Home / Uncategorized / ድጅታል ወያነ እንታይ እዩ?

ድጅታል ወያነ እንታይ እዩ?

ዶ/ር ጀነራል ተኽለብርሃን ወ/ኣረጋይ

 

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልል መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅየን ኣቢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝነጥፉ ተጋሩ ከም ተቓለስቲ ድጅታል ወያነ ኣፍልጦ ምሃቦም ይዝከር። ጉዳይ አድላይነት ድጅታል ወያነ ኣብ ትግራይ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋዕላታት ተላዒሉ እንተነብረ ‘ውን ብዙሕ ቆላሕታ እንተይረኸበ ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ ፈረንጂ “Fads” ወይ ከዓ “Buzzword” ኢሎም ብዝገልፅዎ ብርኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝነጥፉ ተጋሩ ተደጋጊሙ እንትልዓል ይስማዕ ኣሎ። ኾይኑ ግን ኣምር ድጅታል ወያነ ብዝተፈላልዩ ሰባት ብጣዕሚ ዝተረሓሓቐ ትርጉም ከወሃቦ ጀሚሩ ኣሎ። ገሊኦም ከምናይ ተጋሩ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣክቲቪስታት ስያመ እንትወስድዎ፣ ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝነጥፉ ናይ ህወሓት ካድረታት መፀውዒ ይገብርዎ ኣለው። ካብዚ ወፃእ ሳልሳይ ወያነ ምስዝብል ሓሳብ እንትተኣሳስርዎ ገሊኦም ድማ ምስ ሳይበራዊ ሓይሊ አተሓሒዞም ይትርጉምዎ ኣለው።

ኣብ ባህልና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣምር ዝገልፁ ቃላት ወይ ከዓ ፅምዲ ቃላት ካብ መራሕቲ ክስምዑ እንተለው ዶግማዊ ብዝኽነ መንገዲ ኣብ ጥቕሚ ስለዝውዕሉ ፍረ ነገሮም እንተይተፈለጡ በርዒኖም እንትጠፍኡን መቀላለዲ ኮይኖም እንትተርፉን ዝተለመደ እዩ። ኣምር ድጂታል ወያነ ውን ዕፃ እቶም ቀዳሞት ምእንቲ ከይገጠሞን ንሙሉእ ሓርነታዊ ምንቅስቓስስ ተጋሩ ክጠቅም ብዝኽእል መንገዲ ኣብ ረብሓና ምእንቲ ክነውዕሎን ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምርዳእ ክንፅዕር ይግባእ። ስለዝኾነ ውን ዲጂታልወያነ እንታይ እዩ? ካበይ መፂኡ? ምስ መሬት ዝሓዘ ኣካላዊ (Physical) ወያነ ዘለዎ ሓድነትን አፈላላይን እንታይ እዩ? ባህሪያቱን ክፍልታቱን እንታይ ይመስሉ? ንምንታይ ይካየድ? ከመይ ይካየድ? ብመን ይካየድ? እንታይ ዓይነት ሃፍቲን ምውፋርን ይጥቀም? ወዘተርፈ ዝብሉ ሕቶታት ክንምልስ ክንፍትን ይግባእ። በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

 

ድጂታል ወያነ እንታይእዩ?

 

ኣብ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ (IT) ፅሑፋት ከም ኢንተርኔት፣ ብሎክ ቸይን፣ ቢግ ዳታ፣ ኣርተፍሻል ኢንተለጀንስ ማሽን ለርኒንግን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ፍርያት ልዑል ቴክኖሎጂ Digital revolution ብዝብል እንትግለፁ ዝተለምደ ኣበሃህላ እዩ። ትርጉም ዲጂታል ሪቮሉሽን ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘይብሉ እንተኾነ ውን ስግግር ኢንድስትሪያዊ ማሕበረሰብ (Industry based society) ናብ ሓበሬታን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ማሕበረሰብ (Knowledge based society) የመልክት። እዚ ስግግር ኩለመዳያዊ ማሕበረሰባዊ ሂወት ናይ በዙሓት ረቓሒታት ፅምዶታት ውፅኢት ምኻኑ ዘይዝንጋዕ ሓቂ እንተኾነ ውን ናይሓበሬታ ቴክኖሎጂ (IT) ሞተርን ሕመረትን ናይቲ ለውጢ ተጌሩ እዩ ዝውሰድ። ከምውፅኢት ናይዚ ሪቮሉሽን ድማ ልዕሊ 80% ናይ ዝማዕበሉ ሃገራት ማሕበረሰባት ዕለታዊ ሂወት ኣብ IT ክምስረት ምግባሩ፣ ዓለማዊ ምትእስሳር ምፍጣሩ፣ ኣብ ሕርሻን ኢንዳስትሪን መሰረት ዝገበሩ ብርኪ ምዕባለ ወዲሰብ ዝተሃነፁ ፍልስፍናታት ናይኣሰራርሓ ስርዓታት ኣተሓሳስባታትን ባህሊታትን ኣፍሪሱ ብሓዱሽ ምትክኡ፣ ከምኡ ውን ኣብቲ ናይ ድጂታል ሪቮልሽን ላዕለዋይ ናይ መሳለል ብርኪ ዘለው 1% ናይ ዓለምና ሃፋትም ልዕሊ ፍርቂ% ሃፍቲ ዓለም ኣብ ኢዶም ንኽጭብጡ እውን ዘኽኣለ መስርሕ (Phenomenon) ምፍጣሩ ግሁድ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

 

ድጅታል ሪቮሉሽን ንኹሎም ህዝብታት ዓለም ዝጠቕም ዕድላት ሒዙ እንተመፀ ውን ብቐንዱ ብናይ ምዕራብ ሃገራት ብፍላይ ድማ ብኣመሪካ ህንደሳ ዝመፀን ይምራሕ ዘሎን ምስምኻኑ ተተሓሒዙ ናይ ሓዱሽ ባዕዳዊ መግዛእቲን ዓለማዊ ቁፅፅርን መሳርሒ ኮይኑ ውን የገልግል ኣሎ እዩ። ከምሳዕቤን ውን ናይ ዓለምና ሃገራት ብፒራሚዳዊ ንድፊ እንትግለፁ ኣብ ናይ ገራሒ፣ ተኽታሊን፣ ተገራሒን ረድፊ ክቕመጣ ብምግባር እቲ ዝፀንሐ ኣፈላላይ ገፊሑ ክቕፅል ጌርዎ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣመሪካ ኣብቲ ዝለዓለ ናይቲ ዲጂታል ሪቮልሽን ጫፍ ዝተቐመጠት እንትኾን ናይዚ ሓዱሽ ዓለም ምግራሕ ተራ ትፃወት ኣላ። ቻይና፣ ህንዲ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ኣውሮፓን ኣብቲ ማእኽል ፒራሚድ ዝስለፉን ተኸተልቲን እንትኾኑ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ላቲን ኣመሪካ፣ ኤስያን ማእኽላይ ምብራቕን ድማ ኣብቲ ሰረት ፒራሚድ ብተገራሕነት ተቐሚጦም ኣለው።

 

ኮይኑ ግን ኣብ ሞንጎ እቶም ተገራሕቲ ባዕሎም ከቢድ ዝኾነ ጋጋት ኣሎ። ንኣብነት ካብ ኣፍሪካ ኣሰላልፋ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ እተን ዝድሓራን ብተገራሕቲ ውን ዝግረሓን እንትኾና ኢትዮጵያ ድማ ብድጅታል ሪቮሉሽን ዓይኒ ናይተን ዝደሓራ ድሕርቲ ሃገር ኮይና ትስለፍ። እዚ ማለት 100% ሂወትና ኣብ ድሑር ሕርሻ ከምኡ ውን ልማዳዊ ንግዲ ዝምስረት፣ መሬትን ቁሳዊ ንዋይን ከም ሕመረት ፍልፍል ሃፍቲ ዝቖፅር መንግስትን ሕብረተሰብን ዝወነነ፣ ናይ ህልውና (Survival) ሕቶ ዘይመለሰ፣ ንወረን ነበረያ ነበረን ዝለዓለ ጠመተ ዝህብ ኣግራርያን ስርዓተ ኢኮንሚን ባህልን ዝገዝኦ ከምኡ ውን ብህዝቢ ዘይግራሕ ድሑር ስርዓተ ምሕደራ ዝሰረተሉ ሃገር እዩ። ስለዚ ድጅታል ወያነ እንትንብል ከለና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ ሓሳብ ከም ዓውዳዊ መነፅር ወሲድና ክንምርምርን እንታይ ማለትና ምኻኑ ናይ ሓባር መረዳድኢ ቋንቋ  ክነማዕብልን ካበይ ተበጊስና ናበይ ከምንኻይድ ሓባሪ ኣንፈት ክነቕምጥን ይግባእ።

 

ድጅታል ወያነ ናይ ክልተ ኣምራት ፅምዶ ጥሙር ገላፂ ሓሳብ እዩ። ከም ሓደ ጥሙር ኣምር ንምርዳእ ከዓ ፈለማ ናይ ሕድ ሕዶም ትርጉም ክንርዳዳእ ኣለና። ስለዝኾነ ናይ ድጅታልን ወያነን ኣምራት በዚ ዝስዕብ በቢተራ ቀሪቡ ኣሎ።

 

ዲጂታል እንታይ እዩ?

 

ድጅታል ዝብል ኣምር ንምግላፅ ዝተፈላለየ መልሲ ክቕመጥ ይኽእል እዩ። ብጥቕሉሉ ከዓ ዲጂታል ናይ ሒሳባዊ ቀመር (Competing) ቃል እዩ ኢልካ ምግላፅ ይከኣል እዩ። ኮይኑ ግን ናይዚ ቓል ስረ-መሰረታዊ ኣመኣፅኣ ብኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ካብ 1930-1940ታት ጀሚሩ ምስምፍጣር ኮምፒውተርን ኮምፒውቲንግን ዝተበጋገሰ ምኻኑ ይግለፅ። እዚ ማለት ውን እቲ ቅድም ክብል ማለት ውን ምስ  ምፍብራኽ ኤለክትሮኒክስ ተኣሳሲሩ ዝመፀ ቀፃሊን ልጉብን መልክዕ ሞጎዳዊ ፀዓት (Analog wave energy) ዝጥቀም ፍርያት ቀመራዊ መሳርሕታት ብክልተኣዊ ሰየምቲ ቁፅርታት (Binary numbers) ማለትውን ብ0ን 1ን ዝቕምሩ ኮምፕውተራዊ ባእተታት (Chips & microprocessors) ምስ ምፍልሳፎም ተኣሳሲሩ ዝመፀ ምኻኑ የርኢ። ብካልእ ገፁ ብኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ኣብ ከባቢ 1948 ኣቢሉ Alan Turingን Alonnzo Cherchን ዝተብሃሉ ናይ ሒሳባዊ ቀመር ልሂቃን ሓፈሻዊ ዝኾኑ ናይ ቀመር ንድፍታታት ኣለውዶ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ዝገበርዎ መፅናዕቲ እወ ዝብል መልሲ ሃቡ። በዚ መሰረት Alonnzo ላምዳ ካልኩለስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሒሳባዊ ፋንክሽን እንትረክብ Alan ድማ ንዲጂታል ኣምር ዓንዲ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ቱሪንግ ማሽን ተባሂሉ ዝተሰየመ ንድፊ ረኺቡ። ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን ናይ Turing machine model ንድጅታል ምህንድስና መሰረት ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

 

ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ: ዓለምና ሰለስተ ምዕራፋት ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ ሓሊፋ ሐዚ ኣብቲ ራብዓይ ብርኪ ከምዘላ ይገልፁ። ንሳቶም ውን፥ ናይ ማይ ሃፈፋን ስነምድራዊ ፈሓምን (Steam engine & Coal) መሰረት ዝገብረ ሞተራዊ ዓቕሚ ከም ቀዳማይ ብርኪ፣ ምፍልሳፍ ኤልክትሪክን ኤለክትሮኒክስን ከም ካልኣይ ብርኪ፣ ምፍጣር ኮምፒውተር ከም ሳልሳይ ብርኪ ምዕባለ እንትቑፀር፣ ሐዚ ድማ ናይ ድጂታል ወይ ከዓ ናይ ሐበሬታ ብርኪ (Digital or Information age) ኢሎም ይስይምዎ። እዚ ናይ ድጂታል ብርኪ ምዕባለ ኣብ ናይ ወዲሰብ ማሕበረ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ስነልቦናዊን ካልኦትን ምትእስሳራት ንዝነበረ ኣጠማምታን ደርማሲ ለውጢ ኣስዒቡ እዩ። ካብቶም ድጂታል ብርኪ ምዕባለ ዘስዓቦም ለውጥታት ውሽጢ ኣብ ናይ ተግባራት ክስተት/ተርእዮ ኣብ ናይ ግዘ ኣምር፣ ኣብ ስርዓተ ርክብ፣ ኣብ ቦታን ርሕቐትን፣ ኣብ ትርጉም ሉኣላውነት፣ ኣብ ስርዓተ ምሕደራ፣ ኣብ ትርጉም ሓይሊ(Power)፣ ኣብ ፍልፍል ሃፍትን ትርጉም ሃፍትን ዝመፁ መሰረታዊ ዝላታት እቶም ውሑዳት እዮም። በዚ መሰረት ኣብ ድጂታል ዘመን ተግባራት ኣብ ውሽጢ ናይ ግዘ ማዕቐፍ እንትርኣዩ እንተለው ቅፅበታዊን ዓለማዊ ተፅዕኖን ይፈጥሩ። ስለዝኾነ ድማ ሳዕቤኖም ንምትንባይ ኣፀጋምን ውስብስብን ኮይኑ። ስርዓተ ርክብ ዓለማዊ ኮይኑ። ከም ውፅኢት ድማ ዓለማዊ ዕደጋን ሰንሰለት ንግዳዊ ምትእስሳርን (Value chain) ገዛኢ ኮይኑ። ናይ ባህሊን ስነሓሳብን ምርፃም ጎልቢቱ ወዘተርፈ። ቦታን ርሕቐትን ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ወሪዶም። ወሰንን ጂኦግራፊያዊ ሓፁርን ፈሪሱ። ትርጉም ሕዱር ሉዓላውነት ተቐይሩ። ዳታን ሓበሬታን ከም ቀንዲ ናይኩሎም ሃፍትታት ፍልፍል ዝጥቀም ስርዓተ ዕዳጋን ኢኮኖሚን ተፈጢሩ። ምስ ምምሃዝ ናይ ኣርተፍሻል እኒተለጀንስ፣ ባዮቴክኖሎጂ፣ ሮቦቲክስን፣ ሰለስተ ኩርናዕ ሕትመትን ተኣሳሲሩ ኣብ ስርዓተ ማእቶት ተራ ወዲሰብን መሰረታዊ ለውጢ የምፅእ ኣሎ። ፍልጠትን ጥበብን እቶም ቀንዲ ናይ ሓይሊ መዐቀኒ ኮይኖም። ብድምሩ ድጅታል ሪቮሉሽን ምውናን ጉልበትን ቁሳዊ ሃፍቲን ከም ቀንዲ መዐቀኒ ሓይሊ ዝጥምት ብርኪ ምዕባለ ወዲሰብ ፍልጠትን ጥበብን ከም ፍልፍል ሓይሊ ዝርኢ ብርኪ ክንበፅሕ ኣኽኢሉ።

 

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ዲጂታል ዝብል ኣምር ብቐንዱ ምስቲ ናይ ሳልሳይን ራብዓይን ብርኪ ምዕባለ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ ንረኽቦ። ናይ ዲጂታል ኣምር ምስ ምዕባለ ኤለክትሮኒክሳዊ ቴክኖሎጂ ተኣሳሲሩ ዝጎልሀ እንተኾነ ውን ስረመሰረቱ ኣብኡ ጥራሕ ወሲንካ ምርኣይ ናብ ግጉይ መደምደምታ የብፅሕ። ስለዝኾነ ውን ምስ ኣመፃፅኣ ስልጣነ ህዝብታት ዓለም ዘለዎ ምትእስሳር ብመፅናዕቲ ተደጊፍካ ምምርማር የድሊ። ዝተፈላለዩ ታሪካዊ ፅሑፋትን ክውንነትን ከምዘረጋግፅዎ ኣብ ናይ ደኣማትን ኣክሱማዊ ስልጣነን ዝማዕበሉ ቀመራዊ ሒሳባት፣ ስነቋንቋታት፣ ናይ ግዘ ኣቆፃፅራን ፆለታዊ መድገምያን ተጋሩ ከምኡ ውን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዝበሃል ኣልጀብራን ናይ ቻይና ኣባከስ ዝተብሃለ ቀመርን ዲጂታል ዝብል ኣምር ንኽፍጠር መሰረት ምኻኖም ኣየጠራጥርን።

 

ኣብዚ መዋእል ውፅኢት ስርዓተ ዲጂታል ዝኾነ ኮምፒውተር ንኹለመዳያዊ ኣነባብራ ወዲሰብ ዝልውጡ ቴክኖሎጂታት ንኽምህዝ መርዓት ዓይኒ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ እንትኾን ብፍላይ ድማ ሓበሬታ ንምእካብ፣ ንምትንታን፣ ንምትሕልለፍ፣ ንምዕቓርን፣ ዳታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ንምሃብ  ዘገልግሉ ትሕተ ቅርፅታትን ስርዓታትን ንምፍጣር ንምጥቃምን ንምምሕዳርን ሕመረት እዩ። ኮይኑ ግን ኣብዚ ልቢ ኢልና ክነስተውዕሎ ዝግባእ ሐደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ውን ናይ ዲጂታል ኣምር ካብ ጋህዲ ዓለም (Analogue world) ወፃእ ክነብር ዘይኽእል ምኻኑ እዩ። ዲጂታል ማለት ናይ ጋህዲ ዓለም (Analogue world) ወካሊ (Representation) እምበር ባዕሉ ክኢሉ ዝነብር ኣምር ኣይኮነን። ስለዚ ድጂታል ማለት ኣኖሎግ ተግባራትን ክውንነትን ብዝቐለለ ናብ ኤለክትሮኒካዊ መስርሕ ንምስግጋርን ብኤለክትሮኒካዊ መንገዲ ንምምዝማዝን ዝጠቅም ኣምር እዩ። ከምኡ ውን ዳታ ከም ቀንዲ ሓይሊ ዝጥቀም ናይ ወዲስብ ብርኪ ምዕባለ ንምግላፅ ዘገልግል ዘሎ ኣምር እዩ። በዚ ምኽንያት ውን እዩ ኣብ ሞንጎ ጋህዲ ዓለምን ዲጂታል ዓለምን ዘይነፃፀል ህልውና (Dual existence) ኣሎ ኢልካ ምድምዳም ዝከኣል።

 

ወያነ እንታይ እዩ?

 

ወያነ እንታይ እዩ? ካበይ መፂኡ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ምፅዓር ኣምር ዲጂታል ወያን ንምርዳእ ዳርጋ እምኒ ኩርናዕ ምንባር እዩ። ብልሙድ ቁፅሩ ኣብ ዘይንዓቕ ሰብ ወያነ ሪቮሉሽን (ዓመፅ) ምስዝብል ቃል ዝተኣሳሰረ ርድኢት ይንፀባረቕ እዩ። ብፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ድማ ዓማፂ ወይከዓ ሽፍታ ብዝብል ኣተረጛጉማ ኣብ ጥቕሚ ከውዕልዎ ነስተውዕል። ኮይኑ ግን ወያነ ማለት ምስ ናይ ተጋሩ ኣእምሮ፣ ስነልቦና፣ መንፈስን/ስፕሪትን ኣካልን ዝተኣሳሰረ ብሓደ ቓል እዙይ ማለት እዩ ኢልካ ምግላፅ ዘይከኣል ረዚንን ዓሙቕን እወንታዊ ትርጉም ዝሓዘ ኣምር ኮይኑ ንረኽቦ። ናይ ወያነ ትርጉም ንምርዳእ ታሪኻዊ ድሕሪ ባይትኡ ምፅናዕ ከድልየና እዩ።

 

ወያነ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ምስመንነትና ዝተኣሳሰረ ኣምር እዩ። ወያነን ወያናይ እሴታትን ተጋሩ ምስ ናይ ደኣማትን ኣኽሱማዊን ስልጣነታት ተኣሳሲሩ ዝቦቐለን ነቶም ስልጣነታት ዝፈጠረን ሓይሊ እዩ። ስለዝኾነ ውን ናይ ፅሑፍ ቋንቋ፣ ጥበብ ማሕረስ፣ ስነን ኪነን ህንፃ፣ ስነን ኪነን ዜማ፣ ስነ ምሕደራ፣ ናይ መርከብ ምህንድስና ወዘተርፈ ቴክኖሎጂታት ተማሂዞም ንዓለም ክነበርክት ክኢልና። እቲ ቅድሚ 10ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ወያነ ብቐንዱ ናይ ቴክኖሎጂ ወያነ ተባሂሉ ክግለፅ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ውድቀት ኣክሱም ኣብዞም ዝሓለፉ 800 ዓመታት ናይ እስጢፋኖሳውያን ምንቅስቓስ ሓዊሱ ዝተፈተኑ ወያነታት ግን ብትሕዝትኦም ፀረ ዝንቡዕ ማሕበረሰባዊ ርክባት ነይሮም።

 

መምህር ገረኺዳን ደስታ “ኣፄ ዮሃንስና ኣፄ ምንሊክ” ኣብዝብል ብ2010 ዓም ኣብዘሐተምዎ መፅሓፎም ይላቅ ዝብሃል ወዲ ራእሲ ስዩም ድሕሪ ናይ ዓድዋ ፀረ ናይ ጣልያን ሓይሊ ኩናት ኣብ ተጋሩ ዝበፅሐ ግፍዕን ናይ ህዝብታት ትግራይ ትግሪኚ ምምቕቓልን ብምቅዋም ወያነ ኢሉ ዓሚፁ ከምዝነበረን ብሽርሒ ወላዲኡ ራእሲ ስዩምን ገዛእቲ ሽዋን ከምዝተጓዕፀፀን ይሕብሩ። ብካሳ ሃይለማርያም ረዳ ተፃሒፉ ብ2010 ዓም ኣብ ዝተሓተመ “ገረብዓረና ወያነ ትግራይ ካብ1933-1933 ዓም” ዝብል ኣርእስቲ ኣብዘለዎ መፅሓፍ ብመራሒ ቀዳማይ ወያነ ዝነበሩ ሃርበኛ ብላታ ሃይለማርያም ኣንድበት “ወያነ ማለት ዋይ ኣነ ካብ ዝብል ኒሕን ሓቦን ዝነቐለ ሕራነ እዩ እምበኣር ወያነ ዝበልናዮ። እዚ ቃል እዚ ድማ ዋላ ክምዙ እንገብሮ ዘለና ኩሉ ዓዲ ተኣኻኺቡ እኳ እንተዘይወሰነ፣ ካብ ጥንቲ ካብ ቀዳሞት ወለድና  ኣትሒዙ ብውልቀን ምስ መሓዙቶምን እናኾኑ ንዝበፅሖም በደል መግለፂ እምቢታ እዩ ነይሩ። ”  ኢሎም ገሊኦምዎ ኣለው። ብናይ ይሃርበኛ ብላታ ሃይለማርያም ኣገላልፃ ወያነ ማለት እምቢታ፣ ሕራነ ኒሕን ሓቦን ፀረ ወፅዓ እንትኾን ካብ ቐደም ጅሚሩ ዝነበረን ብግዘ በዝሒ ብመጠንን ዓይነትን እናማዕበለ ዝመፀ ኣምር ምኻኑ የረጋግፅ። ካልኣይ ወያነ እውን እንተኾነ ንኣማኢት ዓመታት ብህዝቢ ትግራይ ፍትሕን ርትዕን ንምንጋስን ስልጣንኡ ንምቕፃልን ናይ ዘካየዶ ተጋድሎ መቐፀልታን እቲ ዝማዕበለ መግለፂን እዩ ነይሩ ኢልካ ምቕማጥ ይከኣል። ካልኣይ ወያነ ብትሕዝትኡ ከም ቀዳማይ ወያነ ፀረ ብሄራዊ ዕብለላን ደርባዊ ወፅዓን ዝተኻየደን ዕዉትን ወያነ ነይሩ። ኽዕወት ናይ ምኽኣሉ ምሽጥር ካብ ቀዳማይ ወያነ ብዝግባእ ተማሂሩ ብዝበለፀ ውዳበን ኣንፈትን ክምራሕ ስለዝኸኣለ እዩ ነይሩ።

 

ወያነ ፀረ ጭቆና ዝኾነ፡ ቁፅሪ ኣሰያይማ ናይቶም ወያነታት ብዘየገድስ ካብ ታሪኽ ወያነ ተጋሩ ኣርባዕተ ትምህርታት ምቕሳም ይከኣል እዩ። ንሳቶም ውን ምውርራስ (ቀፃልነት)፣ ምዕባለ (ምምሕያሽ)፣ ሱርበተኽ ለውጢ (ዝላ)፣ ንፁር ሽቶታት ምውሓስን እዮም። እዚ ማለት እቲ ቀፂሉ ዝመፅእ ወያነ ብትሕዝትኡ ናይቲ ዝቐደመ ወሪሱ ግን ከዓ ካብ ድኽመት ናይቲ ዝቐደመ ተማሂሩን ምክያዱ፤ ብወያነ ዝለዓሉ ሕቶታት መሰረታዊ ለውጢ ዝጠልቡን ሽቶታቶም ድማ ማሕበረሰባዊ ሓርነት ምርግጋፅ ምኻኖም ምዕዛብ ይከኣል።

 

ስለዚ ብሓፈሻዊ ኣገላልፃ ወያነ ማለት ቴክኖሎጂያዊን ሕብረተሰባዊን ዝላታት ንምምፃእ ዝካየድ ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ እዩ ኢልካ ምቕማጥ ይከኣል እዩ። ወያነ ገስጋሳይ ፍልጠትን ጥበብን፤ እወንታዊ ሕራነ ንለውጢ፣ ሕብረተሰባዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ፣ ንምዕባለ፣ ንማዕርነት ኮታስ ንኹለመዳያዊ ሓርነት ዝግስግስ ሓይሊ እዩ ኢልካ ምቕማጥ ይከኣል። ወያናይ፣ ወያኒት፣ ዝወየነ፣ ዝወየነት ማለት ውን ገስጋሳይ፣ ናይ ሓርነት ተጋዳላይ፣ ንባዕሉ ካብ ባርነትን ድሕረትን ሓራ ዝወፀ፣ ሓቦኛ፣ ዝሓረነ፣ በይዛ ህዝቡ ዝስዋእ ተቓላሳይ ወዘተርፈ ብዝብል ክቕመጥ ይኽእል እዩ።

 

በቱይ በለ በቲ ግን ወያነ ምስ መንነትና ዝተኣሳሰረ ናይ ተጋሩ social construct እዩ። እዚ ሕብረተሳባዊ መንድቐ ሓሳብ (Social construct) እዚ ግን ወድዓውን ባዕላውን ትሕዝቶ ኣለዎ። እቲ ወድዓዊ ትሕዝትኡ ምስ ስርዓታት ተኣሳሲሩ ዝግለፅ ግዳማውን ውሽጣውን ዘይምዕሩይ ማሕበረ-ፖለቲካውን ፖለቲካዊ-ቁጠባውን (Socioeconomic & political economic) ርክባት ዝፈጠሮ ድሕረት፣ ከርፋሕ ናብራ፣ ድኽነትን ጭቆናን ዝወልዶ ናይ ሓፋሽ እምቢታ እንትኾን እቲ ባዕላዊ ትሕዝቶ ድማ ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ንምልዋጥ ዝቖረፀ ዝወየነ መሪሕነት ምህላው የንፀባርቕ።

 

ድጅታል ወያነ

 

ካብዚ ቐፂሉ ዲጂታል ወያነ እንታይ እዩ? ባህሪታትን ክፍልታትን ዲጂታል ወያነ እንታይ ይመስሉ? ንምንታይከ ኣድለየ? ከመይ ይካየድ? ብመን ይካየድ? ዝብሉ ሕቶታት ብሓፀርቲ ኣገላልፃታት ክቐርብ እዩ። እንታይነት ድጅታል ወያነ ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ክወሃቦ ይኽእል እዩ። በዚ ፅሑፍ መንፅር ግን ካብዚ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ ሓሳብ ብምብጋስ ሓፈሻዊ ትርጉምን ትሕዝቶን ድጂታል ወያነ ምርዳእ ይከኣል እዩ። ዲጂታል ወያነ ብመሰረቱ ዳታ፣ ሓበሬታን ፍልጠትን ዝገርሖ ኩለመዳያዊ ሕብረተሰባዊ ሓርነት ንምርግጋፅ ዝካየድ ምንቅስቓስ ክበሃል ይኽእል። ከምቲ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ ወያነ ዝካየድ ምዕባለ ዝዓገተ ዘይምዕሩይ ሕብረተሰባዊ ዝምድና፣ ስርዓትን ባህሊን ኣፍሪስካ ብገስጋሳይ ስርዓት ንምቕያር ከምኡ ውን ብቴክኖሎጂ ናብ ዝለዓለ ናይ ስልጣነ ብራኸ ንምብፃሕ እዩ። ስለዝኾነ ዲጂታል ወያነ መሬትን ድሑር ማሕረስን መሰረት ካብ ዝገበረ፡ ኩለመዳያዊ ሂወት ሓበሬታን ቴክኖሎጂን መሰረት ናብ ዝገበረ ብርኪ ምዕባለ ዝላ ናይ ምርግጋፅ መስርሕ እዩ። ብኻሊእ ኣበሃህላ ንቕድሚት ከይንስጉም ሓኒቑ ዝሓዘና ድሑር ወድዓዊ ኩነታት ኣሎ። ነዚ ድሑር ወድዓዊ ኩነታት ዝፈንፈነ ስለዝኾነ ድማ ክቕይር ዝሓረነ (ዝወየነ) ሓይሊን መሪሕነትን ኣሎ ማለት እዩ።

 

ድጅታል ወያነ ብውሑዱ ሓሙሽተ ባእታታት ኣጠሚሩ ይሕዝ። ንሳቶም ውን ዳታ፣ ትሕተቅርፂ፣ ናይ ምሕደራ ስርዓታት (Systems)፣ ብሉፅ ሓይሊን (Talent) ሕብረተሰባዊ ባህሊን እዮም። ኣብ ድጅታል ወያነ ዳታ (ሐበሬታ) ሞተርን ፓወርን እዩ። ንኹሉ ዓይነት ናይ ዝላ ምንቅስቓስ ዳታ ከም ነዳዲ የገልግል። ኣብ ድጅታል ወያነ እቲ ቀንዲ ሃፍቲን ሃፍቲ ዝፈጥርን ዳታ እምበር ገንዘብ ወይ መሬት ኣይኮነን። መሬትን ካፒታልን ናብ ሃፍቲ ዝልውጥ ውን ዳታ እዩ። ኣብ ሉስሉስን ትርንዑን ሓይሊ ዝጥቀሙ ኩናታት እውን ዳታ ከም ጥይትን ሮኬትን ኮይኑ የገልግል። ዳታ ምቁፅፃርን ምጥቃምን እቲ ቀንዲ ዓቕሚ እዩ። ስለዝኾነ ዳታ ምእካብ፣ ምዕዳን፣ ምትንታን፣ ምትሕልላፍ፣ ንውሳነ ምውዓልን መሊስካ ንምጥቃም ምዕቓርን ከም ቐንዲ ስራሕ ከይዲ ይወስድ።

 

እዚ ቐንዲ ስራሕ ከይዲ ዕውት ክኸውን ዝገብሮ ድማ ህላወ ትሕተ ቅርፂ ምስ ዝረጋገፅ እዩ። ስለዝኾነ ናይ ባዕልኻ ዝኾነ ዝርገሐ መርበብ ሓበሬታ፣ ማእኸላት ምዕቓር ሓበሬታን ከምኡ ውን ኮምፒውቲይንግ ትሕተ ቅርፅታትን ምህናፅን ምውናንን ይጠልብ። ነዞም ትሕተ ቅርፅታት ብምውዳድ ንዳታ ናብ ፍልጠት ንምቕያር ድማ ሕሳባዊ ቀመራት ዝጥቀሙ ከም ኦፐሬቲንግ ሲስተምን ዓብዩ ዳታ ኣናሊትክስን ዝመሳሰሉ ናይ ምሕደራን ትንተናን ሶፍትዌር ስርዓታት ዓቕሚ ምህናፅን ምጥቃምን ይሓትት። ብኣውርኡ ድማ ነዞም ኩሎም ዝተገለፁ ዓቕምታት ዝሃንፅን ዝጥቀምን ብሉፅ ሓይሊ ሰብ (digtal talent force) ምድላውን ምውፋርን የድሊ። ኣብ መወዳእታ ድጅታል ወያነ ዘድሊ ሕብረተሰባዊ ሓርነት ንምርግጋፅ እዩ እንይተኢልና ካብ ሕብረተሰባዊ ምንቅስቓስ ወፃእ ዝረጋገፅ ሓርነት የለን ማለት እዩ። ድጅታል ወያነ ብሕብረተሰብ ዝካየድን ነቲ ሕብረተሰብ መሊሱ ዝጠቅምን መስርሕ ለውጢ እምበር ናይ ውሱናት ልሂቃን ስራሕ ክኸውን ኣይኽእልን። ሕብረተሰብ ኣብድጅታል ወያን ወሳኒ ተዋሳኢ ክኸውን ዝኽእል ድማ እቲ ወያነ ዝጠልቦ ናይ ኣተሓሳስባ፣ ስርዓተ ማእቶትን ባህሊን ክዋረስ እንተኽኢሉ ጥራሕ ይኸውን። ስለዝኾነ ካብ ቁሳዊ ሃፍቲ ንላዕሊ ንዳታን ፍልጠትን ልዑል ዋጋ ዝህብ፤ ሰብ ርእሰ ደብሪ ኩሎም ነገራት እዩ ኢሉ ዝኣምን፤ ንመበቆላዊ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ከምኡ ውን ማሕበረተሰባዊ ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ቐንዲ መሰረት ስልጣነ ጌሩ ዝወስድ፥ ከምኡ ውን ዓለም ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ዝበፀሓቶ ልዑል ቴክኖሎጂ ምስናሃቱ ኣወሃሂዱ ዝጥቀም ሕብረተሰባዊ ቁመና ምህላው ወይ ድማ ንኽህሉ ምቅላስ እቲ ቁልፊ ጉዳይ እዩ።

 

እቲ ካልእ ጉዳይ ዲጅታል ወያነ ኣበየናይ ዓውዲ ይካየድ ዝብል ሕቶ እዩ። ድጅታል ወያነ ብዙሓት ግንባራትን ዓውዲ ምንቅስቓሳትን ኣወሃሂድካ ዝካየድ ምንቅስቓስ እዩ። በዚ መሰረት እቶም ልሙዳት ናይ መሬት፣ ኣየር፣ ባሕሪን ህዋን ዓውድታት ከምዘለውዎ ኮይኖም ናይ ሳይበር ዓውዲ (Cyber domain) ውን ዝሓውስ እዩ። ስለዝኾነ ዲጅታል ወያነ ናይ ምናባውን ኣካላውን (Virtual & physical) ምንቅስቓሳት ኣወሃሂዱ እዩ ዝካየድ። እዚ ማለት ኣብ ክልቲኦም ምንቅስቓሳት ክህሉ ዝግባእ ምንባብ ኣገዳሲ ይኸውን። ንኣብነት ኣብቲ ግሁድ ዓለም ማለትውን ኣብ መሬት ዝካየድ ናይ ሕርሻ ማእቶት ኣብ ዝነበሮ እናሃለወ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ስለዝተነጥፈ ድጅታል ወያነ ክበሃል ኣይኽእልን። ድሑርን ንምዕባለ ዓጋትን ሕግታትን ቢሮክራሲን ላዕለዋይ ቦታ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ ኩነታት ዝኾነ ኣውቶሜሽን ስለዝተጠቕመ ዲጂታል ወያነ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዝኾነ ድጅታል ወያነ ናይ ምናባውን ኣካላውን ዓለማት ምውዳድ ከይዲ ውን እዩ። ክልቲኦም ንምውዳድ ድማ ባህሪያቶም ብዝግባእ ተንቲንካ ካብ ምርዳእ ይብገስ።

 

ባህርታት ዲጅታል ወያነ ብዙሓት እንተኾኑ ውን እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥብታት ፍሉይ ጠመተ ዝወሃቦም እዩ። ፀፍሓዊ ምትእስሳር ዝፈጥርን ጉልበት ዘከፋፈልን፤ ሓበሬታ ከምፍልፍል ፀጋ ሓደጋን ዝጥቀም፤ ውስብስብን ቅፅበታዊን ምዕባለ ዝረኣየሉ፤ ናይ ወሰንን ርሕቐትን ሓፁራት ዘፍርስ፤ ደርማሳይ ከይዲ ዘተኣታቱ እዩ። ድጂታል ወያነ እቲ ቅድም ኢሉ ዝፀንሐ ናይ መንግስቲ ናይ ስልጣን ሞኖፖሊ ኣፍሪሱ ናብ ሓፋሽ የከፋፍል (Mass empowerment)፤ ተዋርዳዊ ኣወዳድባታት (Hierarchy) ብፀፍሓዊ (Lateral) ምትእስሳራት ይትክእ፤ ንጎናዊ ናይ ሓበሬታ ፍሰትን ተበግሶን ፈጠራን ሰፊሕ ዕድል ይህብ። ሓበሬታ ሕመረት ኩሎም ፀጋታትን ሓይልታትን ብኡ መጠን ከዓ ናይ ውድቀትን ባዕዳዊ ተፅዕኖ መሳርሕን ይገብር። ኩነታት ናይ ዝተወሳሰቡ ነገራት መግለፂን ቅፅበታውን ስለዝኸውን ብዝተለመዱ መተንተኒ መነፅራት ክትርዳእ የፀግም፤ ንመስተጋብራዊ ከይዲ ትዕዝብቲን ቅልጡፍ ውሳነ ኣወሃህባን ዝለዓለ ጠለብ የንብር። ሓንቲ ክስተት ክግመቱ ዘይኽእሉ ዓለማዊ ሳዕቤናት ስለተኸትል ኣብ ውሳነን ስጉምቲ ኣወሳስዳን ልዑል ጥንቃቐ ይጠልብ፤ ሓፁራት ስለዘፍርስ እቶም ዝፀንሑ ናይ ሉኣላውነት ናይ ዋንነትን ቁፅፅርን ከምኡ ውን ውልቃዊ ሂወት ዝምልከቱ ጉዳያት ከምብሓዱሽ ርኢኻ ናይ ፀወታ ሕግታት ምምምዕባልን ምጥቃምን ይሓትት። ፅኑሓት ፍልስፍናታት፣ ዓለማዊ ኣጠማምታትን ኣሰራርሓታትን ካብ መሰረቶም ስለዝፍትን ናይ ምድርማስ ባህሪ ኣለዎ።

 

ስለዚ ሐዚ ዲጂታል ወያነ ክንብል እንተለና ካበይ ናብይ ኢና ማሕበረተሰባዊ ዝላ ክነምፅእ ንደሊ ዘለና? ሓበራዊ ስቓይና (Collective pain) እንታይ እዩ? እዚ ንምፍታሕ እቲ እስካብ ሐዚ ክካየድ ዝፀንሐ ወያነ ሐዚ ውን ብቕዕ ድዩ ወይስ ዕማሙ ኣብቂዑ እዩ? ድጅታል ወያን ናይ ካልኣይ ወያነ ደጋፊ (complementary) ድዩ ወይስ ዓርሱ ዝኸኣለ መድረኻዊ ክስተት? ኣብ ድሑር ስርዓተ ማእቶት ዘሎ (Agrarian society) ማሕበረሰብ ከመይ ኢሉ ዲጂታል ወያነ ይጠልብ? ዝብሉን ካልኦትን ቀፃልን ዓሙቕን ምይይጣት ዝጠልቡ ሕቶታት ከምዘለው ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ዲጂታል ወያነ ኣድላይነትን ናብ ምግላፅ ክሰግር።

 

ኣብዚ መዋእል ንተጋሩ ድጂታል ወያነ ዝጠልቡ ሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ኣለው።

  1. ዒንኪልልን መቑሕ ድሕረትን ሰይርና ስልጣነና ንምምላስ
  2. ብሉፅነትና መዝሚዝና ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ቦታና ንምርካብ
  3. ግዳማውን ውሽጣውን ብድሆታት ንምስጋር ከም መዝለሊ ንምጥቃም

 

ተጋሩ ካብ ብራኸ ኣኽሱማዊ ስጣነ ካብ እንወርድ ካብ መበል13 ክፍለዘመን ጀሚሩ ንልዕሊ 800 ዓመታት ኣብ ዒንክሊል ኢና ንርከብ። በቢግዚኡ እቲ ዒንክሊል ሰይርና ንምውፃእ ዝገበርናዮም ፈተናታት ካብ መጠናዊ ለውጥን ግዚያዊ ዓወታት ምሕፋስን ዝዘለለ ሙሉእ ዝላ ከረጋግፁልና ኣይከኣሉን። ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ብዘካየድናዮ ወያነ ብብረት ተደጊፉ ኣብርእሰና ተፃዒኑ ዝነበረ ብሄራውን መስፍናውን ወፅዓ ስዒርና ናትና እንብሎ ስርዓት ክንተክል እንተኸኣልና ውን ካብቲ ዕንክሊል ስለዘይወፃእና ሕዚ ውን ኣብ ናይ ህልውናና ቀፃልነት ሓደጋ ገጢሙና ይርከብ። ኣብዚ እዋን እዚ ገጢሙና ዝኒሀ ፈተና ናይ ደገ ጥራሕ ኣይኮነን። እካ ደኣ እቲ ናይደገ ሓደጋ ሓይሊ ክረክብ ዝኽኣለ ናይ ውሽጥና ድኽመታት እዮም። እቶም ድኽመታት ውን ካብ ብርተዐና እዮም ዝብገሱ። ሰብ ስልጣነ እናሃለና ስልጣነናን መንነትናን ስለዝረሳዕና፤ ካብ ባዕልናን ዓለምን ናይ ምምሃር ዓቕምና ስለዝወረደ፤ ዓበይቲ እናሃለናን ምስ ዘይነፅፍ ሃፍትናን ንባዕልና ኣንኢስና ስለ እንርኢ ብሓፈሻ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ናይ ምጥማት ኣክሱማዊ እሴትና ደርቢና ካብደገ ናብ ውሽጢ ናይ ምጥማት ፓራዳይም ስለዝገዝኣና ኢና ኣብቲ ሐዚ ዘለናዮ ብርኪ ክንርከብ ዝኽኣልና።

 

ኣጠቓሊልካ ክርአ እንተሎ ንሕና መዋልዲ ቀዳሞት መታርፍቲ ዳሕረዎት ኢና። ካብዚ ዓንኬል ሰይርና ክንወፅእ እንተኾይና ድማ ሰለስተ ነገራት ክንገብር ኣለና። ሓደ ሓቀይና ቃንዛ ክህልወና ኣለዎ። ካልኣይ ናብ ባዕልና ክንምለስ መበቆላዊ ፍልጠትናን ክብርታትናን ክነለሊን ኣብ ትግራዋይነት ዝተመስረተ ፍሉይነት ክንፈጥር ኣለና። ሳልሳይ ዲጂታል ወያነ ካብ ናይ ድሕረት ሙዓሙቕን ጉህምን ናብ ብራኸ ንምውፃእ ከም መንጠሪ (Leapfroging) ክንጥቀመሉ ኣለና።

 

እቲ ካልኣይ ምኽንያት ናይ ብሉፅነት ምምዝማዝ ጉዳይ እዩ። ተጋሩ ኣብዚ ናይ ሓበሬታ መዋእል (Digital age) ዘለው ዕድላት መዝሚዝና ክንወፅእ እንኽእል ብሉፅነትና (competitive advantage) ኣለሊና ክነልምዕን ብኣግባቡ ክነዋፍርን እንተኽኢልና። እቲ ብሉፅነትና ክፈጥር ዝኽእል ሓይሊ ድማ ንኣሸሓት ዓመታት ዝተሃነፁ እወንታዊ ክብርታትን ማሕበረሰባዊ ሃፍትታትን ተጋሩን ነዚኦም ዝወነነ ብኻልእ ኣበሃህላ ዝወየን ሓይሊ ሰብናን እዩ። ስለዝኾነ እቶም ተቐቢሮም ወይከዓ ብጠቐራት ባዕዲ ተሸፊኖም ዘለው መበቆላዊ ፍልጠታት፣ እሴታትን ቴኽኖሎጂታትን ተጋሩ ብልዑል ቴክኖሎጂ ተሓጊዝና ናብ ፍርያታትን ኣገልግሎታትን ብምልዋጥ ናብ ዕዳጋ ክነቕርቦም ኣለና። እዚ ክንገብር ምስ እንኽእል መንነት ትግራዋይነት ኣብ ድጅታላዊ ዓለም ምዕቃብን ኢሉ ውን ኣብ ምትእስሳር ዓለማዊ ዕዳጋ ፍሉይነት ክንፈጥርን ንኽእል። ነዚ ድማ እቲ ሐዚ ዝኒሀ ናይ ሓበሬታ ፀልማት (data/information darkness) ምግላህ ይሓትት። ስለዝኾነ ድጅታል ወያነ ምክያድ መድረኻዊ ሕቶና ይኸውን።

 

እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ካብ ብድሆታት ምፍሻል ኣንፃር እንትረአ እዩ። ተጋሩ ሐዚ ገጢሞምና ዘለው ብድሆታት ብቐንዱ ህልውናና ምስምቕፃል ዝተተሓሓዙ እዮም። ኣብ ህልውናና ዘንፀላለወ ሓደጋ እንትንብል ኣብ ህዝብናን መሬትናን ዘነፃፀረ ሓደጋ ርዱእን እቲ ሓደ መልክዕን እንትኾን ኣብ ክብርታትናን መንነትናን ዘነፃፀሩ ብድሆታት ድማ እቲ ካልእ መልክዕን ዝኸፍአ ሓደጋን እዩ። እቲ ካልኣይ ሓደጋ ንዘመናት ብስውርን ብግልፅን ክካየድ ዝፀንሐ ሐዚ ከዓ ብውፅኢታት ድጅታል ተሓጊዙ ተበኣኢሱ ዝቐፀለ ግን ድማ ንመኸትኡ ቆላሕታ ዘይሃብናዮ እዩ። እዚ ፈተና እዚ ብመሰረቱ ብመንገዲ ናይ ሓበሬታ ኩናት ዝፍፀም ዝፀንሐን ዘሎን እዩ። እቲ ኩናት ኣብ ምድኻም ስነልቦናን ስነ ኣእምሮን፤ ኣብ ምሽርሻር ክብርታት፣ እምነትን ባህሊን ከምኡ ውን ኣብ ምውቃዕ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባታትን ተጋሩን ትግራዋይነት ዘነፃፀረ እዩ።

 

ብካሊእ ገፅ ድማ ጉዳይ ምግሃስ ናይ ተጋሩ ዳታ ሉኣላውነት ዝምልከት እዩ። እዚ ማለት ትግራይ ናይ ባዕላ ሳይበር (Cyber space) የብላን። ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝምልከቱ እስካብ ሐዚ ዝተኣከበን ዝእከብ ዘሎን ዳታ ካብ ቁፅፅር መንግስቲ ትግራይን ተጋሩን ወፃእ እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ከም ሳዕቤን ድማ ብሄራዊ ድሕንነት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ኩናት መጥቃዕቲታት ቅሉዕ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ድጂታል ወያነ ብሄራዊ ድሕንነት ትግራይ ንምርግጋፅ እውን እዋናዊ ጠለብ ኮይኑ ኣሎ። ድጅታል ወያነ ግድነታዊን ተደላይን (Nessessary & Desirable) መድረኻዊ ሕቶ ካብኮነ ብመንን ከመይን ይካየድ ዝብል ሕቶ ዝምልከት ከምዝቕፅል ቀሪቡ ኣሎ።

 

ኣብላዕሊ ከምዝተገለፀ ድጅታል ወያነ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ ዝካየድ። ስለዝኾነ ብመን ይካየድ ንዝብል ሕቶ ብኩሉ ዝወየነ ትግረዋይ ኢልካ ምቕማጥ ይከኣል እዩ።ይኹን እምበር ዝወየነ ትግረዋይ ብፍኑው መንገዲ ተርኡ ብዝግባእ ክፃወት ስለዘይኽእል ውዳበታት የድልዮ እዩ። እቲ ውዳበ ግን ምናባውን ጋህዳውን፤ ከምኡ ውን ውናውን ዘይውናውን፤ ዝትንበይን ዘይትንበይን መልክዓት ዝሓዘ እዩ ክኸውን። ብዝኾነ መልክዑ ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝሳተፉ ሓይልታት ዲጂታል ወያነ ብዙሓት እንተኾኑውን ቐንዲ ተዋሳእቲ (ናይ ድጅታል ወያነ ሰራዊት) ፣ኣኽኣልቲ፣ደገፍቲን ተጠቀምትን ኢልና ክንምድቦምንኽእልኢና።

 

ናይ ድጅታል ወያነ ዋና ተዋሳእቲ ኢልና እንሓስቦም ሓይልታት ናይ ልዑል ቴክኖሎጂ፣ ሳይበራዊ፣ ኪነጥበብን፣ ሚድያን ኡንዳስትሪታት፣ ዩኒቬርስቲታትን ናይ ትምህርቲ ትካላትን፣ ናይ መፅናዕቲን ምርምርን ትካላት፣ እስካብ 30 ዓመት ክልል ዕድመ ዘለው መናእሰይን ዝፈጥርዎ ስነምህዳራት (Ecosystems) እዩ። ብኣኽኣልነት ክስለፉ ዝኽእሉ ሓይልታት ናይ ፖሊሲን ሕግን ማዕቐፋት ብምምችቻው መንግስቲን ፖለቲካዊ ውዳበታትን፣ናይ ፋይናንሳዊ ትካላትን ኡንዲስትሪታትን፣ናይ ርክብን ፀዓትን ትሕተ ቅርፅታትን እዮም። ደጋፋይ ተራ ዘለዎም ሓይልታት ድማ ካብቶም ኣብላዕሊ ዝተገለፁ ወፃእ ዘለው ኩሎም ኡንድስትሪታት፣ ናይ ሃይማኖት ትካላት፣ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራትን፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን እዮም። ብተጠቀማይነት ዝስለፉ ብሓፈሻ ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ኣካላትን ኩሉ ማሕበረሰብን እንትኾን ብቐንዱ ግን መንእሰይ ሓረስታይን ከተመታይን እዮም። እዚ ማለት ናይ ድጅታል ወያነ ዕላማ ብቐንዱ ናይ ሕርሻ፣ ኡንድስትሪን ኣገልግሎትን ፅላታት መሰረታዊ ስግግር ከምፅኡ ምግባር እዩ።

 

ኮይኑ ግን ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ድጂታል ወያነ ንምክያድ ዝተዳለወ ጭቡጥ ሓይሊ የለን። ብኻልእ ኣበሃህላ ንድጂታል ወያነ ዝተመቻቸወ ወድዓውን ባዕላውን ኩነታት የለን። ልዕል ኢሉ ከምዝተገልፀ እቲ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝኒሀ ወድዓዊ ኣነባብራ ኣብ ድሑር ናይ ሕርሻ ማእቶት ዝተሞርከሰን ብምግቢ እኳ ዓርሱ ዘይከኣለ ሕብረተሰብ ዝዓብለሎን እዩ። ካብ ኢንደትሪ ኣንፃር እንተርኢና እውን ኣሽንካይዶ ንፍልጠት ማሕበረሰብ ዝሽከም ናይ ልዑል ቴክኖሎጂ ኡንድስትሪ ክህሉስ ናይ ማንፋክዘሪንግን ግልጋሎትን ኡንድስትሪታት እኳ ገና ኣብ ምጅማር ብርኪ እዩ ዝርከብ። እሞኸደኣ ኣብዚ ትሑት ሕብረተሰባዊ ናይ ዕብየት ብርኪ እናሃለና ንምንታይ ኢና ድጂታልወያነ ንጠልብዘለና? ድጂታልወያነ ዝጠልብ ግድነታዊ ኩነታት እንተሃልዩ ከመይ ጌርና ኢና እቲ ዓቕሚ እንሃንፆ? ብኻልእ መልክዑ ናይ ኣግራርያን ማሕበረሰብ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ኡንድስትሪያዊ ምዕባለ እንተይ ሓለወ ናብ ኢንፎርሜሽን ማሕበረሰብ ክሰጋገር ይኽእልዶ? ዝብሉ ሕቶታት ብዓሙቕን ቀፃልን መፅናዕትታት ተደጊፍና ንምምላስ ፃዕሪ ዝሓትት ኮይኑ ንሐዚ ግን እዘን ዝቕፅላ ነጥብታት ክሕብር ይፈቱ።

 

ድጂታል ወያን ንኸማና ዝበለ ማሕበረሰብ በዘን ዝስዕባ ምኽንያታት ግድነታዊ መዋእላዊ ክስተት እዩ። 1) ኣብዚ ናይ ርክብ፣ መርበብ ሓበርታ፣ ምትእስሳርን መስተጋብርን ዝገርሖ ዓለማዊ ኩነታት ዘሎ መማረፂ ወይ ነዚ ከምዕድል ተጠቒምካ ኣብቲ ፒራሚድ ዘለካ ቦታ ምምሕያሽ ወይ ከዓ በቲ ናይ ሓበሬታን ምትእስሳርን ማዕበል ተፀሪግካን መንነትካ ሸይጥካን ምቕሃም እዩ። ንኸም ህዝቢ ትግራይ ዝመሰሉ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ስልጣነ ዝሓለፉ ዓሙቕ መንነታዊ መሰረት ዘለዎም ህዝብታት ከዓ እቲ ዕድል መዝሚዝካ ትንሳአኻ ንምብሳር ካብ ምቅላስ ወፃእ ካልእ መማረፂ የልቦን። 2) ናይ ድጂታል ወያነ ቀንዲ ሃፍቲ ፍልጠት ዝወነነ ሓይሊ ሰብ እዩ። ትግራይ ዘለዋ ሃፍቲ ውን ሓይሊ ሰባ እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ብተነፃፃሪ ብርክት ዝበለ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብን ተምሃራይን ኣሎ። ብርክት ዝበላ ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ትካላት ምውናንና ንምርምር ዝተመቻቸወ ኩነታት ኣለና። ካልኦት ንድጂታል ወያነ ዝድግፋ ብሉፅ ሓይሊ ሰብ ዘፍርያ ኣብ ሳይንስ ቴክኖሎጂ ምህንድስናን ሒሳብን (STEM) ኣተኩረን ዘልምዓ ብሄራዊ ትክላትን ናይ መፅናዕቲ ማእኸላትን ናይ ምጥያሽ ዓቕሚን ዕድልን ውን ጨቢጥና ኣለና። ስለዝኾነ ድጂታል ወያነ ንውሑስ ምዕባለ ትግራይ መማረፂ የብሉን። 3) ካብዚ ዘለናዮ ናይ ምዕባለ ብርኪ ብዝተፈለየ መንገዲ ናብ ብራኸ ቀልጢፍና እንተዘይወፂእና ብዝተለመደ ናይ ሰለይ ኣካይዳ ክንጉዓዝ ዝፈቅድ ኩነታት የለን። ዲጂታል ወያነ ከዓ ንፈጠራን ኣብ ስልጣነና ተመስሪትና ፍሉይነት (Competitive advantage) ንኽንፈጥርን ዕድል ዝህብ እዩ። እቲ ኣብ ሞንጎ ናይ ድሑር ማሕረስ ማሕበረሰብን (Agrarian society) ናይ ሓበሬታ ማሕበረሰብን ዘሎ ጉሁም ንምዝላል ውን ድጂታል ወያን ፍቱን መንገዲ እዩ።

 

ወያነ ማለት ድማ ኣብ ኢድካ ዘየለ ሃፍቲ ምፍጣር ማለት እዩ። ዓቕሚ እናሃነፅካ ወያነ ምክያድ። ዓቕሚ ንኽፍጠር ከዓ ራኢ ምውናን፣ በዓል ዕላማ ምኻንን ንፁር ኣንፈት ሓንፂፅካ ናብ ተግባር ምእታውን ይሓትት። ፅኑዕ ድስፕሊን ዝወነነ ናይ ድጂታል ወያነ ሰራዊት ምህናፅ ይጠልብ። ድጂታል ወያነ ንምክያድ ናይ ሓበሬታ ማሕበረሰብ ኣባል ምኻን ኣይሓትትን። እኳ ደኣስ ድጂታል ወያነ ንኸማና ዝበለ ናይ ምዕባለ ብርኪ እዩ ዘድሊ። ስለዚ ሓደ ንድጅታል ወያነ ዝምጥን ንቕሓት ዝወነነ መሪሕነት (digital weyane elite) ምህናፅ፤ ካልኣይ ንድጅታልወያነ ዝምጥኑ ዓለማዊ ኣጠማምታን እሴታትን ምንፃር፤ ሳልሳይ ናይ ድጂታል ወያነ ሓይልታት ንምህናፅ ዘክእል ምዑርይነት ምምችጫው፤ ራብዓይ ካብ መዋእለ ህፃናት ጀሚሩ ስርዓተ ምህናፅ መንነትን ዓቕሚ ድጂታል ወያነን ምትእትታው፤ ሓምሻይ ናይ ሓበሬታ ፀልማት (Information asymmetry) ኣፍሪስካ ፀፍሓዊ መንግስታዊ ቢሮክራሲ ምስናዕ፤ ሻድሻይ ብዘለካ ጀሚርካ ብቕልጡፍ ንምዕባይ ምፍቃድ ይሓትት።

 

ብምጥቕላል ድጂታል ወያነ: –

  • ሕቶ ምፍጣር ሕብረተሰባዊ ምንቅስቐስ እዩ።
  • ብዝላ ህልውና ናይ ምውሓስ መማረፂ ኣልቦ መዋእላዊ ሕቶ እዩ።
  • ናይ ጋህዳዊን ምናባውን ዓለማት ውሁድ ከይዲ እዩ።
  • ካብ ምንም ተበጊስካ ናብ ብራኸ ናይ ምውፃእን ትንሳአ ተጋሩ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ዝገሃደሉ መስርሕ እዩ።
  • ዝነቕሐ፣ ትግራዋይነት ዝተላበሰን ፍልጠት ዝወነነን መንእሰይ ወሳኒ ሓይሊን ኣመራርሓን ናይዚ ወያነ እዩ።
  • መንግስቲን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምቹዕ ኩነታት ካብ ምፍጣር ሓሊፎም ናይ ምግራሕ ተራ ክፃወቱ ዘየፍቅድ እዩ።

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *