Home / Uncategorized / ወጊድ ንሕሊናዊ ባርነት!

ወጊድ ንሕሊናዊ ባርነት!

ዶ/ር ሃይለየሱስ ሃፍቱ

ሰላም ንኵልኩሙ ኣሕዋት ወኣሓት!

ትንሳኤ ትግራዋይነት ዝገሃድ ኣብ ህዝብና ዝተዳዕነነ ዘንታወ ፅውፅዋይ ኢትዮጵዊነት (mythic Ethiopian narration) ዘስዐበልና ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት ክውገድ ከሎ ጥራሕ እዩ፡፡ ትግራይ ካብ ምዕቡል ባሕሪታትን ውቅያኖስን ኣቆራሪፁ ዝነግድ (maritime trader society) ናብ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ጫዂሩ ዝምእርር ወትሮ ብጥምየት ዝጥቃዕ (Agrarian and famine stricken primitive society) ዝጸደፈትሉ ቑልቑለት ብምፍታሽ ዳግም ናብ ላዕላይ ጸፍሒ ብምዕራግ ነታ በራኽ ስለጣነ ኣግኣዝያን ዳግም ንክነተንስኣ ፍልፍል ኵሎም ድሕረታት ዝኾነ ስእነት መንፈሳዊ ሓርነት ክሕከም ኣለዎ፡።

ትግራዋይ ብስልጣነ ኣቦታቱ ንኽመስል ከም ኣቦታቱ ክበሪታቱን መንፈሳዊ  ጸጋታቱን ክዕቅብን ከደንፍዕን ይግባእ፤ እዚ ግብራዊ ንክኾን ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት ብምድርባይ  መንፈሳዊ ሓርነት ክረክብ ኣለዎ!

 

ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት (mental slavery) እንታይ እዩ?

ህሊናዊ ባረነት ኣካል ኣብ ቀይዲ ከይኣተወ ህሊና ግን ተገዛኣይ ናይ ዝኮነ ኣተሓሳስባ ፣ እምነት፣ ልማድ፣ ወልፊ ወዘተርፈ ኮይኑ ክቅፅል ከሎ እዩ፡፡

Mental slavery is a state of mind where discerning between liberty and enslavement is twisted becoming misinformed about self and the world.

According to African hollocust newsletter (non profit civil society dedicated to the progressive study of African history and culture)

ንተጋሩ ከምህዝቢ ዝተዳዕነና ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት ኣሎዶ?

መልሱ ብዘየማትእ እወ ኣሎ እዩ፡፡

ሳዕቤን ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት  ሕልፊን ትርፊን ኾይኑሲ ንመዋእል ሰንሰን ከብለና ቐፂሉ ኣሎ፡፡ ብዋጋ ትግራይ ንምናባዊት ኢትዮጵያ ንክሕለቑን ክሕብሕቡን ኣብ ዝተፈላየ መዋዕል ዝነበሩ መራሕቲ ትግራይ ንትግራዋይ ለኪሞም ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሎም ‘ዮም፡፡ ኣብ ታሕቲ ዘቐመጥኽወን መርኣያታት ሕልፊ ዋጋን መስዋእትን ክፊሎም ካብ ውድቀት ተውሒሶም ዘሸድንዋ ኢትዮጵያ ትሓዊ’ሞ ሸዲና ምስገበለት መሊሳ ንትግራዋይነት ክትውሕጥ ከምትህቅን የማላኽታ እየን፡፡ ሸዋዊት ኢትዮጵያ ብትግራዋይ ተርኒዓ ምስሸደነት ኵሉ ጊዜ ንትግራይ ክትውሕጥ  እትፍትነሉ ዝደጋገም መስደምም ዓንኬል ኣሎ እዩ፡፡

ስእነት ስነኣእምሯዊ ሓርነት  ኣብ ትግራይ ዘምፅኦም ሳዕቤናትን ሓደ ብሓደ ንተዓዘብ!

፩. ራእሲ ስሑል ሚካኤል ኣብ ዘመኖም ዝነበሮም ወታደራዊ ፀብለልታ በይኑ ናብ ንግስና ከብፅሖም ምኸኣለ ነየሩ፤ ግን ወታደራዊ ፀብለልታ፣ ብልሒ መሪሕነት በይኑ ንዙፋን ነጋሲነት ከብፅሖም ኣይከኣለን፡፡ ምንጋስ’ሲ ይትረፍ እቲ ናይ ሃገር መዘውር ፖለቲካ ካብ ጎንደር ናብ ትግራይ ዓዶም ብምምፃእ ማእኸል ምሕደራን ሕምብርቲ ኢኮኖያዊ ምንቅስቓስን ናብ ትግራይ ንምዝዋር ንከይሓልሙ ስውር ማሕለኻ ዘንታወ ፅውፅዋይ ኢትዮጵዊነት (mythic Ethiopian narration) ዓጊቱ ኣትሪፍዎም’ዩ፡፡ ስነ ኣእመሯዊ ሓርነት ዘየረጋገፀ ሰብ ዝዓጠቐ እንተዓጠቐ ዝፈጠሮ ተኣምር ኣይህልን፡፡ ስለዚ ናይ ስሑል ኣካላዊ ሓይሊ በቲ ኣእምሮ ዝስርስር ብክብረነገስት ዝተዋደደ ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት ሚዛን ተመንዚዑ ተሪፉ፡፡ ትግራዋይውን ኣብዝሓየለሉ እዋን ክንዲ ቅሳነት ረኺቡ ኣብ መረበቱ ዘስተርሒ ዋርድያ ጎንደር ኮይኑ ኣሕሊፍዎ፡፡ ራእሲ ስሑልውን ካብ “ንግስተ ሳባን ንጉስ ሰለሞንን” ዝምዘዝ መራኸቢ ሰራውር ደም ከምዘይብሉ ኣሚኑ ክንዲ ንግስና ሓላዊ ንግስና ጎንደር ዋርድያ ኮይኑ፤ ናይ ትግራይ ልሂቅን ሰራዊትን እውን ግዳያት እቲ ስነ ኣእምሯዊ ፀቕጢ ኮይኖም፡፡ ካብ ዓዶም ተስሒቦም  መዋዕሎም ኣብ ሃገረ ባዕድ ከሕልፉ ኮይኑ፡፡ ነዚ ስዒቡ ትግራይ ተረቢሓዶ’ስ ከሲራ ንዝብል ሕቶ መራሐቲ ዳግማይ ወያነ ልሂቅ ትግራይ ኣኪቦም ናብ ኣዲስኣባባ ብምግዓዞም ትግራይ ተረቢሓዶ’ስ ከሲራ? ዝብል ሕቶ ብምሕታት መልሲ ካብ ኣንበብቲ ይፅበ፡፡

፪. ንጉሰነገስት ሓፀይ ዮሓንስ ብጥበብ መሪሐነትን፣ ብወታደራዊ ሓይሊ፣ ኣብዙርዪኦም ብዝነበረ ምኽሪ ዘደልድል ናይ ለባማት ዓዲ ባይቶ፣ ሚዛን ርትዓዊነት ወዘተርፈ ዝፈጥሮ ድልዱል ሓገዝ ዘማእኸሉ ዝነኣዱ መራሒ ነይሮም፡፡ ኾይኑ ግን እቲ ብልሒ መኸተ ግዳማዊ ወረርቲ ሓይሊታት እንትስዕርን እንትምክትን  ይርአ፤ ኮይኑ ግን ኣብታ መስለቢ ተጋሩ ዝኾነት ፅውፅዋይ ኢትዮጵዊነት ግን ብዘይምዕዋቱ ህሊናዊ ሓርነት ከረጋግፅ ኣይከኣለን፡፡ ዋላ እታ ስሑል ሰራውር ደም ምልቋም ኣብይዎ ዝተሓረማ ነጋሲነት ሓፀይ ዮሓንስ ነታ ክብረነገስት ኣኽቢሩ እንተተዓወተላውን ካብታ ቃና ኣምሓራዊነት ዘለዋ መስርሕ ኣምሓራዊት ኢትዮጵያ ግን ኣይወፀን ነይሩ፡፡ ብልሳን ኣምሓራ ይፅሕፍን ይሰርሕን ነይሩ፤ በታ ምናባዊት ኢትዮጵያ ‘ውን ይኣምን፤ ብልማዳ ይቕየድ ነይሩ፡፡ ከም ውፅኢቱውን እቲ ንጉስን ሰዓብቱን  ነታ ዓይኒ ብሄረ ኣግኣዚ ዝኾነት ምድሪ ባሕሪ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዓደቦ ኣብ ኣፍ ክውሕጣ ዘድበየ ጥልያን ገዲፎም ንስለ ተኣማንነት ዓባይ ኢትዮጵያ ብዋጋ ኣዱሊስን  ባሕርን ናብ ጎንደር ኣምሪሖም ተሰዊኦም፡፡ እዚ ብምግባራ ትግራይ ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመት ኣብ ሞቕሕ ዂለመዳይ ህሊናዊን ኣካላዊን  ባርነት ተቖሪና ክትቕፅል ተፈሪዳ፡፡

፫. ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓደ መስፍን ሓቢሩ ዓቕሚ ንከይፈጥር ትግራይ ንተነሓናሕቲ ራእሲታት ብምምቓል ምሻም ድሕሪ ንግስና ሚኒሊክ ከምዝጀመረ ይፍለጥ፡፡ ፋሽሽት ጥልያን ብ1928ዓም ወራር እንተካይድ  መራሒ መቐለ ዝማእኸላ ምብራቕ ትግራዋይ  “ደጃት ጉግሳ ምስ ኣሕዋተይ ንስለ ረብሓ ሽዋ ኢለ ኣይገጥምን” ብዝብል ናብ ኣስመራ ምስክዱ ትግራይ በምልእታ  ኣብ ትሕቲ ራእሲ ስዩም ተጠርኒፉ ከምዝተዋደቐት ይፍለጥ፡፡ ራእሲ ስዩም ኣንፃር ወራር ፋሽሽት ጥልያን እንትገጥሙ ካብታ ንወላዲኦም ዝበልዐት ግንድ’ማ ከም መለኰት ዘምልኽዋ ሸዋዊት ኢትዮጵያ ዝሓገዞም ኣካል ኣይነበረን፡፡ እኳድኣስ ተጋሩ ኣብ ዝባኖም ዝተዳዕነነ ኣርዑት ሽዋዊት ኢትዮጵያ ተዳዕኒኖም ን7 ኣዋርሕ በይኖም ዋጋ ሓረነት ይኸፍሉ ነይሮም፡፡ ብሰሜን ገፅ ኣሕዋቶም ደቂ መረብ ምላሽ ተጋሩ ናይ ጥልያን ከባብያዊ ሓይሊ (ባንዳ ኢንዴጅኖ) ምስ ፀዓዱ (ባንዳ ኮሎኛ) ኮይኖም ኣንፃር ሰራዊት ትግራይ ሰሳቶም ክጣፋኡ ይድለ ነይሩ፡፡ እቶም ክልተ ኣሕዋት ካብ ዓቕሞም ብላዕሊ ብዝኾነ ምኽንያት።

መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ዝኽሪ ብላታ ሃይለማያም ረዳ ብካሳ ሃይለማርያም 2010

ብራእሲ ሙልጌታ ዝምራሕ ሰራዊት ሸዋ ንመቐለውን ከይበፅሐ ኣብ እምባርኣዶም ተወጢሑ የሞዓዱ ነይሩ፡፡ እቲ ኣብ እምባርዓዶም (ሕንጣሎ) ተኾይጡ ክዕዘብ ዝሓገየ ሰራዊት ሸዋ በይኑ ንምውጋእውን ቅሩብ ኣይነበረን፡፡  ሓርበኛ ትግራይ እውን ነቲ ኮፍኢሉ ዝሓገየ ሰራዊት ሸዋ በይዛ (ብቕድሚት መዝሐሊ ዓረር) ንኩኾነሉ ናብ ግምባር ጨለቖት ውፈር ዝብል ትእዛዝ ካብሸዋ እንትመፅእ  ትግራይ ንድሕሪት ገዲፈ ከመይ ኣይፋል ኣይበለን፡፡ እቲምንታሲ ምናባዊ ኣርዑት ባርነት ዘደንዘዞም ኣያታትና ዓደይ ኣውሪረ ዓድማተይ ከውሕስ ኢሎምውን ኣየስተንተኑን፡፡  “ካልመጣችሁ ኢትዮጵያን እንደ ካዳችሁ ይቆጠራል” ዝብል ትእዛዝ ንጉስ ዘባህረሮም ተጋሩ ሒቐኦም ንእምባርዓዶም  ገፆም ንመቐለ ሂቦም ንስለጥቕሚ ሸዋዊት ኢትዮጵያ  ዝገበርዎ (መጋቢት 5-12 1928ዓም) ዂናት ንክልተ መዓልቲ ድሕሪ ምዕዛብ እቶም ሸዋውያን ግን ነታ ተዕዘብቲ ዂናትውን ብቐረባ ክቕፅሉላ ኣይደለዩን፤ ጭረኦም  ዶጒሎም ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናብ ማይጨው ሃደሙ፡፡ ከም ልማዳቶም ምህዳሞም ከይኣክል ዳግም ኣብ ማይጨው’ን ቤዛ ኹኑልና ዝብል መልእኽቲ ናብ ራእሲ ስዩምን ተሓጋገዝቶምን  ለኣኹ፤  ራእሲ ስዩምን ተኸተልተምን ከምልማዶም ምልእቲ ትግራይ ኣረኪበና እነዳመን ክንሐሊ እንከይበሉ ተረመይ ክብሉ ጀመሩ፡፡ በታ ‘ኣፍዝዝ ኣደንግዝ’ ዝኾነት ኣርዑት ባርነት ኢትዮጵዊነት ተጎቲቶም ትግራይ ኣሀጊሩም ከብቅዑ ነታ ብባረነት ሰነኣእምሮ ዝቐየደቶም ኢትዮጵያ ከውሕሱ ኣብ ማይጨው ከይዱም መስዋእቲ ከፊሎም እዮም፡፡

፬. ምዝዛም 2ይ ኵናት ዓለም ስዒቡ ራእሲ ስዩም ድሕሪ ምፍራስ ኮሎኒ ጥልያን  ምብራቕ ኣፍሪካ (Cologna Italiana Africa Orientale) መንግስቲ ትግራይ ትግርኚ ንክምስርቱ ብእንግሊዝ ዝቐረበ ሓሳብ ውድቂ ገይሮም፤ ትማሊ ኣብ ሜዳ ራሕሪሕዎም ንዝኸደ ሓይሊ ሸዋ ተጎምቢሖም ከገልግሉ ኣብ ክንዲ ንግስና ምምራፆም ብሓቂ ይደንፂ እዩ፡፡ ሓደ መስፍን ትግራይ ንስለ ክብሪ ባዕዳን ሸዋውያን ክብሪ እታ መረበቱ ትግራይ ከወፊ እንትመርፅ ክብደት እቲ ኣርዑት ሕሊናዊ ባርነት ትርዳእ፡፡ እቲ መጠን ሰሉብነት ካብቲ ኣብ ዘመን ስሑል ሚካኤል ዝተርኣየ ይገድድ’ዩ፡፡ ስሑል ሓይሊ ሒዙ ግን ቅቡልነት ክብረነገስት (legitimacy) ስኢኑ ክኾን ይኽእል፤ ሰዩም ግን ወዲ ዮሃንስ ክነሱ ቅቡልነት ክብረነገስት (legitimacy) ካብ ነጋሲነት ዘኣግቶ ኣብዘይለሉ  ኩነት ባህርያዊ ስነ ኣእምሯዊ ጊላነቱ ስለዝኣግቶ ንግስና ኣይበሃገን፡፡ (ልዑል ራእሲ መንገሻ ስዩም ቅድሚ 4 ዓመት ንዓይጋ ፎረም ዝሃብዎ ቃለመተይቕ ብዛዕባ ለበዋ እንግሊዝ ተዛሪቦም  ነይሮም )

፭. መራሕቲ ቀዳማይ ወያነውን ስርዓት ኢትዮጵያ ዝፈፀሞም ጠለመታት መሊኡ እንዳፈሰሰ ብእንግሊዝ ዝቐረበ ለበዋ ምስረታ መንግስቲ ትግራይ ትግርኚ  ኣይተቐበሉን፤ ንውህደት ትግራይ ትግርኚ (ኣግኣዝያን) ተቓለሱ ክንሕግዘኩም እንትበሃሉ ኣይሕሰብን ኢሎም ኣቕቢፆም፡፡ ከምውፅኢቱ ካብቲ ምሕዝነቱ ዝተሓሰምዎ  እንግሊዝ ሓዊ ሰማይ፣ ካብ ኣምሓራ ድማ ንትግራዋይ ዕድመ ልክዕ ርእሲ ዘድንን መንድእ መግፋዕቲ ተነዲኦም፡፡ ኣብዝይውን ኣብ ተጋሩ ዝሰረፀ ንኢትዮጵዊነት ከም እምነት ዘምልኽ ስነኣእምሯዊ ባ,ርነት ዘስዐቦ ስልበት ተዘይኮይኑ ካሊእ ኣመክንዮ ኣይገልፆን፡፡ (ገረብ ዓረና ወያነ ዝኽሪ ብላታ ሃይለማያም ረዳ ብካሳ ሃይለማርያም 2010 ለበዋ እንግሊዛውያንን ይገልፅ

፮. ዘንታወ ፅውፅዋይ ኢትዮጵዊነት (mythic Ethiopian narration) ኣብ ወለዶታት ትግራይ ዘስዐቦም በሰላታት ተንቲኑ ትግራይ ብሄራዊ ቃልሲ ክተካይድ ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን ናይ ስሳታት መንእሰይ እግሩ በረኻታት ትግራይ ምስረገፀ ተሰንኪሉ፤ ዘላቒ ብሄራዊ ሓርነት ከምፅእ  ኢሉ ዝወፈረ ዳግማይ ወያነ ‘ውን ነታ ንወለዱ ቖሪና ዝሓዘት ሰነ ኣእመሯዊ ባርነት ክረትዓስ ይትረፍ ክተፋነናውን ኣይከኣለን፡፡ እቶም ካብ ቚፅሪ ፩ እስካብ ቚፅሪ ፭ ዝተዘርዘሩ ክውንነታት መንቀሊኦም እቲ ትውልዲ ሰገር ኣርዑት ሕሊናዊ ባርነት ስለተፅዓኖም እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ እቲ መስለቢ ስነሓሳብ  ምስ እምነት ክርስትና ተላዕቒጡ ዝተኣታተወ ክኾን የኽእል እዩ፤ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ እቲ ልሂቅን መስፍንን ዓሚቕ ፍልጠት ነገረ ሃይማኖት ስለዘይነበሮ እዩ፡፡

መንፈሳዊ ሓርነት ዘረጋገፁ ለሂቃን ተጋሩ ነይሮምዶ?

መልሱ እወ በቢ መዋዐሉ ይሮም እዮም፤

ቅድሚ 600 ሚኢቲ ዓመታት ዝነበሩ ኤዎስታቴሳውያንን ኣሰሮም ድሕሪ ኣስታት ሚኢቲ ዓመት ዝስዓቡ ማሕበር ኣሐዋት እስጢፋኖሳውያን (ማህበረ ኣሃው ዘደቂቀ እስጢፋኖስ) መንፈሳዊ ሓርነት ዘረጋገፁ ነይሮም፡፡

ነታ ክርስትና ኣድቂቖም ዝፈልጥዋ   ኤዎስታቴሳውያንን ማሕበረ ኣሓው ዘደቂቀ እስጢፋኖስን ኣብ ፹ወ፩ዱ (81) ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝተሰረተ ዘይወላወል ፍልጠት እምነቶም ስለዝወነኑ ፅውፅዋይ ኢትያጵዊነት ካብ ክብረነገስት ኣይወረሱን፡፡ ፈላሲ ብጥቕሚ ርስትን ጉልትን ተዓሲቡ ናይ ነገስታት ፕሮፖጋንዲስት ዘገብር ኣሰራርሓ ብምፅራር ርሂፅካን ግዒርካን ብላዕ (“ብላዕ በሃፈ ገፅከ”) ዝብል ኣምላካዊ መምርሒ ኣሰጒሞም፤ ፈላሲ ንኣምላኩ ጥራሕ አምበር ንክልተ ጎቶት ክግዛእ ኣይክእልን ይብሉ፡፡ሰሪሐኻ ብረሃፅካ ምብላዕ፤ ብዓርስኻ ተመርኵዘኻ ንኣመኽካ ጥራሕ ተገዛኢ ምዃን ዓመዲ ስርዓት ምንኵስና እየን፡፡  “እይትከሃሎ ለሰብእ ተቀንዮ ለክልኤ ኣጋእዝት” ቃል ኣባ እስጢፋኖስ  (ስብ ንክልተ ጎቶት ከገልግል ኣይክእልን) ማለት እዩ፡፡

ነቶም ምስ መሳፍንቲ ዝመሓዘዉ ድማ “መኖኵስ ዘይነውእ ኀበ ቤተ መንግስት ወዘይሴሰይ ማእደ ነገስት ወመኳንንት ይትሜሰሎ ለከልብ ዘያስተጋብእ አእጽምተ ወይልሕስ ኣግልእተ እንቲ ትርጎም ናብ እንዳ ነገስታት እንዳተመላለሰ ዝቑልብጥ ፈላሲ ነቲ ካበቲ ናብቲ እንዳፃመወ ኣዕፅምቲ ዝእክብን ኣግልዕቲ እንዳሽተተ ፃባ ዘልሕስን ከልቢ ይመስል ዘብልዩ።* (ደቂቀ እስጢፋኖስና የደብረብርሃን ሸንጎግርማ ኤልያስ ሜጋ ኣሳታሚ 2000 ዓም)

መሰረት ምንቅሰቀቓስ ኤዎስታቴሳውያንን ኣሰሮም ዝሰዓቡ ማህበረ ኣሃው ዘደቂቀ እስጢፋኖስን ባሀጊ መንፈሳዊ ሓረነትን ጥበብን እዩ፤ ነቶም ግብፂ ትልእኾም ዝነበሩ ጳጳሳት ካህን ካብ ምሻም (ordination) ዝሰግር ስልጣን ከይህልዎም ንዖሪታዊ ክብሪታት ኣዂሱማዊት ቤተክርስትን ከይትንከፉን ዘተሓሳስብ ነይሩ፡፡ ክብሪ ዖሪት ተንኪፎም ሰንበት (ቅዳም) ተሳዒራ አሑድ ጥራሕ ትከብር ዝብል ምምርሒ ኣውሪዶም ነይሮም፡፡ እዚ ዘበገሶ መዘዝ መግፋዕቲን ሰደትን ኤዎስታቴሳውያንን ኣስዒቡ፤ እቲ ደጋዊ መግለፂ ፖለቲካ ሰንበት ተመሲሉ ውሽጡ ግን ዛዕባ ልኡላውነት እዩ ነይሩ፡፡

ባህጊ ጥበብ እስጢፋኖሳውያን

ማህበረ ኣሃው ዘደቂቀ እስጢፋኖስ  ብርሃፆም ካብ ምብላዕ ሓሊፎም ኣብ ሃገርና ተወዳዳሪ ዘይብሉ ጥበብ ማሕረስ፣ ምትእትታው ጥበብ  መንኵራኩር (simple machine system or mechanical way of multiplaying force) ወዘተ ኣተኣታትዮም። ኣብ ዕለታዊ ናብረኦም ድማ ናይ ህርኩትነትን ተመራማራይነት ባህሊ ኣማዕቢሎም ነይሮም። በዝይውን ኣብ ኣፃምእን ከውሒ ዝበዝሖ ከባቢታት ቀልቀል ዓፋር ብምዕቡል ጥበብ ዝተሰነየ ግብረ ማሕረስ ብምክያድ ንባዕሎም ኮይኖም ስኡናት ይሕገዙ ነይሮም። ከም ኣባ እዝራ ሞጎሳዊ ዝኣመሰሉ ፈለስቲ ድማ ካብ ሃይማኖታዊ ተወፋይነቶም ብተወሳኺ ብዙሓት ሜካኒካዊ ፈጠራታት ግብራዊ ገይሮም። ካብቶም ዘማዕበልዎም ፈጠራታት ናይ ማይ መጨንጉዒ መዘውርን መንኵራኹር መጥሓንን ይጥቀስ። እቲ ዝገርም እቲ ምህዞታት ቅድሚ ናይ ኣወሮጳ ኢንዳስትርያላዊ ኣብዮት ብክፍለ ዘመን ዝቐደመ ምዃኑ’ዩ። (ካሕሳይ ገብረእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈትምንኵስና በኢትዮጵያ ትብል መፅሓፍ)፣Haile, Getachew, “Ethiopian Monasticism” (2012). HMML Lectures. 5.
https://digitalcommons.csbsju.edu/hmml_lectures/5)

 

ኣንፃር ኤዎስታቴሳውያን ዘቕነዐ  ክብረ ሰንበት ከም መስርሕ ፖለቲካ ትምኪሕቲ

ኣብ ፅራእ ክልተኣውላዕሎ (ግዝኣት እንደርታ) ተወሊዶም፣ ኣብ ገረዓልታ ምስ ኣኩኦም ኣቡነ ዳኒኤል ዘፀራቢ ዘዓበዩ፣ ስርዓተ ምንኵስና ምስፈፀሙ ገዳም ደብረ ቢዘን ዝመስረቱ ቅዱስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ (1273 – 1352) ኣብ 13 ክፍለዘመን ዘንቀልዎ ቤተ ክህነትን ቤተመንግስትን ይነፃፀላ፤ ፈላሲውን ብረሃፁ ይንበር ዝብል ኣስተምህሮ ብዙሕ መግፋዕቲ ኣስዒቡ እዩ፡፡ ኣመላክ ዝሰርዓ ሰንበት ክትሰዓር የብላን ዝብል ቅዋም ብምስጓሞም ከም መናፍቅ ካብ መረበቶም ተሰጒጎም እዮም፡፡ ሰማይ ወምድር ይሓልፍ ወቃልየሰ እይሓልፍ   (ሰማይ መድሪ ይሃለፉ ቃለይ ግን ኣይሓለፍን) ዝብል ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ ዝዝውተር ቃለ ወንጌል በምፅራሕ ኣንፃር ብናይ ኮፕቲክ ቤተክርስትያን ዝመፀ መምርሒ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ንክበሪ እሑድ ኣይልውጥን፤ ናይ ኣምላክ ቃል ዘፍርስ ኣይቅበልን ሰንበት ኣይስዕርን፤ እሑድውን ዝክረትንሳኤ ስለዝኮነት ምስ ሰንበት የኽብራ እየ ብማለቶም ብዙሕ ተጋድሎ ኣሕሊፎም እዮም፡፡ እቶም ወነንቲ ፅውፅዋይ ኢትያዊነት (Ethiopian mythology) ነታ ከም ሕገ መንግስቲ ዘሓስብዋ ክብረነገስትን ወነንቲ መሬት እጬጌታትን ሰዓብቶምን  ኣንፃር ኣቡነ ኤዎስታቴዎስን ሰዓብቶምን ብሰንበት ዝተጎልበበ ፖለቲካ ብምትእትታው መግፋዕቲ ኣብፂሖምሎም እዮም፡፡ ኣቡነ ኤዎስታቴዎስ ናብ ግብፂ ከይዶም ምስ ፓትርያሬክ እስክንድርያ ተላዚቦም፤  በኡኣቢሎም  ናብ ሃገረ ኣርማንያ ኣቕኒዖም፤ ኣብኡ ድማ ሓሊፎም እዮም፡፡(ገድለ ኣናንያ (ደቀ መዝሙር ኣቡነ ኤዎስታቴዎስ) ብ16 ክ/ዘመን ዘተፅሓፈ ከምዝዝንትዎ )

 

ባህጊ ጥበብ እስጢፋኖሳውያን ምስ መግለፂ ኣልቦ መስደመም ባህጊ ማሌሊታውያንን እንትርአ

ንኤዎስታቴሳውያንን ደቂቀ እስጢፋኖስን ኣድላይነት መንፈሳዊ ሓርነት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት በሪህሎም፡፡ ንመራሕቲ ማሌሊት ከመይሉ ተሰዊርዎም፤ ንማሌሊታውያን ናብ ፅውፅዋይ ኢትያጵዊነት (Ethiopian mythology) ዘእተዎም ኩነታት ግን ዘይፍታሕ መስደመም ጥራሕ እዩ ክበሃል ዝኽእል፤ እቲ ወለዶታት ትግራይ ሰንሰን ዘበለ ሕማም ወለንታዊ ባርነት ስርፀቱ ካብ conscious mind ናብ subconscious mind ሰሪፁ ከብቅዕ ኮሚኒስታውያን ኣሕዋትና ከይሓሰብዎ ደመ ነብሳዊ ምልኪ ኢትዮጵያ ከምዘማዕበሉ ዘመላኽት እዩ፡፡

ካብዚ ህሊናዊ ባርነት ሓራ ክንኾን ታይ ንግበር?

ስመብራት ኣርዑት ባርነት ድኽነት፣ ሕማም፣ ድንቁርና፣ ወዘተ ዝኣመሰለ ዙርያ መለሽ ማሕበራዊ ሕሰም ካብ ኮነ መፍትሒኡ ሓርነት ምርግጋፅ እዩ፡፡ ከመይ ንዝብል ፅዋ ልባማት መልሱ ብብዙሕ መንገዲ እዩ፡፡ ካብ “ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ከምዘብሃል ነታ ኣርዑት ባርነት በዓንቀራ ሓኒቕኻ ምሓዝ የድሊ፡፡ ነታ ዓንቀር ድማ ብዘየማትእ ዘለለናያ  ይመስለኒ፡፡ እታ ዓንቀር ኣብታ ክበረነገስት ፅሂፋ/ኣፅሒፋ ናይ ነጋሲነት ፈትሊ ዘርኢ ናብ ይኵኖኣምላክን ወረስቱን ንክኾን ዘደላደለት፤ ንእጨጌታት ኣምሓራ ፈለስቲ ከነሶም ሕገ መነኰሳት ጥሒሶም ወነንቲ መሬትን ምድራዊ ሃብትን ክኾኑ ዝገበረት፤ ከይፍረደካ ኣይትፍረድ ዘብል ቅዱስ ቃል መፅሃፍ ተፃሪራ ዓቃቤ ሰዓት በዝብል ሲመት ንኣበምኔታት ሃይቅ እስጢፋኖስን ደብረ ሊባኖስን ግደ ላዕለዋይ ዳይና ስልጣን ብምሃብ ስርዓተ መነኰሳት (እንጦንስን መቃርስን) ዘፍረሰት፤ ነዚ ቕሉዕ ኢክርስትያናዊ ፋሉልነት ኣብ ዝተቃወሙ ኤዎስታቴሳውን መግፋዕቲን መከራን ዘሰጎመት፤ ንእስጢፋኖሳውያን ድማ ምስ ነገስተ ሸዋ ተዛርያ ዝሓረደት መምሰሊት ቤተ እምነት እያ፡፡ ንሳድማ እታ ብስም ክርስትና እትሽቅጥ መንበረ እጨጌ ዘቤተ ተክለሃማኖት እያ፡፡

እታ ኣነ ባዕለይውን ዝኽተላ ቅድስት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኦረቶዶክስ ምስታ ጉልባብ እመነት ተጎልቢባ ፖለቲካ ሸዋ ተሰጉም መንበረ እጨጌ ተክለሃማኖት ሓደ ኢየን ኢለ ኣይኣምንን።

ነታ ቀላሲት ህሊናዊ ጊላነት መንበረ እጨጌ ተክለሃማኖት  ምዃና ካብ ኣለለናያ ንወፍሪ ሓርነት ታይ ንግበር?

መንበረ እጬጌ ተክለሃማኖት ዝዝውራ ሽዋ ዝመሰረታ ቤተ እምነት ዓንቀር እያ ካብ በልና  ብክሳዳ ንሓዛ፤ መንበረ ሲኖዶስ ናብ ትግራይ ምስሓብ “ክሳድ ከምሓዝ” ትኸውን ማለትዩ፡፡ ነዚ ዝዓግት እቲ ኣብ ህሊና በዙሓት ተጋሩ ሱር ዝሰደደ መንፈስ ጊላነት ተዘይኮይኑ ታሪካዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ሕጋዊ ምኸያት ፈፂሙ ክህሊ ኣይኽእልን፡፡ ምስ ኣብ ማእኸል ኢትዮጵያ ዘላ ቤተክርስትያን ብትምህርተ ሃይማኖት፣ ስርዓተ እምነት፣ ሓባራዊ ትውፊትን ክርስትያናዊ ልማዳትን ሓድነት ሓልያ ርክብ ኣሓት ኣብያተከርስያን ይህልወን፡፡ ከምቲ ቅድሚ 1880ዓም ዝነበረ ናይ እምነት ህፀፅ እንተርእየን ድማ  ኣሓት ትብልውን ትተርፍ’ሞ ከም እኒ ግሪክ ኦረቶዶክስ ኣብ ክርስትያናዊ ሕብረት ጥራሕ ንዛመድ ማለት እዩ፡፡

‘ሕግ ይወፅእ እም ፅዮን’  ዝብል ዂሉ ኣማኒ ክርስትና ብዘይ ሕቶ ዝቐቀበሎ ኣማናዊ ቃል ኣምላክ እዩ፡፡

ናይ ግብፂ (እስክንድርያ) ቤተ ክርስትያን ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝረኸበቶ “እታ ሓዳሽ ቤተ ክርስትያን ኣዂሱም ኣብ ሰበኻ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ትፅናሕ” ዝብል ኣብ ፫፻፳ወ፭ (325)ዓም ውሳነ ፫፻፩ወ፰ (318) ርቱዓነ ሃይማኖት (ናይ ዓለም መራሕቲ ሃይማኖት) ብዙሕ ተበሊፃትሉ’ያ፡፡ እታ ድሕሪ ፲፪፻ው፸ (1270) ዓም ስኒ ኣውፂኣ ፈራዲትን ሓራዲትን ዝኾነት ናይ እጬጌታት ርስቲ ሽዋዊት ቤተከርስትያንውን ክብረነገስት ዝብል ፍልፈሉ ብዕሊ ዘይፍለጥ መፅሓፈ ሕግ ኣምፂኣ ዘርኢ ነጋሲነት ናብ ሽዋ ክውሰን፣ ግእዝ ደኺሙ ብኣምሓርኛ ክተካእ፣ ከም ተስዓቱ ቅዱሳን ዝበሉ ምስ ትግራይ  ዝተኣሳሰሩ ቅዱሳንን ክበሮምን ክሃስስ ብምግባር ዙርያ መለሽ ሽዋዊ መንፈሳዊን ኢኮኖሚያዊን ልዕልና ኣረጋጊፃ፤ ናይቶም ኣብ ላእሊ ካብ 1-6 ዝተዘርዘሩ ወለዶታት ትግራይ ህሊና ብጊላነት ሰሊባውን እያ፡፡ ስለዚ ሐዚውን እታ ሽዋ ዝማእኸላ ኣብ መፅሓፈ ክብረ ነገስት ወለድ ፅውፅዋይ ኢትያጵዊነት (Ethiopian mythology) ተመስሪታ ናይ ተጋሩ ህሊና ብኣርዑት ባርነት ተሞቒሑ ንክቕፅል ብቐፃልነት እንዳሰርሐት ትርከብያ’ሞ ይእኸልኪ ንበላ፡፡ ብዘይ ምንም ስክፍታ ኣዂሱም ዝማእኸሉ ሲኖዶስ ብምጥያስ ተዓፃፀፍቲ ዓወታት ነረጋግፅ፡፡

ረብሓታት ኣዂሱም ዝማእኸሉ ሲኖዶስ

  • ዕብየት ልሳናት ትግራይ (ግእዝን ትግርኛን) ኣብ ቤተክህነት፣ መንግስታዊን ማሕበራዊን ትካላትን ምንቅስቃሳትን ብቐፃልነት  እንዳገወደ ክድምፍዕ ይገብር፤
  • ብናይ ሓሶት ቤላብሎ ዝገነኑ ማእኸላት ንግደት ኣመንቲ ናብተን መንፈሳዊን ታሪካዊን ፀብለልታ ዝውንና ገዳማትን መካነ ቅርስታትን ትግራይ ክመፅእ ብምግባር ረብሓታት ቱሪዝም ነዛይድ
  • ኣብ ደመነብስ መራሕትና ሰሪፁ ብዋጋ ትግራይን ህዝባን በቢመዋዕሉ ከዋገዩን ትግራይና ኣብ ዓንኬል ተፃብኦ ትምኪሕቲ ተሸኺላ ክትቕፅል ዝገበረ መንፈስ ዝንታወ ኢትዮያዊነት ኣብ ኣዂሱማዊት ቤተክርስትያን ንከቕፅል ባይታ ስለዝሰእን መንፈሳዊ ሓርነት ይረጋገፅ፤
  • እቲ ፅልዋ ኣርዑት ህሊናዊ ባርነት ካብ ልዕሊ 95% ትግራዋይ ኣማኒ እታ ቤተክርስያን (በዓል ስልጣን ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ 1987 ዓም ቖፀራ ህዘቢ) ይፉሓቕሞ ፅውፅዋይ ኢትያጵዊነት (Ethiopian mythology) ዝወለዶ ኣርዑት ባርነት ይስበር፤ ትግራይን ህዝባን እውን መንፈሳዊ ሓረነት ብምርግጋፅ መልሲ ናብ ባህጊ ስልጣነ ዓደቦ ምምዕዳው ይጅምሩ፡፡

መንፈሳዊ ሓርነት ብመንፅር ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ረብሓታት

ፅልዋ መስርሕ ፅውፅዋይ ኢትዮጵያዊነት ዝዓዘዘ በሰልኡ ኣብ ቤተከህነት ትግራይ ኣዕሪፉ እዩ፡፡ ክብሪን ዝናን ገዳማት ትግራይ ሃሲሱ ናይ በፃሕቲ ዋሕዚ ብገዳማት ማእኸል ኢትዮጵያ ተመዝሚዙ፤ ክብሪ ተስኣቱ ቅዱሳንን ትግራይ ዝመረበቶም ካልኦት ከም አቡነ ኪሮስ፣ ኤዎስታቴዎስ ዝበሉ ተረሲዖም፤ ተጋሩ ዝኾኑን  መሰረቶም ትግራይ ዝገበሩን ቅዱሳን ደይመደይ ተባሂሉ ክርስዑ ተገይሩ እዩ፡፡ ብኣንፃሩ ናይ ማእኸል ዓዲ ሰባት ዝና ክዓዝዝ ተገይሩ እዩ፡፡ እዚድማ ኣብ ሓድሽ ቅርምት መንፈሳዊ ንግደትን ኢኮኖምያዊ ረብሕኡን ትግራይ ከሲራ’ያ፡፡ ዓይንና እንዳረኣየ ብስራሕቲ ርክብ ሓፋሽ ዝሸደና ከም ቁልቢ፣ ግሸን፣ ገዳማት ጣና ወዘተርፈ  ልዕሊ መንበረ ፅላተ ሙሴ ዘኾነት ኣዂሱም ካብ ቱሪዝም ይርበሓ፤ ልዕሊ ሽሕ ኣመታት ዘቝፀሩ ገዳማት ተስኣቱ ቅዱሳን፣ በቶም ዳሕረዎት ገዳማት ብዋሕዚ ቱሪስት ተበሊፆዮም፡፡ ብዝኸፍአ መልክኡድማ ከም ማህበረ ቅዱሳን ዝበሉ ፖለቲካዊ ጥርናፈታት ርኡይ ዂለመዳይ ዕንወት እንዳብፅሑ እዮም

 

ፅዕንቶ ኣርዑት ህሊናዊ ባርነትን ኣብ ስደት ዘንብር ህዘብናን

ተጋሩ ንእምነቶም ዘለዎም ፍሉይ ተወፋይነትን ሕያዋይነትን መሰረት ገይረን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተደኮና ኣብያተክርስትያን ስውአን ብጡጠንከምዝበሃል ፍለፍል ፋይናንስ ኢሳትን መሰል ውዳበታት ትምኪሕቲ ከምዝኾና ንኹሉ ግልፂዩ፡፡ መሰረት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ምዕራብ ንፍቀ ክበብ (western hemisphere) ብኣቦና ኤጲስቆጶስ ላእከማርያም (ኣቡነ ይሰሃቅ) ተጀሚሩ፤ ኣብ እዋን ስደት ኣቡነ ጳውሎስውን ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን መስሪቶም እዮም፡፡ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ግን ተጋሩ ገንዘቦም ወፊም ካብዘቆምወን ኣብያተ ክርስትያን ብተደጋጋሚ ተሰጒጎም፡፡ ታይ ክግበር! እታ ፅውፅዋይ ኢትያጵዊነት (Ethiopian mythology) ስርሓ ስለዘይትገድፍ ንክልተ ሰለስተ ትግርኛ ዘይከእሉ ተባሂሉ ወይድማ ኣምሓርኛ ከም ግድነት ትሓሲቡ ናይ ኣገልግሎት ቋንቋ ትሓሲቡ ንኣገልግሎት ይውዕል፡፡ ደቂ ተጋሩ በዘይካ ትግርኛን ኢንግሊሽን ዘይሰምዑ ክነሶም ብኣምሓረኛ ይግልገሉ፤ መራሕቲ ትግራይ ብዋጋ ትግራይ ማእኸል ኢትዮጵያ እንተልምዑ እቶም ተጋሩ ዲያስፖራ ምርጫ 1997 ዓም ስዒቡ ከካብ ዝደኮንዎን ኣብያተክርስትያን ብመግፋዕቲ ኣምሓሩ ተሰጒጎም’ዮም፡፡ እታ መንፈሳዊ ጊላነት ብቐሊል ስለዘየተፉሓቕ ሓዳሽ ቤተክርስትያን ኣጣይሶም መሊሶም ብኣምሓርኛ ይግልገሉ፤ ዳግም ይዕብለሉ፡፡ ኣምሓርኛ ዘይመልኩ ደቂ ተጋሩን ዓበይቲን ኣብግምት ኣይኣትዉን፡፡ እቲ ዘሐዝን ግን  ስውአን ብጡጠን ከምዝብሃል ብወፈያ ተጋሩ ዝቖማ ኣብያተክርስያን ፍልፍል እቶት ትመኪሕቲ ምዃነን’ዩ::

  • ነቲ ንእምነት ብዘለዎ ተወፋይነት ጥሪቱ ዝምዝመዝ ዲያስፖራ ትግራይ ኣዂሱም ዝማእኸሉ ሲኖዶስ እነትምስረት ደቁ ብልሳኖም ይስበኹ፤ ወፈይኡውን መንፈሳዊ ፈረ የፍሪ፡፡

 

ምልሰት ሲኖዶስ ናብ ኣዂሱም ንምንታይ ንዝብል ዝተደናገረ ምእመን ሕቶኡ ብዝስዕባ ሕቶታት ንመልስ

ፅውፅዋይ ኢትያጵዊነት (Ethiopian mythology) ዘደንዘዞ ሰብ ነቲ ፅውፅዋይ ስዒቡ ክሳደይ ንኻራ ክህብ እምበር ̏ካብ “የእመቤታችን ኣስራት ምድር” ዝፈልየኒ የለን ዝብል ድንግል ማርያም ምስ ሽዋዊት ቤተክርስትያን ዘተኣሳስስር ሰብ ብዙሕ እዩ፡፡ ኣሽንኳይ እቲ ኣብ እምነት ዘሎ ሰብ መራሕቲ ዳግማይ ወያነውን subconsciously ተዓሲቦም መዝሙር ኢትዮጵያ ወይሞት እንትዝምሩ ንዕዘብ ኢና’ሞ ዝደንዘዘ ሰብ ምስትረኽቡ ዝስዕባ ሕቶታት ኣቕርብሉ!

  • ንምንታይ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ቤተ ክርሰትያን ኩሎም መልዐሊኦምን መተርጎሚኦምን ገዳማተ ትግራይ ኮይነን ንምንታይከ እተን መንፈሰ እግዚኣብሔር ዝዓረፈን “ቅዱሳት መካናት” ዝብልወን ናይ ተክለሃይማኖታውያን ኣድባርን ገዳማትን ነዚ ዘይተዓደላ?
  • ፱ቱ ቅዱሳን ንምንታይ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ገዳማት ገዲሞምን ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምሂሮምን?
  • እቶም ጥንታውያን መፃሕፈቲ ኹሎም አብ ትግራይ ጥራሕ ንምንታይ ተወሲኖም ይርከቡ?
  • ፀዋትወ ዜማ ምስ ስርዓተ ማኅሌት ብያሬድ ንምንታይ ኣብ ትግራይ ተደሪሱ?
  • ንምንታይ ዳርጋ ኩሎም መፃሕፍቲ ስርዓተ ቤተክርስትያን አብ ትግራይ ፈለፊሎም ናብ ካልኦትውን ድሒሮም በፂሖም?
  • ንምንታይ ደበረ በንኰል ዘኣኵሱም፣ ደብረ ኣባይ ዘሽረ፣ደብረ ሃሌ ሉያ ( ደብረ ዳሞ)፣ ማህበረ ቦኵር ዘእንዳመኾኒ፣ ማህበረ ዴጎ፣ደብረ ቢዘን ዘሰራየ፣ ደብረ ዓሳ ወእንዳባ እጨጌ ዘተምቤን፣ ገዳመ አንዳባ ገሪማ ዘመደራ ፣ መዝባዕ፣ ማረያም ቆረቆር ዘገረዓልታ፣ ዮሃንስ ከማ፣ እንዳባዮሃኒ ወዘተ መሰረት ካልኦት ገዳማት ሃገርናን ስርዓተ ቤተ ክርሰቲያንን ኮይኖም?
  • ንምንታን ኣብዝሓ ባህታዊያንን ቅዱሳት ነገስትን ሃገርና መበቆሎም ትግራይ ምድረ ኣግኣዚ ኮይና?
  • ንምንታይ ዋላ ኣብቶም ዓበይቲ ኣድባራት ጎንደር ዝነበሩን ዘለውን ብሉፃት ተምሃሮን መማህራንን ተጋሩ ኮይኖም?
  • ንምንታይ ገዳማተ ጎንደር፣ ሸዋ፣ ጎጃም “ፀጋ”፣“ቅብኣት” ብዝብል ሃይማኖታዊ ምንፅፃል እንትሕመሱ ኤዎስታቴሳውያን ገዳማተ ትግራይ በዘይ ምንም ናይ እምነት ህፀፅ ነቲ ካብ እኒ ኣባ ሰላማ ዝተቐበለዎ ምስ ምምፃእ ፱ቱ ቅዱሳን ዘጠናኸርዎ ሃዋርያዊ እምነት ዓቂቦምን ኣብ ቦርሜዳ ተኻቲዖም ብምስዓር ዳገም ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ንክዕምብብ ኣኽኢለምዎ?

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *