ካብ ሰለሞን ገ\ኣረጋዊ

መሬት ብተፈጥሮ ዝተለገሰት ንባዕላ ተፈጥሮ ኮይና ንኩሉ ፍጡር ብማዕረ ትበጽሖ ተፈጥሮኣዊ ውህብቶ እያ፡፡ መንግስቲ ነዛ ንኹሎም ፍጡራት ዝተለገሰት ፍጥረት ኣብ ልዕሊኣ ዝገብሮ ምዕባለን ምምቕቓልን ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ሚዛናዊ ክገብሮ ትጽብት ይግበር፡፡መንግስቲ ነዛ ተፈጥሮ፤ ሚዛናዊ ልምዓትን ምቅሊትን ክህልዋ ንምግባር ዝሕግዞ መስርሕ ክምስርሕ

ግድን እዩ፡፡ ሓደ ካብዞም መስርሓት ብሊዝ ክመሓደር ምግባር እዩ፡፡
መንግስቲ ዝለምዐ መሬት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንዝርገሐ ግልጋሎት መስመራት፣ንምግፋሕን ንዝጸንሐ መንበሪ ንምምሕያሽን ከቕርብ ይግባእ፡፡
መሬት እታ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ተፈጥሮ ዝለገሳ ሃፍቲ እያ፡፡ ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ መሬት እዮም ንጥፈታቶም ዘካይዱ፤መሬት ንነብረላ(ገዛ ሰሪሕና)ንክዳን፣ንነዳዲ ንመግቢ፣ንስራሕ፣ንእንስሳ መንበርን ንመግብን ተገልግል፤ንሕርሻ፣ ክባራት መዓድናት ዝርከበላን ዝምስርሐላን ወዘተ. እያ መሬት፡፡
መሬት ብዝተፈላለየ መልክዕ ኢና ኣብ በብከባቢና ንረኽባ( physical forms)ብመልክዕ ኣኽራናት፣ ጎቦታት፣ ጎላጉል፣ ሩባታት፣ሽንጥሮታት ወዘተ. መሬት ናይ ሃፍትን ፖለቲካን ዋና ምንጪ እውን እያ፡፡ ስለዚ ከዓ እዩ መሬት ምሕደራ ፍሉይ ኣቓልቦ ዝሓትት ፡፡ ዛጊድ ዘሎ ተመኩሮ ንመሬት ብውክልና ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ እዩ፡፡ መሬት ናይ ኩሉ ወዲሰብ ፍጡር እያ፡፡ ንኹሉ ከዓ ብማዕረ ክተገልግሎ ይግባእ፡፡

ኦሳካር ሃመርስተይን ዝተብሃለ ሙሁር “We know we belong to the land, and the land we belong to is grand!” ኢሉ ነይሩ፡፡
መሰረታዊ ድሌታት ወዲሰብ (basic needs)ዝበሃሉ፦
እኹል መግቢ፣መጽለልን ክዳንን እዮም፡፡ ብግልጋሎት ከዓ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ጽሬት፣ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ፣ጥዕናን ትምህርትን እዮም፡፡ እዚኦም እውን ኣብ ልዕሊ መሬት ኮይንካ ዝፍጸሙን ገለገሊኦም እውን መሬት እተመንጭዎምን እዮም፡፡

ስለዚህ መሬት መሰረታዊ ድሌታት ወዲሰብ ካብ ዘቕርቡ ውህብቶታት ሓንትን ቀንድን እያ፡፡ ሰብ ብዘይመንበሪ ህልውና የብሉን፡፡ መንበሪ ከዓ ኣብ ልዕሊ መሬት እዩ ትድኮን፡፡ ሰማይ ጠቀስ ደብርታት ኣብ ልዕሊ መሬት እዮም ዝህነጹ፡፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍርያት ውጽኢት ዘመንጭዉ ፋብሪካታትን ኢንዳስትሪታትን ኣብ ልዕሊ መሬት እዮም ዛጊድ ክህነጹ ንርኢ ዘለና፡፡ ቀጻሊ ምዕባለ ዘምጽኦ ውጽኢት ንግዚኡ ገዲፍና፡፡
መሬት ናይ ከተማን ናይ ገጠርን ተባሂሉ እዩ ዝምቀል፡፡ ሐዚ ከትኩረሉ ዝደለኹ ብዛዕባ ከተማ መሬት እዩ፡፡
መንግስቲ መሬት ከመሓድር እንተሎ ነቲ ድኻ ህዝቢ(ዝበሕ)እናጎድአ ዝመጽእ ምዕባለ ክኾን ኣይግባእን፡፡ ካልኣይ ብጥቕሉል ናይቲ ከተማ ምዕባለ፣ ናይ ህዝቢ ክብርታት፣ባህልታት ዘማዕብሉን ዝዕቅቡን ትካላትን መሳለጥያታትን ዝሓዝእ ፖሊሲ ከምዘድሊ ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሙሁራን ይሕብሩ፡፡ ኣብ ኩለን ዓበይትን ኣናእሽትን ከተማታት መሬት ኩሉ ብዝምጥን ናይ ዋጋ መጠን(affordable rates)ብውልቀ ሰባት ዘይኮነስ በቲ ሕ\ሰብ ተቐባልነት ዘለዎን ክኸውን ይግባእ፡፡ዝለምዐ መሬት ምቕራብ ማለት ንቀረብ ማይ(water supply)፣መግለሲ ጎሓፍ መትረብ(sewerage)፣መገዲ ፈሳሲ(drainage)፣ ንመስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣መስመር ጋዝ፣ጎሓፍ ዝውገደሉ ቦታ፣ናይ ፀባ ናይ ንግዲ መርአይ ቦታ (milk booths)፣ንልምዓት ኩለመዳይ መናፈሲ፣ (development for parks)፣ንኩዕሶ ባይታ(playground)፣ንህንጸት ማስተር ትልሚ(contruction of Master plan roads, over-bridges, under-bridges, flyovers, bus terminals) ክዳለው ይግባእ፡፡
ንዝተፈላለየ ናይ ሕ\ሰብ ግልጋሎታት ዝውዕሉ፦ ከም ኮሌጅ፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል፣ትካል መጽናዕቲ ወዘተ. መሬት ኣልሚዕኻ ምኽዛን የድሊ፡፡መሬት ብሊዝ ክመሓደር እንተሎ፦
• ነቲ ህዝቢ ብሊዝ ኣቢልካ ንምጥቃም፣
• ዘላቕነትን ግሉጽነትን ኣብ ሊዝ ንምርግጋጽ፣
• እቲ መሬት ( ecologically sustainable manner )ንምምራሕን እዩ ፡፡
ሊዝ ንምዕባለ ናይቲ ሕ\ሰብ ጥዕና ዝድግፍ ምግባርን፣ ንኢንቨስትሜንትን ፈጠራን ከተባብዕን ኣለዎ፣
ውሳነታት ሊዝ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ከባብያውን( environmental) ውጽኢት ምምጽኦም ተሓሳቢ ክገብር ይግባእ፡፡ እቶም ውጽኢታት ናይ መጻኢ ወይ ናይ ሐዚ ድሌታትን ዕድላትን ዘማልኡ ምዃኖም ምርግጋጽ የድሊ፡፡ እቶም ረብሓታት ናይ ሓጺር ወይ ናይ ነዊሕ ጊዜ፣ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ እዞም ረብሓታት እዚኦም ዝረጋገጹ ምህላዎምን ዘጋጠሙ ፀገማትን ምፍታሽ የድሊ፡፡
እቲ ሊዝ መሬት ነቲ ሕ\ሰብ ክህቦ ዝግባእ ረብሓ ፦
ሕ\ሰብ( community)፦
• ምክፍፋል ረብሓታት ነቲ ሕ\ሰብ(Distribution of benefits to the community)፣
• ደረጃ ዕቤት ጥዕና ትካላትን ደሕንነትን ምምሕያሽ(Promotion of public health and wellbeing)፣
• ምምሕያሽ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ፣ መዘናግዕታትን ባህላዊ መሳለጥያታትን፣
• ክብርታት ናይ መንግስቲ መሬት ምክልኻል(ካብ መጠን ንላዕሊ ከይድይብ ወይ ከይወርድ)፣
ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት •
ንኢንቨስትሜንት ምስሓብ(Attracting investment)፣
• ስራሕ ምፍጣር (Creation of employmen)፣
• ደረጃ ምዕባለ ቱሪዝም ምምሕያሽ(Promotion of tourism)፣
• ንመንግስቲ ዝህቦ ረብሓ(Economic return to the State)፣
ንከባብያዊ መንግስቲ ዝህቦ ረብሓ፦
• ንናይ መንግስቲ ፖሊሲ\ፕሮግራም ትግበራ ክድግፍ ኣለዎ፣
• ሓደሽቲ ክእለታት ወይ ዝተመሓየሹ ቴክኖሎጂታት ክተኣታተዉ ክገብር ኣለዎ፣
• ሓደሽቲ ግልጋሎታት ከቕርብ(Provision of new services) ኣለዎ፡፡
ኩነታትና ብዓይኒ እዚ ዝተነፀፈ መርአይ እንትንጥምት እንለና፦
መሬት ከተማ ውልቀሰባት ይውንንዎ ኣለዉ ፡፡
• ናይ ከተማ መሬት ናብ ኢድ ውሑዳት ውልቀሰባት ይጥቕለል ኣሎ(ኣብ መቐለ)፡፡ በቲ ኣብ ሊዝ ዝተረኸበ መሬት ዝስራሕ ዘሎ ገዛ መንበሪ ስለዝኾነ ናይታ ከተማ ምዕባለ ከረጋግጽ ኣይኽእልን፡፡ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ንመንበሪ እዩ ዝካረ ዘሎ፡፡እቲ ክራይ እውን ካብ ዓቕሚ እቲ ሕ\ሰብ ንላዕሊ እዩ፡፡ እቲ ቦታ ብክልተ መንገዲ እዩ ናብ ኢድ ውልቀሰባት ዝኣቱ ዘሎ ፡፡ሓደ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ባዕሉ ተጫሪቱ ዝገዝኦ ቦታ ኣሎ፡፡ካልኣይ ገንዘብ ዘየብሎም ውልቀሰባት ተጫሪቶም ምስ በጽሖም ይሸጥሉ ኣለዉ፡፡ ኣብ ሓደ ጨረታ ገንዘብ ዘየብሎም ሰባት ክሳብ 3፣4 ቦታ ተጫሪቶም ይስዕሩ ኣለዉ፡፡ ንሓደ ቦታ 70,000.00 ቅርሺ ገንዘብ ንዘለዎ ሰብ ይሸጥዎ ከምዘለዉ ይፍለጥ እዩ፡፡ በዚ መንገዲ እዚ መሬት ከተማ ውልቀ ሰባት ዓፋጢጦም ይሕዝዎ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ሐዚ ዝወጸ ጨረታ ሓደ ሰብ ክሳብ 15 ቦታታት ዝገዝአ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ንሓደ ሜትር ካሬ 15,000.00 ቅርሺ ከምዝተሸጠ እውን ይፍለጥ፡፡ እንድሕር እታ ዝተገዝአት ቦታ ኣብነት 200 ሜትር ካሬ ኮይናስ ነታ መሬት 3 ሚልዮን ቅርሺ ተገዚኣ ኣላ ማለት እዩ፡፡ እዚ ዋጋ እዚ ሐዚ ብዘሎ ናይ 140ን 175ን ሜትር ካሬ ስፍሓት ዘለዎ ውዱእ ደብሪ ዘይኮነ ገዛ ዋጋ 3 ገዛውቲ እዩ፡፡ እቲ ዝዕፍጥጥዎ ዘለዉ መሬት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ዓብይ ስራሕ ብምስራሕ፣ብዙሕ ስራሕ ስኡን ብምቑጻር ማሕበራዊ ፀገም ናይቲ ከተማ ዘቃልል እንተዝኾን ፀገም ኣይምኾነን ነይሩ፡፡ እዚ ዘርእየና ነገር እንትሃለወ እቲ ናይ ከተማ መሬት ኣብ መዓልኡ ይውዕል ዘየለ ምዃኑ እዩ፡፡ዘድሊ ረብሓ ነቲ ሕ\ሰብ ዘይህብ ምህላዉ እዩ፡፡ እዚ ማለት ከዓ ዘይፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል እናሰፍሐ ክቕጽል ዝገብር እዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢቢኮ(EBC)ሓደ ዜና ተሰሪሑ ቀሪቡ ነይሩ፡፡ ንሱ እውን ናይ ዓለምና ሃፍቲ ዳርጋ ፍርቁ ዝኸውን ኣብ ኢድ 8 ሰባት ከምዘሎ ተሓቢሩ ነይሩ ፡፡ ነዚ ከዓ ጊዜ ዘይህብ ፍታሕ ከምዘድልዮ ሰሚዕና፡፡ እዚ ምእንተ ዜና ጥራሕ ድዩ ወይስ ምስ ናትና ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና መፍትሒ ክነናድየሉ እዩ? ተመኩሮ ክኾነና እንተዘይክኢሉስ መዘናግዒ እውን ክኾነና ኣይኽእልን፡፡ ብገንኡ በቲ ንሳቶም ዝኸድዎ መንገዲ ከይንኸድ ግን ትምህርቲ ክንወስድ እዩ ዝግባእ ፡፡
• ሊዝ ንሕ\ሰብ ዝህቦ ረብሓ ናይ ሓጺር ወይ ናይ ነዊሕ ክኾን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ማለት መሬት ኣብ ኢድ ውልቀሰባት እንተተጠቒሊሉ ንመጻኢ ነቲ ሕ\ሰብ ተረባሒ ኣብ ምግባር ፀገም ይፈጥር፡፡ውሑዳት ክጥቀሙ(Better off)ይገብር ብዙሓት ከዓ ክጉድኡ ( worse off)ይገብር፡፡
ናይዚ ምኽንያት ማህተመ ጋንዲ ከምዝበልዎ እዩ፡፡
“The world has enough for everyone’s need but not for everyone’s greed”
Mahatma Gandhi

ጽርጋታት ብላዕሊ፣ ብታሕትን ብሰማይን( over-bridges, under-bridges ,flyovers)ክስራሕ ክሕሰብ ይግባእ

ኣብ ምዕባለ ሰብ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ፡፡ኣብ ዓለም ዘሎ ብልጫታት ኣብ ሰባት እምበር ኣብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ኣይኮነን፡፡ሰብ ማለት ከዓ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ማለት እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ማያዊ ኣካል ዓበይቲ ሰማይ ከርክቡ ዝመስሉ ህንጻታት ተሰሪሖም ንርኢ ኣለና፡፡ እዚ ናይ ፍልጠት ውጽኢት እዩ፡፡ እቶም መሬት ከተማ ናብ ኢዶም ክጥርንፉ ዝጓየዩ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ፍልጠት ምንም ዝርድእዎ ነገር የለን፡፡ኣብ ኣእምርኦም ኮይኑ ድቃስ ዘስእኖም ዘሎ ሓሳብ ሰብ እናበዝሐ ክኽይድ እዩ እሞ ንውሉድ ወሎዶና መሬት ገዚእና ንጽናሕ እዩ፡፡ እቲ ዓለም ግን ካብቲ ናታቶም ሓሳብ ፍፁም ዝተፈለየ እዩ፡፡ ኣይኮነን ትግራይ (ኢትዮዽያ) ካልኦት እኳ መሬት ስኢኖም እንትጽገሙ ኣይረአናን፡፡ ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ መሬት ኣብ ልዕሊ ማያዊ ኣካል እኳ ገዛውቲ ይህነጹ ኣለዉ፡፡ ማያዊ ኣካል ዓለምና ከዓ 70% እዩ፡፡ እንታይ ይፍለጥ ቴክኖሎጂ ዝፈጥሮ ኣብ ካልኦት ፕላኔታት እውን ምንባር ዝከኣለሉ ኩነታት ክፍጠር ይከኣል ይኸውን፡፡ እዞም ሰባት ቻይና ደቡይ ይመላለሱታ ይኾኑ እዮም ካብኡ ዝመሃርዎ ዲዩ ዘየለ ኮይኑ ትብል፡፡ መስፍንስ ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ደድኣ ገይሩ እዩ፡፡ስለዚ መሬት ብዝግባእን ብፍልጠትን ክመሓደር እንተዝግበር፡፡ ፍልጠት ዝመርሖ ስራሕ እንተዝስራሕ፡፡ ጽርግያታትና በብግዚኡ ይበላሸዉ ኣለዉ፡፡እዙይ ብልሽውናን እንዶ ዘይምህላዉን ዘምጽኦ እዩ፡፡
መሬት ከተማ ኣብ መዓልኡ እንተውዒሉ ከምዚ ኣብስእሊ እንሪኦ ዘለና ምዕቡል ከተማ ክህነጽ ይከኣል፡፡ እቲ ጽጉም ከዓ ካብኡ ብዝርከብ ሃፍቲ ተረባሒ ይኾን፣ንመንበሪ ዝኾን መሬት ካብ ሊዝ ወጻእ ብምዕዳል ከዓ መጽለሊ ክሰርሕ ዓቕሚ ይረክብ ፡፡

ልምዓት ብዕቑር ሃፍቲ(ካብ ፍልጠት ወጻኢ) ጥራሕ ኣይመጽእን፡፡ ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠት ይሓትት፡፡ናይቲ ጽላት ዓሚቕ ፍልጠት ይሓትት፡፡ ዘለካ ግኡዝ ሃፍቲ(መሬት፣ማይ፣መሳርሕታት ወዘተ. ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓል ነቲ ዝተኣተወ መድረኽ ዝምጥን ፍልጠትን ክእለትን ይሓትት፡፡ጉዳይ ኣባይቲ እንተወሲድና እኳ ኣብ ደጉዓን ቆላን ዝህነጹ ኣባይቲ ተመሳሳሊ ክዳን ክህልዎም እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን፡፡ ኣብ ሑመራን ኣብ መቐለን ንጥቀመሎም ናውቲ መስርሒ ገዛ(ቆርቆሮ፣ንመንደቕ ዘገልግሉ ነገራት)ሓደ ዓይነት ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ኣይግመትን እንድሕር ደኣ ነገራት ብዝተፈለ መንገዲ(Critical and Creative Thinking)ምሕሳብ ሃልዩ፡፡ እሞ ከዓ ናይ ሃገርና ዩኒቨርስቲታት 70% ኣብ ተፈጥሮ ሳይንስ መሰረት ገይረን ተምሃራይ ኣብ ዝቕበላሉን ዘመርቓሉን ኣብ ዘሎ እዋን፡፡
ኣብ ምዕባለ ሓደ ሃገር ብፍላይ ከዓ ኣብ ከተማ ፍልጠት መሰረት (knowledge-based (kbt))ዝገበረን ሃፍቲ መሰረት( resource-based (rbt)) ዝገበረን ምዕባለ ፈሊኻ ምርዳእ የድሊ፡፡
ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ክልሰ ሓሳብ ዝመሃዘን ዘማዕበለን( ፔንሮስ ፡1959)እዩ፡፡ ቀጺሉ ወርነርፌልት (1984)ሩመልትን (1984) ባርኔይን (1986) ኣማዕቢሎምዎ እዮም፡፡ እቲ ቁምነገር ናይዚ ክልሰ ሓሳብ ውድድርነት ኣብ ብቕዓት ክምስረት ከምዘለዎ እዮም ዝሕብሩ( competitiveness based on competences)፡፡ ንሳቶም እቲ ናይ ንግዲ ትካል( firm)ናይ ውልቀሰባት ፍሉይ እኩብ ሃፍቲ ከምዝኾነ ተገይሩ ክሕሰብ ኣለዎ ይብሉ፡፡ እዚ እኩብ እዚ ዝበለጸ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ሃፍቲ እዩ ይብሉ፡፡

ሃፍቲ መሰረት ዝገበረ ( resource-based) ክልሰ ሐሳብ (ኮሊስን ሞንትጎመሪን (1997).ከምዝብልዎ ክልተ ዝተፈለዩ ነገራት የነጽሩ፡፡ ንሳቶም ከዓ ሃፍትን ብቕዓትን (resources and capabilities) እዮም ይብሉ፡፡ንሳቶም ሃፍቲ ክበሃል ከሎ ዝጭበጥ ወይ ከዓ ዘይጭበጥ ክኾን ይኽእል፡፡ እቲ ዝጭበጥ ሃፍቲ ንብረት( physical assets)እቲ ናይ ንግዲ ትካል ዝወነኖ፣ከም ፍሉይ ፍርያት፣ትካል ንግድን መሳርሕን፡፡ዘይጭበጥ ዝበሃል ሃፍቲ ከዓ ከም ናይ ንግዲ ፍሉጥ ስም፣ብናይ ስራሕ ፈጠራ ዝወሃብ ኣፍልጦን
( brand name recognition reputation, patents )ብቴክኖሎጂ ወይ ብናይ ዕዳጋ ፍልጠት( marketing know-how)እዮም ይብሉ፡፡ ብቕዓት እንትበሃል ክብርታት፣ሰባትን ከይድን( processes) ይሓውስ ይብሉ ኮሊስንን ሞንትጎመሪን፡፡

እዞም መሁራት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሃገር ብፍላይ ከዓ ከተማታት ክልቲኦም ነናይ ባዕሎም ሓሳብ የቕርቡልና ኣለዉ፡፡ እቲ ዘገድሽ ምስ ናትና ኩነታት ከመይ ኣወሃሂድናን እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብዝበለጸ ፍሉይ ጠመተ ሂብና ንጥቀመሉን ነማዕብሎን እዩ ፡፡
ውልቃዊ ፍልጠት ካብ መሰረታዊ ግምታት ፍልጠት ዝብገስ እዩ፡፡ ፍልጠት ብተፈጥርኡ ውልቃዊ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ፍልጠት ካብ ናይ ወዲሰብ ኣእምሮ ኣውጺእኻ( to extract) ኣብ ረብሓ ንምውዓል በጣዕሚ ከቢድ እዩ፡፡ እቲ ሓደ ተደላይ ምኽንያት ገሊኡ ፍልጠት ኣብ መንጎ ሰባትን ትካልን ተመኩሮ ንምልውዋጥ ከቢድ ዝገብሮ ሕጊ ዘይወፀሉ (has not been codified)ምዃኑ እዩ፡፡ከምዚ ዓይነት ፍልጠት( Knowledge that cannot be represented by codes) መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ናይ ስቕታ ፍልጠት(tacit knowledge)ይምደብ፡፡ ክንገልፆ ዘይንኽእል ፍልጠት ማለት እዩ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ነብሲ ወከፍ ትካል ኣብ ዘሎ ሰራሕተኛ ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ኣሎ ማለት እዩ፡፡እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ረብሓ እቲ ትካል ክውዕል ንምግባር ፍሉይ ስትራቴጂ ምሕንጻጽ ከምዝሓትት ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ ይመኽሩ ኣለዉ(በዓል ሚኬኤል ፖላኒ)፡፡

ኣብቲ ትካል ዘሎ ፍልጠት ነቲ ትካል ከገልግል ናይ ምግባር ስራሕ ናይቲ ኣመራርሓ ኣካል ውሕሉል ጥበብ ይሓትት፡፡ እቲ ፍልጠት መብዛሕትኡ ጊዜ ብሰነዳት፣ብስእሊ፣ደረጅኡ ብዝሓለወ ናይ ስራሕ መስርሕ( standard operating procedures)፣መምርሕታት ናይ ብሉጻት ስራሕትን ካልኦትን ኣቢልካ እዮም ናብ ኩሉ ክዝርግሑ ዝግበር፡፡ ብፍላይ ዘይተሰነደ ፍልጠት እቲ ኣመራርሓ ነቲ ሰራሕተኛ ነጻ ኣእምሮ ክህልዎ ብምግባር፣ብልክዕ ክመርሖ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ እንትኣምን እዩ ብዘይትልግምቲ ክዓይ ዝኽእል፡፡ እቲ “ኣመራርሓ” “ሓላፊ” ብዋጋ ናይቲ ብትሕቲኡ ዘሎ ሰራሕተኛ ተሸላምን ተሸያምን ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ፍትሒ ይጎድል ምህላዉ ስለዝግንዘብ ትልግምቲ ከሕድር ይገብሮ፡፡ ኣመራርሓ ብሉጽን ብሰራሕተኛ ተኣማንን እንተዘይኮይኑ ስራሕ ይብደል፡፡ ከምዚ እንተይኾኑ እቲ ጉዕዞ ፍልጠት ዋጋ ይስእን፡፡ ብከይዲ ከዓ ይዳኸም፡፡ መምርሒ እምበር ካልኦት ፍልጠት ዝውስኹ ጽሑፋት ምንባብ ዋጋ ዘየውጽኡ ምዃኖም ግንዛበታት ይሰፍሑ፡፡ ካብዚ ምጥንቓቕ ምሐሸ፡፡
ትካላት መንግስቲ ይኹኑ ውልቀ ትካላት ኣብ ፍልጠት ክስረቱ ይግባእ፡፡ ፍልጠት ኣብዚ ዘለናሉ ዓውሎማዊ ውድድር(global competition)ብጣዕሚ ወሳኒ ሃፍቲ እዩ ኮይኑ ንረኽቦ ዘለና፡፡ ስለዚ ትካላት ኣብ ፍልጠት ከትኩራን( knowledge intensive) ኣእምሮ ሰብ( minds more than hands) ክቖጽራን ኣለወን፡፡ኣብዚ መዳይ ኣብ ኩነታትና ዓሚቕን ሱር ዝሰደደን ፀገም ኣሎ ክእረም ከዓ ይግበኦ፡፡
ኣብ ሓደ ትካል መንግስቲ ወይ እውን ውልቀ ትካል ፍልጠት ብዝተፈላለየ መልክዕ እዩ ዝግነ፡፡ ብጣዕሚ ተደለይቲ ኣፈላላያት ኣብ መንጎኦም ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ፡፡ፍልጠት ግልጽ ወይ ዘይግለጽ( explicit or implicit/silent knowledge)መልክዕ ይርከብ፡፡ ግሉጽ ፍልጠት( Explicit knowledge)ክትውድቦ፣ተወሃሂዱ ናብ ዝደለኻዮ መንገዲ ክተከማሽዎን(stored) ክትልውጦን እትኽእል ዓይነት ፍልጠት እዩ፡፡ እዚ ብመልክዕ ዳታቤዝ( databases)፣መጽሓፍ( handbooks)፣መምርሕታት ወዘተ. ዝርከብ እዩ፡፡
ብኻልእ ገጽ ዘይግለጽ ፍልጠት(implicit knowledge)ዝበሃል ውልቃዊ ፍልጠት ናይ ሰባት እዩ፡፡እዚ ዓይነት ፍልጠት ከም ናይ ሃሰውታ( intuitive)ፍልጠትን ካልኦት ክመሃርሉ ንምግባርን ንምግላጹ ዘፀግምን ፍልጠት እዩ፡፡እዚ ዓይነት ፍልጠት ኣብ ጉዕዞ ህይወት ወዲሰብ ካብ ተመኩሮ ዝርከብ ፍልጠት ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ፡፡ንግዚኡ ኣብቲ ግሉጽ ፍልጠት ኣትኵርና እንተንሰርሕ እውን ፅቡቕ ውጽኢት ምተረኸቦ ነይሩ በሃሊ እዩ፡፡

ፍልጠት ብኻልእ መንገዲ እውን ክግለጽ ይከኣል እዩ፡፡ ንሱ እውን ናይ ኣእምሮ ዓንዲ(Intellectual Capital) ዝበሃል እዩ፡፡
ናይ ኣእምሮ ዓንዲ ካብ 3 ነገራት ዝተወሃሃደ ነገር እዩ፡፡ ንሱ እውን፦
• ሰብኣዊ ዓንዲ(Human Capital)፣
• ዓንዲ ርክብ(Relational Capital)፣
• ትካላዊ ዓንዲ(Organizational Capital) እዮም፡፡
ሰብኣዊ ዓንዲ ፦ ኣብቲ ትካል ዘሎ እኩብ(Stock) ውልቀሰባዊ ፍልጠት ኮይኑ በቶም ኣብቲ ትካል ብዘለዉ ሰራሕተኛታት ዝውከል እዩ(ቦንቲስ፡1995)፡፡እዚ ብናይ ሰራሕተኛታት ስልጠና ብቕዓትን ብቀጻልን ዝውህለል ክብርታት ናይ ኢንቨስትሜንት እዩ (ስካንዲያ፡1996) ፡፡ ሰብኣዊ ዓንዲ እቲ ልዑል ተደላይነት ዘለዎ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ፍልፍል ፈጠራን ስትራተጂያዊ(innovation and strategic renewal)ምህዳስን ስለዝኾነ፡፡ነዚ ቀዳምነት ሂብካ ምዕያይ መድለየ ነይሩ፡፡
ትካላዊ ዓንዲ( Structural capital)፦ ትካላዊ ዓንዲ ዝበሃል እቲ ሰብኣዊ ዓንዲ ገዲፍዎ ገዝኡ ዝኸይድ ክብሪ(value)እዩ፡፡ እዚ ማለት፤ዳታቤዝ፣ ዝርዝር ናይ ዓማዊል መዝገብ፣መምርሕታት፣ናይ ንግዲ ምልክትን ናይቲ ትካል መሓውርን እዮም፡፡
ዓንዲ ርክብ( Relational capital) ፦ እዚ ዓንዲ ርክብ እዚ ምስ ውሽጣውን ደጋውን መዳርግቲ ኣካላት ዝህሉ ርክብ ዝገልጽ እዩ፡፡እዚ ፍልጠት እዚ እቲ ትካል ምስ ዓማዊል፣ ምስ መቕረብቲ፣ምስ መዳርግቲ ኣካላት፣ምስ ስትራቴጂያዊ መሓዙት ወዘተ. ዝምድና ዝሃንጽ ፍልጠት እዩ፡፡
ካብዚ ክውሰድ ዝግበኦ ነገር እንተሃለወ ፍልጠት መሰረት ብምግባር ንዘለና ተፈጥሮ ሃፍቲ ምምዕባል ምኽኣል እዩ፡፡ መሬት ብጥሪኡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክ\ከተማ ብባዕልኻን ኻልኦትን ኣቢልካ ወኒንካ ምሓዝ ኣይኮነን፡፡መሬት ብጥሪኡ ምውናን ዘምጽኦ ሃገራዊ ረብሓ የለን፡፡ከም ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ውልቀሰባት ብዙሕ ዓራብቲ ዝውንኑ ዝነበሩ ዓይነት እዩ ዘሎ፡፡ ኣብ ንእሽተይ መሬት ፍልጠትን ክእለትን ተጠቒምካ ዝተዓጻጸፈ ውጽኢት ምርካብ እዩ ዝግባእ፡፡ ካብ ፍልጠት ወጻኢ ብገንዘብ መሬት እናገዛእኻ ምዕፍጣጥ ዘይምዕቡል ኣካይዳ እዩ፡፡ ካብ ዩኒቨርስቲ በብዓመቱ ብተፈጥሮ ሳይንስ(ብፍላይ ብኢንጅነሪንግ) ዝምረቑ ዘለዉ ምሁራት ኣብዚ ክድግፉ ይግባእ፡፡ ነብሲ ወከፍ ምሩቕ ነቲ ዝተምሃሮ ሳይንስ መሰረት ገይሩ ሓደ ሓዱሽ ነገር ክፈጥር ህዝብን ሃገርን ትጽቢት ይገብር፡፡ ልዕል ኢሉ ብዛዕባ ኣብ ቆላን ደጉዓን ዝስርሑ ኣባይቲ ሓደ ዓይነት ክዳን ክጥቀሙ ከምዘየብሎም ተጠቒሱ ነይሩ፡፡
እዚ ተመሪቑ ዝወጸ ምሁር በቲ ቅድሚኡ ዝኽየድ ዝነበረ መንገዲ ክጓዓዝ የብሉን፡፡ነቲ ዝተምሃሮ ፍልጠት መሰረት ገይሩ ሓዱሽ መንገዲ ክፈጥር ኣለዎ፡፡ኣብ ሑመራ ክሳብ ሐዚ ገዛውቲ ብቆርቆሮ እዮም ዝኽደኑ ዘለዉ፡፡ እዚ ሓዱሽ ምሁር ኣብቲ ቦታ ንሱ ቆርቆሮ ናይ ምኽዳን ተመኩሮ ንምንታይ ሒዙ ይጓዓዝ? ካልእ ምስቲ ኩነታት ኣየር ናይቲ ከባቢ ዝኸይድ ኣሰራርሓ ገዛ ዘይምህዝ ንምንታይ ? ወለድና መሬት ብብዕራይ እንትሓርሱ ኢና ንፈልጥ ንሕና እውን እቲ ኣካይዳ ንሱ ሒዝና ክንከድ ንምንያት ንደሊ? ንሳቶም ኣይተምሃሩን ንሕና ተማሂርና ኢና ፡፡ እቲ ዝኸድዎ መንገዲ ሒዝና ንኸድ እንተኾይና ንምንታይ ንመሃር?
እዚ ክገብር እንተኾይኑ ብዕምቆት ክሓስብ እንተሎ እዩ፡፡(Critical and Creative Thinking)የድልዩ፡፡ በዚ ተዓዋቲ ንምዃን ከዓ ነፃ ኣእምሮ ይሓትት፡፡ ብነፃ ምሕሳብ የድሊ፡፡ካብዚ ወጻኢ ትርጉም ኣይህልዎን፡፡