Home / ኢኮኖሚ / ህሉው ኩነታትን ኣንፈትን ቁጠባ ኢትዮጵያ፡ ዕድላትን ሓደጋታትን ቁጠባ ትግራይ

ህሉው ኩነታትን ኣንፈትን ቁጠባ ኢትዮጵያ፡ ዕድላትን ሓደጋታትን ቁጠባ ትግራይ

ሃንሳ ተኽላይ

መጋቢት 2011

 

  1. መእተዊ

ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ካብ ፖለቲካዊ ርግኣትን ሰላምን እታ ሃገር ፈሊኻ ምርኣይ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ እቲ ምንታይ ሓረስታይ ኣብ ሕርሻ፣ ባዓል ሃፍቲ ኣብ ዝመረፆ ቦታን ዘፈርን፣ ባዓል ጉልበትን ፍልጠትን ድማ ኣብ ዝመረፆ ቦታን ሞያን ተሳቲፎም ሃፍቲ ምፍራይ ዝኽእሉ መሰረታዊ ትካላት ስርዓተ-ቁጠባ (basic economic institutions) ክትግበሩን ክኽበሩን እንተለዉ ጥራሕ ስለዝኾነ፡፡ መሰረታዊ ትካላት ስርዓተ-ቁጠባ ዝትግበሩ ድማ ስለምን ፖለቲካዊ ምርግጋዕን እንትህሉ ጥራሕ እዩ፡፡

ብኻሊእ ገፅ፣ ፅፁይን ወድዓውን ሓበሬታ ቁጠባ ንምርካብን ኣድላይ ትንበያን ኣንፈት ፖሊሲን ንምሃብን እውን ሰላምን ምርግጋዕን ኣድላይ እዩ፡፡ ስለዝኾነ፣ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ከም ናይ መወዳእታ ዘይኮነስ ከም ሓባሪ ከውሰድ ከም ዘለዎ ከትሓሳስብ እደሊ፡፡

  1. ኣብዚ ዓውዲ ውሽጢ ኮይና ኩነታት ቁጠባ ሃገርና ንምድህሳስ እንትንፍትን፡
    • ቁጠባዊ ስነ-ሓሳብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናበይ ኣበለ?

መንግስትታት ዝኽተሉዎ ስነ-ሓሳብ ይህልዎም፡፡ ንሕድሕድ ስራሕትን ፖሊሲታትን ከም መርአይ (framework) እውን ይጥቀሙሉ፡፡ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ልምዓታዊ ኢሉ ይፅውዕ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣከራኸርቲ ጉዳያትን ጉድለታትን ዋላኳ እንተሃለዉዎ፣ መሰረታዊ ባህርያት ልምዓታዊ መንግስቲ ክኽተል ይፍትን ምንባሩ ግን ይፍለጥ እዩ፡፡ንሳቶም ድማ

  • ጉድለታት ዕዳጋ ኣብ ምምላእ ምንጣፍ

ዕዳጋ ሓደ መተካእታ ዘይርከቦ ሚና ዝፃወት ትካል ቁጠባ እዩ፡፡ ብዙሓት ፀገማት ቁጠባ ሓደ ዓዲ ብነፃ ዕዳጋ ኣቢሎም ስሉጥን ዘላቕን ፍታሕ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ዕዳጋ ግን ንኹሎም ፀገማት ኣይፈትሕን፡፡ ብፍላይ ዘይከፈሉ ሰባት ከይጥቀሙሎም ምኽልካል ዘይንኽእለሎም (ኣብነት መከላኸሊ ሃገር፣ ፖሊስ ወዘተ)፣ እንፅገመሎም (ኣብነት መንገዲ) ፣ወይ ተኺኢልና እውን ካብ ዓይኒ ሕ/ሰብ ትርጉም ዘይንረኽበሎም (ኣብነት ፍልጠት መዕደጊ ትካላት) ምህርትታት/ግልጋሎታት ናብ ኩሉ ሕ/ሰብ ፍትሓዊ ብዝኾነ ዋጋን ፅሬትን ክባፅሑ ኣብ ምግባር ዕዳጋ ብዙሕ ሓጋዚ ኣይኮነን፡፡ ብኣንፃሩ ግደ መንግስቲ ዕዙዝ እዩ፡፡ ስለዝኾነ፣ ምዕባስ ክፍተታት ዕዳጋ ንልምዓታዊ መንግስትታት ጥራሕ ዝተወሰነ ኣይኮነን፤ ዳርጋ ኩሎም ዓይነት መንግስትታት ዓለም ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝትግብሩዎን ከም ፍልፍል ተቐባልነት (source of legitimacy) ዝጥቀምሉን እዩ፡፡  ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ሰፊሕ ሽፋን መንገድታት፣ ህዳሰ ግድብ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ግድባት፤ ናይ ባቡር መስመራት፣ ኣብያተ ትምህርትን ማእኸላት ሕክምናን ዝርከቡዎም ሰፋሕቲ ስራሕቲ መሰረተ-ልምዓት ሰሪሑ እዩ፡፡

  • ክራይ ክእከቡሎም ዝኽእሉ ቦታታት መሪፅካ ብምቁፅፃር ዝተመረፁ ዘፈራት ቁጠባ ንምሕጋዝን ንምምዕባልን ምጥቃም

ኣብዚ ዝስርሑ ስራሕቲ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ቁጠባ ዝተፈላለየ ሃገር ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ ኣለዎም ካብ ዝብል እምነት ይልዓሉ፡፡ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ርድኢት ተመራመርቲ ፖሊቲካዊ ቁጠባ ድማ ምምዕባል ዘፈር ኢንዱስትሪ መማረፂ-ኣልቦ ስራሕ ክኾን ይግባእ፡፡ ምኽንያቱ ኢንዱስትሪ ምስ ካልኦት ዘፈራት እንትነፃፀር ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ናይ ምትእትታውን ምምሃርን ዕድሉ ይሰፍሕ፤ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ናይ መቑፃር ዓቕሙ ይልዕል፤ ልዑል ናይ መፍረያይነት ዓቕሚ እውን ኣለዎ፡፡ ስለዚ እውን ልምዓታውያን መንግስትታት ናብ ዘፈር ኢንዱስትሪ ሰይሮም ንምእታው ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ካብ ካልኦት ዘፈራት ክራይ ኣኪቦም ንዘፈር ኢንዱስተሪ ኣብ ምሕጋዝ የውዕሉዎ፡፡  ልምዓታውያን መንግስትታት ንያታውን ሰባውን ዓቕሚ  ፈጢሮም ዘፈር ኢንዱስትሪ ንምሕጋዝ ካብ ዝጥቀሙሎም መንገድታት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፡፡

-ኣታዊ ንግዲ ብምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ምትካእን ወፃኢ ንግዲ ምጥንኻርን (import substitution and export promotion)

-መሪፅካ ዝሕሸ ተበፅሕነት ልቓሕ ምፍጣር (favorable access to credit for manufacturing industries)

-መሪፅካ ዝሕሸ ተበፃሕነት ሸርፊ ወፃኢ ምፍጣር(preferential forex access for manufacturing industries)

እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ መንገድታት ኣብ ምሩፃት ኣብ ቁጠባ ሓንቲ ዓዲ ወሰንቲ ዝበሃሉ ንጥፈታት ጥራሕ ተግባራዊ ይኾኑ፡፡

መንግስቲ ኢህወደግ እዞም መንገድታት እዚኦም ተኸቲሉ ክሰርሕ ይፍትን ነይሩ እዩ፡፡ ሓደ ፅቡቕ ኣብነት ኣብ ሕርሻታት ዕንበባን ውፅኢታት ቆርበትን ዝተርአየ ዓብይ ለውጢ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ብዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ፀገማት ምኽንያት ክንድቲ ዝድለ ኣድማዒ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ ምባል ኣይከኣልን፡፡

 

  • ከከም ኣድላይነቱ ብቐጥታ ኣብ ቁጠባዊ ስራሕቲ ምስታፍ

መንግስቲ ኣብ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ብቐጥታ እንትሳተፍ ሕግታት ዕዳጋ ክጠሓሱ ናይ ምግባር ዓቐሚ ስለዘለዎ ብሓፈሻ ተደላይ ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ መንግስቲ ብወልቀ ዋንነት ዕዳጋ (ሞኖፖሊ) እንትሳተፍ ድማ ኣዕርዩ ሓደገኛ ከይኾን ይስጋእ እዩ፡፡ እንተኾነ እውን ግን ተሳትፎ ምንግስቲ ዝድለየሉ ግዘን ቦታን ክህሉ ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ሓደጋታትን ዕድላትን ዝተፈላለዩ ቀጥታ ተሳትፎታት መንግስቲ ንንሕድሕዶም ብኣግባቡ ክረአዩ ይግባእ፡፡ ኣድላይነት ቀጥታ ተሳትፎ መንግስቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ክፈላለ ይኽእል፡፡ ስለዚህ በብግዚኡ ክፍተሸ ኣለዎ ማለት እውን እዩ፡፡

መንግስቲ ኢህወደግ ኢትዮ ቴለኮም፣ ሓይሊ መብርህቲ ኢትዮጵያ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ካልኦትን ሓዊሱ ብዙሓት ትካላት ብብሕታውነት ወኒኑ ፀኒሑ እዩ፡፡ ካብ ገለገሊኦም ዝተረኸበ ኣታዊ እውን ንዝርግሐ መሰረተ-ልምዓት ሓጋዚ ግደ ይፃወት ፀኒሑ እዩ፡፡

 

እሞኸ ልምዓታዊ መንግስቲ ይቕፅልሎ ዶ?

 

ኣብዚ ሓሊፉ ዝኒሀ ሓደ ዓመት ልምዓታዊ መንግስትነት ካብ መድረኽ ፖለቲካን ቁጠባን ኢትዮጵያ ተገሊሉ ይርአሎ፡፡ ብተግባር እንትግለፅ ድማ ተወዲኦም ዝፀንሑ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ካብ ምምራቕ ሓሊፉ ሓደሽቲ ንምህናፅ ተበግሶታት ኣይተርአዩን፡፡ ሓልሓሊፉ፣ ተጀሚሮም ዝፀንሑ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እውን  ክዕፀፉ ይርአሎ፡፡ ንኣብነት መስመር ባቡር ወልድያ-ሓራገበያ-መቐለ፡፡ ብሕፅረት በጀት እዩኳ ከይብሃል፣ ብኻሊእ ገፅ ማሕበራዊ ረብሓ ኣብ ዘይብሎም (ቤተ-መንግስቲ ምሕዳስ) ወይ ውን ብተነፃፃሪ ውሱን ረብሓ ኣብ ዘለዎም (መዝናነይ ሩባ ቀበና) ብዙሕ ሃፍቲ ሃገር ወፃኢ ይግበር ምህላዉ ሕቶ ይፈጥር፡፡ ብኻሊእ ገፅ፣ ኣብ ኢድ ዋንነት መንግስቲ ዝፀንሑ ዓበይቲ ትካላት ናብ ኢድ ውልቀ ሰባት ንምምሕልላፍ ድሉውነት ተርእዩ እዩ ዋላኳ ብተግባር ገና እንተኾነ፡፡  ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ምምዕባል ኢንዱስትሪ ዝግበሩ ዝነበሩ ፃዕርታት ብሰንኪ ሕፅረት ሸርፊ ወፃእን ካልኦት ፀገማትን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ደረጃ ወሪዶም ኣለዉ፡፡ ብሓፈሻ እንትርአ ልምዓታዊ መንግሰትነት ናብ ጎኒ ይሕደግሎ ይመስል፡፡

እዚ ሓዱሽ ኣካይዳ መንግስቲ ኒዮ-ሊበራል እዩ ንምባል እውን ግን ኣየድፍርን፡፡ ክሻብ ሕዚ ዝትግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ናይ ብዝፈቐደ (adhoc) ይመስሉ፡፡ ከም ዝወዓሎ ካብ ዝውስን መንግስቲ ድማ ዝኾነ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ዝኽተል መንግስቲ ይምረፅ፡፡

 

 

  • ቁጠባ ኢትዮጵያ ከመይ በለ?

ወድዓዊ ኩነታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ መተሓሳሰቢ ደረጃ በፂሑ ምህላው ግልፂ ይኾን ኣሎ፡፡ ሓዱሽ ሃፍቲ ንምፍጣር ዝሕግዙ ይኹን ዝተፈጠረ ሃፍቲ ኣብ ዝድለየሉ ዕላማ ንምውዓል ንጥቀመሎም ትካላት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ እናኾኑ ምህላዎም ሎሚ ንሰምዖለና መሕፈሪ ክስተት ርሃብ ብሄረሰብ ጌዴዮ ሓደ መርኣያ እዩ፡፡

ካሊእ መርኣያ ድማ ንግድን ኢንዱስትርን ሚንስትር  ዘውፀኦ ፀብፃብ ፍርቂ ዓመት ኣታውን ወፃእን ንግዲ እዩ፡፡ ኣብቲ ሰደቓ ከም ዝተመልከተ፣ ሓፈሻዊ እቶት ንግዲ ወፃኢ ካብ ዓሚ ፍርቂ ዓመት ብ 10 ሚኢታዊ ይትሕት፡፡ ዓሚ ዝነበረ ፍፃመ እውን ብቲ ሽዑ ዝነበረ ዕግርግር ምኽንያት ኣዝዩ ትሑት ምንባሩ ምስ ንርዳእ ድማ ደረጃ እቲ ፀገም ብጣዕሚ ከቢድ ከም ዝኾነ ንርዳእ፡፡ ምብርትታዕ ንግዲ ወፃኢ (export promotion) ሓደ ዓምዲ ልምዓታዊ መንግስቲ ከም ዝኾነ ምስ ንርዳእ ድማ እዚ ፍፃመ ብሓፈሻ ኣብ ቁጠባና ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ምግማት ኣይኸብድን፡፡

 

እቶት ካብ ንግዲ ወፃኢ

ፍልፍል፡ ንግድን ኢንዱስትርን ሚኒስትር

ፍርቂ ዓመት 2011 ካብ ትልሚ (%)   ካብ 2010 ተመሳሳሊ ግዘ   (%)
ካብ ምህርቲ ሕርሻ 915 ሚልዮን ዶላር 69 -11
ካብ ፍርያት ማዕድን 28.8 ሚልዮን ዶላር 16.5 -51
ካብ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን፡ 67 ሚልዮን ዶላር 54 -2.5
ካብ ምግቢ፣ መስተን ፈርማሰቲካልን 15.7 ሚልዮን ዶላር 37 -10
ካብ ቡን 334 ሚልዮን ዶላር 70 -13
ካብ ቀወምቲ ከፍቲ 19 ሚልዮን ዶላር 28 -50
ጠቕላላ እቶት ካብ ንግዲ ወፃኢ 1.21 ቢልዮን ዶላር 61.7 -10
       

 

ኣብዚ ሰደቓ ሓድ ሓደ ትኹረት ዘድልዮም ክስተታት ኣለዉ፡፡ ካብ ማዕድንን ቀወምቲ ከፍትን ዝተረኸበ እቶት ቅድሚ ዓመት ካብ ዝነበረ ናይ ተመሳሳሊ ግዘ እቶት ትሕቲ ፍርቂ እዩ፡፡ እቶት ማዕድን ቅድሚ 7 ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ካብ ዝነበረ እቶት ትሕቲ 10 ሚኢታዊ እዩ፡፡  ንምንካይ እቶት ቀወምቲ እንስሳን ማዕድንን ድማ ሕቡእ ንግዲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ተጠቒሱ ይርከብ፡፡  እዙይ ብሓደ ገፅ፣ ሰብ ሃፍቲ ኣብ መንግስቲ ዘለዎም እምነት ምጥፍኡ ኣመላኻቲ እንትኾን  ብኻሊእ ገፅ ድማ መንግስቲ ናይ ምቁፅፃርን ምፍፃምን ዓቕሙ ከም ዝተመናመነ የመላኽት፡፡

 

  1. እዚ ንትግራይ እንታይ ማለት እዩ?

ቁጠባ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዘ ንላዕሊ ብዙሓት ዕድላትን ስግኣታትን ተፈጢሮምሉ ኣለው፡፡ እቶም ስግኣታት ካብ ሓፈሻዊ ፀገማት ቁጠባ ኢትየጵያን ካብ ተፈጥሮ እቲ ሕዚ በትረ-ስልጣን ዓቲሩ ዝኒሀ ሓይልን ዝፍልፈሉ እንትኾኑ እቶም ዕድላት ድማ ካብቲ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዝኒሀ ናህርን ምልዕዓልን ይፍልፍሉ፡፡ ዕድላት ኣብ ተረባሕነትና ንምውዓልን ስግኣታትና ናብ ዕድል ንምልዋጥን ብዙሕ ፃዕሪ ዝሓትት ዋለኳ እንተኾነ፣ እቶም ስግኣታት ደጋዊ ኮይኖም እቶም ዕድላት ውሽጣዊ እዮም፡፡ እዚ ብባዕሉ ካሊእ ዕድል እዩ፡፡

(እዚ ናይ ትግራይ ቁጠባ ዝምልከት ዳህሳስ/ብፍላይ ናበይ ይኺስ ዝብል/ ኣብ ቀፃሊ ብሰፊሑ ክንመፆ ኢና፡ ዋና ውራይና ውን ንሱ ስለዝኾነ)

Check Also

ትግራይ ሃገር ምዃን ዝግብኣን ዘዋፅኣን ብሄር እያ!

ብ ግርማይ በርሀ   መእተዊ ትግራይ ብሄር ምዃና ንኣብዝሓ ትግራዋይ እንታይነት ብሄር ብውነን ብቕንዕናን ንዝርዳእ …

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *