለና ዶ ኣይብሉን፡፡ ዋላ እንተተመረፁ ብሕገ-መንግስቲ መሰረት ጥራይ ዝሰርሕ ሓይሊታት ምክልኻልን ድሕንነትን እነተልዩ ስልጣን ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ብምእማን ነቲ ናይ ፅጥታ ሐይሊ ሞንገኛ(neutral) ክገብሩ ፓለቲካዊ ቃልሲ እነትገበሩ አይራኣዩን ፡፡ ነቲ ናይ ኢፌድሪ መከላከያ ናይ ወያነ መከላከያ ናይ ወያነ ጀነራል እናበሉ ከርሕቑ ይፍትኑ፡፡ ንገሊኦም ናይ ፅላሎት ካቢኔ (shadow cabinet) ኣለኩም ዶ እንተበልኩዎም ምንም ዝሓሰብሉ ኣይነበሩን፡፡

ዓረና  ኣብ ሓፂር እዋን ሙሉእ ስልጣን ንመቁንጣጥ እንተዘይከኣለ እኳ ኣብ ፓርላማ ትግራይ ትርጉም ዘለዎ ቦታ ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ነዚ ክዳለዉሉ ይግባእ፡፡

ሠ- ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓሓሊፉ ከምዝከታተሎ ገለ ኣባላቱ ኣብ ብጣዕሚ ደቀቕቲ ጉዳያት፤ ኣብ ብሽሽቕ፣  ኣብ ሰብ ምትእኽኻብ ዘይኮነ ንሰብ ምንሻውን ምብታንን ዝተዋፈሩ ይመስሉ፡፡ ብናተይ ኣረኣእያ ዋና ዕላማ ክኸውን ዘለዎ  እቲ መንእሰይ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍን ኣብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶታት ከትኩርን ይግባእ፡፡

III.  ሳልሳይ ወያነ? ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ትግራይ? ዓረና ሶሻል ዴሞክራሲያዊ ትግራይ?

ፖለቲካ ትግራይ ዋና መግለፂኡ ኣብቲ መንእሰይ (ብፍላይ ኣብቲ ሙሁር) ኣብ ህወሓት ዝነበሮ እምነት እናተሸርሸረ ብዝኸደ ቁፅሪ ተስፋ ናይ ምቑራፅን ዝሕዞ ዝጭብጦ ናይ ምስኣን ኩነታት ይኸውን ኣሎ፡፡ እዚ ተርእዮ ጊዝዊ እዩ ክመዓራረ እዩ፡፡

ዕላምኡ ብንመን ከምዝምራሕ ዘይፈለጥክዎ ሳልሳይ ወያነ ዝብል ይሰምዕ ነይረ፤ ጅምር ሕድግ ደኣ ይኾን ይመስል እምበር፡፡ ንዓይ ካብቲ ህወሓት ዘጨማልቖ ተሃድሶ ሳልሳይ ወያነ ይስሕበኒ፡፡ ሳልሳይ ወያነ ንቐዳማይ ወያነን ካልኣይ ወያነን ክብርታቱ ገይሩ ወሲዱ፣ ሽግራቱ ኣሪሙ፣ ንቕድሚት ዝስጉም ናይ መበል 21 ፖለቲካ ዝዓሰሎ ዕሸል ግን ዝትኮስ ክኸውን የድልዮ፡፡ ብናተይ ኣረኣእያ ንቐዳማይን ካልኣይን ወያነ ዘናሽው ሳልሳይ ወያነ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ካልኣይ ወያነ ዘምፅኦ ዓወት እንተይ ጨበጥካ ድክመታቱ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ሃገርና ሪኡ ዘይኸይድ ምንቅስቃስ መሰረት ዝህልዎ ኣይመስለንን፡፡

እቶም ካልኦት ዴሞክራሲ ማእኸል ዝገበሩ እውን ሓልሓሊፉ ይስምዑ እዮም፡፡ ብናተይ ኣረኣእያ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ናይ ትግራይ ኩነታት ብዘይ ዴሞክራሲ ንቅድሚት ሓደ ክልተ ስድሪ ንምኻድ ዝኽእል ኣይመስለንን፡፡ ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ዘይነፃፀሉ ናይ ሓደ ገስጋሳይ ስርዓት መግለፂ ስለዝኾኑ ብዘይ ዴሞክራሲ ሰለም፤ በዘይ ሰላም ልምዓት ኣይህልውን፡፡ ልምዓት ድማ ንዴሞክራሲን ሰላምን መሰረቱ እዩ፡፡ እቲ ኣብ መንእሰይና ዘሎ ዕንይንይ ኣብ መጀመርያ ባህርያዊ እዩ ግን ይፀርይ እዩ ዘሎ፡፡ እቲ ንምውድዳብ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ተስፋ ዝህብ እዩ፡፡

መንእሰይ ትግራይ ሕዚ እውን እዛ ዓዲ ናትካ እያ እሞ ኣብ ህወሓት መሰረታዊ ናይ ትውልዲ ምትኽኻእ ብምግባር ይኹን ንዓረና ትግራይ ብምጥንኻር ወይ ‘ውን ናይ በዓልኻ ውዳበ ፈጢርኻ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ምዝሕሓል ኣውፂእኻ ኣወዓዕዮ፡፡ ምእንቲ እዚ ክሕግዝ ካብ ተሞክሮይን ካብ ዘንበብክዎን ፅሒፈ ኣለኹ እሞ ዘለዎ ዝሃበ ንፉግ ኣይበሃልን እንድዩ እስቲ ረኣዮ፡፡

ኣብ ህወሓት ምግዳለይ ዝኾርዕ፣ ብህዝቢ ትግራይ እውን ዝሕበን እየ፡፡ ነገር ግን ክሳብ ሕገ-መንግስትና ዝፀድቕን ዝሰናበትን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ስለዝነበርኩ ሕዚ ተመሊሰ ክሪኦ እንተለኹ ክንገብሮ ዝነበረና ዓብዪ ዝጎደለ ነገር ኣሎ፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዚ ወርቂ ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ገይርና እቲ መሪሕነት ከመይ ገይርና እናተጎራረሰ ነቲ መንእሰይ ነረክቦ ዝብል ስትራቴጂ ዘይምውፃእና እዩ፡፡ ኩናት ምስዓርን ሃገር ምህናፅን ነንበይኑ እዩ፡፡ ብፍላይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ባዕሉ መሰጋገሪ ትውልዲ የድልዮ እዩ፡፡  እቲ ዝግባእ  ምስግጋር ተኻዩዱ ተዝነብር ምናልባት ናብዚ ናይ ሎሚ ዕንይንይ ብክለተ እግርና አይምኣተነን፡፡  

ተጋሩ ንሕበር

ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክንሓብር ዘድልየሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ተጋሩ ከም ዝኾነ ካሊእ ህዝቢ ናይ ሓባር ረብሓታትን ክብሪታትን ኣለውና። ንዞም መሰላትና ክነረጋግፅ ቅልፅምና ክነተሓባብር ይግባእ። እቲ ሕብረት ግን ናይ “ሓደ ልቢ” ዝብል ፋሺሽታዊ ኣርኣእያ ክኸውን ኣይብሉን። ኣብ ትግራይ እውን ሓድነት ምስ ብዙሃነት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብምኽንያት  መደባዊ ኣፈላለያት ይኹን ካሊእ  ዝተፈላለዩ ኣሰላልፋታት ክህልው ግድን እዩ። ንዚኦም ኣፈላላያት ዝፀውር ሓድነት እዩ ድልዱልን ጥንኩርን ሓድነት ዝኸውን። ፅንፈኛታት ንቲ ሓድነት ተጋሩ፡ ኣንፃር ኣምሓራ፣ ኦሮሞ ወይ ካሊእ ገይሮም ክገልፅዎ ምህቃኖም ኣይተርፍን፤ ግን ብፅንዓት ክንቃለሶምን ሓድነትና ረብሓና ንምርግጋፅ እምበር ኣንፃር ማንም ከም ዘይኮነ ኣሚና ኣእሚናን ክንቀሳቐስ ምስ ካልኦት ህዝብታት እውን  ክንሓብር ንሶም እውን ኣብ ውሽጦም ክሓብሩ እዩ። ከምዙይ ክኾን ተሎ እዩ ጠንካራ ሃገር እትህሉ።