Home / Uncategorized / ብሄራትን ባህልታትን ኢትዮጵያ፤ ፀረ-ኣክሱማዊ ስልጣነ/ትግራዋይነት

ብሄራትን ባህልታትን ኢትዮጵያ፤ ፀረ-ኣክሱማዊ ስልጣነ/ትግራዋይነት

 ገ/መድህን ሮምሃ (ዶ/ር)
Email: gromha1983@gmail.com

መእተዊ

 

ኣብ ዓለም ኣብ ሞንጎ ሃገራት/ህዝቢታት ዘሎ ናይ ስልጣነ ፍልልይ፤ ንጎንፅን ኹናትን ምንጪ ብምዃን ንብዙሓት ናይ ህልቂት ምኽንያት ኾይኖም እዮም፡፡ ንኣብነት ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም፡፡ ብተወሳኺ፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ውሽጢ ዘለው ብሄር ብሄረ ሰባት፤ ብምኽንያት ናይ ስልጣነን ካልኦት ከባቢያዊ ባህልታትን ናይ ጎንፅን ኹናትን መልዐሊ ብምዃን፤ ከምእኒ ዩጎስላቪያን ሶቬት ሕብረት እውን ፈራሪሰን እየን፡፡  ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ባህላዊ ጎንፂ እናተበራኸቱ ሓደገኛ እናኾኑ ይመፁ አለው፡፡ ኣብ ቀፃሊ ናይ ጎንፂ መልዐሊኦም ምኽንያታት ካብ ቁጠባ ወይ ርእዮተ ዓለም ብዝበለፀ ባህሊ ክኸውን እዩ፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ባህላዊ ግጭት ድማ ኣብ ሞንጎ ብሄር ብሄረ ሰባት ዘሎ ናይ ስልጣነ/ባህልታት አፈላላይ ይኸውን፡፡ ድሕሪ ኹናት ዓለም ህዝቢታት ንክከፋፈሉን ንክሓብሩን ዓብይ ተራ ዝተፃወተ ባህሊ እዩ፡፡ ብርእዮተ ዓለም ተኸፋፊሎም ዝነበሩ ህዝቢታት ብባህሊ ሓደ እንተኾይኖም ናብ ሓደ መፂኦም እዮም ወይ ክሓብሩ ክኢሎም እዮም፡፡ ንኣብነት ክልቲኦም ጀርመን፡፡ ናይ ባህሊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ብቁጠባን ብፖለቲካን ይተሓባበሩ፡፡ ንኣብነት ተመሳሳሊ ባህሊ ብዘለዎም ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ዝተመስረተ ኣውሮፓ ሕብረት ብጣዕሚ ውፅኢታዊ ዓለም ለኻዊ ውድብ እዩ፡፡ ብባህሊ ተፋላልዮም ዝነበሩ ህዝቢታት ብርእዮተ ዓለም ናብ ሓደ እንተተጠርኒፎም፤ ወይ ከም ሶቬት ሕብረትን ዩጎስላቪያን ይበታተኑ ወይ ድማ ከም ዩክሬንን ናይጀርያን ኣብ ውጥረት ይኣትው (ሳሙኤል ሃንቲንግተን ከምዝፀሓፎ፤ 1996)፡፡

 

ናይ ህዝቢታት ናይ ሓባር መንነት ክህነፅ ዝኽእል፤ ካብ ፍልመ-ፍጥረታዊ (primordial)፤ ዜግነታው (civil)ን ‘‘ሳክራል’ (sacral)ን መንነት ኮይኑ፤ ዕውት ሃገራዊ ህንፀት ዘካየደት ሃገር፤ ህዝባ፤ ከከምኩነታቱ ናይዞም ስለስተ ወይ ክልተ ነገራት ዝተወሃሃደ መንነት ክህልዎ ናይ ግድን ከምዝኾነ (ኤይሰንስተድት፤ 2003 ዓ.ም.ፈ)፤ ኣብ መበል 56 ሕታም ተገሊፁ ኔሩ፡፡ እቶም ቀንዲ ናይ ሓባር መንነት ዝፈጥሩ ድማ ቋንቋን ሃይማኖትን እዮም (ሃንቲንግተን፤ 1996 ዓ.ም.ፈ)፡፡ ኢትዮጵያ፤ ብዙሓት ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝቢታትን ዝሓቖፈት ሃገር እያ – እቶም ብሄረ ሰባት ድማ፤ ሓደ፤ ኲሎም ብሄራት/ክልላት ተናሕናሕቲ እዮም፤ ማለት እውን እቶም ክልላት ዓበይትን ናይ ባዕሎም ፍሉይ መለለዪን ዘለዎም እዮም፡፡ ክልተ፤ ናይ ስልጣነን ፍልልይ ኣለዎም፡፡ ስለዝኾነ፤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብሄረ ሰባት፤ ናይ ሓባር ብሄራዊ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ፈጢርካ ሃገር ንምህናፅ ከምዘፀግም ተገሊፁ እዩ፡፡ ሳሙኤል ሃንቲንግተን (1996 ዓ.ም.ፈ)፤ ኣብ ‘The clash of civilizations and the remaking of world order’ ዝብል መፅሓፉ ከምዝፀሓፎ፤ ሰፊሕ ፍልልይ ዘለዎም ብሄረሰባት ብሓደ ዝጠርነፈት ሃገር፤ ‘cleft country (ነቓዕ ሃገር)’ ብምባል ይገልፃ፡፡ ሃንቲንግተን  ንኢትዮጵያ ኣብ ከምዚአን ዝኣመሰላ ሃገራት ይምድባ፡፡ ናይተን ዝፈረሳ ሃገራት፤ ሶቬት ሕብረትን ዩጎስላቪያን ኣየጠራጥርን፡፡ ኣብ ዝነቕዐት ሃገር (cleft countries)፤ ናይ መንነት ጉዳይ ከቢድ ምዃኑ ድማ፤ ሳሙኤል ሃንቲግተን ይሕብረልና – Identity issues are, of course, particularly intense in cleft countries that have sizable groups of people from different civilizations (Orthodox Christian, Islamic, etc). Deep divisions are, however, much more likely to emerge within a cleft country where large groups belong to different civilizations.  ኣብ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ሞንጎ እቶም ብሄራት ዘሎ ፍልልይ፤ ዓሚቝን ሰፊሕን ስለዝኾነ፤ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ስግኣት ኮይኑ ይነብር፡፡ ባዕሎም ንባዕሎም ኣብ ዘይዛሪ ኹናትን ጎንፅን ተኣጂሎም ይነብሩ ኣለው፡፡ መብዛሕቲኦም ብሄራት፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ኦርቶዶክሳዊ መበቈል ዘለዎ ኣክሱማዊ ስልጣነ የነፃፅሩ፡፡

 

ነቲ ኦርቶዶክሳዊ መበቈል ዘለዎ ኣክሱማዊ ስልጣነ ንምጥፋእ ድማ፤ ክልተ ዋና ዋና ስትራተጂካዊ መንገዲታት ክጥቀሙ ይፍትኑ፡፡ (፩) ካብቲ ናይቲ ስልጣነ በዓል ዋና ዝኾነ ማሕበረ ሰብ ብምንጣቕ፤ ነቲ ስልጣነ ንምውናን ዝግበር ፃዕሪ እዩ፡፡ (፪) ዝተፈላለዩ ባዕዳዊ ባህልታት ናብቲ ከባቢ ንክስፋሕፍሑ ብምግባር፤ ነቲ ኣክሱማዊ ስልጣነ/ባህሊ ኣወጊዶም ኣብ ትግራይ ባህሎም/መንነቶም ንኽተኽሉ ዝካየድ ፈተነ እዩ፡፡

 

፩) ባህሊ/መንነት ትግራዋይ ምምንጣል

ነቲ ኣክሱማዊ ስልጣነ ካብ ትግራዋይ መንጢልካ ንምውናን ወግሐ ፀብሐ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ፡፡ መንነት ትግራዋይ ምምንጣል ዝግበር ቃልሲ፤ ብመሪሕነት ኣምሓሩ ምሁራንን ኢሊትን ዝካየድ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እውን፤ ‘ኦሮማራ’ ዝብል ሕጋዊ ስም ተዋሂቡዎ ኣሎ፡፡ ኦሮማራ ብግልፅን ብድብቕን ብቐንድነት ብኣምሓሩ ኢሊትን ምሁራትን እንትምራሕ፤ ንተኣማንነቱ ተባሂሉ ግን፤ ኣብ ቕድሚት ኮይኖም ዝጕስጒሱን ዘለዓዓሉን ናይ ክልቲኡ ብሄር ዲቓላታት እዮም፡፡ እቲ ናይ ንጥቅያ ፈተነ፤ ብኽልተ መልክዕ ይካየድ – ሓደ፤ ናይ ሰሎሞናዊ ስርወ-መንግስት ከምዋና ምስክርነት ብምቕራብ፤ ነቲ ጂዶ-ኦርቶዶክሳዊ መበቈል ስልጣነ ናይ ባዕሎም ኣምሲሎም ነበራያነበረ ብምፅሓፍ እዩ፡፡ ስለዝኾነ፤ ንትግራዋይ፤ ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ተጠቃምነት ብምግላል፤ ኣሰር ከይገደፈ ኣብ ትሕቲኦም ካብ ምውሃድ ኣማራፂ ከምዘይብሉ ይነግርዎ፡፡ ክልተ፤ ነቲ ናይ መጀመርያ ስለዘይቕበሎም፤ ንትግራዋይ ብምጥፋእ ነቲ ስልጣነ ምውናን ዝካየድ ወፍሪ እዩ፡፡ ብሓፈሻ፤ ምውሃድን/ምውሓጥን/ ዘርኢ ምጥፋእን (assimilation and ethnic cleansing) ስትራተጂ ዝኽተል ናይ ሃገራዊ ህንፀት ከይዲ ምዃኑ እዩ፡፡ እዚ ድማ ብትምክሕተኛታት ኣምሓራ እናተመርሐ፤ ኣብ ኢትዮጵያ፤ ንኸባቢ ሓደ ምኢቲ ዓመታት ተፈቲኑ ዝኸሸፈ ከይዲ እዩ፡፡

 

እቲ ናይ ትምክሕተኛታት ፕሮጀክት ካብዞም ዓበይቲ ወይ ተናሕናሕቲ ዝበሃሉ ብሄራት ዓብይ ዕንቅፋት ዝገጠሞ እንትኸውን፤ እቲ ዝጠንከረ ግን ካብ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ጨቋኒ ስርዓት ዘውደቖ እውን ኣብ ትግራይ ብዝተመስረተ ብረታዊ ቃልሲ ዝምራሕ ብዝነበረ ሓይሊ እዩ፡፡ እዞም ናይ ምውሃድ ፕሮጀክት ሒዞም ዝተበገሱ፤ ሕዚ እንደገና ጠጢዖም፤ ንህዝቢ ትግራይ “ብቑፅርኻ ውሑድ ስለዝኾንካ፤ ባህልኻን መንነትካን ገዲፍካ፤ ንዓና መሲልካ ተገዛእ” ይብልዎ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ “ቅድሜኹም ዝተፈጠረን ናይ ኢትዮጵያ መግለፂ ዝኾነን ባህሊ መበቈሉ ኣብ ኣክሱም/ትግራይ ስለዝኾነ፤ እንተተኻኢሉ ንስኹም ንዓና ምሰሉ እንተዘይኮይኑ ድማ ንናይ ባዕልና ሒዝና ንንበር” ብዝብል ስምዒት ተሪሩ ይቃለሶም ፀኒሑ እዩ፤ ሕዚ እውን ይቃለሶም ኣሎ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ፈተናታት ተኻይድሉ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፣ እንዳርጋቸው ፅጌ፣ ብእስክድር ነጋን መሳይ መኰነንን ዝተነድፈ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ፕሮጀክት፤ ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ዘኽፈሎን የኽፍሎ ዘሎን እዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብቑፅሪ ውሑድ ምዃንን፤ ብወያነታት ሓሊፉ ናይ ኣክሱም ስልጣነ በዓል ዋና (core state) ስለዝኾነ ድማ ብባህሊ ምዕቡል ምዃንን ምስ ካልኦት “ንሕና ንበልፅ” በሃልቲ ኣብ ቑፅሪ ዝኣምኑ ብሄረሰብ ዘተዓርቕ ኹነታት ዝህሉ ኣይመስለንን፡፡

 

፪) ባዕዳዊ ባህልታት ኣንፃር ትግራዋይነት

 

1) ጁዳይዝም (ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት)፡- ብዮዲት (ጒዲት) ዝምራሕ፤ ካብ 841-882 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊ ኣክሱማዊ ስልጣነ ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ መንነት ፀቕጢ ዝፈጥር ኣይኮነን፡፡

 

2) ኣኽራሪ እስልምና፡-  እስልምና፤ ኣብ ኣክሱማዊ ክርስትና፤ ኽልተ ኣምር (dual conceptualization) ኣለዎ፡፡ (ሀ) ኣክሱም ብ7 ክ/ዘበን ኣብ ፀገም ወዲቖም ዝነበሩ እስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ብለበዋ ነቢይ መሓመድ ብሰላም ተቐቢላ ዘጋየሸቶምን፤ እቲ ሕዚ ‘ነጋሽ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ንክነብርሉን ሃይማኖታዊ ተግባራት እውን ብናፅነት ንከኻይድሉ ዝፈቐደትሎምን ስለዝኾነት፤ ኣብ ፈተውቲ ይምድብዋ- ኣብቲ እዋን፤ ነዚ ተግባር ዘፈፀመ ንጉስ፤ ንጉስ ኣርማህ ይበሃል ኔሩ፡፡ (ለ) ኣክሱም ነዞም ዕቑባ ዝሓተቱ ሙስሊም እንተዕቈበት እውን፤ ምሕረት ዘይወሃቦ ሓጢያት ኣብ ልዕሊ እስልምና ከምዝፈፀመት ብምቑፃር፤ ኣብ ናይ ፀላእቲ ማህደር መዝጊበምዋ (ሃጋይ ኢርሊክ፤ 2009 ዓ.ም.ፈ) (ዝርዝር ኣብ ቑፅሪ “ለ” ርአ)፡፡

 

ሀ) እስልምና ክስፋሕፋሕ እንተሎ፤ ንኣክሱማዊ ክርስትና ዘይወረረሉ ምኽንያት፤ ክልተ ስነ ሞገት ኣለዉ፡፡ ‘ኣክሱማዊ ክርስትና፤ ናይ እስልምና በዓል ውዕለታ ስለዝኾነ፤ እስልምና ኣንፃር ኣክሱማዊ ክርስትና ተፃብኦ ክፈጠር የብሉን ብዝብል ናይ ነቢይ መሓመድ ኑዛዜ፤ ካብ ወራር ድሒና’ ዝብሉ ብሓደ ገፅ፡፡ ‘ኣክሱማዊ ክርስትና ጠንካራ ስለዝነበረ፤ ተኸላኺሉ እምበር ናይ ወራር ፈተነታት ተኻይዶም እዮም’ ዝብሉ ድማ፤ ብኻሊእ ወገን፡፡ ንኣብነት፤ ዋላ ነቲ ኣክሱማዊ ስልጣነ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይኣዕነውዎ፤ ናይ ንግዲ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ብምዕፃው ከምዘዳኸምዎን፤ ብተወሳኺ፤ ከም ቱርክን ሶማሊያን (ብሳውዲ እትምራሕ) ዝኣመሰሉ እውን ከቢድ ወራር ከምዘካየዱን መረዳእታታት የቕርቡ፡፡ ኤፍሬም እሸቴ (2008 ዓ.ም)፤ ኢትዮጵያውያን እስላም፤ ካብ 8 ክ/ዘ ጀሚሮም፤ ስደትን ንግድን ምኽንያት ብምግባር፤ ብምፅዋዕ፣ ዘይላን ካልኦት ወደባትን ከምዝኣተዉ ከምኡ’ውን ፀረ-ኣክሱማዊ ክርስትና ስምዒት ከምዘይነበሮም እንትገልፅ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ብወፃእተኛታት እስላም ዘይሓቃዊ ስብከትን ትምህርትን ምኽንያት፤ ቐስ ብቐስ ፀረ-ኣክሱማዊ ክርስትና ስምዒት ዘማዕበሉ፤ እናተበራኸቱ ከምዝመፁ ይሕብር፡፡ በቲ በለ በቲ፤ ክሳብ ሕዚ፤ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ተጋሩ እስላምን ኦርቶዶክስን ሰዓብቲ ማሕበረሰብ፤ ናይ ኣታሓሳስባን አረኣእያን አፈላላይ፤ ጎሊሁ ዝተርኣየሉ ኹነታት የለን፡፡ ናይ ሓባር ናይ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋ ስለዘለዎም፤ ናይ ሓባር መንነቶም ዝጠንከረ ይገብሮ፡፡ ቋንቋ፤ ካብቶም ንፍልመ-ፍጥረታዊ (primordial) መንነት ንምህናፅ ካብ ዝጠቕሙ ባእታት፤ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ ስለዝኾነ፤ ክልቲኦም ማሕበረ ሰብ ብናይ ሃይማኖት ናጽነት ይኣምኑ፡፡ ናይ ሃይማኖቶም ንጥፈታት ብናፃን ብማዕረን ብዘይ ስኽፍታ የካይዱ፡፡ ርክቦም እውን ኣብ ምክብባር እምበር ኣብ ምፍርራሕ ዝተመስረተ ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ፅዕንቶ ኣየሕድረሉን፡፡ እኳድኣስ፤ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ማሕበረሰብ፤ ሃይማኖቱ ንኽጉልብት ሃገዝ እንትገብር ምርኣይ ዝተለመደ እዩ፡፡ ንኣብነት ክልቲኡ እምነት ሰዓብቲ ናይ ሓባር ፀበል ይጥቀሙ፤ ማይ ፀሎት እውን ብሓባር ይሕፀቡ፡፡ ኣብ ጥምቀት መዓልቲ ታቦት ናብ መሕደሪኡ እንትወርድን እንትምለስን ሙስሊም ማሕበረሰብ ብዕልልታ የፋንውን ይቕበልን፡፡ ሰገናትን መንእሰያትን ነዚ ብዝግባእ ይርድእዎ፡፡ እቲ ናይ ክልቲኡ ሃይማኖት ሰዓብቲ ማሕበረሰብ ዘለዎም ንፍልመ-ፍጥረታዊ ናይ ሓባር መንነት፤ ብሲቪላዊ (civil) መንነት ተሓላሊኹ ዝጠንከረ እዩ፡፡ ክልቲኦም ሃይማኖት ሰዓብቲ ማሕበረሰብ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓውዲታት ከምተጋሩ ማዕረ ይነጥፉ፡፡ ክልቲኡ ሃይማኖት ሰዓብቲ ማሕበረሰብ፤ ሃይማኖቱ ብዘየግድስ ንዝመፀ ደጋዊ ወራር ከምተጋሩ ኮይኖም ቤዛ ትግራይ ጠጠው ይብሉ፡፡

 

ለ) እስላም ኣንፃር ኣክሱማዊ ስልጣነ ወፍሪ ምክያድ ዝጀመሩ፤ ንጉስ ኣርማህ ንስደተኛታት እስላም ተቐቢሉ፤ ኣብ ግዝኣት ኣክሱም ኪንግዶም ንኽነብሩ ምስ ፈቐደ፤ ብፅባሒቱ እዩ፡፡ ከም ናይ እስልምና መራሕትን ምሁራት ደገፍትን ኣበሃህላ፤ እቲ ናይ ፅልኢ ፍልፍል ብሰለስተ መንገዲ ከምዝኾነ፤ ብፅሑፋትን ስእልታትን ንዓለም አጋዊሖምን እናጋውሑ እውን ይርከቡ፡፡ ሓደ፤ ንጉስ ኣርማህ ንልኡኻት መሓመድ ተቐቢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እስልምና ሃይማኖት ተቐቢሉ፤ ማለት እውን ንባዕሉ ሰሊሙ ናይ እስልምና ሃይማኖት ፍረ ኣብ ግዝኣቱ/ሃገሩ ከምዝዘርአን፤ ኮይኑ ግና ኣክሱማዊ ክርስትና፤ እስልምና ሃይማኖት ከይፈርን ከይጥጥዕን ዕድል ከምዝኸልአን፤ ይኣምኑ (ኤፍሬም እሸቴ፤ 2008 ዓ.ም)፡፡ ክልተ፤ ብ6ክ/ዘ ኣብ የመን ገዛኢ ኾይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ‘ኣብርሃ’ ዝተብሃለ ናይ ሃፄ ካሌብ ጀነራል፤ ነቢይ መሓመድ ኣብ ዝተወለደሉ ዓመት (570 ዓ.ም.ፈ)፤ ናብ መካ ዝገበሮ ክርስቲያናዊ ምስፍሕፋሕ፤ ኣንፃር እስልምና ዝተፈፀመ ሰይጣናዊ ተግባር ከምዝኾነ ይርድእዎ፡፡ ሰለስተ፤ ታሕሳስ 2006 ዓ.ም.ፈ፤ ብኣይተ መለስ ዜናዊ ትእዛዝ፤ ናይ ኢትዮጵያ መከላኸሊ ሓይሊ ናብ ሶማሊያ ሞቃዲሾ ወፍሪ ብምክያድ፤ ኣንፃር ዓልሸባብ ኣኽራሪ እስላማዊ ጉጅለ መጥቃዕቲ ስለዝፈፀመ፤ ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ብምትእስሳር፤ ኣክሱማዊ ክርስትና፤ ኣብ ልዕሊ እስልምና ዝተዋደደ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ተረዲአም እዮም – ንንኣይተ መለስ ዜናዊ እውን ‘The Grandchildren of Abraha (ደቂ ኣብርሃ)’  ክብሉ ይፅውዕዎም (ሃጋይ ኢርሊክ፤ 2009 ዓ.ም.ፈ)፡፡

 

በዚ መሰረት፤ ንኣክሱማዊ ስልጣነ ዝቃረኑ ናይ እስልምና ተኸተልቲ ማሕበረሰብ፤ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ውጥም ቅልቅል ምባል ጀሚሮም፡፡ ንኣብነት ንምጥቃስ፡-

1) ካብ 8 ክ/ዘ ጀሚሩ፤ ብሰሜን (ብቐይሕ ባሕሪ) ነቲ ስልጣነ ይፈታተንዎ ኔሮም – ኣክሱም ናይ ባሕሪ ወደብ ተመንጢላ (ኤፍሬም እሸቴ፤ 2008 ዓ.ም)፡፡

2) ካብ14 ክ/ዘ ጀሚሩ፤ ብምብራቕ (ብሓረር)፤ ናይ ኣዳል ሱልጣን ኣንፃር ኣክሱማዊ ስልጣነ ትንኰሳታት ይገብር ኔሩ፡፡ ካብ 1520-1532 ዓ.ም፤ ግራኝ ኣሕመድ (ምስ ቱርኪ ብምትሕብባር)፤ ኦርቶዶክሳዊ መበቈል ዝኾነ ኣክሱማዊ ስልጣነ ንምጥፋእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ጌሮም፤ ከቢድ ዕንወት ድማ ኣብፂሖም – ንኣክሱማዊ ስልጣነ ንድሕሪት ካብ  ዝመለሱ ፍፃመታት ሓደ እዩ (ይልማ ደሬሳ፤ 1959 ዓ.ም)፡፡

3) ብምዕራብ፤ ብ1881 ዓ.ም፤ ሱዳን (ማህዲስት) ወረር ፈፂሙ – ኣክሱማዊ ዝና ንምምላስ ኣብ ፃዕሪ ዝነበሩ ናይ ሃፄ ዮሃንስ ህይወት ቀጢፉ፤ ንትግራይ ምሒር ኣዳኺሙ ስልጣን ንሽዋ ኣመሓላሊፉ (ፍስሃ ጊዮርጊስ ዓቢየዝጊ፤ 1993 ዓ.ም)፡፡

4) ብ16 ክ/ዘ፤ ኦሮሞ ብደቡብ አንፈት ኣትዮም (ይልማ ደሬሳ፤ 1959 ዓ.ም)፡፡

 

ይኹን እምበር፤ እስልምና፤ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ኣንፃር ክርስትና ዝገበሮ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነታት፤ ንኣክሱማዊ ክርስትና ኣዳኺምዎ እምበር ካብ መንበሩ ኣይፈናቐሎን፡፡ ናይ ትግራይን ከባቢኣን እስልምና፤ ምስ ኣክሱማዊ ክርስትና  ዘለዎ ስኒት ድማ፤ ንወራሪ እስልምና ዕንቅፋት ኮይንዎ፡፡ በዚ መሰረት፤ ካልኦት እምነታት ኣብ ምድሪ ክህልው ዘይፈቅድ፤ ‘ሰለፊን (ወሃቢያ)’ ዝበሃል ክፋል እስልምና ዝኾነ መኽረራይ ሃይማኖት፤ ኣንፃር ኣክሱማዊ ክርስትና ተልእኾ ተሓንጊጡ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡፡ ሱዑዲ ዓረብ፤ ናይ ሰለፊን እስልምና መኽረሪ ሃይማኖት ብ18 ክ/ዘ መጀመርያ መስሪታ፡፡ ካብዚ ግዜ ጀሚራ፤ ናይ ሰለፊን እስልምና ኣብ ሃረር ብምጥያሽ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ሙስሊም ማሕበረሰብ ብምልዕዓልን ምስ ናይ ወፃእ ፀላእቲ (ንኣብነት ጣልያንን፣ ግብፅ፣ ሶርያ፣ ወዘተ) እውን ብምትሕብባር፤ ኣንፃር ኦርቶዶክስ ኣክሱም፤ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ቀፂላ፡፡ ግብፂ እውን ካብ 1856-1885 ዓ.ም ንሃረር ኣብ ዝተቛፃፀረትሉ ግዜ፤ መኽረሪ እስልምና ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓብይ ግደ ተፃዊታ፡፡ ናይ ደርጊ ውልቀ መላኺ ስርዓት፤ ናይ ሃይማኖት ነፃነት ዘይፈቅድ ስለዝነበረ፤ ሳዑዲ ዓረብ፤ ኣንፃር ኣክሱማዊ ስልጣነ ዝበለቶም፤ ካብ ሶማልን ኦሮሞን ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት እናጣየሸት ትሕግዝ ኔራ፡፡ ሳውዲ፤ ንፕረዚደንት ዚያድ ባሬ፤ ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ብምሃብ፤ ‘ካልኣይ ግራኝ ኣህመድ ወራር’ ብዝብል ወራር ወሊዓ – ውሑድ ቑፅሪ ዘይበሃሉ፤ ናይ ኣደሬ፣ ሶማልን ኦሮሞን ተወለድቲ ምስ ዚያድ ባሬ ወጊኖም፡፡

 

መኽረርቲ እስልምና፤ ድሕሪ 1983 ዓ.ም፤ ናይ ሃይማኖት ናፅነት ተጠቒሞም፤ ናብ ዋና ኸተማ ኣኽሱማዊ ስልጣነ፤ ብዘይ ስኽፍታ ሰተት ኢሎም ኣትዮም – ኣብ ከባቢ ኣክሱም ንዝነብሩ ሙስሊም ህብረተሰብ ኣሕዋትና ብምድፍፋእ ኣብ ኣክሱም መስጊድ ንክሰርሑ፤ ኣብ 1980ታት ዓ.ም ፈተነታት ተኻይዶም እዮም፡፡ ጀዋር መሓመድ፤ ኣንፃር ህወሓትን ትግራዋይነትን፤ ምስ ግብፂ ዝኣልሞም ዝነበረ ውዲታት ዘርኢ ሰነዳዊ ቪድዮ፤ ተረኺቡ እዩ (EBC፤ 2008 ዓ.ም)፡፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፤ ኣብ ከተማ ኣክሱም ሓደ ዝተፈፀመ ኹነት ኣሎ፡፡ “እስላም ኢና” በሃልቲ ውሑዳት ፀጉረ-ለወጥ ውልቀ ሰባት፤ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኬንዳ ሰሪሖም ይነብሩን ይሰግዱን፡፡ መንነቶም እንተተጠየቑ፤ ኣብ ዝነብርሉ ኸባቢ፤ ሰላም ብዘይምህላው፤ ሰላም ናብ ዘለዋ ክልል ክነብሩ ከምዝመፁን፤ ንመንበሪ እውን ከተማ ኣክሱም ከምዝመረፁን ይዛረቡ፡፡ ብዝተገበረሎም ክትትል ግን፤ ኣብ ካሊእ ኸባቢ ሰላም ሰኢኖም ዝተሰደዱ ዘይኮኑስ፤ ተኸባቢሮም ንዝነብሩ እስላምን ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ኣክሱም ሰላም ንምዝራግ ዝመፁ ሰብ ተልእኾ ምዃኖም ተረጋጊፁ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያውያን ዝገበርዎ ኣኼባ፤ እስላም ኣብ ኣክሱም መስጊድ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ምልዓዓል ጌሮም እዮም፡፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም፤ ኣብ ጀርመን ናይ ኢትዮጵያውያን ድጋፍ ንምርካብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እውን ብዛዕባ “መስጊድ ኣብ ኣክሱም ምስራሕ” ንዝብል ሕቶ፤ ኣወንታዊ መልሲ ሂቦምሉ እዮም፡፡ ኣብይ ኣህመድ፤ ኣብዚ ዓመት እዚ፤ ምስ ናይ ሱዑዲ ንጉስ ምስጢራዊ ስምምዕ ጌሮም እዮም፡፡ ኣብይ ኣህመድ፤ ካብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬት 1 ቢልዮን ዶላር፤ ካብ ሱዑዲ ዓረቢያ 500 ሚልዮን ዶላር፤ ዝተለገሰሎም ገንዘብ (ዋልታ tv፤ ለካቲት 2011)፤ ነዚ ተግባሮም እዚ ሽልማት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

 

3) ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ባህልታት፡- በ16 ክ/ዘ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት፤ በ17 ክ/ዘ ዓብይ ቅልውላው (ዕንወት) ፈጢሩ እዩ፡፡ ካቶሊካዊ ተልእኾ ተሓንጊጡ፤ ኣብ ሽዋ ፍሉይ ስሙ ‘ልጥ ማሰርያ’ ዝበሃል ቦታ ዝዓረደ ብኣባ ማስያስ ዝምራሕ ጉጅለ፤ ምስ ንጉስ ምኒልክ እናተሻበነ፤ ንሃፄ ዮሃንስ ውድቀት ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ እዩ፡፡ ሃፄ ዮሃንስ፤ ኣብ ልዕሊ ‘ሃይማኖታዊ ተልእኾ ኣለና’ ኢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበሩ ባዕዳዊ ሃይማኖታት ምንቅስቓስ ስለዘይተሓጐሱ፤ ካብ ኢትዮጵያ ንኽወፁ ኣዊጆም ምንባሮም ይፍለጥ፡፡ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ናብ ትግራይ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ እንተገበረ እውን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን፤ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊ ኣክሱማዊ ስልጣነ ብዙሕ ፀቕጢ እናፈጠረ ኣይኮነን – ናብ ናይ ትግራዋይ መንነት ዝተቐየረ ይመስል፡፡

 

ፕሮቴስታንት፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ከምሓዊ ዝባራዕ ዘሎ ሃይማኖት እዩ፡፡ ካብ 20 ክ/ዘ መጀመርያ ጀሚሩ ድማ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ብሕቡእን ብቕሉዕን ገዛ ብምክራይ ሃይማኖታዊ ስራሕቱ እናሳለጠ ይርከብ፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘግርም ግን ኣብ ትግራይ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እስላማዊ ሃይማኖት፤ ኣብ ኣክሱም መስጊድ ምስራሕ ከይደፈረ ማለት እውን ሙስሊም ተጋሩ ንኦርቶዶክስ ክብሪ ክብሉ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም ኣብ ውቕሮማራይ እንተካይዱ፤ ፕሮቴስታንት ኣብ ኣክሱም ገዛ ተኻርዮም ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም የካይዱ አለው፡፡ ናይ ፕሮቴስታንት ሃይማኖት ሰዓብቲ፤ ካብ 1990ታት ዓ.ም ጀሚሩ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቒሞም ኣብ ትግራይ ውዑይ ምንቅስቓስ ይገብሩ አለው፡፡ ምዕራባውያን፤ ካብቶም ናይ ፕሮቴስታንት ሃይማኖት ቀንዲ ረብሓታት ዝብልዎም እቶም ክልተ፤ ናፅነትን ፅቡቕ ናይ ስራሕ ባህልን (the protestant work ethics) እዮም፡፡ ፕሮቴስታንት ሃይማኖት፤ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክመፅእ እንተሎ ግን፤ እቲ ፅቡቕ ናይ ስራሕ ባህሉ ገዲፉ እዩ፡፡ ካብቶም ፕሮቴስታንት ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘለውዎ ክልላት ኢትዮጵያ፤ ደቡብ ክልል፤ ሓንቲ እያ – ኣብ ደቡብ ክልል፤ መብዛሕቲኡ ክሰርሕ ዘይኮነስ፤ ብናፅነት ከእውን (ክበክን) ክዝምርን፤ ንነበርቲ ሰላምን ድቃስን ይኸልእ፡፡ ካብዚ ወፃእ፤ ከከምዓቕሙ ኣብ ሙስናን ኪራይ ምእካብን ይሳተፍ፡፡ ምኽንያቱ፤ ብገንዘብ ተገዚኡ ፕሮቴስታንነት ዝተቐበለ፤ ብዘይ ስራሕ ገንዘብ ንምርካብ እንተፈተነ፤ ብዙሕ ዘግርም ኣይኮነን፡፡ ፕሮቴስታንት ሃይማኖት ሰዓብቲ ምዕራባውያን ህዝቢታት፤ ፕሮቴስታንት፤ “በስቢሱ” ንዝበልዎ ካቶሊካዊ ማሕበረሰባዊ ስርዓት ንምውጋድ፤ ከም መቃለሲ ፅንሰ ሓሳብ ዝተጠቐምሉን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልሉን እዩ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፤ ሊበራል ፕሮቴስታንት፤ ሶዶማዊ ባህሊ ሒዙ ክመፅእ ማዕፆና የንኳሕዅሕ ኣሎ፡፡ ትግራይ፤ ከምዚኦም ዓይነታት ባህሊ እናጎተተ ዝመፅእ ሃይማኖት፤ ሕቖኣ እንተሃበት፤ ጭቆና ትብልዎ? ኣይፋሉን! እቲ ናይ መንነትና መግለፂ ዝኾነ ጂዶ-ኦርቶዶክስ ክርስትና ስለዘይፈቅድ እዩ፡፡ ሊበራሊዝምን ፕሮቴስታንት ሃይማኖትን ስለዝተቐበልና ጥራሕ ክንዓቢ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብኣግባቡ ምጥቃም እምበር፤ ናይ ዕብየት ጎደናታት ብዙሓት እዮም፡፡ ሩስያ፤ ኦርቶዶክስ ክርስትና እዮም፤ ካብ ዕብየትን ለውጥን ኣይተዓንቀፉን፡፡ ዕብየትን ለውጥን ኮንፈሽያን ቻይና ከምሓዊ ይቀፃፀል ኣሎ፤ ወዘተ፡፡ ንባህልና መሰረት ዝኾነ ኦርቶዶክስ ክርስትና፤ ፀገም የብሉን ማለተይ ኣይኮነን፡፡ እቶም ፅቡቓት ባህልታት ከይብረዙ ብምጥንቃቕ፤ እስጢፋኖሳዊ መትከል ተኸቲልና ዝደስከሉ ልምድታትና ነውግድ፡፡ ንመንነታዊ መግለፂታትና ዕሽሽ ምባል፤ ከም ሰዶማዊ ባህሊ ዝኣመሰሉ ኢስነ-ምግባራዊ ጓና ባህልታት ሰሊኾም ንክኣትዉ ዕድል ይህብ፡፡

 

‘..ምዕራባውያን፤ ኣብ ልዕሊ ካልኦት (ዘይምዕራባውያን) ህዝቢታት፤ ዘመናውነትን ባህሎምን ንከስፋሕፍሑ ፃዕሪ ይገብሩ፡፡ ናይዞም ህዝቢታት እዚኦም ፖለቲካዊ መራሕትን ምሁራትን፤ ንኸምዚ ዓይነት ናይ ምዕራባውያን ተፅዕኖ፤ ብሰለስተ መልክዕ መልሲ ይህቡ፡፡ ሓደ፤ ክልቲኦም ዘመናውነትን ባህሎምን ዘይምቕባል – rejecting both modernization and westernization፤ ክልተ፤ ክልቲኦም ምቕባል (embracing both)፤ ሰለስተ፤ ዘመናውነት ብምቕባል፤ ንባህሎም ምንፃግ እዮም’ (ሃንቲንግተን፤ 1996 ዓ.ም.ፈ)፡፡ እቲ ጠበቓ ድኻታት ዝኾነ ሳሙኤል ሃንቲንግተን፤ ንድኻታት ሃገራት እታ ሳልሰይቲ ጥራሕ ከምእተዋፅኦም ይመክር፡፡ እዚ ዝስዕብ ምኽንያት ድማ የቕምጥ – While political and intelectual leaders of poor countries can introduce elements of Western culture, they are unable permanently to suppress or to eliminate the core elements of their indigenous culture. Conversely, the Western virus, once it is lodged in another society, is difficult to expunge. The virus persists but is not fatal; the patient survives but is never whole (Huntington, 1996).

 

ሰገናት ትግራይ ግን፤ ፕሮቴስታንት ሃይማኖት፤ ንናይ ኣያታቶም ኣክሱማዊ ስልጣነ ፅባሕ ምንቀኛ ከምዝኸውን ደመ ነፍሳዊ ስኽፍታ ስለዝሓደሮም ይመስል፡፡ ‘ዝነዓቕካዮስያ…’ ዝብል ናይ ኣያታቶም ብሂል ተረዲኦም መርዘን እንተኾንዎ’ኳ፤ ንእስነቶም ኣጥቅዒዎም ናይ ተቓውሞ ስልቶም፤ ነቲ ብምዕራባውያን ተልእኾ ተዋሂብዎ ዝተበገሰ ናይ ፕሮቴስታንት ፕሮጀክት፤ ንፕሮቴስታንት ካብ ትግራይ ካብ ስሩ ክምሕው ኣይከኣለን፡፡ ክርስቲያንን እስላምን ተጋሩ ማሕበረሰብ፤ ናይ ሓባር መንነት ብምፍጣሮም ንትግራዋይ ሓድነትን መንነትን ፀገም ዝፈጥሩ ኣይኮኑን፡፡ ካልኦት ባእድ ባህልታት፤ ብፍላይ ድማ ኣንፃር ባህልን መንነትን ትግራይ ትኹረት ጌሮም ዝንቀሳቐሱ ናይ ዓፀፋ መልሲ ምሃብ ናይ ግድን እዩ፡፡

 

ብሃይማኖት መልክዕ ናብ ሃገረ ጃፓን ዝኣትው ዝነበሩ ባእድ ባህልታት፤ ኣብ ናይ ጃፓን ህዝቢ ሓድነት ጠንቂ ምዃኖም ዝተረድኡ ኢሊትን ምሁራትን፤ ድሕሪ 1868 ዓ.ም.ፈ ናይ ጃፓን መንግስቲ ባእድ ዝኾኑን ዘይደለዮም ሃይማኖታት፤ ኣብታ ሃገር ምንቅስቓሶም ብምዕጋት ሓደ ሃይማኖት ኣዊጁ፡፡ ሰሜን ኣሜሪካ፤ ኒዮሊበራሊዝም ናይ ዓለም ርእዮተ ዓለም ንክኸውን ብዕሊ ተጠሊዓ እንትትማጐት፤ ፕሮቴስታንታዊ ባህሊ ዓለም ለኻዊ ንክኸውን ድማ ሕቡእ ተልእኾኣ እዩ፡፡ ‘ኰሓሎ መሲለን መንቆሮ’ ከምዝበሃል፤ ኣሜሪካውያንን ካልኦት ምዕራባውያንን ልሂቃን፤ ዘይማዕበላ ሃገራት ክምዕብላ እንተኾይነን፤ ፕሮቴስታንት ሃይማኖት ኣብ ሃገረን ክስፋሕፋሕ ከምዘለዎ ይሰብኩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ንኸባቢ ስለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ መፅናዕቱ ዘካየደ፤ ኣሌክስ ዲዋል (2018 ዓ.ም.ፈ) ዝተብሃለ ምዕራባዊ ምሁር፤ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቅልውላው ንምውፃእ፤ ፕሮቴስታንታዊ ሃይማኖትን ባህልን ‘ፈውሳ’ ከምዝኾነ ብድፍረት ገሊፁ እዩ፡፡

 

ሃፄ ዮሃንስ፤ ምስ ሃገር ምስረታ (state formation) ጎኒ ንጎኒ፤ ሓደ ሃይማኖት ብምእዋጅ፤ ናይ ብሄር ህንፀት (nation building) እውን እናሳለጡ እናሃለው፤ ሂወቶም ሓሊፎም እዮም፡፡ ነቲ ናይ ብሄር ህንፀት ንክቕፅል፤ ብድሕሪኦም ዝነበሩ ነገስታት እውን፤ ኦርቶዶክስ ዓብላላይ ኮይኑ ንክቕፅል ናይ ባዕሎም ተራ ተፃዊቶም እዮም፡፡ ይኹን እምበር፤ እቶም ነገስታት ምስ’ቲ ግዜ ዘይምጥን ንዘመናዊነት ዝነበሮም ድኹም ኣረኣእያን ‘ኔፖቲስቲክ’ (nepotistic) ባህርይን፤ እታ ሃገር እቲ ሓደ እንተፍርስ እቲ ካሊእ ድማ መሊሱ እንትሰርሕ፤ ናይ ሃገር ምምስራት ይኹን ህንፀት እንተይተጠናቐቑ፤ እዚ ሕዚ ዘለናዮ ግዜ ኣርኪቡ እዩ፡፡ ኣብ መንጎ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝቢታትን ንመንነታዊ ፍልልይ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ሓደ፤ ሃይማኖት እዩ፡፡ ሃይማኖት ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ኣሉታዊ ፅልዋ እናፈጠረ ዝመፀ እንተኾነ እኳ፤ ብፍሉይ ድማ ኣብ ኣክሱማዊ ስልጣነን ባህልን የነፃፅር፡፡ ኢህወደግ ዝመስረቶ መንግስቲ፤ ‘ሴኩላሪዝም’ (secularism) ብዝብል ፖሊሲ፤ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ከምዘርሐቐ ዕላዊ ጌሩ ፀኒሑ፡፡ ኮይኑ ግና፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ እቲ ናይ ምዕራባውያን ኢድ ዘለዎ ፕሮቴስታንታዊ ባህሊ ጎልቢቱ፤ ንትግራዋይ ባህሊ “እንተዘይተደሚርካ ወይለኻ” እናበለ ስግኣት ኮይንዎ ይርከብ፡፡

 

ናይ መንነት ፖለቲካን ህዝብነትን ኣንፃር ትግራዋይነት – ከም ስልቲ?

 

1) ናይ መንነት ፖለቲካ (identity politics)

 

ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ኣንፃር ተጋሩን ኣክሱማዊ ስልጣነን ኣፈሙዞም ዘቕንዕሉ ምኽንያት፤ ምስ ናይ መንነት ፖለቲካ ይተኣሳሰር፡፡ ፍራንሲስ ፉኩያማ (2018) ናይ መንነት ፖለቲካ (identity politics) ሳዕቤን ከምዝስዕብ ይገልፆ፡፡ ናይ መንነት ፖለቲካ፤ ካብ ናይ መንነት ሕቶ ይብገስ፡፡ ናይ መንነት ፖለቲካ፤ ወድሰበ ንክብሩ ዝገብሮ ቃልሲ ኮይኑ መሰረቱ ውሽጣዊ ባዕላዊ ስምዒት እዩ፡፡ ናይ መንነት ፖለቲካ፤ ውልቀ ሰባት፤ ንክብሮም ማሕበረሰባዊ ወይ ህዝባዊ ኣፍልጦ ንክወሃቦም ብምድላይ፤ ዝገብርዎ ቃልሲ እውን እዩ፡፡ ናይ መንነት ፖለቲካ፤ ብማሕበረ ሰቦም ወይ ብህዝቦም ተገሊሎም ዝፀንሑ ጉጅለ፤ ፈለማ ማዕርነት ንምንዳይ ወይ ማዕረ ኣፍልጦ ንምርካብ ዘካየድዎ ቃልሲ እዩ፡፡ ይኹን እምበር፤ ማዕረ ናይ ምዃን ዕድል ምስ ተረኸበ፤ ማዕረ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ ድልየት ብቐሊሉ ናብ ናይ ላዕለዋይነት ኣፍልጦ ናብ ምርካብ ድልየት ይቕየር እሞ ንላዕለዋይነት ድማ መሊሶም ይቃለሱ፡፡ እዚ ድማ ናይ ቁጠዐ ወይ ናይ ኹራ ፖለቲካ (the politics of resentment) ይበሃል (ፉኩያማ፤ 2018)፡፡

 

ኣብ ሃገርና ኣብ ዘመነ ሃፄ ምንሊክን ሃ/ስላሴን፤ ብሃገር ህንፀት (nation building) ስም፤ ኣብ ልዕሊ ካብቲ ገዛኢ ደርቢ ዝተፈለየ ባህልን ቋንቋን ዝነበሮም ብሄር ብሄረ ሰባት ከቢድ በደልን አድልዎን በፂሑ እዩ፡፡ ንኣብነት ናይ ኦሮሞ ማሕበረሰብ ባህሉ ምስ እስልምና ሃይማኖት ዝተኣሳሰረ እንትኸውን፤ ኦርቶዶክሳዊ መንግስቲ ከቢድ ተፅዕኖ ኣሕዲርሎም ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ናይ ጭቆና ኣርዑት ንምቅላልን ምስ’ቲ ገዛኢ ብሄር ንምምስሳልን፤ ኣብ ኦሮምያ ዝተወለዱ ቖልዑ ካብ ናይ ኦሮሞ ባህልን ቋንቋን ፈንተት ኢሎም ናይ ኣምሓራ ስም ይወፀሎም ኔሩ፡፡ ኮይኑ ግና፤ ድሕሪ 1983 ዓ.ም ናይ ብሄር ብሄረ ሰባት ማዕርነት ምስ ተረጋገፀ፤ ናይ ኣምሓርኛ ስም ዝነበሮም መንእስያት ኦሮሞ፤ ብዙሓት ናብ ኦሮምኛ ቀይሮም እዮም፡፡ ብተወሳኺ፤ መንእሰያት ኦሮምያ ብዘቕረብዎ ሕቶታትን ብዝገበርዎ ሰልፍን ዓመፅን፤ ብርክት ዝበሉ ናይ ኣምሓርኛ ስም ዝነበሮም ከባቢታትን ከተማታትን ናብ ኦሮምኛ ትርጉም ዘለዎ ስም ተቐይሮም እዮም፡፡ ንኣብነት ኣለማያ ናብ ሓረማያ፣ ናዝሬት ናብ ኣዳማ፣ ደብረ ዘይት ናብ ቢሾፍቱ፤ ጋላ ናብ ኦሮሞ፤ ወዘተ ተቐይሮም እዮም፡፡ ምስ ህወሓትን  ህዝቢ ትግራይን ተፀጊዖም ውሑዳት ናይ ኦሮሞ ተወለድቲ ኣንፃር ደርጊ ዝገበርዎ ቓልሲ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዓርሰ እምነት ብምፍጣር፤ ንቐፃሊ ቓልሲ ብምልዕዓል፤ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኦሮሞ ማዕርነቱ አረጋጊፁ፡፡ ዋልልኝ መኰነን፤ ናይ መንነት ፖለቲካ ኣወንታዊ ጎኑ ብዝግባእ ዝተረድኦ ይመስል – ‘…ክልቲኦም ደቂ ንዋይን ታደሰ ብሩን ዘካየድዎ ዕልዋ መንግስቲ፤ ለውጢ ዘምፅእ ኣይኮነን፡፡ ናይ መንግስቱ ንዋይ፤ ካብ ተመሳሳሊ ብሄርን ደርብን እዩ፡፡ ናይ ታደሰ ግን ዓሌታዊ እዩ፡፡ ምኽንያቱ፤ ናይ ታደሰ ዕልዋ መንግስቲ ንብሄራውነት (ሃገራውነት) ዝድግፍ ዘይኮነስ፤ ንኦሮሞ ልዕልና ጥራሕ ዝዓለመ እዩ፡፡ ብመሰረቱ፤ ዕልዋ መንግስቲ ፈፂመ ኣይድግፎን፡፡ ናይ ታደሰ ዕልዋ መንግስቲ ግን ሓደ ዕዙዝ ጥቕሚ ኣለዎ – ንኦሮሞ ኣሕዋትና ኣሕትናን ንባዕሎም ክብሪ ንክህቡ ይሕግዝ፡፡ ንባዕልኻ ክብሪ ምሃብ ድማ፤ ሰፊሕ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ወያነ ንምክያድ፤ ወሳኒ ቕድመ ኹነት እዩ…’ (ዋልልኝ መኰነን፤ 1969 ዓ.ም.ፈ)፡፡ ናይ መንነት ፖለቲካ ኣሉታዊ ጎኒ፤ እቲ ጭቁን ማዕርነቱ ምስ ኣረጋገፀ፤ ጠጠው ዘብል ኣይኮነን – ንላዕለዋይነት ምቅላስ ይቕፅል፡፡ ቄሮ ኣብ ቕድሚት ኣሰሊፎም፤ ብመሪሕነት ኣይተ ለማ መገርሳን ዶ/ር ኣብይ ኣህመድን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ውግእ ማለት እዩ፡፡

 

2) ህዝብነት (populism)

 

ናይ መንነት ፖለቲካ፤ ውልቀ ሰባት ንክብሮም፤ ማሕበረሰባዊ ወይ ህዝባዊ ኣፍልጦ ንክወሃቦም ብምድላይ፤ ዝገብርዎ ቃልሲ እንተኾይኑ (ፉኩያማ፤ 2018)፤ ኣብይ ኣህመድ ህዝባዊ ኣፍልጦ ዝወሃቦምን ልዕልነኦም እውን ዝረጋገፅን፤ ኣብ ልዕሊ መቓብር ተጋሩን ህወሓትን እዩ፡፡ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ፤ ኺሳራ ዘይብሉ ናይ ህዝብነት (populism) ፖለቲካ ምኽታል ናይ ግድን ይኸውን፡፡

 

ኣብይ ኣህመድ፤ ናብ ናይ ህዝብነት (populism) ፖለቲካ ጀቕጀቕ ንክወሓጡ ዘግድዶም፤ ካብ ብሄራዊ መንነት ብተወሳኺ፤ ውልቃዊ መንነቶም እውን እዩ፡፡ ኣብ ኦሮሞ ንኡስ እስላማዊ ስልጣነ (Oromo Islamic minority civilization) ዝዓበዩ እዮም፡፡ ኣብይ ኣህመድ፤ ካብ ኦሮሞ ንኡስ እስላም ስልጣነ ዝመፁ እንተኾኑ እውን ሕዚ ድማ ናብ ናይ ምዕራባውያን ፕሮቴስታንት ባህሊ ንምልማድ ገፆም መሊሶም ኣለው፡፡ ካብ ከምዚ ዝበለ ንኡስ ስልጣነ ዝመፁ መንእሰያት ብዘለዎም ትሑት ዓርሰ እምነት፤ ምስ’ቲ ዓብላላይ ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ፤ ባህሎም ሒዞም ምንባር የፅግመሎም እሞ፤ ምስ’ቲ ተለዋዋጣይ ዓለማዊ ኹነታት ንምምስሳል ከምነፋሒቶ ባህሪኦም ይቐያይሩ፡፡ ኣብይ ኣህመድ፤ ናይዚ ኹነታት እዚ ሰለባ ይመስሉ፡፡ ኣብይ ኣህመድ፤ ናይ ትምህርቶም ድሕረባይትኦም እውን ቅጥዒ ዘለዎ ኣይመስልን፡፡ ወታደር እንተነበሩ እውን ወታደራዊ ዝና የብሎምን፡፡ ናይ ዝንኦም ፍልፍል፤ ካብ ናይ ስብከት መደረኦም ጥራሕ ይመስል፡፡ ብኣንፃሩ ድማ፤ ናይ ህወሓት መራሕቲ፤ ብሄራዊ መንነቶም ኣክሱማዊ ስልጣነ እዩ፡፡ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ (ቀዳማይ ወያነ) ዋላ እንተኸሸፈ፤ ከም ፅቡቕ ድሕረ ባይታ ተጠቒመምሉ እዮም፡፡ መብዛሕቲኦም ናይ ህወሓት መራሕቲ፤ ዋላ በቲ ዝነበረ ኹነታት ተገዲዶም ትምህርቶም ኣቋሪፆም ናብ ቓልሲ እንተኣተዉ፤ ዝንኣድ ናይ ትምህርቲ ድሕረባይታ ኔርዎም፡፡ ንኣብነት፤ ኣይተ መለስን ስየ ኣብርሃን፤ ብሉፃት ተምሃሮን ዝነበሩ እንትኾኑ፤ ቕድሚ ናብ ቓልሲ ምውፅኦም፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ናይ ሕክምና 2 ዓመት ተምሃሮ ኔሮም፡፡ ድሕሪ ቓልሲ እውን ክሳብ ናይ ዶክቶሬት ፍልስፍና ድግሪ (PhD)፤ ካብ ፍሉጣት ናይ ዓለምና ዩኒቨርስቲ ዝተመረቑ እዮም፡፡ ብፖለቲካውን ወታደራውን ዓቕሚ፤ ናይ ኣፍሪካ ብርቅታት ተባሂሎም እዮም፡፡ ብሓፈሻ፤ ነቲ ጨቋኒ ናይ ደርጊ ስርዓት ንምውጋድ፤ ትግራይ፤ ንኢትዮጵያ ብሄር ብሄረ ሰባት ፍሉይ ህያብ ኣበርኪታ እያ፡፡ ድሕሪ ምውጋድ ደርጊ፤ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ተጠቃሚ ንምዃን ዝሓተቶ ነገር የለን፡፡ ብፍላይ ድማ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ፤ ድጋፍ ዘድልዮም ብሄረ ሰባት ቀዳምነት እናሃቡ ይሰርሑ ኔሮም፡፡

 

እቲ ሕዚ ናይ ኣብይ ኣህመድ ደጋፊ ኮይኑ ዘሎ ሰፊሕ ህዝቢ፤ ገሊኡ ናይ ትግራዋይ ህልውና ዝፃባእ ዝነበረ እዩ፤ እዚ ማለት ድማ ወይ ናይ ኣክሱም ስልጣነ ከጥፍእ ዝደሊ ወይ ድማ ክምንጥል ዝደሊ እዩ፡፡ ገሊኡ ድማ ብዛዕባ ናይ ኣክሱም ስልጣነ ዘይግደስ ዝነበረ እዩ፡፡ ነቶም ብኣካዳሚያውን ብፖለቲካውን ዝለዓለ ዝና ዘለዎም ናይ ህወሓት ኢሊት ተቐባልነት ንምስኣን፤ ናይዚ ሰፊሕ ህዝቢ ድጋፍ ምርካብ ናይ ግድን ይኸውን፡፡ ፍራንሲስ ፉኩያማ (2014) ‘political order and political decay’ ኣብ ዝብል መፅሓፉ፤ ‘ኣብ ምድረ ሰሜን ኣሜሪካ፤ ሓዱሽ ናይ ህዝብነተኛ (populist) ሕላገት ፖለቲካ ንመጀመርያ ግዜ ዝተጀመረ፤ ብ1824ን ብ1828ን ዓ.ም.ፈ ኣንድሪው ጃክሰን ናብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክመፅእ እንተሎ እዩ’ ይብል፡፡ ኣንድሪው ጃክሰን፤ ካብቲ በቲ ግዜ ዝነበሩ ኢሊት ጉጅለ ዘይኮነስ – ካብ ተፈላጥነት ዘይብሎም ቤተሰብ (undistinguished backwoods family) እዩ፡፡ ብተወሳኺ፤ ጃክሰን፤ ናይ ስኮች-ኣየሪሽ ድሕረ ባይታ ኣለዎ፡፡ እዞም ኣብ መፋርቕ 18 ክ/ዘ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝኣተው ስኮች-ኣየሪሽ ነበርቲ፤ ንናይ ህዝብነት ባህሊ ፍልፍል ምዃኖም ፍራንሲስ ፉኩያማ ይገልፅ፡፡ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይትኡ እውን ዝንኣድ ኣይነበረን፡፡ ናይ ጃክሰን ዝና ካብ ወታደራዊ ዓውዲ ጥራሕ እዩ – ኣብ 1812 ዓ.ም.ፈ ኣንፃር እንግሊዝ ኣብ ‘ኒው ኦርሌንስ’ (New Orleans) ዝተኻየደ ዓውደ-ውግእ፤ ዓወት ተጓናፂፉ እዩ፡፡ ናይ ኣንድሪው ጃክሰን ፕረዚደንታዊ ውድድርን ንሕንሕን፤ ወለዶም ናይ ኣሜሪካ መስረቲ ምስ ዝኾኑ ኢሊታት እዩ፡፡ እዞም ፖለቲከኛታት እዚኦም፤ ትምህርቶም እውን ካብ ሃርቫድን ያሌን ዩኒቨርስቲታት ዝተመረቑ እዮም፡፡ ንኣብነት ካብቶም ምስ ጃክሰን ዝወዳደሩ ዝነበሩን፤ ብ1828 ዓ.ም.ፈ ብጃክሰን ዝተስዓረን፤ ጆን ኣዳምስ፤ ካብ ልዑል ክብሪ ናይ ዝወሃቦም ኣባል ቤተሰብ እንትኸውን፤ ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ እውን ምሩቕ እዩ፡፡ ስለዝኾነ፤ ጃክሰን፤ ነቶም መወዳድርቱ ንምሽናፍ፤ ትኽክለኛ መወዳደሪ ፖሊሲ ከቕርብ ከምዘይኽእል ተረዲኡ፡፡ ኮይኑ ግና፤ ነቲ ድሑርን ሰፊሕን ተራ ማሕበረሰብ ብዝምጥን መንገዲ ናይ ‘ምረፁኒ’ ወፍሪ ብምክያድ፤ ካብቲ ማሕበረሰብ ድጋፍ ረኺቡ፡፡

 

ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ግን፤ ካብ ኣንድሪው ጃክሰን ብዝበለፀ ንህዝብነት (populism) ፖለቲካ ዝጠቕሞም፤ እቲ ሱር ዝሰደደ ኣብ መንጎ ብሄራት ዘሎ መንነታዊ ፍልልይ እዩ፡፡ ናይ ህወሓት ልዕልና ኣብ ዘለሉ ኹነታት፤ ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ፤ ብዓቕሚ ስልጣን ክረኽቡ ስለዘይኽእሉ፤ ስልጣን ንምርካብ፤ ህወሓት ከውገድ ኣለዎ፡፡ ህወሓት ንምውጋድ ድማ፤ ንህወሓት ካብቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ምንፃል እዩ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ እውን፤ ‘ናይ ህወሓት ደጋፊ እዩ’ ብዝብል ስግኣት ምልካም፡፡ ስለዝኾነ፤ ኣብይ ኣህመድ፤ ህወሓት፤ ን27 ዓመታት ብሄር መሰረት ብምግባር፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ከምዝፈፀመን፤ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሃፍቲ እውን ጓሕጒሖም ከምዝወሰድዎ ሰቢኾም፡፡ ቐፂሉ፤ ምስ ናይ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ፀላእቲ ዝኾኑ ደርጋውያን ምውጋን እዩ፡፡ እዞም ደርጋውያን፤ ን27 ዓመታት ኣንፃር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝሰበኹ እዮም፡፡ እዞም ደርጋውያን፤ ንንበዓል ኣይተ መለስ ዜናዊ፤ “ትምህርቲ ኸቢድዎም ዝሸፈቱ እምበር ንህዝቢ ሓልዮም ኣይኮኑን፤ ስለዝኾነ፤ ነዞም ሸፋቱ ሃገር ናይ ምምራሕ ዕድል ክዋህቦም የብሉን”፤ ብዝብል ይጅምሩ፡፡ ቐፂሎም፤ “ናይ ህወሓት መራሕቲ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮፍ ኢሎም ዘለው፤ ሃገር ንምምራሕ ዘይኮነስ፤ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ናብ ትግራይ ንምውሳድ እዩ” ይብሉ፡፡ ዝርዝር ሓበሬታ፤ “ግጭትና ምሁራን፤ ባለሁለት ገጽታ ፍላጎት (The ambivalent interest) እና ከዮሴፋዊ ዕጣ ፋንታ ወደ ቃየናዊ ዕይታ” ብዝብሉ ርእስታት፤ ኣብ ‘ሆርን ኣፈየር (horn affair)’ ኢለክትሮናዊ መጽሄት ዝተሓተሙ ምርኣይ ይክኣል፡፡

መደምደምታ

ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊ መበቈል ዘለዎ ናይ ባዕላ ስልጣነ ከምዘለዋ ይፍለጥ፡፡ መበቆሉ ድማ ኣብ ትግራይ እዩ፡፡ እዚ ስልጣነ እዚ ንምጥፋእ፤ ገደማውን ውሽጣውን ሓይልታት ብዙሓት ፈተነታት ጌሮም እዮም፡፡ ኮይኑ ግና፤ በቲ ናይ’ቲ ስልጣነ በዓል ዋና ዝኾነ ማሕበረ ሰብ መሪር ቃልሲ፤ ሙሉእ ብሙሉእ እኳ እንተዘይኮነ፤ እቲ ስልጣነ ክዕቀብ ክኢሉ እዩ፡፡ ትግራዋይ ባህሉ ዓቂቡ ክንብል ከለና፤ ናይ ኣክሱም ስልጣነ መሰረት ዝኾነ ባህሉ፤ ሙሉእ ብሙሉእ ዓቂቡ ማለት ኣይኮነን፡፡ ትግራዋይ ዝሰኣኖም ብዙሓት ጠቐምቲ ባህልታት ኣለው፡፡ ሓደ፤ መሰረት ናይ’ቲ ስልጣነ ዝኾኑ ከምኒ ግእዝ ቋንቋ ተዳኺሞም ወይ ኣብ ምጥፋእ ይርከቡ፡፡ ክልተ፤ ትግራዋይ፤ ዋና ኸተማ (core state) ተመንጢሉ – እዚ ማለት፤ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስልጣን ተመንጢሉ ወይ ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓውድታት ተገሊሉ፡፡ ሰለስተ፤ ትግራዋይ፤ እዞም ዝተጠቐሱ ኽልተ ነገራት ብምስኣኑ፤ ክልወጥን ክዓብን ኣይከኣለን፡፡ ኣርባዕተ፤ ትግራዋይ፤ ኣብ ሃፄያዊት ሃገር ማለት እውን ዘይምዕሩይ ስልጣነን መንነት ዘለዎም ብሄራት ዝሓቖፈት ሃገር ኮይኑ፤ ዋና ኸተማ (core state) ተነጢቑ፤ ቁጠባዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ለውጢ እውን ስለዘይኣምፅአ፤ እዚ ሕዚ ዘለናዮ ኹነታት ክፍጠር በሪ ኸፊቱ፡፡ ካብ ሕሉፍ ታሪኹ ተማሂሩ፤ ማሕበረሰባዊ ስርዓቱ ፈቲሹ ዘይኣስተኻኸለ ማሕበረሰብ፤ እታ ዘላቶ እውን ንክስእና ይግደድ፡፡ ብፍላይ ድማ ከምትግራዋይ ዝኣመሰለ፤ ናይ ዓብይ ስልጣነ ታሪኽ ወናኒ ዝኾነ፤ ኮይኑ ግና ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓውድታት ዝተገለለ ወይ ምስ ግዜ ዘይተለወጠን ዘይዓበየን ህዝቢ፤ ከም ኣብ ብዙሕ መዓር ዘለዎ ቖፎ ዝነብር ድኹም ዕስለ ንህቢ፤ ፀላኢ ይበዝሖ፡፡

 

ፍልፍል

  1. ተወልደ ትኩእ፤ (1990) : የኢትዮጵያ አንድነትና ኢጣልያ፤ ገጽ 290
  2. ይልማ ደሬሳ (1959): የኢትዮጵያ ታሪክ፤ በኣሥራ ስድስተኛው ክፈለ ዘመን
  3. ኤፍሬም እሸቴ (2008): አክራሪ እስልምና በኢትዮጵያ
  4. Alex dee waal (2018): The Future of Ethiopia: Developmental State or Political Marketplace?
  5. Francis Fukuyama (2014): Political Order and Political Decay
  6. Francis Fukuyama (2018): Identity- The demand for diginity and the politics of resentment
  7. On the Question of Nationalities in Ethiopia: Walleligne Mekonnen, Nov. 17, 1969
  8. Yoram Hazony (2018): The virtue of nationalism
  9. Samuel P. Huntington (1996): The clash of civilizations and the remaking of world order.
  10. Shmuel Noah Eisenstadt (2003): Comparative civilizations and multiple modernities
  11. Haggai Erlich (2009): The Grandchildren of Abraha. In: Proceedings of the 16th International Conference of Ethiopian Studies, by Svein Ege, Harald Aspen, Birhanu Teferra and Shiferaw Bekele, Trondheim 2009.

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *