ኣይተ ዳንኤል ወልደሚካኤል ኣብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ በዓል ሞያ ኢቲሞሎጂ( ምክልኻል ባልዕ) እንትኾኑ፤ ኣብታ ብክልል ደረጃ ተጣይሻ እትንቀሳቐስ ዘላ ዓባይ ኮሚቴ ፀረ ኮቸነል ኣባል እዮም።

ኣብ ዝሓለፈት ሕታም መፅሄት ውራይና ፤ ኮቸነልን ጥፍኣቱን፤ ምክልኻሉን ጠመትኡን ኣመልኪቱ ስፍሕ ኢሉ ዝቐረበ ፅሑፍ ኣንቢቦም መልሲ ክህቡ ናብ ቢሮና መፂኦም።

ኮቸነል ዝብሃል ሓሰኻ ንትግራይ እንትኣቱ ምስ ሕብረተሰብ ምኸክር ተገይሩዶ?

ኣይተ ዳንኤል፤ኮቸነል ዝብሃል ሓሰኻ ኣብተን ብኣግባቡ ዝጥቀማሉ ሃገራት ሕብረተሰብ ዘልምዕን ሸርፊ ወፃኢ ዘለዎን ምኳኑ ኣይከሓድን። ኣብኣተን ዛጊድ ከም pest ( ባልዕ) ኣይውሰድን።   ኣብዙይ’ውን ከምኡ ከልምዕን ሸርፊ ከርክብን ብጥዑይ መንፈስ ልምዓት ተሓሲቡ ዝመፀ እዩ። ከልምዕ እዩ ካብ ዝብል ዓብይ ህረፍ እንትኣቱ ግን ንሕብረተሰብ ኣማኺርካ፤ ምናልባት ናብ ባልዕ እንተተለወጠኸ ታይ ይግበር ዝዝብል ኣገናዚብካ ዝተኣትወ ኣይኮነን። ብመሰረት ዚ ከምቲ ዝተራእየ ናብ ባልዕ ተለዊጡ።

daniel w

ድሕሪ ቁሩብ ዓመት ናብ ባልዕ ምስተለወጠ ፤ መንግስቲ ታይ ክገብር ከኣለ፡?

በዚ ጉዳይ መንግስቲ ብጣዕሚ እዩ ተሻቒሉ ቀልጢፉውን ናብ ስጉምቲ ኣትዩ። ቀጥታ ብክልል ደረጃ ሓደ ናይ ምክልኻል ቴክኒክ ኮሚቴ ተጣይሹ። እዙይ ብቐጥታ ጠማትነት ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ኮይኑ፤ ዩኑቨርሲቲ መቐለ፤ ዓድግራት፤ ቢሮ ሕርሻ፤ ሄልቫትስ ዝተባህለ ኣብ በለስ ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ፤ ሕርሻ ምርምር ኣባልነት ዘለዉዎ ዓብይ ኮሚቴ እዩ። ቀፂሉ ናይ ምክልኻል ፃዕርታት ተጀሚሩ። ፈለማ ብሓዊ ምልብላብ ተሞኪሩ፤ ቀፂሉ ምቁራፅካብኡ ኩዒትካ ምቕባር   ተገይሩ፤ ዩቪ ላይት ብዝብሃል ጨረር ተፈቲኑ፤ ቀፂሉ ሓደ ተመራማሪ ሳሙና ፈውሲ ረኺበ ኢሉ መረጋገፂ ስለዘምፀአ ይነፀግ ተባሂሉ ብዙሕ ወፃኢ ተሰሊዑ ተፈቲኑ፤ ካብ ፌደራል ዝመፁ ተመራመርቲ ስነ ህይወታዊ መፍትሒ ክነምፅእ ኢና ኢሎም ዘድሊ ምትሽብባር ጌርና፤ ካብዚ ሓሊፍና ድድማ ካብቶም ነዚ ጉዳይ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ሃገረ ሜከሲኮ ተመራመርቲ ኣምፂእና ርእዮሞንዕኡ ዝበልዕ ካልእ ሓሰኻ ክፈጥሩ ከይዶም ኣለዉ። ስለዚ ኣይደቀሰን መንግስቲ።kochenel

እሞ እዚ ኹሉ ዓመት ብዘይ ውፅኢት ታይ እዩ ነገሩ። ኣብ ወጀራት ኣብ ሞኾኒ ዓዲ ኣብሪሱ። ኣብ መላእ ራያ ዓዲ በረኻ ኣብሪሱ ። ንዓጋመ ኣትዩ ቅሔን፤ ማሕበረ ወይኒ፤ ዋላ ንፅጌሬዳ ኣትዩ ይብሃል ኣሎ። ዋእ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?

እወ እቲ ጉዳይ እኮ ዘጭንቕ ምኳኑ ፍሉጥ እዩ። በለስ ምስ ሰብ፤ እንስሳን ተፈጥሮን ዘለዎ ገዚፍ ምትእስሳር ርኢኻ እወ የጭንቕ። እቲ ሓሰኻ ግን ቅድምዙይ ባልዕ ኢሉ ዝመደቦ ኣካል ስለዘይነበረ፤ ፈውሲ ኣይነበሮን። ፈውሲ እንተዝነብሮ ዝኸፈልና ከፊልና መምፃእና። ሕዚ ዝርከብ ምርምራት ግን ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ኣይኮነን። ተመሊስካ ካልእ ዝገደደ ጣጣ ከይመፅእ ፤ ተረጋጊፁ ተፃርዩ ተፈቲኒ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል። ዋና መፍትሒኡ ብስነ ህይወታዊ ( ካልእ ሓሰኻ) ኣቢልካ ምጥፋእ ምተመርፀ። ብዝኾነ ግን እስቲ ዘዝቐደሙ ንጠቐም ኢልና ዘዝተረኸበውን ከም ፈተነ ሞኪርና ኢና። ስለዚ ሃንደፍ ኢልካ ዘይእቶ ኮይኑናምበር ጨገሙ ጠፊኡና ኣይኮነን።

ዛጊድ ፍቱን መድሓኒት ኣይረኸብናን ድዩ ዝኒሄ እቲ ዘረባ? ረኺበ ዝበለ ሰብ ተተባብዑ ዶ?

እወ ። እንተንረክብ መንግስቲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ወፃኢ ከፊሉ ከተግብሮ ድልው እዩ። ማዕሮ ካብ ሜክሲኮ ፤ ካብ FAO ትካል ምግቢ ዓለም ክኢላታት ኣምፂኡ ክሰርሕ ምፍታኑ ናይ ድልውነቱን ጭንቀቱን መርአያ አኮ እዩ። ብሓፂሩ ዛጊድ በታ ዓባይ ኮሚቴ ተፈቲኑ ተመርሚሩ ፈዋስነቱ ዘረጋገፀን ክንትግብሮን ዝንኸእል ፈውሲ ኣይተረኽበን። ንዝመፁ ተመራመርቲ ድማ ነተባብዕ እወ።

እሞ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ብዝርዝር ዝገለፀ ዶክተር ሲሳይ ግን ብርግፅ ዝዝፍውስ ኣቃሚመ ረኺበ እንተብቅዕ ብመጠን እቲ ሽግር ርእዮም ዝምልከቶም ኣካላት ኣየተባብዑንን ይብል?

ዶክተር ሲሳይ መግለፂ ንምሃብ ሸኹሉ እዩ። እቲ ዘቃመሞ ፈውሲ ኣብቲ ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣዋፃእነቱ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣረጋጊፆም እዩም። ሳይንስን ቴክኖሎጅን ውን ጅማርኡ ንኽቕፅል ገንዘብ ሂቦሞ መሰል ዋንነትውን ከምዘውፀአ ንፈልጥ። ኣብታ ዓባይ ኮሚቴውን መፂኡ ገለፃ ሂቡ ብግቡእ ኣተኣናጊድና ፤ ዋላውን ኣብ ቅሔን ክሙክር ኣተባቢዕናዮ። ብርግፅ እቲ ፈውሲ ዝበሎ ብዙሕ ማይን ጉልበትን ዝሓትት እናፋሕሕፋሕኻ ዝስራሕ ውፅኢት ኣለዎ። ምስዚ ኩሉ ድኻሙ፤ ካብ ዘለና ዓብይ ድልየት፤ ደሓን ይፈተን ኢልና።

ንሱ ከም ዝገለፆ ግን ምሳና ጥቡቕ ርክብ ኣይቀፀለን። ናብ ኦፊስ ፀዊዕና ውፅኢትካ ምስቲ ኮሚቴ ኮይንካ ኣረጋግፅ ኢልናዮ ። እሺ ኢሉ ጠፊኡና። ሎሚ መፀ ፅባሕ እናበልና እንትንፅበ ኣብ መፅሄት ወፂኡ ርኢና። ብዙሕ ዘይተባህለ ካብ ድልየትና ወፃኢ ዝኾነ ጠቐነ ድማ ተዛሪቡ።

እስቲ እንታይ ጠቂኑ?

መንግስቲ እዚ ኹሉ ተሻቒሉ እናሰርሓ ፤ ንዝመፁ ምርምራት ሓንጎፋይ ኢሉ እናተኣናገደ እናሃለወስ ፤ ብኣልማሚት ሸለል ከምዝተባህለ ዘድምፅ ጥርዓን ምቕራቡ ጠቐነ እዩ። ካልኣይ ሓደ ወዲ ማይ ሩኳን ሳሙና ሓሰኻ ከጥፍእ ርእዩ ንመንግስቲ   ስለዝነገረ ሳሙና ዓዲጎም ክነፅጉ ሓግዮም ኢሉ ዘቃለሎ ጌጋ እዩ። እቲ ሳሙና ዝረኸበ ከምኡ ተመራማራይን ብሳይንስ ቴክኖሎጂ ኣፍልጦ ዝረኸበን እዩ። እቲ መድሓኒትውን ስቕ ኢሉ ዘይኮነስ ተሞኪሩ ዝተወሰነ ውፅኢት ኣለዎ።ስለዚ ንኸምኡ ተመራማራይ ምንኣስ ጌጋ አዩ። እቲ ኣብ ቢሮ ሕርሻ ሳሙና ተኣጅሉ ኣሎ ዝበሎውን ተከፋፊሉ እዩ ኣይባኸነን። ልዕሊ እዚ ኹሉ ግን ዶክተር ሲሳይ ግልፂ ኣይኮነን። ምናልባት ውልቀ ረብሓ የጓይዮን፤ ምስ ካልኦት ይንሓናሕን ከይህሉ ጥርጣረ ኣለና።

እንታይ ክገብር ነይርዎ ትብል?

ነታ ብክልል ደረጃ ዝተጣየሸት ኮሚቴ ኣቕሪቡ ውፅኢቱ ከረጋግፅ፤ ብጥብቂ ክሕዘና፤ ምተገበአ። በይኑ ከይዱ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ክሰርሕ ሳይንሳዊ መንገዲ ስለዘይኮነ፤ ምናልባትውን እቲ ፈውሲ ካልእ ሳዕቤን ከይህልዎ ክረጋገፅ ዝኽእል በቲ ኮሚቴ እዩ። ስለዚ ከም መጠን ተመራማራይ ንህዝቢ ዝረብሕ ነገር ሒዙ እገለ ኣብዩኒ ኢሉ ተስፋ ቆሪፁ ክርብርብ ኣይምተገበኦን።

ሕዚ ታይ ኢኹም ትመኽርዎ?

ቅልጥፍ ኢሉ ናብቲ ኮሚቴ መፂኡ verify ይግበር ውፅኢቱ። ሳይንሳዊ ቅደም ሰዓብ ይከተል። ዘድሊ ሓገዝ ይሕተት። ናይ ካልኦት ተመራመርቲ ውፅኢት እውን ኣሎ ምስኡ ኣረኣኢና ቀልጢፍና ክንሰርሕ ድልዋት ምኳና ይፍለጥ።

ኣብዓድግራት ዩኒቨርሲቲ ዳሪክተር ኢንስቲቱዩት በለስመ ምሀር የማነ ካሕሳይ ፤ ኣባል እታ ዓባይ ቴክኒክ ኮሚታ እዮም። ንሶምውን ኣብ ውራይና ዝወፀ ፅሑፍ ኮቸነል ኣንቢበ ይብሉ።

ከምቲ ዘንበብኩሞ ኮቸነል ኣብ ሰለስተ ወርሒ ካብ ትግራይ ነበረ ምገበርኩዎ። ኣበይ ምኳኑ ዘይፍለጥ ምድንጓይ ግን ይገጥመኒ ኣሎ ይብል ዶክተር ሲሳይ። ኮሚቴኹም ኣዳናጉያቶዶስ ከምቲ ዳንኤል ዝብሎ ባዕሉ እዩ ጠፊኡ?

መምህር የማነ ፤ ዶክተር ሲሳይ ኣብ 3 ወርሒ ኣይኮነን ኣብ 6 ወርሒ ዘጥፍእ ውፅኢታዊ ፈውሲ እንተሒዙስ እሰኒ ዝብሎ ምበር መን ዘዕንቅፎ ኣሎ። ሓደ እዋን ቢሮ ሓላፊ ኣብ ዘለዎ ኣኬባ መፂኡ ተተባቢዑ እዩ። ካብኡ ምስቲ ኮሚቴ ርክብ ኣቋሪፁ ። ስለዚ ፀገም ኣለዎ ። ንሱ ገዲፍና ሕዚ ብዛፅባ ተመራማራይ ነውግዕ። ሓደ ተመራማራይ ክሳብታ ምህዙኡ ውፅኢታውነታ ዝረጋገፅ ብዙሕ ብድሆ ከምዝሓልፍ ፍሉጥ እዩ። ተመራማራይ ማለት policy makers ንኸእምን ከይረብረበ ዝሰርሕ ማለት እዩ። ዋላ ሸለል ተባሂሉ እንተዝኾን እውን ፤ ንህዝቢ ዝጠቅም ውፅኢት ሒዙ ተስፋ ክቐብፅ ከመይ ገይሩ ይከኣሎ?

እሺ እታ ሕዚ ዝበልኩማ ከንብባ ንዕኡ ክገድፈሉ። እቲ ቴክኒክ ኮሚቴ ኮቸነል ንምጥፋእ ዝሓንፀፆ ስልትን ስትራቴጂ ታይ ይመስል?

ተመራመርቲ መቐለ ዩኒቨርሲቲ፤ ናይ ወፃኢ ተመራመርቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ከም ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ ሓፂር ጊዜ ኣብ ምብራቅ ትግራይ ከይዛመት ምስራሕ እዩ። ዛጊድ ቕሔን፤ ማሕበረ ወይኒ፤ ክሳብ ፅጌሬዳ ኣትዩ ኣብ 150 ሄክታር መሬት ዘሎ በለስ ተጠቒዑ ኣሎ። ኣብዚ ሰፊሕ ናይ ምቁራፅን ምጥፋእን ስራሕ ብወፍሪ ክካየድ እዩ። ንኦሮብ ከይኣቱ ድማ ክሳብ መጨረሻ ምርብራብ ክካየድ እዩ። ሕዚ ዝተወሰነ ክፍቲ መሬት buffer zone ብምቑራፅ ኣቢልና ክንፈጥር ኢና። ነዙይ ዝኾን ዓድግራት ዩኒቨርሲቲ ፍርቂ ሚልዮን፤ FAO ድማ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልየን መዲቦም ኣለዉ። ነቲ ሓረስታይ መዓልታዊ ክትትል ክገብር ዓድግራት ዩኒቨርሲቲ ስልጠናን ጎስጓስን ገይሩ እዩ። መቐለ ዩኒቨርሲቲውን ሪሶርስ ንምምዳብ እወንታ ኣርእዩ ኣሎ። በቢጊዚኡ መዳርግቲ ኣካላት ንእከብ ኣለና ። ምስቶም ተመራመርቲ ድማ ተደጋጊፍና ምርምሮም እናፈተንና ክንግስግስ ኢና ኣይንድቅሰሉን።

ብስሩ ኸ ኮቸነል ክጠፍእ ዶ ይኾን ተስፍኡ ታይ እዩ?

ምሉእ ብመሉእ ምጥፋእ ዘይከኣል እዩ። ናብቶም ዘይዘመቶም ቦታ ከይዘምት ምግባር ግን ይከኣል እዩ። ፈለማ በቲ ዘይኣተዎ ምፍታን ይሕሽ ኢልና ኩሉ ሪሶርስ መዲብና ክፍቲ ቦታ ፈጢርና ደው ክነብሎ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ድማ ነቲ ናይ በረኻ ክነጥፍኦ ንሓስብ። ተስፋ ኣለዎ። እቲ ብጣዕሚ ውፅኢታዊ ፈውሲ ግን ባዮሎጂካዊ ንኮቸነል ዝበልዕ ፍጥረት ከምተረኽበ እዩ።