Home / Uncategorized / መሪሕነት ትግራይ?!

መሪሕነት ትግራይ?!

ብ ኣርኣያ ኣብርሃ መድሃንዬ (ዶ/ር)

ከምናተይ እምነት ከም ማሕበረሰብ ይኹን ከም ውልቀሰብ ናይ ሕድሕድና ሂወትን መፃኢ ዕድልናን ብዝህልዉና መራሕቲ ይዉሰን እዩ። መራሕትና ድኹማት ተኾይኖም ሂወትናን ናብራናን ድኹምን ድሑሩን ይኾን። ናብ ንደልዮን ንምነዮን ስልጣነን ምዕባለን ንምብፃሕ ድማ ዓመታት ጥራሕ ተለይኾነስ ዘመናት እዉን ይወስደልና። መራሕትና በላሕቲን ቡቑዓትን እንተኾይኖም ድማ ካብ ዘለናሉ ድሕረትን ድኽነትን ኣብ ሓፂር መዋእል ንናገፍ መፃኢና እውን ብሩህ ይኾን። ስለዚ ከም ህዝቢ ይኩን ከም ውልቀ ሰብ ንመሪሕነት ንህቦ ቖላሕታ ሸለል ክበሃል የብሉን። የግዳስ ከም ቀንዲ ውራይና ክውሰድ ይግባእ። ከም ተጋሩ ድማ ቡቑዓትን በላሕትን መራሕቲ ክንፈጥር እንተዘይኺኢልና ዘይሩ ዘይሩ ዕድኡ ላብ ርእስና እዩ ልኸውን። ናይ ታሪኽ ፈላጣት ሃምልብልዎ ተጋሩ ዝሰዓሩ መራሒ እንትስእኑ እዮም። ብቑዕን በሊሕን መራሒ ተረኺቦም ተጋሩ ብምንም ኣይሰዓሩን ይብሉ። ስለዚ ብናሃተይ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን ብቑዓትን በላሕትን መራሕቲ ከመይ ይግለፁ? ከመይ ይፍጠሩ? ካብቲ ዘለናሉ ድሕረትን ድኽነትን ንኽንናገፍ ኸ መራሕቲ ትግራይ ታይ ክኾኑን ከማልኡን ኣለዎም? ንዝብላ መልዐሊ ሕቶታት መሰረት ብምግባር ሓሳበይ በዛ ፅሕፍቲ እዝኣ ኣቢለ ከካፍል ይደሊ። እዛ ፅሕፍቲ እዝኣ ከሰላስልን ክፅሕፍን ተለኹ ትርዱኡለይ ዝደሊ ናይ መሪሕነት (leadership) ፈላጥ ወይ ከዓ ሙሁር ኾይነ ተለይኾነስ ከም ሓደ ግዱስ ትግራዋይ መሪሕነት ትግራይ ታይ ክኸውን ኣለዎ? ከም ሓደ ትግራዋይ ታይ ዓይነት መራሕቲ ክህልዉና ሃምልደልን ዝምነን ንምግላፅን ሓሳበይን ንምክፋል እዩ። ከምእውን ከማይ ተመሳሳሊ ድልየት፣ ሓሳብን ሕቶን ዘለዎም ተጋሩ ንኽመያየጥሉ መልዐሊ ሓሳብ ተኾነ ካብ ልብል ቕንዕናን ሓልየትን ዝተሓዎሶ ድልየተይ እዩ።

ቡቑዕ መራሒ ከም ኣቦን ኣደን እዩ ክሓስብን ንዝመርሖ ህዝቢ እውን ክኸውንን ዘለዎ። Simon Sinek ዝበሃል ፀሓፍን ሊቅን ኣብ Leaders Eat Last ዝብል መፅሓፉ “There is no better example of right leadership than parenting” ይብል። ሓቁ! ሓቀኛ መሪሕነት ታይ ምዃኑ ልምርዳእ ካብ መዓት ሓሳባዊ ልኾኑ ስልጠናታት ምውሳድ ወላዲ ( ኣቦን አደን) ኾይንካ ምርኣይ እዩ ዝበልፅ ፡፡ ያዉ ኩሉ ኣቦን አደን ቡቑዓት መራሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ልምባል ተለይኾነስ ቡቑዓት መራሕቲ ንዝመርሕዎ ህዝቢ ከም ውላዶም እዮም ክርእዩዎ ዝግባእ ልምባል እዩ። ህዝቢ ከምውላዱ ዘይርኢ መራሒ፣ ህዝቢ ከም ጓና ገይሩ ልርኢ፣ ብዛዕባ ባዕሉ ክብርን ጥቕምን ጥራሕ ልሓስብ መራሒ ሓቀኛ መራሒ ክበሃል ኣይኽእልን። ወለዲ ንውላዶም ዝገብርዎ ሓልዮትን ፍቕርን፤ ንውላዶም ዝገብርዎ ድቃስ ለይብሉ ለይትን ቐትርን ፀዓርዓር ንውላዶም ካብ ዘለዎም ፍቕር እምበይ ውላዶም ከመስግኖም፣ ከድንቖምን ክሰግደሎምን ካብ ዝብል ናይ ግብዝነት መንፈስ የኮነይ። ውላድ እውን እንተኾነ ወለዱ ንዑኡ ንምዕባይ ኽንደይ መከራ ሃምልሓለፉ፣ ሃምልደኸሙ፣ መስዋእቲ ሃምልኾኑ ልርድኦ ዓብዩ ምስ ወለደ እዩ እምበይ ናይ ወለዱ ፃዕርን ድኻምን ምንም ለይኽርዶኦ ይኽእል እዩ። ልእዉን ክኸውን ይኽእል እዩ ወለድና ውላዶም ከፀግሞም ከሎ፤ ዝመኽርዎ ሓሳብ ኣይቕበልን ክብል ተሎ “ ወሊድኻ ረኣዮ” ዝብሉ። ስለዚ መራሕቲ እዚ ገይርናልኩም፣ ዝኹሉ መስዋዕቲ ኸፊልናልኩም ዝለዝኾና ኣመስግኑና፣ ጠቡሩና፣ ሐዚ ንዓርፈሉ ግዘ እዩ ኣይትሃውኩና ክብሉ የብሎምን።

እወ፤ ህዝቢ ሓያል እዩ ግን መራሒ የድልዮ እዩ። ህዝቢ ከም ውላድ እዩ። ኩሉ  ይፈልጥ እዩ፤ ኹሉ ይርእይ፣ ይምዝን እዩ ኢልካ ስቕ ትብሎ የኮነይ። ህዝቢ ዝደልዮ ነገር እንደሕር ገይርካሉ ይሕጎስ፤ ዝደልዮ ነገር እንደሕር ዘይገይርካሉ ይኹርይ። ብዝሓለፈ ሰናይ ተግባርኻ ወይ እዚ መስዋእቲ ገይርናልካ ኢናሞ ስቕ በል ኣይትብሎን። ብቑዕ መራሒ በቢግዚኡ ናይ ዝመርሖ ህዝቢ ሕቶን ድልየትን እናመለሰ ክኸድ ይግባእ። ልክዕ ወለዲ ንናይ ውላዶም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየን እናተቐያየረን ዝኸድ ድልየትን ሕቶን ንምምላስን ንምምላእ ዝገብርዎ ፃዕርን ሓልየትን ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ባዕልኻ ነብሲ ናልመፅኻ፣ ናይ ባዕልኻ ኸብዲ ናወጠርኻ፣ ናይ ባዕልኻ ጁባ ጥራሕ እናመላእኻ ኣኽብሩኒ፣ ምረፁኒ ኣይሰርሕን። ህዝቢ ብዝገበርካሉ ፅቡቕ ተግባር እምበይ መራሒ እየ ኢልካ ንባዕልኻ ብዝተረኣኻሉ ተግባር የኮነይ ለመስግነካ፤ ለንግሰካ። Remember true leaders eat last. If you eat first, you are not a true leader. ብሉፅ መራሒ ክትኸውን ትምነ ተኾይንካ ኣደታት ተጋሩ ንምንታይ ምግበን ድሕሪ ደቀን፣ ኩሉ ምስፀገበ ሃምልበልዓ ሕተት፤ ተመራመር። ብሉፅ መራሒና መለስ ዜናዊ እንትስዋእ ተሎ ሓፋሽ ንብዓት ብንብዓት ልኾነት ልባዕላ ክትብል እምበይ መለስ መራሒ እዩ ስለዝተብሃለ ወይ ቀዳማይ ሚንስተር ስለዝነበረ የኮነይ። ፈታዉን ፀላእን ንመለስ ዝበኸየሉ፤ ሰላምና ስለ ዝሓለየልና፣ ስለዘመሀረና፣ መለስ ሰሪሕና እንጀራና ክንበልዕ ኩነታት ስለዘመቻቸወልና እዩ። ጥሜትን ጭንቅን እንተመፂኡ፣ ከማና ኾይኑ ቐዲሙ ጭንቀትና ፍርሕናን ሓላፍነት ወሲዱ ስለዝተሸከመልና እዩ። ክብርን ሞጎስን መሪሕነት ብዘይፃዕሪ፣ ሓልዮትን ርኡይ ተግባርን ኣይርከብን።

ሓቀኛ መራሕቲ ንህዝቦም መርኣያ እዮም። ብስርሖም ይኹን ብናይ ግሊ ሂወቶም መርኣያን መግለፅን ክብርታት ህዝቦም እዮም። ብቑዓት መራሕቲ ፅንዑን ሰናይን ስነምግባር ዘለዎምን ክብርታት ዝመርሕዎ ህዝቢ ድማ ብተግባር ዝገልፁን ዘክቡሩን እዮም። ብሓቂ መራሒ እንተኾይንካ ከምድላይኻ ትኾነሉ ዕድል የለን። ናይ ግለይ ሂወት ከምድላየይ፤ ማንም ኣብ ናይ ግሊ ሂወተይ ምንም ዘእትዎ የለን። ከም ድላየይ ክዕንድር፣ ክዓጥርን ክሰክርን ይኽእል እየ ዝብሃል ነገር የለን። ከም ድላየይ ህዝቢ እናፀረፍኩን እናናሸኹን ክመርሕ ይኽእል እየ ዝብሃል ፅላለ የለን። No way! ሃምኡ ልበሃል ፈሊጥ ኣብ መሪሕነት የለን። ህዝቢ መራሒ ገይሩ ክቕበለካ ተሎ ክብርታቱን ባህሉን ሃምተኽብረሉ ብውሽጡ ኣሚኡ እዩ። እንደሕር ክብርታቱን ባህሉን ከምዘይተኽብረሉ እናፈለጠ መራሒ ኾይንካ ወይ ብሓይልኻ ኢኻ መራሒ ኾይንካ ወይኸዓ ናይ መሪሕነት ቦታ ንስሙ ኢኻ ሒዝካ እምበይ ናይማን ሓቀኛ መራሒ የኾንካይ ማለት እዩ።

ብስሩ እውን መሪሕነት ቢሮ ሓላፊ ወይ ፕረዝደንት ወይ ጀነራል ወይ ሓለቓ ዓሰርተ ምዃን ማለት የኮነይ። መራሒ ማለት ሹመት ብዘየገድስ ህዝቢ ዝኽተለካ፤ ንኣተሓሳስባኻ፣ ንተግባርኻ፣ ንውሳነኻን ዕላማኻን ብልቢ ኣሚኑ ዝኽተለካ ሰብ ወይ ሰባት እንትህልዉ ማለት እዩ። Leadership is all about trust. ስለዚ ከምድላዩ ንዝዕንድር፣ ንዝዓጥር፣ ንዝሰክርን ብሱስ ነብሱ ለሽ ንዘብልን መራሒ እየ ዝብል ሰብ ዝኽተልን ዝኣምንን ጥዑይ ህዝቢ የለን። ህዝቢ ኣሚኑ ኣብ ብሚልዮናት ክትውስን፣ ኣብ ደሕንነቱ ክትመክር ዝፈቕደልካ፣ ብቕንዕና እንትስሓሓት ዝዕገሰካ፣ ካብ ስሕተትካ ተምሂርካ ብተግባራዊ ልምዲ ብግዘ ተሃኒፂካ ናጋ ዝሓሸ መራሒ ክትኸውን ሃምትኽእል ስለዝኣምን እዩ ናይ መሪሕነት ዕድል ዝህበካ። እምበይ ናጋ ጉበትኻን ጨጓራኻን ብሕሱም መስተ ኣሕሪሪካ፤ ነብስኻ ብዘይምእላይኻ ናብ ሕማምን ሞትን ባዕልኻ ትዳጉን ተኾይንካ ህዝቢ ንምንታይ ሃፍቱ፣ ግዚኡን እምነቱን ኣባኻ የጥፍእ?! ቡቑዓት መራሕቲ ርእሶም፣ ፍልጠቶም፣ ጉበቶምን ጨጓራኦምን ናበይነይ እዩ ኢሎም ኣይሓስቡን። ናይ ባዕሎም ጥዕና ምሕላይ ንህዝቦም ዘገልግልሉ ዕድመን ዓቕምን ምዕባይ ሃመልኾነ ብደምቢ እዩም ልርድእዎ። ኣለበለዚያ ንዓመታት ንትምህርቱን ንልምዱን ክንደይ ሃፍትን ግዘን ፈሰሰ ልተገበረሉ መራሒ ከየገልገለ ኣብ ሓፂር እዋን ይቑፀ፤ ዕድል ዝመረሖ ህዝቢ ድማ ሕልሚ ደርሖ ኾይኑ ይቐሪ። እንደገና ናብ ካሊእ ዕንኪሊልን ብቑዓት መራሕቲ ኣለሻን ይእቶ ማለት እዩ።

መሪሕነት ካብ ገዛኻ፣ ካብ ነብስኻ ካብ ስድራኻ እዩ ልጅምር። ህዝቢ እውን ተውርዮ ጥራሕ የኾነይ ልርእይ፤ ልዕዘብ። ትዕበ ትንኣስ ተግባርኻ እናረኣየ እዩ ዝግምግመካ። ፈረንጂ little things matter ይብሉ። ሓዳርካ ፈቲሕካን ደቕካ ኣብ ንእስነት ዕድመኦም በቲንኻን ኣብ ቕድሚ ህዝቢ መልኣክ ተመሰልካ፤ ህዝቢ ከድሕን እየ መራሒ ኮይነ ለለኹ ተበልካ ዋጋ የብሉን። ንበዓልቲ ገዛኻ ከም ናይ ከቢድ ሚዛን ቦክሰኛ ተወዳዳሪ ጓሓት ጓሓት እናደብደብካ ትነብር ወዲ ኣዳም ህዝቢ ብቕንዕናን ብዲሞክራስን ክመርሕ እየ ተበልካ፤ ንዓሻ በሎ ኢኻ ትበሃል። ሰብኣያ መዓልቲ መዓልቲ እናናሸወት ሰላም ተስእን፤ ዝሓሸ ግዘ መፂኡለይ ኣብ ዝበለቶ እዋን ትፈትሕ በለፀኛ ክመርሐኩም ምረፁኒ ተበለት ህዝቢ ግርም ይብሎ ይኾን እምበይ ሃመይ ኢሉ ከም መራሒቱ ይቕበላ። ኣነማ ሐዚ ሐዚ ብዛዕባ ስነምግባር መሪሕነት ክሓስብ ተለኹ ታይ ድየ ልሓስብ? ንመሪሕነት ልሕፀዩ ሰባት ናይ ግለሰብእና (Personality) ምርመራ ክግበረሎም ሃምለድሊ እየ ልሓስብ። ሐዚ ሐዚ ልመፁ ለለዉ ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃገርን ክልላትን እኮ ዳርጋ ቀውስታትን ዕውዳትን እዮም። ቖሎኦም ምቑፅፃር ለይኽእሉ ህንደይ መራሕቲ ኢና በሃልቲ እዩም ለለው። በቃ ምዝራብ ስለዝኸኣልካ መራሒ ኮይንካ ማለት የኾነይ። ምዝራብ ልምዝራብ እማ ዕቡድለ ሙሉእ መዓልቲ ናውረየ ናሃተፈ ክውዕል ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ዘለናሉ ናይ ውድድር ዘመን ብቑዓት መራሕቲ ኣብ ናይ ግሊ ሂወቶም ዕውታት እዮም። Leaders eat last ክብል ተለኹ መራሕቲ ጨቖንቖን ይበሉ፤ ብድኽነት ይቖርመዱ ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ። ሓቀኛ መራሕቲ ስኽፍታን ቓል ዓለምን የብሎምን። ኣብ ባዕሎም ክበፅሕ ለይደልዩዎ ሕማቕ ነገር ኣብ ካሊእ ሰብ ክበፅሕ ኣይደልዩን፤ ኣይምነዩን። ስኳር ብማይ በፅቢፅካ እናሰተኻ ጥራሕ ስድራ፣ ህዝብን ዓድን ምምራሕ ይከኣል እዩ ዝብል ሕሉፍ ዝኾነ ምስሉይነትን ናይ ስእነት ኣተሓሳስባን የስሕቖም እዩ። እንዳውም ተተኺኢሉ መራሕቲ ክኾኑ ለለዎም ብናብረኦም፣ ብስርሖምን ብኣታሓሳስበኦም ዕውታትን ሃፋትምን ዝኾኑ እዮም ክኾኑ ዘለዎም። ንባዕሉን ንስድርኡን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ለየናገፈ ወይ ከናግፍ ልኽእል ኣተሓሳስባ ለይወነነ ሃመይ ኢሉ እዩ ንህዝቢ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ሓራ ከውፅእ ልኽእል። ህዝቢ ሓራ ከውፅእ እየ ከም ሽምዓ ልመክኽ ለለኹ እናበለ ፕሮፖጋንድኡ ተነፈሐ የዋሃት የታልል ይኾን እምበይ ታይ ክዓብስ። መራሒ ምዃኑ ረሲዑ ብዛዓባ ናብርኡን ሃለዋቱን እናማረረን እናቖዘመን ልነብር ሃመይ ገይሩ እዩ መራሒ ልኾን። ኣነ ኣይርደአንን! መራሒ ምዃን ፀገም ምፍታሕ፣ ምዕቡልን ኣወንታውን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምውናን ምዃኑ ረሲዑ ካልኦት መራሕቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ እናሓመየን እናናሸወን ልውዕል ብቑዕ መራሒ ክኸውን ኣይኽእልን። ባዕሉ ስራሕ ሃመይ ሃምልስራሕ ለይፈልጥ፤ ፅዒርካን ርሂፅካ ምህፍታም ክንደይ ግዘን ድኻምን ሃምልጥይቕ ለይፈልጥ ሰብ መራሒ እዩ ኢልካ ሾይምካ ልልሰርሕ ሰብ፣ ብፃዕሩን ብረሃፁ ልልሃፍተመ ሰብ ላተቖፃፀረ ተወዓለ ታይ ትርጉም ኣለዎ? ዓይኑ ደም ክመልእ ይኾን እምበይ ምንም ትርጉምን ቑምነገርን ለለዎ ስራሕ ክሰርሕን ክመርሕን ኣይኽእልን።

ብቑዓትን ብሉፃትን መራሕቲ ኣብ ጥራይ ሜዳ ኣይፍጠሩን። ብፀሎትን ምህለላን እውን ኣይርከቡን። ብቑዓት መራሕቲ መንበብትን ፀሓፍትን እዮም። ዝተስሓለ መራሒ ክኸውን ዝደሊ ሰብ ‘ስሱዕ መንበባይ’ ክኸውን ኣለዎ። Avid reader ይብሉዎ ብእንግሊዝኛ። ናይ ዓለምና ታሪኽ፣ ስልጣነ፣ ፍልጠት ኣብ መፃሕፍቲ እዩ ልግነ። ናይ ካልኦት ዓድታት ስልጣነ፣ ናይ ካልኦት ዓድታት መራሕቲ ኣታሓሳስባ ልምፍላጥ ናይ ግድን በቢ ዓዱ ላዘርካ ታይ ኢኩም ትሓስቡ፣ ታይ እዩ ስልጣኹም እናበልካ ምሕታት ናይ ግድን ኣየድልየካን። ኣብ ዘለኻዮ ሃሊኻ መፃሕፍቶም ብምንባብ ምፍላጥ ትኽእል ኢኻ። ባራክ ኦባማን ዶናልድ ትራምፕን ኣታሓሳስበኦም፣ ድልየቶምን ታሪኮምን ካብ ዝፀሓፍዎ መፃሕፍቲ ወይ ካብ ብዛዓበኦም ካብ ዝተፀሓፉ መፃሕፍቲ ኣንቢብካ ምርዳእ ይከኣል እዩ። ብመፃፍቶም ኣብልካ እውን ምስኦም ምዝርራብን ኣብ ውሽጢ ሓንጎሎም ለሎ ኣተሓሳስባ ምፍላጥን ይከኣል እዩ። ዓለም ብምልኣ ኾለል ተበልኻ ዘይትረኽቦ ፍልጠት ኣብ መፃሕፍቲ ኢኻ ትረኽቦ።

መራሒ ምዃን ሓሳብ ምምንጫው፣ መፍትሒ ሓሳብ ምምፃእ፣ ኣቐዲምካ ምእማትን ኹነታት ብዝተፈላለይየ መንገዲ ምርኣይን ምትንታትን እዩ ኢልና ኢና። እዚ ልምግባር ድማ ኣብ ህልውን መፃኢ ኩነታት ፈላጣትን ሊቓውንትን ዝፀሓፍዎ ናይ ዘመናት ናይ ምርምር መፃሕፍቲ ብምንባብ እዩ። ሓደሽቲ ሓሳባት ልመፅሉ ካብ ሰማይ የኾነይ። ሓደሽቲ ሓሳባት ልመፁ ካብ ንባብ፣ ካብ ምስማዕን ምስትውዓልን እዩ። ዘየንብብ መራሒ ሓደሽቲ ሓሳብት ከምፅእ ኣይኽእልን። ሓሳባት ዘይብሉ መራሒ ድማ ክፅሕፍ ኣይኽእልን። ስለዚ ኣንሕና ተጋሩ ብቑዓትን በላሕትን መራሕቲ ክህልውና ንደሊ ተኾይና፣ ንመሪሕነት ዝሕፀዩ ሰባት የንቡቡ ዶ? ይፅሑፉ ዶ? ኢልና ክንሓትት ኣለና።  መራሒ እየ ኢልካ ኣኼባ ብምኽፋትን ብምዕፃውን ጥራሕ ዓዲ ክምራሕ ኣይከኣልን። መማኽርቲ እውን ሓገዝቲ እምበይ ናይኻ ርእሲ ተኪኦም ዓለም ብናይኻ ርእስን ዓይንን ክርእዩልኻ ኣይኽእሉን። ከምናተይ እምነት ሓደ መራሒ ብካሊእ ሰብ ወይ ብተወካሊ ከስርሖም ዘይብሉ ክልተ ቀንዲ ስራሕቲ ተሃልዮም ምንባብን ምፅሓፍን እዮም። ብሉፃትን ብቑዓትን መራሕቲ ክህልውና እንደሊ ተኾይና ሕፁያት መራሕቲ ይኹኑ ኣብ መሪሕነት ዘለው ሰባት ዘይናዓቕ ግዚኦም ኣብ ምንባብን ምፅሓፍን ከሕልፍዎ ይግባእ። እንተስተውዒልና ሓቀኛ መራሕቲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ ካብ ካልኦት ዝፈልዮምን በላሕቲ መራሕቲ ክኾኑ ዝገበሮምን ምሽጥር ገና ካብ ግዘ ንእስነቶም ጀሚሩ ስሱዓት መንበብትን ፀሓፍትን ስለዝነበሩ እዩ። ዋላ ኣብ ቓልሲ ኾይኖም፤ እምኒ ተተሪኢሶም ለንብቡ ስለዝነበሩ እዮም። እቶም ሸውዓተ መስረቲ ካልኣይ ወያነ ካብ እስክርቢቶ ሒዝካ ምፅሓፍ ኻሊእ ክእለት ኣይነበሮምን ግን ወለዶ ኻልኣይ ወያነ ህንደይ ተኣምር ሃምልሰርሑ ኩለና ተጋሩ ንፈልጦ ኢና። መለስ ዜናዊ ካብ ኻልኦት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ World Class Mind ዝተብሃለሉ ካብ ኻልኦት ናይማን ፍሉይ ዝኾነ ብሩህ ሓንጎል ስለዝነበሮ የኾነይ። ካብ ካልኦት ንምእማን ብዘፀግም መልክዑ ሓያል መንበባይን ፀሓፋይን ስለዝነበረ እዩ። ካልእ ምሽጥር የብሉን።

ኣብዚ ግን ክንርስዖ ዘይብልና፤ ለውጢ ዘምፅእ መራሒ ልምዃን ምንባብን ምፅሓፍን እኹል የኾነይ። ዒስራን ዓርባዕተን ሰዓት ገዛ ዓፂኻ ተንበብኻን ተፀሓፍኻን፤ ንባብኻን ፅሑፋኻን ላብ ተግባር ቐይርካ፤ ብተግባራዊ ልምዲ እንድሕር ዘይተሰሓልኻ ተምፅኦ ጠብ ዝብል ተኣምር የለን። መሬት ወሪድኻ ኢድኻ እናሓወስካ ትሰርሖን ትፈልጦን እንድሐር ለየሎ ኾይኑ ሓሳባዊ ጥራሕ ኾይንካ ኢኻ ትተርፍ። ብዘይልምዲ፣ ብዘይስራሕ ዝመፅእ ብቕዓት መሪሕነት ኣብ ሕልሚ ጥራሕ እዩ። ልሕማቕለ ልፅቡቕለ ልምዲ ወሳኒ እዩ። ፒኤችዲ ኣብ ልዕሊ ፒኤችዲ ተደረብኻ ብዘይተግባራዊ ልምዲ ብቑዕ መራሒ ምዃን ኣይከኣልን። ብልምዲ ልብኻ እንደሕር ዘየዐቢኻ፣ ብፈተናን ውድቀትን ቖርበትካ እንደሕር ለየርጉድካ፣ ጭዋዳታት ሓንጎልኻ ብንባብን ምፅሓፍን እንደሕር ኣለስሊስኻ ተዓፃፀፍትን ተለጠጥትን እንደሕር ዘይገይርካዮም ቡቑዕ መራሒ ክኸውን እየ ምባል ቐልዲ እዩ። ዓፃም ሓንጎል ልሓዘን ብናይ ተግባር ልምዲ ዘይሓለፈን መራሒ እየ ዝብል ሰብ ብቐሊሉ ተሓሳምን ተኣናፍን እዩ። ልምዲ ክበሃል ተሎ ድማ በቢዓመቱ ካብ ሓደ ስራሕ ናብ ካልእ ስራሕ፤ ካብ ሓደ ቤት ፅሕፈት ናብ ካሊእ ቤት ፅሕፈት ከም ሂበይ እናዘለልካ ዝርከብ ልምድ የኾነይ። ኣብ ዝኾነ ዓውደ ሙያ እኹል ልምዲን ፍልጠትን ልምርካብን በቲ ሞያ ብቑዕ መራሒ ልምዃን እኹል ግዘ የድሊ እዩ። ተነኣሰ ሓደ ስራሕ ብብቕዓት ልምምራሕ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘድሊ እዮም ናይ መሪሕነት ልቃውንቲ ዝመኽሩ። ብተውሳኺ ድማ መራሒ ክኸውን ዝደሊ ሰብ ከስተባህሎ ለለዎ ናይ ኹሉ ዓይነት ሙያን ስራሕን ፈላጥን መራሕን ክኽወን ሃምለይክኣል እዩ።

መራሒ ክኸውን ዝደሊ ሰብ ባዕሉን ሓሳባቱን ምስ ምስኡ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዘለዎም ሰባት ይኹን ተፃራሪ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ምስ ዘለዎም ሰባት ክካታዕን ክመያየጥን ኣለዎ። ኣተሓሳስቡን ኣረኣእዩን ብፅሑፍ ይኹን ብኻሊእ ሜላ ክገልፅን ከፋልጥን ክኽእል ኣለዎ። ባዕሉ ንሓደሽቲ ሓሳባትን ሙጉትን ከቓልዕ ኣለዎ። ስቕ ኢልካ ብኽራቫታ ተሓንቕኻን ኣብ ጥይት ዘይበስዓን ንውሽጢ ዘየርእይ መስትዋት ዘለዋ መኪና ተጀኒንኻን ካብ ሕዝብኻ ተሓቢእኻ ምኻድ መራሕን ፈላጥን ክገብረካ ኣይኽእልን። ባዕልኻ ብሱፍ ተጆቡንኻ ኣብ ተሽከርካሪ ወንበር ሙሉእ መዓልቲ ተዘፍዝፍካ ቸክን ደብዳበን እናፈረምካ ተወዓልካ መራሒ ኣይገብረካን። መራሒ ዝኽወን ብሓሳብ እዩ። ዓጃቢኻ ካብ ፀላኢ ክከላኸለልካ ይኽእል እምበይ ካብ ድንቁርና ክከላኸለልካ ኣይኽእልን። ድንቁርና ትከላኸሎን ተጥፈኦን ብንባብ፣ ብምስማዕ፣ ብምፅሓፍን ብምክታዕን እዩ።

ከም ትግራይ በቢወለዶኡ በላሕትን ብቑዓት መራሕቲ ዝፍጠርሉ ትካላዊ መስርሕን ስትራተጂን የድልየና እዩ። መራሒ ካብ ሓመድ ወይ ንፋስ ኣይፍጠርን። ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ብቑዓትን በላሕትን መራሕቲ ብውድድርን ብተግባራዊ ልምዲን እዮም ዝፍጠሩ። ብዘይ ውድድር ዝርከብ መሪሕነት መበላሸውን መስነፍን እዩ።ሰብ ብተፈጥርኡ ሓፂርን ልፍዓትን ለይብሉ መንገዲ ደላይ እዩ። ወዲ ኣዳም ብነፃ ልህቦ ተረኺቡ ታይ ኢሉ ይለፍዕ? ታይ ኢሉ ይፅዕር? ታይ ኢሉ ይነፍዕ? ታይ ኢሉኸ ባዕሉ ናብ ውድድር የእቱ?  ስለዚ መሪሕነት ትግራይ ብውድድር፣ ብፃዕሪ፣ ብተግባራዊ ስራሕን ውፅኢትን ዝርከብ ክኾን ኣለዎ። ብስም ኣባልነት፣ ብዝምድና፣ ብፍልጦን፣ ብስም ፒኤችዲ ኣለዎ ወይ ዶኽተር እዩ ኢልካ ዝበሃው ክኾን የብሉን። ከምዚ ገይርካ ዝፍጠርን ዝርከብን መሪሕነት መስነፋይን ቐታልን እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ዝፍጠሩ መራሕቲ እውን ንስሙ ጥራይ መራሕቲ ክበሃሉ ይኽእሉ እምበይ ሓቀኛ መራሕቲ ኽኮኑ ኣይኽእሉን። ብፍልጦን ብዝምድናን መራሕቲ ተባሂሎም ዝሽወሙ ሰባት ዕድመ ስቓይ ህዝብናን ድሕረት ህዝብና ከናውሕሉ ተኾነ እምበይ ምንም ለውጢ ከምፅእሉ ኣይኽእሉን። ክሳብ ፒኤችዲ ምምሃር ወይ ዶኽተር ዝብል መኣርግ ምሓዝ እውን ምስ ብቕዓትን ብልሓትን መሪሕነትን ለራኽቦ የብሉን። በላሕቲ መራሕቲ ክንፈጥር ንደሊ እንተኾይና ኣብ ክንዲ ብርኪ ትምህርትን ሰርተፍኬትን ምርኣይ ፤ ኣብ ተግባራዊ ልምዲ ተነትኩር ይበልፅ፡፡ ወለዶ ካልኣይ ወያነ መለስ ብቑዑን በሊሕን መራሒ ልገበሮ እቲ ዝነበረ ኩነታት እዩ ይብሉ። ነቲ ዝነበረ ግፍዕን መከራን ንምሕላፍን፤ ስዒርካ ንምዕዋትን ከመይ ክመርሕ ከምዘለዎ ስለዘንበበ፣ ስለዝፀሓፈን ከምእውን ምራሕ ተባሂሉ ሓላፍነት ስለዝተውሃቦ እዩ። ፒኤችዲ ስለዝነበሮ ወይ ኣድኡ ምስዓበኻ ንጉስ ትኾን ኢኻ ስለዝበለቶ የኾነይ። መለስ ገና ወዲ ዓሰርተ ትሽዓንተ ዓመት ኾይኑ እዩ ተጋዲሉን ከበድቲ ሓላፍነት ምሽካምን ጀሚሩ። ካብ መሬት ተላዒሉ የኾነይ ቀዳማይ ሚንስተር ኾይኑ። ስለዚ ቐፀልትን ሓደሽትን መራሕቲ ተጋሩ ክፍጠሩ ተኾይኖም ተጋሩ ከም ተጋሩ ገና ካብ መዋእል ንእስነትና ጀሚሩ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተን ዓሰርተ ሾሞንተን ዓመት እንትንኾን ጀሚሩ ናይ ባዕልናን ናይ ዓድናን ሓላፍነት ንሽከመሉ፤ ምምራሕን ውሳነ ምሓብን ብተግባር ንመሃረሉ፤ ስራሕን ምሕዞን ንለምደሉ ትካላዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ክህልወና ኣለዎ። ብሉፃት መራሕቲ ባዕሎም እዮም ዝፍጠሩ እልካ መፃኢ ዕድል ህዝብኻ ንኣቦይዝጊ ኣሕልፍካ ምሃብ ዕሽነት እዩ።

ተሞክሮ ሃገረ እስራኤል እንተርኢና መናእሰይ እስራኤላውያን ገና ደቂ ዓሰርተ ሸውዓተን ዓሰርተ ሾመንተን ኾይኖም እዩ ናይ ሂወትን ሞትን ሳዕቤን ዘለዎ ሓላፍነት ዝወሃቦም። ኣብ ናይ ዓዶም ሃገራዊ ግልጋሎት ኣትዮም ብውትድርና ይስልጥኑ።  ፀገም ታይ ምዃኑ ይርእዩ፤ ፀገም ሃመይ ሃምልፍታሕ እውን ብተግባር ይለማመዱ፤ ይፍተኑ። ሓላፍነት ምውሳድን ጥበብ ውሳነ ምውሳን ይመሃሩ።  ህዝቦምን ዓዶምን ይፈልጡን የገልግሉን፤ ከምእውን ፍቕሪ ዓዶም የማዕቡሉ፤ ባህግን ራኢን ዓዶምን ህዝቦምን ገና ካብ ንእስነቶም ኣብ ልቦም ንዘለኣለም የሕዱሩ። መብዛሕቲኦም መናእሰይ እስራኤላውያን ዳርጋ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ትኾኖም ተለው እዩም ሓዳር ዝገብሩ። እዚ ማለት ገና ብንእስነተኖም ጀሚሩ ሓላፍነት ምውሳድ ይጅምሩ፤ ስድራ ምምራሕ ታይ ምዃኑ ይፈልጡ ማለት እዩ። ናይ እስራኤል መስረቲ ኣቦታት ከምእኒ ሹመን ፔሬዝ ገና ደቂ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት እናሃለዩ እዮም ናይ መሪሕነት ሓላፍነት ተሸኪሞም ካብ ሓዳሽ ሃገረ እስራኤል ምምስራት ጀሚሩ ክሳብ እታ ሐዚ ንፈልጣ ምዕብልትን ተፈራሒትን ሃገረ እስራኤል ጥበባዊ ብዝኾነ መሪሕነቶም ሃኒፆም።

መሪሕነት ልቢ ምዕባይን ምግዛእን የድልዮ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንነብረሉ ማእኸላይ ዕድመ ተጋሩ ከባቢ ስልሳ ዓመት ኣብልኾነሉ፤ ወዲ ዓርባዓ ዓመት ትኾን ተለኻ ሓዳር ገይርካን ሓላፍነት ታይ ምዃኑ ምፍላጥ ጀሚርካን ብቑዕ መራሒ ክኾን ይኽእል እየ ምባል ዘይሕሰብ እዩ። ገና ናይ ሂይወት ድልየቶምን ዕላሞኦምን  ዘይፈልጡ፤ ካብ ሰፈሮም ወፂኦም ለይፈልጡ፤ ዓለም ማለት ቑሸቶም ትመስሎም ደቂ ዓርባዓን ሓምሳን ኣምፅኢካ እስቲ መሪሕነት ተምሃሩን ተለማመዱን ምባል ብናይ ህዝቢ መፃኢ ዕድልን ህልውናን ምቕላድ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ትግራይ ከም ትግራይ ኩሉ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ብቑዕን ብሉፁን መራሒ ክንገብሮ እንደሊ እንተኾይንና መናእሰይ ተጋሩ ገና ቕድሚ ዒስራ ዓመት ምምለኦም ምስ ሓላፍነትን ስራሕን ዝፋለጥሉ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ትግራይ’  ክጅመርን ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ ይብል። መናእሰይ ተጋሩ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ምስ ወድኡ ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ሃገራዊ (ክልላዊ) ግልጋሎት ፈፂሞም ናብ ዩንቨርስቲ ተትኣትው ክንደይ ንቐፃሊ ሂወቶምን ንዓዶም ትግራይን ምጠቐሙ ኢለ ይሓስብ። ከም ናተይ እምነት ናይ ሐዚ መራሕትን መንግስትን ትግራይን ኣብ ዓለምና ካብ ዘለው ዕውታትን ብሉፃትን ዝኾኑ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ናይ እስራኤል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣፅኒዖም፣ ተሞክሮ ወሲዶምን ኣማዕቢሎን ሃገራዊ ግልጋሎት ትግራይ ተግባራዊ ተትኾን ክንደይ በላሕቲ፣ ብሉፃትን መሃዝትን መናእሰይ ተጋሩ መራሕቲ ምረአና።

ብዝኾነ ባህሊ መሪሕነት ትግራይ ታይ ክመስል ኣለዎ? ከመይ ገይርና ባህርያት መራሕቲ ትግራይ ንግለፆ? ብሉፃትን በላሕት መራሕቲ ተጋሩ ከመይ ይፍጠሩን ይህነፁን ኢልካ ምሕሳብን ስትራተጂ ምሕንፃፅን ናይ ግድን እዩ ልኸውን። ምዕቡላት ዓድታት ከም እኒ እስራኤልን ሲንጋፖርን መራሕቶም ዝግለፅሉ ባህሪ፣ ናይ ዓዶም ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናማዕበለ ዝኸድ ባህልን ስነምግባርን መሪሕነት ኣሎዎም እዩ። መሪሕነት እስራኤል ካብ መሪሕነት ኣሜሪካ ፍሉይ እዩ። ስለዚ መሪሕነት ትግራይ ባህሉ፣ ስነምግባሩን እምነቱን ታይ እዩ? መራሕቲ ተጋሩ መግለፂ ባህሪያቶም ታይ ታይ እዮም ኢልካ ምሕታትን ምምያጥን ወሳኒ እዩ። ትግራዋይነት ማለት ሓቂ፣ እምነት፣ ማዕርነት፣ ሓቦ ፣ ሓርነት፣ ፍትሒ፣ ህዝባውነት፣ ኒሕ፣ ስልጣነ፣ ምዕባለን ወፅዓ ዘይቕበል መንነትን እዩ ንብል። ግን ክንደይናይ ዝኾኑ መራሕትና እዮም በዘን ኽብርታት ትግራዋይነት እዚአን ዝግለፁ? ክንደይናይ ዝኾኑ መራሕትና እዩም ካብ ናይ ኣተሓሳስባን መንፈሳውን ባርነት ሓራ ልወፁ? ክንደይናይ ዝኾኑ መራሕትና እዮም ናይ ባዕሎም ሓዱሽ ሓሳብን ምሕዞን ወኒኖም ብዓርሰ እምነት ዝመርሑና? ክንደይናይ ዝኾኑ መራሕትና እዮም ትግራይ ብናይ ባዕላ ሃፍቲ፤ ተጋሩ እውን ብናይ ባዕልና ርእስን ፍልጠትን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ሓራ ክንወፅእ ሃምንኽእል ኣሚኖም ብሙሉእ ዓርሰ እምነት ዝመርሑና? ኣነ እንዲዒ?! ሕውስውስ ልበለ ምስሊ መሪሕነት ትግራይ እዩ ልረኣየኒ ለሎ። ሓደ ሓደ ግዘለ ብዓይነ ዕሙተይ ንምራሕ ለለና ይመስለኒ እሞ ይብህርር። ዋእ! ፀሓይ ከይዓረበትና ንሕሰበሉ። በላሕቲ መራሕቲ ኩነታት እዩ ልፈጥሮም ኢልና ኣይንሃርስ። ኹሉ ነገር ልዕድልን ንግምትን ኣይንሃቦ። ኩሉ ዝምለከቶ ኣካል ኣድላይነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ትግራይ ንመሪሕነት ጥራይ ተለይኾነስ ንህንፀት መናእሰይ፣ ንህላወና፣ ንኹሉ መዳይ ውሕስና ህዝብናን መፃኢ ዕድልናን ዘለዎ ረብሓን ወሳንነትን ተዝመያየጥሉን ተትሓስቡሉን ይብል። ኣቐዲምና ንሕሰብ፤ ኣርሒቕና ንኣምት። ካብ ሐዚኡ በላሕትን ብሉፃትን መራሕቲ ንፈጥረሉ ኣሰራርሓን ስትራተጂን ንሓንፅፅ፤ ነፃ ዝኾናን ንኹሉ ትግራዋይ ማዕረ ዕድል ዝህባን ትካላት መሰልጠኒ መሪሕነት ነጣይሽ። ባህሊ መሪሕነት ትግራይ ብስነሓሳብን ብተግባርን ንዓለም ነፋልጥ።

ኣብ ቐፃሊ “ትግራይ ካብ ተሞክሮ ሃገረ እስራኤል ታይ ክትምሃር ትኽእል? ተጋሩ ካብ እስራኤላዉያን ታይ ክንመሃር ንኽእል?” ዝብል ፅሑፍ ሒዘ ክቐርብ እየ። ክሳብ ሽዑ ንኹለና ሰላምን ጥዕናን ይምነ። የቐንየለይ!

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *