Home / ማሕበራዊ / ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ፡ ገምጋማዊ ፅሑፍ

ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ፡ ገምጋማዊ ፅሑፍ

ለኣከ መኮነን ተስፋይ

 

መእተዊ     

እዛ ፅሕፍቲ ብዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጥሪ 2009 ዓ.ም. ንኽካየድ ተገይሩ ብዝነበረ ፃውዒት ዋዕላን መፅናዕታዊ ፅሑፍን ዘዳለኹዋ እያ ነይራ፡፡ እቲ ዋዕላ ብምምሕዳራዊ ዓንቀፍቀፋት ከም ዝተሰረዘ ተገሊፁ ብድሕሪኡ ምትራፉን ከምሓዱሽ ምክያዱን ሓበሬታ የብለይን፡፡ እታ ሽዑ ኣዳልየያ ዝነበርኩ ፅሕፍቲ ዳርጋ ከም ዘላታ ናብ መንበብቲ ኣቕሪበያ ኣለኹ፡፡

ኣነ ሙሁር ስነ-ቛንቋ ኣይኮንኩን፡፡ እንተኾነ ግን ቐንዲ መግለፂ መንነትካ ብዛዕባ ዝኾነ ቋንቋኻ ተገዲሽካ ንምፅሓፍ ኮነ ንምዝራብ ሙሁር ስነ-ቛንቋ ምዃን ግድን ስለዘየድሊ ከም መጠን ግዱስ ትግራዋይ ብዛዕባ ዕቤት ዘረባ ትግራይ (ትግርኛ) ዝተሰምዐንን ክኸውን ይግብኦ ዝብሎን ክፅሕፍ እየ፡፡

ሓደ ቛንቋ ክምዕብል ዝኽእል ኣብ ስነ-መንግስታዊ፣ ስነ-ቑጠባውን ማሕበራውን ዓውድታት ሓደ ሕብተረሰብ ብዝግባእ ጥንቃቐን ሓለዋን ኣብ ጥቕሚ እንትውዕል እዩ፡፡ ኣብ መንግስታዊ ዓውድታት ማለት ኣብ ኩሎም ኣብያተ ዕዮን መሓውራትን መንግስቲ ማለት እውን ኣብ መሓውራት ሕጊ መውፅኢ ኣካል፣ ሕጊ መፈፀምቲ ኣካላት፣ ኣብ ኣብያተ ፍርድን ካልኦት መንግስቲ ህዝባዊ ግልጋሎታት ዝህበሎም ትካላትን እቲ ቛንቋ ከም ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቛንቋ ኮይኑ ኣብ ጥቕሚ እንትውዕል ማለት እዩ፡፡ ኣብ ቁጠባዊ  ዓውድታት ማለት ኣብ ዕደጋን መሸጣን፣ ኣብ መፍረይትን ግልጋሎት ወሃብትን ትካላት ንግዲ ይኹን ኣብ ማዓልታዊ ሸቕልን ኣብ ኩሎም ተግባራት ኣለሻ ሃፍትን እንጀራን ማለት እዩ፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ዓውድታት ማለት ድማ ኣብ ማሕበራት ሓፋሽ፣ ኣብ ትምህርትን ምርምርን ከምኡ ድማ ብውልቀን ብጥርናፈን ንእንገብሮም ናይ ፅሑፍ ይኹኑ ናይ ቃል ምርድዳኣት ዝውክል ኣገላለልፃ እዩ፡፡

ቋንቋና ቋንቋ ትግርኛ እውን ከም ቋንቋ ማዕቢሉ ክንሪኦ እንደሊ ስለዝኾነ ምእንቲ እዙይ ተባሂሉ ድማ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብቓላት ብቐሊሉ ዘይግለፅ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ስለዝኾነ ኣጠቓቕምኡን ብርኪ ከይዲ ዕቤቱን ከመይ ከምዘሎ ዝግባእ ኣድህቦ ብምሃብ ክፅናዕ ዝግብኦ እዩ፡፡ ኣብ ተልበጅን ትግራይ ሓለሓሊፎም ኣብ ዝዳለው መደባት ዝቐርቡ ተጋሩ ኣብ ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ቋንቋታት ትግራይ ዘለዎም ቂርታ ይገልፁ እዮም፡፡[1] ብተወሳኺ ጉን ምስ ኣዕርኽተይ ኣብ እነንብቦም ፅሑፋትን እንሰምዖም ደርፍታትን ብሓፈሻ ድማ ብዛዕባ ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ ኣመልኪትና እንትንማየጥ ኣብ ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ድኽመት ከም ዘሎ ደጋጊምና እነዕልለሉ ውራይ እዩ፡፡ ስለዙይ ድማ ኣነ ኣብ ኣጠቓቕማን ብርኪ ከይዲ ዕቤትን ቋንቋ ትግርኛ ሓፈሻዊ ዓሚቝ መፅናዕቲ ንምክያድ ግዜን ቦታን ስለዝድርተኒ ክኣልዮ ብዝኽእል መጠን ፅብብ ብዝበለ ኣብ ፅሑፍ፣ ኣብ ዘረባን ደርፍን ኣብ ዘለና ኩነታት ፅፉፍ ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ኣመልኪቱ ሕፅር ዝበለ ገምጋማዊ ፅሑፍ ዓሊመ እየ ነዛ ፅሕፍቲ ከዳሉ ተበጊሰ፡፡

ቐንዲ ዕላማ እዛ ፅሕፍቲ ክንደየናይ ኢና ተገዲሽናን ተጠንቂቕናን ቋንቋና ንምዕባይ እንንቃሳቐስ ዘለና ዝብል ሕቶ ብምልዓል ብዛዕባ ኩነታት ቋንቋና ተሰቊሩና ተሓሊቕና ክንዛረብን ክንፅሕፍን ከምዝግባኣና ሓሳበይ ምንፅብራቕ ኮይኑ እዙይ ድማ ኣብ ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ዘለው ፀገማት ብመልክዕ ገምጋም ብምቕራብ የዒስ ክባሃል ንዝግብኦ የዒስ ምባል ግቡእ እኳ እንተነበረ ትሕዝቶ ፅሑፍ ንምምጣን ዓገብ ክባሃል ንዝግብኦ ጥራሕ ቐንዲ ጠመተ ሂበ ዓገብ ብምባል ብፍላይ ክኣትዋ ዘይግበአን ዝኣተዋ ዘይትግርኛ ቓላት ፈልየ ብምውፃእ ብምርኣይ፣ ፍልፍል እቶም ፀገማት ክኾኑ ዝኽእሉ ምኽንያታት ብምሕባርን ክውሰዱ ዝግብኦም መፍትሒ ሓሳባት ብምቕራብን ዝቐርብ እዩ፡፡ ንመፅናዕተይ ፅሑፋት፣ ደርፍን ዘረባን እንትመርፅ ፅሑፈይ ምደላው ምእንቲ ክቐለለይ ኢለ ኣብ ዝተፋላለየ ግዜ ዘንበብኩወን ፅሑፋትን ዝሰማዕኹወን ደርፍታትን ከምኡ ድማ ኣብ ዝጠዓመኒ ግዜ ከፍ ኢለ ዝተኻታተልኩወን መደባት ተልበጅን ትግራይን እየ መሪፀ፡፡

ኣቕዲመ ኽገልፆ ዝደሊ ግን ሓደ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓዱሽ ሓሳብ ኣይኮንኩን ሒዘ ቐሪበ፡፡ እቲ ዘቕርቦ ሓሳብ ብዙሕ ሰብ ዝሓስቦን ዝፈልጦን ኮይኑ ቐንዲ ዕላማይ ብዛዕባ ቛንቋና ክንግደሽ ከምዝግባኣና ትኹረት ምሃብ እዩ፡፡ ካልእ ንመንበብቲ ኣቕዲመ ክምሕፀኖም ዝደሊ ድማኒ ምግምጋም ብባህሪኡ ከቢድ ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ ኣነ ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ክግምግም ኢለ ምትስአይ ብፍሉይ ከቢድ ዝገብሮ  ኣብ ኩሎም ላህጃታት (ከባቢያዊ ሃፍትታትና) ዘለኒ ፍልጦ ውሱን ስለዝኾነ ነዛ ፅሕፍቲ እዚኣ ምፅሓፈይ ዘይፈልጦ ንኽፈልጥ እውን ዓብዪ ዕድል ከምዝረኸብኩ ገይረ ስለዝሪኦ ሳኣን ፍልጠተይ ንዝፈጥሮ ነዃል ሳኣን ፍልጦይ እምበር ክብሪ ከም ዘይምሃብ ወይ ከም ምዝንጣል ከይሪኡለይ ኣቐዲመ እላቦ፡፡

1 ክፋል፡ ነፀብራቓት ፀገም ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ        

ሱቕ ኢለ እንትዕዘብ እዚ ዘበን እዙይ ብሓደ ጎኒ ስነ-ፅሑፍን ሙዚቃን ትግርኛ ንኽዓቢ ብውልቀን ብሕብረትን ፃዕርታት ዝገብሩ ዘለዉዎ ተስፋ ዝህብ እንትኾን በቲ ሓደ ገፅ ድማ፣ ውሑዳት እዮም ክባሃል ዘይካኣል እኳ እንተኾነ፣ ትግርኛ ምዝራብ፣ ብዛዕባ ፅሬት ኣዛራርባ ቋንቋ ትግርኛ ተገዲስካ ምዝራብን ኣብ ሞንጎ ተጋሩን ኣብ ሞንጎ ዘረባ ልሳን ትግርኛን ዝሕንፈፁ ዘይትግርኛ ቓላት ምቅዋምን ከም ፀቢብነት፣ መኽረራይነትን ዘይምዕባለን ዝሪኡ፣ “ቋንቋ እንተተሓንፈፀ እንታይ ፀገም ኣለዎ? ቋንቋ ዘይመረዳድኢ እንድዩ? ብሃገር ለኸ ሓድነትና ንኽሰጥም ሓደ ጠማሪ ቋንቋ የድልየና እንድዩ?” ዝብሉ፣ ኣብ ሞንጎ ዘረባ ትግርኛ ግዳማውያን ቃላት ሓንፊፆም ምዝራብ ወይ ካብ ትግርኛ ወፃእ ዝኾኑ ቋንቋታት ምዝራብ ከም ናይ ፍልጦ መለክዒ ዝወስዱ፣ ቋንቋ ሓደ ዋና ባእታ መንነት ምዃኑ ዝኽሕዱ፣ ኣብ ሞንጎ መንነትን ቋንቋን ዘሎ ስጡም ዝምድና ክግንዘቡ ዘይደልዩ፣ ንመንነትካ ምግዳስ ኣብ ሓድነት ዓድን ህዝብታትን ንፋስ ዘራጊቶ ምእታው ገይሮም ዝርድኡ ዘለውሉ እዩ፡፡

እዘን ኣብዛ ገምጋም ንኽድህስሰን ዝፈተንኩወን ፅሑፋት፣ ዘረባታትን ደርፍታትን ካፍቶም ንትግርኛ ተገዲሾም ዝሰርሑ ሰባት ዘበርከትወን ስራሕትን መሰሎም ተጠቒሞም ትግርኛ ዝተዛረቡ ሰባት ዝተጠቐሙለን ቃላትን ስለዝኾና ኣብ ትሕዝቶ ይኹን ኣብ ውራይ ቋንቋ ብዙሕ ትምህርቲ ዝህባ እየን፡፡ ነቲ ሙሉእነት ፅፉፍ ኣጠቓቕማ ቓላት ንምግምጋም ከምዚ ዝስዐብ ኣቕሪበ ኣለኹ፡፡

  • ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ኣብ ፅሑፍ           
    • ኣብ መፅሓፍቲ

ሀ. መፅሓፍቲ ታሪኽ        

እዘን ዝገምገምኩወን መፃሕፍቲ ታሪኽ፣ 1) ብመምህር ገብረኪዳን ደስታ ዝተደረሰት እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ፡ ታሪኽ ዘመነ መዋእል ሃፀይ ዮሃንስ 4 ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ ብዝብል ርእሲ ብ2005 ዓ.ም. ዝተሓተመት መፅሓፍ 2) ብየማነ ገብረመስቀል ዝተደረሰት ቀዳማይ ወያነ ብዝብል ርእሲ ብ2005 ዓ.ም. ዝተሓተመት መፅሓፍን 3) ብሃሴት ፍስሃ ዝተደረሰት ቅያ ተጋድሎ ብዝብል ርእሲ ብ2004 ዓ.ም. ዝተሓተመት መፅሓፍን፣ ብትሕዝቶአን ኮነ ኣብ ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ንዕቤት ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ዝጠቕሙ ቓላት ብምፍጣር ወይ ብምፍላጥ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዘለወን መፃሕፍቲ እየን፡፡

ንኣብነት እቶም መምህር ገብረኪዳን ደስታ ዝተጠቐመሎም ንሕና ሓደሽቲ ወለዶ ዘይንፈልጦም ፀጋታት ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ቓላት ገዲፍና ሃሴት ፍስሃ ዝተጠቐመሎም ከም “ነጥቢ መቐይሮ”፣ “ስነ-ሓሳብ”፣ “ንኡስ ደላቢ ሃብቲ” ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ቓላት እንትንርኢ እቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ይኹን ብኻልኦት ልሳናት ተፃሒፎም እንፈልጦም ሓሳባት ኣብ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ከመይ ክንጥቀመሎም ከምዝግባእ ክንሓስብን ዝገልፅ ቃል ትግርኛ ኣብ ምምሃዝን ኩልና ዘዝኽእሎና ክነዋፅእ ከምዘለናን ትምህርቲ ዝህብ እዩ፡፡ እንተኾነ ኣብ ሙሉእነት እቲ ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ እንትንርኢ እንተለና ኣብተን መፃሕፍቲ ክኣትዋ ዘይግብአን ዝኣተዋ ዘይትግርኛ ቓላት ኣለዋ ዝበልኩወን ከም ኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪበየን ኣለኹ፡፡

  • ንደገና፡- (ገብረኪዳን፣ ገፅ 14፣ 29፣ 62፣ 127፣ 147፣ 180፣ 122፣ 463)፡- “እንደገና” ትብል ቃል ብተደጋጋሚ ኣብ ዘረባን ኣብ ፅሑፍን ታብ ቐደም እዋን ጀሚራ ከም ትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ትውዕል ስለዘላ ዳርጋ ትግርኛ መሲላ ትርከብ ቃል እያ፡፡ እዛ “እንደገና” ትብል ትግርኛ ዘይምንባራ (ካብ አምሕርኛ ከም ዘላ ዝተወሰደት እያ) ዘረጋግፀልና ድማ እንደገና ዝብል ቃል ካብ ዝገልፆ ንላዕሊ ንኹነታት፣ ንዕድመ፣ ንፆታ፣ ንዕርክነት፣ ንኸበሬታ፣ ንበዝሒ ብዝግባእ ዝገልፁ ሎሚ ግን ዝርስዑ ዘለዉ ከምሓዱሽ፣ ከምብሓዱሽ፣ ከምወዲሓዱሽ፣ መይሱ፣ መሊሱ፣ መይሳ፣ መይስካ፣ መይስኪ፣ መይሶም፣ መይስኩም፣ መይስክን፣ መሹ ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ቓላት ስለዘለዉ እዩ፡፡ ነዙይ ድማ መምህር ገብረኪዳን ባዕሉ “… ነቲ ፅሑፍ ሕጉስ ኮይኑ ከምብሓዱሽ ደጋጊሙ ብምፅሓፍ ….” ብዝብል መረጋገፂ ሂቡና ኣሎ (ገፅ VI)፡፡ እታ ቓል ቕድሚ ኸባቢ ሚኢቲ ዓመት ዝኣተወት ምዃና ድማ ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ቅድሚ 100 ዓመት “ታሪኽ ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣብ ዝፀሓፎ መፅሓፍ “እንደገና ድማ፣ ቁሩብ ርእሱ ኾይኑ ካብ ሸዋ ተበገሰ እሞ …” ኢሉ ከምዝፀሓፈ መምህር ገብረኪዳን ጠቒሱልና ኣሎ (ገብረኪዳን፣ ገፅ 127)፡፡
  • ክህሎት (ገብረኪዳን፣ ገፅ 36)፡- ክእለት፣ ክእሎ፣ ጥበብ ንዝብሉ ቓላት ተኪኡ ዝኣተወ ቓል እዩ፡፡
  • እንተልቅስዘልቅስኣልቀሰ (ገብረኪዳን፣ ገፅ 79፣ 425)፡- ኣብዛ መፅሓፍ መልቀስን ብኽያትን ተፋላልዮም ዝቐረቡ ኣይመሰለንን፡፡ ንኣብነት ንዝበኪ ቖልዓ ኣልቂሱ ክባሃል ግቡእ ኣይከነን (ገፅ 79)፡፡ መልቀስ ድማ ኣብ ቐብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓዘን ሓላሓሊፉ ድማ ዘይምሕዛንካ ንመግላፅ ዝቐርብ እዩ፡፡
  • ምዃኑ እዩ (ገብረኪዳን፣ ገፅ 91፣ 142፣ 280፣ 421፣)፡- “ምዃኑ እዩ” ዝብል ኣገላልፃ ሎሚ ሎሚ ብልቓሕ ተወሲዱ ከም ሓዱሽ ቅዲ ዘረባ ዝዝረብ ዘሎ እዩ፡፡ ግንከ ወይ እታ “እዩ”  ትብል ቃል ጥራሕ ምጥቃም ወይ ድማ ብሱሩ እውን ዘይምጥቃም ይካኣል፡፡ ንኣብነት “ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ምዃኑ እዩ፣ ደቂ ሹም ተምቤን ምርጫ፣ ናብ ሃፀይ ቴዎድሮስ ከምዝቐርቡ ምስተገብረ ….” (ገፅ 91) ኣብ ዝብል ኣገላልፃ እቲ ምዃኑ እዩ ዝብል ሓረግ ከም መላፈጫ ዝኣተወ እሞ ድማ ዘይትግርኛ (ተተርጒሙ ዝመፀ) እዩ፡፡
  • ፀበል፡- (ገብረኪዳን፣ ገፅ 100)፡- “ፀበል ክሕፀብ” እንተይኮነ ዝባሃል “ማጨለት ክሕፀብ”፣ ፀበል እንለኾይኑ ድማ ጠዓሙልና፣ ክንጥዕም፣ ተለኸ፣ ክልከ፣ ክኳሓል ወ.ዘ.ተ. እዩ ክባሃል፡፡ ኣብዚ ዓውደ ንባብ እዙይ “ደጃት ተኽለጊዮርጊስ እውን … ‘ሓሚመ እየ እሞ ፀበል ክሕፀብ ይፈቐደለይ’ ኢሉ …” ዝብል ኮይኑ እቲ ግቡእ ቓል “ማጨለት (ማይ ፀሎት)” ዝብል እዩ ነይሩ፡፡
  • ማንም (ገብረኪዳን፣ ገፅ 104፤ የማነ፣ ገፅ viii፣ iv)፡- ዝኾነ፣ ዝኾነ ይኹን ወ.ዘ.ተ. ንዝብሉ ቓላት ትግርኛ ተኪኡ ዝኣተወ ቓል እዩ፡፡
  • ተኸባቢርና ምንባር ኣለና፣ ምእላሽ ኣለና ፡- (ገብረኪዳን፣ ገፅ 132፣ 274)፡- እዞም ኣገላልፃታት እዚኣቶም “ተኸባቢርና ክንነብር ኣለና”፣ “ክንእልሽ ኣለና” ብዝብል እዮም ክቐርቡ ዝግባእ ዝነበረ፡፡
  • ብፅሑልና (ገብረኪዳን፣ ገፅ 222)፡- ኣፍቲ ዝኣተዎ ዓውደ ንባብ ርድኡና ዝብል ትኽክለኛ ቓል ትግርኛ እዩ ዝገልፆ፡፡ “ብፅሖ” ብትግርኛ ድማ ናብ ሕዙናት ከይድካ ፅንዓት ይሃብኩም ምባል ይገልፅ፡፡
  • እተነፃፅር ብምንፅፃር ኣነፃፂሩ፡- (ገብረኪዳን፣ ገፅ 222፣ 455፤ ሃሴት፣ ገፅ 256)፡- እቲ መልእኽቲ ፍሉይ ፅልኣት ወይ ምጥምማት ዝገልፅ ኮይኑ እትጥምት፣ ፈልዩ፣ ኣትኲሩ ዝብሉ ወይ ድማ ካልእ ቃል ብምጥቃም እዩ እቲ ሓሳብ ክግለፅ ነይርዎ፡፡
  • በሳል (የማነ፣ ኣብ ምስጋና)፡- ብሱል ክባሃል ምተገብአ፡፡
  • ተሳኢንዎም ተሳኢኑና፡- (የማነ፣ ገፅ vii)፡- አብቲ ዝኣተዎ ዓውደ ንባብ ኣብዩዎም፣ ኣብዩና ብዝብሉ ቓላት እኳ ምትካእ ምተኻእለ፡፡ ስእነት (ምስኣን) ብትግርኛ ዘይምርካብ ዝብል እዩ ትርጉሙ፡፡ መልእኽቱ ድማ ኣብዩና(ምእባይ) ማለት ኣኮነን፡፡
  • ዘንጊዖም (የማነ፣ ገፅ viii)፡- ዘንጊዖም ማለት ብትግርኛ ኣብ ሰዓቶም ኣይተረኸቡን፣ ኣይኣተዉን፣ ኣየርከቡን ማለት እዩ፡፡ ኣብዙይ ግን “‘ተጋሩ፣ ታሪኽ ሰሪሕኻ እምበር ታሪኽ ተዛሪብካ ዓዲ ኣይትለምዕን ስለዝብሉ እዮም ታሪኾም ምፅሓፍ ዘንጊዖም ኣብ ታሪኽ ምስራሕ ጥራሕ ዘድህቡ’ ዝብሉ ወገናት …” ብዝብል እንድዩ ቐሪቡ ዘሎ እቲ ዘንጊዖም ዝብል ቃል ረሲዖም፣ ገዲፎም፣ ሓዲጎም ወ.ዘ.ተ. ንዝብሉ ቓላት ትግርኛ እዩ ብዘይግቡእ ተኪኡ ዘሎ፡፡
  • እናጠለፉ (የማነ፣ ገፅ 12)፡- ምጥላፍ ኣብ ትግርኛ ንባላዊ ኽዳን ጥልፊ ምስራሕ እንድያ ትገልፅ ኣብዙይ ግን ሩባ ምዕቃብ፣ ምግዳብ ንዝብል ሓሳብ ክትገልፅ ኣብዘይ ቦታኣ ተዳናጊራ ኣትያ ኣላ፡፡ “ምጥላፍ” ዝብል ቃል ምሕንኳል፣ ምዕንቃፍ ዝብል ክገልፁ ዝጥቀሙ እውን ኣለዉ፡፡ ግን ዘስክፍ እዩ፡፡
  • እንደራሴ (የማነ፣ ገፅ 15)፡- እዚ ቓል ወኪል፣ ተወካላይ ብዝብሉ ልሙዳት ቃላት ትግርኛ ተተኪኡ ክቐርብ ዝኽእል እዩ ነይሩ እየ ዝብል፡፡
  • ኣክሱም (የማነ፣ ገፅ 23፣ 27)፡- ኣብ ብዙሓት “ኣኽሱም” ተባሂሉ ክፀሓፍ እንትግባእ ብዙሕ ግዜ “ኣክሱም” ተባሂሉ እዩ ዝቐርብ ዘሎ፡፡
  • ነጭ ለባሽ (ሃሴት፣ ገፅ 102፣ 224)፡- ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝነበረ መግለፂ “ቀምሽ” (ሽመት) እንትኸውን ታይ ኢልካ እዩ ናብ ትግርኛ ክትርጎም ዝግባእ? ቐጥታ ትርጉም ወሲድካ “ተኸዳኒ ፃዕዳ” እንተተባህለ ኸ ይገልፆ ዶ? ዝብል ከም ዘሎ ኾይኑ እቲ ቃል ግን ዕሉል ኣምሕርኛ እዩ፡፡
  • ናይ ምይይጥ ኣጀንዳ (ሃሴት፣ ገፅ 450፣ 453)፡- ኣብ ክንዲ እቲ ኣጀንዳ ዝብል ቃል ዛዕባ፣ ርእሰ-ዋኒን፣ ርእሰ-ውራይ ዝብሉ ቓላት ምጥቃም ግቡእ ነይሩ፡፡
  • እጀ ጠባብ ስረ (ሃሴት፣ ገፅ 121)፡- እቲ ዓበይቲ ዓዲ ዝኽደንዎ ኢዱ ፀቢብ ጁባ ሽሙ ብቐጥታ ካብ ኣምሕርኛ ተወሲዱ “እጀ ጠባብ” ዝባሃል ምዃኑ ሓደ እኹል ፀገም ኮይኑ እቲ ስረ ግን “ሞዳ”፣ “ሞዳ እንግሊዝ” ዝብል ዝተለምደ ሹም ስለዘለዎ “ሞዳ”፣ “ሞዳ እንግሊዝ” ከምተባህለ ዶኾን ምሓሸ?             
  • ካልኣይ ወርሒ ምስ ኮኖ (ሃሴት፣ ገፅ 129)፡- ካልኣይ ወርሒ ምስ መልአ፣ ካልኣይ ወርሒ ምስገበረ ብዝብል እዩ ክግለፅ ይግባእ ነይሩ፡፡
  • ኮማንደር (ሃሴት፣ ገፅ 209)፡- “ወታደራዊ” ይኹን ናይ “ፖሊስ” (ኣቦ ሰላም) መዝነት ዝገልፁ መፀውዒ መዓርጋትና ካብ እንግሊዝኛ ብቐጥታ ዝተወስዱ ምዃኖም ዘጉሂ እዩ፡፡ እንተኾነ ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ እታ “ኮማንደር” ትብል ተጋዳላይ “ቀለበት … ተ.ሓ.ህ.ት. 1967 ዓ.ም. ቀዳሞት ጋንታታት እንተጣይሽ ምክትል ኣዛዚ ጋንታ ንምዃን ዝበቕዐ ምሩፅ ኮማንደር ‘ዩ ነይሩ” ኣብ ዝብል እንድያ ኣትያ ዘላ እታ “ኮማንደር” ትብል ቃል “ኣዛዚ ሰራዊት” ወይ ተማሳሳሊ ቓል ወሲድካ ምትካእ ይካኣል ኔሩ እዩ፡፡
  • ደ.ኣ.ን.ት. (ሃሴት፣ ገፅ 227፣ 394)፡- እዛ መፀውዒት እዚዛ ኣብ ኩሉ ነገር ኣትያ እንረኽባ እያ፡፡ ሃሴት እውን ተጠቒሙላ ኣሎ፡፡ ደቀቕትን ኣናእሽተይን “ትካላት ንግዲ” ክባሃል እንትግባእ “ንግዲ ትካላት” እዩ ዝባሃል ዘሎ፡፡ ኣብ ካልእ እውን እቲ ገላፂ ቓል ቀዲሙ መፅዩ ንረክብ ኢና፡፡ ንኣብነት “ጉጅለ ልምዓት” ክንዲ ምባል “ልምዓት ጉጅለ” ይባሃል ስለ ዘሎ ክእረም ዝግብኦ እዩ እየ ዝብል፡፡
  • ኮንፈረንስ (ሃሴት፣ ገፅ 299)፡- እታ ቓል ከም ዘላ ካብ እንግሊዝኛ ተወሲዳ ዝተለመደት እያ፡፡ እንተኾነ ግን ዋዕላ፣ ዓውደ-ምይጥ ዝብሉ ቓላት ተለሚዶም ስለዘለዉ ምትካእ ይካኣል ነይሩ እዩ፡፡
  • ኮንስትራክሽን (ሃሴት፣ ገፅ 394)፡- ስራሕቲ ህንፃ ወይ ድማ ካልእ ቓል ወሲድካ ምትካእ ምተኻእለ ነይሩ፡፡
  • ናይ ሰብ ኣንቡላንስ (ሃሴት፣ ገፅ 342)፣ ፕረሽን ሽረሰገናት ዝሰርሕዎ ኦፕረሽን ኦፕረሽን ኣግኣዚ (ሃሴት፣ ገፅ 96፣ 359፣ 397)፣ ምፐሪያሊስት ኣረኣእያራግማቲስት ኣረኣእያ (ሃሴት፣ ገፅ 381)፣ ሌቶንንዱስትሪ ዞን (ሃሴት፣ ገፅ 393)፣ ኦሎጂስት ጂኦሎጂካል (የማነ፣ ገፅ 7)፣ ኦ-ፖለቲካዊ፡- (የማነ፣ ገፅ 23)፣ ኦግራፊያዊ (የማነ፣ ገፅ 13፤ ሃሴት፣ ገፅ 141)፣ ፕሎማሲያዊ፡- (ገብረኪዳን፣ ገፅ 240፤ የማነ፣ ገፅ 8)፣ ትራቴጂኡሃገራዊ ማዕቀፍን ስትራተጅን፡- (ሃሴት፣ ገፅ 51፣ 415)፣ ማኒፌስቶ (ሃሴት፣ ገፅ 53)፣ ኢንቨስት ንኽትገብሩኢንቨስትመንት (ሃሴት፣ ገፅ 68፣ 94፣ 393)፣ እስታቲስቲካዊ (ሃሴት፣ ገፅ 415)፣ ሪፈረንደም (ሃሴት፣ ገፅ 433)፣ ራል (ሃሴት፣ ገፅ 236)፣ ክዳም ስፔት ዳይቨርሽን (ሃሴት፣ ገፅ 247)፣ ነሬተር (ሃሴት፣ ገፅ 248)፣ ሲፕሊን (የማነ፣ ኣብ መዘከርታ)፣ ፖርት (ገብረኪዳን፣ ገፅ 230፣ 280)፣ ኢንደውመንት (ሃሴት፣ ገፅ 51፣ 93)፣ ናፓርቲስት (ሃሴት፣ ገፅ 453፣ 455፣ 458)፡- እዞም ቃላት እዚኣቶም ብሓፈሻዊ ኣገላልፃ እንትንሪኦም ካብ ካልኦት ቋንቋታት ብዘይስኽፍታ እንዳተለቃሕና ንጥቀም ከም ዘለና እዮም ዘረድኡና፡፡

ለ. ልበ-ወለድ መፅሓፍቲ   

ውሑዳት እኳ እንተኾኑ ብትግርኛ ክንፅሕፍ ኣለና ኢሎም ተገዲሾም ብትግርኛ ዝፅሕፉ ፀሓፍቲ ምህላዎም የዕብየለይ ክባሃሉ ዝግብኦም እዮም፡፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ቓላት ኣመልኪቱ እንትንርኢ ካብተን ዝርካበን ኣፍታ ዓዲገ ዘንበብኩዋ ብጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ ዝተደረሰት ወይዘሪት ኢትዮጵያ 2020 ብዝብል ርእሲ ብ2003 ዓ.ም. ዝተሓተመት መፅሓፍ ልበ-ወለድ ትግርኛ ዘለዋ  ኣይትግርኛን ዝበልኩወን ቃላት ካብ ውሱናት ገፃት እዘን ዝስዕባ ኣውፂአ ኣለኹ፡፡

  • ይኣውትን ሽፋን ዲዛይንን፡- (ኣብ ገፅ መሰል ቅዳሕ)፡- እዘን “ለይኣውት”ን “ዲዛይን”ን ዝብላ ቓላት ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከም ቅቡላት ትግርኛ ተገይረን ዝውሰዳ ዘለዋ እየን፡፡ ኣብ ናይ ኣዲስኣለም እውን ከም ልሙድ ኣብ ጥቕሚ ውዒለን ኣለዋ፡፡ ናብ ትሕዝቶ እንትንኣቱ እዞም ዝስዕቡ ቓላት ከም ሕመቕ ምርኣይ ይካኣል፡፡
  • ኣብ ታሪክ ሃገርና ኣክሱማውያን (ኣብ መእተዊ) ይሰማዕኩም ዘተባባዕኩምኒ (ኣብ ምስጋና(የቐንየለይ)) ወስክ (ገፅ 6) ክከድ (ገፅ 7)፡- ነዞም ቃላት እዚኦም እንትንርኢ እቲ ፀሓፊ “ከ”ን “ኸ”ን እንትጥቀም ብዘይኣፈላላይ ከም ዝጥቀም ኢና እንዕዘብ፡፡ ንኣብነት “… ስእልታት ዝኣመሰሉ ንምትሓዝ ዝጥዕም ቀለልቲ ነገራት “ወስክ”፡፡ ትሰናበቶም ሰባት እንተሃልዮምካ …” (ገፅ 6)፣ “… ተሞክሮ ክወስድ ከም ዘለዎ ስለዝኣመንክሉ “ክከድ” ገይረዮ እየ፡፡” (ገፅ 7) ዝብሉ እንትፅሕፍ ነቲ “ወስክ” ዝብል ቃል “ወስኽ” ብዝብል ቃል፣ ነቲ “ክከድ” ዝብል ቃል ድማ “ክኸድ” ብዝብል ቃል ተኪኡ ፅሒፉ ከም ኮነ እቲ ፅሑፍ ጨና ትግርኛ እንተይሓረሞ ምተነበበ ነይሩ፡፡
  • ፈንዲኡ (ኣብ መእተዊ)፡- እዛ ቓል ኣጠቓቕማኣ እንትንሪኣ “… ጋህዳዊ ዓለም ከማላኽት፣ መፃኢ እዋን ክሕብር ኮታስ ካብ ውሽጠይ “ፈንዲኡ” ዝወፀ ንዕብየት እዚ ወለዶ፣ ስነ-ፅሑፍን ቋንቋን ትግርኛ ሓደ ኢለ ኣለኹ፡፡” ኣብ ዝብል ዓውደ ንባብ እያ ኣትያ ዘላ፡፡ ውሽጣዊ ስምዒት ንምግላፅ እንድያ ኣትያ ዘላ እንተኾነ ግን ውሽጣዊ ስምዒት ዝገልፁ በኳር ቃላት ትግርኛ ምትካእ ምተኻእለ፡፡ ንኣብነት ፈንቂሉ፣ ደፊኡ፣ ፈሊቑ (”ሊ” ጠቢቑ ይነበብ) ዝብሉ ቓላት ምጥቃም ይካኣል ነይሩ፡፡ ብሱሩ ግን ፈንዲኡ ዝብል ቃል ብትግርኛ ጠገለ ምስ ዘየብሉ ኣካላዊ ግዝፊ ዳኣ ይተሓሓዝ እምበር ምስ ውሽጣዊ ስምዒት ዝራኸብ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ግቡእ እዩ ዝመስለኒ፡፡ ፈንዲኡ ዝብል ቃል እሳተ ጎሞራ ገንፊሉ ንምባል ዝጥቀሙ ኣለዉ፡፡ ኣነ ግን ዘሰክፍ እዩ ዝመስለኒ፡፡
  • ሊሲ፣ (ኣብ ምስጋና(የቐንየለይ)) ፕሮጀክት መካናይዝድ (ገፅ 1) ንጅነር (ገፅ 1፣2) ፕሮፖዛል (ገፅ 2) ፍሪጅ (ገፅ 3) ማናጅመንት ኮሚቴ (ገፅ 5) ቲሸርት ካርድ፣ (ገፅ 6) ማይክሮ ሰከንዳት (ገፅ 7) ኣጀንዳ ኣጀንዳታት (ገፅ 9፣ 10)፡- እዞም ቃላት እዚኣቶም ኣብ ኩሎም ዓውደ ምንቅስቓሳት መዓልታዊ ሂወትና ብተደጋጋሚ እንጥቀመሎም ቃላት እንግሊዝኛ እንትኾኑ ኣብዛ ናይ ኣዲስኣለም መፅሓፍ ጉን ከም ዘለዉዎ ኣትዮም ኣለዉ፡፡ ንሕድሕዶም ዝገልፅ ቃል ትግርኛ ኣሎ ዶ የለን ንምምላስ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ዝግባእ እዩ፡፡ ሕዪ ግን እቶም ዝለመድናዮም ቃላት እኳ ኣዲስኣለም ኣይተጠቐመሎምን፡፡ ንኣብነት ቲሸርት ካብ ምባል ከናቲራ፣ ኣጀንዳ ካብ ምባል ዋኒን/ዛዕባ/ውራይ፣ ፍሪጅ ካብ ምባል መዝሓሊ፣ ፕሮፖዛል ካብ ምባል ትልሚ ስራሕ ወ.ዘ.ተ. ምባል ምተኻእለ፡፡
  • ይመልአካን (ገፅ 3) እንተይመልአኒ (ገፅ 4)፡- እዞም ቃላት ዝኣተዉሉ ዓውደ ንባብ እንትንርኢ፣ “ኣማኑኤል ኣብዚ ትካል ካብ ትቁፀር ገና ክልተ ዓመት “ኣይመልአካን”፡፡” (ገፅ 3)፣ ”… ገና ስራሕ ካብ ዝጅምር ሻድሻይ ወርሒ “እንተይመልኣኒ” ብዘረኣኽዎ ኣፈፃፅማ ዝሃብኩምኒ መተባብዒ …” (ገፅ 4) ዝብሉ ሓሳባት ኢና ንረክብ፡፡ እቲ ሰራሕተኛ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመት ወይ ሽድሽተ ወርሒ ኣይመልአን (ኣይገበረን) ዝብል ሓሳብ ንምግላፅ ብቐጥታ ክልተ ዓመት ኣይገበርካን (ኣይመላእኻን) ወይ ሽድሽተ ወርሒ እንተይገበርኩ (እንተይመላእኹ) ዝብሉ ቓላት ምጥቃም ይካኣል ነይሩ፡፡

ሐ. ግጥምታት

እዘን ኣብ ገምጋመይ ዝራእኹወን መፃሕፍቲ ግጥምታት ትግርኛ 1) ብመምህር ደስታ ጨርቆስ ሃይሉ ዝተደረሰት ከዋኽብቲ መሬት፡ መድብል ሓፀርቲ ግጥምታት ትግርኛ ብዝብል ርእሲ ብ2000 ዓ.ም. ዝተሓተመት መፅሓፍን 2) ብገብረእግዚኣብሄር ተስፋይ ዝተደረሰት ሕለና ዝብል ርእሲ ዝሓዘት ዝተሓተመትሉ ዓመተ ምሕረት ዘይትገልፅ መፅሓፍን እየን፡፡ እዚአን ነንባዕለን እንተወዳድረን እታ ናይ መምህር ደስታ ጨርቆስ ብዝተኻእለ ጥንቃቐ ዝተሰርሐት እያ፡፡ እታ ናይ ገብረእግዚኣብሄር ተስፋይ ግን ዳርጋ ወይ እቲ ደራሲኣ እውን ናይ ባዕሉ እውን እኹል ጥንቃቐ ኣይገበረላን ወይ እውን ሰብ እንተይረኣያ እያ ብተብተብ ጅርግዕ ጅርግዕ ኢላ ምስተፃሕፈት ናብ ሕትመት ከይዳ ይመስለኒ ኮነይ መነይ ግን ዳርጋ ኹሉ ነብሳ ቓላት ኣምሕርኛ ስለዝኾነት ሕልፍ ሕልፍ ኢለ እየ ዘይትግርኛ ቓላት ከም ኣብነት ወሲደ፡፡ ኣብ ክልቲአን መፅሓፍቲ እዘን ዝስዕባ ቓላት ብዘይግቡእ ኣብ ጥቕሚ ዝዋዓላ እየን፡፡

  • ዲዛይን (ደስታ፣ ገፅ መሰል ቅዳሕ)፡- እዘን “ዲዛይን”ን “ለይኣውት”ን ዝብላ ቓላት ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከም ቅቡላት ትግርኛ ተገይረን ዝውሰዳ ዘለዋ እየን፡፡ ኣብ ናይ መምህር ደስታ እውን ከም ልሙድ እታ ዲዛይን ትብል ቃል ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ፡፡ ናብ ናይ መምህር ደስታ ትሕዝቶ ግጥሚ እንትንኣቱ እዞም ዝስዕቡ ቓላት ከም ኣብነት ምርኣይ ይካኣል፡፡
  • ንክገብሩ፣ ቆሪፆም (ደስታ፣ ገፅ 12)፡- መርዓ ሓውን ሓሰርን ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

“… ባህሊ ተኸቲሎም … ንቡር ንክገብሩ

መዓልቲ ቆሪፆም    

ወሊዶም ክኸብዱ … ሓውን ሓሰርን     

ንመርዓ መሪፆም፡፡”

ዝብላ ክልተ ተለላታት እንተሪእና “ንክገብሩ” ዝብል ቃል “ንኽገብሩ” ክኸውን ምተገብአ፤ “ቆሪፆም” ዝብል ቃል ”ቖሪፆም” ክኸውን ምተገብአ፡፡ ኣብ ሞንጎ “ክ”ን “ኽ”ን ኣብ ሞንጎ “ቆ”ን “ቖ”ን ዘሎ ናይ ድምፅን ንባብን ኣፈላላይ ግልፂ ገይርካ ምርዳእ ኣድላዪ እዩ እየ ዝብል፡፡

  • ይወፅእ ናብ ሰማይ (ደስታ፣ ገፅ 34)፡- ቀለበት ኣብ ሰማይ ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

“… ኣብ ሰማይ ክሕፀ

ደጊሱ እኽለማይ

ጎበዝ ይኸድ ኣሎ

ይወፅእ ናብ ሰማይ፡፡”

ኣብ ዝብላ ተለላታት “ይወፅእ” ዝብል ቃል “ይድይብ” ወይ “ይሓኩር” ክኸውን ምተገብአ፡፡ ነዙይ ድማ ባዕሉ እቲ ገጣሚ ኣብ ገፅ 36 ፅላሎት ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

 “ክድይብ ደይቡ

ክወርድ ወሪዱ

ክቐንዕ ቀኒዑ

ክሰግድ ሰጊዱ …”

ኢሉ ብምፅሓፍ ኣብ ሞንጎ “ምውፃእ”ን “ምድያብ”ን ዘሎ ኣፈላላይ ትርጉም መረጋገፂ ሂቡና ኣሎ፡፡

  • እሰይ (ደስታ፣ ገፅ 70)፡- ብልሓት ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

“… ካብ መንፈስ ኣእምሮ

ደም ስጋ ወሲዱ

እሰይ ዕልል በሉ

ብልሓት ተወሊዱ፡፡”

ኣብ ዝብላ ተለላታት እታ “እሰይ” ትብል ቃል ሸሊዃ እትኣቱ ዘላ ዘይትግርኛ ቓል ስለዝኾነት “ኣሰይ” ክትከውን ምተገብአ ዝብል እዩ እቲ ገምጋመይ፡፡

  • አቦ ኩሉ (ደስታ፣ ገፅ 72)፡- ንብዓት ኣዳም ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

“ኣዳም ኣቦ ኩሉ

ካብ ሰባት ፈላማይ …”

ኣብ ዝብል ተለላ እቲ “ኣቦ ኩሉ”  ዝብል ሓረግ “ኣቦ ኹሉ” እንተዝኸውን ኣብ ሞንጎ “ኩ”ን “ኹ”ን ዘሎ ናይ ድምፅን ንባብን ኣፈላላይ ተነፂሩ ንምንባብ እውን ምጣዓመ፡፡

  • ሓላፊ ፕሮግራማትን ዋና ኤዲተርን (ደስታ፣ ኣብ ሽፋን ዘሎ ሪእቶ በርሀ ሃይለ)፡- እዚ “ሓላፊ ፕሮግራማትን ዋና ኤዲተርን “ ዝብል ፅሑፍ ኣፍታ ናይ ግጥሚ መፅሓፍ ሪእቱኡ ዝሃብ ጋዜጠኛ፣ ገጣምን ደራስን በርሀ ሃይለ (ሓራ ይበሎ) ኣብ ድምፂ ወያነ ትግራይ ዝነበሮ ሓላፍነት ስራሕ (መዝነት) ዝገለፀሉ እንትኾን ናይቲ ገጣሚ ናይ ውልቀ ፀገም እንተይኮነ ሓፋሻዊ ኣብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ትግራይ፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ትካለት ንግድን ዘሎ ፀገም ኣወሃህባ ስያመ ስለዝኾነ ክርአ ዝግብኦ እዩ፡፡
  • ምቾት እንተቦሪጩ ግዙፍ ኣብዙይ እቶ ዝባሃልእንደገና ሚድያታት ክዋፅኡ (ገብረእግዚኣብሄር፣ ኣብ መእተዊ)፡- እዞም ቃላት እዚኣቶም ናይ ገብረእግዚኣብሄር መፅሓፍ እንትንርኢ ኣፍቲ መእተዊ ዝርከቡ ዘይትግርኛ ቓላት እዮም፡፡ ካብ መሰረቱ እቶም ዘይትግርኛ ቓላት (እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን) ኣብዛ መፅሓፍ ብዝሕ ዝበሉ ዋላ እኳ እንተኾኑ ከም ኣብነት ዝኾኑ ድማ ካብቲ ትሕዝቶ ግጥሚ እዞም ዝስዕቡ ኣቕሪበ ኣለኹ፡፡
  • ደምበር ሞዴል ኮሪደር ሞተር መካናይዘሽን ዘርፊ ምስትዋት ወይም (ገብረእግዚኣብሄር፣ ገፅ 1 ጣራ፣ ችቦ፣ ገፅ 2)፡- ገብረእግዚኣብሄር ምዕራብ ምድሪ ኣብ ዝብል ኣፍታ መፅሓፍ ካበ ገፅ 1-2 ዘሎ ግጥሚ፡

“… ምዕራባዊ ጫፍ ጠረፍ ደምበር

ምህዋር ልምዓት ሞዴል ኮሪደር

ስርዓት ምንቅስቓስ ዓባይ ሞተር

ብመካናይዘሽን ብግብርና ዘርፊ

ብምህርቲ ቅድሚት እትስለፊ

.

.

.

ኣልበም ፍቕሪ ምስትዋት ህብረ ብሄር ህዝባ

መግለፂ ራእይ ከሉ መሊኡ ዝሃባ

.

.

.

… ፅሬት ደረጃኣ ምስ ዓለማት ተራ  

እትስለፍ ወይም እትሓልፍ

.

.

.

ለሚዓ ተልምዕ ናይ ኢንቨስተር ስፍራ

ሃፍታ ከርሰ ምድራ ትግራይ ጣራ

ኮኾብ ሰሜን ብርሃን ችቦ ሑመራ”

እንዳበለ ዝቕፅል እንትኸውን ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ ብዙሓት ዘይትግርኛ ቓላት ኢና እንረክብ፡፡     

  • ከምዘይካኣል ኩሉ፡- (ገብረእግዚኣብሄር፣ ገፅ 23)፡- ብደም ዝተሃነፀ ስርዓት ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

“ብዘይ ደም ክንበር ከምዘይካኣል ኩሉ

ብዘይ ፅቡቕ ስርዓት ኣይንበርን እዩ”  

ዝብላ ተለላታት እንተሪእና እታ “ከምዘይካኣል ኩሉ” ትብል ሓረግ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወረሰት ዘይትግርኛ ኮይና ጋዜጠኛታት ትግርኛ እውን ሓዊስካ ብዙሕ ሰብ ዝጥቀመላ ዘይግብእቲ ኣገላልፃ እያ፡፡ ሓደ ነገር ዘይካኣል እንተኾይኑ ኣይካኣልን፤ ዝካኣል እንተኾኑ ድማ ይካኣል እዩ፤ ኩሉን ፍርቁን ዘብል የብሉን፡፡ ብቐንዱ ድማ በኳር ትግርኛ ዘይኮነ ብዘይግቡእ ልቓሕ ዝመፀ ዘይግቡእ ኣገላለፃ ስለዝኾነ ክንእርሞ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡             

  • ቁንጮ፣ ከይከስም፡- (ገብረእግዚኣብሄር፣ ገፅ 57)፡- ታሪኽና ይነገር ኣብ ዝብል ግጥሚ፡

“… ቁንጮ ዓለም ናይ ስልጣነ ጫፍ ኣኽሱም

ታሪኽ ጥበባ ከይከስም”

ኣብ ዝብላ ተለላታት እተን “ቁንጮ”ን “ከይከስም”ን ዝብላ ቓላት ዘይትግርኛ ምዃነን ርኡይ እዩ፡፡ ኣብ ትግርኛ “ቁንጭቑንጮ” ዝብል ቃል ኣሎ መልእኽቱ ግን ንርእሲ ስልጣነ ዓለም ዝገልፅ ኣይኮነን፡፡     

  • ወላፈን፡- (ገብረእግዚኣብሄር፣ ገፅ 109 )፡- መተዓዛዘቢ ሓፅቢ ኣብ ትብል ግጥሚ፡

“ፅልዋ ፖለቲካ ወላፈን

ብመናፍሕ እንትረስን”  

ኢላ እያ እትጅምር እታ ግጥሚ፡፡ ነታ ወላፈን እትብል ቃል “ሃፈፅታ” ብዝብል ወይ ብካልእ ቃል ትግርኛ ተኪእኻ እቲ ግጥሚ ከም ዝኸውን ገይርካ ምምዕርራይ ምተኻእለ ነይሩ፡፡ ምተገብአ ድማ፡፡

  • ኣብ መፅሄታት      

ኣብ መፅሄታት ትግርኛ ዘሎ ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ንኽግምግም ኣብዛ ፅሕፍተይ እዚኣ 1) ኣብ ውራይና መበል 245 ሕታም ማዝያ 2008 ዓ.ም. (ገፅ 31፣ 13) ብኣስራት ኣብርሃም ሳልሳይ ወያነ ዘይወሰነ ሓሳብ ብዝብል ርእሲ 2) ኣብ ውራይና መበል 31 ሕታም ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. (ገፅ 36-40) ዘፀኣት (ዶ/ር) ብዝብል ሽም ብርዒ ዘላቒ ረብሓን ህልውናን ክልቲኡ ትግራዋይ ህዝቢ ብዝብል ርእሲ 3) ኣብ ውራይና መበል 32 ሕታም ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. (ገፅ 20-24) ብጋዜጠኛ ኣቤል ጉዕሽ ትግራይ ዶ ትሕረስ ብዝብል ርእስን 4) ኣብ መፅሄት ወይን ፍሉይ ሕታም ሓዱሽ ዓመት 2008 ዓ.ም. (ገፅ 20-33) ተጋዳላይ ነበር ገብረማርያም ማሓመድ ብዝብል ሹም ሸፈጥን ኣንነትን እንትሓብሩ ብዝብል ርእሲ ዝተፃሕፋ ዓንቀፃት እየ ገምጊመ፡፡ ዘይፅፉፋት ኣጠቓቕማ ቓላት እየን ዝበልኩወን ድማ እዘን ዝስዕባ ከም ኣብነት ኣቕሪበ ኣለኹ፡፡

  • ካብ 15ይን 16ይን ክ/ዘመን (ዘፀኣት ገፅ 36)፡- ”15ይ”ን ”16ይ”ን ክ/ዘመን ተባሂሉ ተፃሑፉ እንታይ ኢልካ እዩ ኽንበብ? መበል 15ን 16ን ክፍለ ዘበን ተባሂሉ እዩ ክፀሓፍ ዘለዎ፡፡
  • ኤሊት/ኤሊታት (ዘፀኣት ገፅ 36፣ 37፣ 38፣ 39፣ 40፣ ኣቤል ገፅ 20)፡- ምሁር፣ ምህርቲ፣ ምሁራት፣ ፈላጥ፣ ፈላጣት፣ ሊቅ፣ ሊቃውንቲ፣ ሊቀ ሊቃውንቲ ዝባሃሉ ቓላት ገዲፍካ ኤሊት ዝብል ምጥቃም ከምዛ እንጀራኻ ኣብ ጊባቦ እንዳዓሰወ እንተሎ ኣቐሚጥካ ናብ ቆለጤን ምኻድ እየ ዝሪኣ፡፡
  • ቁልፊ (ኣቤል ገፅ 23)፡- ቁልፊ ማለት መታዓጠቕያ (መዕጠቒ ስረ) ማለት እዩ፡፡ ኣብዙይ ግን ትግራይ ጓጉንቸርን ቁልፍን ስልጣነ ኢትዮጵያ እያ ብዝብል እዩ መፍትሕ ንዝብል ቃል ተኪኡ ቐሪቡ ዘሎ፡፡
  • ሌዘር (ኣቤል ገፅ 24)፡- “… ፀሊም ሌዘር ጃኬት ዝገበረ …” ኣብ ዝብል እዩ ኣትዩ ዘሎ፡፡ ነቲ ተለሚዱ ዘሎ ኣገላልፃ እዩ ዘርኢ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጫማ እንተኾይኑ ቆዳ ንጃኬት ድማ ሌዘር ዝብል እዩ ተለሚዱ ዘሎ፡፡ እታ ቖርበት ሓንቲ ቖርበት እያ፡፡ ንጫማ ኾነ ንጁባ (ጃኬት) ቖርበት እንተኢልናዮ ዝጎድለና የለን፡፡
  • ናምን (ኣስራት ገፅ 13)፡- ምናምን ማለት ብትግርኛ ኾንቱ፣ ዘይጠቕም፣ ዘይረብሕ፣ ኣንደበት ዘየብሉ ማለት እዩ፡፡ ኣብዙይ ግን “ምኽንያቱ ኢትዮጵያዊ ብሄርተኝነት ማለት ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ህዝቢ ምናምን ብዝብል ስለዘይርድኦ እዩ፡፡” ኣብ ዝብል ገለ፣ ገለ መለ፣ ታይ ዶስ ከመይ ዶስ ንዝብሉ ቓላት ተኪኡ (ቀቲሉ) እዩ ኣብ ዘይግባእ ኣትዩ ዘሎ፡፡
  • ማንነት ማለት (ኣስራት ገፅ 13)፡- “ሓደ ሰብ ኣቡኡን ኣዲኡን ተጋሩ ኾይኖም ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ እንተዓቢዩ ትግራዋይ ማንነት ኣለዎ ማለት ኣፀጋሚ እዩ፡፡” ኣብ ዝብል ኣብ ክንዲ “ማንነት” “መንነት” ኣብ ክንዲ “ማለት” ድማ “ምባል” ዝብሉ ቓላት እዮም ግቡኣት ነይሮም፡፡
  • ወይም (ገብረማርያም ገፅ 20፣ 22፣ 23)፡- “… ናብ ስራሕ/ዕረፍቲ እናኸድካ ወይም ኣብ ስራሕ ወይም ዕረፍቲ እናሃለኻ…” (ገፅ 23) ወይ፣ ወይ ድማ፣ ወይ ድማኒ ንዝብላ ቃላት ተኪኣ (ቀቲላ) ኣትያ ኣላ፡፡
  • እዩ (ገብረማርያም ገፅ 22)፡- “ንሕና … ኣብ ዘይምልከተና እዩ ካብ ሓላፍነትና ዝተወገድና ወይም ክንወፅእ ዝተገበረ”፡፡ “ኢና” ዝብል ቃል እዩ እቲ ግቡእ፡፡ እቲ ፀሓፊ ኣብ ገፅ 23 “ኢና” ዝብል ቃል ተጠቂሙ ኣስተኻኺሉ ፅሒፍዎ ኣሎ፡፡ ሎምታት “እዩ” ዝብል ቃል ኣብዘይ ቦትኡ ምእታው ይልመድ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ሰብ ረኺቡካስ “ዳሓን ዲኻ?” ክንዲ ዝብለካ “ደሓን ድዩ?” ዝብሉታ መሊኣቶም እዮም፡፡ ከምዛ ብዛዕባ ሃለዋት ካሊእ ሰብ ዝሓቱኻ ዘለዉ!
  • ህገ-ወጥ (ገብረማርያም ገፅ 23)፡- ዘይሕጋዊ እዩ ክባሃል ዝግብኦ፡፡
  • ምኽንያቱም (ገብረማርያም ገፅ 23)፡- ምኽንያቱ፣ ምኽንያቱ እውን፣ ምኽንያቱ ድማ/ድማኒ ንዝብሉ ቓላት ብዘይ ኣግባብ ዝተከአ እዩ፡፡
  • ቁጭት (ገብረማርያም ገፅ 26)፡- “… ሻዕቢያ ምስ ወረረ … ኩሉ ተደናጊፁ ኔሩ ቁጭት እውን ኔርዎ …” ኣብ ዝብል እቲ “ቁጭት” ዝብል ቃል ትግረኛ ኣይኮነን፡፡ ኣሾቦሾብ እቲ ፀሓፊ “ቁጨት” ዝብል ቃል ክጥቀም ደልዩ እንተኾይኑ ቁጨት፣ ሕራነ፣ ቑጠዐ ዝብሉ ቓላት እውን ማዕረ መልእኽቲ ዝህቡና እዮም፡፡
  • ኮማንደር ኢን ቺፍ (ገብረማርያም ገፅ 26)፡- ክሳብ ሎሚ ዘይተማህዘ (ዘይተረኽበ) እንተኾይኑ እውን ቃል ምሂዝና (ረኺብና) ክንትክኦ ዝግባኣና እዩ፡፡
    • ኣብ ሕግታት       

ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ኣብ ሕግታት ንኽግንዘብ ብ1999 ዓ.ም. ተማሓይሹ ዝወፀ ሕጊ ቤተሰብ ትግራይ ቑፅሪ ኣዋጅ 116/1999 እየ ሪአ፡፡ ኣፍቲ ኣዋጅ ክንድቱይ ገኒኑ ዝተራእየኒ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ዘይትግርኛ ቓላት ኣይሬእኹን፡፡ ዝተወሰና ፀገማት ንምጥቃስ ግን እዘን ዝስዕባ ኣለዋ፡፡

  • እታ ዕልልቲ ዘይትግርኛ ግን ድማ ዝተለመደት ኣፍቲ ኣዋጅ እውን ኣትያ ዘላ ቓል “ይግባይ” ትብል እያ (ዓንቀፅ 30):: ኣብ ዓንቀፅ 30(1) “… ኣብ ዝውሃብ ውሳነ ተማራዓውቲ ወይ ካብ ተመራዓውቲ ሓዲኦም ናብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ምቕራብ ይኽእሉ፡፡” ዝብል ድንጋገ ኣሎ፡፡ ኣብዙይ ሓደ እታ “ይግባይ” ትብል ቃል ትለመድ ዳኣ ‘ምበር ዘይትግርኛን ትርጉም ዘየብላን ስለዝኾነት “ይግባኣኒ” ክትባሃል ነይርዋ፡፡ ካልእ ድማ እቲ “ምቕራብ ይኽእሉ” ዝብል ኣገላልፃ “ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም” ተባሂሉ ክግለፅ ዝነበሮ እዩ፡፡ ከምዙይ ዓይነት ኣገላልፃ ብዘይግቡእ ይልመድ ኣሎ፡፡ ኣፍቲ ሕጊ እውን እኒሀ፡፡
  • እቲ ኻልእ ከም ድኽመት ዝወስዶ ብዝበለፀ ኽገልፁ ዝኽእሉ ቓላት ኣብ ጥቕሚ ዘይምውዓሎም እዩ፡፡ ንኣብነት “ስጋ ዝምድና” (ዓንቀፅ 1) ካብ ምባል “ሕውነት” ተባሂሉ ከም ኮነ ብዝበለፀ ንገለፆ፡፡ “ውልቀ ንብረት” (ዓንቀፅ 78፣ 80፣ 81) ካብ ምባል ድማ “መልዕሎ” ወይ “ኣቕሓ ላዕሊ” እንተዝባሃል እቲ ወርቃዊ ኣበሃህላ ኣብ ጥቕሚ ምዋዓለ፤ ምማዕበለ ድማ፡፡
  • ካልእ ድማ “ብርርኽ(ምብርራኽ)” ወይ “ምትእኽኻል” ዝብሉ ቓላት ኣፍቲ ኣዋጅ ብዘይምርካበይ ኣብ ሕብረተሰብና ንኹነታት ሓዳር ብጣዕሚ ዝገልፅ ቃል ጎዲሉ እየ ዝብል፡፡ ብርርኽ/ምትእኽኻል ብባህላዊ መንገዲ ውዕል መርዓ ዝግበሮ ስነ-ስርዓት እንትኾን ብዝግባእ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወለድን ኣሕዋትን ተማራዓውቲ ኣብ ዘለውዎ ብዝተገብአ ስነ-ስርዓት ተፃሒፉ ከም ውዕል መርዓ ዝጠቅም ወረቐት እውን ምስ ሽማግለታት፣ ምስ ወለዲ ተመራዓውትን ምስ ተመራዓውትን (ሰብ ሓዳር) ዝቕመጠሉ ባህላዊ ፀጋ እዩ፡፡ እዙይ ክሳብ ሎሚ ውዕል መርዓ ኣብ ዘይህልወሎም እዋናት (መብዛሕትኡ ግዜ የለን) ከም መርትዖ ሓዳር ስለዝጠቅም ኣፍቲ ኣዋጅ ኣብ ዓንቀፅ 117 ከም ኣብነት መርትዖ ኩነታት ሓዳር ኮይኑ እኳ ክግለፅ ነይሩዎ እየ ዝብል፡፡
    • ኣብ ፍርድታት/ውሳነታት ኣብያተ ፍርዲ     

ኣብ ውሳነታት ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ ዘሎ ኣጠቓቕማ ቓላት ንምርኣይ ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእኸል ብቑፅሪ መዝገብ 19855 ብዕለት 24/02/2007 ዓ.ም. ዝተዋህበ ብይንን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ብቑፅሪ መዝገብ 73809 ብዕለት 12/09/2007 ዓ.ም. ዝሃቦ ፍርድን እየ ገምጊመ፡፡ እቲ ዋኒን ሓንቲ ልቓሕ ተለቂሑ ልቕሑ ዘይከፈለ ነጋዳይ ባዓል ገዝኣ ተኸሲሱ ብዝተፈረዶ ዕዳ ኣቕሓ ላዕለይ እትብሎን ምስ ባዓል ገዝኣ ሓቢሮም ዘፍረይዎን ገዛን ቦታን ብዕዳ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክሕረጅ ዝተኣዘዛ ሰበይቲ ባዓል ገዛይ ብዝተለቅሖ ኣነ ብዘይፈልጦ ዕዳ ናይ ውልቀ ንብረተይን ብፅሒተይን ክሽየጠኒ ኣይግባእን ኢላ ብዘቕረበቶ ጥርዓን ቤት ፍርዲ ዞባ ብይን ሂቡ ብይግባኣኒ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኽልል ዝተራእየ እዩ፡፡

ኣፍቶም ዝተዋህቡ ውሳነታት እቶም ልሙዳት ፀገማት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ እዮም ዘለው፡፡ ንኣብነት “ኣኽሱም” ክንዲ ምባል “ኣክሱም”፣ “ዝኾነ” ክንዲ ምባል “ዝኮነ”፣ “ዝተቖረፀ” ኣብ ክንዲ ምባል “ዝተቆረፀ”፣ “መቕረቢ” ኣብ ክንዲ ምባል “መቅረቢ” ዝብሉ ቓላት ምጥቃም፡፡ እቶም ካልኦት ልሙዳት ፀገማት ድማ ንኣብነት “ማይክሮ ፋይናንስ”፣ “ሆቴል”፣ “ፕሮጀክት” ዝብሉ ቓላት እዮም፡፡ ነቶም ቃላት እንታይ ኢልና ኢና ክንትክኦም ክንሓስበሉ ዝግባኣና ውራይ እዩ፡፡

ይግባኣኒ ባሃሊ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘቕረቦ ይግባኣኒ ዝተጠቕመለን ሰለስተ ቓላት ከም ኣብነት እንትንርኢ ድማ፡-

  • ሕገ ወጥ፡- “… ናይ ሓባር ዕዳ ንዘይምኽፋል ዝተሰርሐ ሕገወጥ መረዳእታ ንምዃኑ …” ኣብ ዝብል ዝኣተወ ኾይኑ ዘይሕጋዊ ዝብል ቃል ትግርኛ እዩ ክገልፅ ኣትዩ ዘሎ፡፡
  • ዞባ ቤት ፍርዲ ከይተቸወ፡- “… ዞባ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እዚ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ መረዳእታ … ከይተቸወ ምሕላፉ እውን ኣግባብነት የብሉን፡፡” ተባሂሉ እዩ ኣትዩ ዘሎ፡፡ “ቤት ፍርዲ ዞባ”፣ “ከይነቐፈ” ብዝብሉ ቓላት ክትክኡ ነይርዎም፡፡
  • ጥምር ተናብቦ፡- “… ብመሰረት ፍ/ሕ/ቁ 1723፣ 1185፣ 2878 ጥምር ተናብቦ …” ተባሂላ ዝቐረበት እታ “ጥምር” ትብል “ጥሙር” ተባሂላ ከም ኮነት ብዝበለፀ ፅብቕቲ ምኾነት ነይራ፡፡
    • ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ኣብ ዘረባ፡ ኣብ ተልበጅን ትግራይ ካብ ዝቐረቡ መደባት  

ብዕለት 15/01/2009 ዓ.ም. ተልበጅን (መስኮተ ብርሃን) ትግራይ እንዳረእኹ ኣብ “ፌስ ቡክ” (መርበብ ገፅ ንገፅ):-

“ሕዪ ኣብ ተልበጅን ትግራይ መደብ ጋሻና ጎይታ ሃለቃ ኣለም ኣብርሃ ዝባሃሉ ጫሓም ሰብኣይ ብዛዕባ ንህብን ማዓርን ይዛረቡ ኣለዉ፡፡ ጎይታና እቲ ሓሳቦም እኳ ዘወፆ የብሉን ቅዱስ እዩ፡፡ እንተ ትግርኛ እሞ ቀቲሎማ እዮም፡፡ ሓደ ገባር ክንድዙይ እንትን፣ እና፣ ኣነም፣ ምናምን እንተኢሎም እንታይ ኢና ንገብሮ? ህዝቢ ትግራይ (ምሁርን ዘይምሁርን ኣማም ደማም) ፅሩይ ትግርኛ ፈንፊንካ ሓንፈፅ (ኣምሓርኛ፣ እንግሊዝኛ ወይ ካልእ ልሳን) ምዝራብ ከም ምዕባለ እናዳመሰሎ ታብኡ ድማ እተን ዘይትግርኛ ቓላት ሸሊዀን ሓንቲ ሓንቲ ቃል ትግርኛ ቐቲለን መረበተን ይወርስአን እሞ እቲ ትግርኛና እቲ ልሳንና እቲ ልሳነ ኣግኣዚ እቲ ዘረባና ዘረባ ትግራይ ይታሓናፈፅ ኢሉ ኢሉ ድማ ይሓምም ይመውት ኣሎ፡፡ ኣታ ናብ መን ኢና ጥርዓን ነቕርቦ?” ትብል ፅሕፍቲ ለጢፈ ነይረ፡፡

ሓደ ዓርከይ ድማ “ኣንቱም ሰባት እንታይ ኢኹም ብዛዕባ ተራ ሰባት ቋንቋ ኣባላሽዮም ኢልኩም ትጭነቑ? እቶም ኣብ ኩሉ ኣንፈት ዘለዉ ሰበስልጣን … ኣይ ሰለስተ ኢድ ዘረብኦም ኣምሓርኛ እንድዩ፡፡ አረ እቶም ናይ ትግርኛ መምህራን ብኣምሓርኛ ከየምህርዎም ፍርሑ!!!!” ዝብል ሪእቶ መሊሱለይ ነይሩ፡፡ እዙይ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝቐርቡ ይኹን ካልኦት ተጋሩ ዝዛረብዎ ትግርኛ ፅሬቱ ዝተባካሸወ ይኸውን ከምዘሎ ጭቡጥ መረዳእታ እዩ፡፡

ካልኦት ኣብነታት እውን ምጥቃስ ይካኣል እዩ፡፡ ብዕለት 22/01/2009 ድማ ሓደ ውሩይ ጎያዪ ናብ ቃለ-መሕትት ቀሪቡ ነይሩ፡፡ ብተደጋጋሚ “ወጣት”፣ “ክሮስ ካንትሪ”፣ “ሰፖርት ከም ፕሮፌሽን”፣ “ወድያውኑ” ዝብሉ ቓላት ብጣዕሚ ይገልፅ ነይሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ሓደ ህቡብ ተዓዋታይ ውድድር ብሽክሊታ ቐሪቡ ድማ “ደሞ(ደግሞ)” ትብል ቃል ብሕልፊ ደጋጊሙ ይዛረባ ነይሩ፡፡ እንተገደደ እኳ “ወጣት” ካብ ምባል “መንእሰይ”፣ “ወድያውኑ” ካብ ምባል “ሽዓንሻዓ”፣ “ንእለት”፣ “ኢድ ብኢድ”፣ “ደሞ/ደግሞ” ካብ ምባል “ድማ” ዝብሉ ቓላት ከም መማረፂ ምውሳድ ንተኻእለ፡፡

ብዕለት 15/03/2009 ድማ ሓንቲ ፍልጥቲ ጎያዪት ምስ መሰልጠኒኣ ቐሪቦም ካብ ዝገለፅዎም ሓሳባት እታ ጎያዪት “እቲ ውድድር ቆንጆ እዩ ነይሩ ምርጥ እዩ ነይሩ … ኣንደኛ እየ ወፅየ” ዝብል ገሊፃ፡፡ እቲ መሰልጠኒ ድማ “… ኣብ ውድድር ዝተሳተፉ ኣትሌታት ክለብ ናይ ምርካብ ፕሮባብሊቲ ኣለዎም፤ ሕዚ ኢቭን ዋላ ክሳብ ናብ ምፅራይ ደረጃ ዝበፅሑሉ ኣሎ …” ዝብል ገሊፁ፡፡ ኣብ ሓፂር ሓሳብ ብዙሓት ዘይትግርኛ ቓላት እዮም ተጠቒሞም፡፡

ብ17/03/2009 ዓ.ም. ኣብ ድማ “ኤጀንሲ” መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ብተልበጅን ዝመሓላለፉ መደባት ኣዳልዮም ንዘቕርቡ ሰብ ፍቓድ ዝምልከት ምልክታ ኣውፂኡ ነይሩ፡፡ እቲ መፀዋዕታ ብዙሓት ነገራት ዝጥምት ኮይኑ “ኣይዶል ሾው” እውን ከምዝሓውስ ጠቒሱ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀሪብኩም ወይ ብስልኪ  “ምሕታት ትኽእሉ” ይብል፡፡ “ኣይዶል ሾው” ዝብል ትግርኛ ኣይኮነን፡፡ “ምሕታት ትኽእሉ” ዝብል ዝተባላሸወ ትግርኛ እዩ፤ “ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም” እዩ ክባሃል ዝግባእ፡፡

ኣብ ከተማ ሽረ ምንፃፍ እምኒ ዝሰርሑ መናእሰይ ክኽፈለና ዝግባእ ገንዘብ ብዘይኣግባብ ተቐኒሱና እዩ ዝብል መረረት ስለዘስምዑ ተልበጅል ትግራይ ነዙይ ዘፃሪ ምድላው ኣዳልዩ ብዕለት 20/03/2009 ዓ.ም. ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ ኣብቲ መደብ እቲ ውራይ ይምልከቶም ተባሂሎም ቃለ-መጠይቕ ካብ ዝተገበረሎም ሰባት ሓደ “እቲ ዝተዋህቦም ስራሕ ኣብ ግዚኡ ስለዘይወድእዎ እቲ ዝዘንግዕዎ ግዜ ታሓሳቢ ተገይሩ ስለዝተቐፅዑ እዩ እቲ ገንዘብ ተቐኒስዎም” ኢሉ መግለፂ ሂቡ ነይሩ፡፡ እቲ “ታሓሳቢ ተገይሩ” ዝብል ኣገላልፃ ኣብ ዘይቦትኡ ዝኣተወ ዘይግቡእ ኣገላልፃ እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ እግረ መንገደይ ጠቒሰያ ክሓልፍ ዝደሊ ብዕለት 14/05/2009 ዓ.ም. ምሸት ከባቢ ሰዓት 4፡00 መደብ ዘተ ስነ-ልቦና መብርሂ ክህብ ዝቐረበ ኣብ “ኮሌጅ” መምህራን ዓብዪ ዓዲ ናይ ስነ-ልቦና (ስነ-ኣእምሮ) መምህር ዝዛረቦም ዝነበሩ ቓላት መብዛሕትኦም ትግርኛ ዘይኮኑ እዩ ይገልፅ ነይሩ፡፡ እቶም ዝተዛረቦም ቃላት ሽሕ መናሽሕ ስለዝኾኑ ፍሉይ ቃል ኣይጠቐስኩን፡፡ ግን ከመይ ገይሩ ኾን የምህር ይኸውን? ከምታ ዝዛረባ ዝነበረ ገይሩ ዘምህር እንተኾይኑ ተዘሚትና ኢና እየ ዝብል፡፡

  • ፅፈት ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ ኣብ ደርፍታት           

ኣብ ደርፊ እንትንርኢ እውን ርኡያት ድኸመታት ኣለዉና እዮም፡፡ ንኣብነት ድማ ድምፃዊ ገ/ስላሴ ገ/ሚካኤል ቹቹ ብዝብል ኣብ ዝደረፋ ህላዊት ደርፊ “ወይዛ ቖልዓ እዚኣየ፣ ሽኮር ኣገዳ እዩ ዝጥዕም ላዛኣየ” ዝብል ኣሎ፡፡ እቲ “ሽኮር ኣገዳ” ዝብል ቃል ብዘይግቡእ ትግርኛ መሲሉ ዝኣቱ ዘሎ እሞ ድማ ኹሎም ባህላዊ ደርፊ ዝደርፉ ደረፍትና ዝጥቀሙሉ ኾይኑ “ቃንጫ ሽኮር” ክባሃል ዝነበሮ እዩ፡፡

ድምፃዊት ሸዊት መዝገቦ ፀማእኻኒ ብዝብል ኣብ ዝደረፈታ “ድማ ፀማእካኒ ናፈቕካኒ፣ ፀማእካኒ ናፈቕካኒ” ዝብል ኣሎ፤ እታ ግጥሚ ናይ ፍስሃ ዘሪህን እያ፡፡ ብተመሳሳሊ ድምፃዊት ኢየሩሳሌም ኣምዴ ፃውዒት ፍቕሪ ብዝብል ኣብ ዝደረፈታ “… ትናፍቐኒ ንስኻ” ዝብል ኣሎ፡፡ ኣብ ናይ ሸዊት እቲ “ፀማእካኒ” ዝብል ከም ቅዲ ዝተወሰደ እዩ ዝመስለኒ ነቲ “ፀማእኻኒ” ዝብል ፅሩይ ቃል ትግርኛ ብዘይግቡእ ዝተከአ እዩ፡፡ ኣብ ናይ ሸዊትን ኢየሩሳሌምን “ናፈቕካኒ”፣ “ትናፍቐኒ” ዝብሉ ቓላት እውን ዝተባላሸዉ ቓላት ትግርኛ እዮም፡፡ “ናፊቐካ” ኣብ ክንዲ ምባል “ናፊቕካኒ”፣ “ናፊቐዮ” ኣብ ክንዲ ምባል “ናፊቑኒ” ምባል ይልመድ ኣሎ፤ እዝግዮ ዘብል እዩ፡፡

ድምፃዊ ሰለሙን ይኩኖ ኣምላክ ኣውርስ ብዝብል ኣብ ዝደረፋ ደርፊ “ኣብሽሩ ነቕልጦ” ኢሉ ኣሎ፤ ኣየኹም፣ ነድምቆ፣ ንዕምሮ፣  ዝብሉ ቓላት ክንዲ ምጥቃም፡፡ ድምፃዊ ኣማኑኤል የማነ ናፍቖት ብዝብል ኣብ ዝደረፋ ደርፊ ድማ “ፈሪድኪ ድዩ ክሓድር በይነይ፣ ተመለሲ እንዶ ክምለስ ውነይ” ኢሉ ኣሎ፤ ገጣሚኣ ጠዓመ ተስፋይ (ወዲ ቐሺ) እያ ትብል፡፡ “ፈሪድኪ ዲኺ” ክንዲ ምባል እዩ “ፈሪድኪ ድዩ” ዝብል ቃል ተጠቒሙ ዘሎ፡፡ ድምፃዊ መርከብ  ባርያጋብር ሸውሩባ ብዝብል ደርፊ ኣቡኡ ዘፍለጠ ኣምበለታይ ደርፊ ሓንፈፅ ኣምሕርኛን ትግርኛን እዩ ደሪፉ ዘሎ፡፡ ምናልባት ንምዕባለ ደርፊ ትግርኛ ይጠቅም ዝብል ኣራእያ ዶ ይህልዎ ይኾን? እንተ ኣነ እሞ ሓንፊፅካ ምዝራብን ምድራፍን ፀገም የብሉን ዝብል ትምህርቲ ዝህብ መባላሸዊ ህፃውንቲ ትግራይ እየ ዝብሎ፡፡ ብፍላይ ደርፊ ኩሉ ስለዝሰምዖ ሕሉፍ ጥንቃቐ የድልዮ እየ ዝብል፡፡

  • ምጋም ኣጠቓቕማ ቓላት ትግርኛ፡ ዘይግቡእ ልቓሕ፣ ስእነት ትኩርነትን ጥንቃቐን ድኽመት ምህዞ ቓላትን

እቶም ዝተዘርዘሩ ፀገማት ባህሪኦም እንተሪእናዮም ኣብ ዝተወሰኑ ጉጅለታታ ምጉጃል ይካኣል እዩ፡፡ ንሳቶም ድማ፡-

ሀ. ዘየድልዩ ቓላት ተለቂሕኻ ኣምሲልካ ምጥቃም፡- ንአብነት “ምዃኑ እዩ” ዝብል ቃል ሱቕ ኢልካ እዩ ዝኣቱ፡፡

ለ. ትግርኛ ገዲፍካ ናይ ልቓሕ ቓላት ትግርኛ ኣምሲልካ ምጥቃም፡- ንኣብነት “እነስተማቕሮ” ዘለና ምባል ገዲፍካ “እነጠዓዕሞ” ዘለና ምባል፡፡

ሐ. ትግርኛ ገዲፍካ ተለቂሕኻ ትርጉም ምጥቃም፡- ንኣብነት “ተኸባቢርና ክንነብር ኣለና” ክንዲ ምባል “ተኸባቢርና ምንባር ኣለና” ዝብል ምጥቃም፡፡

መ. ትግርኛ ገዲፍካ ትግርኛ ዘይኮኑ ብቐጥታ ምጥቃም፡- ንኣብነት “እንደገና”፣ ”እንትን”፣ “ምናምን”፣ “እና”፣ “ወይም”፣ “ኣነም”፣ “ምክንያቱም (ምኽንያቱም)” ዝብሉ ቓላት፡፡

ረ. ፀጋና ዘይምፍላጥ (ዘይፀገመና እንተሎ ዝፀገመና እናዳመሰለና)፡- ንኣብነት “ፈላጥ”፣ “ምሁር(ምህርቲ)”፣ “ሊቅ” ዝብሉ ቓላት ገዲፍካ “ኤሊት” ዝብል እንግሊዝኛ ምጥቃም፡፡

ሰ. ድኽመት መፅናዕቲ ወይ ምህዞ ቓላት፡- ንኣብነት ፕራግማቲዝም፣ ቦናፓርቲዝም፣ ጀነሬተር ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ቓላት፡፡ ሎሚታት እኳ ፅቡቓት ተበግሶታት እኒሀዉ እዮም፡፡ ንኣብነት “ዓፅመ-መፅናዕቲ” “(ማራ ፅሑፍ)” ነቲ “conceot paper (abstract)” ዝብል ተኪኡ መፅዩ ኣሎ፡፡ ክንዲ “moter bycycle” “ተግተግታ”፣ ክንዲ “infusion” “ማይ ሓይሊ”፣ ክንዲ “ventilator” “ፍሽፍሽታ”፣ ክንዲ “coble stone” “ምንፃፍ እምኒ” ዝብሉ ቓላት ማዕቢሎም ኣለዉ፡፡ “መካናይዘሽን ሕርሻ” ይባሃል ንዝነበረ እውን ድምፃዊ ሽሞንዲ ገ/ማርያም ዳንሻ ኣብ ዝብል ደርፉ “ምዕቡል ሕርሻ” ብዝብል ኣቕሪቡዎ ኣሎ፡፡ ክምዕብል ዝግባእ እዩ፡፡

እቶም ዝገምገምኩዎም ፅሑፋት፣ ደርፍታትን ዘረባታትን እንተሪእና እቶም ፀሓፍቲ (መዳለውቲ) ፣ ደረፍቲ ወይ ተዛረብቲ ብውልቆም ክጥንቀቑ ይግባእ ነይሩ ምባል ዝካኣል እኳ እንተኾነ እቲ ፀገም ብናታቶም ሕሉፍ ስንፍና ዝመፀ እዩ ምባል ግን ዝካኣል ኣይመስለንን፡፡ እቲ ፀገም ሓፈሻዊ ኾይኑ ንኣጠቓቕማ ቋንቋና ዘለና ኣድህቦ (ትኹረት) ክንደየናይ ከምዝተሸርሸረ ዘርእየና እዩ፡፡       

2 ክፋል፡ መበገሲ እዞም ፀገማት ክኾኑ ዝኽእሉ ምኽንያታትን ምኽኒታትን       

ንኣጠቓቕማ ቋንቋና ዘለና ኣድህቦ (ትኹረት) ንምንታይ እዩ ተሸርሺሩ? ዝብል እንትንሓትት እዞም ዝስዕቡ ወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታትን ምኽኒታትን ምፅራሕ ይካኣል እዩ፡፡        

  • ወድዓዊ ምኽንያታትን ምኽኒታትን          
    • ስነ-መንግስታዊ ምኽንያት፡ ተፅዕኖ ልሳን ስራሕ ማእኸላይ መንግስን ካልኦት ልሳናትን

ይኹን ዳኣ ሕገ-መንግስቲ ፌዴራላዊት ዴሞክራሲዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣብ ዓንቀፅ 5(1) ኩሎም ቋንቋትት ኢትዮጵያ ማዕረ እዮም ይበል እምበር ኣብ ዓንቀፅ 5(2) ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኣምሓርኛ ምዃኑ ደንጊጉ ኣብ ተግባር እውን ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ዕቤት ትግርኛን ካልኦት ልሳናትን ግሁድ ዝኾነ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ኣሕዲሩ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ይኹን ዳኣ ክልላት ብዝተዋህበን ስልጣን መሰረት ክልላት ነናይባዕለን ናይ መንግስታዊ ስራሕ ቋንቋ እንትመርፃ ትግርኛ ኣብ ትግራይ ዝተመርፀ ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ ክልላትን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ዝህልዉ ርክባት እቲ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ስለዝውሰድ ዘሎ እቲ ተፅዕኖ ዝገደደ ይኸውን ኣሎ፡፡ እዙይ ድማ ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ናይ ተዓብላላይነት ባህሪ ፈጢሩ እዩ እየ ዝብል፡፡ ብጭቡጥ ዝተፋላለዩ ልሳናት ምፍላጥ ይጠቅም እምበር ኣይጎድእን፡፡ ግን ናትካ ቐቲልካ ኣይኮነን፡፡

  • ማሕበረ-ቑጠባዊ ምኽንያታት፡ ንረብሓ ቑጠባ ታብ ትግራይ ወፃእ ዝነብር ትግራዋይ ምብዝሑን ስራሕቲ ኪነት ትግርኛ ምድኻሙን        

ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ንናይ ቑጠባ ድሌት ካብ ትግራይ ወፃእ ዝነብሩ ተጋሩ ምብዝሖም እውን ኣፍቲ ምዕባለ ቋንቋ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ኣለዎ እዩ (እቶም ካብ ትግራይ ወፃእ ዝነብሩ እንብሎም ዝተማህሩ፣ ዘይተማህሩ፣ ዳኹ፣ ሃፋትም፣ ሸቃሎ፣ ለመንቲ፣ ኣብ ዝተፋላለዩ ገበናት ዝተዋፈሩ እዮም ተባሂሎም ዝእሰሩ ዝፍትሑ እውን ዝርከቡዎም እዮም)፡፡ ክንደይ ትግራዋይ እዩ ካብ ትግራይ ወፃእ ዝነብር እሞ ሓጎስ ሽሙ ዝነበረ ሃጎስ/ሀጎስ፣ ሓጋዚ ሽሙ ዝነበረ ሃጋዚ/ኣጋዜ፣ በርሀ ዝነበረ በርሄ፣ ተስፋይ ዝነበረ ሽሙ ተስፋየ፣ ኣብርሀት ዝነበረት ኣብረኸት፣ ሓዳስ ዝነበረት ሀዳስ/ሃዳስ፣ ሓዱሽ ዝነበረ ኣዲስ/አዲስ፣ መኮነን ዝነበረ መኮንን፣ ሹሻይ ዝነበረ ሲሳይ፣ ብርሃነ ዝነበረ ብርሃኔ እንዳተባህለ ሽሙ እኳ ብትኽክል ዘይፅውዕን ዘይፅዋዕን ዘሎ እንተኢልና ስፍሪ ቑፅሪ የብሉን፡፡ ምናዳ ምናዳ ድማ እዞም ካብ ትግራይ ወፃእ ዝነብሩ ንባዕሎም ጥራሕ እንተይኮነስ ስድራ ክጥይቑ ይኹን ብዝተፈላለዩ ውልቃውን ማሕበራውን ምኽንያታት ናብ ትግራይ ስለዝመላለሱ ናይ ቋንቋ ምትሕንፋፅ ንኽዓዝዝ ዓብዪ እጃም ኣለዎም፡፡ ከም ተዋስኦ ዝበሉ ስራሕቲ ኪነት ትግርኛ ዘየለዉ ወይ ዝደኸሙ ምዃኖም ጉን ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ፡፡

  • ተፅዕኖ መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ተፅዕኖ ተልበጅን ኢትዮጵያ (ትካል መቓልሕ ኢትዮጵያ)         

ተልበጅን ኢትዮጵያ ኣብ ምድኻም ቋንቋ ትግርኛ እጃም ኣለዎ እየ ዝብል፡፡ እቲ ሓደ ምኽንያት ንብዙሓት ዓመታት መደብ ቋንቋ ትግርኛ ዘየብሉ ወይ ድማ ብጣዕሚ ውሱን ግዜ (ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ሓንቲ ሰዓት) ስለዝነበረ እዩ፡፡ ክሳብ ሎሚ እውን እንተኾነ ዳርጋ ኩሉ ግዜ መደባት ንኸዳልዉ ቃለ-መጠይቓት ከካይዱ ናብ ትግራይ ዝኸዱ ጋዜጠኛታት ትግርኛ ዘይኽእሉ ስለዝኾኑ ብኣምሓርኛ ይሓቱ መልሲ ይቕበሉ፡፡ እዙይ ድማ ኣፍቲ ከይዲ ዕቤት ቋንቋና ዓብዪ መንከልእ እንድዩ እቶም ተጋሩ ጋዜጠኛታት ዳኣ እንታይ እዮም ክገብሩ? ብሱሩ ዳኣኸ ማዓዝ ኢና ትግርኛ ክንዛረብ መሰል ተዋሂቡና? ዘብል እዩ፡፡

  • ሃይማኖታዊ ፅልዋ፡ ፅልዋ ኦርቶዶክሳዊት በተኽስያን      

ብጭቡጥ ሃይማኖት ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ዝራኸበሉ ረቂቕ እምነት እዩ፡፡ ግን ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ በተኽስያን ኣብ ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ ኣሉታዊ እጃም ኣለዋ፤ ነባራዊ ልዕልነት ኣምሓርኛ ንኽንፀባረቕ ግደ ተፃዊታ ትፃወት እውን ኣላ እየ ዝብል፡፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ትግራይ ብኣምሓርኛ ስብከት ምስባኽ፣ ባርኾት ምሃብ፣ መዝሙር ምዝማር ብጣዕሚ ተለሚዱ ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ ድማ እቶም ቀደም ብልሳነ ግዕዝ ተፃሒፎም ዝነበሩ ናይ በተኽስያን መፃሕፍቲ ኹሎም (መዝሙረ ዳዊት፣ መፅሓፈ ስንክሳር፣ ሃይማኖተ ኣበው፣ መፅሓፈ ግፃዌ ወ.ዘ.ተ. ካልእ ይትረፍ እቶም ብዜማ ፈጣሪ ዝምስገነሎም መፅሓፈ ሰዓታትን ቅዳሴን ጉን እንተይተረፉ) ናብ ኣምሕርኛ ተተርጒሞም ስለዘለዉ ኣብ ገጠራት ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት እውን እንተይተረፈ ብኣምሕርኛ ምንባብ ተለሚዱ ኣሎ፡፡

ብመሰረቱ እውን ማእኸል ትምህርቲ ምስክርነት ቅዳሴ ኣብ ትግራይ ኣብ ደብር ዓባይ ምህላዉ ከም ኣወንታ እኳ እንተተወስደ ኣቋቋምን ቅኔን ኣብ ትግራይ ክሳብ ክንድቱይ ስለዘየለ ጎንደርን ጎጃምን ከይዶም ተማሂሮም ኣምሕርኛ ለሚዶም ዝመፁ መራጊት (ደባትር) ንኣምሓርኛ ከም መግለፂ ፍልጦ ገይሮም ስለዘንፀባርቑ ንትግርኛ ሸርሻሪ ኾይኑ ኣሎ፡፡ ብተጋላብጦ ኣነ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎማ ዝፈልጠን እታ ቐደም ኣብ ኣስመራ ዝተሓተመት መፅሓፍ ቅዱስን ሓንቲ ድማ ኣፍታ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ከባቢ ዳዕሮ ቢያሳ ዘላ ናይ ህዝቢ ቤተ-ንባብ ዝራእኹዋ ኣብ ዝባና ድማ “ህዝቢ ትግራይ እውን ብቛንቁኡ” ትብል ፅሕፍቲ ዘላታ ውዳሰ ማርያምን ጥራሕ እየ ዝፈልጥ፡፡

ኣብ በተኽስያን እውን ሐ፣ ቐ፣ ኸ፣ ዐ ዝብሉ ፊደላት ትግርኛ ሎሚ ስለዘይንበቡ ንድኽመት ትግርኛ እጃም ኣለዎ፡፡ ንኣብነት “ብዕራይ” ኢልካ ይፀሓፍ እሞ “ብእራይ” ኢልካ ይንበብ፤ “ሓያል” ኢልካ ይፀሓፍ እሞ “ሃያል” ኢልካ ይንበብ፤ “ደብር ዓባይ” ኢልካ ይፀሓፍ እሞ “ደብር ኣባይ” ኢልካ ይንበብ:: ስለዝኾነ ኣፍቶም ምልክት ትግርኛና ዝኾኑ ፊደላት ኣሉታዊ ተፅዕኖ ኣለዎ፡፡ ኣነ ብዘለኒ ፍልጠት ድማ “ቐ”ን “ኸ”ን ኣብ ፅሑፋት ናይ ሎሚ ኦርቶዶክሳዊት በተኽስያን የለዉን፤ ቀደም ከመይ ነይሩ ድማ ክፅናዕ ዝግብኦ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ሀ፣ ሃ፣ ሐ፣ ሓ ብሓንቲ ድምፂ “ሃ” ብዝብል አ፣ ኣ፣ ዐ፣ ዓ እውን ብሓንቲ ድምፂ “ኣ” ብዝብል ስለዝንበቡ ዘለዉ ኣብ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ርኡይ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ኣለዎም እየ ዝብል፡፡ ብዛዕባ ቋንቋ ግእዝ ግቡእ መፅናዕቲ ገይርካ እቶም ፊደላት ብኣግባቡ ዝፀሓፉሉን ዝንበቡሉን ኩነታት ምፍጣር ዝከኣል እንተኾይኑ ክሕሰቦ ይግባእ፡፡                         

  • ባዕላዊ ምኽንያታትን ምኽኒታትን
    • ቋንቋ መረዳድኢ ጥራሕ እዩ ዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ ምህላው   

ቋንቋ መረዳድኢ ኾይኑ የገልግል እዩ፡፡ ግን ልዕሊ ምርድዳእ መፍለዪ መንነት እዩ፡፡ እዙይ ድማ ብዙሕ ምርምር ዘየድልዮ ነባራዊ ዓለም ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡፡ እንተኾነ ንመብዛሕቲ ህዝቢ ትግራይ ዘይገልፁ እኳ እንተኾኑ ቋንቋ መረዳድኢ ስለዝኾነ ትግርኛ ማዕበለ፣ ደኸመ፣ ሓመመ፣ ሞተ ለውጢ የብሉን ዝብሉ ኣለዉ እዮም፡፡ ብሱሩ እውን እቲ ዝኒሀ ናይ ቋንቋ ኣፈላላይ ንሓድነት ዓዲ ከምስግኣት ዝሪኡ ተጠራጠርቲ እውን ኣይክሰኣኑን፡፡  እዙይ ድማ ጌጋ እዩ፤ ኣብ ዕቤት ቋንቋና ዕንቅፋት እዩ፡፡

  • ናይ ፍቶት ተምበርካኻይነት፡ እቶም ዝርካቦም ፀሓፍቲ ተጋሩ ትግርኛ ዘይፅሕፉ ምዃኖም    

ብጣዕሚ ብዙሓት ተጋሩ ካብ ትግርኛ ወፃእ ብኣምሓርኛ ይኹን ካልኦት ልሳናት መፅሓፍቲ ዝፀሓፉ ኣለዉ፡፡ ብዙሓት ስለዝፍለጡ ኣብነት ምጥቃስ ኣየድልን፡፡ ካብ ትግርኛ ወፃእ ምፅሓፍ ነውሪ እዩ ዝብል እምነት ብለይን፤ ግን ንምንታይ ከ እዮም ሰባት ብኣምሓርኛ ፅሒፎም እንተኢልና ግን ገለ ገሊኦም ታሪኽና ምእንቲ ካልኦት እውን ከንብብዎ፣ ክፈልጥዎ ዝብል እምነት ዘለዎም ኣለዉ፤ ገሊኦም ድማ ምኽንያቶም ኣይገልፁን ግን ተፈላጥነት ይኹን ዕዳጋ ንምርካብ ዶኾን ይኾን እየ ዝብል፡፡ ግን እቲ መእሰሪኡ እንትንሪኦ “እንኣ ያ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ” ከይኾን ሃየ እየ ዝብል ኣነ፡፡ ብሱሩ እውን ቁም-ነገር እንተፅሒፍና እሞ እቲ ዘንብብ ህዝቢ ትግራይ እንተንቢቡልና ኣይውሕደናን፡፡ ወየ ድማ ብትግርኛ ፅቡቕ እንተፅሒፍና ካልኦት ትግርኛ ዘየንብቡ እውን ምፍላጦምን ምርድኦምን ኣይተርፍን፡፡           

  • ምምሕዳራዊ ፀገማት፡ መድረኻት ምይጥን ስርዓተ ሂስን ዘይምህላዎም        

ብዛዕባ ሓፈሻዊ ናብራናን ቋንቋናን እንዝትየሎምን ዝተፋላለዩ ስነ-ፅሑፋዊ ስራሕቲ እንግምግመሎምን መድረኻትን ብቑዓት ውደበታትን ዘይምህላዎም እውን ዓርሱ ዝኸኣለ ሓደ ፀገም እዩ፡፡ እዙይ ዘይፀፈፉ ስራሕቲ ናብ ህዝቢ ንኽቐርቡ ይገብር፣ እቲ ተጠቃማይ ህዝቢ እውን ናይ ምንቃፍን ምግምጋምን ልምዲ ከይህልዎ ይገብር፡፡ ብሱሩ ድማ ብዛዕባ ቋንቋና ተገዲሽናን ተጠንቂቕናን እንፅሕፍ ክንፅሕፍ፣ እንደርፍ ክንደርፍ እንትንዛረብ እውን ተጠንቂቕና ክንዛረብ ከም ዝግባእ ማሕበራዊ ንቕሓት ንምፍጣር መድረኻትን ውዳበታትን መሳሊ የብሎምን፡፡ ማሕበር ባህሊ ትግራይን ማሕበር ከየንቲ ትግራይን እውን ይኹን ዳኣ ዝተወሰኑ ኣወንታዊ ምንቅስቓሳት ይሃልዎም እምበር ክንድቱይ ትርጉም ዘለዎም ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም ክባሃል ዝካኣል ኣይኮነን፡፡ ተልበጅን ትግራይ እውን ሓለሓሊፉ ትሕዝቶ ግጥምታት ደርፊ ዝግምግሙ መደባት ዘቕርብ እኳ እንተኾነ ከም ዕማም ወሸን ኢሉ ኣይሓዞን፡፡ እቲ ከም ዓብዪ ስራሕ ተገይሩ ክውሰድ ዘለዎ “ኣካዳሚ”[2] ቋንቋታት ትግራይ ብሕጊ ምጥያሹ እዩ፡፡ እዚ ትካል እዙዕ ብዙሓት ምዕባለታት ከምፅእ ንፅበ፡፡

3 ክፋል፡ ክውሰዱ ዝግብኦም መፍትሒታት

  • መድረኻትን ማሕበራትን ፈጢርካ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሓፂር ግዜ ባዕላዊ ፀገማት ምፍታሕ

ዋዓል ሕደር እንተይበልና ሕዪ ክንሰርሖ ዝግባኣና መድረኻትን መደባትን ምፍጣር እዩ፡፡ እዙይ ማሕበራት ኪነትን ስነ-ፅሑፍን ምጥያሽን ኣብ ተልበጅንን ራድዮን ድማ መደባት ገምጋም ኣዳሊኻ ምቕራብን ክሓውስ ይኽእል እዩ፡፡ ሓደ ግዜ ብምኽንያት በዓል ለካቲት 11 ኣብ ሞንጎ ደረፍቲ ገድልን ተተካእቲ ወለዶን ተመኩሮን ሓሳብን ንምክፋል ተባሂሉ ደረፍቲ ሙሉ ገብረዋህድ፣ ልጃለም ታረቀ፣ ኣብርሃም ገ/መድህንን ተስፋይ ገ/ሃንስን ኣብ ተልበጅን ትግራይ ቀሪቦም ኣብርሃም ገ/መድህን ቐልጢፍና ውዳበ ንፍጠር ኢሉ ነይሩ፡፡ እቲ ውዳበ ምፍጣር ናብ ህዝቢ ዝቐርቡ ስራሕቲ በቶም ውዳበታት ኣቢልካ ተገምጊሞም ብኣጋ ክፀፉ ዝገብር እዩ፡፡ መድረኻትን መደባትን ገምጋም ምፍጣር ድማ ናብ ህዝቢ ዝቐረቡ ስራሕቲ ተገምጊሞም ዘለዎም ድኽመት ክእረምን ካልኦት ድማ ክመሓሩሎምን ዝሕግዝ እዩ፡፡

  • ትልሚ ነዊሕ እዋን፡ ማሕበረ-ቑጠባውን ስነ-መንግስታውን ፀገማት ምፍታሕ     

ከም ትልሚ ነዊሕ እዋን ድማ ካብ ትግራይ ወፃእ ዝነብር ትግራዋይ ክህሉ የብሉን ምባል እኳ እንተዘይተኻእለ ንምቕናስ ፃዕሪ ምግባር ግን ግቡእ እዩ፡፡ እዙይ ኣብ ትግራይ ንመናእሰይ ዝሓቑፉ ዕማማት ብምዕማምን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ትግራይ ገንዘቦም ንኸውፍሩ ንዑ ንዑ ዝብል ምችው ባይታ ምፍጣርን ማለት እዩ፡፡ እዙይ ተጀሚሩ ኣሎ እንድዩ ብናህርን ብስፍሓትን ክውስኽ ይግባእ፡፡ ካልእ ድማ ትግርኛ ከም ናይ ፌደራል መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ዝውሰደሉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ብትግርኛ ናይ ምምሃር ዕዱል ዝረኽቡሉን ባይታ ምፍጣርን እውን የድሊ እየ ዝብል፡፡ ነዙይ ድማ ግቡእ መፅናዕቲ ገይርካ ህዝቢ ከም ህዝቢ እቲ ሕቶ ከም ሕትኡ ገይሩ ብሕጋዊ ኣካይዳ ናብ ዝምልከቶ ዘቕርበሉ ሃዋህው ምፍጣር ካብ ምሁራት ትፅቢት ዝግበሮ እዩ፡፡

መደምደምታ         

እቲ ተጋሩን ትግርኛን ሎሚ ረኺብናዮ ዘለና መሰል ኣብ ግብሪ ክውዕልን ብዝበለፀ ክዕምብብን እንተኾይኑ ኣብ ቋንቋና ተገዲስና ክንሰርሕ ይግባኣና፡፡ እንተኾነ ግን ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልኦት ቋንቋታት ምውራስ ነብዝሕ ኣለና፤ ድማ ብዘይግቡእ፡፡ ከም ባህሪ ቋንቋ ይልቃሕ፣ የለቅሕ፣ ይዋራረስ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ናትና ገዲፍና ወይ ግቡኣት ዝኾኑ ቓላት ሳኣን ካብ ሕብረተሰብና ዝዛረቦ ዝግባእ መፅናዕቲ ገይርና ምርካብና ወይ ድማ ምምሃዝና ሱቕ ኢልና ንልቃሕ እሞ ድማ ልቓሕና ዘይንመልስ እንተኾይና እቲ ቛንቋና ይሽምረር ከይህሉ ምጥንቃቕ የድሊ እዩ፡፡

ብፍሉይ ክርአ ዝግብኦ ግን ብመልክዕ ደርፍታት ዝቐርቡ ሓሳባትን ቃላትን፣ ከምኡ ድማ ብዝተፋላላየ ዓውዲ ስራሕ (ብጉያ፣ ብሃፍቲ፣ ብደርፊ፣ ብትምህርቲ ወ.ዘ.ተ.) ተፈላጥነት ዘለዎም ሰባት ኣብ መድረኽ ዝገልፅዎም ሓሳባትን ቃላትን ብሓደ ግዜ ብዙሕ ሰብ ስለዝሰምዖም እንተተባላሽዮም ድማ ንብዙሕ ሰብ (ብፍላይ ንመናእሰይን ቆልዑን) ናይ ምብልሻው ሓይሊ ስለዘለዎም ፍሉይ ኣድህቦ ሂብካ ምስራሕ የድሊ፡፡

ብመልክዕ ፅሑፍ፣ ብመልክዕ ሕጊ፣ ብመልክዕ ውሳነታት ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርቡ ሓሳባትን ቃላትን እውን እቶም ዝፅሕፉ፣ ሕጊ ዘውፅኡ ወይ ፍርዲ ዝህቡ ሰባት ከም ፀሓፍቲ፣ ከም ተወከልቲ ህዝቢ ከም ዳያኑ ህዝቢ ክብሪ ስለዝህቦም ይጋገዩ እዮም እኳ እንተተባህለ ግን መብዛህትኡ ግዜ ከምፈላጣት ስለዝውሰዱ እሞ ግጉያት ቃላት እውን እንተተጠቒሞም ከም ዘሎ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ዕድል ስለ ዘሎ ብጥንቃቐ ምስራሕ የድሊ፡፡ እቲ ቐንዲ ክፍለጥ ዘለዎን ሓሲብና ክንሰርሓሉ ዝግባኣናን ብዛዕባ መንነቱን ቋንቁኡን ግንዛበ ዘየብሉ ብዛዕባ መንነትካን ቋንቋኻን ተገገዲስካ ምሕሳብ ከም ንቡር እንተይኮነስ ከም ነውሪ ዝርኢ ወለዶ ከይፍጠር እዩ፡፡ ነዙይ ቅልጥፍ ዝበሉ ወፍርታት የድልዩና፡፡

[1]. ንኣብነት “ዳይሬክተር” “ኣካዳሚ” ቋንቋታት ትግራይ ዶ/ር ዳንኤል ተኹሉ ብዕለት 21/01/2009 ዓ.ም. አብ ዝሃቦ ሓሳብ ትግርኛ ገዲፍካ ኣምሓርኛ ምጥቃም ፀገም የብሉን ዝብሉን ኣምሓርኛ ብሄራዊ ቋንቋ ከምዝኾነ ጌሮም ዝርድኡ ከምዘለዉ፣ እዙይ ግን ጌጋ ከምዝኾነ፣ ኣምሓርኛ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ናይ ስራሕ ቋንቋ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ቋንቋ ከምዘይኮነ ገሊፁ ነይሩ፡፡

[2]. “ዳይሬክተር” “ኣካዳሚ” ቋንቋታት ትግራይ ደ/ር ዳንኤል ተኹሉ ብዕለት 21/01/2009 ዓ.ም. አብ ዝሃቦ ሓሳብ  እታ “ኣካዳሚ” ትብል ሹም ንምንታይ እንግሊዝኛ ኾይና ኢሎም ይሓቱና እዮም ኢሉ ነይሩ፡፡  ብጭቡጥ ድማ እቲ “ዳይሬክተር” ዝብል መፀውዒ መደብ ስራሕ እውን እንግሊዝኛ እዩ ዝኒሀ፡፡

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *