Home / Uncategorized / ንገንፀል እትብሉ ተጋሩ

ንገንፀል እትብሉ ተጋሩ

Shalom dagmawi

.

ሽግርና ኢትዮጵያ ትመስለኩም ኣላ! እቶም ኣብ ሱዳን ዘለው ዳርፉርን ምብራቕ ሱዳናውያንን ከ ሽግሮም መን’ዩ? ደቡብ ሱዳን ተገንፂላ ሽግራ ገደደ ‘ምበር ኣይነከየ! ናይ ኤርትራ ድማ ዝኸፈአ!  ዝተገንፀላን ዘይተገንፀላን ዓድታት ጎረባብትና ኩለን ኣብ ፀገም ኣለዋ።

.

ጨጎራኻን ማዓናጡኻን ወይ ዓፅምኻን ሑቖኻን ሓሚምካ ዶ መምበሪኻ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ወይ ካብ ዓድዋ ንሽረ ስለዝቐየርካ ትድሕን ኢኻ? ስርዓተ ምሕቓቕ ምግቢታትካን ኣዕፅምቲ ኣካላትካን ተፈቲሽካን ብቑዕ መድሓኒት ወይ ናይ ምሕያው ስብራት ምንቅስቓሳት ዶ ኣይኮነን እቲ ፈውሱ?

.

ደጊምና ደጋጊምና ኽንዛረብ፥ ናይ ሽግራትና መጀመርታን መወዳእታን ባዕልና ተጋሩ ኢና!  ብፍላይ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ትግራዋይ ባዕሉ እዩ ፀረ ትግራዋይ ኮይኑ ዘሎ! ትግራዋይ ብትግራዋይነቱ ንዝረኸቦ ሓይሊ ናይ ምፍራስ ባህሊ ሒዙ! ኣብ መቐለ ዓዲ ሓቂ (ሓወልቲ ሰማእታት) ኣብ ቤት ዕዮ ኾፍ ኢሉ ህፃናት ኣይብል ወለዲ፥ ንድኻ ኣይብል ንስድራ ስውኣት፥ ንተስፋ ዘለዎም መናእሰይ ኣይብል ንወለዲ ንኹሉ ትግራዋይ ደም ዘንብዕ ዘሎ ሙሰኛን ላግፀኛን ትግራዋይ ዶ ኣይኮነን’ዩ? መን ድዩ ብሓሶት፥ ንድኻታት ገባራትን ወለዲ ጀጋኑን ዘይቀረየ ዘይሰርሑዎ “ሰሪሕና በሉ!”፥ ዘይተገበረሎም “ተገይሩልና በሉ!”፥ ዘይራሃዎም “ኣብ ራህዋ ኣለና በሉ!” እናበለ ብቕጥፈት ብሂወት ተጋሩ ዝቐለደ ትግራዋይ ዶ ኣይኮነን! ምስቶም ሓረድትና ባዓል አብዪን ኢሳያስን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምጥፋእ ተጋሩ ዝደገፉን ዝሰርሑን ካብ ካድረ ጀሚርካ ክሳብ ጅፍጁፋት ንኸብዶም ዝሓድሩ ተጋሩ የለውን ድዮም? እሞ እንተተገንፂልናስ እዚኦም ከ ኣብ ኢትዮጵያ ገዲፍናዮም ዲና ኽንግንፀል? ምሳና ዶ ኣይኮኑን’ዮም ክግንፀሉ!?

.

ወዮ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንሕና ፍሉያት ኢና!፥ ጀጋኑ ኢና፥ ንሕና ጥራይ ኢና ብሄር’ምበር ካልእ ናብ ብሄር ደረጃ ዝዓበየ ህዝቢ የለን ዶ፥ ወዘተ” ዝብላ መደንዘዚ መራፍእ በዞም ናይ ባዓል ተስፋፅዮናት ኣግኣዚያን ኣቢሉ ዝወጋኣና ሒዝና እናደገምና እናዋዓልና ነቲ ቀንዲ ፀገምና ከይንሪኦ ንባዕልና ዓፊንና ሒዝና’ምበር ኣሕዋት ቁልፊ ፀገምናስ ኣብ ባዕልና እዩ ዘሎ!

.

ጀጋኑ ኣይኮንናን ማለተይ ኣይኮንኩን፥ ሕሉፍ ታሪኽ ከም መነቓቕሒ’ምበር ከም መደንዘዚ ኽንወስዶ ኣይግባኣናን እየ ዝብል ዘለኹ! ባዓል ኣሉላን ሓየሎምን ዝመስሉ ጀጋኑ ዘፍረየ ህዝቢ፥ ባዓል መለስን ሃፀይ ዮሃንስን ዝመስሉ መራሕቲ ዘፍረየ ሕዝቢ፥ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለዘበን ዝኸውን ዝፀንሐ ብርቱዕ ፌደራል መንግስቲ ፈጢሩ ታሪኽ ሃገርና ኣብ ዓለም ክቕየር ዝገበረ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኢሉ ናብዚ ደረጃ’ዚ ወዲቑ፥ ብዘይረብሑ ዱሑራት ናይ ማፍያ ሻዕብያን፥ ፊውዳላት ኣምሓራን፥ ስልጣን ሪኦም ብዘይፈልጡ ኦሮሞን ዘየቋርፅ መጥቃዕቲ ፈኒዎምሉ ናብ ምድኻም ደረጃ በፂሑ?? ??? ዝብል ቅኑዕ ሕቶ እየ ዘልዕል ዘለኹ??

.

መልሱ ሓደን ሓደን ጥራይ እዩ! ንሕና ብውሽጥና ደኺምና ኣለና! እቲ ኹሉ ጅግንነት እንዛረቦ ዘለና ትማሊ ኣብ ናይ ባዕሉ መድረኽ ወለድና ዝፈፀምዎ ጅግንነት’ዩ! ሎሚ ግን ደኺምና! ናይ ድኽመትና ምንጪ ኢትዮጵያ እንተኾይና ዳኣ፥ ናይ’ቲ ትማሊ ወለድና ዝፈፀሙዎ ጅግንነት’ውን ምንጩ ኢትዮጵያ እያ ኔራ ማለት ድዩ? እቲ ጅግንነታት ኽፍፀም እንተሎ’ውን ‘ኮ ወለድና ኢትዮጵያውያን እዮም ኔሮም! ተገንፂሎም ኣይኮኑን እቲ ታሪኻት ፈፂሞሞ! ክንዳኸም ከለና ይኹን ክንባራታዕ ኸለና ኣብ ኢትዮጵያ እንተኔርና፥ ምንጪ ብርትዐናን ድኽመትናን ኢትዮጵያ ኽትከውን ከምዘይትኽእል፥ ካልእ ከምዝኾነ ግልፂ እዩ!

.

እስከ ኽሓተኩም፥ ድሕሪ ምሟት መለስ ኣየኖት ተጋሩ ባዓል ስልጣናት’ዮም ውልቃዊ ኣፈላላያቶም ዋላ እንተኔሩዎም ንጎኒ ገዲፎም ነቲ ኹነታት ዘትዮም ናብ ሓደ መስመር ዝመፁ? ኣነ ዝዝክሮ መለስ ምስሞተ ኣብ ውሽጢ ሒደት ማዓልቲታት “ናብ ሓደ ንምፃእ፥ ናይ መለስ ምሟት ንፖለቲከኛታት ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ሃገርን ህዝባን ናብ ዓብዪ ሓደጋ ኸምርሕ እዩ!” ዝብል ፅሑፍ ዝዘርገሐ ፖለቲከኛ ትግራዋይ ኣቶ ስየ ኣብራሃ ጥራይ እዩ! ብተግባር ክሳብ ክንደይ ተንቀሳቒሱሉ ኣይፈልጥን። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ገዲፉዎ ናብ ዝነበረ ፖለቲካ ተመሊሱ ሽግርን ፀገምን ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ንምእላይ ዝራባረብ ዘሎን ካብ ብጋንኡ ዝጀመረን ድማ ጀነራል ፃድቃን’ዩ! እቲ ኻልእ ትግራዋይ ናይዞም ጀጋኑ ኽልተ ትውልዲ ዝኾኑ ወለዲ’ዚኦም ዋላ ርብዒ ትኸውን ሓቦን ሕራነን እንተዝህልወና ኔሩ እመኑኒ ንሕና ኣብ ዝደለናዮ ሰዓት ኽንግንፀል ንኽእል፥ እንተዘይተገንፂልና ድማና ናዓና እትርህውን እትምቹን ኢትዮጵያ ካብ ምፍጣር ዝዓግተና ሓይሊ ኣይምሃለወን። እቲ ኻልእ ትግራዋይ ኣይንቀሳቐስን ዘሎ ማለት ኣይኮነን፥ ንኹነታት ብጋንኦም ተንቲኖም፥ እሞ ኣብ ዝሓለፉ ቅርሕንቲታት ከየስተማሰሉ፥ ሓዱሽ ናይ ምክብባርን ናይ ምክኣልን መንፈስ፥ ንሓዱሽ መድረኽ ብሓዱሽ መንፈስን መንገድን ናይ ምርኣይ ባህሊ ሒዞም ስለዝመፁ፥ እዚ ባህሊ’ዚ ድማ ጠቓሚ ምዃኑ ኽገልፅ ስለዝደለኹ እዩ። ፃድቃን መጀመርያ ናብዚ መድረኽ ክመፅእ እንተሎ መጀመርያ “እንታይ ስሕተት ፈፂምና ኢና ናብዚ ኹሉ ኣቲና?” ኢሉ ሓቲቱስ ንናይ ባዕሉ ታሪኽ ዘይቀረየ ፈቲሹ እዩ ጀሚሩ። እዚ ካፍቶም ዝተረስዑ ባህልታትናን ናብ ውድቀት ዘብፅሑናን ሓደ እዩ። እዚኣቶም’ዮም ክፍተሹን ኮረዩን ዘለዎም!

.

እቲ ዝገርም ግና ኢህወደግ ይኹን ኢትዮጵያ ዝፈረሱ ብሰንኪ ድሕሪ ሞት መለስ ዝመፀ ናይ ህወሓት ሞት እዩ። እቲ ኻልእ ትግራዋይ እውን ኣቐዲሙ ብህወሓት ተቐቲሉ ስለዝፀንሐ እቲ ሃገራዊ ኹነታት ዳርጋ ንኹሉ ትግራዋይ ኣደንፂዩዎ እዩ። ህወሓት ንባዕሉም ተኻፋፊሎም፥ ሃፋትም ተጋሩ ‘ውን መሬት ፀቢባቶም ፈርጠጠጥ ኣብዚሖም ንሰበ ስልጣናት ተጋሩ ኣባዕሊጎም፥ ብሓፈሽኡ ሕማቕ ባህሊ ኣማዕቢልና ባዓልስልጣናትን ሰብ ሃፍትን ተጋሩ!  ኣብዚ ኹነታት’ዚ ኾይኖም ከ ኣየናይ ትግራዋይ ባዓልስልጣን’ዩ እዩ ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት ተንቲኑ ኣካይዳታት ዓለም ክፈልጥ ዝኽእል? መን ከ ብዊስኪን ብቮድካን ኽጋጨበሎም? መን ከ ኣንስቲ ኸፃውተሎም? እቲ ሃፍታም ትግራዋይ ዝባሃል ኩሉ ደንቆሮ ተሓናጊሩ ዝሃፍተመ፥ እቲ ባዓል ስልጣን’ውን ብገንዘብ ሃፋትምን ብስልጣንን ታዓብሺሹ መርኣዪ ስኢኑ በጥራዕራዕ ኾይና መሬት!

.

እቲ “ግደፉ ንዑ ሃገር ትፈርስ ኣላ፥ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ኣሎ፥ ሃገር ንምራሕ!” ዝበለ ሓይሊ እናተደቑሰን እናተኣስረን፥ እቲ ብፃዕሩ ንሂወቱ ኽቕይር ዝፈተነን ብዓብዪኡ ድማ እቲ ዝተማህረ ሓይሊ ሰብን ኣፍቲ ስልጣንን ኢኮኖምን ቦታ እናሳኣኑን ከይዶም ኣብዚ ዘለናዮ በፂሕና። ስለዝኾነ ድማ ብውሽጡ ማእለያ ዘይብሉ ሕማማት ዝተሸከመን ብሕድሕዳዊ ስረይ-ስሬኻ ተጋሩ ዝተወጠረን ስርዓት ብኣብዪ ዘይኮነስ ዋላ ብህበይ እንተዝዕሎ ሰብ ኽገርሞ የብሉን። እዚ ፀገም’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ስለዘለና ዝበፃሓና በደል ኣይኮነን፥ ምስተገንፀልና’ውን ኣይፍታሕን – ናይ ባዕልና ስለዝኾነ!

.

ስለዚ ምስተገንፀልና ኢና ሰላምና እንረክብ ዝብል ዘረባ ሕማምና ኻልእ፥ እንወስዶ መድሓኒት ኻልእ ከምዝኾነ እዩ ዝርዳኣኒ! ተጋሩ ባህልናን ውሽጣዊ ስርዒታትናን ኣማዕቢልና እዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓይልን ጉልበትን እንተጥሪና ጥራይ ኢና ሰላም እንረክብ። ደካማ ኾይንካ ተገንፀልካ ኣይተገንፀልካ እትመፅእ ዋላ ሓንቲ ለውጢ የላን። መጀመርያ ሕማምና ኣብ ባዕልና እዩ ዘሎ፥ ንሕማምና ከመይ ንፈውስ እዩ እቲ ቀንዲ ዛዕባና ክኸውን ዘለዎ።  ምግንፃልን ዘይምግንፃልን ከም ዛዕባ ምንም ዘይረብሕ ዛዕባ እዩ። ዝረብሕ ዛዕባ ከመይ ጌርና ውሽጥናን ንባዕልናን ተለዊጥና፥ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ኣብ ኢትዮጵያ ንኹን በይንና፥ ሓያላትን ተፅዕኖ ፈጠርቲን ንኸውን ዝብል እዩ ናይዚ ዘለናዮ መድረኽ ቁልፊ ሕቶ ዝመስለኒ፥ ኣብኡ ድማ ነድህብ ይብል!

እዚኣ ወዳሓንኩም!

 

 

ዶክተር መሓሪ ታደለ /Mehari Taddele Maru / መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ከምዚ ዝስዕብ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

 

ሰናይ ንባብ!

 

ኢትዮጵያ ዘላቶ  ኹነታት ዋላኳ ብተፈላለየ መልክዑ ዘይግመትን ተዃሳሒን እንትዀነ ኣብዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ክረኣዩ ይኹእሉ እዬም ዝባሃሉ ሓሙሽተ ተርእዮታት ምግማት ይካኣል’ዩ፣ ንሳቶም ድማ ብቐደም ሰዓብ ኣብ ምርድዳእ ዝተደረኸ ፌዴራዊነት፣ ናይ ስግግር መንግስቲ፣ ምልካዊነት፣ ብኮንፌዴሽን ምትእስሳር፣ከምኡውን ምብትታን እዮም፤

 

[1] ብምርድዳእ ዝተመስረተ ፌዴራላዊነት

 

ንኢትዮጵያ እቲ ዝበለፀ ኣማራፂ ዝበሃል ኣብ 2020 ዝግበር መረፃ ስዒቡ ሰላማዊ ስግግር ምግባርን ብዴሞክራሲያዊ መረፃ ዝፍጠር ፌዴራላዊን ክልላዊ መንግስታትን ምቛም’ዩ፡፡ እዚ ኸይዲ እዙይ ኣብ ክልቲኡ ፀፍሒ ህዝባዊ ቅቡልነት ክህብ ተኽእሎ ኣለዎ፡፡ እዚ ኣብ ስምምዕነት ዝተደረኸ ናይ ሕገ-መንግስቲ ምእራምን ምስትኽኻልን ከምፅእ’ውን ይኽእል’ዩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ፌዴራላዊነት ክልላዊ መንግስቲታት ይዕበ ይንኣስ ባዕለን ንባዕለን ከምሓድራን ክውስናን ዝኽእላሉ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ግን እተን ክልላት ብግቡእ ክኸዳ ኣብዘይኽእላ እዋን እንትዕደም ጥራሕ ዝሕግዝ ናይ ፓለቲካ መጠባበቒ ሓይሊ ኮይኑ ዝሰርሕ፤ ብኣምር ዋናን ሓጋዝን ዝገብር ምትዕርራይ እዩ፡፡ ኣብትሕቲ ዝተርእዮ እዚ ኹይኑ ኢ.ህ.ወ.ዲ.ግ ጨሪሱ ዘብቅዐሉን ሓቀኛ ፌዴራሊዝም ኣብሥራሕ ከውዕላ ዝኽእላ ሓደስቲ ፓርቲታትን ፖለቲካዊ መንፀፍን /constituency/ ክፈጥራ ዝኽእላሉ ኩነታትን ክህሉ ይክእል እዩ፡፡ እዚ እቲ ዝሓሸ ኣማራፂ እዩ፣ ምክንያቱ ምርግጋዕን ሕጋዊ ቅቡልነትን ክፈጥር ይኽእል’ዩ፣ ይኹን እምበር እቲ ዝረአ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ናይ ምድስካል ፃውዒትን ጐኒ ንጐኒ ዝምዕብል ዘሎ በኣብዝሓ ድምፂ ናይ ምዕብላል ተርእዮታት እዚ ኣማራፂ እዚ ዘይክውን ክገብሮ ተኽእሎ ኣሎዎ፡፡

 

[2] ናይ ስግግር መንግስቲ ‹‹ዓብይ ድንኳን››

 

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለው’ውን ሓዊሱ ኩሎም ፖለቲካ ፓርቲት ኣብ ትሕቲ ሓይ ‹‹ዓብይ ድንኳን›› ዝተሓቖፊ ናይ ብሄራዊ ሓድነት ስግግር መንግስቲ ንሓፂር ናይ ስግግር እዋን ምፍጣር ይካኣል’ዩ፡፡ እዚ ማለት ናይ ምሕደራ ሕጋውነት ኣብ ምንጎ እተን ተፈላለያ ፓለቲካ ፓርቲታት ይካፋፊል ማለት እዩ፡፡ ኣብ ኦሮሚያ ብጭቡጥ ናይ ኦ.ዴ.ፓ ናይ ድጋፍ መሠረት ኣብቶም ኣብቲ መንግስታዊ መሓውር ዝተሓቖፈን ተተሓዘ ድልየት ዘለዎምን ጥራሕ’ዩ ክውሰን፡፡ ብኣንፃሩ ግ.ሓ.ኦ. ቀሊል ዘይብሃል ህዝባዊ ድጋፍ ክህልዎ እዩ፤ ኣብቲ ኽልል ዘለው ካልኦት ውድባት’ውን ጥንኩር ግን ከም ኣብ ኣምቦ፣ ኣርሲ፣ ባሌ፣ ሃረርጌን ካልኦትን ውስናት ከባቢታት ፖለቲካዊ መሠረት ክህልዎም እዩ፡፡

እቲ ናይ ፀጥታ ምሓውር ብፍላይ ድማ ሰራዊትን ናይ ፌዴራልን ክልላትን ፖሊሲን ጥንኩር ዓቕሚ ክህልዎ’ዩ፡፡ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ክካፋፊል ይኽእል’ዩ ይኹን’ምበር አባላቱ ኣብቲ ናይ ስግግር መንግስቲ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ተፋላለዩ ፖርቲታትን ድልየት ዘሎዎም ኣካላትን ንሓዲሸን ኣብ መረፃ ዝድረኽን ፓለቲካ ምድላዋት ኣብ ዝገብርሉ፤ እዋን ሃንደበታዊ ተፈላለዩ ፓርቲታን ውዳበታት’ውን ተፊጢሮም ክወዳደሩ ይኽእሉ እዮም፡፡ ከምዚኦም ዝኣምስሉ ውዳበታት ካብ ፖለቲካዊ ዓላማ ሌጣ፤ ጥራሕ ኣብ ስልጣን ዘተኮሩ ስለዝኾኑ ናይ ነዊሕን ኣማራፂን ፖለቲካዊ መድረኽ ኣይክህልዎምን፡፡ እንተስዒሮም ዝፀንሑ እንተተሳዒሮም ግን ሽዑ ዝቅህሙ እዮም፡፡ ኣብ ካምዚ ዝበለ ተርእዬ ኣብ ኢትዬጵያ ዴሞክራሲ ሱር ክስድድ ይኽእል’ዩ ይኹን’ምበር ናይታ ሃገር ኢኮኖሚ ግን ክህሰ እዩ፣ ምኽንያቱ ቁጠባዊ ኣመራርሓ ዝህብ ጥንኩር ዓቕሚን ንሱ ዝጠልቦ ናይ ምርግጋእ ሃዋህውን ኣይክህሉን፡፡ ናይ ስግግር መንግስቲ ብሕታዊ ከስቢ ኣብ ኩሉ ክፋል ዘሎ ፖለቲካዊ ውክልና ተሳትፎ ክገብረሉ ናብ ዘኽእል ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መንፀፍን ምይይጥን ከምፅእ ምኽኣሉ ጥራሕ እዩ፡፡ ተቓወምቲ ሓይልታት  ከምዚ ዝኣምስለ ናይ ስግግር መንግስቲ ክቕበልዎ ይኽእሉ እዬም፣ ከምኡ እንተኹይኑ ድማ ዘማራፂ እዚ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ከምፅእ ይኽእል’ዩ፡፡ ፖለቲካዊ ጉድለታት ዝፈጥሩዎ ህውከት’ውን ክቕንስ ይኽአል’ዩ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ’ውን ሓዱሽ ማዕረነትን ናይቲ ፌደራል መሓውር ተቐባልነትን ክፈጥር ይኽእል’ዩ፤ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲን ወድዓውን ውፅኢት’ዩ ፡፡ እዚ ተርእዩ እዚ ፅቡቅ ዝመስል ረብሓኳ እንተሃለዎ ናይ ኽውንነት ዕድሉ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ተፈፃምነቱ ኣብተን ኣብ ስልጣን ዘለዋ ናይ ኢ.ህ.ወ.ዲ.ግ አባል ውድባት ብፍላይ ድማ ኦ.ዲ.ፒ.ን ናይ አምሓራ ዲሞክራሲያዊ ፖርቲን (ኣ.ዲ.ፒ) ፖለቲካዊ ድልየት ዝተወሰነ እዩ፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ግን ናይ ብሄራዊ ሓድነት ናይ ስግግር መንግስቲ ምምስራት ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ፖለቲካ ውድባትን ብፍላይ ድማ ንመራሕቶም ናብ ዘሕጉስ ፍፃመ ክመርሕ ኣይኽእልን ምኽንያቱ እዞም ኣካላት እዚኦም ዝባሓትዎ ስልጣን ናይ ግድን ስለዘስእኖም እዩ፡፡

 

[3 ] ውልቀ መላኺነት

 

ናይ ብዙሓት ተርዕዮታት ድምር ኮይኑ እዚ ተረእዩ እዚ ክውን ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ፌደራል ሰብ ስልጣናትን ክልላዊ መንግስታትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ፌዴራል ሰብ ስልጣናትን ወታደራዊ ጉጅለታትን ውሽጢ ጥንኩር ፅላኣት፣ ድሑር ምጥቕቓዓት፣ ሓሶትን ምፅልላምን ዳርጋ ልሙዳት ኮይኖም ኣለው፡፡ ገለ ክፋላት ናይ ግ.ሓ.ኦ’ውን እንተነኣሰ ክሳብ እዋን መረፃ ዕጥቆም ናይ ምፍታሕ ድልውነት ኣይክህልዎምን፡፡ ኣብ ገለ ክፋል ቦታታት ኦሮምያ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ንምፍታሕ እቲ ፌዴራል መንግስትን ኣካል ናቱ ዝኾነ መሪሕነት ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ኣብ ከይዲ ናብ ሓይሊ ዘየዘንበሉ ኣይክተርፉን፡፡

ተመሳሳሊ ወጥሪ ኣብ ሞንጎ እቲ ፌዴራላዊ መንግስቲን ናይ ክልል መንግስቲታን ብፍላይ ድማ ኦሮምያ፣ ትግራይ፣ ሃረሪን፣ ዓፋርን፣ ሞናልባች’ውን እንኮላይ ኣብ ሶማሊ ይረኣዩ ኣለው፡፡ ዛጊድኳ ገለ ወተሃደራዊ ስጉምቲታትን መግለፂታትን ሃገራዊ መልክዕ እናሓዙ ይመፅኡ ኣለው፣ ከም ኣብነት ኣብ ምንጎ ግምባር ሓርነት ኦሮሞን፣ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ዘሎ ናይ ግርጭት ዓውዲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ምትፍናን ካብ ምዃን ሓሊፋ ኣብ ሞንጎ ግምባር ሓርነት ኦሮሞን ፌዴራል መንግስቲን ናብ ምዃን ተሰጋጊሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ሶማሊ ዘሎ ግምባር ብሄራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ONLF) እውን እንትዀነ ኣብ እዋን እቲ መፃኢ መረፃ ወይ ድማ ድሕሪኡ ምስቲ ገዛኢ ውድብ ኢ.ህ.ወ.ዲ.ግ ኣብ ጐንፂ ናይ ምእታው ዕድሉ ከምቲ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ እዩ፡፡ ናይ ደርጊ ወታደራዊ ስርዓት ብዝውክሉን ጨፍላቒ ዝኾነ ዝሓላፈ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝሓልሙ ሓይልታትን ብዝገብርዎ ድፍኢት ናይቲ ስግግር ከይዲ ዘለዎ ተኳሳሓይነት ንምፍታሕ ኣብዝግበሩ ፊተነታት እቲ ፌዴራል መንግስቲ ዘለውዎ ናይ ውልቀ መላኽነት ባህርያት ደፊኦም ክወፁ ተኽእሎ ኣለዎም፡፡ ካብዚ ዝብገሱ ይኹን ዝኾነ ካልእ መልክዕ ዝሓዙ ውልቀ መላኺ ስጉምቲታት ነቲ ኣብ ግልፅነትን ህዝባዊ ተቐባልነትን ዝተመስረተ ናይ ለውጢ ኸይዲ ዓርሰ-ስዕረት ካብ ምዃኖም ንላዕሊ ነቲ ሓዱሽ መሪሕነት’ውን ፓለቲካዊ ዓርሰ-ቕትለት’ዩ፡፡ ፓርላማን ናይ ፀጥታ መሓውራትን ካብዝኣምሰሉ ፌዴራላዊ መሓውራት’ውን ጥንኩር ታቓውሞ ከጓንፎ ይኽእል’ዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣምስለ ኹነታት እቲ ገዚፍ ብድሆ ዝኸውን እቲ መንግስቲ ሃገር ንምቁፅፃር ዘለዎ ተኽእሎ እዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣምስለ ኩነት እቲ ሓዲስ መሪሕነት ዝነበሮ ሕዝባዊ ተቐባልነት ኸቕህም’ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ብሔር ብሔረሰብ ወይ ድማ ናይ ተቓውሞ ውደብ ዝውስድ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብተመጣጣኒን ወይ ድማ ካብኡንላዕሊ ብዝዀነ ናይተን ክልላት መንግስቲታት ግብረ መልሲ ከምዝምክት ፍሉጥ’ዩ፤ እዚ ድማ ናብ ዝኾፍአ ህውከትን ምብትታንን ከምርሕ ተኽእሎ ኣሎዎ፡

 

[4] ምብትታን፣  ርግፅ ዕንወት

 

ውግእ ሕድሕድ (ከምኡ’ውን /ወይ ድማ ምብትታን) ብውፅኢቱ ኣብቲ ሠራዊት ብዝፍጠር ቅርሕንቲታትን ንኢ.ህ.ወ.ዲ.ግ ይኹን ነቲ ፌዴራላዊ መንግስቲ ናብ ውድቀት ከምርሕ ዝኽእል እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ እዩ፡፡ ናይ መንግስቲ ናይምፍፃም ዓቕሚ ይኹን ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ናብቲ ዝተሓተ ብርኪ ዝወርደሉ ኹነታት’ዩ ዝፈጥር፡፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውደባት ዝህሉ ገዚፍ ዘይምትእምማንን፤ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘይተደረኸ ረኸቢታትን ነዚ ተርእዮ’ዚ ክውን ክገብሮ ይኽእል’ዩ፡፡ ንኣብነት ዝኣክል ኣብዚ እዋን እቲ ፌዴራላዊ መንግስቲን እቲ ናይ ትግራይ ክልል መንግስቲን ውሱን ብዝኾነ ረኽብታት እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ፡፡ ኣብቶም ንኢ.ወ.ዲ.ግ ዝፈጠሩ ኣባላት ውድባት ዘሎ ረኽቢ’ውን ከምኡ፡፡ ብቕኑዕ ምይይጥ ናብ ዝተደገፊ ኣራሚ ስጉምቲ እንተዘይተኾይዱ እዞም ዝረኣዩ ዘለው ምትፍናናትን ረፅሚታትን፣ ናይ ኽልላዊ መንግስቲታት ዘይምትሕብባርን ዘይምቅድዳውን፣ በቲ ፌዴራል መንግስት’ውን ናብ ብሕታዊ ስጉምቲታት ኣምሪሖም ኣብ ከይዲ ናብ ዕላዊ ናዕቢ ዘለዎ ጐንፂ ከምርሑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳዕታ ተማእኸለ ቑፅፅር ናብዘይብሉ ኩነታት’ዩ ዘምርሕ፡፡ ዝረአ ዘሎ ናይ ፊኩስ ብረታት ዝርገሐን ናይ ክልላዊ ሚልሽያን ፖሊሲን ምድላዋት ድማ ነዚ ተርእዮ’ዚ ዘጠናኽሩ ቅድመ ኹነታት እዮም፡፡ ስለዚ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ናብ ምብትታን ክተምርሕ ትኽእል እያ፡፡ ቀልጢፉ ኣብ ቁፅፅር  እንተዘይውዒሉን ዝረአ ዘሎ ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ጠጠው ክብል እንተዘይተገይሩን ክልላት ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሕድሕድ ግርጭታት ክሽመማ ይኽእላ እየን፡

 

[5]ኮንፌዴራላዊት ኢትዬጵያ

 

እዚ ተርእዬ እዚ ኣብ ምንጎ ኽልላት ልሕሉሕ ዝኾነ ብጭቡጥ ግን ልዕል ዝበለ መሰላት ዘውህብ ኮንፌዴራላዊ ስርዓት ብምዝርጋሕ እቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ናይ ምብትታን ሓደጋ ዝቅህመሉ መንገዲ እዩ፡፡ በዚ መስርሕ እዚ ናይቲ ፌዴራላዊ መንግስቲ ዓቕሚ ክደክም ተገይሩ እተን ክልላዊ መንግስታት ግን በተፈላለየ ብርኪ ብዘሓሽ መልክዕ ኣዝየን ዝረጋጋዓሉን ህልውነአን  ዘረጋግፃሉን፤ ብሄራዊ ሓይሊ ምክልኻል፣ ናይ ወፃኢ ርክባት ጉዳይን ናይ ገንዘብ ፖሊስታትን ዝኣምስሉ ድማ ውክልና ነቲ ፌዴራል መንግስቲ ዝህባሉ እዩ፡፡ ናይ ህወከትን ሽብርን መሳርሒታት ኣብትሕቲ ሙሉእ ቁፅፅሩ ኣብዘይኾነሉ ኣብከምዚ ዝኣምሰለ ተርእዮ እቲ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ሓላፊ ኣብ ክንዲ ናይ ሙሉእ ዓዲ ላዕላዋይ አዛዚ ናይተን ክልላዊ መንግስቲታት መተሓባበሪ ላዕለዋይ ኣካል እዩ ዝኸውን፡፡ ከምዚ ዝኣምሰለ ተርእዮ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ክፈጥር ይኽእል’ዩ ይኾን’ምበር ትሑት ዝኰነ ናይ ኢኮኖሚ ዕብየት ኣፊፃፅማ ባህርያት ከህልውዎ እዮም፡፡

 

 

 

“ሓራምን ሓላልን” ፈሊና ንቃለስ!

 

ብተኽለብርሃን ኣርኣያ

 

7-17-19

 

ሎሚ ዝነበረ ትማሊ እናኾነ፣ ዘበን ሓሊፉ ዘበን እናተተክአ፣ ወለዶ ካብ ወለዶ ታሪኽን ሕድርን እናተቐባበለ እነሆ ወዲሰብ ምንቅስቓሱ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ዑደት ዓለማት (ህዋ) ዘይተቐየረ ድማ ከምኡ ኢሉ ክቕፅል እዩ፡፡ ተጋሩን ከይድናን‘ውን ናይ‘ዚ ሓደ ኣካል ብምዃኑ ከምዚ ኢልና መፂእና፣ ኣብ‘ዚ ሕዚ ዘለናሉ ብርኪ በፂሕና ኣለና፡፡

 

ማሕበራዊ ቃልስን ለውጥን ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ስለዝኾነ ድማ ሕዚ ዝኒሀናዮ መድረኽ ናይ ባዕሉ ሓይልታት ፈጢሩ ታሪኻዊ ዋሕዙ ኣብ ምፍሳስ ይርከብ፡፡ ኣብ‘ዚ መድረኽ‘ዚ እውን ከም‘ቶም ዝሓለፉ መድረኻት እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ንመዋእሉ ዝውክል ዘሎ ንጡፍን ትኩስን ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ እዩ፡፡ እቶም ካልኦት ተዋሳእቲ ድማ ንዕኡ ማእኸል ገይሮም ዝጓዓዙ ማሕበራዊ ክፋላት ምዃኖም ኣይተርፍን፡፡

 

Videos From Around The World

 

መንእሰይ ትግራይ‘ውን ተፈጥሮኣዊን ባህርያዊን ውርሻ ኮይንዎ ናይ ባዕለይ መስርሕ ለውጢ ክመርሕ እየ ብምባል ናብ መድረኽ ተቐልቂሉ ኣሎ፡፡ ነቲ ዓለምና በፂሕዎ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ ድጂታል ወያነ ብዝብል ምንቅስቓስ ወሊዑ ድማ ኣብ ቃልሲ ይርከብ፡፡ ኣብ ገለገሊኡ‘ውን ነዚ ምንቅስቓስ‘ዚ ሳልሳይ ወያነ ኢሉ እንትፅውዖ ንዕዘብ፡፡ ሳልሳይ ድዩ ሻምናይ ንተመራመርቲ ታሪኽ ገዲፍካ (ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ጊዜ እዩ ወይኑ ስለዝበሃል) ንህዝባዊን ወያናይን ለውጢ ጥራሕ ቆሪፁ ምልዓሉ እኹል እዩ፡፡

 

እዚ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወያነ ብትኽክለኛ መንገዲ ክጓዓዝን ናብ‘ቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ዕላማ (ህንፀት ዴሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ምዕቡል ስርዓት) ምዕዋት ክበፅሕን እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ኣብ‘ዚ ዝዋሳእ ዘሎ ሓይሊ (ብፍላይ መንእሰይ) ንጉዕዝኡ ከዕንቅፉ ዝኽእሉ ሓደገኛ ኣራኣእያታትን ዝንባለታትን ኣለልዩ ብንቕሓት ክቃለሶም ይግባእ፡፡ እዚ ክበሃል ከሎ ግን ትኹረት ዝግበረሎም እዚኦም ጥራሕ እዮም ማለት ኣይኮነን፡፡ ናብ ማሕበራዊ ወያነስ ይትረፍ ካብኡ ቅልል ናብ ዝበለ ለውጢ ክትኣቱ እንተለኻ‘ውን ክትሪኦምን ክተማዓራርዮምን ዝግበአካ ብዙሓት ጉዳያት ከም ዘለዉ ርዱእ ክግበር ኣለዎ፡፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ንናይ ሕዚ መልእኽተይ ካብ‘ዚኦም ኣብ ዝተወሰነ ናይ ኣረኣእያ ጉዳይ ኣድሂበ ቁንጥር ኣቢለ ከቕምጥ ፈቲነ ኣለኹ፡፡ እዚ ድማ ከም‘ቲ ኣብ‘ቲ ርእሲ ተቐሚጡ ዘሎ ኣየናይ እዩ ውጉዝ (ሓራም) ኣየናይ እዩኸ ቅቡል (ሓላል) ብዝብል የቕርቦ ኣለኹ፡፡ እምበኣርከስ ዘላቶ ሸው ዘበለ ጠማዕ ኣይበሃልን‘ሞ ተኸታተሉኒ፡፡

 

  1. ህረፍ (ስስዐ) ስልጣን እቲ ዝኸፍአ ፅላለ î

 

ህረፍ ስልጣን ውልቀ ክብርን ማተርያላዊ ጥቕምን ናይ ምርካብ ድልየት ዘበገሶ የመና ስሱዕ ሽውሃት እዩ፡፡ ህረፍ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ዘልኣለም ምስ ስልጣን ከም ቁርዲድ ክጣበቅ ዝደሊ፣ ነታ ስልጣን ከም ርስቲ ወሲዱ ክሳብ መቓብር ኣይተላቁቁኒ ዝብል‘ዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ንስልጣን ብዝኾነ ዓይነት ዋጋ ክረኽባ ይህንጦ፣ ዋላ ንህዝቢ ናብ ሰፍ ዘይብል ሓደጋ ረኪሱ፣ ዋላ ንሃገር ሸይጡ‘ውን እንተኾነ፡፡ ስለዚ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ብዘየገድስ ናይ ሰልጣን ሽውሃቱ ከርዊ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን፡፡ ስስዐ ስልጣን ዘጥቀዖ ገዛኢ ውልቀሰብ ወይ ሓይሊ ፀረ-ለውጥን ምዕባለን ዝኾነሉ ኩነታት ኣብ ዓለምና ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ፡፡ ሓደ ፈጠራ ወይ ለውጢ ንህዝብን ንዓድን ዝጠቅም ኮይኑ እናሃለወ ግን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንመንበረይ ሓደጋ እዩ ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ነዚ ምዕጋት ጥራሕ እንተይኮነስ ነዚ ዝፈጠሩ ሰባት ክሳብ ምጥፋእ ዝበፅሐሉ ኣጋጣምታት ውሑድ ኣይነበረን፡፡ ብህረፍ ስልጣን ዝዓወረ ሰብ ንኽትእርሞን ክትቃለሶን ኣዚዩ መፀገማይ እዩ፡፡ ብስልጣኑ ንዝመፆ ዳርጋ ብህይወቱ ከምዝመፆ ቆፂሩ ዝኻሓነ ቂም ዝሕዘሉ፣ ሓንሳእ ምስባህረረ ዋላ እቲ ኩነታት ኣብ ዝተለወጠሉ‘ውን ሕዱር ቂም ብምሓዝ ይቕረ ምባል ዘይፈልጥ ወትሩ ሕሙም ዝኾነሉ ኩነታት ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡

 

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ድልየት ስልጣን ግና ኣወንታዊ ባህርያት ከም ዘለውዎ ርዱእ ክግበር ኣለዎ፡፡ ድልየት ስልጣን ኣዎንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ዝገብሮ ቀንዲ ነገር ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣመለኻኽታ እዩ፡፡ ተቓለስቲ ውልቀሰባትን ፓርትታትን ዕላምኦም ንምትግባር ፖለቲካዊ ስልጣን ክቆፃፀሩ ይደልዩ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሮም ክስዕሩ‘ውን ይቃለሱ፡፡ ከምዚ ዝበሉ ሓይልታት ድማ ንስልጣን ከም መተግበሪ ዕላማ ጥራሕ ገይሮም ይወስድዎ፡፡ ንዕላምኦም ባዕሎምን ከምኦም ዝብሉ ሓይልታትን እንተዘይኮይኖም ማንም ክትግብረሎም ስለዘይኽእል ፖለቲካዊ ስልጣን ምዕታር ከም ሓደ ሽቶ ገይሮም ይወስድዎ፡፡ ነዚ‘ውን እዩ ህወሓት ንጨቋኒ ስርዓት ብምውዳቕ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ህዝቢ ዝተደረኸ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምቁፅፃር ዝተቃለሰ፡፡ ሓፋሽ ህዝቢ‘ውን እንተኾነ ላዕላዊ በዓልስልጣን ክኸውን ይደሊ፡፡ ንምንታይሲ ንዘበናት ኣብ ልዕሊኡ ዝተቐመጡ እምባገነናት መራሕቲ ሓሳረ-መከርኡ ስለዘብልዕዎ ነዚ ንምክልኻል ኢሉ፣ ሹመኛታቱ ንምቁፅፃር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክኸውን ይደሊ ጥራሕ እንተይኮነስ ይቃለስ‘ውን፡፡ ሰፊሕ ተርእዮን ዘተኣማምን ቀፃልነት ዘለዎን ኣይኹን’ምበር ህዝቢ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝኾነሎም ኣጋጣምታት ኣብ ዓለምና ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡

 

  1. ባንዳነት ናይ ክሕደት ክሕደት î

 

ባንዳነት ንውልቀ ስልጣንን ማተርያላዊ ረብሓን ኢልካ ብረብሓ ዓድኻን ህዝብኻን ጠላዕ ምፅዋት እዩ፡፡ ብዝኾነ ዓስቢ ተዓዲግካ ምስ ፀላእቲ ወጊንካ ንስርዓት ዓድኻን ንህዝብኻን ብምጥላም ምውጋእ እዩ፡፡ ባንዳ ዓስቡ እንተዘይኮይኑ እዚ ዝበሃል ዕላማ የብሉን፡፡ ዋላ‘ኳ ነዚ ሕማቕ ተግባሩ ጉልባብ ዝኾንዎ ዝተፈላለዩ መደናገሪ ነገራት ዝጥቀም እንተኾነ ብጭቡጥ ቀሊዕኻ እንትረአ ግና ባንዳ ዝበሃል ንግዚያዊ ረብሓ (ንኸብዱ) ኢሉ ረብሓ ዓድን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል ውልቀሰብ ወይ ሓይሊ እዩ፡፡ ባንዳ ናይ ባዕሉ እንተይኮነስ ተዓሲቡ ናይ ካሊእ ሓይሊ ልኡኽ ዝፍፅም እዩ፡፡ ገበን ክሕደትን ጥልመትን ብግልፂ ዝረኣየሉ ተርእዮ እዩ ባንዳነት፡፡

 

ካብዚ ብዝተፈለየ ግን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኻ ምቕያር፣ ሒዝካዮ ዝነበርካ መርገፂ ኣየዋፅእን እዩ ኢልካ ካሊእ እምነት ምሓዝ ግን ካብ ባንዳነት ዝተፈለዩ ጉዳያት እዮም፡፡ ሓደ ሰብ መሲሉ ኣብ ዝተርኣዮ ግዜ ዝነበሮ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ እምነት ክቕየር ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ድማ ባህርያዊ ክስተት እዩ፡፡ ወዲሰብ ኣብ ሓደ እምነት ንዘበናት ኣይፀንሐን፣ ንቕድሚት‘ውን ኣይፀንሕን፡፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ኣብ ኣረኣእይኡ ለውጥታት ምምፅኦም ዘይተርፍ ነገር እዩ፡፡ በዚ‘ውን ኣብ ኣተሓሳስባኻ ብዝረአ ለውጢን ምስ ግዜን ኩነታትን ብዝህሉ ተዛምዶን ዝመፅእ ናይ እምነት ምቕያር ብሓፈሻ ቅቡል እዩ፡፡ እቲ ዝሓዝካዮ እምነት ብኻልኦት ኣንፃር ትኽክል ይኹን ግጉይ ብዘየገድስ ሰብ ብኻልኦት ተዓሲቡ ዘይኮነስ ንቕሓት ሕልንኡ ብዝኣዘዞ መሰረት ዝመስሎ ቅዋምን እምነትን ሒዙ ምስጓሙ ባህርያዊን ቅቡልን ጉዳይ እዩ፡፡

 

  1. በለፅ ካብ ኣድግነት ዝገደደ መንነት î

 

በለፅ ነገራት ግጉያት ምዃኖም እናተረዳእኻ እናሃለኻ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት በደላት እናበፅሐ እናራኣይካ፣ ብፆትካን ህዝብኻን ክረኸብዎ ዝግባእ ስኢኖም እንተፅገሙ እናተዓዘብካ፣ እቲ ኩነታት ንዓኻ ክሳብ ዘይተንከፈን ንስኻ ክሳብ ዘይጎደለካን ሪኢኻ ከም ዘይረኣኻ፣ ሰሚዕኻ ከም ዘይሰማዕኻ  ኣፅቂጥካ ምሕላፍ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ነዚ ናብ ምቅላዕን ናብ ቃልስን እንድሕር ኣትየ እታ ዘላትኒ ቦታን ጥቕምን‘ውን ክስእና ይኽእል እየ ኢልካ ብምስጋእ ዝግበር ኣፅቂጥካ ናይ ምሕላፍ ተግባር እዩ፡፡ ወይ ድማ ንቕድሚት ንእትፅበዮ ውልቀ ማተርያላዊ ረብሓን ስልጣንን ምእንታ ከይኹለፈካ ዝግበር ክሳብ ጭራኻ ምዝራግ ዘበፅሕ ተርእዮ እዩ፡፡ በዚ‘ውን ንጉልበተኛታት ንገበርትን ሓደገትን ኣሜን ኢሉ ዝቕበል መሲልካ ናይ ምሕዳር ሕማም እዩ፡፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣረኣእያ ድማ ኣብ ቃልሲ ዝፈጥሮ ዕንቅፋትን ምድኻምን ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡፡ ካብ‘ዚ ዝነቐለ በለፀኛታት ዝመልእዎ ውድብ ኣሎ እናተብሃለ ብድውሉ እዩ ዝመክኽ፡፡

 

እዚ ከም’ዚ ኮይኑ በለፅን ሞንጎኛ መርገፂ ምሓዝን ግን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ክልተ ሚሒር ኣረኣእያታት ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን ሰባት ሞንጎኛ መርገፂ ክሕዙ ናይ ግድን እዩ፡፡ ናብ መፍትሒ ዘምርሕ እውን  ከምዚ ዝበለ መርገፂ ይኸውን፡፡ ናይ ተፈጥሮ ጉዳይ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ከምዝኾነ ርዱእ ኮይኑ፣ ናብ ማሕበራዊ ሳይንስ እንተመፂእና ድማ ምስ ምንቅስቓስ ማሕበረሰባት ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ብዝገደደ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ እዩ፡፡ ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ክስተታት ብፃዕዳ ወይ ብፀሊም ጥራሕ ክጋሃደሉ ዘይኽእሉ፣ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ተሓዋዊሶም ዝርከቡ (gray area) ኩነታት እዩ ዘጋጥም፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ንምፍታሕ ብዙሓት መማረፅታት ክትእልሽን እቲ ዝሓሸን ዝበለፀን መሪፅካ ክትወስድን ትግደድ፡፡ ስለዚ ንዘሎ ኩነታት ተረዲእኻ መማረፂ መንገዲ ምድላይ፣ ነዚ ዝምጥን ሞንጎኛ መርገፂ ምሓዝ ከም ቅቡልን ግቡእን ተገይሩ ይውሰድ፡፡

 

  1. ሕሶትን ምጭብርባርን ርኹስ ኣመልî

 

ኣብ ሕሶትን ምጭብርባርን ዝነብር ሰብ እዚ ዝበሃል መትከላዊ እምነት ክህልዎ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ሕሶትን ምጭብርባርን ካብ ምንታይ ይብገሱ? ሰብ ሓቂ ተዛሪቡ፣ ብትኽክለኛ መንገዲ ተጓዒዙ ዝደልዮ ክረክብ ዘይኽእል ምዃኑ እንተፈሊጡ‘ሞ ድልየቱ ምቁፅፃር ኣብ ዘይኽእለሉ እዋን (ብምሒር ህርፋን) ናብ ሕሶትን ምጭብርባርን ከም ዝድፋእ ልሙድ ተርእዮ እዩ፡፡ ናይ ሕሶት ፀብፃብ ኣቕሪብካ ካብ ተሓታትነት ትድሕን፣ ኣብ ዘይዓቕምኻ ኣብ ስልጣን ክትነብር፣ ናብ ዝለዓለ ደረጃን ስልጣንን ክትድይብ፣ ኣብዘይ ቦታኻ ክትምደብ ወዘተ… ምድላይ ብተደጋጋሚ ተራእዩ፡፡ ኣብ ክንዲ ብቕንዕና ሰሪሕኻ ኣጭበርቢርካ ዝለዓለ መኽሰብ ክትረክብ ብምድላይ ዝግበሩ ሃተምተማት ቀለልቲ ኣይኮኑን፡፡ ከምኡ‘ውን ዘይግበአካ ጥቕሚ ንክትረክብ ኢልካ ሓሲኻ ምምስካር እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ እዩ፡፡

 

ንዝፀላእኻዮ ሰብ ብግቡእ መንገዲ ክትረትዖን ክትስዕሮን እንተዘይኪኢልካ ድማ ብሓሶት ምፅላም፣ ሽሙን ዘይሽሙን ምልካይ ይረአ፡፡ ኣብ ሰባት ብዝሓደረካ ቅንኢ፣ ወይ ወዲ ሓወቦይ ኢልካ ንዝተመናቐኻዮ ሓሲኻ ምፅላም፣ ሓሲኻ ንስድራ ብምብኣስ ክሳብ ሓዳር ክብተን ምግባር ዝኸይድ ነውራም ተግባራት ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ሓሳዊን መጭበርበርን ፖለቲከኛ ምስዝህሉ እዩ፡፡ እቲ ካብ ፖለቲከኛታት ወፃእ ዘሎ ዘስዕቦ ጥፍኣት ቀሊል‘ኳ ዝበሃል እንተዘይኮነ እዚ ናይ ፖለቲከኛታት ምጭብርባር ግን ንህዝቢ ናብ ቅልውላው ዘእቱ ኢሉ እውን ዓዲ ክሳብ ምፍራስ ዝኸይድ ሳዕቤን የስዕብ፡፡

 

በቲ ኻልእ ገፅ ግን ይትረፍ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ካሊእ መዳይ ህይወት‘ውን ምትዕፅፃፍ ምግባር ብጣዕሚ ኣድላይ ኣምር እዩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ምትዕፅፃፍ ድማ ኣብ ክሊ መትከላዊ እምነት ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣረኣእያታትካ፣ መርገፅታትካ ምስ ግዜን ኩነታትን ተጠዓዒሞም ክጓዓዙ ክትገብር ኣለካ፡፡ ዓለምና ኣዚዩ ሕልኽላኽ ዝመልኣ ስለዝኾነት ፍፁማዊ ሓቂ (Absolute truth) ዝበሃል ነገር ብጣዕሚ መፀገማይ እዩ፡፡ ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ይኹን ካሊእ ዓለማዊ ከይዲ ዝሰርሕ ዘሎ’ውን ተነፃፃሪ ሓቂ (Relative truth) ዝበሃል ኣምር እዩ፡፡ ሓቂ ንበይና ብጥሪኣ ጥራሕ ተወሲዳ ብዜካ ነዚኣ ከውሕጥ ዝኽእል ቅመም ብዙሕ ተምፅኦ ለውጢ የለን፡፡ ሓቂ ተተግቢራ ውፅኢት ከምተምፅእ እንተኾይና ውሕሉልነት ትደሊ እያ፡፡ ኣብ’ዚ ኢድ እግሪ እንድሕር ዘይብልካ ኣብ’ዛ ዘለናላ ዓለም ሓቂ ጥራሕ ሒዝካ ንምዕዋት መፀገማይ ኮይኑ ኣሎ፡፡

 

  1. ቅንኣት መንሽሮ ምዕባለî

 

ቅንኣት ናይ ካልኦት ሰባት ዕብየት፣ ፅቡቕ ዕድል፣ ታሕጓስ፣ ውፅኢት ቃሕ ዘይብለካ ምዃን እዩ፡፡ ናይ ካልኦት ፅቡቕ ነገርን ኩነታትን ኣባኻ ኣሉታዊ ስሚዒት ዘሕድር እንተኾይኑ እዩ፡፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ቅንኢ ዝሓደሮ ሰብ ነታ ቅንኢ ዘሕደረትሉ ነገረ ከጥፍእ ድቃስ ኣይወስዶን፡፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ማእለያ ዘይብሉ ሳሪሃ-ማሪሃ ዝሰርሕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቶም ዝቐንአሎም ሰባት ክሳብ ምጥፋእ ዝኸይድ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ኣይብልን፡፡ ቀናእ ሰብ ሰባት ልዕል እንትብሉ ንሱ ዝወረደ ገይሩ ይወስድ፡፡ ካልኦት ሰባት ዝናን ተቐባልነትን እንትረኽቡ ንሱ ዝናኣሰን ዝተናሸወን ይመስሎ፡፡ ሰባት ሓደሽቲ ምህዞታት፣ ፈጠራታት ሒዞም እንትቕልቐሉ ንምንታይ በለፁኒ ኢሉ ከተዓናቕፎም፣ ክዓግቶምን ከዳኽሞምን ይፅዕር፡፡ በዚ‘ውን ንሓደሽቲ ፈጠራታትን ንምዕባለን ዘይምቹ ዓንቃፊ ኮይኑይርከብ፡፡ ኣብ‘ዛ ዓለም ተወዳዳሪካ ምንባር ስለዘይኾነሉ ድማ ካብኡ ውፅእ ንዝበለ፣ ንዘበለፆ ብኣሽሙር ወዘተ… ከናሹ ይውዕል፡፡ ይበልፀኒ እዩ ንዝበሎ ውልቀሰብ ይኹን ሓይሊ ካብ ዓይኑ ክገልሰሉ፣ እንተተኻኢሉ‘ውን ክጠፍኣሉ ይምነ ጥራሕ ዘይኮነስ ድቃስ‘ውን ይስእን:: ኣላን የላን እትበሃል ሓይሉ ምእንተ‘ዚ የጥፍእ፡፡

 

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ግና ጥዒና ዘለዎ ቅንኢ‘ውን ኣየተስኣነን፡፡ እዚ ድማ ብልሙድ ኣበሃህላ መንፈሳዊ ቅንኢ ኢልና እነቐምጦ እዩ፡፡ ቅኑዓትን ናይ ዕላማ ሰባትን ብዝራኣይዎ ፅቡቕ ነገር መንፈሳዊ ቅንኢ ይሓድሮም፡፡ ነቲ ነዚ ፅቡቕ ነገር ዝሰርሐ ውልቀሰብ ይኹን ሓይሊ ኣዝዮም ይፈትውዎን ምሒር የድንቐዎን፡፡ ካብ‘ዚ ዘተልዓለ ድማ ንዑኡ ክመስሉ፣ ናሃቱ ቅዲ ክሕዙ ይፍትኑ፡፡ ንሶም‘ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ክሰርሑ ወይ ካብኡ ንላዕሊ‘ውን በሊፆም ክርከቡ ላዕልን ታሕቲን ይብሉ፡፡ እዚ ድማ ንውድድርን ስሉጥ ምዕባለን ባይታ ዝፈጥር ይኸውን፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ መንፈስን ኣረኣእያን ኣብ ዘለሉ ማሕበረሰብ ድማ ፈጠራታትን ምህዞታትን ከም ቅንጥሻራ ፈኻሕኻሕ ዝብሉሉ ይኸውን ፡፡

 

  1. ጃምላዊ ፍረጃ ናብ ዝኸሓነ ፅልኢ የምርሕ î

 

ሰባት ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ፈሊጦም (ፖለቲካዊ ወዘተ… መኽሰብ ንምርካብ ኢሎም) ንዝኾነ ዘጋጠመ ክስተት ብጃምላ እንትፍርጁ ንዕዘብ፡፡ እዚ ብኽልተ መልክዕ ክግለፅ ዝኽእል እዩ፤ ብጃምላ ምውዳስ ወይ ብጃምላ  ምኹናን፡፡ ብሓደ ገፅ ካብ ናትካ ዘርኢ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ከባቢ ወዘተ…ሕመቕ እንትፍጠር ምክልኻልን ምፉኻስን ይረአ፡፡ ካብ ናሃተይ እትብሎ ፅቡቕ ዝተሰርሐ ነገር ናይ ዘርእኻ፣ ናይ ብሄርካ፣ ናይ ሃይማኖትካ፣ ናይ ከባቢኻ ወዘተ… ኩሉ ከምኡ ከምዝኾነ ገይርካ ምቕራብ ይዝውተር፡፡ ብኻሊእ ገፅ ድማ ናይ ካሊእ ዘርኢ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ከባቢ ወዘተ… ብውልቀ ሰባት ዝተሰርሐ ፅቡቕ ነገር ከም ናይ ውልቀ ወሲድካን ብዙሕ ትርጉም እንተይሃብካን ብኣንፃሩ ድኽመት እንተጋጠም ግና ናይ ኩሉ ኣምሲልካ ምቕራብን ናይ ኩሉ ጌርካ ምውሳድን ይረአ፡፡

 

ከምዚ ኢሉ ዝመፀ ኣመዛዝና ናብ ፖለቲካ እንትሰግር ድማ ንውዳበታትን ንፓርትታትን ብዓንዲ መመዘኒአን እንተይኮነስ ውልቀሰባት ብዝሰርሕዎ ነገራት ብጃምላ ፈሪጅካ ናብ ምቕማጥ የምርሕ፡፡ ናይ ውልቀ ሰባት ጥንካረን ድኽመትን ካብ ናይ ውዳበኦም ኣጠቃላሊ ኩነታት ፈሊኻ ዘይምርኣይ የጋጥም፡፡ ካብ‘ዚ ዝነቐለ‘ውን ናብ ብጃምላ ምክልኻል ይኹን ምጥቃዕ ዘእቱ ኩነታት ብተደጋጋሚ እንትፍጠር ይረአ፡፡ ኣረኣእያ ጃምላዊ ፍረጃ ብገንኡ እንድሕር ዘይተስተኻኺሉ ከይዱ ከይዱ ናብ ከም ምጥፋእ ዘርኢ ዝኣመሰሉ ኣረመንያዊ ገበናት ዘምርሕ ሓደገኛ ኣረኣእያ እዩ፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ስነ-ኣእሙሮ ህፃናትን መናእሰይን ሰሪፁ ሕዱር ፅልኣት እናፈጠረ ዳሕራይ መእለዪ ዘይብሉ ሓደገኛ ኪሳራታት ከስዕብ ዝኽእል እዩ፡፡ እዚ ካብ ምኽንያታውነት ዝወፀ ጃምላዊ ፍረጃ ንትምክሕቲ፣ ፀቢብነት፣ መኽረራይነት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ከይዱ ከይዱ ድማ ብዕንወት ሃገርን ህልቀት ህዝብን ክሽረፍ ዝኽእል እዩ፡፡

 

እዚ እንትበሃል ግና ጃምላዊ ከይኸውን ኢልካ ናይ ዕስለ ኣተሓሳስባ ሱቅ ኢልካ ምርኣይ ማለት ኣይኮነን፡፡ ውልቀሰብ ብዝኣበሰ ናብ ዘርኢ፣ ከባቢን ሃይማኖትን ክጣበቕ የብሉን ማለት ዳኣ‘ምበር ብዕስለ ዝፍፀሙ ግጉያት ነገራት ሸለል ኢልካ ምርኣይ ማለት’ውን ኣይኮነን፡፡ ጌጋታት ብውልቀሰብ ይፈፀሙ፣ ብብዙሓት (ብሓፋሽ) ካብ ጌጋታት ምዃኖም ዓዲ ኣይውዕሉን፡፡ የግዳስ ጌጋታት ብሓፋሽ እንትፍፀሙ ሳዕቤኖም ክንዲ ፈፀምቶም ገዚፍ ከምዝኸውን ርዱእ እዩ፡፡ ንጌጋታት ኣትሪርካ ምቅላስ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ክግበር ዘለዎ ግቡእ ነገር እዩ፡፡ ብፍላይ ተቓለስቲ ሓይልታት ካብ በለፅን ህዝበኛነትን ወፂኦም ትኽክለኛ መንገዲ ከትሕዙ፣ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ተሪሮም ክቃለሱ ኣለዎም፡፡ ምእንተ‘ዚ እውን ዝኾነ ዋጋ (መስዋእቲ) ንምኽፋል ድልዋት ክኾኑ ይግባእ፡፡ ዋላ‘ኳ ሓፋሽ ህዝቢ ኣብ ኩነታት ሆይሆይታ ዝጠሓለሉ እዋን ንምእላዩ ዘፀግም እንተኾነ ዘይሩ ዘይሩ ዝተጋገየ ሓፋሽ‘ውን ካብ ተሞክሮኡ ምምሃሩን ናብ‘ቲ ትኽክለኛ መንገዲ ምምፅኡን ዘይተርፍ እዩ፡፡

 

  1. መጠቓለሊ፡-

 

እዞም ኣብ ሕድሕድ ነጥቢ ዝረኣይናዮም ክልተ ኣረእያታትታት ኩልሻዕ ኣብ‘ቲ ሕብረተሰብን ኣብ ውዳበታቱን ዘለዉ እዮም፡፡ ክልቲኦም ኣረኣእያታት ብሓባር ተሳንዮም ብሰላም ክነብሩ ስለዘይኽእሉ ድማ እቲ ሓደ ኣረኣእያ ነቲ ካሊእ ተፃራሪኡ ስዒሩ ልዕልነት ከረጋገፅ ስለዘለዎ እዞም ኣረኣእያታት ብሰባት ተወኪሎም ኩልሻዕ ኣብ ፍሕፍሕ ዝነብሩ እዮም፡፡ በዚ‘ውን ናይ ሕብረተሰብ ይኹን ናይ ውዳበታት ምንቅስቓስ በብወቕቱ ኣብ ጥዒናዶ ኣሎ የለን ንዝብል ጉዳይ ኣየናይ ኣረኣእያ እዩ ልዕልነት ሒዙ ዘሎ ዝብል ዝውስኖ ይኸውን፡፡

 

ብፍላይ ናይ‘ቲ ውጉዝ ኣረኣእያ መበገሲ ውልቀ ድልየትን ረብሓን ጥራሕ ስለዝኸውን ብዙሕ ግዜ በቲ ሓፋሽ ተቐባልነት ስለዘይረክብ፣ ነዚ ውልቀ ሽውሃት ንምምላእ ውልቀሰባት ካብ ቁፅሮም ንላዕሊ ሓይሊ ምእንታ ክፈጥሩ ዝተፈላለዩ መንገድታትን ውዳበታትን ከምዘጥቀሙ ርዱአ ጥራሕ እንተይኮነስ ታሪኽ ጉዕዞ ወዲሰብ ዘረጋግፆ ሓቂ እዩ፡፡ በዚ‘ውን ሰባት ነዘን ውልቀ ረብሓታትናን ድልየታትናን የማልኣ እየን ዝብልወን ኣረኣእያታት ናብ ተግባር ንምሽራፍ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ጥቐመኒ-ክጠቕመካ መርበብ (ኔትዎርክ) ክዝርግሑ ይግደዱ፡፡ በዚ መርበብ‘ዚ ኣቢሎም ንቲ ሓፋሽ ብምድንጋርን ዓፊኖም ብምሓዝን ንውልቀ ረብሐኦም እንትረባረቡ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተራእዮም እዮም፡፡ ሎሚ ሎሚ ድማ ብምዕባለ ቴክኖሎጂ እናተሓገዙ ነዚ ተግባር‘ዚ ከም ዋና መሳርሒ እንትጥቀሙ ብግልፂ ይረአ ኣሎ፡፡

 

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ፀገማት ንብዙሓት ቃልስታት ገና እንተይጀመሩ ክቑፀዩ፣ ምስዳር ዝጀመሩ‘ውን ሰንደልደል ኢሎም ክወድቁ፣ መዓት ፈተናታት ሓሊፎም ናብ ዓወት ዝበፅሑ ድማ ኣብ ከይዲ በስቢሶም ናይ መወዳአታ ውፅኢቶም ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ ዝገበራ እየን፡፡ ብሚልዮናት ዝቑፀር ናይ ህዝብታት መስዋእቲ በለል ክተርፍ‘ውን   ገይረን፡፡ ነዚ ዝገልፅ ናይ ዓለምና ኣብነታት ድማ ብርክት ዘበለ ኮይኑ ይርከብ፡፡

 

ኣባና‘ውን እቲ መስተንክራዊ ታሪኽ እናሰርሐ ዝመፀ ውድብ ህወሓት ኣብ ከይዲ በዘን ዝተጠቐሳ መብዛሕተአን ዘንባዕ ኣረኣእያታት እናተለኸፈ፣ ውሽጡ ቁንቁነ እናበዝሖ ብድውሉ እንተሎ ሮኽመሽ ክብለሉ ዝኽእል ኩነታት ዳርጋ ተፈጢሩ ነይሩ፡፡ ብኽንደይ መስዋእትነት ዝዓተሮም መሰረታዊ ዓወታት ብፀሓይ ቀትሪ ካብ ኢዱ ዝምንጠለሉ፣ ካብ ዝለዓለ ብራኸ ኣንከራርዩ ታሕቲ ዝወረደሉ ኩነታት በፂሑ፡፡ ንህዝቢ መሪሑ ክንደይ ዓቐበት ዝወፀ ውድብ፣ ከቢድ ፀልማት ጋሊሁ ዝቐንጠጠ ውድብ ሎሚ ናይ ምምራሕ ዓቕሙ ተሰንኪሉ ኣብ ጓጓ ህዝቢ ኮይኑ ህልውንኡ ዳግም ንምርግጋፅ ኣብ ተንከርከር ይርከብ፡፡

 

ብደረጃ ኢህኣዴግ እንትረአ ድማ እቲ ኣዚዩ ዝበዝሕ ኣመራርሓ ናይ’ቲ ግንባር በተን ዝተጠቐሳ ኩለን ግጉያት ኣራኣእያታት ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ተኣዚኹን ተጨማሊቑን፣ ወያናይ ልምዓታዊ ልጓሙ በጢሱ ናብ ደንበ ፀረ-ህዝቢ ተፀንቢሩ ይርከብ፡፡ ካብ’ዚ ዝነቐለ እቲ ሕዚ ልዕልነት ረኺቡ ዘሎ ሓዱሽ ኣመራርሓ ጨና ወያናይ ዴሞክራሲ ካብ’ቲ ግንባር ሓጢጡ ንምድርባይ ሕርዲግ ይብል ኣሎ፡፡ በዚ’ውን ሃገርና ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ናብ ዘይትፈልጥ ፖለቲካዊ፣ ኤኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ኣትያ ኣላ፡፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይተርኣየን ተደፊሩ ዘይፈልጥን ላዕላውነታ ሕዚ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወረደሉ፣ ናይ ፖሊሲ ነፃነታ ተጋሂሱ ብናይ ወፃኢ ሓይልታት ዝዝወረሉ ኩነታት ጋህዲ ኮይኑ ይረአ፡፡ እዚ ዘስዓቦ ማእለያ ዘይብሉ ፀገማት ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተሸኪሙዎ ኣሎ፡፡ ናይ ዘበናት ጭቆናን ውርደትን ቀንጢጣ ሓዱሽ ምዕራፍ ነፃነትን ዕብየትን ብምኽፋት ቁመናኣ ምቕያርን ተሰማዕነታ ምዕባይን ጀሚራ ዝነበረት ሃገር፣ ሎሚ ጉዕዞኣ ከም ሽንቲ ጊመል ንድሕሪት ተመሊሱ፣ ሃላዋታ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ሞትን ምፍንቓልን ህዝብታታ ዕለታዊ ተርእዮ ዝኾነሉ ግዜ በፂሕና ኣለና፡፡

 

 

ሳዕቤን ናይ’ዞም ዘንባዕ ኣረኣእያታት ብሓፂሩ ከም’ቲ ዝተገለፀ ኮይኑ ናይ እዚኦም ተሸካሚን ተዋሳኣይን መን እዩ ዝብል ምርኣዩ ድማ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ ካሊእ ተደናጊሩ ኣብ ዘይቦትኡ ዝኣቱ ሰብ የለን’ኳ እንተዘይተብሃለ በዘን ናይ ኣራኣእያ ሕማማት ዝልከፉ ብዋናነት እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖሚን ሊሂቃን እዮም፡፡ ንምንታይሲ፣ ወድዓዊ ቦቶኦም ናብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ልክፍቲ ብጣዕሚ ዝቐረበ ስለዝኾነ፡፡ እዞም ሊሂቃን ነዘን ኣራኣእያታት እዚአን ሒዞም ሓቢሮም ወይ ተፈላልዮም ዝኸድሉ ኩነታት የጋጥም፡፡ እዚአን ሒዞም ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣለና ወይ ድማ ንውልቃዊ ድልየትና ዘዕንቅፈና ናይ ሓባር ፀላኢ ኣለና ኢሎም ኣብ ዝሓስብሉ እዋን ብሕብረት ዝኸድሉን ዝነብሩሉን ኩነታተ ኣሎ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ግን እዚአን ንዐዖም’ውን መን ዝላዓለ ተረባሓይ ኮነ ናብ ዝብል ምንጥል ዘእትወኦም ስለዝኾና መብዛሕትኡ ኣብ ቅርሕንትን ሽኩትን ዝነብሩሉ ግዜ እዩ ዝረአ፡፡ ካብኡ ሰጊሩ’ውን ነንሕድሕዶም ናብ ምብልላዕን እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ዘወግደሉን ዘጥፈአሉን ኣጋጣሚታት ኣብ ታሪኽ ዓለምና ልሙድ ተርእዮ እዩ፡፡ በዚ’ውን እዩ ድማ ዓለምና እናተሓመሰት ዝምፀት፤ ብፍላይ ድማ ከም ኣፍሪቃ ዝበላ ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ዝርከባ ኣህጉራት ካብ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ዓዲ ውዒለን ዘይፈልጣ፡፡

 

ነዘን ኣረኣእያታት እዚአን ከይተቖፃፀርካ ሰላምን ልምዓትን ዝበሃል ነገር የለን፡፡ እዚአን ሓድነት ህዝብታት ዝብትና፣ ጠንቂ ምዝራግ ሰላምን ዕንቅፋት ልምዓትን ዝኾና ፀገማት እየን፡፡ ትምክሕቲ፣ ፀቢብነት፣ ኣኽራርነት ወዘተ… በዚአን ጉልበት ረኺቦም ስርዓትን ዓድን ዘጥፍኡሉ ኩነታት ከም ዝፍጠር ሎሚ ዳርጋ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ፡፡ በዚአን ምኽንያት ኣካብነት ክራይ ገቢሉ፣ መቆፃፀሪ ልጓም ዝሳኣነ ተሓዚ ዘይብሉ ባርዕ ኮይኑ ናብ መውፅኢ ዘይብሉ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሕምስምስ ኣእትዩ ሃገራት ክብተና ይገብር ኣሎ፡፡ ስለዚ ቅኑዕ ዕላማ ሒዘ እየ ዝብል ወገን፣ ንህዝበይ ረቢሐ ክርባሕ እየ ዝብል ኣካል ብሙሉኡ እቲ ዝሓሰቦ ቅዱስን ሰናይን ዕላማ ናብ ተግባር ተሸሪፉ ውፅኢት ምእንታ ከምፅእ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ፀገማት ኣረኣእያ ኣትሪሩ ክኹንነንን ክቃለሰንን ይግባእ፡

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *