Home / Uncategorized / ትግራይ ሃገር ምዃን ዝግብኣን ዘዋፅኣን ብሄር እያ!

ትግራይ ሃገር ምዃን ዝግብኣን ዘዋፅኣን ብሄር እያ!

ብ ግርማይ በርሀ

 

መእተዊ

ትግራይ ብሄር ምዃና ንኣብዝሓ ትግራዋይ እንታይነት ብሄር ብውነን ብቕንዕናን ንዝርዳእ ዝኾነ ካልእ ሰብ እውን ብቐሊሉ ክርአ ዝኽእል ሓቂ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ፅሑፍ ብሄር ክንብል እንተለና እንታይ ማለትና ምዃኑ ንምግላፅን በቲ መግለፂ ንሱ ድማ ብርኪ ብሄርነት ትግራይ መዚንካ ምብጋስን ኣድላዪ እዩ። ኣብዚ ፅሑፍ እዙይ ብሄር ማለት ኣብ ሓደ  ከባቢ ዝነብሩ፣ ብሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝረዳድኡ፣ ባህላዊ ምምስሳል ዘለዎም፣ ስጥም ዝበለ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘለዎም፣ ኣብ ፅቡቕን ሕማቕን ሕሉፎም (ታሪኾም) ናይ ሓባር ግንዛበ ዘለዎምን መፃኢ ዕድልና ብሓባር ይውሰን ኢሎም ናይ ዝኣምኑን ናትና ዝብልዎ ኩታ ገጠም ዘለዎምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ዝነብሩን ሰባት እኩብ እዩ።

 

ብመንፅር እዚ መግለፂ እዚ እንትምዘን ትግራይ ካብዘን ዝተዘርዘራ ረቛሕታት ዘይተማልኣ ዋላ ሓንቲ የላን። ኣብ ዓለም ድማ ብፍላይ ምስ ምድኻም ፊድዋላዊ ስርዓትን ምምዕባል ኢንዳስትሪን ተተሓሒዙ ብዝመፀ ምዕባለ ከም ትግራይ ዝኣመሰላ ብሄራት ናይ ባዕለን ሃገር እናቖማ ምሉእ ላኣላውነት እናተጎናፀፋ ዝመፅኣሉ ከይዲ ኢና እንግንዘብ።

 

እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ትግራይ ከም ብሄር መጠን ሃገር ክትከውን ትኽእል ዶ ዝብልን ሃገር ምዃን ከ የዋፅኣ ዶ ዝብልን ሕቶ ምልዓል ግቡእ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከዓ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየን ሕዚ እውን ዝርአ ዘሎን ምዕባለታት እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ርእሲ ብዙሕ ትግራዋይ ዝመላለስ ዘሎ ሕቶ እዩ ምባል ይከኣል እዩ። እዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ሕቶ ንምምላስ ምእንታን ክከኣል እምበኣር ብዛዕባ ዓይነት ሃገራት ዓለምናን ታሪኽ ኣፈጣጥርአንን ሕፅር ዝበለ ዳህሳስ ምክያድ ከድሊ ይኸውን እዩ።

 

እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣዝዩ ሰፊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን እኳ እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃገራት ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ክምደባ ዝኽእላ እየን። ኣብቲ ሓደ ክፋል እንረክበን ብዋናነት ናይ ሓደ ብሄር ዝኾና ሃገራት (nation states) እንትኾና ኣብቲ ካልኣይ ምድብ ድማ ብዋናነት ሓደ መንነት ዘይብለን ኮይነን ብርክት ዝበሉ ብሄራት ዝነብሩለን ሃገራት (multi-national states) እየን። ናይ ሓደ ብሄር ዝኾና ሃገራት ኣብ ዝብል ምድብ ንኣብነት ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣውሮፓ ፣  ጃፓን፣ ቻይና፣ ኮርያን ቬትናምን እንትንረክብ ኣብቲ ካልኣይ ምድብ ድማ ዝብዝሓ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ከም ኢንዶኖዥያ፣ ስሪላንካ፣ ምያንማርን ታይላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤስያን ንረክብ። ኣብ ኣውሮፓ ናይ ሓ ደብሄር ዘይኮና ኢልካ ክጥቀሳ ዝኽእላ ሃገራት ቤልጅየምን ስፔንን እየን ምባል ይከኣል። እተን ሓደ መንነት ዘለወን ሃገራት ምስተን ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት ክነፃፀራ እንተለዋ ከዓ ብሓፈሻ እተን ሓደ መንነት ዘለዎን ሃገራት ዝልዓለ ውሽጣዊ ሰላምን ቅሳነትን ዝውንና ሃገራት ኮይነን ኢና እንረኽበን።

ኣፈጣጥራ እዘን ዝተፈላለያ ሃገራት ክንርኢ እንተለና ካብተን ሓደ መንነት ዘለዎን ሃገራት ገሊአን ዳርጋ መዋእለን እዚ መንነተን ዓቂበን ዝፀንሓ እንትኾና (ንኣብነት ሃገራት ጃፓንን ቻይናንን ምጥቃስ ይከኣል) ካልኦተን ግና ብሰንኪ ሓያላትን ጠመርቲ ዝኾኑን ገዛእቲ ምስ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ተቖሪነን ድሐሪ ምፅናሕ ብከይዲ ሓርነተን እናተጎናፀፋ ዝመፃ ሃገራት እየን (ንኣብነት ኣብዝሓ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ከም ኮርያን ቬትናምን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤስያ  ምጥቃስ ይከኣል) ። ብኣንፃሩ እተን ዝበዝሓ ሓደ መነነት ዘይብለን ሃገራት ከዓ ብካልኦት ገዛእቲ ዝተፈጠራ እንትኾና ክሳብ ሕዚ ብናይ ባዕለን ቅዲ እንተይኮነስ እዞም ገዛእቲ ብዝፈጠሩለን ቅርፅን ትካላትን ዝቕፅላ ዘለዋ ሃገራት እየን። ካብዘን ሃገራት ዝበዝሓ ኣብ ውሽጠን ብዙሕ ናይ ክንወፅእ ንደሊ ኢና ብዝል ሕቶ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዓምፂፀን ዝነብራ ዘለዋ እየን። ንኣብነት ኵቤክ ካብ ካናዳ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ካታሎኒያን ባስክን ካብ እስጳኛ፣ ፍለሚሽ ካብ ቤንጅየም ኣብ እውሮፓ፣ ኣብ ኣፍሪካን ኤስያን እዚ ሕቶ ዘይልዓለለን ሃገራት ብጣዕሚ ውሑዳት እየን። ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ግና ታሚል ስሪላንካ፣ ኣቸህ ካብ ኤንዶናዥያ፣ ራካይንን ካረኒን ካብ ምያንማር (ካብዛ ሃገር ብድምር ልዕሊ 5 ከባቢታት እየን ናይ ምንፃል ሕቶ ዘለወን) ምጥቃስ ዝኣክል ኮይኑ ኣብ ኣፍሪካ ድማ ቢያፍራ ካብ ናይጀርያ፣ ምዕራብ ሰሃራ ካብ ሞሮኮ ተዛረብቲ እንግልዝኛ ካብ ካሜሮን፣ ቱዋረግ ካብ ማሊ፣ ማልን ኦሮምያን ካብ ኢትዮጵያ ምጥቃስ ይከኣል።

እዚ ልዕል ኢሉ ብሓፂሩ ዝተገለፀ ዓይነታትን ኣፈጣጥራን ሃገራት ዓለም ዘርእየና ነገር እንተሎ ሃገራት እንተኾይኑለን ከም ናይ ሓደ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ሉኣላው ግዝኣታተ ኮይነን ተዘየሎ ድማ ከም ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዘቖምዎም ሉኣላዊ ግዝኣታት ኮይነን ክፍጠራ ከምዝኽእላ እዩ።  ኣብዚ ክጭበጥ ዘለዎ ኣውራ ነጥቢ ድማ ትግራይ ከም  ሃገር ክትቀውም እንተላ ሓደ መንነት ዘለዋን ኣብ ውሽጣ ክወፅእ እየ ስደዱኒ ዝብል ክፋል ማሕብረሰብ ዘይብላን ኮይና ክትቀውም ከምእትኽእል ብምግንዛብ እዩ። ብናትና ርእይቶ ትግራይ ሃገር ምዃን ይግብኣን የዋፅኣን ዶ ንዝብል ሕቶ ክህሉ ዝግባእ መልሲ እወ ንትግራይ ሃገር ምዃን ኣዐርዩ ዝግባእን ብደምቢ ድማ ዘዋፅእን ሕርያ እዩ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ እዚ ክኸውን ከምዘለዎ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ምርዳእ ይከኣል።

ኣድላይነት ምሉእ ሓርነትን ምቛም ሃገረ ትግራይን

ትግራይ ምሉእ ሓርነት ጨቢጣ ከም ሃገር ክትቀውም ኣለዋ እንብለሉ ዋና ምክንያት ዘይሩ ዘይሩ ምእንቲ ድልየታትን ባህግታትን ህዝቢ ትግራይ ብዝሓሸ ኩነታት እናተማልኡ ክኸዱ ምዃኑ ርዱእ እዩ ኢልና ንኣመን። ስለዚ ቅድሚ ኩሉ  ነገር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሃገሩ ክማልኡ ዝጠልቦም ድልየታቱ እንታይ ከምዝኮኑ ምፍላይ የድሊ። ዋላ እኳ ድልየታትን ባህግታትን ህዝቢ ትግራይ ብሙሉኦም ምዝርዛር ኣፀጋሚ ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ እዞም ድልየታት ባዕሎም እውን ካብ እዋን ናብ እዋን ክቀያየሩ ዝኽእሉን ዋላ እኳ እንተኾኑ ህዝብና ኣብ ሃገሩ ክማልእሉ ዝደልዮም ቀንዲ ድልየታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ምባል ይከኣል።

  1. እታ ንኣሽሓት ዓመታት ኩለመዳያዊ መስዋእቲ እናኸፈለ ዘፅንሓ ዓዱን ክብሩቱን ትግራይ ከይተሸራመመት ግዝኣታዊ ሓድነታ ተሓልዩ ክትነብር ይደሊ።
  2. ኣብዛ ዓደይ ዝብላ መረበቱ ትግራይ ድማ ሙሉእ ዓርሰ ውሳነ ሃልይዎ ዕድላቱ ባዕሉ ክውስን ይደሊ።
  3. ቅልጡፍ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ሓፂር ዝብህል ግዜ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ተናጊፉ ከም ህዝቢ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ብምውናን ኣባል ዝማዕበሉ ማሕበረሰባት ዓለምና ክኸውን ይደሊ።

እዘን ኣብ ላዕሊ ተገሊፀን ዘለዋ ድልየታት ህዝቢ ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ከዓ ናይ ባዕሉ ሃገር ክውንን ግድን ድዩ ንዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ሕቶ ድማ ብካልእ ኣቀራርባ ህዝቢ ትግራይ ነዘን ጠለባቱ ከምቲ ሕዚ ዘለዎ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከረጋግፀን ኣይክእልን ድዩ ብዝብል እውን ክቐርብ ይኽእል እዩ። ስለዚ ነዚ ሕቶ እዚ ብመንፅር ሕድሕድ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ድልየታት ህዝቢ፤  ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ክህልዋ ዝኽእል ተራ ብምፍታሽ ኣቢልና ከምዚ ዝስዕብ ንምምላስ ክንፍትን ኢና።

ህላወን ክብረትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ

ዋላ እኳ እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ኢላ ንዓርሳ እትፅውዕ ዘላ ሃገር ናይ ልዕሊ 3 ሽሕ ዓመት ታሪኽ ኣለኒ እናበለት እትጅሃር ሃገር እነተኾነት ኣብ ሎሚ ኮህንካ ንዝግበሩ ዝተታትን ክትዓትን እቲ ወሳኒ ታሪክ እዛ ሃገር ግና ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ዘሎ መዋእል እዩ ኢልና ንኣምን። ከምቲ ዝፍለጥ ድሐሪ ሃፀይ ዮሃንስ ዝነገሰ ምኒሊክ እዛ ስልጣን ንምርካብ ክብል ምስ ቀንዲ ፀላእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዝነበሩ ግብፅን ጥልያንን ክሻረኽን ክመሳጠርን ፀኒሑ ነይሩ እዩ። ድሓር እውን ዮሃንስ ኣብ መተማ ምስ ወደቐ መሰረት ንግስነት ዮሃንስ ዝኾነን ነቲ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ እተዘንትዎ ፅውፅዋይ ታሪክ 3 ሽሕ ዓመት መበገሲ ዝኾነን ግዝኣት ትግራይ ትግርኚ ኣብ ክልተ ክምቀል ገይሩ ግዝኣት መረብ ምላሽ (ናይ ሎሚ ኤርትራ) ንመሻርኽቱ ጣልያን ኣረኪቡ እዩ። ስለዚ እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ገና ካብ ብጉሓቱ  እቲ ናይ ሕዚ ቅርፃን ዋናዋና ባህርያታን ክትትሕዝ ከላ ሀ ኢላ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ብምቕራብ ዝጀመረት ሃገር ከምዝኾነት ኩሉ ትግራዋይ ዝግንዘቦ ሓቂ እዩ። ድሕሪኡ ኣብ ዝቐፀለ መዋእል እዛ ሃገር እውን እንተኾነ ነዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዝተኸለ ሓይሊ ካብ ቀደሙ ኣትሒዙ  ንትግራይ ከም ሓደጋ ስለዝሪኣ እቲ ዝመረፆ ኣካይዳ ንትግራይ እናዳኸምካ ብምቕፃል ኣብ መወዳእታ ሓይሊ ስኢና ብኩሉ መዳዩ ነዚ ሓይሊ የሻል ክትብል ናይ ምግባር ኣካይዳ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣካይዳ ድማ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግተራይ ቀፃሊ ብዝኮነ መንገዲ ብደቡብን ብምዕራብን እናተቖርመመ ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ከይዲ መለቆም ዝተገበረሉ ድሕሪ ዓወት ካልኣይ ወያነ ትግራይ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ኮይኑ ግና ድሐሪ ዓወት ካልኣይ ወያነ ትግራይ እውን እቲ ተጻብኦ ኣንፃር ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብፕሮፖጋንዳዊ መዳዩ ከይተቛረፁ በዝተፈላለየ መልክዓቱ ዘበናዊ ኣገባባት ብምጥቃም ንብዙሓት ወገናቱ ፀልልዩን ሎሚ ንተን ዝተወሰና ክፋለን ብደምን ዓፅምን ዝተመልሳ ምዕራባውን ደብባዊን ክፋላት ትግራይ ንምውሳድ ብግልፂ ሕቶ ኣቅሪቡ ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ብሓይሊ ክወስድ እንትፍትንን እንትሕልንን እንርእየሉ እዋን በፂሕና ኣለና። እዚ ወራሲ ናይቶም ገበትቲ ኣያታቱ ዝኾነ ካብ ኣምሓራ ዝፍልፍል ሓይሊ ግዝኣታት ትግራይ ንምቑርማም እንትህንደድ ሕዚ እውን ዝዓግቶ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትከል ስርዓትን መንግስትን ዘይኮነስ  ቅልፅም ተጋሩ ምዃኑ ብግልፂ ዝረኣናሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።  እዚ ማለት ድማ ትግተራይ ዋላ ሕዚ እውን እንተኾነ ግልፂ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነታ ዝፍጠር ኣበ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑን ነዚ ንምምካት እውን ካብ እትዮጵያ እትረክቦ ውሕስና ከምዘየሎን ክንርዳእ ክኢልና ኣለና ማለት እዩ። ስለዚ ብመንፅር ሓለዋ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኢትዮጵያ ፍልፍል ሓደጋና እምበር ደጋፊትናን ውሕስና እትህበናን ሃገር ስለዘይኮነት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ትግታይ ካብ ኢትዮጵያ ወፂኣ ናይ ባዕላ ሉኣላውነት ዝጨበጠት ሃገር እንተእንተኮይና ዋላ እኳ ኣብዚ እውን ግዝኣታዊ ሓድነታ ክኽበር እትገብሮ ብቕልፅማ እንቶከነ ካልእ ይትረፍ ማንም እናተልዓለ ናብ ሕቶ ከእትዎ ዘይኽእል ዶባትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን ክህልዋ ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ

ህዝቢ ትግራይ ከም መጠን ዓብይን ክቡርን ታሪክ ዘለዎ ህዝቢ ዕድላቱ ባዕሉ ክውስንን መፃኢ ዕጭኡ ኣብ ናይ ባዕሉ ዓቕምን ሰናይ ድልየትን ዝድረኽ ክኸውን ይደሊ። እዚ ድልየት ህዝቢ ትግራይ ከዓ ህዝብና ብምንዮት ጥራይ ዝሕዞ ዘይኮነስ ምእንትኡ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን እዩ። ምስ እዚ ኣርእስቲ እዚ ተተሓሒዙ ግቡእ ምላሽ ክረኽባ ዝግብአን ክልተ ተመጋገብቲ ሕቶታት ኣለዋ። ንሳተን ከዓ እዘን ዝስዕባ እየን።

  1. ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ብዘካየዶ ቃልሲ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ መሊኣ ተረጋግፅ ኢትዮጵያ ተፈጢራ ዶ?
  2. ብስሩኸ እዚ እተማልእ ኢትዮጵያ ክትፍጠር ዶ ትኽእል?

ከም እምነትና እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ከይዲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብኣወንታ ትምለስ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ እዛ ብሚኒሊክ ዝተደኮነት ዘበናዊት ኢትዮጵያ ንልዕሊ 100 ዓመት ንህዘቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ መንጢላ ብኩሉ መዐቀኒታት ከም ህዝቢ ንኽጠፍእ ዘይሕለል መንግስታዊ ፃዕርታት ክተካይድ ድሕሪ ምፅንሓ ካብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ብመሪር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ካብ ትእለ 30 ዓመት እኳ ኣይገበርናን ዘለና። እዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ መንግስታዊ ግፍዕታት ዝፈጠሮ በሰላ ብዋዛ ክጠፍእ ዝኽእል ኣይኮነን። ድሓን ቂምን በሰላን ገዲፍና ንመርሽ ምስበልና ድማ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተፈተነ ብዝተወሰነ ብርኪ ንህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ዉሳነ ዘፍቅድ ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኢነ እንረክብ። ኣብዚ ፌደራላዊ ስርዓት ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ዝረኸበ መሰል ዓርሰ ውሳነ ድሩት እዩ ነይሩ ምባል ይከኣል።  ናይዚ ምክንያት ድማ እዚ መሰል ብተግባር ንክጥቀመሉ ዘኽእል ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት እዛ ሃግር ንኣብነት ከም ባጀት፣ ምስ ካልኦት ክልላት ክህሉ  ንዝክእል ርክባር ገዛኢ ዝኮኑ ሕግታት ኣብ ምውፃእን ምስ ናይ ወፃኢ ሃገራት ዝህሉ ርክባት ብዝምልከት ዝወፁ ሕግታትን ኣተገባብርኦምን ኣብ ምክትታልን ብማዕረ ኣብ ምስ ኩሎም ብሄራት እዛ ሃገር ዝውስነሉ ስርዓት ኣይተቐመጠን። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ በዚ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ህዝቢ ትግራይ መሬቱን ኣብ መሬቱ ዘሎ ሃፍትን እውን ኣይውንን። ትግራይ እዚ ዝብሃል ገንዘባዊ ዓቕሚ ክህልዋ ዝገብር ስርዓት ኣተኣኻኽባን መቐሎን እቶት መንግስቲ የለን። ስለዚ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ተመኩሮ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ድልየቱን ምስቲ ዝግብኦ   ብርኪ መሰል ዓርሰ ውሳነ እንትነፃፀር ዝረብሕ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዘጎናፅፍ ስርዓት ተተኺሉ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን። ኣብ ርእሲ እዚ ዝገደደ ጓሂ ዝፈጥረልካ ነገር ድማ እታ ዝርካባ መሰል ዓርሰ ውሳነ እውን እንተኮነት ብከይዲ ኣብ ተግባር እናተዳኸመት ከይዳ ኣብ መወዳእታ ትግራይ ዓመታዊ ትልሚ ስርሓታ እውን እንከይተረፈ ካብቲ ማእከላይ መንግስቲ ትፅበየሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ።  ናይዚ ኣውራ መበገሲ ምክንያት ድማ እቲ ፌደራል ስርዓት ስማዊ ኮይኑ ብተግባር ግና ብፈፃሚት ሽማግለ ገዛኢ ውድብ ዝምራሕ ኣዝዩ ምእኹል ዝኮነ ስርዓት ይትግበር ብምፅንሑ እዩ ምባል ይከኣል። ስለዚ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ መዋእል ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሕጊ ይኹን ብተግባር ገና ኣይተጎናፀፈን ዘሎ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል እዩ።

እዚ ካብ ኮነ እምብኣር ሕዚ ከ ነዛ ሃገር በቲ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮን ዝግብኦን ብርኪ መሰል ዓርሰ ውንኡ ተረጋግፅ ጌርካ ምትዕርራይ ኣይክኣልን ድዩ ብዝል ሕቶ ቀፂሉ ምልዓሉ ኣይተርፍን። ብእምነትና ሕዚ እውን እንተኾነ ነዛ ሃገር እዚኣ ምስ ጠለብ ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣሳኒኻ ክትከይድ ምግባር ኣይክኣልን።  ምክንያቱ እዛ ሃገር እዚኣ መሰረታዊ ዝኮነናነይ ኣፈጣጥራ ሓጓፍ (fundamental structural flaw of information) ዘለዋ ሃገር እያ። ኣውራ መንቀሊ እዚ መሰረታዊ ነናይ ኣፈጣጥራ ፀገም ድማ እቲ ኣብ መወዳእታ 20 ክፍለዘበን ኣቢሉ ብምኒሊክ ዝተጀመረ ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ዝተፈላለዩ መንነታት ጨፍሊቕካ ናብ ሐደ ኢትዮጵያዊ ዝብሃል መንነት ክሓቁ ብምግባር ኢትዮጵያ ትብሃል ኣምሓረይቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ፕሮጀክት ምፍሻሉ እዩ።

እቲ ዝተፈላለዩ መንነታት ናብ ሓደ መንነት ብምጭፍላቕ ውሁድ ሃገር ምፍጣር ዝብል ኣካይዳ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተፈተነ ኣካይዳ ከምዘይኮነ ታሪክ ኣፈጣጥራ ብዙሓት ሃገራት የርኢ። ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ኣብ ዝተፈጠራ ሃገራት (ንኣብነት ሃገራት ፈረንሳን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ምርኣይ ይከኣል) እቲ ዝተፈላለዩ መንነታት ጨፍሊቑ ሃገር ክገብር ዝተልዓለ ሓይሊ ካብየቶም ካልኦት ፀብለል ኢሉ ክርአ ዝገብር ቁጠባዊ ወይ ኣተሓሳስባዊ ወይ ከዓ ቴክኖሎጂካዊ ዓቕሚ ነይርዎ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግና እቲ ዝተፈላለዩ መንነታት ክጭፍልቕ ዝተልዓለ ሓይሊ ብፍላይ ናብ ሰሜን ገፅ ክወፍር እንተሎ ዳርጋ ኩሎም መዐቀኒታቱ ካብዚ ሓይሊ እዚ ዝሓሸ ንዝኾነ ህዝቢ ትግራይ እዩ ኣብቲ ናቱ ቅዲ ኢትዮጵያውነት ኣእቲዩ ከሕቅቕ ፈቲኑ። ስለዝኮነ እዩ ድማ እቲ ዝኸረረ ተቓውሞ ኣንፃር እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ትግራይ (ምእንቲ እዚ ፕሮጀክቱ ክብል ንጣልያን ዝሸጣ ኤርትራ ሓዊሱ) ዝፈልፈለን ኣብ መወዳእታ ድማ ገጢሙ ክስዕሮ ዝከኣለን።

ብናትና ርእየቶ እዚ ፍሽለት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ወሰንቲ ዝኮኑ ግን ድማ ዘይረዳድኡ ብሄራዊ ሓይልታት ክፍጠሩ ገይሩ እዩ። ንሳቶም እውን ኢትዮጵያ ኣለኒ እትብሎም ታሪካት ይኩኑ ዘመክሑ ስርዓታትን ፍፃመታትን ብኣውርኡ ናትና እዮም፤ ማዕረ ክንድኡ ድማ ኣፍልጦን ክብርን ክትህበና ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን ግና ብዙሕነት ተቐቢሉ ክነብር ዘይፅገም ትግራዋይ ብሄራዊ ሓይሊ፤ እቲ ዝፈሸለ ኣምሓረይቲ ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ፕሮጀክት ምፍሻሉ ዘይቕበልን ሕዚ እውን መሊሱ ክፍትኖ ዝደሊ ኣምሓዳይ ብሄራዊ ሓይልን (እዚ ሓይሊ ንባዕሉ ኢትተዮጵያዊ ብሄራዊ ሓይሊ ኢሉ እዩ ዝፅውዕ) ኣብዛ ክሳብ ሕዚ ዝተፈተነት ኢትዮጵያ ናተይ ዝብሎ ምንም ምልክት ዳርጋ ዘይብሉን ብሰንኪ  እዙይን በፂሑኒ ብዝብሎ ሕልፍ ዝበለ ብሄራዊ ወፅዓን ነዛ ሃገር ኣምሪሩ ዝፀልእ ኦሮሞታይ ብሄራዊ ሓይልን እዮም። እዞም ሰለስተ ሓይልታት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምስናይ ነዛ ሃገር ኣብ ቐፃሊ ዝኾነ ውጥጥ ገመድ ክትነብር ዝገብር ከምዝከውን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተርኣየ ኩነታትን ሕዚ ዝያዳ እናበርሀ ዝመፅእ ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ብግልፂ ዘርእየና ነግር እዩ።

እቲ ትግራዋይ ሓይሊ ምስ እቲ ኣምሓራይ ሓይሊ ክሳነ ዘይኽእለሉ ዋና ነጥቢ እቲ ኣምሓራይ ሓይሊ ዝሓስባ ኢትዮጵያ ነቲ ትግራዋይ መንነቱን ክብሩን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ኮታስ ኩሉ ነገሩ እትምንጥሎ ሃገር ምዃና እንትኾን እቲ ኦሮሞታይ ሓይሊ እውን ነዚ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ባህጊ ግበታ ዝቕበል ኣይኮነን። እቲ ትግራዋይ ሓይልን እቲ ናይ ኦሮሞ ሓይልን እውን እንተኮኑ ኣብ መንጎኦም ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዘለዎም ስእሊ ዝቃዶ ኣይኮነን። እቲ ናይ ኦሮሞ ሓይሊ ሕዚ እውን ተኮነ ካብ ኢትዮጵያ ገዲፍካ ናፃ ሃገረ ኦሮምያ ምፍጣር ዝብል ባህጉ ብወሳናይ መልክዑ ከምዝሓደጎ ዘመላኽቱ ነገራት የለውን። እቲ ካብ ተነፃላይነት ተናጊፈ ኢትዮጵያውነት ተቐቢለ እየ ዝብል ክፋል እዚ ሓይሊ እውን እንተኮነ ድማ ገና ካብ ብሕዚኡ ዝሓልማ ዘሎ ኢትዮጵያ ምድረ ኩሽ ከምዝኮነትን ልዕልና ኦሮሞ ዝንፀባረቐላ ሃገር ከምትኸውንን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይሕብረልና ፀኒሑን ኣሎን። ብሓፂሩ እዚ ሃገራዊ እየ ዝብል ዘሎ ኦሮሞታይ ሓይሊ እውን እንተኮነ ገና ሀ እንተይበለ ናይ ገባታይነት መንፈስን ምንቅስቓስን ይገብር ከምዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ ኣብዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ዓዲ ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ብዘረጋግፅ መልክዑ ኣስተርሕዩ ክነብር ዝኽእለሉ ዕድል ብሰንኪ ተጓናፃይን ገባትን ሸውሃት ሓይልታት ኣምሓራን ኦሮሞን ክረጋግፅ ዝኽእል ኣይኮነን።  ተጋሩ ነዚ ብኣጋ ተገንዚብና ካብዚ ኣደራሽ ቀፃሊ ዕግርግርን ፍረ ኣልቦ ክርክርን ዝኮነ ሃገር እንወፅኣሉ ኣንፈት እንተዘይተኸቲልና ኣብ ዝሓየልናሉ እዋን እዞም ክልተ (ብከይዲ ካልኦት ክልተ ሓይልታትን ከም ሃይማኖት ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ናይ ህውከት ኣጀንዳታት ከመፁ እውን ይክእሉ እዮም) ካብ ዝደኸምናሉ እዋን ድማ መጋበርያ ናይ እዞም ሓይልታት ኮይንና ኣብ ህውታት ምንባርና ዘይተርፍ እዩ።

ቅልጡፍን ኩለመዳያውን ምዕባለ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ

ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ክናገፍን ኩለመዳያዊ ምዕባለ ክውንንን ዘድልይዎ ቁልፊ ነገራት ብመንፅር ህዝቢ ህዝብና ኣብ ኢትዮጵያ ምንባሩ እዞም ዝስዕቡ ንምርካብ ሓጋዚ ድዩ  ወይስ ዓንቃዲ ዝብል ብምርኣይ ኣድላይነት ሃገረ ትግራይ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ፈለማ ግና እቲ ካብ ድክነትን  ንምንጋፍ ዝብል ዛዕባ እንታ ይ ማለት ምኳኑ ንኩሉ ሰብ ግልፂ እኳ እንተኮነ  ኩመደያዊ ምዕባለ ክንብል እንተለና ግና እንታየ ማለት ምኳኑ ቁሩብ ምብራህ ከድሊ ይከውን እዩ። ኩመዳያዊ ምዕባለ ህዝቢ ትግራይ ክብሃል እንተሎ እዚ ህዝቢ መንነቱ እናዓቀበን ዝያዳ ክድንፍዕ እናገበረን ኢኮኖምያዊዊ ጠለባቱ ዘማልእ፣ ብኣካልን ብመንፈስን ርውየት ዝረክብንብሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ዝልዓለ ጠርዚ ዝበፅሐን ህዝቢ ምኳን ማለት እዩ። ብናትና ርድኢት ከዓ ህዝቢ ትግራይ ቅልጡፍ ምዕባለ ጋህዲ ንክገብር እዘን ዝስዕባ ረቋሕታት ወሰንቲ እየን።

  1. ከም ህዝቢ ሕዚ ዘለዎ ድክነትን ድሕረትን ኣዝዩ ዝከፍአን ዘሕፍርን ከምዝኮነ ምርዳእን ክልወጥ ከምዘለዎ ምትእምማን ምፍጣር
  2. ነቲ ዝድለ ለውጢ ቀምቲ ዝኮኑ ኣተሓሳስባታት፣ ልምድታትን ኣሰራርሓታትን ምልላይን፣ ዘለው ዓቂብካ ዘየለዉ ድማ ብከይዲ እናተፈጠሩ ክከዱ ዝገብር ቀፃልነት ዘለዎ ስርዓት ምትካል (ensuring sustainable institutional development)
  3. ዉፉይ ዝኮነን ንምዕባለ ህዝቢ ትግራይ ብትኩርነት ዝሰርሕን ኣብ ህዝቢ ድማ ቅቡልነት ዘለዎን መሪሕነት

እዘን ልዕል ኢለን ዝተገለፃ ነጥብታት እንተልየን ሓደ ህዝቢ ኣብ ጎደና ምዕባለ ምምራሽ ከምዘኽእል ተሞክሮ ዝማዕበላ ሃገራትን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዙርያ ምዕባለ ማሕበረሰባት ዝተዋህለለ ፍልጠትን የርኢ። ኣብዚ እምብኣር ክንርእዮ ዘለና ጉዳይ ህዝብና ነተን ኣብ ላዕሊ ተቐሚጠን ዘለዋ ረቛሕታት ንከማልአን ሀገረ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታራ ዓንቃፋይ ድዩ ወይስ ደጋፋይ ዝብል ጉዳይ ክከውን ኣለዎ።

ብመንፅር እቲ ሐዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ድክነት ኣዝዩ መሰከፊ ምኳኑን ቀልጢፉ ክቕየር ከምዘለዎን ምእማን ክርአ እንተሎ ንህዝቦምን ኣብ ምፅላው ልዑል ግደ ዘለዎም ወሰንቲ ሓይልታት እዛ ሃገር ዝረዳድኡ ኣይመስሉን። ንኣብነት ካብ ቀለስቲ ኣምሓራ (the Amhara eilites ) ኣብ ሎሚ ጠጠው ኢሎም ኢትዮጵያ ዓባይን ክብርትን ሃገር ከምዝነበረትነ ብሰንኪ እሳቶም ወያነ ዝብልዎ ሓይሊ ድኻ ድኻ እናተብሃለት ግርምኣ ይቕንጠጥ ኣሎ እናበሉ ዝጉህዩን እዮም ዝበዝሑ። ካብ ቀለስቲ ኦሮሞ ድማ ኦሮምያ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለትን መሪሕነት እሶም እንተሒዞም ብቐሊሉ ክትምዕብል ከምትኽእል ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ብሰፊሑ እዩ ዝርአ። ስለዚ ብሓፈሻ እንትርአ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብዛ ሃገር ምርድዳእ ኣሎ ንምባል ኣክኣልን። ኣብ ፀገም ከይተረዳዳእካ ድማ ፍታሕ ምንዳይ ዳርጋ ዕሽነት ዝቑፀር ተግባር ስለዝኮነ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ካብ ድክነት ንክትናገፍ ክትወፍር ዶ ትክእል ናብ ዝብል ሓሳብ ክኣቱ ኣይደልን። የግዳስ ከም ሃገር ኣብ ፀገም ከይተረዳዳእካ ፈገለ ዝተረደኦም ክፋላት እታ ሃገር ዋላ ናብ ስራሕን ህንፃን እንተወፈሩ እዚኣቶም ዝሃነፅዎ ነገር ብቶም ካልኦት ኣብዚ ወፍሪ ዘይተፀምበሩ ወገናት ምዓልቱ ሓልዩ ብቀሊሉ ከምዝዓኑ ናይዛ ሃገር ናይ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ተሞክሮን ዝባዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ድሐሪ ሓራ ምውፅፃአን ጀሚረንኦ ዝነበረድሓር ግና ዝበርዓነ ከይዲ ቁጠባዊ ዕብየት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ቀለስቲ እዛ ሃገር ክኮኑ ዝኽእሉ ሓይልታት ኣብ ቁልፊ ፀገም እታ ሃገር እንድሕር ዘይረዳድኡ ኮይኖም ድማ እቶም ብካልኣይን ብሳልሳይን ቁልፊ ረቁሓታት ተገይሮም ተቐሚጦም ዘለዉ ጉዳያት ቀፃልነት ዘለዎ ትካላዊ ህንፀትን ውፉይን ቅቡልነትን ዘለዎን መሪሕነት እውን ክፍጠሩ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ክሕሰብ ኣይክኣልን። ከምቲ ኣብ ትሕቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝብል ንኡስ ርእሲ እዚ ፅሑፍ ንምግላፅ ዝተፈተነ ናይዛ ሃገር ሓይልታት ይትረፍ ኣበ ቁልፊ ፀገማት ክረዳድኡ ኣብታ ሃገር ባዕላ እኳ ዋላ ሓንቲ ምርድዳእ የብሎምን። ይትረፍ ከምዚ ዓይነት ምርድዳእ ኣብ  ኣብ ዘይብሉ ሃገር እዚ ምርድዳእ ሃልዩካን ዉፈየን ሀዘባዊ ተቐባልነት ዘለዎ መሪሕነትን ሒዝካ እኳስ ቀፃሊ ዝኮነ ትካላዊ ህንፀት ምፍጣርን ብኡ ኣቢልካ ዘላቒ ዝኮነ ኩመዳያዊ ዕብየት ክህሉ ምግባርን ኣዝዩ ከቢድ መስርሕ እዩ።

ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ ከዓ ከም መጠን ቀጥታዊ ወራሲ ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ዝነበሩ ስልጣነታት ኣክሱምን ድኣማትን እቲ ሕዚ ኣትይዎ ዘሎ መሪር ድክነትን ድሕረትን ክነፅጎን ንክቕይሮ ክወፍርን ኣብ ባዕሉ ውሽጣዊ ዝኮነ ዕንቅፋት ከምዘየለ ንምርድኡ ቀሊል እዩ። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ምፅናሕ ኣብ ፀገም ድኽነትን ድሕረትን ባዕሉ እኳ ንምርድዳእ ካብቲ ክሳብ ሕዚ ዘባከንካዮ ወርቃዊ ግዜካ ብተወሳኺ ካልእ ግዜ ትከስር ኣለካ ከም ማለት እዩ ዝቑፀር።

ምስ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ትግራይ ተተሓሒዙ ዋላ እኳ ወሳኒ ኣይኩን ክልዓል ዝኽእል ካልእ ነገር ጉዳይ ፀጋታት (resources)ን ዕዳጋን እዩ። ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ንካልእ ክፋል ኢትጵያጵያ ከም ዓብዪ ፍልፍል ፀጋታትን ዕዳጋን ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣሎ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለምና ተዋህሊሉ ዘሎ ሳይንሳዊ ፍልጠት ቁጠባዊ ምዕባለ ዘጨበጠና ዋና ቁምነገር ንኢኮኖምያዊ ምዕባለ ብዘይካ ሰብኣዊ ፀጋ (human resource) ካልእ ዓይነት ፀጋ ወሳኒ ታራ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ሰብኣዊ ፀጋ እውን እንተኮነ በዝሒ ዘለካ ሰብ እነተኮይንካ እቲ ሰብ ዘለዎ ናይ ስራሕ ተበግሶን ዓቕምን እዩ ወሳኒ ተባሂሉ እዩ ዝውሰድ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ሕዚ ግና ብዓይኒ ኩሎም ፀጋታት ኢትዮጵያ ንትግራይ በተርክቶ ትኽእል እንታይ እዩ ኢልና ንምርኣይ ንፍትን።

ፈለማ በቲ ቁልፊ ዝኾነ ሰብኣዊ ፀጋ ክንመዝና እንተለና ብናይ ስራሕ ተበግሶ ይኹን ዓቕም ኢትዮጵያ ንትግራይ ትውስኸላ ሰብኣዊ ፀጋ ኣሎ ኢልካ ምእማን ምኽንያት ዝኸውን ዋላ ሓደ ነገር የለን። ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ይኹን ዓይነት መዐቀኒ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ህዝብታት እንትነፃፀር ብናይ ስራሕ ተበግሶ ይኹን ዓቕም ይሓይሽ እንተኮነ እምበር ዝድሕር ኣይኮነን።

ምክንያቱ ሕዚ ንትግራይ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድካ ሃገር ስለዝኮነት ዝረብሕ ገንዘባዊ ዓቕሚ የለን። ምስዚ ተተሓሒዙ ግና ኣዝዩ ወሳኒ ዝኮነ ረቛሒ ናይቲ ህዝቢ ናይ ምዕቋርን ግብሪ ናይ ምክፋልን ባህሊ እዩ። እዚ ዝብሃለሉ ዋና ምክንያት ሓደ ህዝቢ ካብዘላቶ ክዓቁር እንተኽኢሉ ወፍሪ (Investment) ከካይድ ስለዝኽእልን ወፍሪ ድማ ብከይዲ ገንዘባዊ ዓቕሚ እናዓበየ ክኸይድ ስለዝግብርን እንትኾን እንተሎ ግብሪ ናይ ምክፋል ባህል እንተሃልዩ ድማ እቲ መንግስቲ ንቐፃሊ ዕብየት ወሰንቲ ዝኮኑ ህንፀታት ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ሰብኣዊ ፀጋን ኣድለይቲ ዝኮኑ ስርሓቲ ትሕተ ቅርፅን ንምክያድ ዝኽእልን ይኸውን። እዘን ክልተ ነገራት ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ሃዲድ ኩለመዳያዊ ዕብየት ንክጉዓዝ ዘኽእልኦ ባእታታት እየን። ብመንፅር ናይ ምዕቋር ይኩን ግበሪ ናይ ምክፋል ባህሊ እውን እንተኾነ ዋላ እኳ ብዙሕን ዓሚቑን   ዝብሃሉ መፅናዕታት ዘይተገበሩ እንተኮነ እቶምዝርካቦም ግና ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ካልኦት ህዝብታት ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዝርከብ ዘመልክቱ እዮም።

ናብ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት እንትንመፅእ ድማ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ፍልጠት ኣብ ትግራይን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ዘሎ ትዕድልቲ ሃፍቲ ተፈጠሮ ተመሳሳሊ እዩ ዘበል ኩነታት እዩ ዘሎ። ንኣብነት መሬት እንተርእይና ልክዕ ከም ኢትዮጵያ ትግራይ እውን ብዋናነት ኣብ ሰለስተ ክሊማዊ ከባብታት (ደጉዓ፣ ወይናደጉዓን ቆላን) ዝምደብ መሬት ዝተዓደለት እያ። ንሕድሕድ ክበፅሖ ብዝኽእል ስፍሓት መሬት እንትርአ መሬት ትግራይ ምስ መሬት ኢትዮጵያ ተመዛዛናይ እዩ። ብመሰረት ናይ 2017 ግምት በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ 104, 957, 438 እዩ ነይሩ። እዚ ከባቢ 1.104KM2   ንዝኾነ ስፍሓት ናይ እታ ሃገር እንትምቀል ፃዕቒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከባቢ 95 ሰብ ብKM2   ይኸውን።  ኣብዚ ዓመት እዚ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ድማ 5, 247, 005 ዝነበረ እንትኾን እዚ ን 53, 638 ንዝኾነ ስፍሓት ትግራይ እንትምቀል ድማ ፃዕቒ ህዝቢ ትግራይ ከባቢ 98 ሰብ ብ ብKM2  ይኸውን። ካብዚ ብተወሳኺ ብልምዑነትን ዓይንታት ሓመዱን እውን እንተኾነ መሬት ትግራይ ንሰቡ፣ ንኩሎም ዓይንታት ኣዝርእትን እንስሳትን ምቹው እዩ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ገና ኣባና ኣብ ተጋሩ ዘሎ ትግራይ ከም ደረቕን ጎቦታት ዝበዝሓን መሬት ገይርካ ናይ ምሕሳብ ኣርኣእያ ብቅልጡፍ ክውገድ ክኽእል ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ደረቕነትን በዝሒ ጎቦን የብላን። ትግራይ ከምኡ ኣይኮነትን እምበር እንተትኸውን እውን ከኣ ናይ ባዕልኻ መሬት ሓዲካ ናይ ካልኦት ኣይተልምዕን። ሓደ መሬት ጎቦ ይኹን ሜዳ ብዘየገድስ ኣገባብ ኣጠቓቕምኡ እዩ ዝፈላለ እምብር ኩሉ ዓይነት መሬት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእልን ብኡ ኣቢልካ ድማ ሃፍቲ ክትፈጥር እትኽእለሉን ፀጋ እዩ።

ኣብ ገፀ ምድርን ኣብ ከርሰ ምድርን ዝርከቡ ፀጋታት እውን መሬት ትግራይ ብውሕድ ምስ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኮይኑ ተኣማኒቶ ግና ኣብ ገለ ገለ ፀጋታት ከርሰ ምድሪ ኣዝዩ ዝሃፍተመ መሬት ምኳኑ ድሮ ብውስን ብርኪ ዝተገበሩ ዳህሳሳትን መፅናዕታትን ይሕብሩ ኣለዉ። እዚ ዝብሃል ዘሎ ግና ትግራይ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ሃፍታም እያ እሞ ብኡኡ ድማ ክሓልፈላ ይኽእል እዩ ናብ ዝብል ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባ ንምጥሓል ከይኮነስ ነቲ ኢትዮጵያ ከም ብተፈጥሮ ሃፍቲ ዝበልፀገት ትግራይ ድካ ገይሩ ዝሓስብ ድኩም ኣእምሮ ካብዚ ድኽመቱ ንክናገፍ ዝሕግዝ እዩ።  እምበር ኣብ ምዕባለ ሓደ ማሕበረሰብ እቲ ወሳኒ ባእታ ባዕሉ እቲ ሰብን ክፈጥሮም ዝኽእለሉ ትካላትን ምዃኖምን ቅድም ኢሉ ዝተሰመረሉ ሓቂ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ጉዳይ ዕዳጋ ምስእንርኢ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ዓባይ ዕዳጋ ክትከውን ዘየትኽእለሉ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ሕዚ ዘሎ ወድዓዊ ኩነት ኮይኑ እሱ ድማ ኣዝያ ድኻ ሃገር ስለዝኾነት ንምጅማሩ ኣብዛ ሃገር ዝረብሕ ዕዳጋ ኣይህሉን። ንምጅማሩ ክብሃል ከሎ ብጣዕሚ ሓፂር ግዜ ገይሩ ዝሓስብ ሰብ ክህሉ ድማ ናይ ዓለምና ቁፅሪ ክልተ ቁጠባ ሃኒፃ ዘላ ቻይና ክሳብ ሕዚ እቲ ናይ ዋና ዕዳጋኣ ካብ ሃገራ ወፃኢ ከምዘሎ ምሕባር ጠቓሚ ይመስለኒ። እቲ ካልኣይ ምክንያት ከዓ ብከይዲ ኣብ ዝህሉ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዓባይ ዕዳጋ ትግራይ ከይትከውን ዝገብራ እዩ። እዚ እውን እእንታይ እዩ እንተኢልና ብሰንኪ ተመሳሳላይነት ፀጋታት ኣብ ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ትግራይ ዝህሉ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ተመሳሳሊ ቁጠባዊ ኩነታት ናይ ምዃን ዕድሉ ኣዝዩ ዝልዓለ ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ዝሀሉ ምትዕድዳግ ብዙሕ ኣይኸወንን። ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎአን ዘሎ ንግዲ ኣዝዩ ድሩት ክኸውን ካብ ዝገበሩ እቲ ሓደ ዓብዪ ምክንያት እዚ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ዓለም ኣፍሪካ ንክትሸይጥ ዘይሩ ዘይሩ ምስ ዓለም ተወዳዲርካን ብዋጋን ብፅሬትን ዝሓሽካ ኮይንኻ ክትርከብን ግድን ስለዝኾነ ሎሚ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዕዳጋ ማለት ዓለም ብዓለማ እያ። ስለዚ ንዝኾነ ሃገር ይኹን ክፋሉ ዕዳጋ ክኾነኒ እዩ ኢልካ ይትረፍ መስዋእቲ እናኸፈልካ ኣብኡ ምፅናሕ ምሕሳቡ እውን ዳርጋ ዕሽነት እዩ።

 

 

 

 

መደምደምታ

ክሳብ ሕዚ ዕድላት ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ክማልኣሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ክህሉ ከምዘይኽእል ንምርኣይ ተፈቲኑ ኣሎ። እቲ ክሳብ እዚ ዝተገበረ ዳህሳስ ድማ ዘርእዮ ነገር እንተሃለወ ኢትዮጵያ ኣብ ብሩህ መፃኢ ትግራይ ዝተገርአት ዕንቅፋት እምበር እዚ ዝብሃል ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክህልዋ ዘይትኽእል ሃገር ምዃና ዘብርህ እዩ። ስለዚ ክተሓዝ ዝግብኦ ዓብይ መደምደምታ ትግራይ ዕድላታ ኣብ ኢዳ ኣእትያ መፃኢኣ ክተውሕስ እንተኾይና ካብዚ ሃገር እዚ ግድን ክትወፅእ ከምዘለዋ ከም ህዝቢ ምርድዳእ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ እዩ። ድሐሪ እዚ ምርድዳእ ድማ ክመፅእ ዝኽእል ዓብዪ ዛዕባ ትግራይ ምኣዝን ብከመይን ዝበለ ኣገባብን ካብዚ ሃገር ክትወፅእ ትኽእል ዝብል ይኸውን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ ዝርኣየንን እቲ ክፅሓፍን ብግልፂ ክብሃል ዝኽእልን ምቕራብ ከምእንፍትን እናሓበርና እዚ ዛዕባ እዚ ግና ብዋናነት ገዛ ዓፂኻ ብዝግበሩ ምይይጣት ዝበስል እዩ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Check Also

መፃኢ ዕድል ትግራይ ናበይ?

ጌታቸው ኣረጋዊ መእተዊ ካብ መፈጠር ሰብ ጀሚሩ ሰብ ክነብረሉ ዝጀመረ እዩ ትግራይ ማለት። ብኽልቲኡ እምነትን …

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *