Home / Uncategorized / ክልል ትግራይ ኣብ ክሊ ዓባይ ሃገር ትዓቢ

ክልል ትግራይ ኣብ ክሊ ዓባይ ሃገር ትዓቢ

ዳዊት ሀይለ፡  ምሁር ስነ-ቑጠባ እንትኸውን ንሪኢቶኹም dawith1972@gmail.com

 

ኣብ ዝሓለፈት ሕታም መፅሄት ውራይና ሓውና ግርማይ በርሀ “ትግራይ ሃገር ምኳን ዝግበኣን ዘዋፅኣን ብሄር እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝፀሓፎ ፅሑፍ ኣንቢበዮ። ነቲ ዘቕረቦ ሓሳባት’ውን ተዘይደገፍክዎ ንፍሰት ሓሳባቱን መርትዖታቱን ከየድነቕኩ ክሓልፍ አይደልን። ብወገነይ ትግራይ ከም ሃገር ደው ኢላ ካብ እትርበሖ ንላዕሊ፣ ኣብ ውሽጢ ዓባይ ሃገር ተሓቊፋ እንተቐፀለት እትርበሖ ይበልፅ ኢለ ይሓስብ። ከም ሃገር ምቋም ጥራሕ ሰላማዊት፣ ቅስንቲ፣ ምዕብልትን ተሰማዒነት ዘለዋን ሃገረ ትግራይ የውሕሰና እዩ ኢለ ኣይሓስብን። የግዳስ ነቶም ዘጓነፉና ሽግራት መወዳእታ ክኾነና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ናይ ካልኦት ዓበይቲ ሽግራት መጀመርታ ከይኸውን የስግአኒ። “አንበሳያ ፈሪሖም ናብ ኦም ይስቀሉ’ሞ ነብሪ ይፀንሖም” ከም ዝበሃል።

ግርማይ በርሀ ትግራይ ሃገር ክትከውን የኽእላን የዋፅኣን’ዩ ክብል ዘቕረቦም መርትዖታት ፀቕጢ ገይረ ናተይ ኣተሓሳስባ ክገልፀልኩም ክፍትን እየ’ሞ ብትዕግስቲ ክትስዕቡኒ እላቦ።

  1. ትርጉምብሄር

ግርማይ በርሀ “ትግራይ ሃገር ኮይና ክትቀውም ዘዋፅኣ “ብሄር” እያ ይብለና። ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብሄረ ኢሮብን ኩናማን ነቶም ዝጠቐሶም መለክዒታት ሓደ ብሄር ኣማሊኦም ድዮም ኣብ ብሄረ ትግራይ ተኻቲቶም፣ ከም ሃገር ናይ ምቋም ዕድሎም ሓቢሮም ክውስኑ ተሓሲቦም? ምሁራት ሕብረተሰብ ሳይንስ ብሄር ዝብል ቃል ብኽልተ መንገዲ ክትርጉምዎ ንዕዘብ። በቲ ሓደ ወገን፣ ብሄር ተፈጥሮኣዊን ዘይተለዋዋጢን (primordial) እዩ ኢሎም ይሓስቡ። በቲ ካልአዋይ ወገን ከዓ ብሄር ውፅኢት ህንፀት ማሕበረሰብ (Social Construct) ስለዝኾነ ክለዋወጥ ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እንተኣነ ብሄር ተፈጥሮአዊ ከምዝኾነ ኩሉ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ከዓ ኣብ ከይዲ ከከም ኣድላይነቱ ሓንሳብ እነግፍሖ ሓንሳብ እነፅብቦ ነገር’ዩ ኢለ ይሓስብ።

ካባይ ጀሚሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘረባናን ፅሑፋትናን፣ ትግራይ ማለት ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ጥራሕ ዝነብረሉ ክልል ገይርና ናይ ምሕሳብ ዓቢ ስሕተት ንፍፅም ኢና። ብሄረ ትግራይ ዝብል ቃል እንትፀብብ ነቲ ትግርኛ ተዛራቢ ዝኾነ ክፋል ማሕበረሰብ ጥራሕ ዝውክል እንትኸውን፣ እንትሰፍሕ ከዓ ኩናማን ኢሮብን ዝጠምር ጌርና ንጥቀመሉ ኢና። ነዙይ’ዩ ከዓ ብሄር ዝብል ቃል ተፈጥሮኣዊን ዘይተለዋዋጢን ጥራሕ ዘይኮነስ እንትፀብብ ካልኦት ዘጓንይ፣ እንትሰፍሕ ከዓ ንኻልኦት ዝሓቁፍ’ዩ እንብሎ።

ንብሄረ ኩናማን ኢሮብን ሒዛ ከም ሃገር እትቐውም ትግራይ፣ ከምቲ ግርማይ ዝበሎ ሓደ ብሄር ዘለዋ ሃገር (nation state) ዘይነትስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብሄራት ዝነብሩላ ሃገር (multi-national state) እያ ትኸውን ዘላ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ሞንጎ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ዘሎ ዓርስኻ ሓደ መንነት ዘለዎ ጌርካ ናይ ምሕሳብ ኣካይዳ’ውን ተሃኒፁ ዝተወደአ ጌርና እንተዘይወሰድናዮ ፅቡቕ ይመስለኒ። ሓደ ሓደ ግዘ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከቡ ህዝብታት ካብ ምስቲ ማእኸል ዓዲ ዘለዎም ርክብ፣ ምስቲ ሰገር ዶብ ዘለዎም ርክብ ስለዝዓቢ፣ ተረሲዕና ኢና ኣንፀርፅሮት እንክህልዎም መንነቶም ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትውዎ ይረአዮ እዮም።  ስምዒት ሓደ መንነት (sense of oneness) ኣብ ከይዲ ምዕባለ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሰናይ ምምሕዳርን እናዓበየ ዝኸይድ ደኣምበር ገና ካብ ብቐደሙ ኣብ ዱልዱል መሰረት ተሃኒፁ ዝተወደአ እዩ ኢለ ኣይኣምንን (ተሃኒፁ’ኸ ይውዳእ ድዩ?! ተተበሃለ’ውን)። ኣብ ውሽጢ ትግራይ “ወዲ ክስቶ ወረዳ ይገዝአና ኣሎ” ዝብል ሕቶን፣ “ጓል/ወዲ ዓድኻ ተመርዖ” ዝብል ምኽሪ ወለዲን ክትሰምዕ ከለኻ ዝቐርየና መንገዲ ከምዘሎ ይርደአካ።

  1. አድላይነት ምቋም ሃገረ ትግራይ

ኣብ ዝስዕብ ፅሑፈይ ከዓ ሓውና ግርማይ በርሀ ኣድላይነት ሃገረ ትግራይ ኣመልኪቱ ዘልዐሎም ሓደ ሓደ ነጥብታት ከእምነኒ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ከረድእ ክፍትን እየ።

 2.1 ሃገረ ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን፣ ዓርሰውሳነ ትግራዋይን የውሕሰልና ?

ግርማይ በርሀ ኣብ ፅሑፉ ትግራይ ከይተሸራመመትን ግዝኣታዊ ሓድነታ ሓሊያ ምእንታ ክትነብር ከም ሃገር ክትቀውም ከምዘድልያ ከረድአና ይፍትን። እቲ ሕዚ ተላዒሉ ዘሎ ክሳብ ኣፅዋር ምውጥዋጥ ዝዘልቕ ሕቶ-መሬት-ይግበአኒ፣ ትግራይ ከም ሀገር ምስቆመት ዝመውት እንተመሲሉና ኣዐሪና ዝተሰሓሓትና ይመስለኒ። መብዛሕተአን ሀገራት አፍሪካ ክሳብ ሕዚ መዕለቢ ዘይተገበሮ ውጥጥ ዶብ ከምዘለወን ክትርኢ ከለኻ ውጥጥ ዶብ ንምፍታሕ ከም ሀገር ምቋም መፍትሒ ከምዘይኮነ ትርዳእ። ሓደ ሓደ ሻብ ትግራይ ከም ሀገር ክትቀውም ከላ ኢትዮጵያ ምስ እትበሃል ሃገር ጎረቤት ምኳን (ምዱባብ) ደው እተብል እውን’ዩ ዝመስለና። ኤርትራ ከም ሃገር ምስቆመት ዝተለዓለ ውጥጥ ዶብ ንኽልቲኡ ህዝብታት ካብ 100,000 ንላዕሊ ህይወት ቀያሕትን ፀለምትን ኣኽፊልዎ እዩ። ኣካል ኢትዮጵያ ከለና ተላዚብና ዘይፈታሕናዮ ውጥጥ ዶብ፣ ሀገር ምስኮንና ካብ ሰማይ ዝወርድ ተኣምር ኣይክህሉን። ብቓላት ክንዘራረብ ተዘይክኢልና ብኣፅዋር ክንዘራረብ ክንግደድ ኢና። ከም ሀገር እትቐውም ትግራይ ኣብ ልዕሊ ምንኣሳ፣ ተኣናፊ ፓለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ተወሲኽዎ ምስ ጎረባብታ ኣብ ዝህልዋ ርክብ፣ ተሰማዕነታ ዝቐነሰ፣ ፅዕንቶ ሓያላት ሃገራት ዝበዝሓ ሃገር ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሎኒ። ናይ ሓያላት ሃገራት ኢድ ኣታውነት ተወሲኽዎ፣ ብሰለስተ ዘይተረጋገኣ ጎረባብቲ ዝተሓፀረት፣ ኣፍ ደገ ባሕሪ (outlet to the sea) ዘይብላ ሃገር፣ ሓድነታን ሉኣላዊነታን ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ዕድሉ ፀቢብ ኣይኮነን። ነዚ ንምምካት ከዓ ትግራይ ከም ሃገር መንእሰያታ ኩሉ ወተሃደር ክኾኑ ዝግደድሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ።

2.2 ሓደ ዓይነት ብሄር ዘለዋ ሃገር ዋሕስ ሰላምን ምርግጋዕን ትኾነና ?

“ትግራይ ከም ሀገር ክትቀውም እንተላ ሓደ መንነት ዘለዋን፣ ኣብ ውሽጣ ክወፅእ እየ ስደዱኒ ዝብል ክፋል ማሕበረሰብ ዘይብላን ኮይና ክትቀውም ትኽእል እያ” ይብል ግርማይ በርሀ። ኣስዕብ ኣቢሉ ከዓ ሓደ መንነት ዘለወን (nation states) ዝኾና ሃገራት ምስተን ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት ክነፃፀራ እንተለዋ ብሓፈሻ እተን ሓደ መንነት ዘለወን ሃገራት ዝለዓለ ውሽጣዊ ሰላምን ቅሳነትን ዝውንና ሃገራት እየን ይብለና። ብመጀመርታ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ትግራይ ከም ሃገር እንተቖይማ ኢሮብን ኩናማን ዝሓቖፈት ብዙሕነት ዘለዋ ሀገር ደኣምበር ሓደ ብሄር ጥራሕ ዘለዋ ሃገር ኣይክትከውንን።

እንትቕፅል ሰላምን ቅሳነትን ሓንቲ ሃገር ብብሄር ምምስሳል ጥራሕ ዝመፅእ ጌርና ናይ ምውሳድ ግጉይ ኣረዳድኣ ዘሎና ይመስለኒ። ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ብሄር ወፃኢ ብሃይማኖት፣ ኢኮኖሚያዊ ደርቢ፣  ኣውራጃዊን  ቀቢላዊን ስምዒታት ክፈነጫጨል ይኽእል እዩ። ሓደ ዓይነት ህዝቢ ኣለወን ዝበሃላ ክልቲአን ኮሪያታት ከም ሓንቲ ሃገር ደው ምባል ኣብይወን፣ ድሕሪ ከቢድ ጦርነትን ምፍልላይን ክሳብ ሕዚ ‘ንዓኺ ረአኹ፣ ሞት ረአኹ’ ይበሃሃላ ኣለዋ። ሓደ ብሄር ዘለዋ ጎረቤትና ሶማሊያ’ውን ብቐቢላዊ ምምቕቓል ተሓሚሳ ድሕሪ ምፍራሳ፣ ደጊማ ከም ሃገር ደው ክትብል ኣሸጊሩላ ከምዘሎ እንፈልጦ ሓቂ እዩ። “ሓደ ህዝቢ፣ ሓደ ልቢ” ኢላ ከም ሃገር ዝቖመት ጎረቤትና ኤርትራ’ውን ሓድነት ዘለዋ መሲሉ ተተሰመዐና’ውን ከበሳን መታሕትን፣ እስላምን ክርስትያንን፣ ሓማሴን፣ ሰራየን፣ ኣኮሎግዛይን ዝብል ምጉዝዛይ ከምዝፈታተና ኣይንረስዕ። ድሕሪ ናፅነት ኤርትራ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣብ ሓደ ኣኼባ “ንምንታይቋንቋ ትግርኛ ዝፀዓነና?! ፤ ኣምሓሩስ ካብዚ ንላዕሊ ዶ ታይ ጌሮምና እዮም” ኢላ ንፕሬዝደንት ኢሳያስ ክትሓቶ እዝክር።

ሓደ ሓደ ሻብ ናይ ሓባር ፀላኢ ክህልወካ እንተሎ ሓድነትካ ይሰጥም’ሞ እቲ ፀላኢ ምስተኣለየ ተሓቢኦም ዝነበሩ ፀበብቲ ኣፈላላይ እናዓበዩ መፅዮም ከም ኣሜባ እናተጎዛዘኻ ክትነብር ትግደድ። ሓደ ሓደ ሻብ እማ ከኣ ሓድነትካ ክተጠናኽር ኢልካ ፀላኢ ክትፈጥር’ውን ትግደድ። እቲ ወኪል ህዝቢ ኦሮሞ እየ ዝብል ዶ/ር ኣብይ “ወለጋ ተኸይደ ክቐትሉኒ እዮም” ክብል ዝሰማዕናዮ ይመስለኒ። ደቡብ ሱዳናውያን’ውን ዓርሶም ክኢሎም ከም ሃገር ደው ምስበሉ (ደው’ያ እንተይሎምስ) ንዌርን ዲንቃን ተበሃሂሎም ክገማምዑ ርኢናዮም ኢና።

       2.3 ምቋም ትግራይ ከም ሃገር ቅልጡፍን ኩለመዳያዊ ምዕባለን የረጋግፀልና ?

ንሓወይ ግርማይ በርሀ ንመጀመርታ ግዘ ብቴሌቭዥን ትግራይ እንክሪኦ “ብስሩ’ውን ንኢትዮጵያ ከም ዕዳጋ ክንሪኣ የብልናን፣ ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክንልእኽ ንኽእል ኢና” ኢሉ ክዛረብ ሰማዕክዎ። ግርማይ ከቢድ ድፍረት ፈፂሙ ኣሎ ወይከዓ ነቲ ትምህርቲ ስነ-ቑጠባ ብትኽክል ኣይተመሃርክዎን ኢለ ከዓ ሓሰብኩ።

ግርማይ ኣብታ ፅሕፍቱ ኢትዮጵያ ከም ሃገር እትርከበሉ ድኽነትን ድሕረትን ኣመልኪቱ ይትረፍ’ዶ ኣብ መፍትሕታቱ፣  ኣብ እንታይነት ’ቲ ፀገም’ኳ ምርድዳእ ከምዘይተኽኣለ ይገልፅ። “ኣብ እንታይነት እቲ ፀገም ምርድዳእ ምፍጣር ፍርቂ መፍትሒ እዩ” ኢሉ ዝኣምን ሓውና ግርማይ፡ ወራሲ ስልጣነ ኣኽሱምን ደኣማትን ዝኾነ ትግራዋይ ግን ከም ሃገር እንተቖይሙ ነቲ ፀገም ኣመልኪቱ ኣብ ምርድዳእ ንኽበፅሕ ፃት ከምዘይወስደሉ ይነግረና። ዘይተምሃረ ሕብረተሰብን ዘይሰልጠነ ፖለቲካዊ ባህሊን ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብሓፈሻ ዝረአ ተርእዮ እናሃለወ፣ ትግራይ ከም ሃገር ምቋማ/ወይ ከዓ ወናኒት ፍሉይ ታሪኽ ምኳና ብኸመይ ከምዝሕግዛ ግርማይ ዘብረሀልና ኣይመስለንን።

ቀፂሉ ከዓ፣ ትግራይ  ተበግሶን ዓቕሚን ዘለዎ ሰብኣዊ ፀጋ፣ ምዕቡል ግብሪ ናይ ምኽፋል ባህሊ፣ ትዕድልቲ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝወነነት ስለዝኾነት ምስ ካልኦት ክልላት ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ከየድለያ ዓርሳ ኪኢላ ከም ሃገር ደው ክትብል ከምትኽእል ከረድአና ይፍትን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ድኻ ጎረባብታ ምትዕድዳግ ከየድለያ ምስ ሓፋትም ዓድታት ክትዓርኽን ክትተዓዳደግን ክምትኽእል ይነግረና። በዘን ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘረን ፀጋታት ዝተዓፃፀፈ ዓቕሚ ዘለወን ምዕቡላት ሃገራት ግና ዓርስና ኪኢልና ኢና ኢለን ከይተጀሃራ ምስ ጎረባብተን ዶብ ዘየለ ክሳዕ ዝመስል ዕዳገአን ኣስፊሐን፣ ፍሰት ሰባትን ኣቕሑትን ከሳልጣ ይጓየያ ኣለዋ። ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሉ ገዚፍ ሃገር፣ ገፊሕ ዕዳጋ፣ ዓቢ ስሕበት ኢንቨስትመንት፣ ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ተሰማዕነት፣ ውሕድ ፅዕንቶ ካብ ሓያላት ሃገራት ከምዘርክብ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ይመስለኒ። ነዚ ጥቕሚ ንምምዝማዝ፣ ክልላትን ሃገራትን (ይድከያ ይሃፍትማ) ኣብ መንጎአን ዝፈጥረኦ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብብርኪ ኢኮኖሚ ጀሚሩ፣ ናብ ፖለቲካዊ ምትሕብባር ዝዓቢ፣ እንትቕፅል ክሳብ ዓዲ ምኳን ዝበፅሕ እዩ።

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ስፍሓትን፣ በዝሒ ህዝብን፣ ተደማፅነትን ኣብ ግምት ክነእቱ ከለና፣ ትግራይ ከም ክልል ኣብ ክሊ ዓባይ ሃገረ ኢትዮጵያ ኮይና ተቐፀለት ነቶም ግርማይ ዝጠቐሶም ሰብኣዊን ንዋታውን ፀጋታት መዝሚዛ ክትጥቀም የኽእላ እዩ ኢለ ይሓስብ። ነዙይ እዩ ከዓ ምስቲ ኩሉ ብድሆታት ትግራይ ክም ክልል ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምኳና ከም በረኸት እምበር ከም መርገም ክረአ የብሉን ዘብለኒ።

ብምቕፃል ግርማይ ኢትዮጵያ ከም ዕዳጋ ክንሪኣ ከምዘይብልናን ዓለም ብዓለማ ዕዳጋና ከምዝኮነት ክልተ ምኽንያታት ጠቒሱ ከዘኻኽረና ይፍትን። ኢትዮጵያ ከም ዓዲ ኣዚያ ድኻን፣  ኣብ መንጎ ክፋላት እታ ዓዲ ከዓ ተመሳሳላይነት ፀጋታት ስለዘሎ ዕዳጋ ናይ ምኳን ዕድላ ኣዝዩ ትሑት እዩ ይብለና። ድኻ ሃገራት ምስቲ መንእሰይ ዝበዝሖ በዝሒ ህዝበንን፣ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ማእኸላይ እቶት ዘለዎ (middle class) ንብዙሓት ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ዘስድዕ ዕዳጋ እናኾና ይመፃ ከምዘለዋ ዝረሰዖ ይመስለኒ። ክልላትን ሃገራትን ኣብቲ ኣዕርየን ዘድማዓሉ (comparative advantage ዘለወን) ፀቕጢ ጌረን ንድኻ ጎረባብተን ከም ገፊሕ ዕዳጋ ተተጠቒመን፣ ኣብ ከይዲ ርእሰ-ማል ኣዋህሊለን ንዓለም ዕዳጋ ዝምጥን ፍርያት ብበዝሒ ምፍራይ የኽእለን እዩ ኢለ ይሓስብ። ትግራይ ከም ክልል ምስ ጎረባብቲ ክልላትን/ሃገራትን ብሰፊሕ ዕዳጋ ምትእስሳርን ምትዕድዳግን ገዲፋ ከም ሃገር ቆይማ ምስ ሃፋትም ዓድታት ጥራሕ’የ ዝዓርኽን ዝነግድን እንተይላ፣ ኣብ ደንበ ጉስጢት ኣብ ዘይክብደታ ኣቲያ ተጓዕፂፃ ክትሞት ምድላይ እዩ ዝመስለኒ።

እንተ ኣነ ከምቲ ግርማይ ዝበሎ ኢትዮጵያ ክፋላታ ተመሳሳሊ ፀጋታት ዘለዎም፣ ተስፋ ዘይብላ ድኻ ዓዲ ገይረ ኣይወስዳን። ንትግራይ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሬት፣ ዝተፈላለየ ክሊማ፣ ትሕቲ መሬትን ልዕሊ መሬትን ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት፣  ሰማንያ ብሄራትን ባህልታትን፣  ሃገር-በቆል ኣተሓሳስባታት፣ ኣፈታትሓ ፀገም፣ ኣመጋግባ፣ ኣከዳድና፣ ሕጊ እንዳባ ዘለዋ፣ ኮታስ ብገንዘብ ዘይግበጥ ሃብቲ ዘለዋ ሃገር ገይረ እየ ዝወስዳ። እቲ ሓለሓሊፉ ዝኽሰት ጎንፅታት ገዲፍካ ኣብ መንጎ ብዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ፀጋታት ዝሃፍተሙ ህዝብታት ምንባር ባዕሉ፣ ካብቲ ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ብዝሓለፈ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝያዳ ሞገስ የርክበልካን የማዕብለካን።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ክልላት ተመሳሳሊ ፀጋ ስለዘለዎም እንታይ ከይዓብሱልና ዝብል ኣተሓሳስባ ብሳይንስ ስነቑጠባ ዝድገፍ ኣይመስለንን። ኣብ ውሽጢን ከባቢን ሓንቲ ዓዲ ዘሎ ተፈጥሮአዊ ፀጋታት ተመሳሳሊ ምኳኑ ምትዕድዳግ ዘይኣድላዪ ኣይገብሮን። እቲ ጥረ-ኣቓሓ ዋላ ይመሳሰል ብኣናእሽተይን ማእከለዎትን ፋብሪካታት ሓሊፉ፣ መልክዑ ቀይሩ፣ ዋጋ (value) ወሲኹ፣ ናይ ባዕሉ ሽም (brand) ተዋሂብዎ፣ ብዝተፈላለየ መዐሸጊታት ተዓሺጉ ተቐሪቡ ብዓይኒ ተጠቀምቲ ዝተፈላለየ ኣቕሓ ኮይኑ ማለት እዩ።  ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ቅልቅል ኢለ ነይረ። ኣብ ፃንሒተይ ኣብ ሓደ ሹቕ ደው ኢለ እናዕለልኩ እቲ በዓል ሹቕ “ዕሹግ ማይ ዶ ክህበካ?” በለኒ። “እሺ ሃበኒ” ምስ በልክዎ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ “ናይ ኢትዮጵያ ዶ ይኹነልካ ወይስ ናይ ኤርትራ?” በለኒ። እቲ ማይ (ማይ ኣቦይዝጊ) ብዝተፈላለየ መዐሸጊ ተዓሺጉ፣ ሽም ተዋሂብዎ ብዝተፈላለየ ዜግነት ንምርጫ ዓደግቲ ቐሪቡ’ሎ ማለት እዩ።

ሃገርና ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ንግዲ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳዲን፣ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ንግዲ ወደብን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካብቶም ምስ ድኻ ጎረባብትና እንገብሮም ምትዕድዳጋት ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ደቡብ ሱዳን ኣትዮም ኣብ ዝተፈላለዮ ዘፈራት ተዋፊሮም ዝሰርሑ በዝሒ ዘለዎም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ክትርኢ ከለኻ ዝነዓቕ ሃገር ከምዘየለ ዘረድአካ ይመስለኒ። ምስ ጎረባብቲ ክልላትን ሃገራትን እንገብሮም ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ካብቲ ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ሓሊፉ ፖለቲካዊ ረብሓ’ውን ኣለዎ። ብኢኮኖሚ ኣዐሪየን ዝተኣሳሰራን ብዕዳጋ ዝደላለያን ሃገራት/ክልላት ብቐሊሉ ናብ ጎንፂ ናይ ምምራሕ ዕድለን ፀቢብ ምኳኑ ምሁራት ዝሰማምዕሉ ሓሳብ እዩ።

ሽግር መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ተገይሩ ዝውሰድ፣ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ፅርግታት ካብ ማእኸል ዓዲ ናብ ገምገም ባሕሪ ጥራሕ ዝወስድ ምኳኑን፣ ብነፈርቲ ዝግበር ርክብ’ውን ምስ ናይ ቀደም ባዕዳዊ ገዛእተን ጥራሕ ዘራኽብ ምኳኑ እዩ። እዙይ ከዓ እተን ሃገራት ኣብ ውሽጠንን ኣብ መንጎአንን ዘሎ ዕዳጋ ብምፅባብ፣ ንምዕራባውያን ኣቕረብቲ ጥረ-ኣቕሓን መራገፍቲ ዝተፈብረኸ ኣቑሓታትን ስለዝገበረን ብዘይተመጣጠነ ንግዲ ኣብ ቐፃሊ ድኽነት ክሽመማ ኣገዲድወን እዩ። ንከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሰፋሕቲ ሃገራት ኣብ መንጎ ክልላተን፣ ሕልፍ ክብላ ከዓ ምስ ኣብ ጎደቦአን ዝርከባ ሃገራት ዝፍጠረኦ ከባቢያዊ ምትእስሳር (regional integration) ናፃ ዝውውር ሸቐጥን ሓይሊ ሰብን ክህሉ ብምግባር ስሉጥ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክረጋገፃ ከምዝሕግዘን መብዛሕቲኦም ምሁራት ስነ-ቑጠባ ዝስማዕምዑሉ ዛዕባ ይመስለኒ፡፡ ንትግራይ ኣብ ውሽጣ ዝሓዘት ኢትዮጵያ ብከባቢያዊ ምትእስሳር ተጠሚራ፣ ከም ክፍለ-ኣህጉርን ከም ኣህጉርን ምስ ዝማዕበላ ዓዲታት እትገብሮ እንካሃባ ዓቕሚ ምድርዳራ (bargaining power) ክብ ክብል ይሕግዛ እዩ።

መደምደምታ

ሃገር ምኳን ናይ ሽግራትና ኹሉ መወዳእታ ከምዘይኸውን ካብ ክሊቲአን ከም ሀገር ደው ዝበላ (ደውያ እንተይለንስ) ጎረባብትና ክንመሃር ይግበአና። ናይ ሓደ ብሄር ሃገር እንተኾና’ውን ዋሕስ ሰላምና ከምዘይኸውን ካብ ጎረቤትና ሶማሊያ ትምህርቲ ክንወስድ ዘለና ይመስለኒ። ሃገራት ዶበን ናብ ዘይኣድላይ ብርኪ እናዕበያ ገፊሕ ዕዳጋ ክፈጥራ ኣብ ዝህንደዳሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕዳጋኻ ክተንእስን ድኻታት ጎረባብትኻ ጠርቂምካ ዓፂኻ ብዙሕ ርሕቐት ምስዘለወን ምዕቡላት ሃገራት ጥራሕ እየ ዝተዓዳደግ ምባል ዘዋፅእ ኣይመስለንን። ንእሽቶ ሃገር፣ ንእሽቶ ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ፀጋ፣ ንእሽቶ ዕዳጋ፣ ውሕድ ተደማፅነት፣ ብዙሕ ፅዕንቶ ካብ ሓያላት ሃገራት ስለዘስዕብ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ የመዝን ኢለ ይኣመን። ኣብዛ ሃገር ሽግር እኒሀ ዶ? እወ፣ ሽሕን ሚኢትን ሽግር እኒሀ። ግን ከዓ ኣብ ህንፀት ሃገር ዘየጋጥም ሽግር ኣየጋጠመናን።

ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዚዩ ፅንኩርን ፈታኒን ኩነታት ከምእትርከብ ዝከሓድ ኣይኮነን። ግን ከኣ እዚ ሽግር ትግራይ ከም ሃገር ደው እንተበለት’ውን ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዘይተምልጦ ገዛ ዕዮኣ እዩ ክኸውን። ህንፀት ሃገር ነዊሕን ፈታኒን ጉዕዞ እኳ እንተኾነ መፃኢ ዕድልና ምስዞም ኣሕዋት ህዝብታት እተተሓሓዘ እዩ ኢልና ዓርስና ኣእሚናን ተፀሚምናን ነቶም ዝገጥሙና ብድሆታት ክንሰግር ተኪኢልና መፃኢ ዕድልና ብሩህ ክኸውን እዩ ኢለ ይኣምን። ካብዙይ ሓሊፉ ነታ ካብ ምምስራታ ጀሚሩ፣ ትግራዋይ ልዕሊ እጃሙ ዝሞተላን ዝቖሰለላን ሃገር፣ ብግዚያዊ ሽግር ተላዒልካ “እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ኢላ ዓርሳ እትፅውዕ ሃገር” ክትብላ ኣይግባእን፣ ከምቲ ግርማይ ዝበሎ። “ንዝሓልፍ ግዘ፣ ዘይሓልፍ ቃል ኣይትዛረብ” ከምዝብልዎ ለባማት ወለዲ። ወይ ከዓ ከም’ቶም ፈረንጂ ዝብልዎ “ነቲ ቖልዓ ምስቲ ሕፃብ ምድርባይ” (throwing the baby out with the bathwater) ከይኾነና። ብሓፈሻ ትግራይ ከም ሃገር ዘይኮነትስ፣ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓባይ ሃገር እንተፀነሐት’ያ ብዝበለፀ እናዓበየት ክትከድ እትኽእል ኢለ ይኣምን።

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *