ራያ ቢራ ሽሻይ ዝሕለቦ ዓውዲ ምኳኑ ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ካብ መንጉኡ ብቐሊሉ ፤

*ኣብ ትግራይ 1.8 ቢልየን ቅርሺ ፈሲስዎ ዝተሰርሓ ዛጊድ ብሕታውን ጎብለልን ፋብሪካ ቢራ ምኳኑ።

raya bbb

ንዑናይ ንወጀራት
• ብነዘረ ውበ 
ካብ መቐለ ኣስታት 65 ፤  ካብ ከተማ ዓድጉደም ድማ 45  ኪሎ ሜትሮ ኣንፈት ደቡብ ናብ እትርከብ ዋና ከተማ ወጀራት ባሕሪ ፀባ ንፋልማየ ዝኸድኩ  ቅድሚ 14 ዓመታት ነበረ። ሽዑ ቀዳማይ መርሃ ግብሪ ልምዓት ሓሙሽተ ዓመት ተዛዚሙ ነይሩ።  ኣብ ከተማ ባሕሪ ፀባ ግን  እዙይ ኢልካ ትፀውየሉ ትካል ኣይነበረን። ሽዑ እተን ፈቆዶ ገጠር ምዓለን መካይን ማረት እንተዘይኮይኑ  ንባሕሪ ፀባ ወንዘር እትብል መኪና ኣይነበረትን። ሓንቲ እምኒ ዝፀዓነት ኤንትረ ብኽንደይ ገልጠምጠም ኣብ መንገድና ፀኒሓስ ገሪሙና። ኣነ ብሞተር ሳይክል እየ ኣትየ።  ኣብታ ከተማ  ምስኣተኹ ፀሓይ  ምስሃደመት ፀላም ተዋሒጥና። መደቀሲ ስለዘይነበረ  ዳርጋ ንነብሰይ ዝበለ ከድቅሰኒ ተማሕፂነ ሓዲረ። ንነገሩ  ሃንደበት ደኣ ኣትየዮም እምበር ወጀረቶት ሕያዎትን ተቐበልቲ ጋሻን እዮም። ደሓር እዚ ኹሉ ኣብ ጋዜጣ ፅሒፈዮ ዝርአዩ ደቂ ወጀራት “ኣታ ከምቲ ቀደም ኾርዶ ምሉእ ፀባ እንተዘይቀረብናልካስ መሕደሪ እውንዶ ስኢንካ ኤህ !” ኢሎም ብጣዕሚ ሓዚኖም።  
ብንጉሁኡ ኣብታ ከተማ እንተዞርኩ ንኣመሉ ሓንቲ ጣብያ ጥዕና ተሰሪሓስ ንሳውን

ካብ ሰለሞን ገ\ኣረጋዊ

መሬት ብተፈጥሮ ዝተለገሰት ንባዕላ ተፈጥሮ ኮይና ንኩሉ ፍጡር ብማዕረ ትበጽሖ ተፈጥሮኣዊ ውህብቶ እያ፡፡ መንግስቲ ነዛ ንኹሎም ፍጡራት ዝተለገሰት ፍጥረት ኣብ ልዕሊኣ ዝገብሮ ምዕባለን ምምቕቓልን ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ሚዛናዊ ክገብሮ ትጽብት ይግበር፡፡መንግስቲ ነዛ ተፈጥሮ፤ ሚዛናዊ ልምዓትን ምቅሊትን ክህልዋ ንምግባር ዝሕግዞ መስርሕ ክምስርሕ

ብኮረንቲ (ገብረጊዮርግስ ንጉሰ)

መበገሲ ሓሳብ እዚ ፅሑፍ ኣብ ሕሉፍ ሕታም ዉራይና ቁፅሪ    ብጋዜጠኛ ኣቤል ጉዕሽ ትግራይዶ ትሕረስ ብዝብል ርእሲ ኣብ ሓደ ኣኼባ ተረኺቦም “ትግራይ ክትሕረስ የብላን”ኢሎም ይሙግቱ ንዝነበሩ ገፀባህሪ ይጥምት። ናይ’ ዙ ፅሑፍ ቅዋም ን’ቲ ትግራይ ክትሕረስ ኣለዋ ይብል ዝነበረ መራሒ መድረኽ ተወሳኺ ድጋፍ እዩ።

እዞም ገፀባህሪ ኣብ ፈተውትን ፀላእትን ትግራይ ብዘይፍላጥን ብፍላጥን መሳ ንመሳ (respectively) ዝንፀባረቕ ፣ ትግራይ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ዝተመናመነ፣ ምድረበዳ፣ ዘሪእኻላ ዘይተቡቅል ሞቕሎሓጭን ፣ ኮኽሒ፣ ወዘተርፈ ዝፍልፍል እዩ። ናይ’ዛ ዓዲ እዚኣ መበቆል ሕርሻ፣ ንግዲ፣ ክትምናን ስርዓተመንግስትን ምንባራን ምህላዋን ምእማን ናይዘፀግመሎም ፀላእትን እዙ ዝተዘርዘረ እማን ናይ ዝመስሎም ተቖርቆርቲን ፈተውትን ዓዶም ሙኻኑ እዩ። እሞ ትግራይሲ ካብ ከም ሃገራ ኣብ  ዘይዓቕማን ኣብዘየዋፅኣን ኣብ ሕርሻ ካብ እተተኩርሲ ኮንደኾን ኣብ ዘፈራትቱሪዝም፣ ኢንዱስትሪን ግልጋሎትን ምሓሻ ካብ ዝብል ሰናይ ድሌት ፈታዊ ዓዱ ዝብገስ ይመስል።

ኣድላይነት ምሕራስ ትግራይ ዝጥምት ወግዒ ድማ እነሆ።

እቶም ጥንታዊ ስልጣነ ዓለም እንትቦቅል ኣብየሓ፣ ኣኽሱምን መነበይትን ዘብቆሉ ተጋሩ ትግራይ ንሕርሻ፣ ንንግዲን ንመነባብሮን ዝምችው ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ (Geopolitical importance) ዝወነነት ምንባራን ምህላዋን ዘመላኽት ነገራት ዝበዝሕ ይመስል።

ዝኾነ ኾይኑ ንሎሚ ኣድላይነት ምሕራስ ትግራይ ነውግዕ።

ትግራይት ተሓረስ። ትግራይ ዘይተሓረሰኸ መን ይሕረስ? ትግራይ ክትሕረስ ከም ዘለዋ

ብመፍረያይነት

መሸላ ዓዲ ኣርባዕተ፣

ተኾርኒዑለይ ሞተ።

ደጊም ምሸላ ዓዲ ኣርባዕተ ካብ ተኾርነ ዐክንደይ ከም ዝሕፈስ ልቢ በሉ።

ብሸርፊ ወፃእን ብርክት ዝበሉ ሰብ ውልቀ ሃፍትን ትካላትን ኣብ ምፍጣርን

ረሲዕኽዮ ዲኺ ቱ ሰሊጠይ፣

ንዕና ንዶ ንሑመራ ምቕማጠይ፣

ዝተብሃለሉ ሰፊሕን ልሙዕን ሜዳታት ምዕራብ ትግራይ ከመይ ዘይሕረስ?

ሎሚ ምህላዉን ዘይምህላዉን ደኣ እንድዒ እምበር ኣብ ሬዲዮ ድምፂ ወያነ ዓምዲ መደብ ሕርሻ...ሕርሻ...ሕርሻ ምስ በለ ስዒቡ ይስማዕ ዝነበረ ዕንድር ፋፃን ዓሕ ዕምባሕ በጋይት ከፍትን (ከም መሰጋገሪ ሙዚቃ ስምዑዋታ)

ረሲዕኽዮ ዲኺ ፀባ ጅቦ፣

ንዕናይ ማይጨው ራያ ንዓዘቦ፣

ዘድረፈ ንኻልኦት ውን ዝተርፍ ጥንቅሽ ዘራእትን ጥንቅሽ ዓሳዱታትን ዘፍረየ ምድረ ገነት፣ ዓዲ ብዓዳ ክምግብ ዝኽእል ሰፋሕቲ ሜዳታት ጎላጉል ራያ ኸ ይተሓረስ ዶ ኣይተሓረስ? ፣

ዘራእታ ምስ ዝሕዝዎ ንፁር ኣካል ምስ መድሓኒትነት፣

ቱ ስዋኽን ስዋ ደምሃይ ዩ፣

ዝሓመመ ዘሕዩ፣

ቱ ስዋኽን ስዋ መማህርየ፣

ዝሓመመ ይምሕርየ።

ክሳብ ዝበሃል (ስዋ ደምሃይ ብዋንጫ ዘይኮነስ ብቢልቃጥ ኣጭንው ኣቢሎም ኣምዑግ ምስ ኣበሉዎም ካብ ዝደቀሱሉ ስትሬቸር በርደግ ኢሎም ግሉኮሶም ነቓቒሎም ብእግረይ ኣውፅእኒ ጉያ ካብ ኣሰቪዳለ ኣምሊጦም ናብ ሓደ ጥሉል እንዳ ስዋ ዝምርሹ ስብኣይ ይረኣዩኻ)።

ካብ ምግብነትን መስተነትን ሕሉፍ ሓሊፉ ዘጀግን፦

ስዋ ዳጉሻ ፅራየ፣

ጀጋኑ ወሊዳ ትግራየ፣

ጅግንነትን ስዋ ዳጉሻን ክሳብ ዝዛመዱ፣

መልክዑ ፅባቕኡ ካብ ምፅባቕ ሓሊፉ መግለፂ ፅባቐ ዝኾነ፦

ከንፈር ጣይታ ብነየ (ብነ እንጀርኡ ቸኮሌት ዝመስል ዓይነት ጣፍ ራያ)፦

ከንፈር ጣይታ ብነየ፣

ፅወይኒ ምሳኺ ዝቐነየየ፣

ክኹሪ እምበ ክዋቓዕ ዶ ኾይነየ፣

ደረት ፅፁይ ብርሽንየ፣

ኣቦኺይ እነኺይ ዝበሉ ይበሉ፣

ቅልቅልዶ በልኒይ መጋሉዋ መጋሉ፣

ብመንጎ መሻሉ መጋሉዋ፣ ክሳብ ዝበሃል፣

መቐረቱ ዓዲ ዘዛረበ ኣብ ማእኸል ሃገር ኣትዩ ሽሮ ትግራይ ዘበለ ሽንብራን ዓተራትን ትግራይከ?

ትግራይ ዓድና ሩባ ሩባ፣

ዓዲ መዓር ፀባ፣

ትግራይ ዓድኺ ሰውሓ ሰውሒ፣

ኣይትፍርሒ ኣዮኺ።

ንመድሓኒትነትን ንምግብነትን ዝጥለብ መዓርን ዘራእቲ ቅመማ ቕመምን (ሽንፋእ፣ ድቁስኣቭዓኸ፣ ቅንፍር፣ ጅንጅብል፣ ኮራሪማ፣ ሰናፍጨ፣ ሓምሊኣድሪ )ትግራይ ወዘተ፣ ትግራይ እንተዘይተሓሪሳ ካበይ ይርከብ?

ዓዲ ሃገር ንኣዝርእቶም ዝኸውን ዓመታዊ መጠን ዝናብ ልሙዕ መሬትን ኣብ ዘይብሉ ኣብ ኮባኹሕ ሃገሮም መስሕባት ቱሪዝም፣ ኢዱስትሪን ግልጋሎትን እንከይነኣሶም ሓመድ ዓዲጎምዶ ኣጉዒዞምዶ ምሩፅ ኣዝርእትን ፍራምረን ኣምሪቶም ውሕስና ምግቢ ህዝቦም ጥራሕ ዘይኮነስ ውሕስና ዝተመጣጠነ ምግቢ ኣረጋጊፆም ንዓና እውን እንትተኹቡልና ትግራይ ኣብ ትተሓረስ ዶ ኣይትተሓረስ ነውግዕ ኣለና።

ትግራይ ጥር ትብል ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ሕርሻ እንተይሓወስካ እኳ ክንደይ ጠወረ።

ብ ኣቦይዝገየ ኣንጎድጉዱ፣

ንዓመታይ’ማ ብጎዳዱ።

እሓርስ አለኹ፣

ደበናይ እናመዓደኹ፣ ደበናየ።

ኽላኒ እማ ኽላኒ ኽላ ንዓናየ፣

ከይተርክበና ማየ።

ብጭላይ ንዓ ሆኒ ፊፅ ፊፅ እናበልካ ብዕባራ ብዕራይ ልፍንቲ፣ ቅድሚ ኣሽሓት ዘመናት ብዝተፈልሰፈ ናውቲ ሕርሻ (ቀራቕሮ፣ ኣርዑት፣ መምረን፣ ነዊት፣ ዕርፊ፣ ዱግሪ ፣ማሕረሻ፣ ኸርፈስ፣ ቅተርቲ፣ ውሻል ወዘተ)  ሓሪስካ፣ ማይ እንኪ ሰማይ ተፀቢኻ፣ ሸውዓተን ሸሞንተን እናወለድካ፣ ዓበይትን ተኸታተልትን ድግሳት (ውራያት) ፍሰስ ተፋሰስ ኩስሚ (ዓመቱ)፣ መርዓ ፣ገለቭ፣ ክርስትና፣ ቁስቁስ፣ መስመያ፣ ግብረሰላም፣ ተስካርን ካልኦትን እናገበርካ ዝንበረላ ምትሓታዊትን ተኣምረኛን መሬት እያ።

ትግራይስ ትተሓረስ ደኣ። ኣይኮነንዶ ብዘመናዊስ ዋላ ብፅምዲ ብዕራይ። ስበትካ ዝህበካ መን ይህበካ?

ኣይበል እምበር ትግራይሲ ብቱሪዝም ኢንዳስትሪ ኣቢላ እያ እትዓቢ ዝብል ኣንፈትን ፖሊሲን እንተዝነብረና

ማይ እስትንፋስ ህይወታውያን ዝቖመሉ ህዋስ ብምዃኑ ሰብ፣ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ዝረኽቦ ሰብኣዊ መሰልን ዓንዲ ሑቐ ልምዓትን እዩ።

1386 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ መሬት ማይ ዝለበሰ ከምዝኾነ መፅናዕቲ የረጋግፁ። ካብኡ ግን እቲ 2.5 % ጥራሕ  እዩ ዝስተ ጥዑም ማይ።  ካብዚ እውን ሲሶ እዩ  ኣብ ረብሓ ዝውዕል’ምበር እቲ ዝተረፈ ሰኣን ኣራኽቦ፤ ዓቕምን ሰላምን ዓለም ኣይትጥቀመሉን። ምእንተዙይ ድማ ኣብዛ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልየን ሰብ ፅሩይ ማይ ፈፂሙ ኣይረክብን። ብመሰረት’ዚ ሕፅረት ዝስተ ማይ ብኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ኣሎ። እቲ ሕሰም ግን ከምቲ ኩሉ ነገር ኣብ ድኻ ይገድደ። 42% ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣብተን ድኻ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ እዩ።