Home / መፅሄት-ዉራይና / መፃኢ ዕድል ትግራይ ናበይ?

መፃኢ ዕድል ትግራይ ናበይ?

ጌታቸው ኣረጋዊ

መእተዊ

ካብ መፈጠር ሰብ ጀሚሩ ሰብ ክነብረሉ ዝጀመረ እዩ ትግራይ ማለት። ብኽልቲኡ እምነትን ቅቡልነትን ናይ ሰብ ኣፈጥጥራ (ስነ-ፍጥረትን ስነ-ፍልቀትን) እቲ ዘሎ ታሪኽ እዚ ሓቂ እዙይ እዩ ዝነግረና። እሞ ሰብ ንኣሽሓት ዘበናት ኣብዝነበረሉ ናብርኡ ንምምሕያሽን ሂወቱ ንምንባርን ምስ ተፈጥሮን ምስ ባዕሉን ኣብ ዝገብሮ ግድል ዝተፈላልዩ ምህዞን ጥበብን ተጠቒሙ ስልጣነታት እንተርኢ እዚ ናትና እውን ኣብታ ቅሚት ነይሩ። ኩለመዳያዊ ሕብረተሰባዊ ስልጣነን ስነ መንግስትን ወኒኑ ብንግድን ብዲፕሎማሲን ካልኦት ኣገባባትን ምስ ዓለም እንትራኸብ ምስ ኣሰፋፍርኡ ተኣሳስሩ (ቀይሕ ባሕሪ) ክኾን ዝኽእል ካብ ጎንፅን ፈተናታትን ዳርጋ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ምባል ይከኣል።

ተጋሪ ከም ተጋሩ መጠን ፈተናታት ካብ ክልተ ኣንፈት እዩ ዝመፆም ነይሩ። ሓደ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ካልኦት ናይ ሃፍተገነት ጥቕምታትን ተኣሳሲሩ ካብ ደገ ዝመፅእ ፈተናታት እንትኾን ካልኣይ ድማ ካብ ውሽጢ ካብታ ኢትዮጵያ እትብሃል ዓዲ ዝመፅእ እዩ። እዚኦም ንዘበናት በብግዚኡ መልክዖም እናተቐያየሩ እንትመፅዎ ንምምካት ዝገበሮ ናይ ዘመናት ገድሊ ታሪኽ ዝሰነዶ እዩ። ሐዚ ኮይና እንትንፍትሾ እቲ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ (ኩሎም ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ) ንታ ኢትዮጵያ እትበሃል ዓዲ ብምልእታ ክብራ፣ ድሕንነታ፣ ላዕላውነታን ረብሓኣን ንምሕላው እዩ። ኣብ ቀረባ ዝተገበረ ገድሊ እኳ ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ስርዓት ንምልዋጥን ብልፅግና ኣምፂእኻ ህዝቢ ተጠቃሚ ንምግባርን እምበር ናይ ትግራይ ዝብሃል ብፍሉይ ክሪኦን ከውሕሶን ኣይሓሰበን፥ እዙይ ምናልባት ናይ ባዕሉ ቅቡል ምኽንያታት ይነብሮ እዩ፥ ሐዚ ግን እዙይ ክፍተሸሉ ዝግባእ ኩነታት መፂኡ እኒሀ።

እቶም ካብ ደገ ዝመፁ ተፃብኦታት ዋላ እኳ እቲ ለጋሲኦም (ትሩፋቶም) ሐዚ እውን ኣብ ህልውና ትግራይ ተፃብኦ ዘለዎ ክፍታሕ ዝግበኦ እንተኾነ ድሕሪ ሐዚ ግን ካብ ደገ ዝመፅእ ኣብ ህልውና ተጋሩን ትግራይን ሓደጋ ክኾን ዝኽእል ነገር ዝህሉ ኮይኑ ኣይረአን።

ስለዚ እቲ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይመፅእ ነይሩ ዝበልናዮ እዩ ክፍተሽ ዘለዎ። ኣብ ታሪኽ ከመይ እዩ ነይሩ? ክፍተሽ ኣለዎ፥ ሐዚ እንታይ እዩ ዝመስል? ክፍተሽ ኣለዎ፥ ብቐፃሊ ብዘላቕነት ከመይ ይፍታሕ ክቕመጥ ኣለዎ። ዝኾነ ህዝቢ ወይ ዓዲ ምስ ኣብ ቀረብኡ ዘሎ ይኹን ኣብ ርሑቅ ዘሎ ናይ ጥቕሚ ጎንፂ ከጋጥሞ ንቡር እምበር ነውሪ ኣይኮነን። ነገር ግን እቲ ጎንፂ ናይ ህልውናን ድሕንነትን ክኸውን እሞ ብተደጋጋሚ ኣይግበኦን። ናይ ህልውና ሕቶ ዘምፅእ ነገር ንሓንሳዕን ንሓዋሩን እዩ ክዕፆ ዝግባእ፥ መልዕ ክሕዝ ዝግባእ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይን ተጋሩን ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ካብ ውሽጢ ዓዲ ናይ ህልውና ሕቶ ይገጥመና ስለ ዘሎ መፃኢ ዕድልና ከመይ ይኹን? ዝብል ንፈትሾን መፍትሒ ንግበረሉን ዝብል እዩ።

ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ኩንታት እንታይ እዩ ዝመስል ዘሎ ብሓቂ ድዩ ናብ ስግኣት ዘእቱ? ብስሩ ናይ ህልውና ሕቶ ድዩ ዝኒሀ? እሞ ብዘላቕነት መትሒ ንምቕማጥ እንታይ መማረፅታት እዮም ዝቐርቡ ዝለዉ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ኣብዚ ፅሑፍ ቅሩብ ነጥብታት ክነልዕል ኢና። ብዋናነት ግን እዙይ ብዓሚቑን ሰፊሕን ምይይጣትን ምርምራትን ዝፍታሕ ስለ ዝኾነ ሕቶታት እናልዐልና ክሓልፎ ኢና።

  • ዘለናሉ ሃገራዊ ኩነታት ብሓፂሩ

እዚ ዝንሀናሉ ኩነታት ከም ሃገር ኣብ መፍርሒ ክብሃል ዝኽእል ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣለና ኢልካ ክግለፅ ይኽእል። ብጣዕሚ ዝተሓላለኸን ተኣፋፍን እዩ ዝኒሀ። ስፊሕ ናይ ዜጋታት ምፍንቓልን ሞትን ስርዓት ኣልቦነትን ዝርኣየሉ ዘሎ እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጡፍ ተሳታፋይ ብዓል ሃፍቲ ኣብርሃም ኣሰፋ ንዚ ዘለናሉ መድረኽ እንትገልፆ “እቲ ዘለናዮ መድረኽ፣ ብዝተፈላለዩ ሙሁራት ከምዝተገለፀ፣ ግልፂ ዝኾነ ፍኖተ ካርታ (Road map) ክሕንፀፀሉ ስለዘይካኣለ እዚ እዩ ኢልካ ንምግላፅ የፀግመለይ እዩ። “ሽግግር” ዝብል መፀውዒ እቲ ዝሸጋገረሉ መሰረት እንታይ ምዃኑ፣ ናበይ ከምዝሻገር ክፍለጥ ኣይከኣለን። የግዳስ፣ ነቲ ሕገ መንግስቲ እውን ሽላ ብምባሉ፣ ድንግርግርን ስግኣትን ዝወሓጦ መድረኽ ምባል ይከኣል።” ይብሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ሕፁይ ዶ/ር ሓዱሽ ተስፋ ድማ ንዚ ህልዊ ኩነታት እዛ ሃገር “እዚ ሓድሽ መድረኽ ዘበን ሰንፈላል/ዕንይንይ ኢለ ይገልፆ፣ ንምንታይ ኩሎም ሓይልታት ንፁር ዝኾነ ዕላማን መፈፀሚ ስልትን ከይሓዙ ኣብ ምጥምማትን ምፍትታሽን ዘለዉሉን ኣብ ጊዘን ኩነትታትን ዝፈጠሮም ቅንጥብጣብ ኣጀንዳታት ተፀሚዶም ኣብ ዉዲት ምጥልላፍ ዝጠሓልሉን ስለዝኾነ።” ኢሉ ይገልፆ።

በዚ ኣካይዳ ሃገርን መንግስትን እንተቐፂሎም ሓፂር ኣብ ዝባሃል ጊዜ ዉሽጢ ዓዲ ናብ መምለሲ ዘይብሉ ናይ ምብትታን ሓደጋ፤ ህዝብታት ኢትዮዽያ ድማ ናብ ማእለያ ዘይብሉ ህልቀት ዘይኣትወሉ ምኽንያት ኣይህሉን። እዚ ዝኒሀ ሓደጋታትን ፈተናታትን መንቀሊኡ ብመሰረቱ ካብ ባህሪ እቱ ናብ ስልጣን ደይቡ ዘሎ ጉጅለን ንሱ ዝኣከቦም ኣጫፈርቱን ዝፍልፍል ናብ ህልም ዝበለ ናይ ድሕረት ጭቃ ብምእታዉ ዝመፅአ ዘሎ ምኻኑ ግልፂ እዩ። ባሕሪ እዚ ሓይሊ ምልላይ ድማ ንመፍትሒ ምንዳይ ውን ስለ ዝጠቅም ኣብ ባህሪን መንነትን እቲ ሓይሊ ቅሩብ ምዝርዛር ከድሊ እዩ።

ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንህዝብን ሕግን ዝፈርሕን ዘኽብርን ኣይኮነን፡፡ ብኣንጻሩ ንልኡላውነት ህዝብን ሕግን ብርእዮ ዝጥሕስ፣ ዝኾነ ናይ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣንፈት ዘይብሉ፣ ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወፅአ፣ መትከልን ህዝባውነትን ዝበሃል ኣስር ጨና ዘይብሉ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ስልጣን ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ክረክብ ኣለኒ ኢሉ ካብ ብጓሓቱ ተሊሙ ዝተንቀሳቐሰን ዘሎን ዘየሎን ምስምሳት እናቕረበ ንቡዝሓት ንምድንጋር ዝከኣሎ ገሩ ለይትን ቀትርን ዝሰረሐ ጉጅለ እዩ። እዚ ፅግዕተኛ ሓይሊ ‘ዚ ንስልጣን ክባሃል ዝኾነ ይኹን ሁከትን ዕግርግርን ብድራማ መልክዕ እናዓጎደ ብዘየድሊ ናይ ንፁሃት ዜጋታት መስዋእቲ ከይተረፈ ዕላምኡ ካብ ምፍፃም ንድሕሪት ዘይብል ሓይሊ ‘ዩ። እዚ ሓይሊ ንህውከትን ዕግርግርን ከም መሳርሒ ካም ብጥቃም ንድሕሪት ዘይብል ምዃኑ ቅድሚ ናብ ስልጣን ምድያቡ ዝተጠቐመሉ ሜላ፣ ድሕሪ ስልጣን ምሓዝ ‘ዉን ብተመሳሰሊ መገዲ ናይ ምኻድ ቅሉዕ ድሌት ዘለዎ ምዃኑ እዩ እቲ ሓደገኛ ባህሪይ ‘ኡ።

ካሊእ መሰረታዊ መለለይ እቲ ጉጅለ ቅሉዕ  ናይ ህዝበኝነት መዝሙር ዝዝምርን ህዝቢ ኣብ ስራሕን ፃዕርን ተመስሪቱ ክንዲ ምንቅስቓስ ብባዶ ተስፋን ተዃሳሓይ ጭሮሖን ኣቢሉ ብምልዕዓል ኣብ ድሑር ኣከያይድኡ ሕቶ ከልዕሉ ንዝኽእሉ ወገናት “ፀረ ለዉጢ” ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ፀግዒ ንክትሕዙ ዝከኣሎ ዝገብር ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ምስ ‘ዙይ ዝተሓሓዝ ካሊእ መለለይ፣ ንምርድኦም ዘፀግሙ ሓፈሻዊ መፅብዓታት እንደኣተኻ ንኹሉ ፈታዉን ፀላእን ወገን “ክንድመር” ብዝብል መዳናገሪ ዝተፈለየ ሓሳብ ከይልዓልን ኣብ ናይ ርካሽ ተፈታዉነት ግመ ተኸዊሉ መዕነዊ ኣጀንድኡ ካብ ምስጓም ዓዲ ዘይዉዕል ሓይሊ ምዃኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ዴማጎግ ስለ ዝኾነ፣ ሳይኮፓት(ወፈፌ) ናይ ዝብሃል ስብእና ዘለዎም ስለ ዝኾነ ቐንዲ ተግባሩ ሚድያ ምቁፅጻርን ብኡ ኣቢልካ እቲ ክትሃንፆ ትደሊ ምስልኻ ንምህናፅ፣ ብቲ ሚድያ ዕግርግር ውን ከስዕብ ዝኽእል ናይ ህዝብታት ኣፈላላይ ክፈጥር ዝኽእል ፍብረኻታት ምቅላሕ ኣዩ።

ስሙ ክፅራሕ ዘይፈቐደ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓት ከምዚኣ ገይሩ ይገልፆ “እዚ ጉጅለ ‘ዙይ ብተግባር ካብ ዘርአዮም ባህርይታት እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ድማ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይኣምን፣ ዉስነታት ዉድብን መንግስትን በቢ ዝወፈረሉ ሃደሽደሽ ዘብልን ሓይሊ ምዃኑ ‘ዩ። ሃገራዊ ኩነታት ዝግምገመሎም መድረኻት ኣይካየዱን፣ ንዝኾነ ጉዳይ ግዝያዊ ኮሚቴታት እናዳጣየሽካ ኮሚቴታት ምፍልፋል እሞ ትካላውነት ምፍራስ፣ ናይ መንግስቲ ስልጣን ተጠቒምካ ንድሕረት ንምምላሶም ዘፅግሙ ዉሳነታት – መብዛሕቲኦም ድማ ፀረ – ሕገመንግስቲ ዝኾኑ – እናወሰነ ዝዉዕል፣ ስልጣኑ ተጠቒሙ ዉዱእ ዝኾነ  (fait accompli) ኩነታት ብምፍጣር ናይ ገለ ክፋላት ህብረተሰብ ስምዒት ዝደርዝ መዕነዊ ዉሳነታት እናሃበ ንምንቃፍ ዘፀግም ኩነታት ዝፈጥር ሓይሊ ‘ዩ። ዝድለይ ዉሳነታት ምስ ኣሕለፈን ሕጋዊ ስርዓት ሃደሽደሽ ምስበለን ፓርላማን ካቢኔን ጠምዚዙ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ዉሳነታት ሕጋዊ ልባሰ ንክህልዎም ዝገብር ኣካይዳ (backw and mapping) ዝኽተል ሓይሊ ‘ዩ። እዚ ኣካይዳ ‘ዙይ ምስቲ ህዝበኛ ቑመንኡ ተወሲኽዎ ሓፂር ኣብ ዝባሃል እዋን ናይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ጨና እናጠፈአ ናብ ህልም ዝበለ ፉሽሰታዊ ኣመራርሓ ዘይቕየረሉ ምኽንያት ኣይሁሉን። ክሳብ ሐዚ ብስፍሓት ዝረአናዮ ናይ ዉልቀ ሰባትስብእና ናይ ምቕራፅ (personality cult) ኣካይዳ ‘ዉን ነዚ ዝሕግዝ ‘ዩ ዝኸዉን።” ኢሉ ስግኣቱ የቕምጥ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ባህሪን መንነትን ዘለዎ ሓይሊ ንስልጣኑ ክብል ዘይገብሮ ነገር ስለ ዘየለ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኣመፃፅእኡ ጀሚሩ “ልዕልነት ትግራይ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ ዝመፀን ምስ እዚ ጭርሖ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ተሰኪሞም ዝዝምሩ ዝነበሩ ስዑራት ጉጀለታት ተመሓዝዩ ስለ ዘሎን ኣብ ትግራይን ተጋሩን ከብፅሖ ዝኽእል (ብተግባር ውን እናብፀሖ ዝመፀ)፡ ግድን ምእማትን ዓቕሚ ምምካት ምህናፅን ዝጠልብ እዩ።

ኣብዚ ህልው ኩነታት እዚ ካሊእ ክርአ ዝግበኦ ዋና ጉዳይ ኣብ ሞንጎ ናይ ብዙሓን/ሕብረ-ብሄራውያን ሓይልታትን ናይ ኣሃዳውያን ሓይልታትን ዘሎ መሰረታዊ ጎንጺ እዩ። እዙይ ኣብ ህልውና እታ ሃገር ወሳኒ ታራ ዘለዎ ኣፍጢጡ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ሞንጎ እቶም ብቑፅሪ ብዙሓት ስለ ዝኾና ንሕና ዓብላልነት ክህልወና ኣለዎ ዝብል እምነት ዘሰጉሙ ዘለዉ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ሊሂቃን ዝፍጠር ዘሎ ርኡይ ምስሕሓብ እዩ። እዚ ምስሕሃብ እዙይ ከም ቀሊል ስቕ ኢልካ ስልጣን ናይ ምቁፅጻር/ምዕብላል ወይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለካ ዋንነትን ልዕልነትን ምርግጋፅ ጥራሕ ክርአ ዘለዎ ኣይኮነን፥ እቲ ጉዳይ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ተረኽን ንኢትዮጵያ ብናይ ባዕልኻ ተረኽ ናይ ምቕራፅን ምውናንን ጉዳይ እውን እዩ። ተመራማሪ ታሪኽ ሕፁይ ዶ/ር ሳሙኤል ኪዳነ ንዙይ እንትገልፆ እቲ ሐዚ ናብ ስለልጣን መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ናይ ባዕሉ ታሪኻዊ ንግርት ዘለዎ እዩ። ኦሮማራ ኩሻውያን ኢና ናይ 5 ሽሕ ዓመታት ታሪኽ እዩ ዘለና፤ ሴማውያን ናይ 3 ሽሕ ዓመታት ታሪኽ እዩ ዘለዎም እናበለ ታሪኽ ኣብ ምምንጣል እውን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ሕዚ መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ኩሻውያን ኢና እንትብል ከጥፈአና እውን እዩ ይብገስ ዘሎ። “ዘኹርዕ እምበር ዘሕፍር ታሪኽ የብናን” እንትበሃል ታሪኽና ንሓዞ ንምባል እዩ። ንህላወናና እንትበሃል ማለት እዩ፡፡” እዩ ዝብሎ። እዙይ ከም ተጋሩ ብጣዕሚ ሰለ ዘገድሸና ምስ ናይ ባዕልና ተረኽን ረብሓን ዋላ እውን ህልውና ኣተኣሳሲርና ክንፍትሾ ይግባእ (ኣብዚ ፅሑፍ ክተናኽፎ እየ)።

  • ከም ተጋሩ ሐዚ ዘለና መድረኻዊ (ቅድሚያ ንህቦ) ሕቶ እንታይ እዩ?

ኣብዚ እዋን ዘለና ቅድምያ እንህቦን ኩላትና ንስማዕመዐሉን ሕቶ ናይ ህልውናን ድሕንነትን ሕቶ እዩ። መሪሕ ውድብ ህወሓት ውን ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ‘ኩሎም ስራሕትና ብቕኒት ምርግጋፅ ድሕንነትና ህላውናን ይፍፀሙ’ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሒዙ ኣሎ።  ናይ ህልውናን ድሕነነትን ሕቶ ንሓደ ህዝቢ እንታይ ማለት እዩ? ካብ መን ከ እዩ እቲ ስግኣት ዝመፅእ? ብኸመይ ከ ይምከት? ዝብሉ ኸኣ ንማየጠሎም፥ ቅሩብ መበገሲ ንምምላስ ክፍትን እየ።

ስግኣት ህልውናን ድሕንነትን ሓደ ህዝቢ/ዓዲ እንታይ ማለት እዩ?

ናይ ህልውና ድሕንነትን ስግኣት ሓደ ህዝቢ ማለት ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ናይቲ ክበፅሑ ዝኽእሉ ጥቕዓታት እንትህልዉ ወይ ኣለው ተባሂሎም እንትግመቱ እዩ። እቲ ጥቖዓት ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢልካ ክኽፈል ዝኽእል ኮይኑ ናይ ፀጥታዊ(ወታደራዊ)፣ ኣካላዊ (ሰብካን መሬትካን)፣ ኣርማዊ/ሲምቦሊክ ወይ ምልክታዊ (መንነት) መጥቃዕቲ እዩ። ህልውና ሓደ ህዝቢ ብቐጥታ ከም ሰብ ኣብ ኣካሉን ሂወቱን ከም ዓዲ ኣብ መሬቱን ሃፍቱን ዝበፅሖ መጥቃዕቲ ጥራይ ዘይውኮነስ መንነቱ፣ ባህሉ፣ መግለፂኡ፣ ዝኾርዕሉ ኣነነቱ ወዘተ ኣጥፊእኻ ናብ ካሊእ ዘይፍልጥ ናይ ምልዋጥ ውን እዩ “ the survival of a group of people is not only defined by their physical existence but also by their ability to maintain their identity, their sense of self, …. When culture, symbol, and beliefs are threatened the society my transform might transform another unrecognized entity.” Altemeyer, 1988.

እቶም መሰርታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዮም? ሓዱሽ ጥቕልል ብዝበለ እንተገልፆ ስትራተጂክ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ክዓሞም ዝደሊ፣ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ብምኽፋል ከዐዉቶም ዝቃለስ፣ ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየውርዶምን ዘይዋገየሎምን  ኣብ ዉሽጡ ከዓ ኣብዝሓ ትግራዋይ ከዕስሉ ዝኽእሉን ተምሳሳሊ ባህርያት ዘለዎምን ዘካተተ እዩ።” ይብሎ። “The meaning of national interest is survival—the protection of physical, political and cultural identity against encroachments by others …..”—Morgenthau.

ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወታደራዊ ወራር ብምክያድ፣ መሬትካ ብምቑራስ ክካየድ ይኽእል፥ ቁጠባዊ መጥቃዕቲ ብግልፂ ኣድልዎ ብምፍፃምን ብስውር ሽጣራታት ብምጣርን ዝግበኣአካ ከይትረክብን ዝሓዝካዮ እትስእነሉን ተግባር ክህሉ ይኽእል፥ ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ ድማ ኣብ ኩሎም ውሳነታት ናይ ምውሳን ዕድልካ ብምኽላእ ክህልወካ ዝግበኦ ማዕርነታዊ ናይ ምውሳን ስልታን ናይ ምሓዝን መሰል ምኽልካል፣ ሕጊ ከለላ ገይርካ ብፖለቲካዊ ውሳነታት ናይ ካሊእ መጥቃዕቲ ንምእታው ዘኽእሉ ኣንፈታት ምምዕርራይ ወዘተ ክህሉ ይኽእል፡ ጅማሮታት ውን ኣሎ። ማህበራዊ፣ መንነታዊን ስነልቦናውን መጥቃዕቲ ብቡዝሕ ኣገባብ እዩ ክካየድ ዝኽእል፥ እቲ ዋና ብናይ ስነልቦናዊ ኩናት እዩ ክኾን ዝኽእል ከምቲ ንሪኦ ዘልለና እውን። እዙይ ብጣዕሚ ክስርሐሉ ዝኽእል እናተሰርሐሉ ውን ዝመፀ እዩ። ስነ ልቦናዊ ኩናት ማለት Psychological warfare is …. Concept uses actions intended to reduce an opponent’s morale or mental well being, The aim is to use manipulative tactics to intimidate or persuade a person or people. This process is usually employed through propaganda, ideas or statements that are false or exaggerated and is deliberately spread to influence the masses. … is to intentionally use propaganda to manipulate another and break down their will without using physical force.” Jennifer Carnevale.

እዚ  “የትግራይ የበላይነት” ብዝብል ጭርሖ ኣናተመርሐ ኣንፃር ትግራይ ዝህንደድ ሓይሊ ክሳብ ሎሚ ብዚ ሜላ ኣብ ልዕለይና ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ስፍርን ቁፅሪን የብሉን። ኣብርሃም ኣሕፅር ኣቢሉ እንትገልፆ “እዚ ‘ለውጢ’ ቅድም ቀዳድም ብህወሓት ሰበብ ገይሩ ንተጋሩ፣ ታሪክ ዘይርሶዖ (ዋላ ንሕና ከም ኣመልና ተረሳዕናዮ) ዙርያ መለሽን መስካሕክሒ ፀለመን ክሕደትን እዩ ፈፂሙ። ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ዘበናዊ ዓለም ዝፅልኡ ባህሪታት ስርቂ፣ ግዕዝይና፣ ኣረመንያዊ ጭካነ፣ ግብረሰዶማውነት ዝፍፅሙ ኣራዊት ገይሩ እዩ ስኢሉና። እቲ ዝተዘርአ ፅልእን ዘመተን ዳርጋ ናብ ፃውዒት ዘርኢ ምፅናት ክባሃል ዝኽእል፣ ኣብ ዝሃነፁዎን ዝተሰውኡሉን ዓዲ ከም ጓና ክረአዩን ዝገበረ እዩ።” ይብሎ።

ህዝቢ ትግራይ ብናይ ነዊሕ ቃልሱ በብመድረኹ እናሰዓሮም ዝመፀ ተኣኽኺቦም ምስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊን ምስ ካልኦት ናይ ወፃኢ ተፃባእትን ተሓባቢሮም ብዝኻእልዎ ከጥፍእዎ ካብ ምፅዓር ንድሕሪት ኣይብሉን ብዝብል ካብቲ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ተግባሮምን ብምብጋስ እዩ ናይ ህልውና ሕቶ ቅቡልን ምኽንያታዊን ሕቶ ዝኸውን። ኣብዚ እዋን ቅሩብ ዝረኣዩ ለውጢታት እኳ እንተሃለዉ ካብ ባህሪ እቲ ሓይሊ ተበጊስካ ግን ኣይገብሮን ዝብሃል ስለ ዘየለ ኩሉ ግዘ ንምምካት ምድላው ክህሉ ኣለዎ።

እዚ ናይ ህልዉና ሕቶ ንዓይ ከም ዝመሰለኒ ካብቶም ተፃባእትና ዝሕነይልና ዘለዉ ዝመፅእን ንዕኦም ምስ መከትና እውን ጠጠው ዝብልን ኣይመስለን። ናይ ተጋሩ ሕቶ ህልውና ዋላ ኢትዮጵያ ሰላም ኮይና ብዝተረጋግአ መንገዲ እንተኸደት እውን ኣብ ህልውናና ሓደጋ ይረኣየኒ እዩ። እዙይ ጋና ብዙሕ ምምርማር ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ስቕ ኢልካ እንትርአ ግን ሓደ፡ ኢትዮጵያ ብዴሞግራፊ ብኸይዲ ክትውሕጠና ትኽእል ኢያ፣ ካልኣይ ታሪኽና እናመንጠሉ ከምቲ ዝገብርዎ ዘለዉ እናናሸው ብኸይዲ ከንበርክኹና ይኽእሉ እዮም፡ ከይተረደአና ማለት እዩ እዙይ፣ ስለዚ ኣብታ ሰላማዊት ኢትዮጵያ ውን (እንተሃልያ እዩ) ከመይ ከምእንነብር እዩ ክፍተሽ ዘለዎ እምበር ከምቲ ብመራሕትና ዝበሃል ዘሎ እቲ ግዝያዊ ፀገም ብምፍታሕ ብመስመር ገለመለ ዝበሃል እንድዒ ንምባል እዩ። ብዝኾነ ክንቅፅል፡

ከመይ ኢኻ እዚ ናይ ህልውና ሓደጋ ትምክቶ ዝብል ናይ ሓፂርን  ነዊሕን ኣፈፃፅማ ኣንፈት ክቕመጥ ኣለዎ። እቲ ዘለቒ ናይ ነዊሕ መፍትሒ ድሓር ብሰፊሑ ክንመጾ ኣብቲ ሓፂር መፍትሒ ቅሩብ ነጥብታት ክንጥቁም።

  • ናይ መጀመርታን ቀንድን እንምክተሉ መንገዲ ከም ተጋሩ (መላእ ህዝቢ፣ ልህይቃን፣ ውዳበታት) ድልዱል ስሙር ሓድነት ክህልወና እንተሎ እዩ። ንኹላትና ዘረዳድእ ስሙር ሓድነት ንፈጥረሉ ድማ እቲ መሰረታዊ ረብሓታትና እዩ። እዙይ ማለት ሓደ፡ ሕቶ ልምዓት ትግራይ እዩ፥ ትግራይ ቅልጡፍን ፍትሓዊን ኩሉመዳያዊ ልምዓት ክተረጋግፅ ኣለዋ እዩ፥ ንዙይ ኩሉ ይረባረብ፣ ዘዕንቅፍ እንተሎ ውን ብሓባር ይምክት። ትግራይን ተጋሩን ብዝኾነ ከይጓነዩ፣ ሌላን ጉሌላን ዘብፅሐሎምን ዝጎድኦምን ኣካል ከይህሉ ዝብል እዩ። ካሊእ፡ ናይ ትግራይ ግዝኣትን መሬትን ላእላውነት እዩ፥ እዙይ ብዝኾነ ትግራዋይ ናብ ሕቶ ዘይኣቱን ዘይትንከፍን እዩ። ቀፂሉ፡ ኣብ ታሪኽ፣ ቅያን መነንትን እዩ፥ ኣብዙይ እውን ሙሉእ ምርድዳእን ምትእምማንን ክህሉ ግድን እዩ፥ መንነትና ምዕቃብ፣ ምልማዕ፣ ምምዕባል፣ ምዝማን ብኻሊእ ከይምረዝን ከይስረቕን ምቅላስ። ካሊእ፡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ስውኣትን ተጋደልትን ጀጋኑናን ወከልትናን ብዝምልከት እዩ፥ ትግራይ ኣብ ታሪኽን ሎምን ዝፍረየቶም ጀጋኑን መራሕትን ብዝኾኑ ክዝንጠሉ፣ ክናሸዉ፣ ክዳፍኡ ኣይንፈቅድን። ካሊእ፡ ባዕልና ንባዕልና ናይ ምምሕዳርን ብነፃነት ዝመስለና ናይ ምውሳስን ዝምልከት እዩ፥ ኣብዙይ ውን ፍልልያት ክህሉ ኣይኽእልን። ብነፃነት ብሕጊ፣ ብዴሞክራስን ብፍትሓዊን ንባዕልና ናይ ምምሕዳርን ምውሳንን መሰለና ዝፃባእ ኣይንቕበልን እዩ። ኣብዚኣቶምን መሰላቶምን ኢና ሓድነት ንፈጥር። ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ ድማ እንታይ ክሰርሕ ከምዝኽእል ታሪኽ ምሂሩና እዩ።
  • ልዑል ቁጠባዊ ዓቅሚ ብምህናፅ እዩ ባዕልና ክንምክት እንኽእል። ልዑል ኢኮኖምያዊ ዓቅሚ ምህላው ንብዙሕ ነገር ዝጠቅም ስለ ዝኾነ ብመንግስቲ፣ ብውዳበታትን ኩሉ ትግራዋይን ብግዜ የለን መንፈስ ኢና ትግራይና ክነልምዓ ክንረባረብ ዘለና።
  • ናይ ቴክኖሎጂ ዓቅሚ ምውናን እዩ። ግዜ ዝጠልቦ ብፍላይ ናይ ሳይበር ቴክኖሎጂ ዓቕሚ ክንውንን ክንክእል ኣለና። ንኽእል ኢና ውን። እዙይ ክመፅእ ዝኽእል ኣብ ምፍሻል ይኹን ምስ መፀ ኣብ ምምካት ልዑል ተራ ዘለዎ እዩ።
  • መሓዙት ብምፍራይን ስምምዓት ብምግባርን። ዘለው ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ብምልላይ ወገን ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ እናመልመልካ ምሕዝነት ምፍጣርን ምትሕግጋዝን። ምስ መን ንመሓዞ ዝብል እንታይ ኢና ንደሊ ዝብል ሕቶ ምስ ዝምለስ እዩ መልሲ ዝረክብ ።
  • ዲፕሎማሲ፡ ምስ ፀኣኢ ኮነ ፈታዊ ልዝብ ምግባር ግድን እዩ። ነገራት ክሃድኡ ምልዛብን ፅቡቕ ዲፕሎማሲ ምህላውን ኣገዳሺ እዩ።
  • ተፅዕኖ ምፍጣር። እዚ ተፅዕኖ ዘለካ ኢኮኖምያዊን ካሊእ ሓይሊን ብምጥቃም ንፈታዊኻ እትሕግዘሉን ኣብ ጎኒኻ እተስልፈሉን ንፀላኢካ ድማ ከይፈተወ ተገዲዱ ብባዕሉ ሰላም ክፈጥር እትገብረሉ ኣገባብ ማለት እዩ።
  • ፕሮፖጋንዳ፡ “Propaganda is a systematic attempt to affect the minds, emotions and actions of a given group for a specific public purpose. It is the art of convincing others about the justness of the goals and objectives or ends which are desired to be secured.” —Frankel. ትኽክለኛን ፍትሓዊን ቅዋምካ ካልኦት ክፈልጥዎ ክትፀሉ፥ ዘለካ ዓቅሚ ክተርኢ፣ ንናይ ባዕልኻ ህዝቢ ክተዳሉ እዚ መንገዲ ምጥቃም ኣገዳሺ እዩ።

 

  • መፃኢ ዕድል ትግራይን ተጋሩን ናበይ? ብኸመይ?

እዚ ሓድሽ መድረኽ፣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ተጋሩ ንውሽጢ ንኽሪኡ ዝገበረ እዩ። ወዲ-ሰብ ጥዕና ምስ ሰኣነ’ዩ ናብ ሕክምና ዝኸድ። ሰላም ምስ ሰኣነ’ዩ ብዝያዳ ኣድላይነት ሰላም ዝስቆሮን ዝናፍቕን። ዘይማዕርነታዊ ኣድላዊ ምልካዊ ምሕደራ ምስ ኣጋጥሞ’ዩ፡ ብዝያዳ ብዛዕባ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝግደስን ንስለኡ ዋጋ ዝኸፍልን። ልዕና ግዝኣተ ሕጊ ምስ በረሰን ኢደ-ወነናውነት ምስ ነገሰን፣ ማሕበራዊ ፍትሕን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዝጠልብን ንምርግጋጹ ዝቃለስን። ኮታስ ውልቀ ዜጋታት ኮኑ ህዝብታት፡ መሰል ምስተነፍጉ፣ ካብ እትዋት ሃገር ተጠቀምቲ ከይኾኑ ምስተገለሉ፣ ደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ምስ በጽሖምን’ዮም ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ሃስስ ዝብሉን ኣንፃር ፀላእቶም ዝውደቡን። እዚ ኣጋጣሚ፣ ድሕሪ ውድቀት ኣክሱማዊ ስልጣነ ክንማሃሮ ዘይካኣልናን ኣብ ውርደትን ዕንክሊልን ዘንበረና ሕሉፍ ሃገራውነት ጌጋ ምዃኑ ተረዲእና፣ ኣብ ትግራይ ኣማእኺልና ክንሰርሕ ዕድል ዝሃበና ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዕንክሊል ኢና ዘለና፣ ተደጋጋሚ ውድቀት እዩ ዘጋጥመና ዘሎ፣ ንምንታይ ኣብ ዕልክሊል ንእቱ ኣለና ከመይ ንወጽእ ? ንምንታይ ተደጋጋሚ ናይ ህልውና ሕቶ የጋጥመና? ከመይ ኢና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንቐርፎ? ናይ ትግራይ መፃኢ ኦድል ብስሩ እንታይ እዩ ክኸውን? መሊሱ ናይ ህልውና ሕቶ ዘየልዕለሉ መንገዲ ዘላቒ መትሒ እንታይ እዩ? መፃኢ ዕድል ትግራይን ተጋሩን እንታይ እዩ? ኣብ መድረኽ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም ሕቶታትና እዮም። እዞም ሕቶታት እናተላዕሉ ዝተፈላለዩ መማረፅታት ይቐርቡ ኣለዉ እዮም። ካብ ኣቶም ገሊኦም 1)ፌደረሽን ምቕፃል፡  እቶም ዘለው ጸገማት ፈቲሕኻን ክፍትሑ ተቓልሲካን ኣብዚ ሃገር ምቕፃል 2) ትግራይ ረፐብሊክ ምምስራት፡ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ዘይትምቹ ዓዲ ስለ ዝኾነት ትግራይ ዓርሳ ዝኸኣለት ናፃ ሃገር ምግባር 3) ስልጣንን ውሕስናን ተጋሩ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣሕዋትና ተጋሩን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ሃገረ ኣግኣዝያን ምምስራት 4) ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ኩለመዳያዊ ኣብርሆት ህዝብና ምርግጋፅ ….. ዝብሉን ካልኦትን ይቐርቡ ኣለዉ እዮም። እዞም መማረፅታት ብቐፃሊ ዝበስሉን ኣብዚ መፅሄት ብዘይገደብ ብበዝሒ ዝቐርቡን ኽኾኑ እዮም። ከም መበገሲ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝተገበሩ ምይይጣት ፅሙቕ ኣቢልና ንሐዚ ክነቕርብ።

  • ፌደረሽን ምቕፃል፡ እቶም ዘለው ፀገማት እዛ ሃገር ፈቲሕኻን ክፍትሑ ተቓልሲካን ኣብዚ ሃገር ምቕፃል ዝብል መማረፂ ዘቕርቡ ኣካላት ኣብ ክልተ ዝኽፈሉ እዮም።

እቲ ሓደ፡ ብዋናነት ብገለ ዓበይቲ ሙሁራትን  ብመሪሕነት ነበር ህወሓት ዋላ እውን ብቲ ውድብ ዝንፀባረቕ ኮይኑ ‘እቲ ዘሎ ኣቃውማ ናይዛ ዓዲ ብመሰረቱ ልክዕ እዩ፣ ፀገም ዝመፅእ ዘሎ ብቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዘይዕሩይ ጉጅለን ገለ ናይ ትምክሕትን ፅበትን ሓይልታት ልህይቃን እዩ፣ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኣብዚ ስርዓት ዘልዕሎ ሕቶ የብሉን’ ዝብሉ እዮም። ብፍላይ ብወገን ህወሓት ድማ እቲ መስመር እዩ ናይዛ ዓዲ መድሕን ዝብል ውን እዩ ዝንፀባረቕ።

እቲ ካልኣይ ኣብዙይ ዝለዓል ‘ከም ተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ ምቕፃል ግቡእ እዩ፣ ዋላ ገለ ምቁሳል እንተሃለወ ንምፍልላይ ዝዕድም ኣይኮነን፣ ነገር ግን ሓደ ኣብቲ ትረኻ ምምዕርራይ ክግበር ኣለዎ፣ ምስ’ዚ እቲ ዝኒሀ ስጡም ፌደራሊዝም ኣልሕልሕ ዘብል ከም ኮንፌደረሽን ኽኮን ኣለዎ’ ዝብሉ እዮም። እቲ ተረኽ ክመዓራረ ኣለዎ ማለት ዝተፈላለየ ገና ዘይተኣማመናሉ ናይ ኢትዮጵያ ተረኽ እነሃለወ ክንስማዕማዕ ኣይንኽእልን እዩ። ንኣብነት ብኦሮሞ፣ ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ እንተወሲድና ይብል ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ “ኦሮሞ፡ ኦሮሞ ካብ ታሪኹ ንቕንቕ ዝብል ኣይኮነን። እቲ ሓይሊ ንሱ እንታይ እዩ ዝሓስብ፤ ኦሮሞ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ቦታ ኣለዎ፣ ሃፍታም ታሪኽ [ኩሻዊ] ኣለዎ፣ ሃፍታም መሬት ኣለዎ፣ ሃፍታም ፖለቲካ ከም ጋዳ ዝአመሰለ ኣለዎ፣ ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ወሳኒ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ይግብኦ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ እቲ ናይ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ሓይሊ። ኣምሓራ ድማ ህዝቢ ኣምሓራ እዛ ሃገር መስሪቱ እዩ፣ ክንደይ ቃልሲ ገይሩ፣ ክንደይ መስዋእቲ ገይሩ ናፅነታ፣ ሓድነታ ጠጠው ኣቢሉ፣ ብዙሕ እዩ እሞ ክዕብልል ኣለዎ ኢሉ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ ዘለዎ። ተጋሩ ድማ ናይ ኢትዮጵያ መንግስትነት ዓቀብቲ ኢና፣ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ኣብ ምሕላው፤ ትውፊት፣ ቃያ፣ ስልጣነ፣ ታሪኽ ኣብ ምውራስ ዓብዪ ብፂሒት፥ ናፅነት ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ዘሎ ታሪኽ፣ ናይ ኢትዮጵያ መሰል በሪ ባሕሪ ምሕላው፣ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሓላውነት ዓቃብነት ወዘተ ተረኽ እዩ፥ ኣብ ልዕሊኡ ደርጊ ብምድምሳስ ድማ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ዲሞክራስያውነት ተወሲኽዎ፤ እዚ እዩ ናትና። ናይ ትግራይ ፖለቲካ ተረኽ ክልተ መደያዊ ተረኽ እዩ፡፡ በቲ ሐደ ወገን ምስ አምሓራ ዘመሳስል አብ ኢትዮጵያዊነትን ዜግነትን ዘተኮረ በቲ ካሊእ ወገን ከኣ ናፍቲ ናይ ኦሮሞን ካልኦት ብሔረሰባትን አብናይ ብሔር ወፅዓን ብዝሀነትን ዘተኮረ ፖለቲካዊ ትረኻ ተደሚሩ ናይ ክልቲኡ ተነሐናሒ ትረኻ ድልድል ክኸውን ዝኽእል እዩ፡፡” ብዙይ ክመዓራረን ክሳነን ኣለዎ እዩ።

ኣብዚ መማረፂ እዙይ ኣብ ክልቲኦም ነጥብታት ዝለዓሉ ሕቶታት ድማ እቲ ናይ መጀመርታ እቲ ዝነበረ ዘቐፅል ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘይቕበሎ እዩ ዝመስል፥ ምኽንያቱ ምስተሰዓርካስ ብቲ ዝተሰዓርካሉ መማረፂ ገይርካ መሊስካ ክትሓዊ ስለዘይትኽእል። ስለዚ ናይ ምዃን ዕድሉ ፀቢብ እዩ። እንተተኸኣለ ውን ግን ጥቕምና ኣየኽብርን፡ ምኽንያቱ ዋላ ዴሞክራስያዊት ኢትዮጵያ እንተሃለወት ዴሞክራሲ ባዕሉ ናይ ቁፅሪ ስለ ዝኾነ ንሕና ተጋሩ ድማ ቁፅርና ውሑድ ስለዝኾነ ብቲ ንደልዮ ክንከውን ኣይንኽእልን ዝብል እዩ። ኣብታ ካልአይቲ ነጥቢ እቲ ተረኽ ክሳነ ኣይኽእልን ብስሩ ካብ ዝብል እዩ ዝለዓል። ሳሙኤል ከም ዝብሎ “ኤሊት ኦሮሞ ኩሻውያን ኢና ናይ 5 ሽሕ ዓመታት ታሪኽ እዩ ዘለና፤ ኤሊት ኣምሓራ ሴማውያን ኢና ናይ 3 ሽሕ ዓመታት ታሪኽ እዩ ዘለና እናበሉ ታሪኽ ኣብ ምምንጣል እዮም ዘለው” እዙይ ዓብዪን መሰረታዊን ስለ ዝኾነ ንምስናዩ ከቢድ እዩ። ብስሩ ተጋሩ እዙይ ክነሳኒ ላሕ ካብ ንብል ዘይንገድፈሎም? እዩ።

  • ናፃ ሃገረ ትግራይ ምምስራት፡ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ዘይትምቹ ዓዲ ስለ ዝኾነት ትግራይ ዓርሳ ዝኸኣለት ናፃ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ዝብል እዩ። እዚ መማረፂ እዙይ ሃገራዊን ዓለምለኻውን ናይ ሕጊ ድጋፍ ዘለዎ ስለ ዝኾነን፡ ኣብነት ናይ ሃገርና ሕገመንግስቲ ዓንቀፅ 39 ስለ ዘሎ፣ ሕቡራት መንግስቲታት ድማ ካብ መሰረታዊ መትከል ዓረሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ህዝብታት/ብሄራት ተበጊሱ ዘቐመጦ ስለዘሎ “All peoples have the right of self-determination. By virtue of that right they freely determine their political status and freely pursue their economic, social and cultural development.

All peoples may, for their own ends, freely dispose of their natural wealth and resources without prejudice to any obligations arising out of international economic co-operation, based upon the principle of mutual benefit, and international law. In no case may a people be deprived of its own means of subsistence. The States Parties to the present Covenant, including those having responsibility for the administration of Non-Self-Governing and Trust Territories, shall promote the realization of the right of self-determination, and shall respect that right, in conformity with the provisions of the Charter of the United Nations”

እቲ ዋና ድማ ትግራይ ሃገር እንተኾነት እያ ትጥቀም ዝብል መርትዖ ስለ ዘሎ እዩ። ብዙይ ወገን ካብ ዝቐርቡ መማረፅታትን መእመኒ ሓሳባትን ኣብዛ ሕታም ግርማይ በርሀ ዝፅሓፋ ‘ትግራይ ከም ሃገር’ እትብል ፅሕፍቲ ኣንብቡ።

 

ኣብዚ መማረፂ ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት ድማ ሓደ ትግራዋይነትን ኢትዮጵያውነትን ምፍላይ ይከኣል ድዩ? ናይ ተጋሩ ስነ-ልቦና ንዙይ ድልው ድዩ፡ ብስሩ ካብ ኢትዮጵያውነት ክወፅእ ዝኽእል ድዩ? ዕድል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተጋሩን ሃፍቶምን እንታይ ይኾን? ኣብዚ ሃገር ዘምጻእናዮ ልምዓት እዚ ኹሉ ሰሪሕና ንመን ንህቦ? ብስሩ ኸ ምውፃእ ብሕጊ ዘይኮነስ ብኽውንነት ይከኣል ዶ? ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወፀት ከ እታ ዝተረፈት ኢትዮጵያ ሰላም ትኸውን ዶ? ንትግራይ ዕረፍቲ ክትህባ ትኽእል ዶ? ወዘተ ዝብሉ እዮም።

 

  • ምምስራት ሃገረ ኣግኣዝያን (ትግራይ-ትግርኚ)፡ ስልጣነን ውሕስናን ተጋሩ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣሕዋትና ተጋሩን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ሃገረ ኣግኣዝያን ምምስራት እዩ ዘላቒን ተመራፅን መፍትሒ ዝብል እዩ። ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ናይ ሓባር ህልውና ኣለና ካብ ዝብል ይብገስ። ሓደ ኣብ ሕሉፍ ስልጣንያዊ ታሪኽናን መንነትናን ሓደ ስለዝኾና፣ ካልኣይ ተመሳሳሊን ብሓደ እንተኾይና ክንምክቶ እንኽእልን ናይ ህልውና ሕቶ ስለ ዘለና፣ ሳልሳይ መፃኢ ዕድልና ብሓደ ዝውሰን ራኢና ተመሳሳሊ ስለዝኾነ ዝብሉ እዮም። እዙይ ዝምልከቱ ሓሳባት ቅድሚ ሐዚ ኣብ ውራይና ዘውፃእና እንትንኮን፡ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝርዝር  መብርሂ ዘለዎም ፅሑፋት ኣብ ኢድና ለዉ ክነሕትም ኢና።
  • ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ብምውላዕ ኩለመዳያዊ ኣብርሆት ህዝብና ምርግጋፅ፡ እዙይ ኣብ ስልጣንያዊ መሰረትናን ትግራዋይነትና ተደሪኽካ ዝግበር ‘ትንሳኤ ኣክሱማዊ ስልጣነ’ ብዝብል ዝፅዋዕ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ዘሰጉሞ ዘሎ ሓሳብ እዩ። ብእምነት እዚ ምንቅስቓስ፥ ከም ማሕበረሰብ ኣብ ልዕለና ዘለና ሽግር በዓይነቱነ በዝሑን ብርክት ዝበለ እዩ። ናይ ምጣነ ሃፍቲ (ቁጠባ ወይ ኢኮኖሚ) ዓውደ-ፖለቲካን ምሕደራን፣ ጂኦፖለቲካዊ/ጅኦግራፍያዊ፣ ሰነ ልቦናዊ፣ ታሪኻዊን መንነታውን ካልኦትን እዩም። ብመጠንን ዓይነትን ብርክት ዝበለ ሽግር ክፍታሕ ዝኽእል ድማ ብናይ ፖለቲካ ወይ ኢኮኖሚያዊ ጎስጓስ ጥራሕ ኣይኮነን። ብክልል ወይ ብሃገር ስለ ዝተዋቐርና ጥራሕ ዝፍታሕ ሽግር ውን ኣይኮነን። ብዝኾነ ፍልስፍና ወይ ስነ ሓሳብ/ኣይዲዮሎጂ ጥራሕ ናብ ዝኾነ ደረጃ ክስጋገር ዝካኣል ኣይኮነን ፡ ከም ተጋሩ ምስ ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝተፀምበርና ወይ ካብ ካልኦት ስለ ዝተነፀልና ሽግርና ኣይተኣለየን። ኣመር ትግራዋይነት ተይሓዝካ! መበቆላዊ ስልጣንያዊ መንነትካ ከይሓዝካ! ዘላቒ መፍትሒ ክመፅእ ኣይኽእልን እዩ። እዚ መማረፂ ዝምልከት እውን ኣብዚ ሕታም ክንጅምሮ ኢና ብሰፊሑ ኸኣ ክንቅፅለሉ ኢና።

እዞም ኩሎም መማረፅታት ቀሪቦም ዋላ መዘራረብቲ ዛዕባታት እንተኾኑ ‘ኣብ ኩሎም ተጋሩ ግን ሓደ ምርድዳእ  ተፈጢሩ ምባል ይከኣል፡ ኩሉ ትግራዋይ ኩሉ ዓቕሙ ኣብ ትግራይ የውዕል፣ ሽኻልና ትግራይ ይኩን፣ ናብ ዘበልና ክነብል መጀምርታ ትግራይ ተቐላጢፍና ንህነፃ’ ዝብል። እዚ ኣብ ትግራይ ንሽከል ዝብል ዳርጋ ሙሉእ ምርድዳእ ተጋሩ ዓብዪ ዓቕሚ እዩ ንትግራይ። መፃኢ ዕድል ተጋሩ ካብ ኢድ ተጋሩ ከይወፅእ ዳግም ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ የድልየና ኣሎ። ትግራይ ዕድል እዚ ፈደሬሽን ክሳብ ዘየጥለለ፣ ሓድነታ ኣስጢማ ድሕንነታ ምሕላውን ቁጠባዊ ለውጢ ንምምፃእ ምቅላስን መማረፂ የብሉን።

ከም ኣካይዳ ፀገም እዛ ሃገር ከይልክመና ብታክቲክ ደረጃ ናይ ፌደራል ስርዓት ቐፃልነት እምነት ዘለዎም ሓይልታት ኣብ minimum ፕሮግራም ዙርያ ተኣኻኺቦም ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ዝፈቐዶ inclusive bargain ንምግባር ዝኽእሉሉን ሃገር ካብ ብተና፣ ህዝብታት ኢትዮዽያ ድማ ካብ ህልቀት ዝድሕኑሉ ዕድል ንክፍጠር  ምንቐስቓስ ይግባእ። ፈለማ  ንኽተሎ አንፈት ኣብ  ምድሓን ሃገር  ፉሉያት ተሐለቕቲ ዘይኮንናስ  ድርሻና  ምስ ካልኦት  ኣሕዋትና  ኮይንና  ክንፃወት ድልዋት ምዃና  ንህዝቢታት ኢትዮዽያ  ግልፂ ብዝገብር መገዲ ክንቃለስ ይግባእ ፡፡ ካልአይ፡- እንኽተሎ ናይ ቃልሲ አግባብ  ናይ ሓባር ፀላኢ  ካብ ዝብልዎ ‘ወያነ’ ወፃኢ ንሓደ ሰሙን’ውን  ብምሕዝነት  ከፅንሖም ዝኽእል  አጀንዳ  ዘይብሎም ሓይልታት  ናይ ሐሶት  ሓዳሮም  ንክኽፅል  ዕድል  ዘይህብ ፣ ናይ ገለ ገለ potential ደገፍቲና ክኾኑ  ዝኽእሉ ወገናት  ጥርጥር  ብዘየጋድድ  መልክዑ ብስላማዊን ሕጋዊን  መንገዲ  ንምቅላስ  ንዳሎ፡፡ እንሰርሖም ነብሲወከፍ ስራሕቲ  ንሐይሊታት  ዕግርግርን  ሁከትን ዝኾነ ይኹን Life line  ዘይህብ ምዃኑ  ምርግጋፅ የድሊ።

ካሊእ ኣብ ውሽጥና ብዝምልከት እውን እቲ ዝግባእ ስራሕ ብኣግባቡ ተናቢብና እናሰራሕና ዘለዉ ናይ ውሽጢ ሃደጋታት ውን ምክትታልን ምቅላስን ከድሊ እዩ። ሓደ ውሽጣዊ ሓደጋ ኽኾን ዝኽእል፡ ኣብ ትግራይ ዓርሰ እምነት ዘይብሉን ብዓርሰ ምርኮሳ ትግራይ ዘይኣምንን ናብ ሽዋ ዘንቃዕርር ኣትሓሳስባ ገለ ኤሊታት ተጋሩን ፖለቲካዊ ሃይልታት ትግራይን እዩ። ካብ ታሪኽዉን እዚ ኣትሓሳስባ ዝመርሖ ኣካይዳ ኣዩ ደጋጊሙ ናብ ሓደጋ ዘኣትወና።   ካልኣይ፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን  መገዲ ነቲ ተፈጢሩ ዝብልዎ ክፍተት  ንምምላእ ዓሊሞም ዝንቀሳቀሱ ብርክት ዝበሉ ናይ ድሕረት ሓይልታት ኣለው፡፡ ዝተወሰኑ  ካብዚኦም  ሓይልታት አብ ልዕሊ ህወሓት ዘሎ ፀለመታት ናይቲ ጉጅለን ካሊእን ከም ድኹም ጎኒ ብምጥቃም Reform መሰሊ ኣካይድና ኣብ ማእኸል  ዓዲ አብ ዝግበር  ናይ ሃፍቲን  ስልጣንን ምሽማይ  ዝከአለና  ክንወስድ ይግባእ ‘ዩ  ዝብል እምነት ተሐንጊጦም ብሽም Reform  ፀቢብ ጉጅላዊ ረብሖም ንምርግጋፅ ላዕልን ታሕትን  ዝብሉ ምኳኖም  ክንዝንግዕ የብልናን። ምስዚ ተኣሳሲሩ ሕዱር ናይ ስልጣን ፃምኦም ከርውዩ ዝብህጉ ገለ ስሱዓት ንህዝቢ ትግራይ ዝፈተዉ መሲሎም ለውጢ ብዝብል መሪሕነት ኣስኢኖም ዕንይንይ ከቡሉናን ኣደዳ ምክፍፋል ክገብሩናን ዝህቅኑ እውን ምምካት የድሊ። ህላወኻ ምስ ኣረጋገፀካ እዩ እዚታት ክተኣናገድ ዝግበኦ። ዴሞክራሲ ከይፅበብካ ኩሎም መማረፅቲ ሕሳባት ክቐርቡ እናፈቐድካ ኣደዳ ፀላኢ ንዘይምግባር ብፍላይ ኣብ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ ነቓዕ ከይትህሉ ምግባር ግን ተድሊ እያ። መሪሕ ምስ ሃለወካ እዩ ትውደብን ትቃለስን።

እሞ ክቡራት መንበብትና ደጋጊምና ከም ዝገለፅናዮ እዚ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይኹን ዝብል ሕቶ ብቐፃሊ ምይይጣትን ክትዓትን ዝምለስ ስለ ዝኾነ ንመበገሲ ኢና እቲ ዘሎ መማረፅታት ኣቕሪብና እምበር ብሰፊሑ ስለ እንቕፅለሉ ዘለኩም ሕሳባት ብዘይሰኸፈት ከተካፍሉና እናመስገና ብቖፀሮ ክንፍለየኩም ክሳብ ቐፃሊ ሕታም፡ ሰላም!

 

 

Check Also

ሓርነታዊ መንገዲ፣ ትግራይ ዘይፈተነቶ ኣንፈት ምዕባለ፤

ኣብራሃም ኣሰፋ (ኢንጅነር) ኣብ መበል 56 ሕታም ውራይና፤ ዳዊት ሃይለ ዝተብሃሉ ሓውና “ክልል ትግራይ ኣብ …

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *