Home / Uncategorized / ንእሽተይ ተሞክሮ [ንትግራይ] ካብ ንእሽተይ ሃገር – ዴንማርክ

ንእሽተይ ተሞክሮ [ንትግራይ] ካብ ንእሽተይ ሃገር – ዴንማርክ

ብ ዳዊት ሃይለ (ምሁር ስነ-ቑጠባ) dawith1972@gmail.com

ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UN) በብዓመቱ ኣብ ዘውፅኦ ናይ ዓለም ናይ ሓጎስ ሪፖርት (World Happiness Report) ዴንማርክ ንሳልሳይ ጊዜ ካብ ዓለም ሕጉስቲ ሃገር (The happiest country) ክብል ሰምይዋ እዩ (ብናይ ስፖርት ቋንቋ: ሃትሪክ ሰሪሓ)፡፡ ምስቲ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ (ግዝኣት ካሊፎርኒያ) ዝርከብ ዲዝኒላንድ ዝተበሃለ ፍሉጥ ማእከል መዘናግዒ ኣወዳዲሮም ከዓ “ይቕሬታ ዲዝኒላንድ! ኣብ ልዕሊ መሬት እታ ሕጉስቲ ቦታ ዴንማርክ እያ” ክብሉ ጋዜጠኛታት ዓለም ፀብፂቦሞ እዮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ’ውን ኣብ ናይ ተወከልቲ ህዝቢ መደርኦም ካብ ሕርሻ ተበጊስካ ሃገር ክቕየር ከምዝኽእል ንዴንማርክ ከም ኣብነት ፀሪሖማ እዮም፡፡

እዛ ብስፍሓታ ካብ ትግራይ ብንእሽተይ እትንእስ፣ ብበዝሒ ህዝባ ከዓ ክንዲ ትግራይ እትኸውን ሃገረ ዴንማርክ ከመይ ኢላ’ባ ቀልቢ ዓለም ክትስሕብ ከኣለት? ዕድል ገጢሙኒ ዕድል ትምህርቲ ረኺበ ኣብ ዴንማርክ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ፃንሒት ገይረ ነይረ፡፡ ኣብ ፃንሒተይ ብዓይነይ ብምዕዛብን መፃሕፍቲ ብምንባብን፣ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያውን ምዕባለ እታ ሃገር ክርዳእ ፈቲነ ነይረ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ውራይና ኣብ ዝወፀ ፅሑፈይ ከም ዝገለፅግክዎ ክልል ትግራይ ኣብ ክሊ ዓባይ ሃገረ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ደኣምበር ከም ቀራን ከፍቲ ኣብ ዝዋጋእ ቀርኒ ኣፍሪካ ንእሽተይ ዓዲ ኮይና ክሪኣ ኣይደልን – እዝኒ ሰይጣን ደኣ ይደፈን እምበር፡፡ ትግራይ ከም ክልል ነቲ ገጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ሰጊራ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ረብሓኣ ንምርግጋፅ ኣብ እትገብሮ ቓለሲ ግን ካብ ዴንማርክ ብዙሕ እትመሃሮ ነገር ኣለዋ ኢለ ይሓስብ፡፡ ትግራይ፣ ክልል ደኣ’ምበር ከም ዴንማርክ ሃገር ኣብዘይኮነትሉ፣ ናይ ባዕላ ፖሊሲ ክትሕንፅፅ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ምስ ዴንማርክ እንታይ ዘመሳስል ነገር ኣለዋ ክትብሉ ከም እትኽእሉ ይግምት፡፡ ዴንማርክ ስፋሓታን በዝሒ ህዝባን ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዝቀራረብ፤ ካብ ህዝባ ንላዕሊ እትምከሐሉ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘይብላ ሃገር እያ፡፡ ምስ ጎረባብታ ሓያሎ ተፃብኦታትን፣ ግዝኣታ ዝቖራመሙ ውግኣት እንተሕለፈት’ውን፣ ንጎረባብታ ‘ድሕሪ ሕዚ ኣይደልየኩምን’ ኢላ፣ ገዝኣ ዓፅያ፣ ዓርሰይ ክኽእል እየ ኢላ ኣይቆዘመትን (autarky ኣይመረፀትን)፡፡ ዶባ ጋሕ ኣቢላ ዕዳጋኣ ክተስፍሕ ምእንታ ከኽእላ ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ክትከውን መሪፃ እያ፡፡ ስለዚ እዩ ከዓ ዴንማርክ ናይ ባዕላ ጉዳይ ባዕላ እትውስን ሃገር ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ምስቲ ምኳና ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ፖሊሲ ጉዳያት፣ ውሳነ ካብ ብራሰልስ እትፅበ ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ዝኾነት ሓንቲ ክልል ጌርና ክንወስዳ’ውን ንኽእል ኢና፡፡ ብሓፈሻ ግና ንዴንማርክ ዝሓረኽዋ ካብ ካልኦት ብዝበለፀ መልክዑ ንትግራይ ትፀጋጋዕ እያ ኢለ ዘይኮንኩስ ካብኣ እንመሃሮ ነገር ኣይሰኣንን ኢለ ብምሕሳብ ምኳኑ ክትርዱእለይ ይደሊ፡፡ ፈረንጂ ኣብ ዝገየሹ ገይሾም ክምለሱ እንተለው እታ ዝረአይዋን ዝሰምዕዋን ደቂ ዓዶም ምእንቲ ክመሃሩላን ኣብ ወረቐት የስፍርዋ፡፡ እንተ ንሕና ግን “ዓሻን ወረቐትን ዝሓዞ ኣይሰድድን” ከምዝበሃል እታ ኣባሃህላ ኢና ከም ዓሻ ዘይሰደድናያ’ምበር እንተ እታ ኣብ ወረቐት ናይ ምስፋር ልምድስ ገና ኣይሓዝናያን ኢለ ይፈርሕ፡፡

ቀፂለ ምስ ዴንማርክ ከላልየኩም ክፍትን እየ’ሞ ካብ ዴንማርክ እንታይ ክንመሃር ንኽእል ብዝብል መንፈስ ክተንብቡለይ ተስፋ እገብር፡፡

 

 

  1. ህንፀት ሃገረ ዴንማርክ

ዴንማርክ ከም ሃገር ዝተመስረተትሉ ብኸባቢ 9ይ ክፍለ-ዘበን ከምዝኾነ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ፡፡ ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ዘበን (Medival period) ዴንማርክ፣ ኖርወይን ስዊድንን ብሓባር ‘ካልማር ዩኒየን’ (Kalmar Union) ዝበሃል ልሕሉሕ ፌደሬሽን (loose federation) መስሪተን ኣብ ትሕቲ ናይ ዴንማርክ ንጉስ ክመሓደራ ፀንሓ፡፡ እዙይ ክገብራ ዝተገደዳሉ ምኽንያት ከዓ ብገፅ ደቡብ ካብ ጀርመን ንዝመፀን ተፃብኦ ንምክልኻል ዓቕሚ ምእንታ ክረኽባ እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ሃገር ናይ ምምስራት ራእይ ሰኒቑ ዝተበገሰ እዚ ፕሮጀክት፣ እተን ሃገራት ነንርእሰን ብዝገበረኦ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ክፈርስ ክኢሉ እዩ፡፡ ኣብ 14ተ ክፍለ-ዘበን ስዊድን ካብቲ ሕብረት ብምውፃእ ልኡላውነታ ኣዊጃ፡፡ ዴንማርካውያን ግን ነዚ ስለዘይተቐበልዎ ስኮነላንድ (Skåneland) ዝበሃል ደቡባዊ ክፋል ስዊድን ንከምልሱ ውግእ ኣካይዶም ከይተሳኸዐሎም ተሪፉ እዩ፡፡ ቀፂሉ ከዓ ኖርወይ ብ1814 ዓ.ም. ካብ ዴንማርክ ተነፂላ ምስ ስዊድን ሕብረት ፈጠረት፡፡

ናይ ዴንማርክ ምሽርራፍን ምንኣስን ግን ኣብዚ ኣየብቀዐን፡፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 19ተ ክፍለ-ዘበን ጀርመን ተዋሂዳ ከም ሃገር ቆይማ፡፡ ነዚ ውህደት ዝመርሖ Iron Chancellor እናተበሃለ ዝፅዋዕ ዝበረ ኦቶ ቮን ቢስማርክ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣታት ዴንማርክ ዓይኑ ኣዕረፈ፡፡ ሰበብ ክድርድር ድሕሪ ምፅናሕ ከኣ ዴንማርካውያንን ጀርመናውያንን ዝነብሩለን ሼልስዊግን ሆልስታይንን ዝበሃላ ክልተ ግዝኣታት ብሓይሊ ገቢቱ ወሰደን፡፡ ድሕሪ እዙይ ከዓ ዴንማርክ ካብ ትግራይ ብንእሽተይ እትንእስ መሬት ሒዛ ክትተርፍ ተገደደት፡፡

ብ1848 ዓ.ም ሃገራት ኣውሮፓ ሕመቕ ኣገዛዝኣ ነገስታት ብዘስዐቦ ህዝባዊ ናዕቢ ክናወፃ ጀመራ፡፡ ኣገዛዝኣ ነገስታት ዘንገሽገሾም ህዝብታት ነፃነቶም ደልዮም ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዓመፁ፡፡ ናይ ውሽጢ ሽግሮም እሂን ምሂን ተባሂሎም ብምፍታሕ ዝፍለጡ ዴንማርካውያን ግን ድምፂ ጥይት ከየስምዑ ስግግር ፓለቲካ ከካይዱ ክኢሎም እዮም፡፡ ተወከልቲ ናይቲ ህዝቢ፣ ስልጣን ናይቲ ንጉስ ዝግድብን፣  ሕገ-መንግስታዊ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ (Constitutional monarchy) ንኽምስረት ዝሓትትን ሓሳብ ሒዞም ናብ ንጉስ ፍሬደሪክ ቐረቡ፡፡ እቲ ህዝቢ ዕንወት ካብ ዘስዕብ ናዕቢ ስለዝተዓቀበ፣ ንጉስ ፍሬደሪክ’ውን ስልጣኑ ብህዝቢ ንዝተመረፀ ፓርላማ ከረክብ ስለዝተሰማመዐ ከኣ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ስግግር ክግበር ከኣለ፡፡ እቲ ለውጢ ደልዩ ናብ ጎደናታት ኮፐንሃገን ዝወፀ ህዝቢ ተወከልቱ ምስቲ ንጉስ ዝገብርዎ ምይይጥ ብትዕግስቲ ክፅበ ድሕሪ ምፅናሕ ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብፀጋ ተቐበሎ፡፡ እቲ ዝገርም ከኣ ካብ ካልኦት ከተማታት ኣውሮፓ ብዝተፈለየ መልክዑ እቲ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ወፅዩ “ነዊሕ ዕድመ ንንጉስና!” እናበለ ይጭርሕ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ፡፡ ንጉስ ፍሬደሪክ’ውን ሳላ ብሰላም ስልጣኑ ዘረከበ ደቂ ደቁ ክሳብ ሕዚ ተኸቢሮም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ይነብሩ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ “ውረድየ ከይትዋረድየ” ክብለካ እንተሎ ቀልጢፍካ እልይ ምባል’ውን ናይ ለባማት እዩ፡፡ ፍፁም ሰላማዊን ጥበብ ብዝተመልኦን መንገዲ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ገፁ ስግግር ዘካየደ ህዝቢ ዴንማርክ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሽግሩ ናብ ምፍታሕ ገፁ ኣዞረ፡፡

ዴንማርክ ካብ ጎረባብታ ዝበፅሓ ተፃብኦታት ግን እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዩ ጥራሕ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሂትለር እትምራሕ ጀርመን ንዴንማርክ ወሪራ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ኣመሓዲራታ እያ፡፡ ኮይኑ ግና ንጀርመን ዘለዎም ፅልኣት በቢኣጋጣሚኡ ዝገልፁ ኣኽረርቲ ፖለቲከኛታት ክሳዕ ሕዚ እኳ እንተሃለዉ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዴንማርክ ምስ ኩሎም ጎረባብታ ሰላማዊ ርክብን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ክትፈጥር ክኢላ እያ፡፡ ዴንማርክ ምስቲ ፀባብ ምኳና ዜጋታታ ሰፋሕቲ ዕዳጋታት ጎረባብቶም መዝሚዞም ምእንታን ክጥቀሙ፣ ተማሃሮ ዴንማርክ ካብ ዴኒሽን እንግሊዝኛ ቋንቋን ወፃእ ካብ ጀርመንኛን ፈረንሳይኛን ሓዲኡ ቋንቋ መሪፆም ይመሃሩ እዮም፡፡

ዝሓለፈ ታሪኽካ መፃኢኻ ክውስን ኣይትፍቀደሉ (“Don’t let your past define you’’) ከምዝበሃል ዴንማርካውያን ብዝሓለፈ ውድቀታት ሞራሎም ክደሃል ኣይፈቐዱን፡፡ እኳ ደኣስ ብስፍሓት መሬትን ተፈጥሮኣዊ ሃፍተ-ገነትን ክምክሑ ከምዘይኽእሉ ቁርፆም ፈሊጦም፣ እቲ ሓደን መማረፂ ዘይብሉን ሓይሊ ሰቦም (Human capital) ፀንቂቖም ክጥቀሙ ዓርሶም ኣእመኑ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣትዋሉ ኩነታት ተፈጢሩ ይርከብ፡፡ ነዚ’ዮ ከዓ “ምንኣስና እዩ ዓበይቲ ክንኮን ዝገበረና” (Smallness is what made Denmark great) ኢሎም ዴንማካውያን ክዛረቡ ዝስምዑ፡፡

  1. ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ዴንማርክ (The Danish Way of Parenting)

ነገር ቆልዑ ደኣ ኣብዙይ እንታይ ኣምፀኦ ከምዘይትብሉኒ ተስፋ እገብር፡፡ “ቆርበት ብርሕሱ ቆልዓ ብንኡሱ” ከምዝበሃል ንቖልዑ ጠመተ ዘይትህብ ሃገር፣ ንመፃኢኣ ዘይትግደስ ሃገር እያ፡፡ ኔልሰን ማንዴላ ሓደ ግዘ ከምዝተዛረብዎ “ሓቀኛ መንነት ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ክትፈልጥ እንተደኣ ደሊኻ፣ ደቁ ከመይ ገይሩ ከምዝኣሊ ጥራሕ ረአ” (The true character of a society is revealed in how it treats its children)

ዴንማርካውያን ወለዲ ቆልዑ ኣብ ግዘ ቁልዕነቶም (overprogram ክይኮኑ) እናተፃወቱ፣ ብፀወታ ኣቢሎም ከኣ ክመሃርዎ ዘለዎም ነገራት ከመሃሩ ኣለዎም ኢሎም ይኣምኑ፡፡ ንዴንማርካውያን ወለዲ “ፀወታ፣ ቆልዑ ወሳኒ ትምህርቲ ዝረኽብሉ መንገዲ እዩ” (‘For children, play is serious learning.) ዴንማርካውያን ወለዲ ደቆም ካብ ዘየድሊ ፅዕንቶ ናፃ ኾይኖም ሓደሽቲ ነገራት ዝፍትኑ ተባዓት (independent and adventurous) ክኾኑ እናበረታትዑ የዕብይዎም፡፡ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ናይ ዴንማርክ ትዕዝብታ እንትትገልፅ ከምዚ ትብል፡ ‘‘ዴንማርካውያን ቆልዑ በብመዓልቱ ዝገብርዎም ድፍረት ዝተመልኦም ነገራት ንኣሜሪካውያን ወለዲ ርእሶም ኣትሒዙ ዘእዊ እዩ፡፡ (‘‘Every day Danish children do things that would send most American moms running after their children yelling.’’) ብቑልዕነቶም ሓመሳ ንኽለምዱ፣ እንትወድቁ ከኣ ‘ወደይ፣ ወደይ’ ኢሎም ከይደንገፁ ባዕሎም ክትንስኡ ብምግባር፣ ወዲቖም ተሲኦም ብኣካላዊ ብቕዓት ደልዲሎም ክዓብዩ የበረታትዕዎም። ከም ኣተሓሳስባ ዴንማርካውያን ወለዲ፣ ደቀይ ደስ ዘይብል ነገር ከጓንፎም የብሉን፣ ዝብል ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ምሕብሓብ (Overprotectiveness) ዕቤት ውሽጣዊ ስምዒት ቆልዑ የሰናኽል እዩ (Protecting kids from all unpleasant feelings stunts their emotional growth)፡፡

ዴንማርካውያን ወለዲ ደቆም ንመሓዙኦም ዋጋ ክህቡ፣ ውፅኢቶም ብውልቀ ዘይኮነስ ብናይ ሓባር ውፅኢት ክልክዑ የተባብዕዎም፡፡ ሓደ ሓደ ግዘስ ናይ ካሊእ ዜጋ ድሕንነት ጥራሕ ዘይኮነስ ሓልዮት እንስሳ’ውን ምእንታ ክሓድሮም ጥዑይ ባኒ ካብ ሱፐርማርኬት ገዚኦም ንኣዕዋፍን ዳክየታትን ክህቡ ይገብርዎም፡፡ ምስ ኣናእሽቲ ደቆም ዝንቀሳቐሱ ወለዲ ምስ እትርኢ ንደቆም ከም ዓብይ ሰብ ቆፂሮም፣ ኣንደበቶም እንከየኮላተፉ ቁምነገር ከዛርብዎምን ክመኽርዎምን ምርኣይ ዝተለመደ እዩ፡፡ ወለዲ ንደቆም ገና ካብ ሓደ ዓመቶም ጀሚሮም ናብ መውዓሊ-ህፃናት ክሰድዎም ስለዝግደዱ፣ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ መማህራን እቶም ቆልዑ ሕጊ መኽበርቲን ሓለይቲ ዜገኦምን ክኾኑ ይገንሕዎም፡፡ ኮታስ ዴንማርካውያን ወለዲን መንግስቲ ዴንማርክን ቆልዑ ኣብቲ መብዛሕትኡ ፀባዮምን መንነቶምን ዝህነፀሉ (formative years) ጠመተ ገይሮም ስለዝሰርሑ መፃኢ ሃገሮም ኣብ ውሑስ ኢድ ክህሉ ኣኽኢልዎም እዩ፡፡

  1. ኣዋህባ ትምህርቲ ኣብ ዴንማርክ

ብትምህርቲ ዝተሃነፀትን፣ መዓርነት ዝዓሰላን ዴንማርክ ኣብ ምቕራፅ ዓቢ ፅዕንቶ ከም ዘሕደረ ዝንገረሉ ብሞይኡ ቀሺ፣ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ፣ ገጣሚ፣ መምህርን ፖለቲከኛን ዝነበረ ካብ 1782-1873 ዓ.ም. ዝነበረ ኒኮላይ ግሩንቪግ (Nikolaj Grundtvig) ዝበሃል ዴንማርካዊ እዩ፡፡ ግሩንቪግ “ናይ ሓፋሽ ኣብርሆት” (Enlightenment of the people)፣ “ትምህርቲ ንሂወት” (Education for Life) ዝብሉ ጭርሖታት ተሓንጊጡ፣ ዜጋታት ብትምህርቲ ተሃኒፆም ዕድሎም ባዕሎም ክውስኑ ይግባእ ኢሉ ይኣምን ነይሩ፡፡ ግሩንቪግ  ካብ ተግባር ዝተፋተሐ ትምህርቲ (Dead Learning) ኣዐርዩ ይቃወም ነይሩ፡፡ መፃሕፍቲ ፅቡቕ’ውን ተኾኑ፣ ፅንሰ-ሓሳብ (Theory)፣ ብተግባርን  ብልምዲን ክድገፍ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ነበረ፡፡ ተመሃሮ ውፅኢት (ማርኪ) ጥራሕ ዝእክብሉ ዘይኮነስ፣ ዜጋታት ሕብረት (Socialize) ዝገብርሉ፣ ነንሕድሕዶም ዝፋለጥሉ፣ ተሞክሮ ዝለዋወጥሉ፣ ሓልዮት ደቂ ዓዶምን ፍቕሪ ሃገሮምን ዘዕብይሉ፣ ሰብኣውነት ዝተላበሰ ስርዓተ ትምህርቲ ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ነበረ፡፡ ተመሃሮ፣ ታሪኽ ሕሉፍ ወለዶ ክመሃሩ ብምግባር ዓርሰ-እምነት ክሓድሮምን ብሓደ መንፈስ ንናይ ሓባር ዓላማ ክነጥፉ ምግባር ይከኣል’ዩ ኢሉ ይኣምን ነይሩ፡፡ በዚ መስርሕ ዝሓለፈ ወለዶ ጥራሕ’ዩ ነቲ ፖለቲካ ካብ ስረ-መሰረቱ ክቕይሮ ዝኽእል ኢሉ ይኣምን ነይሩ፡፡

እቲ ድኻ ክፋል ማሕበረሰብ ካብቲ ላዕለዋይ ክፋል ማሕበረሰብ ብዘይነኣኣስ መልክዑ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጡ ዘቐመጦን ክምዝምዞ ዘለዎን ክእለት ኣለዎ ይብል፡፡ እናዓበየ ዝመፀ ድሌት ዲሞክራሲ ንምምላእ እቲ ድኻ ማሕበረሰብ ብዘማእኸለ መልክዑ ኣተሓሳስባ ግሩንቪግ ዝትግበረለን ናይ ህዝቢ ቤት-ትምህርታት (folk high schools) ምኽፋት ኣድላይ ኮይኑ ተረኸበ፡፡ ፍልጠት ተመሃሮ ብፈተና ኣብ ምልካዕ’ውን ግሩንቪግ ብዙሕ እምነት ኣይነበሮን፡፡ ፈተና ቀያዲ ሓደሽቲ ምህዞታት ስለዝኾነ ንተመሃሮ ማርኪ (ናይ ፈተና ውፅኢት) ምሽላም ኣየድልን፤ እቲ ዝዓደግዎ ፍልጠት ባዕሉ እኹል ሽልማት እዩ ይብል ነበረ፡፡ ብሓፈሻ፣ ትምህርቲ ናይ ሓታታይነት መንፈስ ንምሕዳር፣ ፈጠራ ንምብርትታዕ፣ ፍቕሪ ሃገርን ሓልዮት ካልኦት ዜጋታትን ንምዕባይ ዓቢ እጃም ከምዝፃወት ዝገልፅ ናይ ግሩንቪግ ኣተሓሳስባ ነዛ ናይ ሕዚ ዴንማርክ ኣብ ምፍጣር ኣወንታዊ ፅልዋ ኣሕዲሩ እዩ፡፡

  1. ምኽክር (Consultation)፣ እንካ-ሃባ (Compromise)፣ ስምምዕነት (Consensus building) ዝዓሰሎን ካብ ሙስና ዝነፅሀን (Least corrupt) ፖለቲካ

ዴንማርክ እትኽተሎ ስርዓት ምምሕዳር ፓርላሜንታዊ ክኾን እንከሎ ተወክልቲ ህዝቢ ወንበር ፓርላማ ዝሕዝሉ ስርዓት ከዓ ተመጣጣኒ ውክልና (Proportional representation) ይበሃል፡፡ እዙይ ከዓ ንሕና ካብ እንኽተሎ First-past-the-post ካብ ዝበሃል (ብዙሕ ሰብ ዝመረፆ ወንበር ዝሕዘሉ፣ እቲ ካሊእ ድምፂ ግን ዋጋ ዝስእነሉ) ኣካይዳ ብመሰረቱ ይፍለ እዩ፡፡ ኣብ ተመጣጣኒ ውክልና እቲ መረፃ ንምክርቤት ተወከልቲ ህዝቢ እንተደኣ ኾይኑ መረፅቲ ዝሃብዎ ድምፂ ብሃገር ደረጃ ምስተደመረ ውድባት ዝረኸብዎ ድምፂ ህዝቢ ብፐርሰንት እናተ’ሰለዐ ወንበር ተማቒሎም ናብ ፓርላማ ዝኣትውሉ ስርዓት እዩ፡፡ ኢህአዴግ ብድምሩ 58% ድምፂ ህዝቢ እንተደኣ ረኺቡ 319 (58% x 550) ወንበር ጥራሕ ደኣ ይሕዝ እምበር 100% ወንበር ንበይኑ ክሕዝ ኣይፍቀደሉን፡፡ እቲ ኻሊእ ጥቕሚ ከዓ ሓደ ውድብ ዋላ ክሳዕ ክንድቱይ ተፈታዊ ኣይኹን፣ ንሓንቲ ወንበር ዝበፅሓ 100,000 ዝኣክል ድምፂ ብድምር እንተደኣ ረኺቡ ሓንቲ ወንበሩ ዝኸልኦ የለን፡፡ በዚ መስርሕ እዚ ዳርጋ ኩሎም ውድባት ዴንማርክ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብ ፓርላማ ተወከልቶም ኣቐሚጦም ይመያየጡን ይካትዑን፡፡ በዚ ኣካይዳ እዚ ዘይተወከለ ህዝቢን ዘይተሰምዐ ድምፂን ክህሉ ኣይኽእልን ማለት እዩ፡፡

ኣብ ዴንማርክ ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ልዕሊ ፍርቂ ወንበር (majority seat) ዘሸነፈ ዋላ ሓደ ውድብ የለን፡፡ ሓደ ውድብ በይኑ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎ ድምፂ ስለዘይረክብ ከኣ ምስ ካልኦት ዝመስልዎ ውድባት ልፍንቲ (ጣምራ) መንግስቲ ክምስርት ይግደድ፡፡ እዙይ ከዓ ሓደ ሕጊ፣ ሕጊ ኮይኑ ቅድሚ ምውፅኡ ብዙሕ ምይይጥ፣ ክትዕን እንካ-ሃባን ክግበረሉ የገድድ፡፡

እዙይ ክብል ከለኹ ግን እቲ ናይ ዴንማርክ ስርዓተ-መረፃ ናይ ባዕሉ ድኽመት የብሉን፤ እቲ ንሕና እንኽተሎ ዘለና ስርዓት’ውን ምንም ጥቕሚ የብሉን ክብል ደልየ ኣይኮንኩን፡፡ ምስቲ ናይ ቦታ ፅበት ክትንትኖ ኣይከኣልኩን’ምበር ናይ ክልቲኡ ስርዓተ-መረፃ ጥንቁርን ድኹምን ጎንታት ኣመልኪቱ ብዙሓት መፅናዕትታት ተኻይዶም እዮም፡፡

እቲ ኻሊእ መግለፂ ዲሞክራሲ ዴንማርክ፣ ንቑሕን ዝተወደበን ማሕበረሰብ (vibrant civil society) ምህላዉ እዩ፡፡ ዴንማርካውያን ክፈጥሮም እንተሎ ምውዳብ ስለዝፈትዉ ከዓ ከምዚ እናተብሃለ ይቕለድ፡ ‘‘ክልተ ዴንማርካውያን ተራኺቦም ኣብ ሓንቲ ሓሳብ እንድሕር ተስማዕሚዖም ሽዑ ንሽዑ ማሕበር ተመስሪቱ ኣሎ ማለት እዩ፤ ሰለስተ እንተደኣ ኮይኖም ከኣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጀሚሮም ኣለዉ ማለት እዩ’’ (If two Danes meet and agree on a certain idea, it is called an association…if there are three, it is people’s movement.) ኣብ ፅላል ፖለቲካዊ ውድባት ዝተወደበ ህዝቢ ጥራሕ ለውጢ ከምፅእ ከምዘይኽእል ዝተረድኡ ዴንማርካውያን ካብ 100,000 ንላዕሊ ሲቪክ ማሕበራት ክምስርቱ ክኢሎም እዮም፡፡ ከም ዴንማርካውያን፣ ዕቤት ዲሞክራሲ ዝልካዕ ብበዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይኮነስ፣ ዝተመሃረን ዝነቐሐን ህዝቢ በብዝመስሎ ሓሳብ በብዝደለዮ ዓይነታት ውዳበ ተወዲቡ ምስዝቃለስ እዩ፡፡

  1. ኢኮኖሚያዊ መዓርነትን ማሕበራዊ ምትእምማን ዝተዋሃዶ ማሕበረሰብ

ናይ ዴንማርክ ኢኮኖሚ ናፍቲ ሕዚ ዝበፅሖ ብርኪ ምዕባለ ክበፅሕ ዝኸኣለ ካብ ሕርሻ ተበጊሱ እዩ፡፡ ግን ከኣ ኣብ ዝተበታተኸ መሬት ዘይኮነስ፣ ሓረስቶት ብማሕበር (Cooperatives) እናተወደቡን ካፒታል እናዋህለሉን ምዕባለ ካሊኦት ዘፈራት ከበረታትዑ ስለዝኸኣሉ እዩ፡፡ ኣዚ ሕዚ እዋን Maersk ዝተበሃለ ኩባንያ መርከብ ፣ Lego ዝተበሃለ ሕድ ሕድ ገዛ ምዕራባውያን ዝኣተወ መፍረይ መፃወቲ ቆልዑ፣ Carlsberg ዝተበሃለ ፍሉጥ ፆሟቒ ቢራ፣ Danish Crown ዝኣመሰለ ፍሉጥ መፍረይ ውፅኢት ስጋ፣ Vestas ዝተበሃለ መፍረይ መመንጨዊ ሓይሊ ንፋስ ካብቶም ብዴንማርክ ዝውነኑ ህቡባት ኩባንያታት ዝተወሰኑ እዮም፡፡ ንኽገርመኩም፣ ከባቢ 5.7 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ዴንማርክ ኣብ ዓመት ከባቢ 28 ሚልዮን ሓሰማታት ተፍሪ፣ ኣብ ዓመት ክሳብ 20 ሚልዮን ሓሰማታት ሓሪዳ ከዓ ናብ ከባቢ 140 ሃገራት ሰደድ ትገብር፡፡ ብበዝሒ ህዝቢ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ከባቢ 5%፣ ብስፍሓት ከዓ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ከባቢ 4% እትኸውን ሃገረ ዴንማርክ፤ ምስ ኢትዮጵያ ክትነፃፀር እንተላ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ዝዛይድ ኢኮኖሚ ኣለዋ፡፡

ክሳዕ ክንድዚ ሃፍቲ ዘለዋ ዴንማርክ፣ ዕድመ ነቲ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስናኣ (social welfare) ዜጋታታ ብማዕረ ዝነብሩላ (the most equal society) ተባሂላ ክትፅዋዕ በቒዓ እያ፡፡ ፓለቲካዊ ውድባት ዴንማርክ ኣብ ብዙሕ ነገር ዘይክሰማዕምዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝፀንሐ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስና (social welfare) እናፀገንካ ኣብ ምቕፃል ግን ብርግፀኝነት ዳርጋ ኩሎም ይስማዕምዑ እዮም፡፡ ዕዳጋ ተጠቒሞም ዘፍረይዋ ዓባይ እንጀራ (National cake) ምስቶም ኣብ ዕዳጋ ብማዕረ ተሳቲፎም ዕለታዊ ቐለቦም ክረኽቡ ዘይኽእሉ ኣረጋውያን፣ ስራሕ-ኣልቦ፣ ሕሙማትን፣ ኣካለ-ስንኩላትን ሓራሳትን ተማቒሎም ክበልዑ ከምዘለዎም ይረዳድኡ እዮም፡፡ እቲ ዋና ኣፈላላዮም ሰብ ናይ ምስራሕ ወ’ንኡ ከይዳኸምን ፅግዕተኛ ከይኾንን ከመይ ጌርና ነካይዶ ኣብ ዝብል እዩ፡፡ እዚ ስርዓት Flexicurity እናተበሃለ ይፅዋዕ፡፡ ምስ ዕዳጋ ዝለዋወጥ (flexible) ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ከይዲ፣ እቲ ዕዳጋ ዝተፍኦም ዜጋታት ናይ ምንባር ውሕስነኦም (security) ዘረጋግፀሎም ስርዓት እዩ፡፡

እቲ ማሕበራዊ ውሕስና ዝጠልቦ ወፃኢታት ንምምላእ ምእንታ ክትክእል ዴንማርክ ካብቶም ዝለዓለ ግብሪ ዘኽፍሉ ሃገራት ተሰሊፋ እያ፡፡ ወዲ ድኻን ወዲ ሃፍታምን ካልኣይ ብርኪ ወዲኦም ናብ ዩኒቨርሲቲ እንትኣትዉ፣ መንግስቲ ንኽልቲኦም ብማዕረ መንበሪ ገዛ ሂቡ ወፃኢኦም ሸፊኑ የምህሮም፡፡ ኣዶ እንተወሊዳ ሓደ ዓመት ሙሉእ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ምስ ደሞዛ ይወሃባ፡፡ ካብ ስራሕ ዝተቐነሰ ዜጋ ካሊእ ስራሕ ክሳዕ ዝረክብ መንግስቲ ይጥውሮ፡፡ ዴንማርካውያን ዝኸፍልዎ ዝለዓለ ግብሪ ዘይሩ ዘይሩ ውሕስና ዜጋታቶም ኣብ ምርግጋፅ ስለዝውዕል ሕጉሳት እዮም፡፡ ዴንማርካውያን ሃፋትም ፋብሪካታቶም ነቒሎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እንተዝኸዱ ብዙሕ ከምዘትርፉ’ውን ተፈለጡ፣ ህዝቦም ክጎድኡ ስለዘይደልዩ ኣብ ዓዶም ኮይኖም ምስራሕ ይመርፁ፡፡

ካብ ሃገሮም ሕ’ልፍ ዝበለ ሃፍቲ ዝወነኑ ዴንማርካውያን እንተሃለው’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ድኻታት ክወራዘዩ ምፍታን ኣብ ዴንማርክ ብጣዕሚ ነውሪ እዩ፡፡ ክሳዕ ዝደለኻዮ ሃፍቲ ይሃሉኻ፣ ክሳዕ ዝደለኻዮ ብርኪ ትምህርቲ’ውን ብፃሕ፣ ‘ረኣዩኒ ረኣዩኒ’ ፣ ‘ስገዱለይ ስገዱለይ’ እንተብዚሕካ ካብቲ ማሕበረሰብ ትግለል ኢኻ፡፡ ዴንማርካውያን ካብ ካልኦት ከምዘይትንእስ፣ ግን ከኣ ካብ ካልኦት ከምዘይትበልፅ ብዘየማትእ መንገዲ ይነግሩኻ፡፡ ዴንማርካውያን “ፍሉይ እየ ኢልካ ኣይትሕሰብ”፣ “ካባኹም ንላዕሊ ፈላጥ እየ ኢልካ ኣይትሕሰብ” ዝኣመሰሉ ‘ሕጊታተት ያንተ’ (Law of Jante) ዝበሃሉ ዓሰርተ ዘይተፀሓፉ ሕግታት ኣለወኦም እናተብሃሉ ይሕመዩ እዮም፡፡ ንዴንማርክ ሓዊሱ ስካንዲኔቪያን ዓድታት ቅልል ዝበለ ናብራ ናይ ምንባር ጥበብ (Simplicity/modesty) ተዋሂድዎም እዩ፡፡ ብጣዕሚ ኣድላይ ተዘይኮኑ፣ መኪና ምግዛእ እናኸኣሉ’ውን ነቲ ከቢድ ቁሪ ተፃዊሮም ብሽክለታ ምዝዋር ይመርፁ፡፡ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን 63% ኣባላት ፓርላማ ብብሽክለታ ካብ/ናብ ስርሖም ይመላለሱ ነይሮም፡፡ ዓብይን ንእሽተይን፣ ሃፍታምን ድኻን፣ ዝተመሃረን ዘይተመሃረን ብማዕረ ብብሽክለታ ኣፍታ መንገዲ ስለዝራኸቡ ከዓ ብሽክለታ መርኣያ ዲሞክራሲ (The bicycle democracy) እናተበሃለ ይፅዋዕ፡፡

ዴንማርክ ካሊእ እትፍለጠሉ ነገር ማሕበራዊ ምትእምማን (Social trust) እዩ፡፡ ማሕበራዊ ምትእምማን ማለት ሓደ ሰብ ንሓደ ረኺብዎ ዘይፈልጥ ወዲ ዓዱ ክሳዕ ክንደየናይ ይኣምኖ ዝብል መለክዒ እዩ፡፡ ሓደ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ 88.8% ዴንማርካውያን ንካሊእ ጋሻ ሰብ ክኣምኑ ከለዉ፤ ብተነፃፃሪ 48.7% ኣሜሪካውያን ጥራሕ ንካሊእ ጋሻ ሰብ ይኣምኑ፡፡ ሱፐርማርኬታት ዴንማርክ ብዘይ ናይ ስለያ ካሜራ ዕዳገአን ከካይዳ፣ ደቂ ኣንስትዮ ለይቲ ክዘናጋዓ ኣምስየን ብሽክለታ እናዘወራ ንገዝአን ክኸዳ፣ ኣደታት ደቀን ኣብ ናይ ቆልዓ መጓዓዓዚ ጋሪ፣ ኣብ ደገኣፍ ገዲፈነኦ ናብ ሹቕ ክዕድጋ ክኣትዋ ምርኣይ ዝተለመደ ተግባር እዩ፡፡

ሓንቲ ዴንማርካዊት ከምዚ ትብል፡ ‘‘ጎረቤትና ልክዕ ከማና ግቡእ ግብሪ ይኸፍል እዩ ኢልና ንኣምን ኢና፡፡ ጎረቤትካ ግቡእ ግብሪ ኣይኸፍልን ዘሎ ኢልካ ተኣሚንካ ንስኻውን ዝግበአካ ግብሪ ኣይትኸፍልን፡፡ ማሕበራዊ ምትእምማን ንኩላትና ኣተኣሳሲሩ ዝሓዘና መጣበቒ (glue) እዩ፡፡ ብኻሊእ ኣበሃህላ ማዓርነት ምርግጋፁ፣ ዜጋታት ንሕጊ ተገዛእቲ (law-abiding) ምኳኖም፣ መጠን ገበን ትሑት ምኳኑን፣ ግልፅነትን ተጠያቕነትን ዘለዎ ካብ ብልሽውና ዝነፅሀ ኣሰራርሓ ምህላዉ ዜጋታት ነንባዕሎም ክተኣማመኑን ኣብ ልዕሊ መንግስቶም እምነት ክሓድሮምን ኣኽኢልዎም እዩ፡፡

 

 

መደምደምታ

ኣብ ላዕሊ ከምዝገለፅክዎ ትግራይ ምስ ምንኣስ ስፍሓታን በዝሒ ህዝባን ኣብ ክሊ እዛ ሃገር ረብሓኣ ንምርግጋፅ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ካብ ዴንማርክ እትመሃሮ ብዙሕ ቁም ነገር ዘሎ ይመስለኒ፡፡ ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሑሱ ከም ዝበሃል መሰሉን ግቡእን ዝፈልጥ፣ ብኣእምርኡ ዝበርተዐን፣ ብኣካላዊ ቁመንኡ ዝተርነዐን፣ ንዓርሱን ንነብሱን ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቡን ንሃገሩን ዝሓሊ፣ ዘይኣምነሉ ነገር ዝሓትትን ወለዶ ንምፍራይ ኣብ ቆልዑ ኣተዂርካ ምስራሕ ከድሊ እዩ፡፡ ትምህርቲ’ውን ብመሰረቱ መፃኢ ሃገር ዝውስን፣ ወለዶ ዝቕረፀሉ ዓቢ መሳርሒ ደኣምበር ፊደል ትቖፅረሉ፣ ሰርተፊኬት ትሕዘሉን፣ ስራሕ ትቑፀረሉን ጥራሕ ጌርካ ምውሳድ ግጉይ ኣረኣእያ ይመስለኒ፡፡

ንኡሽተይ ክልል እንኾይንካ ሰፋሕቲ ዕዳጋታት ጎረባብትኻ ንንግዲን ንኢንቨስትመንትን ክትጥቀም ትግደድ ኢኻ፡፡ ነዙይ ከዓ’ዮ ዴንማርካውያን ነቶም ንዘመናት ዝተዳመይዎም ጎረባብቶም ከይተረፉ ዶቦም ጋሕ ኣቢሎም ከፊቶም ቋንቆኦም እናተመሃሩ ተተሓሒዞም ክዓብዩ ዝሰርሑ ዘለዉ፡፡

ካብ ደገ ዝመፅኡና ተፃብኦታት እንብድሆም እሂን ምሂን ተባሂልና ምስ እንሰርሕ ጥራሕ እዩ፡፡ ካብ ደገ ዝመፀካ ተፃብኦታት ፈሪሕኻ ገዛ ዕዮኻ ካብ ምስራሕ ዕሽሽ ምባል ኣይከዋፅእን፡፡ ብሓደ ውድብ ጥራሕ ዝውከል ህዝቢን ዝፍታሕ ሽግርን ስለዘየለ፣ ዘይኣነ ካሊእ ዘዋፅአካ የለን ምባል ገዲፍና ወዓል ሕደር ከይበልና ኩሉ ዘሳተፈ ምይይጥ ክነካይድ ይግባእ፡፡ ዴንማርካውያን ናብ ዲሞክራሲ ገፆም ስግግር ዝገበሩላ ጥበብ ንዓና’ውን ተድልየና ትመስል፡፡ ንሓዋሩ ግን ትምህርቲ ክኾነና ዘይተመሃረ፣ ዘይነቐሐን ዘይተወደበን ህዝቢ መልሓሶም ናይዘብልሑ ቁሩብ ፖለቲከኛታት መጥቀሚ ካብ ምኳን ሓሊፉ ርኡይ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን፡፡

ፍትሓዊ መቐሎ ዘይብሉ ዕቤት ናብ ዘይተደለየ ወንጀልን ብልሽውናን ስለዝመርሕ ካብ ብሕዚቱ ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ፡፡ ግቡእ ግብሮም ዘይኸፍሉ ወደላት ሃፋትም ወጋሕ ትበል ለይቲ እናሳዕስዑ፣ ዝተረፈ ክፋል ማሕበረሰብ ብጥሜት ከብዱ እናሓኸኸ ዝሓድረሉ ኣካይዳ ክህሉ ኣይግባእን፡፡ መንግስቲ ባዕሉ ፍትሓዊ መቐሎ ሃፍቲ ከካይድ ተዘይክኢሉ ከምቲ እንሪኦ ዘለና ሰብ ብኢደወነኑ ሃፍቲ ክማቐል ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይክውዕልን፡፡ ከተማታት ትግራይ ኣብ ማእኸል ሃገር ከይተረፈ ብሰላም ይፍለጣ ከምዘይነበራ፣ ሕዚ ሕዚ ፅልምት እንተይላ ሽጓሽጎ ምእታው ኣሸጋሪ እናኾነ ይኸድ ኣሎ፡፡ በቢቐበሊኡን ቤትፅሕፈታትን ኬድካ ጅቧኻ ሃሰስ ተዘይልካ ጉዳይካ ክውደአልካ ምሕሳብ ከቢድ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ፡፡

ብሓፈሻ ካብ ዴንማርክ እንመሃሮ ከም ንእሽተይ ክልል ኣብ ክሊ እዛ ሃገር ረብሓና ንምርግጋፅ ፆታ ከይፈለየ ዓቕሚ ሰብና ፀንቂቕና ምጥቃም ከምዝግበአና እዩ፡፡ ኣብ ቆልዑ ጠመተ ጌርና ምስራሕ፣ ትምህርቲ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ንምቕራፅ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል፣ ‘ባዕለይ ይፈልጠልካ’ ዘይብሉ ‘ህዝቢ ዝረብሖ ይፈልጥ እዩ’ ብዝብል ኣተሓሳስባ ምንቅስቓስ፣ መዓርነትን ፍትሓዊ መቐሎን ዘለዎ ዕቤት ምርግጋፅ፣ ምስ ጎረባብትና ብሰላምን ብስኒትን ተጎራቢትና ሓቢርና እንዓብየሉ ባይታ ምጥጣሕ ትኹረት ክወሃቦ ዝግበኦ ዛዕባ ይመስለኒ፡፡ ሚኢቲ፣ ክልተ ሚኢቲ ዓመት ልምዲ ዘለወን ሃፋትም ሃገራት እናምፃእኻ ደኣ ታይ ግበሩ ትብለና ከምዘይትብሉኒ ተስፋ ይገብር፡፡ ኣጀኹም ደቂ ዓደይ! ካብ ቀዳሞት ክንመሃሮ ዝግበአና ተማሂርና፣ ናሃቶም ስሕተት ተዘይደጊምና (latecomer’s advantage) ክንዲ’ቲ ንዐኦም ዝወሰደሎም ግዘ ኣይክወስደልናን፡፡

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *