Home / Uncategorized / ማሪኹ ንዝሸይም ህዝቢ ሞስኡ ምጥፋእ ባህሪ ካዳዓት እዩ

ማሪኹ ንዝሸይም ህዝቢ ሞስኡ ምጥፋእ ባህሪ ካዳዓት እዩ

ብ ሙሩፅ መለስ (ነበር መሪሕነት
ድሕንነት፡ ንዚ ፅሑፍ ሽሙ ዝተቐየረ)

 

ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘመናት ነፃነታን ሓድነታን ሓልያ ክትነብር፣ ወናኒት ዓሚቑን ሰፊሕን ታሪኽን መሰረት ስልጣነን ክትከውን  ካብ ዝገበርዋ ምኽንያታት እቲ ዝዓበየ ተጋሩ ዝሃነፅዎ ጠንካራ ስርዓተ መንግስትን ሃፍተ ገነት (እሴት) ብዘይ ምቁራፅ ንዘመናት ዋልታ ነፃነት ኢትዮጵያ ኮይኖም ጠጠው ብምባል ብዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእትነን ዝፈፀምዎ ጊድራን እዩ። 

እንተኾነ እዚ ንህላዊ እዛ ሃገር ጠጠው ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኢዱ እናረኽበ አይኮነን። ባዕዳዊ ወረርቲ ዝምክቱ፣ንስልጣነ ሃገሮም ዝደኽሙ ተጋሩ አብ ክንዲ ክኽበሩን ክሽለሙን ብሓይልታት ትምክሕቲ ብግልጽን በውርን ክቕተሉ ዘተገቡ ብዙሓት እዮም። እዚ ካብ ዝሓለፉ ካብ ዝሓለፉ 100ዓመታት ጀሚሩ ጎሊሁ ዝረአ ተግባር እዩ።

 “ኣታ እዞም ሽዋስ ንሕና ኢና እንፈትዎም ’ምበር፣ ንሳቶምስ ኣይግድን፣

መንገሻ ዮውሃንስ ምስከደ ’ኮ ኢለምዎ ኣይንሰድድን፣

ኣባ ክበድ ገብረስላሰ ምስከደ ’ኮ ኢለምዎ ኣይንሰድድን፣

ኣባ ዝናቡ ኣብርሃ ምስ ከደ ’ኮ ኢለምዎ ኣይንሰድድን፣

ኣባ ይላቅ ካሳ  ምስ ከደ ’ኮ ኢለምዎ ኣይንሰድድን።

ኣታ እዞም ሽዋስ ንሕና ኢና እንፈትዎም ’ምበር፣    ንሳቶምስ ኣይግድን፣

ክንዲ ዝኾናዮም ዋልታን ዕርድን፣

ክንዲ ዝሃብናዮም ሉልን ዘውድን፣

ፈደዩና እንካ ስልየንን ገመድን።”

 

እዚ ካብ በልኩ ሓይልታት ትምክሕቲ ቀወምቲ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ምዃኖም ዘመስከርሉ ኣብዚ ሎሚ ቅነ ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደጋ ክምለስ።

ነዛ ወለድና እናሐለው ነሕናእውን ተቀቢልና ምእንቲ ክብራን ነጻነታ እናተሰዋእናላ ዘለና ሃገር ኣብክንዲ  ምስጋና ቅንጸላ እተትአናግደና እንተኾይና ዓድና ድያ ዋላ ቀጣሊትና? ኢልና ክንሓትት ንግደድ ኣለና። ንሕቶና መልሲ እንህበሉ እውን እዋኑ ሀዚ ኮይኑ ይሰመዐኒ። ምክንያቱ ጽባሕ ክሐይሽ እዩ ብዝብል ተስፋ ተወሳኺ ክሳራን መስዋእትን ክንከፍል ኣይግባእን። ይኣክል!

መንግስትን ህዝብን ካፍቶም ዝአስርዎች ውዕላት እታ ናይ መጀመሪያ ድሕንነት ዜጋታት ምርግጋጽ እዩ። መንግሲት ጭዋድኡ ዘሕብጥ ናይ ሕንክኡ ድሕንነት ክሕሉ ዘይኮነስ ድሕንነት ህዝቢ ክሕልወሉ ከምዝኾነ ወድዓዊ ሓቂ እዩ። ድሕንነት ህዝቢ ዝሕሉ ድማ ሕዝቢ ባዕሉ ኣሳቲፍካ እዩ። ካብ ተሳትፎ ህዝቢ ወጻኢ  ወጻኢ ቃላት ፍቅሪ ምድማር ካብ ብባዶ ምርባሕ ኣይሐይሽን። ዜጋታት ብዘይ ስግኣት ናብ ዝሓሰብዎ ንክወፍሩን ወፊሮም ብሰላም ንክኣትውን  ውሕስነት ክረኽቡ እታ ካብ መንግስቲ ዝጠልብዋ ፈላመይቲ ዛዕባ እያ። እንተ ንኣሰ ነዛ ጠለብ እዚኣ ዘየማእ መንግስቲ  ካብ ህዝቢ ግብሪ  ዝእክብ እንተድአ ኮይኑ መንግስቲ ምዃኑ ተሪፉ ሽፍታ ወይ ድማ ከታሪ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።

ክድም ክብል ኣብ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዝጸንሐ ዕብየት ቁጠባ ብፍላይ ፍሰት ሰብ ሃፍቲ ወጻእን በጻሕቲ ዓድን ዝዓቢ ዝነበረ መንግስቲ ውሑስን ዘላቕን ሰላም የራጋግጽ ስለ ዝነበረ እዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስ ሰላም ንክህሉ ዝተመስረተ ስርዓት ፌደራሊዝም ናይቲ ስርዓት ማሕበራዊ መሰረት ኮይኑ ዘገልግል ዝነበር ህዝብን ዝለዓለ ሚና ከምዝነበሮም ድማ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ መሓውራት ጸጥታ ካብ ሃገርና ሓሊፉም ድሕንነት ዞባና ኣብ ምሕላው ዓብይ ግደ ከምዝነበሮም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ኣልቃይዳ ብኣልሸባብ ኣቢሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንክሕምስ ብፍላይ መሰረት ክርስትያን እያ እትበሃል ኢትዮጵያ ንከጥፍእ ዝነበሮ ህንዱድ ባሕጊን ጻዕርን ብጠንካራ መሓውር ጸጥታን ኣርሒቑ ዝጥምት ኣመራርሓ ኢህወደግን ክመክን ኪኢሉ እዩ።

መንግስቲ ሽዓብያ ዝጫጭሖም ዝነበረ ደንበ ዓመጽቲን ፈጠርቲ ራዕድን ክንዳይ ከምዝነበሩ ንምቕባሎም ክሳብ ዝስልችወና ቅድሚ ሓደ ዓመት እናደገስና ከምዝተቐበልናዮም  ብተግባር ዝረአናዮ ሓቂ እዩ። እዞም ኩሎም ጥይት ዝጠዓጠቑ ዕሱባት ንኢትዮጵያ ብፍላይ ክዓ ንትግራይ ከድሚ ዝይጽዓረ ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይከኣል። ንምንታይ እዮም ኩሎም ዕሱባት ሽዓብያ ጸረ ትግራይን ተጋሩን ተበጊሶም ዝብል ሕቶ ንሎሚ ዛዕባና ስለዘይኮነ ሓዲግና እንታይ ፈቲኖም ከመይ መኺኑ ዝብሉ ምስእዚ ናይሎሚቕነ  ርእሲ ተጋሩ ንምድናን ቃልሲ ተጋሩ ንምስኳንን ተሓሲቡ ኣብ ልዕሊ ብሉጻት መራሒቲ ቃልስናን ሓለውቲ ስርዓትናን ዝነበሩ  ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘፍረዮም ጀጋኑ  ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምትእስሳር ቆንጢርና ንምግላጽ ክንምኩር።

ዘይትዓደልና ግዲ ኮይናስ ኣብ ዓድና ወታደር ጥራሕ ኣይኮነን ኣፈላላያት ሃሳብ ብጠበንጃ ክፍትሕ ውግእ ዝእውጅ። ብሕክምና ዝተመረቐ ፕሮፌሰር እውን ኣብ ክንዲ ንሙያዊ ግቡኡ ተኣማኒ ብምኳን   ደቂ ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ ብማዕራ ብምርኣይ ክድሕኖም ዝሓስብ ደቂ ሰባት ብብሄሮም ጥራሕ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ በይኑ ይቃለስ።

እቲ ኣብ ከርሰ ምድሪ ኢትዮጵያ ዘለው ምዓድናት ኢትዮጵያ ብምውጻእ ወገናቱ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ከናግፍ እዩ ተባሂሉ ብዙሕ ክዝረበሉ ዝነበረ ኣብ ትካል ምርምር ጠፋር ኣሜሪካ ናሳ ዝሰርሕ ዝነበረ ይቅጣው እጅጉ  ዝተሓስበሉ ሕብስተ መና ከምጽእስ ይትረፍ ከም ሓደ ምሁርን ተፈላጢ ሰብን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣፈላላይ ሓሳብ ብልዝብ ክፍታሕ ሓሳብ ኣየቅረበን፤  ኣብ ክንዲ ህጻናት ዝመሃርሎም ኮምፒተራት መግዝኢ ዝኸውን ሓጋዝ “ትግራይ እንጨብጣታለን” ንዝብሉ ሸፋቱ መደለቢ ዝኸውን ዶላር ብምልኣኽ “ኣርበኞች ግንባር” ዝብል ግብረ ራዕዲ ዝፍጽም ውድብ ብምምስራት ብዙሓት ተግባራት ራዕዲ ንምፍጻም ፈቲኑ ኣይሰመረሉን።

ይቅጣው እጅጉ ምስ ሞተ እውን እንተኾነ ንሱ ነዚሕዎ ዝኸደ መርዚ እይዓረፈን ብእኒ እማዋየሽ እትብሃል ዝምራሕ ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ጀጋኑ ትግራይ ንምጥቃዕ ድቃስ ስኣኑ። ንክቡር ቀዳማይ ሚኒስቴር  መለስ ዜናዊ ንምቕንጻል ድማ ተሰማምዑ።  ቀዳማይ ሚኒስቴር መለስ ዝቐትሉ ሰባት ኣለሱ። ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ  “ኮማንዶ” ኢና ብሃልቲ ሰባት ረኺቦም አዘራረቡ። ድሕሪ ብዙሕ ጊዜ መጽናዕቲ ድማ እቶም ኮማንዶ ኢና በሃልቲ ቀዳማይ ሚኒስቴር መለስ ናብ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ሰንበት ሰንበት ቴንስ ክጻወት ይመእ እዩ። ስለዚ 3ሚልዮን ቅርሺ እንተተኸፊሉና ዝሓሰብክምዎ ፈጺምና ጠስሚ ልብኹም ክነርውየኩም ኢና በልዎም። በዋጋ ወጻእ ውረድ ተባሂሎም ድማ ተሰማምዑ። እንተኾነ እቶም  ኮማንዶ እና ብሃልቲ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ዕርቡን ምስተቐበሉ ጨና ማይ ኮይኖም ተረፉ።

ኮማንዶ ብዘይኮኑ ሰባት ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ዝተበልዑ ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣዝዮም ተናደዱ። ብዜካ ራዕዲ ካሊኢ ኣማራጺ ምሕሳብ ዝተስኣኖም እዞም ጉጅለ ጥፍኣት ንተወሳኺ ዝተዋደደ ራዕዲ ንምፍጻም ሓጋዚ ከምዘድልዮም ተረዳድኡ።

በዚ መሰረት ድማ ከምኦም ዝበለ ጉጅለ ጥፍአት ንምርካብ ናብ ምንዳይ ኣተው። ብእኒ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገን ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞን ዝምራሕ ተጋሩ ካብ ገጽ መሬት ንምጥፋእ ዝደሊ ኣዝዩ ጫፍ ዝወጸ ጸረ ህዝቢ ኣረኣእያ ዘለዎ ጉጅለ ድማ ረኸቡ።

እዚ ጥሙር ቅልጽም ግብረ ራዕዲ  ብዙሕ ምስተማየጠ ህዚ እውን ንዕላምኡ መፈጸሚ ዝኸውን ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዶላር ዝምውለሉ ሓይሊ ከምዘድልዮ ተሰማመዐ። በዚ ድማ ምስ እኒ ዶ/ር ብርሃኑነጋን ኣንዳርጋቸው ጽገን ዝምራሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፈጣሪ ራዕዲ ድርጅት ተባሂሉ ዝተበየን ድርጀት “ሕቡእ” ርክብ ጀመሩ።

ብእኒ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ብዝፈጸመ ጉድለት ስነምግባር ምዓርጉ ተገፊፉ ካብ ዝተወገድ እንትኸውን  ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ድማ 1997 ዓ.ም ዝነበር ሃገራዊ መረጻ  ዝተውሃቦ ህዝባውን ሕገመንግስታውን ግቡኡ ነጎድኒ ብምግዳፍን ናይቲ “ትግራዋይ ንመቐለ ንብረቱ ናብ ቀበሌ” እናበለ ዝቕስቅስ ዝነበር “ቅንጅት” ብዝብል ዝተወደበ ሓይሊ ትምክሕቲ ደጋፊ ብምዃን ካብ ሓደ ሕገመንግስቲ ክሕሉ ጠጠው ዝበለ ወታደራዊ መራሒ ዘይሕሎ ስራሕ ሰሪሕካ ተባሂሉ ተነቐፉ።

ካብዚ ዕለት ጀሚሩ ድማ ዝተውሃቦም ነቀፌታ ኣብ ክንዲ ምቕባል ወይም ብሓሳብ ኣብ ክንዲ ምምካት ሓሶቦም ብጥይት ንምእማን ወሰኑ።

በዝተፈላለዩ ምክንያታት ተጉዲእና ኢና ብሃልቲ ናይ ሕመቕ ኣርኣእያ ዘነበሮም ትወለድቲ ጎጃምን ጎንደርን ተጋሩ ንምጥፋእ ብሕቡእ ምምልማል ጀመሩ። ካብ ፖሊስን ሓይሊ ምክልኻልን ዝተሰናበቱ ደቂ ኦጃን ጎንደርን ንስኻትኩም ኣምሓሩ ስለዝኾንኩም ኢኹም ብተጋሩ ተባሪርኩ ብምባል ጸረ ተጋሩ ንክለዓሉ እናእመኑ ብሕቡእ ኣብቲ ናይ ራዕዲ  ዋሕዮ ንክውደቡ ገበሩ።

ብእኒ እማዋየሽ ካልኦት ብሰላም ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ፖሎቲካ ውሽጢ ዝመሸጉን  ዝምራሕ “ዲሞክራቲክ ጋርድ” ዝብል ስም ባዕሉ ዝጸወዐ ድሕሪ ሞት ይቅጣው እጅጉ ዝተረፈ ሓይሊ “አርበኞች ግንባር” ኣብ ቤት ዕዮ መንግስቲ ዝርካቡ ስቪላት እናመልመለ ንግብረ ራዕዲ ዘዳሉ እንትኾን፣ ብእኒ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገን ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞን ዝምራሕ ድማ ኣብ ሓይሊ  ምክልኻል፣ ፌደራል ፖሊስን ክልል ኣምሓራ ጸጥታ ቢሮን ብዝተፈላልዩ ሕመቓት ካብ ፖሊስን መካላኸሊ ሓይሊን ዝተባረሩ ተወልድቲ ጎንደረን ጎጃምን  ሕቡእ ምሓውር ራዕዲ ዝምልምልን ዝውድብን ሓይሊ። ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ብብርሃኑ ነጋን ኣንዳርጋቸው ጽገን ዝምራሕ ጉንበት ሰባት ድማ ዘድሊ ገንዘብ ንከቕርብ ስምምዕነት ተበጽሐ።

ኣድግስያ ክልተ ርእሳ እንተኾነትስ ዝብኢ ዘይበልዓ ይመስላ ከምዝበሃል ሓይልታት ጥፍኣት ስለ ዝተኣኻኸቡ ዘይሰዓሩ መሰሎም። ብዕልዋ መንግስቲ  ስልጣን ንምጭባጥ ድማ ብሃጉ።  ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመኮሩ ዕልዋ ነገስታት ተመኩሮ ንምውሳድ ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ኣመልኪቱም ዝተጽሓፉ መጻሕፊቲ ብምንባብ ኣብ ሃገርና ዝተፈተኑ  ሕድሕድ ዕልዋ ነገስታት ዝነበሮም ደካማን ጠንካራን ጉድንታት ገምገሙ። እቶም ስሕተታት ክይድገሙ እቶም ጠንካራ ጉድንታት ድማ ናብ ናይባዕሎም ወድዓውን ባዕላውን ኩናታት ኣጠዓዒሞም ንክጥቀምሎም ኣብ ትልሞም ኣእተዉ።

ዕልዋ መንግስቲ ንምግባር ዘድልዩ ቅድመ ኩነታት ንምምካር ድማ ኣብ ጽዕቋት ኣኼባታት ምክያድ ተጸመዱ።   እዞም ዝስዕቡ ተግባራት ራዕዲ  ብምፍጻም ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ድማ  ላዕልን ታሕትን ምባል ጀመሩ።

1 ፍልያት ትካላት መንግስትን ቪአይፒን ክሕልዉ ዝተመደቡ ተወለድቲ ጉጃምን ጎንደርን ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ ብጥንቃቐ ብምምልማል ንኩሉም ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰበሰልጣናት ብፍላይ እቲ ስርዓት ካብ ምፍራስ ከድሕኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝተአመነሎም ክሳብ መምሪያ ሓለፍቲ ኣብ ፌደራል ትካላት ዕዮ ዝርከቡ ተጋሩ ንምቕንጻል  ስጉምቲ ዝወስዱ ዕሱባት ምድላው። ኣብዚ ደርጋ ኣብ ኩሎም ሰብ መዚ ተጋሩ ተወለድቲ ጎጃምን ጎንደርን ዝነበሩ ዓጀብቲ ብምምልማል ተዳልዮም ነይሮም። አሳምነው ጽገ ወዲ ወሎ እነሃለወ ተወለድቲ  ጎጃምን ጎንደር ጥራሕ ንምንታይ ይመርጹ ነይሮም ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ።  ብ/ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ከምዝበሎ እኒ ሌ/ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ካብኣቶም ንላዕሊ ተቐባልነት ስለዝነበሮም ናብ መጻወድያ እኒ ጀነራል ኣበባው ንዘይ ምእታው ከምዝኾነ እዩ።

2ይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈላለዩ ሕመቓት ካብ ሓይሊ ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ዝተባረሩ ቅሬታ ዘለወምን ብዙሓት ደቂ ጎጃምን ጎንደርን ደካማ ጎድኖም እናጽነዑ ብሕቡእ ብምምልማል መጥቓዕቲ ንምፍጻም ኣብቲ ሕቡእ ዋሕዮ ራዕዲ ክውደቡ ገይሮም።

3ይ እቶም ተመልመልቲ ዝዕጠቕዎ ኣጽዋር ብምግዛእ ኣብ አዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ብሕቡእ ክዳለዉ ገበሩ።

4ይ ኣብ ምክልኻል ሓይሊ ዝርካቡ ዝተፈላለዩ ቅሬታት ዘለውዎም ተወለድቲ ጎጃምን ጎንደርን  ቁልፊ ኣዘዝቲ ግንባራት ንምቕንጻል መልሚሎም ንክዳለው ገይሮም። ብፍላይ ብ/ተፋራ ማሞ ኣብ ሰሜን እዚ ምክትል ጀናራል ስዓረ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ንጀነራል ስዓረ ኣምሪሩ ዝጽልኦን ዝፈርሖን ብምዃኑ ብ2000ዓ.ም ኣብ ዓድዋ መዓልቲ መከላኪያ እንትኽበር  ንሱ እውን ኣብቲ ጽንብል ተዓዲሙ ስለዝነበር ካብ ኣዲስ ኣበባ ካይዱ ቅንጸላ ዝፈጽሙ ዕሱባት መልሚሉ ተመለሰ።

ብተመሳሳሊ ንጀነራል ኣበባው ታደሰ፣ ጀነራል ኣብርሃ ወልደማሪያም (ኳርተር) ዝቕንጽሉ ፈጠርቲ ራዕዲ ንክምልመሉ ተገብረ። ብፍላይ ንጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ንምቕንጻልን እንተተኻ ኢሉ ደብዳብ ነፋርቲ ዝፍጽሙን ኣብ ምብራቕ እዚ ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ብምምልማል ንክዳለው ገበሩ።

5ይ መፈንቀለ መንግስቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ዕለት ኩነታት ዘራጋግዑ ኣባላት ጸጥታ መሲሎም ተወዲቦም መጥቓዕቲ ንምፍጻም ዘኽእሎም ወታደራዊ ክዳን “ዩኒፎሩም” ፌደራል ፖሊስን ሓይሊ መካላኸልን ክዳሎ ገበሩ። እዚ ዩኒ ፎሩም ቀዳማይ ሚኒስቴር ተጋደላይ መለስ ዜናዊ ክኣቱ ወይ ክወጽእ ናይ መንገዲ ዕጀባ ዝህቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ መሲሎም ኣብ መንገዲ ብምስላፍ መጥቓዕቲ ንክፍጽምሉ እውን ዕላማ ነይርዎም።

6ይ ንዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንክሕሉ ተመዲቡ ዝነበር ሓይሊ ፌደራል ፖሊስ ዋና ኣዛዚ ዝነበረ ኢንስፔክተር ኣመራር ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት እውን ብምምልማል ቀዳማይ ሚኒስቴር መለስ ክኣቱ ወይ ክወጽእ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክዳሎ ገበሩ። ብፍላይ  ኣብ ቦሌ “ግምጃቤት” ተቐሚጡ ዝነበሩ  ኣጽዋር (ክላሽን ምስ ጠያይቱ ብሕቡእ ብምውጻእ ንቶም ካብ ደገ ወታደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ መሲሎ ዝኣትዎ ራዕዳውያን ብምዕጣቕ  ንቦሌ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ንክቆጻጸር  ዘኽእሎም ምድላዋት ተገብረ።

እዚ ብእኒ ብ/ጀነራል ኣሳምነው ጽገን ብ/ጀነራል ተፈራማሞን ካልኦት ኣብ ወጻእን ዓድውሽጥን ዝነበሩ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተደሪሱ ብብዙሓት ፈጠርቲ ራዕዲ ዝትወን ዝነበረ ነውሕ፣ ቀልቢ አንጠልጣሊ፣ ሓደ ሓደ እዋን መፍርሒ ካሊእ እዋን መሕዘኒ ሓልሓሊፉ ድማ መስሓቒ  ድራማ ካብ ድርሰቱ ከሳብ ልምምድ ትወንኡን ካብ ዓይንን እዝንን እቶቶም ኣዝዮም ጥንቑቓትን ውሕሉላትን መራሕቲ የብሄራዊ መረጃን ድህንነት ኣገልግሎት ዝተሰወረ ኣይነበርን።

ከምቶም ኣብ ሃገርና ተመኲሮም ዝፈሸሉ ሓያሎ ተግባራት ራዕዲ እዚ ብእኒ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገን ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞን  ተጋሩ ንምምብርካኽ ዝእለም ዝነበረ ጥፍኣት እውን ኣሽቲቱ  ካብዝረኸበሉ ድቒቓ ጀሚሩ ምክትታል ጀመረ።  ኩሎም ምዓልታዊ ምንቅስቓሳት እዚ ግብረ ራዕዲ ንምፍላጥ ድማ ዕረፍቲ ዘይብሉ ሕቡእ ምክትታል ቀጸለ።

እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ነዚ ነዊሕ ድራማ ራዕዲ ብትዕግስቲ  ምክትታል ኣዝዩ ዝፍትን ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ጉድኒ ምሩጻት መራሕቲ ተመልሚሎም ዝተቐመጡ ጸላእቲ ዝይተሓስበ ስጉምቲ ንከይወስዱ ዘሎ ስግኣትን እቶም ኣይንፍለጥን ኢሎም ላዕለወት መራሕቲ መንግስቲ ዝኾኑ ተጋሩ፣ ውሑዳት ተወለድት ኦሮሞን ኣምሓራን ንምቕንጻል ብሕቡእ ምድላዋቶም ይውድኡ ዘነበሩ ፈጠርቲ ራዕዲ ንኡሽተይ ምልክት እንተፈሊጦም ድማ እቲ ስራሕ ንከይበላሾን ዝነበረ ጥንቓቐን ካሊእ እናተረበጽካ እትዕዘቦ ድራማ ኮነ። ካብ ላዕለወት ኣዘዝቲ እቲ ራዕዲ ምኣዝ ፈጽሙ ዝብል ትእዛዝ ከምዝወሃብ ካብ ዓይንን እዝንን መራሕቲ ድሕንነት ሃገርና ዝተሰወረ እኳ እንተዘይነበረ እዞም ንመራሕቲ ሃገር ዝኾኑ (ብፍላይ ድማ ንተጋሩ) ንክቕንጽሉ ዝተመልመሉ ዕሱባት ኩሉ መዳያዊ ምንቅስቃሳቶም ንምክትታል ንሰከንድ እውን እንተኾነ ዕረፍቲ ዝኸልእ ስራሕ ኮነ።

ኣብቲ እዋን ንመራሕቲ ድሕንነት ፈታኒ ዝነበሩ ብ/ጀነራል ዋና ኣዛዚ ስለያ ምክልኻል ሃገር ስለዝነበረ ኣባል ጥሙር ኮሙቴ ድሕንነ ሃገር እውን ብምንባሩ ብዛዕባ ኩናታት ጸጥታ ሃገርና ኣብ ዝዝተየሉ ስለ እቲ ኣብ ክትትል ዘሎ ስራሕ ሓበሬታ ከይረክብ ከመይ ይቆረጽ ዝብል ካሊእ ፈተና እኳ እንተነበር ንሱ ኣብ ዘለሎ ኣኼባ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንከይለዓል ተጋብረ። በዚ ዝተሸወደ ብ/ጀነራል ተፈራ ማሞ ሓል ሓሊፉ ብቶም ኣባላት ራዕዲ ዝቐርባሉ ዝነበረ ስጋት መንግስቲ ምንም ዓይነት ሓበሬታ ከምዘይ ብሉን ሓበሬታ እተዝህልዎ ኣነውን ምፈለጥኩ ነይረ ዝብል መልሲ ብምሃብ ንኣኣቶም እውን ከሰሓሕቶም ተገብረ።

ኩሎም ምሓውራትን ዕላማ ምንቅስቓሳትን እኒ ብ/ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ምስተፈልጡ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒልካ ብሕጊ ንክሕተቱ ተወሰነ። ኣብዚ እውን ክልተ ዓባይቲ ጥንቓቐታት ክግበሩ መምርሒ ተውሃበ። እታ ቀዳማይቲ ኩሉም መራሕትን ኣባላትን ፈጠርቲ ራዕዲ ምንም ዓይነት ጉድኣት ከይበጽሖም ባዕሎም እውን ይኹን ከይጎድኡ ልዑል ጥንቓቐ ምግባር ንክተሓዙ እዩ። እታ ካልአይቲ ኣብ ኣባላት ጸጥታ ይኹን ካሊእ ህዝቢ ሓዞ ስደዶ ብዝብል ጉድኣት ንከይበጽሕ እዩ።

ሰራዊት ዝእዝዙ ጀነራላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ፖሊስን ሓንቲ ጥይት እንከይተኾሱ ምንም ጉድኣት እንከይበጽሐ፣ ሓበሬታ እንከይጠፍአ ብውሕሉል መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስዓት ሚያዝያ 2001ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ተገብረ።

እዚ ኣብ ሃገርና ተጻዒኑ ዝነበረ ሓደጋ ብውሕሉል ኣመራርሓ ድሕንነት ሃገርና ተቐንጠጠ። እዚ ሓደጋ ቅድሚ 10 ዓመታት ብምምላስ ተፈጺሙ እንተዝኾን ኢልካ ክትሓስብ ኣዝዩ ዝሰንብድ እዩ። ሃገርና ኣብዚ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዘመዘገበቶ ዕቤት ኣይምሃለወን እዞም ምሩጻት መራሕትና ነቶም ለምቅነ ሲእናዮም ዘለና ይኹኑ እቶም ብህይወት ዝኒእው ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብመጥቓዕቲ እኒ ብ/ጀነራል ኣሳምነው ጽገ እንተንስእኖም እቲ ኩነታት እንታይ ምኾነ ነይሩ ኢሉ ንዝሓስብ ሰብ መልሱ አብስሚዕቱ ይትረፍ።

እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ግን ነዞም ዘርኢ ንምጥፋእ ከምስረሖም ገይሮም ዝተበገሱ ሓይልታት ጥፍኣት ጀጋኑ ኢኾም ኢልካ ካብ እሱር ምፍታሕ ብኣንጻሩ እቶም ህይወቶም ሙሉእ ንድሕንነት ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሎም ተግባራት ራዕዲ ብትረት ዝምክቱ ዘነበሩ ሙያተኛታት ምእሳር ውጽኢቱ ኩላትና እንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ።   መዘዙ ንኩላትና ከምዝተረፈ እውን ብተግባር ይረአ ኣሎ።

እቶም “ብሪፎሩም” ይዝምኑ ኣለው እንትብሃል እንሰምዖም ዘለና ትካላት ጸጥታ ሃገርና እዚ ኩሉ ክፍጸም እንከሎ ወረዶ ይነብረም ይኸውን? ቅዱስ ሚካኤል ይፍለጦ። ኣብቶም መራሕቲ ለውጢ ኢና ብሃልቲ  እቲ ስግኣት ከምዝነበረ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ  ህዝቢ መራሕተይ ከይቕንጸሉኒ ኢኩ ምእንቲ ከይሻቐል ሪፐብሊካን ጋርድ ዝብል ስም ፍሉያት ኮማንዶታት ኣብ ዓዲ ወጻኢ ከምዘሰልጠነ፤ እቶም ዝሰልጠኑ ድማ እናዘለሉ ጀበና ምስባር ክምዝኽእሉ ኣብ ቴሌቪዥን ከምዝተዓዘብና ኩላትና ንዝክሮ ኢና። እሞ ንበዓል መን ድኣዮም ዝሕልዩ? እንታይ ዓይነት ድሕንነት እዩ ዘድልየና ናይ መንድሕንነት እዩ ክሕሎ ዝግባእ ዝብል ሕቶ መልሲ የድልዮ። ምክንያቱ እቲ ሀዚ እንሪኦ ዘለና መልሲ ግና ግዚኡ ዝሓለፎ ድሑር ብያነ ድሕንነት እዩ። ዘመናዊ ስነ ሓሳብ ድሕንነት ካብ ማንም ኣካል ንላዕሊ ድሕንነት ህዝቢ እዩ ቀዳምነት ዝወሃቦ።

እቲ ብሓይልታት ትምክሕቲ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ህላዌ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ኣብ ሻቕሎት ንምእታ ዝግበር ሃልኪ ግን ከንቱ እዩ። ድሕንነት ተጋሩ ዝረጋገጽ ብሰረ ተጋሩ ጥራሕ ከምዝኾነ ሕሉፍ ተመኩሮ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ድሕንነት ተጋሩ ዝሕሎ ብጠበንጃ ጥራሕ ኣይኮነን። ናይ ተጋሩ ወድዓዊ ናይ ድሕንነት ኣጀንዳ እንታይ እዩ? ከመይ ይተሓሎ፣ መንይሓልዎ ዝብሉ ዛዕባባታት መንግስቲን መራኽብቲ ሓፋሽን ትግራይ ንህዝቢ ከፍልጡ ይግባእ። ትማሊ ብጥሙር ቅልጽሙ ዝሰዓሩም  ጸላእቱ “ኣካኪ ዘራፍ” እንትብሉ ብምስጋእ ካሊእ ስራሕ ገዲፍና ንመኸተ እንስለፍ  እንተኾይና ድሕንነትና ዘይኮና እንሕሉስ ድሕንነትና ኢና ኣብ ሓደጋ ክነውድቕ።

ስለዚ መጥቃዕቲ ትምክሕተኛታት መጠንከሪ ሓድነት ተጋሩ እዩ። ድሕንነት ተጋሩ ውሑስ ዝኸውን ብሓድነትን ጥምር ቅልጽምን ተጋሩ ስለ ዝኾነ ተረዲእና ሓድነትና ካብ ማንም ግዘ ንላዕሊ ብምጥንካር ሕድሪ ስውኣትና ንፈጽም።

ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ነቶም ምእንተ ማዕርነትን ነጻነትን ሃገሮም ክብሉ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ።

 

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *