Home / Uncategorized / ሓርነታዊ መንገዲ፣ ትግራይ ዘይፈተነቶ ኣንፈት ምዕባለ፤

ሓርነታዊ መንገዲ፣ ትግራይ ዘይፈተነቶ ኣንፈት ምዕባለ፤

ኣብራሃም ኣሰፋ (ኢንጅነር)

ኣብ መበል 56 ሕታም ውራይና፤ ዳዊት ሃይለ ዝተብሃሉ ሓውና ክልል ትግራይ ኣብ ክሊ ዓባይ ሃገር ትዓቢ ዝብል ሞጎት ኣቕሪቦም ምንባሮም ይዝከር። ዘለናሉ እዋን፣ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ኣብ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዘለዎ ሓሳብ እናቕረበ ብምዝታይን ሓበራዊ ምርድዳእ ብምሓዝን ኣንፈትና ኣብ እነነፅረሉ ተኣፋፊ ኩነታት ምህላውና ርዱእ እዩ።  ስለዝኾነ ድማ፣ ኣይተ ግርማይ በርሀን ኣይተ ዳዊት ሃይለን ዝበሃሉ ክልተ ግዱሳት ተጋሩ ኣብታ ልዕል ኢላ ዝተጠቐሰት ሕታም ውራይና፣ ኣብቲ ዛዕባ ኣመልኪቶም ነናይ ባዕሎም ሓሳባት አቕሪቦም ኣለዉ። ካብቱ ጽሑፋቶም ከም ዝተረዳእኽዎ፣ ክልቲኦም ተጋሩ ብዛዕባ ድሕንነት ትግራይ ዝግደሱን ኣብቲ ህልው ኩነታት ህዝብና ዘይፈላለዩን ኢዮም። እንተኾነ ግና ረብሓ ብሄረ ትግራይን ተጋሩን ከመይ ይረጋገፅ ኣብ ዝብሉ መትከላት ዘለውም አፈላላይ ኣዚዩ ሰፊሕ ኢዩ። በወገን ኣይተ ግርማይ፣ ብሄረ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝርከበሉ ኩነታት፣ ዕምቆቱን ስፋሓቱን ካብ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ረብሓታት ሓሊፉ ምስ መንነት ዝተአሳሰረን፣ ከምኡ ስለዝኾ ድማ ነቲ ፀገም ኣብ ክሊ እዛ ሀገር ኮይንካ ንምፍታሕ ዝተገብሩ ፈተናታት ኩሉም ፍሹል ምዃኖን ቅዋም ብምሓዝ፣ ስትራተጂያዊ መፍትሒኡ እውን  “ነፃ ሃገር ምውናን እዩ”  ክብል ዝደምደመ እዩ።  ብወገን ኣይተ ዳዊት ድማ፣  ክልል ትግራይ (ብሄረ ትግራይ  ኣይበለን)፣  “ኣብ ፅላል ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ ክትዓቢ ትኽእል እያ” ብምባል፣ ብቐንዱ ረብሓ ትግራይ ብዓይኒ ቁጠባ ዝተቓነየ ምዃኑ ኣስሚሩ ሓሳቡ ኣቕሪቡ ኣሎ።  ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ክመያየጠሉ ዝግባእ እዋናዊ ዛዕባ፣ ነናይ ባዕሎም መካትዒ ሓሳባት ብዝርዝር ንምቕራብ ዝወሰድዎ ልዑል ተበግሶ ኣዐርዩ ዝምስገን እዩ።  እንተኾነ ግና፣ እቲ ውራይ፣ እዋናውን ኣገዳስን ውራይ ትግራይ ስለዝኾነ፣ ብዙሕ ክትዕን ምርዳዳእን ዘድለዩ ዛዕባ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣነ እውን ብወገነይ ውልቃዊ ርኢቶይ ከምዝስዕብ ኣቕሪበ ኣለኹ።

ሽሕ’ኳ ከም ውልቃዊ ርእይቶ ክኽበር ዝግበኦ እንተኾነ፣ ብኣይተ ዳዊት ዝቐረበ ሓሳብ፣ ነቲ ዛዕባ ኣቕሊሉ ዝረኣየን ኣብ ሕሉፍ መዋእል እዚ ሃገር ድማ ተፈቲኑ ዝፈሸለን ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ንመንነታዊ ክብርታትን መፃኢ ዕድላትን ተጋሩ ኣብ ግምት ዘይእተወን ነቲ ዛዕባ ብሓንቲ ክሪ፣ ማለት’ውን፣ ብመንፅር ቁጠባዊ ረብሓ ጥራሕ ዝጠመተ ሓሳብ ስለዝኾነ፣ ነታ ቁጣባዊ ረብሓ ኣብ ክሊ እዛ ሃገር ዝርጋገፀላ መንገዲ እውን እንተኾነ፣ ብዕቱብ መኽንዮታት ተዋዲዱ ዝቐረበ ሓሳብ ኣይኮነን ።

ንዓይ፣ ውራይ ተጋሩ፣ ውራይ መንነታዊ ምዕባለ እዩ። መንነት ምስተዓቀበ ኢኻ ኣብ ክብርታታካ መሰረት ጌይርካ  ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለታት እተረጋገፅ። ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፣ “ ሰብ ብእንጌራ ጥራይ አይነብረን”። ብተደጋጋሚ ከምዝግለፅ፣ ኣብ መንነትን ትርጉምን ኢትዮጵያ፣ ንኹሉ ዘረዳድእ መበገሲ ስነ-ሓሳብ የለን። ኢህወደግ ኣብ መንነትን ትርጉምን ኢትዮጵያ ክልተ ተፃባእቲ ኣራኣእያታት ከምዘለዉ እዩ ክሕብር ፀኒሑ። ሓዲኡ ትርጉም መንነት ኢህወደግ፣ ኢትዮጵያ ናይ “ሕሉፋት ገዛእቲ ደርብታት” ምሕደራ ውፅኢት ከምዝኾነት ዝገልፅ ኮይኑ፣ እቶም “ዝሓለፉ” ገዛእቲ ደርብታት ንኢትዮጵያ ዝሪኡዋ፣ ከም ኣብ ዙርያ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ባህሊን ሓደ መንነትን ዝተፈጠረትን ክትህሉ እትኽእልን ሃገር ገይሮም እዮም። እተን ሓደ ቋንቋ፥ ሓደ ባህሊ፥ ሓደ መንነት ዝበሃላ ባእታታት ተደሚረን ድማ ሓድነታዊት ዘይኮንስ ኣሃዳዊት ሃገር ይፈጥራ።  እዚ ብሕሉፋት ገዛእቲ ደርብታት ተፈቲኑ ዝፈሸለ ናይ ምስረታ ሀገር ኣራአእያ፣ ናይ ምውሓጥ ፖሊሲ (Assimilationist Policy) ውፅኢት እዩ። እዚ ኣራአእያ እዚ፣ ኣብ እዋን ፊውዳላዊ ስርዓት ሃይለስላሴ፣ ብፍላይ ኤርትራ ንኸምስል ብኮንፌደሬሽን ተቐቢሉ ክውሕጣ ምስ ፈተነ፣ ናፅነታዊ ተጋድሎ ሓርነት ወሊዓ፤ ድሕሪ መሪር ኲናት ነፃነታ ክትእውጅ ገይሩዋ እዩ። ትግራይ ድማ፣ ሓርነታዊ ተጋድሎኣ ብዓወት ምስ ዛዘመት ተመሳሳሊ ሓርነታዊ ባህጊ ምስ ዘለዎም ብሔራት ኢትዮጵያ ማዕርነታዊ “ፌደሬሽን” መስሪታ ኣብ ኢትዮጵያ ክትፀንሕ ክኢላ እያ።

ህወሓት ዝመርሖ ሓርነተ-ደርባዊ ተጋድሎ ብዓወት ምስተዛዘመ፣ ኣብ መንነትን ትርጉምን ኢትዮጵያ፣ እቲ ካልአዋይ መማረፂ እዩ ተፈቲኑ። እቲ ዝቐረበ መማረፂ፣ ምፅናሕ ሃገረ ኢትዮጵያ፣ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ዝገብራ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ባህሊ፣ ሓደ መንነት ስለዘለዋ ከይኮነ፤ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት፣ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ዘለዎ ህዝቢ ተኸባቢሩ ብማዕርነት ዝነብሩላ ሃገር ምዃና እዩ። ናይ ቋንቋ፣ ባህሊን መንነትን ኣፈላላይ፣ ከምቲ ደገፍቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝብልዎ ምንጪ ድኽመትን ምብትታንን ከይኮነስ፣ ምንጪ “ጥንካረ” እዩ ዝብል እዩ።

እንተኾነ ግን፣ ህወሓት ልዕልነት ብዝሓነት ዋላ እንተሰጎሞት፣ “ብሄራዊ ሕቶ ብሕገ መንግሰቲ ተመሊሱ እዩ”፣ ስለዘኾነ ድማ ፖለቲካዊ መተሓባበሪ ስነሓሳብ (Ideology) ፍፁም ዓብላላይ ብምግባር፣ ኣብ ከይዲ ምእኹልን ስሉጥን ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ብምርግጋፅ፣ ንብሄራዊ ስምዒትን ባህግን ብሄራት ኢትዮጵያ፣ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ኣውሪድካ፣ ኣብ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ኣታሓሳስባ ዝቖመትን ሓዱሽ ፖለቲካዊ መንነት ዘለዋን ሓዳሽ ኢትዮጵያ ንምህናፅ እዩ ፈቲኑ። እዚ ድማ፣ ብወያናይ መስርዕ ጥርናፈ ሓደ ቁጠባዊ ሃገርን መንነትን ናይ ምፍጣር ፖሊሲ (Integration policy) መሰረት ዝገበረ ፈተነ እዩ፥ ሐዚ ኣብ ምፍሻል ዝርከብ መንነትን ትርጉምን ኢትዮጵያ።

ኣይተ ዳዊት “ዓባይ ሃገር” ክብሉ ከለዉ፣ ኣየነይቲ ሃገር?….. ኢለካ ምሕታት ንቡር እዩ ዝመስለኒ። እንተኾነ፣ ብመሪር ተጋድሎ ተጋሩን ኤርትራውያንን፣ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኢትዮጵያ’ውን በቢብርኩ ብዝገበሩዎ መሪር ቃልሲ ዝፈረሰ ሃገራዊ መማረፂ ኢትዮጵያ፣ ካብ መካትዒ ዓውድና ንግዚኡ ግልስ እንድሕር ኣቢልናዮ፣ ኣብ ክሊ እቲ ሐዚ ኣብ ምፍራስ ዝርከብ መማረፂ ሃገረ ኢትዮጵያ ኾይና እያ ኣይተ ዳዊት፣ “ትግራይ ትዓቢ ትኽእል እያ” ኢሎም ዝብሉና ዘለዉ ኢልና ንበገስ።

ብመሰረቱ፣ ብሕወሓት ዝተፈተነን ኣብ ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝተነደቐን ሃገራዊ መንነት ምፍጣር ይከኣል’ዶ?፣…. እዚ መማረፂ’ኸ ነባር ተፃብኦ ባህጊ ኢትዮጵያውያን ክዕረቕ የኽእል’ዶ?…. መሰል ዓርሰ ውሳነ ክልል ህዝብና ኣሐሊፋና እንህበሉን ናትና እንብሎን ዓብይ ሃገር ኣለና’ዶ?…. ዝብሉ ረቛሒታት መበገሲ ገይረ ክሪኦ ከለኹ፣ ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ህልው ኩነታት፣ ትግራይ ካብ ብሔራዊ ሓርነት ንታሕቲ ዝስራዕ መርገፂ ከም ስትራተጂያዊ ሽቶ ሒዛ ክትለዓል፣ ዝንእሳ ይመስለኒ። ትግራይ፣ ብሄራዊ ዕላማኣ ካብ ኢትዮጵያ ፈልያ ክትሪኦ ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዝኾነ ድማ፣ ዋጋ ሓርነትና ከይበዝሕ መዋፅእቲ ሜላታት ክንፍትሽ’ዩ ዝግበአና’ምበር፣ “ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያ ኮይንና ኢና ክንዓቢ እንኽእል” ዝብል መማረፂ፣ ጊዜ ዝሓለፎን ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን መሰረት ዘይገበረ ናይ ክትዕ ዛዕባ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

እብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ስርዓታት ዝወድቀሉ ምኽንያት ክቐርቡ ዝኽእሉ ዝርዝር ኣካዳሚያዊ ክትዓት ከምዘለው ሩዱእ እዩ። ባዕሉ ኢህወደግ ዝኣመነሎም ናይ ምብስባስ፣ ግዕዝይናን መስመር ምስሓትን ወዘተ ሽግራት ብተወሳኺ፣ ምስ ሕፅረት ምህዳር ዲሞክራሲ (ፌደራሊዝም ብዘይ ዲሞክራሲ መቕዘፍቲ ምፅዋዕ ስለምዃኑ-Federalism without democracy is recipe for disaster-Lencho Lata, Asefa Fisaha & many others..)፣ ተሓታታየነትን ልዕልና ሕጊን ዓንድታት ዘበናዊ ስርዓት ስለምዃኖም (accountability & rule of law are pillars of modern state-Political Order and Political Decay/Fukuyama)፣ ብልፅግና ብዋናነት ኣብ ሓቛፋይነት ትካላት ቁጠባን ፖለቲካን ዝተደረኸ ስለምዃኑ(Prosperity above all depends on inclusiveness of economic and political institutions- Why Nations Fail/Acemoglu & Robinson) ወዘተ ዝብሉን ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ክቐርቡ ይኽእሉን ይግቦኦምን እዩ።

ኣነ ክሪአሉ ዝፈተንኩ ኣንፈት ግን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ናይ ስርዓት ምውዳቕን መንግስቲ ምልውዋጥን ጥራሕ ከየኮነስ፣ ናይ ሃገራዊ መንነትን ትረጉምን ምልውዋጥን ዓሚዩቕ ተፃብኦን ስለዝኾነ በኡ ልክዕ ተጋሩ ከንርደኦን ኣንፈትና ክነነፅርን ከምዘለና ንምኹርኳር እዩ።

 

  1. ብፖለቲካዊ ስነሓሳብን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ሃገራዊ መንነት ንምፍጣር ዝተገበረ ፈተነ ዝፈሸለ ስለምዃኑ

ሃገር ብዘይካ ሃገራዊ መንነት ኣይፀንዕን። ጨፍሊቕካ ሃገራዊ መንነት ናይ ምፍጣር ዕማም እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዘተኽኣለን ዝተሳኸዐን ዋላ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ግን ፈሺሉ እዩ። ልዕል ኢልና ኣብ መእተዊ’ዚ ፅሑፍ ከም ዝራእናዮ፣ ኣብ እዚ ሃገር ንነዊሕ ዘበናት ዝተኻየደን መሰል ብሄራትን ብሄረሰባትን ብምጉባጥ ዝተገበረን ምስረታ ሃገራዊ መንነት (Assimilationist Policy) ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ብ 1983 ዓ/ም ሓዱሽ ሃገር ናይ ምፅናሕ “Holding together federalism”፣ ወይ ድማ ዝነበረ ሀገር ከይብተን ተሰማሚዕኻ እትዕቅበሉ፣ ኣብ ማዕርነትን ምኽባር መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታትን ዝተደረኸ ፌደራላዊ ስርዓት ንምጥያሽ እዩ ተፈቲኑ። ብኻሊእ መዳይ ድማ፣ እቲ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቖመ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ኣግባብ አመሰራርትኡ ልዕል ኢሉ ከምዝተገለፀ ከይኮነስ፣…“(coming together federalism) እዩ፣ እቲ ዝነበረ ኢምፓየር/ግዝኣት ኢትዮጵያ ፈሪሱ፣ ከም ብሓድሽ ተሰማሚዕና ዘቖምናዮ ስርዓት ፌደሬሽን እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ፣”… ዝብሉ ምሁራት ብሄራት ኦሮሞን ደቡብን እውን ኣለው። በዚ መዐቀኒ እዚ’ዩ ድማ፣ ህወሓት/ኢህወደግ ንኢትዮጵያ፣… “ካብ ሓደጋ ብተና ኣድሒኑ ናብ ጎደና ስሉጥ ልምዓትን ሰላምን ዘእተወ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ’ዩ”… ዝብል ናእዳ እናተውሃቦ ዝፀንሐ።

እንተኾነ ግን፣ ሃገር ብዘይካ ሃገራዊ መንነት ክምስረት ከምዘይኽእል ግሁድ ሓቂ ስለዝኾነ፣ውድብ ህወሓት ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መንነት ንምህናፅ ዝፈተነሉ መንገዲ፣ ኣብ ልዕልነትን ቅቡልነትን ስነ-ሓሳብ ፖለቲካ  (Ideology) ወያናይ ዲሞክራሲ መሰረት ዝገበረ እዩ። ብልዕልነት ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝቖመ መንነት ንምምሃዝ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ዝተተግበሩ ፈተታት ድማ፣ ኣብ ታሪኽ ዓለም ብተደጋጋሚ ዝፈሸሉን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ምፍሻል ዝርከብን እዩ።

ኣብ ዕድመና ብተግባር ከምዝራእናዮ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፃራሪ ብሄራዊ ስምዒት እንዳማዕባለ፣ ብግልባጡ ድማ ኣብ ሞንጎ “ዲሞክራሲያውያን ወየንቲ” ምትእምማን እናፈረሰ እዩ ከይዱ። ነቲ ተርእዩ ፀቢብነት፣ ክራይ ኣካብነት፥ መሲልካ ምሕዳር፥ ዋሕዲ ምቅልላስ፥ ተሃድሶ፥ ዕምቆት ተሃድሶ ዝብሉ ጉልባባት እንዳለጠፍካ ምንኣስ ኣየድልን። ስለዝኾነ ድማ፣ “ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ሚሊየን ኣባላት ኢህወደግ ሰሪፁ እዩ” ዝተብሃለ ስነ ሓሳብዊ መንነት እዩ ብተግባር ፈሺሉ። ብፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝፍጠር መንነት ነዊሕ ከምዘይፀንሕን ምስ ምዝሕታል መሪሕነት ናይቲ ዕላማ ሓቢሩ ከምዝፈሽልን፣ ሳሙእል ሃቲንግተን ዝተብሃለ ፖለቲካል ሳይንቲስት “ንሕና መን ኢና/እንታዎት ኢና?” (Who Are We?) ኣብ ዝብል መፅሓፉ ከምዚ ብምባል ይገልፆ፦ “There are many types of identities. However, cultural and national identities have proven to be long lasting ones. If history has thought us anything, it’s that, political identities last only as long as the cult of the leader does, be him a Tito or Stalin. Once he dies, nations based on “identity of ideology” split apart.”

(ተነፃፃሪ ትርጉም፥ ……ዝተፈላለዩ ኣይነታት/ቀፀላታት መንነት ኣለው። ባህላውን ብሄራውን መንነት ግን ዘላቒ ክኸውን ይረአ። ታሪክ ዘምህረና ነገር እንተሃለወ፥ ኣብ ፖለቲካዊ መንነት ክምስረት ዝፍተን ሃገር፣ መራሒ እቲ ውድብ ክመውት እንከሎ /ዋላ ከም ስታሊን ይኹን ከም ቲቶ ዝበለ ህቡብ ይኹን/ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ መንነት ዝተደረኻ ሃገራት ንብተና ከምዝቃላዓ እዩ……)

ብተግባር ድሕረ ሕልፈት መለስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸውን ዘሎ እውን እዚ እዩ። ባህላዊን ብሄራዉን መንነታት ህዝቢ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ግንዛበ ዘውርድ ፖለቲካዊ መንነት ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ፣ ከይዱ ከይዱ ውፅኢቱ ፍሽለት እዩ። ናይ ውድብ ህወሓት ኣድማሳዊ መሪሕነት ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሃለወ፣ እቲ ዝመርሖ ቃልሲ ላዕሊ ላዕላዩ እንትረአ ሓርነታዊ ዝመስል ኮይኑ፣ ብተግባር ግን ንዝኾነ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ/እንተተኻኢሉ’ውን ኣብ ዓለም/ ዝርከብ ሸቃላይ ዝወገነ፣ ደርባዊ ተፃብኦ ዘቐደመ ማርክሳዊ ዕላማ ዝተሓንገጠ ቃልሲ ምንባሩ እዩ።

ብዓይኒ መሪሕነት ህወሓት፣ ዝኾነ ይኹን ብሄር ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ እንተዓቲሩ፣ “ካብ ማንም ትግራዋይ ንላዕሊ ወገን እዩ” ዝብል መበገሲ እዩ ተወሲዱ። ብሄራዊ ተጋድሎ ከም መደያየቢ፣ ማርክሳዊ አስተምህሮ ድማ ከም ዕላማ እዩ ተወሲዱ፣ ብመሪሕነት ህወሓት። ካብ መበቆሉ ተፃራሪ ዝኾነ ጉዕዞ መሪሕነት ህወሓትን ህግደፍን ብዕምቆት ዘፅነዐ ትግራዋይ ምሁር ፕሮፌሰር ኣለምሰገድ ኣባይ፣ “ዝተኸድዐ መንነት” ““Identity Jilted”, The Diverging Paths of Tigrean and Eritrean Nationalist Struggles” ኣብ ዝብል መፅሓፉ፣ ንመሪሕነት ህወሓት፣ “Victory offers a virtual carte blanche to invent identity…The rational actors of TPLF led costly nationalist war without being nationalists themselves. Marxism was their raison d’tre and ethno nationalism thier means to an end. And ethnic nationalism was a politics of power.” ብምባል ይገልፆ። (p.321)

(ተነፃፃሪ ትርጉም፥ …… ወታደራዊ ዓወት፣ ሓዱሽ መንነት ንምምሃዝ ተይተረፈ ዕድል ይህብ።መራሕቲ ህወሓት ዋላ መሪር መስዋእቲ ዝጠለበ ብሄራዊ ቃልሲ ይምርሑ፣ ብሄራዊ ቃልሲ ከም መፈፀሚ ዕላማ ዝሪኡዎ መሰጋገሪ ኮይኑ፣ እቲ ቀንዲ ዕላሞኦም ግን ማርክሲዝም እዩ ነይሩ፤ ትግራይ ብሄርተኝነት ድማ መደያየቢ ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ ነይሩ” ይብል።……..)

ብኻሊእ ወገን ድማ፣ ኣብ ሃገራውነት ትግራይ ንፁር ቅዋም ዝሓዘ “ትግራይ ሎሚ’ኸ ናበይ?” ዝብል ናይ መሓሪ ዮሃንስ መፅሓፍ፣ ጉዕዞ ብሄራዊ ሓርነታዊ ቃልሲና ብዓይኒ ትግራይ እንትረአ፣ እቲ ብሄራዊ ቃልሲ ተጋዳላይና ሓርነታዊን በይዛ ትግራይን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ኮይኑ እናሃለወ፣ እቲ ብመሪሕነት ዝተትሓዘ ዕላማ ግን ማርክሰ-ሌኒናዊ ምዃኑ “ጥልመት እዩ” ይብል።

እዚ ከይዱ ከይዱ ዝፈሽል ኣካይዳ መሪሕነት ህወሓት፣ ኣብ መወዳእታ ነዚ በፂሑዎ ዘሎ ደውታን ሸለውለውን ከብፅሖ ከምዝኸኣለ ምርዳእ ኣፀጋሚ ኣይመስለንን፣ ስለምንታይሲ እዚ መሪሕነት እዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ክቱር ፃምእ ብሄራዊ ሓርነት ብታክቲካዊ ሚዛን ደርብዩ ናብ ምህናፅ መንነታዊ መሰረት ዘይብሉ ሃገረ ኢትዮጵያ ብምኻዱ እዩ ዘይኸውንን ከይዱ ከይዱ ዝፈሽልን ዕማም ከግህድ እንትፍትን፣ እቲ ክኸውን ዝኽእልን ዝግቦኦን ዝነበረ ሓርነትን ምዕባለን ትግራይ ኮሊፉ፣ ባዕሉ እቲ መሪሕነት እውን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሃፀያዊ ወራሪ ተቖፂሩ ኣብ ሰንፈላል ተሪፉ ዘሎ።

 

  1. ተፃብኦ ባህጊ ኢትዮጵያውያን ክዕረቕ ኣይኽእልን፤

ብመሰረቱ፣ ተፃብኦ ታሪኽን ንሕንሕን ኢትዮጵያውያን ክዕረቕ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ልምዲ ፌደራላዊ ስርዓት ኣሜሪካ መሰረት ገይሩ ዝተፅሓፈ ሓደ መፅናዕቲ፣ ባህጊ ህዝብታት/ብሄራት/ ኣብ ክልተ ይኸፍሎም። እቲ ቐዳማይ ክፋል ባህጊ ህዝብታት/ብሄራት/፣ ናይ ምልማዕ ባህጊ (Welfare goals) ተባሂሉ ዝፍለጥ እንትኸውን፣ እቲ ካሊእ ድማ ባህጊ ምርግጋፅ ክብሪ (Status goals) ከምዝበሃል ይሕብር። (Paths to Belonging: The Constitution and Cultural Identity, Kenneth L. Karst)

ባህጊ ምርግጋፅ ልምዓት (Welfare goals) ህዝብታት፣ ምስ ምምሕያሽ መነባብሮ ተኣሳሲሮም ዝረአዩ መግለፂታት፣ ማለት እውን፦ ከም ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ህንፀት ልምዓት ኣባይቲ፣ ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ወዘተ እንትኾኑ፤ ባህጊ ምርግጋፅ ክብሪ መንነት (status goals) ድማ፣ ምስ ምውናን ስልጣን፣ ምርግጋፅ ማዕርነትን ፅልዋ ክብርን ዝታኣሳሰር ባህጊ እዩ። ባህጊ ልምዓት (welfare goals) ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ ብወሳናይ መልክዑ ተመሳሳልን ዘይፃባእን፣ ህዝብታት/ብሄራት/ ካብ በበይኖም ኮይኖም ብሓባር ኮይኖም ዝበለፀ ስሉጥ ልምዓት ከምዘመዝግቡን ከምዝርብሑን ርዱእ ዝገበረ መበገሲ ዘለዎ እንትኸውን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብተግባር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝራእናዮ እዩ።

ናብ ባህጊ ምርግጋፅ ክብሪ (status goals) ክንመፅእ ከለና ግን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝህልው ርክብ፣ ተፃብኦን ወጥሪን ዘይተፈለዮ ከምዝኸውን ኢና እንርዳእ። ስለዝኾነ ድማ፣ ብፍላይ ናይ በዝሒ ህዝቢ፣ ፅልዋ አፈላላይ ንባብ ታሪኽን ባህልን ሰሜንን ደቡብን (ኩሽ) ኢትዮጵያ፣ ነባር ንሕንሕ ኣቢሲንያ (ኣብ ሞንጎ ትግራይን /ዳሓር ኣብ ኤርትራን፣ ትግራይን ዝተመቐለ/ ኣብ ሞንጎ ኣማሓራን ዝነበረ ተፃብኦን ንሕንሕን) ተሓዊሱዎ፣ ክዕረቕ ናብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ተፃብኦ ኣብ ምዕባይ እዩ ዝርከብ።

እቲ ባህጊ ምርግጋፅ ክብሪ ዝወለዶ ተፃብኦ፣ ምሒር ሓያልን ዝተጠናነገን ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ፣ “ተጋሩ ከመይ ገይሮም መሃንዲሳት ዕብየት ይኾኑ?”…. ክሳብ ምባል ዝኸደን ነቲ ብመጠኑ ኣብ ምስኻዕ ዝነበረ ባህጊ ልምዓት ኢትዮጵያ እውን ዝኾለፈን እዩ። ስለዝኾነ ድማ፣ እዚ ስምዒት እዙይ ዝወለዶ ሕርቃን፣ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፣ ካብ ትግራይ ኣዚዩም ርሒቖም ኣብ “ክልሎም” ዝተሃነፁ ትካላት ኢንዱስትሪ ናይ ምቅፃል፣ ስራሕቲ ህንፀት ግድብ  ናይ ምስንኻል ተግባራት ክፍፀሙ ገይሩ እዩ።

ኣብ ክሊ እዚ ህንፀት ሓዱሽ ሃገራዊ መንነት ድማ፣ ማእኸል ቁጠባ እዛ ሃገርን መግለፂ ነባር ኣቢሲንያዊ መንነትን ዝተላበሰት፣ ግን ድማ ዙርያ መለሻ ብኦሮሞ ዝተኸበበት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እያ ካብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ንበይና ተመዚዛ ክትወፅእ ዝገበረ። በቲ ዝተፈተነ ፌደራላዊ ሃገር ናይ ምፅናሕ ፕሮጀክት ኣቢሉ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ዝረኸበ ህዝቢ ኦሮሞ ድማ፣ ንባዕሉ ከም ብወሰን ዝተወለደ ውላድ ዝቖፅርን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልነት ረኺቡ ዝፀንሐ ኣቢሲንያዊ መንነት (mainstream culture) ብመሰረቱ ዝፃረሮን፣ ብመጠን ዝሓዞ በዝሒ ህዝብን  ኣሰፋፍራን፣ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ (cultural minority) ኮይኑ ክነብር ዘይደልን እዩ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምምፅእ ብኢሊታት ኦሮሞ መለዓዓሊ ህዝቢ ዝነበረ፣ ጉዳይ ቋንቋ ኦሮሞ ሃገራዊ ምግባርን ጉዳይ ባዓል ዋንነት ፊንፊኔን ሽቶ መረጋገፂ ክብሪ ኾየኑ ከምዝቕፅልን እቲ ሃገራዊ ተፃብኦ ከምዘጋድዶን ሩዱእ እዩ።

“ብሄራዊ ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ብወሳናይ መልክዑ ተመሊሱ እዩ”፣ ሐዚ ብሓባር ናብ ልምዓት ንመርሽ! ዝብል ገምጋም ህወሓት፣ ባህጊ ኢትዮጵያውያን ብምርግጋፅ ባህጊ ልምዓት ጥራሕ ዝረኣየ መሰረታዊ ሽግር ዘለዎ ስለዝኾነ፣ ኣብ ክሊ ፍሕፍሕ ተፃብኦታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ካብቱ ዝኸዶ ርሕቐት ንላዕሊ ክኸይድ ዝኽእል ኣይነበረን። ብተግባር ከምዝተርኣየ፣ ብሄራትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ልምዓት ኣህሪፉዎም ባህጊ ክብሮምን ተፃብኦ ታሪኾምን ዝድርብይሉ ኩነታት ኣይተፈጠረን። እኳ ደኣስ ብግልባጡ፣ ባህጊ ምርግጋፅ ክብሪን ንሕንሕ ስልጣንን ናብ ዘይዕረቐሉ ብርኪ ተፃብኦ ኣብ ምዕባይ ይርከብ።

ኣብ ሓደ ዓዲ ዝነብሩ ብሄራት ናይ ታሪክን ባህልን ተፃብኦ እንተሃሊይዎም፣ እቲ ኣፈላላይ እናተዃሰሐ ከምዝኸይድ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ፅንዓት ከምዝስዕብ ይሕብር።

“A cultural group’s status goals differ from the goals of many other interest groups that seek to influence government. The concern for status goals arises out of basic psychological needs, the individual not only needs to belong, but needs to be respected for his/her own self. The cultural outsider wants the freedom to shape his identity to be allowed to keep “primordial” identity and also accepted as one who belongs to the larger society.

Correspondingly, however, members of the dominant cultural group may see themselves as having an interest in maintaining existing “pecking orders” associated with race, ethnicity, and religion. In other words, dominance itself- preventing cultural outsiders from belonging-may be someone else’s status goal.” ብምባል ይገልፆ። (p. 328)

(ተነፃፃሪ ትርጉም፣ ስራሕቲ መንግስቲ ንምፅላው ዝነሓንሑ ብሄራት ባህጎም ተፃራሪ እዩ። ባህጊ ምርግጋፅ ክብሪ ካብ መሰረታዊ ስነልቦና ደቂ ሰባት እዩ ዝብገስ። ሓደ ሰብ /ናይ ዝኾነ ውዳበ ወይ ፈደሬሽን/ ማሕበር ኣባል ምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ መንነቱን ታሪኩን ክኽበረሉ እውን እዩ ዝደሊ። እቲ ሃገራዊ መልክዕ ንመንነቱ ዝገልፅን ዝሓቁፍን ክኾነሉ ይደሊ። ዓብላላይ ሃገራዊ መልክዕ ሒዙ ዝፀንሐ ብሄር ድማ፣ እቲ ዝነበሮ ዓብላላይ መንነታዊ ቦታ ክሕሉ ይደሊ። በዚ ምኽንያት ድማ፣ ባህጊ ክብሪ ናይ ሓዲኡ ብሄር፣ ናይቲ ካሊእ ብሄር ባህጊ ክብሪ ተፃባኢ ይኸውን።)

ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ነዚ ሓቂ እዙይ መሰረት ጌርና እንተሪእናዮ፣ ንሕንሕ ኣብ መንጎ ነባርን ዓብላላይ መንነት ኣምሓራ (Mainstream culture of Ethiopia) ናይ ምሕላውን፣ መንነት ቋንቋን ኦሮሞ ሃገራዊ መልክዕ ንምትሓዝን ዝግበር ፈታኒ ተፃብኦ እዩ። ምንነትን ቋንቋን ኦሮሞ ሃገራዊ መልክዕ ንክሕዝ ኣብ ዝግበር ፈተነ እቲ ኣብ ቋንቋ፣ ባንዲራ፣ ብሄራዊ ባዓል፣ ታሪክ ወዘተ ዝነበረ ተፃብኦ ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ከምዝዓቢ ምግማት ይከኣል። ተፃብኦ ኢትዮጵያ ይትረፍ’ዶ ክዕረቕ ኣብቲ ሐዚ ዘለዎ ፅላል ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኾይኑ ንምቕፃል ከፀግመሉ እዩ።

ብመሪሕነት ውድብ ህወሓት ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዘነፀረ ጉዕዞ ስለዘይተገበረ፣ ካብ ዓሰርተ ኢድ፣ እቲ ትሸዓተ ኢድ ዳርጋ ብህወሓት/ኢህወደግ ምሕደራ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፉ ዒስራ ዓመታት ተሃኒፃ እትበሃልን ማእኸል ቁጠባ ወያናይ ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ዝኾነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ “ፊንፊኔ እያ!፣ ኣይ በረራ እያ!” ዝብል ናይ “ሰብ ዋንነት” ሕቶ ተመዚዙ ሸኩት እንትፍጠር፣ ትግራይ ፀግዒ ሒዛ እትርእየሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፣ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኮይንና ኣይኮነን’ዶ ድልየትና ክገሃድ፣ ስልጣነን ምዕባለን ትግራይ ክነረጋግፅ፣ ቁጠባዊ ዕብየት ክንረክብ ንኽእል ኢና ኢልካ ምሕሳብ ባዕሉ ኣፀጋሚ እዩ።

  1. ብሄረ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይግባእን፤

ንሓደ ህዝቢ ዝለዓለ ርካቦኡ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስነሉ ሓርነት ምርካብ፣ መንነቱ፣ ታሪኹን ክብሩን ዝስከመሉን ዘማዕብለሉን ውሑስ ግዝኣት ምውናን እዩ ኢለ ይኣምን። ምርግጋፅ ሓርነት ቀዳምነት ዝወሃቦ ሽቶ ኮይኑ፣ ምስ ጎረባብትኻ ይኹን ምስ ዓለም ምትእስሳር፣ ምውድዳር፣ ኣብ ሓበራዊ ዕላማታት ብሓባር ምስራሕን ብሓባር ምቅላስን ንቡር እዩ።

እዚ መዐቀኒ ጌርካ ክረአ እንከሎ፣ ኣብ ናይ ዓለም ቁጠባውን ፖለቲካውን ከይዲ ዕብየት ጫፍ ዝበፅሓ ሃገራት ዝኽተለኦ ፖሊሲ፣ ኣብ ብሄራዊ ጥቕሚ ምድናይን ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ስነሓሳብ ልዕልና ምርካብን ዝተመስረተ እዩ (National interest and ideology hegemony)።

እንተኾነ ግን፣ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ከምዝፈተኖ፣ መሰረትካ ዘልቅቕ (ናይ ፅንብላሊዕ) ኣካይዳ፣ ከይዱ ከይዱ ከምዝባረቕ (backfire ከምዝገብር)፣ ሐዚ ዘሎ ናይ ምዕራባውያን ኩነታት ከም ኣብነት ጌርካ ምርእይ ይካኣል። “The Nationalist Revival” ዝብል መፅሓፍ ዝፀሓፈ ጆን ጁዲስ ከምዝሕብሮ፣ ኣሜሪካ ዝሑል ኲናት ዓለም ስዒራ ምስ ወፀት፣ ነፃ ዕዳጋ (ግሎባውነት) ዓለማዊ መስርዕ ክኸውን፣ ስርዓት ሊበራል ዲሞክራሲ ድማ ዓብላላይ ዓለማዊ ስነሓሳብ ክኸውን ብዕቱብ ከምዝሰርሐት ይፍለጥ።

ምስ እዚ ተኣሳሲሩ፣ ቻይና ቁጠባኣ ንዓለም ክፍቲ ብምግባር ስነሓሳብዊ ሽርሸራ ንምክያድ ዝኸደቶ ክያዶ፣ ተባሪቑ ንኣሜሪካ ኣብ ፈተና ከምዘእተዋ ምርኣይ ይካኣል። ኣሜሪካ ንቻይና ኣባል ውድብ ንግዲ ዓለም (WTO) ክትከውን ብምስምማዓ፣ ዶብ ሰገር ትካላት ኣሜሪካ (ብኣገላልፃ ኣስተምህሮ ማለሊትናይ ሃፀይነት ስደተኛ ትካላት”) ዕዳጋ ቻይና ንምምዝማዝ ፍልጠቶምን ገንዘቦምን ሒዞም ናብ ቻይና ምኻዶም ይዝከር። ብውፅኢቱ ግን ውሱናት ትካላት ሃፍቲሞም፣ ኣብዝሓ ኣመሪካዊያን ሸቃሎ ፋብሪካ ግን ስራሕ ኣልቦን ተጠወርትን እዮም ኮይኖም። እቲ ዝኸፍአ ግን፣ ቻይና እቲ ዝተደገሰላ ስነሓሳባዊ ምሽርሻር ከይኮነ ዝፈፀመትስ፣ ብግልባጡ ቁጠባዊን ወታደራውን ዓቕማ ሃኒፃ፣ ናይ ስነሓሳብ ነፃነታ ኣኽቢራ፣ መንነታ፣ ታሪኻን ክብራን ብምዕቃብ ንናይ ዓባይ ሃገር ኣሜሪካ ዕብለላ ዝማዛዘን ዓቕሚ ዝፈጠረት፣  ምናልባት እውን ኣብ ቀረባ እዋን እትቕድም ሃገር ከምትኸውን እዩ ዝእመን። እቱ ብምዕራባውያን ዝተምሃዘ መንገዲ ዕብለላ ግሎባውነት፣ ከም ወያናይ ዲሞክራሲ ተባሪቑ ዝያዳ ንመናሓንሕቲ መሃዝቱ ስለዝጠቐመ፣ ናይ ሎሚ ቻይና፣ ጠበቓ ግሎባውነት ዝኾነትሉ ኣገባብ እዩ ተፈጢሩ። (In an interesting change of roles, China became the defender of globalism, against its new rival, the United States. “Why Nationalism, p19”)

ስለዝኾነ ድማ፣ ምዕራባውያን “ግሎባውነት/ዓለምለኻውነት ነጊሱ እዩ”፣ ሉኣላዊነት ብግሎባውነት ተሳዒሩ እዩ (The sovereign nation-state would in due course wither away, David Held) ዝበልሉ መልሓሶም ኣብ ምሕያኽ፣ ኣብ ክውንነትን ለውጥታት ኣሰላልፋ ሓይልታት ተደሪኾም እውን (pragmatically) መንገዶም ኣብ ምኽላስ እዮም ዝርከቡ።

ናይ ቻይና ዕብየት፣ ናይ እኒ ሩስያ ፖለቲካዊ ፅልዋ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ዜጋታት ሳልሳይ ዓለም፣ መንንታውን ሞራላውን ድስካለ፣ ግብረ ሽበራን ቁጠባዊ ዝቕባበን ኣናዊፅዎም፣ ምዕራባውያን “ዓንዲ ሒዝካ ተቖፀ” ናብ ምባል ተመሊሶም፣ መንነታዊን መቦቆላውን ርድኢት ኣብ ምንዳይን ብሄራዊ ስምዒት ናብ ምህንፅን የምለሱ ኣለው። ፈለማ ኣሜሪካ (America First) ፣ ውድብ ሓርነት ዓባይ ብሪጣንያ (UKIP)፣ ሓዊሱ ኣብ ፈረንሳ፣ ሆላንድ፣ ዴንማርክ፣ ስዊድን፣ ፊንላንድ፣ ጣልያን፣ ኦስትሪያ፣ ሃንጋሪ፣ ፖላንድ ወዘተ ብሄራውያንን ሓርነታውያንን ውድባት ዝለዓለ ተቐባልነት ይረኽባ ኣለዋ።

ብንፅፅር እንተሪኢናዮ፣ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ መሪሕነት ህወሓት ዝፈፀሞ ረብሓ ትግራይ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስትራተጂካዊ ስሕተት (strategic blunder) እውን ተመሳሳሊ እዩ። ሓደ ነባር ተጋዳላይ፣ ጉዕዞና “ፅምብላሊዕ’ስያ መቐመጫኣ እንተይከደነት መሬት ከደነት” እዩ ነይሩ ከምዝበሉዎ እዩ። መስርዕ ዓለም ተገላቢጡ ቻይና ጠበቓ ግሎባዉነት ከምዝኾነት፣ ዝንቡዕ ሙእኹልነት ቁጠባ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝፈጠረሉ ጥጡሕ ባይታ ንምምዝማዝ፣ ብሄርተኛ ሓይሊ ኦሮሞ፣ ሎሚ ጠበቓ ሃገራዊነት ኢትዮጵያ ኮይኑ ይርከብ።

ብሔራዊ ሕቶናን ሓርነታዊ ተጋድሎናን ዘለኣለማዊ ኮይኑ እናሃለወ፣ “እቲ ሕቶ ተመሊሱ እዩ” ወይ ድማ “ወያናይ ዲሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘምፀኦ ስሉጥ ዕብየት፣ ንመንነትና ውሒጥዎ ክተርፍ እዩ” ዝብል ገምጋም ምውሳድ እውን ስሕተትን ሞዖን እዩ ነይሩ። ይትረፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዱሑር ዓዲ፣ ልዕል ኢሉ ዝተፀርሐ መፅሓፍ ጆን ጁዲስ ከምዝሕብሮ፣ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ኢንዱስትሪያዊ ዕብየት እኳ፣ ንብሄራዊ ሉኣላዊነቶም ዘይግደሱ፣ ገንዘቦምን ፍልጠቶምን ሒዞም ኣብ ዝመሰዮም ዝሓድሩ ኣሜሪካውያን (cosmopolitan anywheres) ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኣሜሪካ ትሕቲ 30% እዮም።

ትግራዋይ፣ መቦቆላዊ ስልጣነ ዘለዎ፣ ብመንነቱ ባህሉን ታሪኹን ኣዝዩ ዝኾርዕ፣ ሓበራዊ ታሪክ ናይ ምስራሕን ስርዓተ ኽብሩ ናይ ምዕቃብን ዝለዓለ ተሞክሮ ዘለዎ ዓብዪ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ኣክሱማውያን፣ ንነዊሕ ግዜ ብቕርሕንቲ፣ ኲናትን ንሕንሕን ዝዘለቐ ኣቢሲንያዊ መንነት፣ መሰረቱ ዋላኳ ትግራይ እንተኾነ፣ ኣብ ከይዲ ንብዙሓት ህዝብታት እናዋሓጠ ዝዓበየ ኣምሓራዊ መንነት፣ ንሃይማኖቱን ስርዓቱን በሪዙዎ እምበር ቋንቁኡን ስርዓተ ኽብሩን መሊኡ ኣይወሓጦን። ንልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣካል ኣቢሲንያ ኮይኑ ግን ድማ መንነቱ ዘይተውሓጠ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ሽዋ ብዝተኾየጠ ምእኹል ወያናይ ዲሞክራሲዊ ቁጠባ ክወሓጥ ኣይኽእልን። ዘይወሓጥ ሕዝቢ ድማ ሃገር እንተዘይወኒኑ፣ ኣብ ህልውና ሓደጋ፣ ኣብ ቁዘማን ዓወፅወፅን እዩ ዝነብር። ኣብ ቀረባ እዋን ከይዲ ምስረታ ሃገረ መንግስትን ብሄረ መንግስትን ኢትዮጵያ ከመይ ከምዝፈሸለ ዝገልፅ ፅንዓታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ፣ “ህልውና ብሄር ብዘይ ሃገር ኩሉ ጊዜ ብፈተና ዝተፀምበለ እዩ (A nation without a state is always a problem)” ኢሎም ዝሃብዎ ሓሳብ ነዚ ኩነታት ኣዐሪዩ ይገልፆ እዩ። ኩኑታት ህልውና ብሄረ ትግራይ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን።

 

መደምደምታ

ምዕባለ ኩለንተናዊ መልክዕ ዘለዎ ልዑል ፍፃመ እዩ። ሓደ ማሕበረሰብ ብቑጠባ ጥራይ ክዓቢ ይኽእል ይኸውን። ወይ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ ከመዝግብ ይኽእል። ከምዙይ ዓይነት ቁንፁላት ምዕባለታት ኣብ ብሄራዊ መንነት እንተዘይተመስሪቶም ዘለቕቲ ክኾኑ አይኽእሉን። ብኻሊእ መዳይ ድማ፣ ብዘይካ ሓበራዊ እምነትን ራእይን ዝርከብ ምዕባለ ውሑስ ኣይኸውንን። ተፃብኦ ሃገራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝራእናዮ፣ ማሕበራዊ ምትእምማን (social trust and mutual loyalty) ከማዕብል ኣየኽእልን። ተፃብኦ ስልጣነታት ዓለምና ብዕምቆት ዝመርመረ ሳሙኤል ሃቲንግተን፣ ብዘይካ ሃገራዊ መንነት ሃገር ዳርጋ የለን እዩ ከምዝብሎ (There is no country without cultural identity)፣ ሃገራውነት ኢትዮጵያ ስለዝተወቕዐ፣ዓብይ ሀገር ኣለኒ ዝብል ገምጋም ትርጉሙ ብወድዓወነት ክምዘን ኣለዎ።

ኢትዮጵያ ሃገራዊ መንነት ንምፍጣር ብምጭፍላቕ (Assimilation) ይኹን ምርግጋፅ ልዕልና ፖለቲካዊ ስነሓሳብ (Ideology hegemony) ዝተገበረ ፈተነ በርዒኑን ብቐትሩ ወጊሑዎን ፈሺሉ እዩ። ብግልባጡ ናይ መንግስቲ ቅርፂን ሓርነትን ዝጠልብ ስምዒት ብሄራውነት እዩ ማዕቢሉ።

ስለዚ፣ “ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐ ሃገራዊነት ተፀጊዐ ክዓቢ እየ” ምባል ዘዋፅእ ዕላማ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ ከባቢ ዕስራ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ቁጠባዊ ዕብየት እውን ካብ ተወዳዳራይነት ናብ ሓገዛዊ ዕብየት ዘዘንበለ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ብኣብዛሕኡ እቲ ዕብየት ብሄራዊ ኒሕን ቁጠዐን ዝወለዶ፣ መርኣያ መንነትና ዝኾነ ፅፉፍ ውዳበን ፅንዓትን ነቲ ዝነበረ ፋሺሽታዊ ስርዓት ነቒሉ ስለዝደርበየን እቲ ዝተረኽበ ዓወት ዝፈጠሮ ፍናን፣ ምስ ንፁር ቁጠባዊ ኣንፈት ተደሚሩ ነዊሕ ርሕቐት ስለዝወሰደና ዝተረኸበ እምበር፣ ነባሪዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ከም ተጋሩ፣ ኣማኢት ዓመታት እናተሃሰናን ብኸንደይ መስዋእቲ እናተልዓልና ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክንልውጥ እንኸዶ ክያዶ፣ ብልጭ ኢሉ ብተደጋጋሚ ዝፈሸለን፣ ናህርናን ባህግናን እናኾለፈ ኣብ ዕንክሊል ዘንብረናን ስሑት ኣማራፂ ስለዝኾነ፣ ክንጠልቦ ኣይግበአናን። ሕሉፍ ሃገራውነት ሃፀይ የውሃንስ ዝወለዶ ውድቀት ተኸቲሉ ዝመፀ ሕስረት ዘይድገመሉ ባይታ ዝፈጥር መማረፂ፣ ሓርነታዊ መማረፂ እዩ።

ብተወሳኺ፣ ካብዚ ንላዕሊ ከምዝተሓበረ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተፃብኦ ምትዕራቕ ናብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ከምዝዓበየ ምርዳእ ኣዐርዩ ኣገዳሲ እዩ። መማረፂ ነፃ ሃገራዉነት ትግራይ፣ ሕቶ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ህዝባና ንዘለኣለሙ ዝምልስ ስለዝኾነ ተጠላባይ መማረፂ እዩ። ብፍላይ ከም ህዝቢ ትግራይ ዝበለ፣ መቦቆላዊ ስልጣነ ዝነበሮ፣ በይኑ ተቓሊሱ፣ ባዕዳውያን ወረርቲ ብተደጋጋሚ ዝሳዓረ፣ ኣብ ኣፍሪካ ተወዳዳራይ ዘይነበሮ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዝነበሮ መንግስቲ ኢትዮጵያ እኳ ክቕይር ዝኸኣለ፣ ሓያል ብሄራዊ ስምዒትን ናይ ምውዳብ ተኽእሎን ዘማዕበለ ህዝቢ፣ ሃገር እንተዘይወኒኑ ንኢትዮጵያ እውን ፈተና እዩ (A nation without a state is always a problem)። ትግራይ ቅርፅን ማእኸልነትን መንግስቲ እትሕዘሉ ሓርነታዊ መንገዲ እዩ ዘይፈተነቶ መንገዲ ዕብየትን ዘላቒ ምዕባለን። ዮራም ሃዞኒ ዝተብሃለ እስራእላዊ፣ ብሄረ መንግስትነት (nation-state order) ምውናን ልዕሊ ኹሉ ተጠላባይ ስርዓት ምዃኑ ኣብ ዝካተዐሉ “The Virtue of Nationalism” ኣብ ዝብል መፅሃፉ፣ ቅኑዕ ስርዓት እናደልደለ ዝኸይድ እንትኾን፣ ግጉያት ወይ ዓዋናት ፖሊሲታት ግን ናብ ፋሕ ጭንግራሕ ዘምርሑን መፃኢ ዕድልካ ኣብ ኢድ ካልኦት ወረርቲ ዘውድቕን እዩ ይብል (Foolish policies lead to dissolution of political order, paving the way to anarchy and conquest by others)።

ምስ ኣይተ ዳዊት ሞጎት ተኣሳሲሩ ክላዓል ዘለዎ ተወሳኺ ዛዕባ እንተሃለወ፣ ተምሳሌት ምርግጋፅ ብሄረ መንግስቲ ዝኾነት ሃገረ እስራኤል፣ ልዕሊ 17.8% ህዝባ ሙስሊም እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ዝመስረታ ህዝቢ ኣይሁድ ህዝባ ድማ ስደተኛን ዘይፋለጥን እዩ ነይሩ። ብመዐቀኒ ውፁእነት (homogeneity) ትግራይ ካብ  ኣብዛሃ ብሄረ መንግስቲ ዝወነና ሃገራት ዓለም ንላዕሊ ውፅእቲ እያ። (ውፅኢት ሃገራዊ ቆፀራ ህዝቢ 2007 ዓ/ም/ፈ ከምዝሕብሮ፥ ኣብ ትግራይ ካብ ዝነብር ህዝቢ፣ 96.5% ብሄረ ትግራይ፣ 95.6% ድማ ኦርቶዶክስ ክርስትያን እዩ። እዚ እቲ ጥረ ቁፅሪ ዝሕብሮ ሓቂ ኮይኑ፣ ኢቲ ዝተረፈ ኣሃዝ ዝሽፍን እውን ሙስሊም ትግራዋይ፣ ኩናማ ትግራዋይ፣ ኢሮብ ትግራዋይ ተባሂሉ ክግለፅ ዝኽእል፣ ምስ ትግራዋይነት ታሪካውን መቦቆላውን ምትእስሳር  ዘማዕበለ ህዝቢ እዩ)። ኣብ ከባቢና ዝተፈጠራ ሃገራት እውን ድሕረ ባይተአን፣ ታሪኸን ይኹን ተፃብኦአን ምስ ትግራይ ፈፂሙ ኣይመሳሰልን። ትግራይ መቦቆላዊ ስልጣነን ስርዓትን ዘለዋ፣ መሰረት/ዓንዲ መንግስቲ ኮይና እናሃለወት (Core state)፣ ብተግባር ግን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወሰን ክልል ምዃና ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ዝተቓለዐት ካብ ምዃና ንላዕሊ ካብ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ልምዲ መንግስትነትን ስርዓትን የለን።

እተን ሓደሽቲ ሃገራት፣ ሃገራት ምዃን ከይኮነ ዝበደለን ብግዕዝይናን ሽፍትነትን ዝተውሓጠ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ምውዳቐን፣ ኣብ ብሄረ ትግራይ ዘየለ(ኣብ ትግራይ ብኸይዲ ማሐበራዊ ምዕባለ ዝመኸኸ) እንዳዊ፣ ቀቢላዊ፣ ሰበኽሳግማዊን ሃይማኖታውን (Clanish, tibal, nomadic and religious) ተፃብኦታትን ዝጋራጨዉ ሕልምታትን ዘናውፀን ስለዝኾና እየን። ብተወሳኺ ድማ፣ስርዓት ብሄረ መንግስቲ  ማንም ዘይሓቁፍ፣ መሰል ንኡሳት ዝግህስ ገይሩ ዝርኢ ግምገማ ኣይተ ዳዊት ጌጋ እዩ። ኣብዚ ዛዕባ ብዙሕ ምባል እኳ ዝከኣል እንተኾነ፣ ኣይተ ዳዊት ንፅፅር እተን ሓደሽቲ ሃገራት ምኽንያት ገይሮም ሓፈሻዊ ስግኣት ካብ ምግላፅ ሓሊፎም ዘልዓልዎ ዝረብሕ ጭብጢ የለን። ብዓይኒ ዕዳጋ ዘቐረብዎ መካትዒ እውን እንተኾነ  ትግራይ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝተዓጠቐ ተዋዳዳራይ ንጡፍ ማሕበረሰብ ምፍጣር እንተኺኢላ፣ ዕዳጋኣ ዓለም ምዃኑ ክንረዳዳእ ኣለና። ኣብ ትግራይ ፍርያት ቻይናን ኮርያን ካብ ፍርያት ኣምሓራ ንላዕሊ ብሱሉጥ ክበፅሑ ይኽእሉ እዮም። ትግራይ እኳያ ተወዳዳሪ ምህርቲ ኣፍሪያ፣ ዕዳጋ እትስእነሉ ባይታ የለን። እታ ከም ኣብነት ዘልዓሉዋ ኣብ ኤርትራ ማይ ኢትዮጵያ እናተሸጠ ሪአ ትብል ነጥቢ እውን ነዚ እያ ተርኢ። ማይ ኢትዮጵያ ብዝኾነ መዐቀኒ ካብ ማይ ኤርትራ ተወዳዳሪ ምናልባት እውን ዝሐሸ ስለዝኾነ እዩ ኣብ ኤርትራ ክሽየጥ ዝኸኣለ። ፍርያት ትግራይ እውን ኣብ ዓለም ተወዳደርቲ እንተዘይኮይኖም፣ ኣብ ባዕላ ኣብ ትግራይ እውን ዕዳጋ ምርካቦም ኣጠራጣሪ እዩ። ብኣንፃሩ ድማ ትግራይ ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾነ ፍርያት እንተፍሪያ ግና ብኡ ንቡኡ ዓለም ብዓለሙ ዕዳጋኣ ስለዝኸውን፣ ኢትዮጵያ ከም ዕዳጋ እናሓሰበት ኣብኡ ተሾኪዓ ክትነብር ትግደደሉ ኩነታት የለን ማለት እዩ።

ስለዚ፣ ሐዚ ብዘሎ ዓለማውን ሃገራውን ኩነታት፣ መሬትን ህዝብን ትግራይ ዝረገፀ ንፁር ብሔራዊ ዕላማ ሒዝካ፣ ብኡ መሰረት ዝተቓነየ ዓለማውን ከባቢያውን ኩነታት ኣፅኒዕኻ ምንቅስቓስ የድሊ።  ሽሕ እኳ “ዝፈሰሰ ማይ ዘይሕፈስ” እንተኾነ፤ አብ ቀፃሊ መዋእልና ግን ተመሳሳሊ ጌጋ ከይንፍፅም ኣዐሪና ክንጥንቀቕ ይግባእ። ካብኡ ብዝሓለፈ ግን፣ ኣብ ክሊ ብተፃብኦ ዝተመልአት “ዓባይ ሃገር” ኮይንካ ዝግበር ጉዕዞ፣ ውፅኢቱ መኺኽካ ምትራፍ እምበር ምርግጋፅ ኩለ መዳያዊ ዕብየት ኣይኮነን ዝብል ገምጋም እዩ ዘለኒ። የግዳስ፣ ብስትራተጂክ ፀይቂ ኢህወደግ (strategic mess) ኣቐዲሙ ዝኣገረ ሙእኹልነት፣ ብፍላይ ምስ ግልጋሎት ፋይናንስ፣ ግብሪን ወፃኢ ሸርፍን ተኣሳሲሩ ከመይ ይልሕልሕ፣ ረብሓና ከመይ ንሕሉ ዝብል ቀንዲ ውራይ እዚ ንጡፍ ርድኢት ብሄራዊ ረብሓ ንዘለዎ ሓዱሽ ትውልዲ መንእሰይ ትግራይ እዩ። “ሃገርካ እያ፣ ስቕ ኢልካ ተፀመም፣ መክት፣ መስመርካ ሓሉ” ዝብል ዱፉን ጉዕዞ ነዊሕ ኣይወስድን። ብዓይኒ ዘላቒ ስትራተጂ ድማ፣ ሓርነታዊ ራኢይ ተዓጢቐና፣ መጠን ወፃኢ ቃልሲ ብሄራዊ ሓርነትና ዝቕንስ (ስተራተጂና ከንደይ ፀላኢ ይቐትል ዘይኮነስ፣ ክንደይ መስዋእቲ ይቕንስ ክኸውን ኣለዎ) ኣከያይዳ ምኽታል ይግባእ።

ስለዝኾነ ድማ፣ ኩነታት ሃገረ ኢትዮጵያ ናብ ዘይዕሪ ብርኪ ዕንወት የምርሕ ስለዘሎ፣ ብምድርዳር ዝርከብ መሰል ኮንፈደሬሽን ምርግጋፅ፣ ትግራይ ብግብሪ ሓራ መንግስቲ (de facto state) ኮይና ዝንቕፅለሎም መማረፂታት ምንዳይ፣ ወይ ድማ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንፃል ብግብሪ ብምፅዋዕ ሓርነትና ምርግጋፅ’ዶ ይሓይሽ?…. ኣብ ዝብሉ መማረፅታት ትኹረት ዝገበረ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ኣብ መንጎ ግዱሳት ተጋሩ ክምዕብል ከምዘለዎ ርኢቶይ ብምቕራብ ሓሳባተይ ኣብዚ የጠቓልል።

ሰላም።

ኣብራሃም ኣሰፋ

Abrishey2003@gmail.com

 

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *