Home / Uncategorized / ዘይተዘርበሉ ፀጋ ገዳም ኣቡነ ገሪማ

ዘይተዘርበሉ ፀጋ ገዳም ኣቡነ ገሪማ

ብ ታፈረ ሃይለኪሮስ

ትግራይ ኣእላፍ ሊቀ ሊቃውንትን ጥበበኛታትን ጫጪሓ ኣብ ከርሳ ዘባፀሐት በዓልቲ ቅድስቲ ማህፀን እያ።  ትግራይ ብሳላ ሊቃውንትን ጥበበኛታትን ደቃ ወናኒት ፊደላት ግእዝ፣ ያሬዳዊ ዜማ፣ ዓሚቕን ረቂቕን ምሽጥር ጥበብ ዘለዎም ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታትን ትውፊታትን መዚዝካ ዘይውዳእ ኣመር ዘለዎም ፍልስፍናታትን እያ። ስለዝኾነት እውን ዓለም ድርኩኺት ስልጣነ እንትትረግፅ ትግራይ ኣፍቲ መስርዕ ነይራ።

ንትግራዋይ፤ ትምህርትን ጥበብን መፋጥርቱ እየን። ትግራዋይ ኣያ ብዙሓት ጥበብን ስልጣነን ምዃኑ  መዝገብ ታሪኽ ገንፂልካን ዳህሲስካን ዝርከቡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ከምኒ ሓውልቲ ኣኽሱም፣ ህንፃ ይሓ፣ ውቁራት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብርሃ ወኣፅባሃ፣ ማርያም ቆርቆር፣ ገዳማት ኣቡነ ገሪማ፣ ጉንዲጉንዶ …  ህያው ምስክር እዮም። “ኣፅንእዋ ለጥበብ መብራህቲ እያ” እሞ ዝብል ቅዱስ ኣተሓሳስባ ኣብ መትንታት ህዝብና ዝተሰቆረ ስለዝነበረ ዓለም ብዓለማ ዝተገረመትሎምን ገና ብዙሕ ዘይተነግረሎምን ሓድግታትን ቅርስታትን ክውንን ኪኢሉ እዩ።

ትግራይ ዋላ እኳ መበቆል ጥበብን ስልጣነን እንተኾነት፤ ዋላ እኳ ቀዲሕዃ ዘይውዳእ ጥበብን ስልጣነን ዝነግሩ ሓድግታት ገዳማትን ኣብ ከርሳ ዝሓቖፈት እንተኾነት፤ ዓለም ድርኩኺት ስልጣነ እንትትረግፅ መስርዕ ለጊቡ ዝግስግስ ዝነበረ ተኣምራዊ ጥበብን ስልጣነን ኣያታትና ግን ብዝተፈላለዩ ወድዓውን በዓላውን ምኽንያታት ናብ ወለዶ ከይተሰጋገረ ዛርዩስ ስልጣነና ንዘበናት ዝኣክል ንቑልቁል ክንቆት ፀኒሑ እዩ። ።

ከምዝፍለጥ ጥበብን ስልጣነን ተጋሩ ምስ ሃይማኖት ክርስትናን ቋንቋ ግእዝን ኣዝዩ ዝተኣሰሰረ እዩ። ስልጣነን ጥበብን ወለድና እንትንፍትሽ ኣብዝሓ ምስ ቋንቋ ግእዝ ተላጊቦም ንረኽቦም። ሐዚ እውን እንተኾነ ዓለም በፂሓቶ ዘላ ብራኸ ስልጣነ ንምብፃሕ በሪ ክኸፍቱ ዝኽእሉ ሊቃውንቲ ወለድና ብቋንቋ ግእዝ ዝፀሓፍዎም መፃሕፍቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን እዮም ዝርከቡ።

እንተኾነ ግን ብበዝሕን ብብቕዓትን ብቋንቋ ግዕዝን ሃይማኖታዊ ትምህርትን ዝተምሃሩ ምሁራን ከነፍሪ ብዘይምኽኣልና ዓሚቕ ምሽጥር ጥበብ እዞም መፃሕፍቲ በርቢርና ኣብ ረብሓ ከነውዕሎ ኣይከኣልናን። እቲ ዝገርም ግን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ሃይማኖትን ቋንቋ ግዕዝን መቦቁሎም ኣብ ትግራይ እዩ ነይሩ።

ይኹን እንበር ምኽንያቱ ግልፂ ብዘይኮነ ኩነታት ካብ ትግራይ ክወፅኡን እቶም ዝተረፉ እውን ክዳኸሙን ተገይሮም እዮም። ካፍቶም ኣብ ትግራይ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ይወሃበሎም ዝነበሩ ገዳማት ሓደ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ እዩ።

ገዳም ኣቡነ ገሪማ ቅዱስ ያሬድ መፃሕፍቲ ዱጋ ዝፀሓፈሉን ዘምሃረሉ፣  ፃድቅ ኣቡነ ገሪማ እውን ብኢዶም ዝፀሓፍዎ ልዕሊ 1600 ዓመት ዘቑፀረ መፅሓፍ ዝርከቦ፣ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝበቕዑ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት ምስክርነት ዝቕበሉሉ መቦቀል ጥበብን ትምህርትን እዩ ነይሩ።

ይኹን እንበር እቲ ኣብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ዝነበረ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኩነታት ናብ ከባቢ ጎንደር ቤተሊሄም ዝበሃል ከባቢ ክኸይድ ተገይሩ እዩ። ሎሚ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ናብኡ ከይዶም ክመሃሩን ምስክርነት ክቕበሉን ግድን ይኾኖም ኣሎ። ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሃገርና ብዝተፈጠረ ህውከትን ዕግርግርን ካብ ትግራይ ክመሃሩ ካብ ዝኸዱ መራሕቲ ሃይማኖት ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣካሎም ዝጎዶሉን ወገናት ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

እቲ ሓደጋ ግን በዚ ጥራሕ ዝግለፅ ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ በቲ ዝድለ መጠን ብቕዓቱ ዘተኣማምን ሃይማኖታዊ ትምህርትን ምስክርነትን ዝወሃበሉ ኣብነት ቤት ትምህርቲ ዘይምህላዉ ቁፅሪ ላዕለዎት ምሁራን መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዩ ክንኪ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ፤ ኣይኮነንዶ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ዘለዉ መፃሕፍትና ዝሓዝዎ ጥበብ መርሚሮም ናብ ረብሓ ህዝቢ ዘውዕሉ ሊቃውንቲ ከነፍርስ ይትረፍ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ሊቃውንቲ በቲ ጠለብ መሰረት ስለዘየፍረና ብሰንኪ ሕፅረት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብያተ ክርስትያንን ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሕ ሓደጋ ይቀላቐለን ኣሎ።

ስለዚ እዚ ኣብ ትግራይና ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ካብ ሱር መሰረቱ ክመሓው ስለዝግባእ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ትግራይ ዘሎ ድሑር ሜላን ስርዓትን ኣወሃህባ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብዘበናውን ውሕሉል ሜላን ስርዓትን ምቕያር ወዓል ሕደር ዘይበሃል ውራይና እዩ።

ስለዚ ነቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ፀገማት ንምቅላል ከም ጅማሮ ኣብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ዝወሃብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ምስክርነትን ናፍቲ ዝነበሮ ብርኪ ንምብራኽ ውሽጣዊ ናውቱ ኣካቲቱ ብድማር ልዕሊ 90 ሚልዮን ብር በጀት ዝሓትት ደረጅኡ ዝሓለወ ቤተ ምርፋቕ፣ ቤተ ኣርድእት፣ ቤተ ጉባኤ፣ ቤተ መፃሕፍቲ፣ ሓውልቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ዘካተተ ቤተ መዘክር፣ ቤተ መምህራን ዝርከብዎ “ኣብነት ኮሌጅን ማእኸል ምርምር ቋንቋ ግዕዝን” ንምስራሕ ብዝምልከቶም ኣካላት ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ እምኒ ኩርናዕ ተነቢሩሉስ ግዱሳት ሰብ ሃፍቲ ብዝገበርዎ ሓገዝ ስራሕቲ ህንፀት ተጀሚሩ እዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለብ ብዝምልሰ መልክዑ መራሕቲ ሃይማናት ከይፈርዪ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝምዘዝ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንትን ገዳማትን ዘሎ ትሑት ምሕደራ ሃፍትን ንብረትን እዩ። ከምዝፍለጥ ኣብዝሓ ኣብያተ ክርስትያንትን ገዳማትን ቀንዲ እቶተን ብመእምናን ዝምፅወት ገንዘብን ንብረትን እዩ። ነቲ ብምፅዋት ዝርከብ ገንዘብን ንብረትን በውሕሉል መስርሕ ዘይምምሕዳር ሓደ ዓርሱ ዝኸኣለ ፀገም ኮይኑ ነቲ ዝተረኽበ ምፅዋት ኣብ ከባቢኤን ምስ ዘሎ ዕድል መፍረያይነት ብምትእስሳር ናብ ዝሐሸ መፍረያይነት ክሰግራ ዝገብረኦ ፃዕሪ ዳርጋ የለን ኢልካ ምግላፅ የድፍር።

ስለዚ ነዚ ፀገም እዚ ካብ ሱሩ ንምምዕርራይ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ምስቲ ዝሳለጥ ህንፀት ኣብነት ቤት ትምህርቲ ጎና ጎኒ እቲ ገዳምን ኣፍቲ ገዳም ዝርከቡ ማሕበረሰብን ናብ መፍረያይነት ንምስግጋር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ መደባት ልምዓት ብምሕንፃፅ ንተግባራውነቶም ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ።

ካፍቶም ዝተትሓዙ መደባት ልምዓት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፦

  • ምርባሕ ምሩፃት ዓሌት ዘለወን ኣላሕም ብምርባሕ ንኸባቢ ማሕበረሰብ ፀባን ውፅኢት ፀባን ምቕራበ
  • ጤለ በጊዕ ብምርባሕን ብምህጣርን ንዕዳጋ ምቕራብ
  • ብዘበናዊ መልክዑ ኣናህብ ብምፍራይ መዓር ንዕዳጋ ምቕራብ
  • ደረጅኡ ዝሓለወ ስራሕቲ ሓፂን መፂንን ዕንጨትን ብምጥያሽ ዝተፈላለዩ ናውቲ ብምፍራይ ንዕዳጋ ምቕራብ
  • ስራሕቲ ስፌት ጨርቃ መርቅን ስራሕቲ ሽመና ብምጥያሽ ፍርያት ኣጭርቕቲ ንዕዳጋ ምቕራብ።
  • ሜሽነሪ ሕትመት ብምትእትታው ኣገልግሎት ምሃብ . . . ወዘተ እዚኦም ካፍቶም ዝተትሓዙ መደባት ልምዓት ዝተወሰኑ ኮይኖም እዞም መደባት ልምዓት እዚኦም ነቲ ኮሌጅ ዘድሊ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ኣፍቲ ገዳም ዝርከቡ ተምሃሮን መነኩሳትን ብምስልጣን ብዝተመደበሎም ሰዓት ኣብቶም ስራሕቲ ክዋፈሩ ብምግባር ኣፍቲ ገዳም ዝርከብ ጉልበት ናብ ሃፍቲ ብምቕያር ካብ ተመፅዋታይነት ዝተናገፈ ትካልን ማሕበረሰብ ምህናፅ ዓሊሙ ዝፍፀም ዕማም እዩ። እዞም ልዕል ኢሉ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ክትግብሩ ዝተትሓዙ መደብ ልምዓት ብቐፃልነት ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ትግራይ ክትግበሩ እንተለዉ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝሓድር ዓርሰ እምነትን ዜጋታት ናይ ምፍራይ ብቕዓተን ክንደይናይ ክዓቢ ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣየፀግምን።

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን በዓል ዋና ዓሚቕ ጥበብ እዩ። ኣብ ኣብያተ እምነቱን ገዳማቱን ገና ምንም ዘይተነግረሎምን ዘይተቐልዑን አእላፍ ጥበብ ዝሓዘሉ ቅርስታትን መፃሕፍትን ኣለዉ። ከም ኣብነት መፅሓፈ ድርሳናትን ተኣምራትን መሰረት ስነ ፅሑፍ ዝኾኑ፣ መፅሓፈ ሃዊ መሰረት ስነ ዜጋን ስነ ምግባርን ዝኸውን፣ መፅሓፈ ስነ ፈለግ መሰረት ጆግራፊን ስነ ኮዋኽብትን ዝኾነ፣ መፅሓፈ ባህረ ሓሳብ መሰረት ቀመር ሒሳብ ዝኾነ፣ መፅሓፈ ነደቅት መሰረት ስራሕቲ ህንፃ ዝኾነ፣ መፅሓፈ ፈውስ መሰረት ሕክምናን ኣፋውስን ዝኾነ… ወዘተ ይርከብዎም።

ነዞም መፃሕፍቲ እዚኦም ዝሓዝዎ ምሽጥር በርቢሮም ኣብ ግሁድ ዓለም ኣሽሪፎም ናብ ረብሓ ህዝቦም ዝቕይሩ ሊቃውንቲ ግን ይውሕዱና። ንምንታይ እንተተባሂሉ እቶም መፃሕፍቲ ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ እንትኾኑ ኣብ ምምዕባል ቋንቋ ግእዝ ድማ በቲ ዝድለ መልክዑ ስለዘይሰራሕና ዓሚቕ ምሽጥር እቶም መፃሕፍቲ ናብ ረብሓና ከነሽርፎ ኣይከኣልናን ፀኒሕና። ከምኣጀማምራና ገስጊስናስ ኣብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ዝወሃብ ዝነበረ ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲ ሃይማኖትን ምስክርነትን ተጠናኺሩ ቀፂሉ እንተዝነብር አእላፍ ሊቃውንቲ ብምፍራይ ቋንቋ ግእዝ በቲ  ዝድለ መልክዑ ማዕቢሉስ ኣፍቶም መፃሕፍትና ዘሎ ዓሚቕ ጥበብ ናብ ረብሓ ምወዓለ ነይሩ።

ፍግም በለ እሞ ኣይፈሰሰን ከምዝበሃል ሐዚ እውን ገዳም ኣቡነ ገሪማ ኣብነት ኮሌጅን ማእኸል ምርምር ቋንቋ ግእዝን ናብ ዝኾነሉ ብርኪ ከነዕብዮ እንኽአለሉ ምችው ባይታ ተነፂፉ ስለዘሎ ኣእላፍ ሊቃውንቲ ብምፍራይ ኣብ ሕቑፍና ዝርከቡ ዓሚቕ ጥበብ ዝሰነቑ መፃሕፍትና ናብ ረብሓ ኣሽሪፍና ንባዕልትና ጠቒምና ንዓለም ዝተርፍ ፍልጠት ከነበርክት ንኽእል ኢና።

ስለዚ ትግራይና ናፍቲ ዝነበረትሉ ብርኪ ጥበብን ስልጣነን ንምብራኽ ብምዕላም ምስ መንግስትን ቤት ፅሕፈት ዞባ ማእኸል ኣክሱም ሃገረ ስብከትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ኮሌጅን ማእኸል ምርምር ቋንቋ ግእዝን ንምስራሕን ብምቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ መደባት ልምዓት ንምትግባር ዘድሊ በጀት ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ካብ ፈተውቲ ህዝቦምን ዓዶምን ዝኾኑ ሰብ ሃፍትን መእምናንን ብመልክዕ ሓገዝ እቶት ንምትእኽኻብ ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ። ስለዚ ኣብዚ ቅዱስ ስራሕ ኢድኩም ብምሕዋስ ንህዝብኹምን ዓድኹምን እናሃገዝኩም በረከተ እግዚኣብሄር ክትረኽቡ ብኽብሪ ንፅውዕ።

 

 

 

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *