Home / ፖለቲካ / ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ጥቕሙ ይነፅር!

ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ጥቕሙ ይነፅር!

/መድህን ሮምሃ (/)

Email: gromha1983@gmail.com

 

“ስርዓት ካብ ዘይብሉ ሰፊሕ ህዝቢ፤ ብስርዓት እትማሕደር ንእሽተይ ሃገር ትበልፅ”– ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ።

 

  1. መእተዊ

 

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፤ ብሕጊ ጠጠው ክብል ዘይኸኣለ፤ ብኻልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያን መራሕቲ ሃገረ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ባዕሎም ኢዶም ዝሓውስሉ፤ ዝፍፀሙ ዘለው በደላትን መጥቃዕቲታትን፤ መልዕሊኦም እንታይ እዩ? ብምባል ከም መልዐሊ ብምግባር እንትብገስ፤ ናይ’ቶም በደላትን መጥቃዕቲታትን መንቀሊ ዝበልክዎም ዝርዝር ጭብጢታት ሒዘ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ምሳኹም ብምፅናሕ፤ ንመንበብተይ ከካፍል እየ። ዘለኒ ከካፍለኩም ዘበገሰኒ ምኽንያት ‘ዘለዎ ያ ዝሃበስ ንፉግ ኣይበሃልን’ ብዝብል መርሕ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ በደል፤ መንቀሊኡ ዝዝንግዖ ትግራዋይ ከምዘይህሉ ኣይጠራጠርን። “መፍትሒኦም ኸ”? ዝብል ሕቶ ዘልዕል ዝህሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኹሉ ትግራይ ከምዝኣምን እምነተይ ስለዝኾነ።

 

ኣብ ዓለምና፤ መራሕቲ ብግዜያዊ ርእዮተ ዓለም ስኽራንን ዘይተኣደነ ውልቀ ድሌትን፤ ዝተፋላለየ ስልጣነን ባህልን (civilization and culture) ዘለዎም ብሄራት ወይ ህዝቢታት ጠርኒፎም ሃገር ንምምስራት ብዙሓት ፈተነታት ጌሮም እዮም። ኮይኑ ግና ዝተረጋገዐት ሃገር ምምስራት ከምዘይከኣል፤ ካብ 19 ክ/ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ መንነት መሰረት ዝገበረ ከቢድቲ ጎንፂታት፤ ወድዓዊ መረዳእታታት እዮም። ናይ ምብትታን ዕድል ዘጋጠመን ሃገራት እውን አለዋ። ብርእዮተ ዓለም ምኽንያት ተጠርኒፈን ድሕሪ ምፅናሕ ብዘለወን ናይ ስልጣነን ባህልን አፈላላይ ምኽንያት ዝተበታተና ሃገራት ዩጎስላቪያን ሶቬት ሕብረትን ከምኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ተመሳሳሊ ወይ ሓደ ዓይነት ስልጣነን ባህልን ዘለዎም ህዝቢታት፤ ብርእዮተ ዓለም እንተዘይተስማዕምዑ እውን ብዘለዎም ናይ ሓባር ስልጣነን ባህልን ሓቢሮም ዝነብርሉ ዕድል ሰፊሕ ይኸውን። ንኣብነት ናይ ክልቲአን ጀርመን ህዝቢታት ብርእዮተ ዓለም ተባታቲኖም ድሕሪ ምፅናሕ፤ ንክወሃሃዱ ዓብይ ምኽንያት ክኸውን ዝኽኣለ፤ እቲ ዘለዎም ናይ ሓባር ስልጣነን ባህልን እዩ።

 

ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪካ እውን ብዘለዎም ናይ ስልጣነን ባህልን አፈላላይ ምኽንያት ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ካብ ዝርከባ ሃገራት፤ ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘመን ተሳጋሪ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎንፅን ኹናትን መለዐሊኡ ናይ ስልጣነን ባህልን አፈላላይ ምዃኑ ግሁድ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመራሕቲ ዝተደገፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ፤ ናይ ግዜን ኩነታትን ክስተት ዘይኮነስ፤ ታሪካዊ ትሕዝቶ አለዎ። ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ እዘን ብሄራት /ክልላት/፤ ብፌደራል ስርዓትን ብናይ ሓባር ርእዮተ ዓለምን ተጠርኒፈን ምፅነሐን ይፍለጥ እዩ። ኮይኑ ግና እዘን ብሄራት (ንኣብነት ትግራይ ምስ ኣምሓራ ወይ ኦሮሞ) ሓደ ዓይነት ወይ ተመሳሳሊ ስልጣነን ባህልን አለዎም ማለት ግን ኣይኮነን። ስለዝኾነ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስትን ናይ ባዕላ ፖለቲካዊ ስርዓት ዘለዋ ሃገር እንተኾነት እውን፤ እቲ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ንህዝቢ ትግራይ ናይ መጥቃዕቲ ዒላማ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብ‘ቃየናዊ ዓይኒ’ ዝረኣየሉ ምኽንያት ካብ ዝኸፍአ ፅልኢ ተጠኒሱ ዝተፈጠረ ተግባር ምዃኑ ንምርዳእ ኣየፀግምን።

 

  1. በደልን ወፅዓን ህዝቢ ትግራይ — ትማልን ሎምን

ድሕሪ ሕልፈት ሃፄ ዮሐንስ፤ ናይቲ መንግስቲ ወራሲ ራእሲ መንገሻ ኔሩ። ኮይኑ ግና ናይ ትግራይ ሐይሊ፤ ምስ ናይ ወፃኢ ወረርቲ ማለት እውን ምስ ጣልያን፣ ግብጺን ሱዳንን /ማህዲስት/፤ ናይ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ምንም ሓገዝ እንተዘይረኸቡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ዝገበርዎ ኹናት፤ ዓቕሞም ከምዝተዳኸመን  ካብ ትግራይ ንስልጣን ዝናሕናሕ ከምዘየለ ሃፄ ምንሊክ ስለዝፈልጡን፤ ናይ ሃፄ ዮሐንስ ሞት ኣብ ዝሰሙዕላ ግዜ ንባዕሎም ንጉሰ ነገስት ኢሎም አወጁ። ብምቕፃል፤ ኣፄ ምንሊክ ናይ ትግራይ መሳፍንቲ ናይ ዓቕሞም ደረጃ ንምፍታሽን ንኸገብሩን ናብ መቐለ ኣብ ዝመፅሉ ግዜ፤ ብዘይካ  ራእሲ አሉላ፤ ራእሲ መንገሻን ኹሎም መሳፍንቲ ትግራይን ንምንሊክ ኢዶም ሃቡ። ራእሲ አሉላ  ግን ‘ናህተይ ንጉስ ወዲ ዮሐንስ እዩ’ ብምባል ‘እምቢ ንምንሊክ ኣይግዛእን’ ኢሎም ኣንፃር ምንሊክ ብረቶም ዓልዐሉ። ብኻሊእ ገፅ፤ ናይ ራእሲ መንገሻ ንንጉስ ምኒልክ ብሰላም ኢድ ምሃብ ፖለቲካውን ወታደራውን ትርጉሙ፤ በሓፂሩ ‘ኣነ ሰላም እየ ዝደሊ፤ ህዝበይ እውን ከይትነኹእለይ’ ዝብል ምዃኑ ግልፂ እዩ። እዙይ ንክውስኑ ዝገበሮም፤ ዝነበሮም ዓቕሚ ብምግምጋም፤ ዓወት ንዘይረኽብሉ ብኹናት ህዝቢ ንከይጐሳቖል ምዃኑ ንምርዳእ አየፀግምን።

 

ኮይኑ ግና ድሕሪ ራእሲ መንገሻ ንንጉስ ምኒልክ ብሰላም ኢድ ምሃብ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ባዕሎም ራእሲ መንገሻን ዝተፈፀመ ኹነት እንትረአ፤ “ናይ አሉላ እምበር ናይ መንገሻ ውሳነ ስሕተት” ኔሩ ንምባል የግድድ። ምክንያቱ ሕዚ ከምንሪኦ ዘለናን ካብ ታሪክ እውን ከምእንመሃሮን፤ ምንሊካውያን ኣብ ልዕሊ ሰላም ደልዩ ትዕግስቲ ንዝገበረን ዓቕሚ ስኢኑ እቑባይ ንዝበለን ምሕረት ንዝጠየቐን፤ ዝበለፀ ግፍዒ ይፍፅሙ። ብሓፂሩ፤ ዓቕሚ እንተረኺቦም ንዝኣመነን ዘይኣመነን ብሰይፊ እዩ። ናይ ሕውነት ስብከት ዝሰብኩ ዓቕሚ እንተስኢኖም ወይ እንተተሰኒፎም ጥራሕ እዩ። ዓቕሚ እንተፈጢሮም ግን ካብ ሰባት ናብ አራዊት ይቕየሩ። ሐደሻዕ ሰብ ካሊእ ግዜ ድማ አራዊት እናኾኑ ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ተሰኪምዎም ፀኒሑ እዩ። እዚ ትዕግስቲ እዚ ግን አብ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ አብ ናብርኡን አብ ሂወቱን ምንም ለውጢ ንከይፈጥር ዓብይ ፅዕንቶ ኣሕዲርሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ምስ አባይ ዝራብዕ ከምዝተፀመደ ብዕራይ ንድሕሪት ሸታሕታሕ እናበለ፤ ዝዓሞሞ ምጭራስ ኣቢዩዎ፤ ምስ ፃዕራም ወንኡን ውሕልነቱን ብፈጣሪ ከምዝተፈረዶ ኣብ ድኽነት ረግረግ ይነብር ኣሎ። ሰለስተ ዋና ምክንያታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። እቲ ሓደ፤ ሙሉእ ዓቕሙ አብ ሃገራዊ ህንፀት ከየውዕል፤ ፀፀኒሑ ብዝልኰስ ግጭትን ኹናትን ይሰናኸል። ካልአይ፤ እቲ ብውሱን እኳ እንተኾነ ምስ ደለይቲ ሰላም ውሱናት ህዝቢታት ኮይኑ በገንዘቡን ብጉልበቱን ዝሃነፆምን ዘልምዖምን ናይ ልምዓት ትካላት መመሊሶም ብፀረ ህዝቢ ይዓንውን ይበርሱን። ሳልሳይ፤ ንናይ ውሽጣውን ወፃእን መንግስታት ናይ ኹናት ዓውድን ከምኡ’ውን ነዛ ሃገር ብቐንዲ ናይ ቁጠባ ፍልፍልን ኮይኑ ንዘመናት ፀኒሑ እዩ፤ ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ።

 

በዚ በለ በቲ ትምክሕተኛታት ካብ ምኒልክ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ አብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም አረኣእያን ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎም ዘለው እኩይ ተግባራትን ብምርዳእ፤ “ናይ ቀፃሊ ወለዶ ትግራዋይ ህልውና ከመይ ይረጋገፅ?” ብምባል እቲ ናይ ሕዚ ወለዶ፤ ክሓስበሉ፤ ክመያየጠሉን ክዝትየሉን ከምኡ’ውን መፍትሒ ከቕምጠሉን ግቡእ እዩ። ነዞም አብ ልዕሊ ትግራዋይ ግዜ ዘይፈትሖም ዝፍጠሩ ዘለው ፀገማት ናይ መፍትሒ አንፈት ንምእላሽ፤ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ወለዶ ኣየታቱ ምስ እዞም ህዝቢታት እዚኦም ሓቢሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝነበረ ታሪኽ ፀንቂቑ ክፈልጥ አለዎ። በተወሳኺ፤ ኣብ ዓለም ከምቲ ህዝቢ ትግራይ አጓኒፍዎ ዘሎ ዘጓነፎም ህዝቢታት፤ እቲ ፀገም ከመይ ከምዝፈትሕዎ ንመምሀሪ ምእንታን ክኸውን ናይ ዝተወሰኑ ህዝቢታት ታሪኽ ከምኣብነት ወሲድካ ብምጥቃም፤ ንህዝቢ ትግራይ ዘጓንፍዎ ዘለው ፀገማት መፍትሒታት ምቕማጥ፤ ናይ’ዚ ወለዶ እዚ እጃም ይኸውን።

 

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ህዝቢታት ዘለዎ ርክብ ንምንፅፃር፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝነበሮ ርክብ እንታይ ይመስል ኔሩ? ኢልካ ንምርኣይ ካብ ምኒልክ ንድሓር ዘሎ ግዜ እኹል መረዳእታ ምርካብ ይከኣል እዩ። ኣብ ልዕሊ ናይ ዘመናዊ ለውጢ ቀመርቲ ዝኾኑ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝተፈፀመ በደል እንተዘይዘከርካ ምሕላፍ ግን ናይ ትግራዋይ ሕሊና ክፈቅድ የብሉን።

 

ራእሲ መንገሻ፤ ምእንተ ሰላም ክብሉ ኣብ ትሕቲ ምኒልክ ኮይኖም ንክግዝኡ ከምዘረጋገፅሎም ልዕል ክብል ተገሊፁ እዩ። ኮይኑ ግና ንጉስ ምኒልክ በትረ ስልጣኖም ምስተረከቡ፤ ናይ ግፍዒ በትሮም “ሀ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከዕርፉ ጀመሩ። ብናይ ንጉስ ምኒልክ ሰራዊት አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ፤ ወላዲና ደብተራ ፍስሐ ጊዮርጊስ ዓብየእግዚ ንዓና ንወለዶ ከቲቦም አፅኒሖምና እዮም። እቲ ብንጉስ ምኒልክ ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ወራር፤ ደብተራ ፍስሐ ጊዮርጊስ ‘ብዛዕባ ዘመተ ሽዋ ናብ ትግራይ’ ክብሉ ሰይሞሞ እዮም። ‘ሸዋ ንመቐለ ልህጽ አቢሎም ወረርዋ፤ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ዓዲታት እውን ተወረረ፤ ተተኰሰ። እተረኽበ ሰብኣይ ኩሉ፤ ሰብሐ ዓበረ፤ ዓበየ ነኣሰ ሰለብዎ። …ንእንደርታ ከምዘይነበረት ገበሩዋ። ተባዕታይ ዝኾነ ዝተረኸበ ኩሉ ይሕረድን ይስለብን ነበረ። …‘ትግራይ ዓዲ ቅርሺ እዩ’ እናበሉ ነቱ አባይቲ ኩሉ መሰረቱ እንተይገደፉ እንትፈናቕልዎ ነበሩ። ግዜ እንተዘይአረካከቡ ግን ሓዊ እናመለሱ ይከዱ ነበሩ። …ንእንዳ አብርሃ ኣፅብሃ ነቱ በኢትዮጵያኡ ዝዝክሮ በዝበዝዎ።’ ነቶም ዝተጠቐሱን ካልኦት ከባቢታትን፤ ኩሉ ዝነበሮ ሃፍቱ፤ እንስሳት ሓዊሱ ከምዝወረርዎ ደብተራ ፍስሐ ጊዮርጊስ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ብትብዓት እንተተዋግኦም እኳ ብዝነበሮም ናይ ሓይሊ ልዕልና ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ እውን ተመሳሳሊ ግፍዒ ብምፍፃም ከቢድ ሓደጋ ከምዘብፅሕሉ ብምሕባር፤ እቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ዘስካሕክሕ ብምዃኑ ሙሉእ ብሙሉእ ንምግላፅ ከምዘስክፍ ደብተራ ፍስሐ ጊዮርጊስ ገሊፆም እዮም። በላይ ግደይ (1995) ናይ አጼ ምኒልክ ጸሐፊ ትዕዛዝ ዝነበሩ ገብረስላሴ ብምጥቃስ ከምዝፀሓፎ፤ አብርሃ ወአጽብሃ ቤተ ክርስቲያንን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ነባራይ ህዝቢ ኹሉ፤ ብንጉስ ምኒልክ ሰራዊት ከምዝተዘርፈ ይሕብር። ብኻሊእ እዋን ድማ፤ ንጉስ ምንሊክ ናብ ኲናት ዓድዋ እንትዘምቱ፤ ንዘኽተትዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ‘ሰዓበኒ ጥራሕ፤ ስንቅኻ ካብ ትግራይ እዩ’ ኢሎም ነቲ ዓዲ ሙሉእ ብሙሉእ አጥፍእዋ። ጥሪትን ቅርስን እናዘረፍካ ካብ ትግራይ ናብ ማእኸል ምውሳድ እስካዕ ሃፄ ሃ/ስላሴ ቀፀለ (ካሳ ሃ/ማርያም፤ 2010)። ነጋድረስ ገ/ሂወት ባይከዳኝ እውን ኣብታ ዝነበረቶም ሓፃር ናይ ኢትዮጵያ ፃኒሒት፤ አፄ ምንሊክ ናይ ትግራይ ህዝቢ ከምህዝቦም ከምዘይቖፅርዎ ትዕዝብቶም ሰኒዶም ገዲፎምልና እዮም (ገ/ሂወት ባይከዳኝ፤ 2003)።

 

‘ክንዲ ዘኾለሰ ኢዱ ተነኸሰ’ ከምዝበሃል፤ ትግራዋይ (ካልኦት ኢትዮጵያውያን ሃርበኛታት እውን) 5 ዓመት ንጣልያን ተዋጊኡ ሰዒሩ፤ ንስደተኛ ንጉስ ንሃፄ ሃ/ስላሴ ንዓዶም ምስ መለሰ፤ ካብ ስደት ዝተመለሱ ሃፄ ሃ/ስላሴ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ፈፀሙ። ንትግራዋይ ናይ 5 ዓመት ግብሪ ክፈል በልዎ። ናይ ሃፄ ሃ/ስላሴ ሰራዊት ብዙሕ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ወረረ። ‘ትግሬ ገዳይ’ እናበሉ ደቂ 80ን 90ን አረጋውትን ፈለስትን እንተዘይተረፈ ይቐትልዎምን ብገደል የፅድፍዎም ነበሩ።  ኣብ ገዛ እናዓፀው ብሓዊ አንደድዎም። ብዝተወሰኑ ኣዋርህ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ግፍዕን በደልን ጣልያን ኣብ 5 ዓመቱ ዘይብፅሖ እዩ (ካሳ ሃ/ማርያም፤ 2010)።

 

ደርጊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምጥፋእ እንትእውጅ፤ ‘ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንፃፍ’ ዝብል መርሕ ተኸቲሉ ኔሩ። ብፍላይ ደርጊ ቀይሕ ራዕዲ ምኽንያት ብምግባር፤ ብዙሓት ተጋሩ ብግፍዒ ጨፍጪፉን ቐቲሉን እዩ። ደርጊ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዘብፅሖ ግፍዒ ንምግላፁ ዘስክፍ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግፍዒ ተፈፂሞም  እዮም። ጆን ያንግ (1994) ካብ ዝፀሓፎ ከምኣብነት ንምጥቃስ፤ ኣብ ኣክሱም ኣብ ግንቦት 1978 ዓ.ም.ፈ. ከባቢ 500-600 ተምሃሮን 150 ዝኾኑ መምህራንን ኣብ መጫወቲ ሜዳ አኪቡ፤ ናይ ህወሓት አባል ዝኾነ ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቓ ባዕሉ እንተዘይገሊፁ፤ ብጥይት ይቕተል። ኣብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ሓጋይ፤ ከባቢ 54 መራሕቲ ሃይማኖት ቐቲሉ፤ 110 ዝኾኑ ድማ አሲሩ። 9 ቤተ ክርስቲያናት እንተቃፅል፤ 27 ዝኾኑ አፍሪሱ። ብርክት ዝበላ አንስቲ ኣቕሽቲ ብናይ ደርጊ ወታደራትን ካድረታትን ተደፊረን። ኣብ ወርሒ ሓምለ 1977 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ተምቤን ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ፤ ንዕዳጋ ዝመፁ 178 ገባራት ቐቲሉ። ዓብይ ዓዲ ከተማ 13 ግዜ ብነፈርቲ ተደብዲባ። 340 ገዛውቲ ተቓፂሎምን ፈሪሶምን። 400 ነበርቲ ሞይቶምን ቆሲሎምን። 43 ቤተ ክርስቲያናት እንትቃፀሉ፤ 72 መራሕቲ ሃይማኖት ተቐቲሎም። ኣብ ዓዴት እውን ታቦታትን ናይ ሃይማኖት መፃሕፍትን ተቓፂሎም፤ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ተቐቲሎም።

 

ኣብ ወርሒ ሰነ 1980 ዓ.ም ኣብ ዕዳጋ መዓልቲ፤ ሓውዜን ብሚግን ሄልኮፕተርን ተደብዲባ። ልዕሊ 1800 ዝኾኑ ንፁሃን ተጋሩ ተቐቲሎም። ኣብ ዓብይ ዓዲ፣ የጭላ፣ ሸራሮ፣ ጭላን (ኣረጋዊ በርሀ፤ 2008) ካልኦት ከባቢታትን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዶም። አያታትና ከምዘዝንትውዎ፤ ደርጊ “ጥፋእተኛታት” ኢሉ ንዝኣመነሎም ግለ ሰባት፤ ንባዕሎም ክረኽቦም /ከግንዮም/ እንተዘይኪኢሉ፤ ህፃናት ደቆም ይርሽን ኔሩ። ከምኡ እውን እቲ “ጥፋእተኛ” ተባሂሉ ናይ ዝተጠርጠረ ዋና ገዛ፤ ባዕሉን ስድርኡን ኣብ ገዛ እንተዘይተረኺቦም፤ ኣብ ገዛ ዝተረኸበ አበሳ ዘይብሉ ሰራሕተኛ ይርሽን ከምዝነበረ ኣያታትና የዘንትው። ወለዲ ኣብ ዝተዘርገሐ ናይ ደቆም ሬሳ እናዘሩ ክስዕስዑን ክደርፉን ይግደዱ ኔሮም። ውላዶም ንዝተቐተለሉ ናይ ጥይት ዋጋ ምኽፋል ግዴትኦም ኔሩ። እዚ እንተዘይፈፂሞም ካሊእ ውላዶም ይቕተል። ብሓፈሻ ደርጊ፤ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ናይ ፍርሒ ፖለቲካ ብምኽታል፤ 17 ዓመታት ብህወሓት እናመኻነየ፤ ብግፍዒ ዝቐተሎም ህፃናት፤ ሰገናት፣ መንእሰያት፣ አረጋውያንን ነፍሰ ጡር አዴታትን ንወላድ ትግራወይቲ ጥራሕ ክንገድፎ ዘይኮነስ ኹሉ ትግራዋይ ክዝክሮ ይግባእ።

 

ናይ ትግራይ ህዝቢ፤ “ኢትዮጵያ” ንእትበሃል ሃገር ህልውና ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለን እናኸፈለ እውን ከም ዝርከብ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ግና ሕዚ ብትምክሕተኛታት በተደጋጋሚ ዝበፅሖ ዘሎ ግፍዕን ኣድልዎን ኣብ ዝሓለፉ 130 ዓመታት ውሽጢ ዝፍፀም ዝነበረ ግፍዕን ኣድልዎን ብመጠንን ብዓይነትን ዝፍለ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ኣብ ዘመነ ኢህኣዴግ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወይ ተወለድቲ ትግራይ ዘነፃፀሩ መጥቃዕትታት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ እንትበፅሑ፤ መንግስቲ ቅሉዕ ብዝኾነ መግለፂ እናኾነነ፤ ኣብ ልዕሊ ነቲ መጥቃዕቲ መራሕትን መለዓዓልትን ዝኾኑ ግለ ሰባት እውን፤ እኹል’ኳ እንተዘይተብሃለ፤ ብመጠኑ እንተኾነ’ውን ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ ኔሩ። ኮይኑ ግና ኣብ 2010 ዓ.ም ዶ/ር አብይ አህመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ካብ ዝምረፅ ንድሓር ግን ንህዝቢ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ፃውዒት ንዘቕረቡ ውልቀሰባት፤ አብይ አህመድ ‘ዕርቅን ይቅርታን’ ብዝብል መርሑ ተጠቒሙ እዞም ውልቀሰባት ንዝሰርሕዎ እኩይ ተግባርን ወንጀልን ብአደባባይ ብግልፂ ምስጋናን ሙገሳን ሂቡ ብምብርትታዕ ነቲ ዝፈፀምዎ እኩይ ተግባራቶም ኣፍልጦ ተዋሂብዎም እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ፤ ናይቲ ዝተገበረ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ፃውዒት ውፅኢት ምዃኑ ጥርጥር የብሉን።

 

እዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ተግባር ዝፍፅሙ ዝነበሩ ግለ ሰባትን ውድባትን ከምኡ’ውን ፃውዒት ዘቕረቡ ግለ ሰባትን ሚዲያታትን፤ በቲ ዝፈፀምዎ እኩይ ተግባር ቅድም ኢሉ  ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ (ፓርላማ) ከም አሸባሪ እንተፈረጆም እውን ሎሚ እዞም ውልቀሰባት ምንም እኳ ናይ ቅዋም አፈላላይ እንተዘይሃለዎም፤ ‘ንሕና ባዕልና (ኢህአዴግ) አሸባሪ ኔርና እምበር እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ገበን ኣይፈፀሙን’ ዝብል ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቅኑዕ ዘይኾነ ኣረኣእያ ብምድጋፍ በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበ ናይ ስሕተት ወሳነ ተቐቢሉ ብምፅዳቕ፤ ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ሎሚ’ውን ከምቀደም ከም ናይ ወለዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ታሪካዊ ስሕተት ብምፍፃም ናይ ጭካነን ክሕደትን ዓሸራ ኣቐሚጡ ኣሎ።

 

እዞም ናይ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዝምነዩ ውልቀ ሰባትን ውድባትን ገሊኦም ውልቀ ሰባት ካብ እስር ተፈቲሖም ገሊኦም ድማ ካብ ስደት ተመሊሶም ብምትእኽኻብ፤ ሎሚ እውን ከምትማሊ ከምኣመሎም ህዝቢ ትግራይ ንምውሓጥ፤ እነሆ ከምዝጠመየ ሓርገፅ ኣፎም ከፊቶም ኣለው። ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ናይዛ ሃገር መራሒን መንግስትን፤ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ኣብ ጎኒ ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ጠጠው ምባሉ፤ ህዝቢ ትግራይ ክዕዘብን ክርዳእን ስለዝኸኣለ፤ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ እምነት ከምግመ ሃሚሙ ኣሎ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ (1987)፤ እዞም ዝስዕቡ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ድማ ብውሕዱ ብቕሉዕ ይጠሓሱ አለው።

 

  1. ተጠሓሱ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት

3.1. ሰብኣዊ መሰላት

  1. ዝኾነ ሰብ በሂወት ናይ ምንባር መሰል አለዎ። ዝኾነ ሰብ ብዘይካ በቲ ብሕጊ ዘተነፀረ ከቢድ ቅፅዓት ገበን፤ ብኻሊእ ህይወቱ ክስእን የብሉን (ኣንቀፅ፤ 15)።
  2. ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣካሉ ጉድኣት ከይበፅሖ ናይ ምሕላው መሰል አለዎ (ኣንቀፅ፤ 16)።
  3. ካብቲ ብሕጊ ዝተነፀረ ወፃኢዝኾነ ሰብ ነፃነቱ ኣይስእንን (ኣንቀፅ፤ 17)።
  4. ዝኾነ ሰብ ሰብኣዊ ክብሩን ሰናይ ስሙን ክኽበር መሰሉ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ስፍራ ብሰብኣውነቱ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ መሰል አለዎ (ኣንቀፅ፤ 24)።
  5. ኩሎም ሰባት… ኣብ መንጎኦም ዋላ ሓደ አፈላላይ ከይተገበረ ማዕረ ሓለዋ ሕጊ ይግበረሎም። በዚ መዳይ ብዘርኢ፣ ብብሄር፣ ብብሄረሰባት፣ ቋንቋ፣ ብፖለቲካ፣ ብማሕበራዊ መበቈል፣ ብትውልዲ ወይ ብኻሊእ ቅዋም ምኽንያት አፈላላይ ከይተገበረ ኲሎም ሰባት ማዕረን ጭቡጥን ውሕስነት ሕጊ ናይ ምርካብ መሰል አለዎም (ኣንቀፅ፤ 25)።
  6. ዝኾነ ሰብ ውልቀ ህይወቱ፤ ውልቅነቱ ከኽብር መሰሉ እዩ። እዚ መሰል መንበሪ ገዝኡ፤ ሰብነቱን ንብረቱን ካብ ምብርባር ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ውልቀ ዋንነቱ ንዘሎ ንብረት ከይተሓዝ ውሕስነት ናይ ምርካብ መሰል አለዎ (ኣንቀፅ፤ 26)።
  7. ኢትዮጵያ ብዘፅደቐቶም ዓለም ለኸ ኪዳናትን ብካልኦት ሕግታት ኢትዮጵያን፤ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝተፈፀሙ ‘ገበናት ተባሂሎም ዝተወሰኑ ገበናት’፤ ብርሰት ዘርኢ ሰብ፤ ብዘይ ፍርዲ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ስጉምቲ ምውሳድ፤ ንሰባት ብኣስገዳድ ምስዋር ወይ ዘይሰብኣዊ ተግባራት መግረፍቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ሰባት…. በቲ ኣውፃኢ ሕጊ ኮነ ወይ ብካልኦት ኣካላት መንግስቲ ብምሕረት ወይ ብይቕርታ ኣይሕለፉን (ኣንቀፅ፤ 28) ዝብሉን ካልኦትን እናተጠሓሱ ይርከቡ።

 

3.2. ዲሞክራሲያዊ መሰላት

  1. ዝኾነ ኢትዮጵያዊ … ኣብ ዝመረፆ ናይ’ታ ሃገር ከባቢ ናይ ምዝውዋር፤ መንበሪ ገዛ ናይ ምምስራት ናፅነት አለዎ (ኣንቀፅ፤ 32)።
  2. ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዜጋ በዓል ዋና ናይ ብሕቲ ንብረት ናይ ምዃን መሰሉ ይኽበረሉ (ኣንቀፅ፤ 40) ዝብሉን ካልኦትን እናተጠሓሱ ካብ ዝርከቡ ዲሞክራሲያዊ መሰላት እዮም።

 

 

  1. ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፤ ብሄራዊ ጥቕሙ ይነፅር!

 

ቶማስ ኢድሰን 999 ግዜ ተጋግዩ ኣብ መበል 1000 ግዜ አምፑል ክምህዝ ከምዝኸኣለ ይሕበር። ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ናይ ሳይንስ ሊቃውንቲ (Scientists)፤ ‘አምፑል ዝኣክል ንእሽተይ ነገር ንምስራሕ፤ 999 ግዜ ምስሓሓትካ ስንፍና እዩ’ ክብሉ ነቒፎሞ እዮም። ኢድሰን ግን ‘እዚ ስሕተት አይኮነን፤ የግዳስ 999 ግዜ አምፑል ዘይስራሕሎም መንገዲታት ፈሊጠ አለኹ’ ብምባል ካብ ማንም ሰብ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ኣብ ስርሑ ንዝፈፀሞም ስሕተታት ዓብይ ዋጋ ይህቦም። ኢድሰን ከምዚ ክብል ዝኽአለ፤ ስሕተት መሊሱ ከምዘይደግምን ካብ ስሕተቱ ብዝግባእ ከምዝመሃርን ስለዝኣምን እዩ።

 

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፋላለዩ እዋናት፤ ካብ ካልኦት ብሄራት ናብ ስልጣን ብዝመፁ መራሕትን ብገለ ደገፍቶምን ብፍላይ ካብ ኣምሓራ ዝመፁ ፖለቲከኛታት ንህልውንኦም እንተዘይተረፈ ፈተና ይኾንዎም ከምዝነበሩ ናይ ታሪክ ድርሳናት ይሕብሩ። ኮይኑ ግና አያታትና ዝበፅሖም ዝነበረ ግፍዒታት ዋጋ ከፊሎም እናበድሁን መፍትሒታት ዝበልዎም እውን እናቐመጡን ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ኮነ ምስ ካልኦት ብሄራት ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩ ፈቲኖም እዮም። ኮይኑ ግና አያታትና ምስ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ብሰላም ሓቢርካ ንምንባር ዝኸፈልዎ ዋጋ ሽትኡ ኣይወቕአን።

 

ንምንታይ? ናይ ቃልሶም ዕላማ ብሄራዊ ጥቕሞም ነፂሩ ስለዘይተበገሰ። ይኹን እምበር ኣያታትና ዘይንፁር ብሄራዊ ዕላማ ተሓንጊጦም ዕንክሊል ንክብሉ ዝተገደዱ፤ ብዓለማዊ ወድዓዊ ኹነታት ቀይዲ እዩ። ቅድም ክብል ኣብ ዘመነ ሃፄይነት፤ ሃፄያት ዝነበሮም ግዝኣት ወይ ‘ኢምፓየር’ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህርይ እቲ ግዜ ዝጠልቦ ኔሩ። ንኣብነት ባዕዳውያን ኣብ ኣፍሪካ፤ ሃገራት ወይ ከባቢታት እንትቃራመቱ፤ ሃፄ ዮሃንስ ‘ናይ ኣያታተይ ግዝኣት ዝነበረ ኣይህብን’ ብዝብል ንወረርቲ ብዝግባእ እናተኸላኸሉ፤ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እውን ነቲ ግዜ ዝጠልብ ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕ ሰሪሖም እዮም። ናይ ቀዳማይ ወያነ ቃልሲ፤ መንቀሊኡ ማእኸላይ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዝነበረ ኣድልዎ ምቁዋም ኮይኑ፤ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እንተኾነት እውን “ትግራይ፤ ብትግራዋይ ጥራሕ ክትመሓደር ኣለዋ” ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ናይ ተሓባብሮኣዊ ፈደሬሽን (cooperative federation) ወይ ኮንፍደሬሽን ዝመስል ዓይነት ክፋል ሃገር (ስቴት) ምምስራት ይመስል ኔሩ። ናይ ካልኣይ ወያነ ቃልሲ፤ መራሕቲ ናይ’ቲ ቃልሲ ብናይ ሶሻሊዝም ርእዮተ ዓለም ዝተመረዙ ስለዝነበሩ ኣድማሳዊ ኣተሓሳስባ እንተነበሮም ዝገርም ኣይኮነን።

 

ስለዚ፤ ምስ’ቲ ዝነበረ ዓለማዊ ወድዓዊ ኹነታት ብምንፅፃር፤ ኣያታትና ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዋጋ እናኸፈሉ ሓቢርካ ምንባር ዝገበርዎ ዘይዕውት ፈተነታት ጌጋ አይኮነን። እኳድኣስ፤ ንዓና ንደቆም ምስ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሓቢርካ ዘይንበረሉ መንገዲታት ኣምሂሮምና አለው። ስለዝኾነ፤ እዚ ወለዶ እዚ፤ ናይ ኣያታቱ ሕሉፍ ታሪኽ ከም መምሃሪ ተጠቒሙ፤ ዓለማዊ ወድዓዊ ኹነታትን ሳይንሳዊ ሓቅታትን ብምውህሃድ፤ ብሄራዊ ጥቕሙ ነፂሩ ክቃለስ አለዎ።

 

እቲ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ትግዋራይ ዝበፅሕ ዘሎ ከቢድ በደልን ኣድልዎን፤ ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ 130 ዓመታት ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ትግዋራይ ዝፍፀሙ ዝነበሩ በደላትን ኣድልዎታትን ብመጠንን ብዓይነትን ተመሳሰልቲ ምዃኖም፤ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ዕላምኡ ነፂሩ ንክቃለስ ዓብይ እጃም ይህልዎም — A blessing in disguise ከምዝብልዎ ዓይነት። እንተዘይኮይኑ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉን ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝፈታተን ግፍዕን መጥቃዕትን፤ ኣያታቱ ዝተጠቐምዎ መፍትሒ፤ እዚ ወለዶ እዚ እውን ክደግም እንተፈቲኑ፤ ከምቲ አልበርት አንስታይን ‘ሓደ ነገር ደጊምካ ደጋጊምካ እናሰራሕኻ ዝተፈለየ ውፅኢት ምፅባይ ዕብደት እዩ’ /Insanity is doing the same thing over and over, and expects a different outcome/ ዝበሎ እዩ ዝኸውን።

 

እስራኤላውያን ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ብዝተፈላለዩ ተፅዕኖታት ናብ መላእ ዓለም ተበቲኖም እዮም። ብቁጠባን ብሳይንስን እውን ንዓለም ዓብይ እጃም አበርኪቶም እዮም። ኮይኑ ግና፤ ዓለም ኣንፃሮም ተላዒላ ዓቕሎም ኣፅበበትሎም። እቶም ውሑዳት ኣብ መረበቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣይሁድ እውን ኣብ ትሕቲ ኻልኦት ህዝቢታት ኮይኖም ናይ ምንባር መሰል ስኢኖም፤ መሬት ዕንቊ ኾነቶም። እስራኤላውያን ብዝበፅሖም ዝነበረ ናይ ዘመናት ከቢድ ግፍዕታት ምስ ካሊእ ህዝቢ ምንባር ከምዘይኽእሉ ምስተረድኡ፤ ብሄራዊ ዕላምኦም ነፂሮም ንክቃለሱ ተገዲዶም። ኮይኑ ግና ‘ብቕምጦምያ ዝሰቐልዎስ፤ ጠጠው ኢሎም ኣየውርድዎን’ ኮይንዎም፤ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ስምይቲ/ህብብቲ ዝነበረት እስራኤል፤ መዕቖቢ ክትኾኖም ‘ሃሰስ’ እንተበሉ ብጭቡጥ ሃገር ክምስርትሉ ዝኽእሉ መሬት የለን። ተስፋ ዘቚርፅ ኮነ። እቲ ዝበፅሖም ዝነበረ ከቢድ ፀገም ግን እዛ ኣብ መፅሓፍ ቕዱስ ዘላ ምናባዊት ሃገሮም፤ ካብ ካልኦት ህዝቢ መንጢሎም ናይ ብሕቶም ክገብርዋ እቲ ዝነበረ ጥንኩር ኩነታት አገዲድዎም እዩ።

 

ንሕና ግን መሬት ጥራሕ ዘይኮነስ ቕድሚ ኢትዮጵያ ብትግራዋይ ዝተፈጠረት ኣክሱም ተባሂላ ትፅዋዕ ታሪኻዊት ሃገር ምስ ሙሉእ ታሪኻን ቅርሳን ኣብ ኢድና ትርከብ። ኮይኑ ግና ናይ ቃልስና ብሄራዊ ዕላማ ስለዘይነፀረ፤ “እዛ ኣክሱም ወይ ትግራይ እንትበሃል ዓዲ ናይ በይንና እያ” ምባል ኣይከኣልናን። ብሄራዊ ዕላምኡ ነፂሩ ነዚ ከፈፅም ዝኽእል መራሒ ወይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ስለዘይተረኸበ እዩ፤ ትግራዋይ ኣብ ዝኸዶ ዝዋረድን ከም ተመን ብደንጎላን ብበትርን እናተቐጥቐጠ ግፍዓዊ ሞት ዝመውትን ዘሎ።

 

ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ህዝቢ ትግራይ፤ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ጥቕዓት ዝፍፅሙ ወይ ዝመርሑ አካላት ‘ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ህዝቢ ኦሮሞ አይውክሉን’ ዝብል ናይ መራሕቱ ኣሽካዕላል፤ ቀልድነቱ ዝተረድኦ ይመስል። ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ህዝቢ ኦሮሞ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይኸውን ግልፂ እዩ። ይኹን እምበር፤ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ወይ ናይ ህልውንኡ ጉዳይ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣብ ዝኣትወሉ ግዜ፤ እዞም ህዝቢታት እዚኦም እንተድሕንዎ ኣብ ታሪኽ ተረኣዩ ኣይፈልጥን። እኳድኣስ፤ ኣብ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ግለሰባት ጎኒ ጠጠው ብምባል ይወግእዎ እምበር። ስለዚ፤ ትግራይ ከምታ ናይ ኢድሰን አምፑል ክትበርህ እንተኾይና፤ ህዝቢ ትግራይ፤ ኣያታቱ ምስ ካልኦት ኢትዮጵውያን ሓቢርካ ንምንባር ዝገበርዎ ዘይዕውታት ቃልሲታት እንተይደገመ፤ እታ እንኮ መማረፂት ዘይብላ መንገዲ ክኸዳ ይግባእ —– (ይቕፅል)።

 

Check Also

ትግራይ ሃገር ምዃን ዝግብኣን ዘዋፅኣን ብሄር እያ!

ብ ግርማይ በርሀ   መእተዊ ትግራይ ብሄር ምዃና ንኣብዝሓ ትግራዋይ እንታይነት ብሄር ብውነን ብቕንዕናን ንዝርዳእ …

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *