Home / Uncategorized / “እዚ ኩነታት እዚ ብምምፅኡ ዋላ እኳ ኣብ ፀላም እንተነበርና ዝተወሰነ ብርሃን ክርኣየኒ ገይሩ እዩ።”

“እዚ ኩነታት እዚ ብምምፅኡ ዋላ እኳ ኣብ ፀላም እንተነበርና ዝተወሰነ ብርሃን ክርኣየኒ ገይሩ እዩ።”

“ብመንፅር ወያናይ ዲሞክራሲን ሕገመንግስትን ሕዚ እቲ ዝሓሸ ሰብ መፂኡ ኣሎ እየ ዝብል።”

ሜ/ጀነራል ኣበበ ተ/ማኖት (ጀቤ)

 

ውራይና፡ ኣብ ዝሓለፉ ቅሩብ ዓመታት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሂብካ ብዙሕ እናፀሓፍካ ኢኻ ፀኒሕኻ። ሕዚ ድማ ምስ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ምምፃእ ስዒቡ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ኩነት እውን ኣሎ። እሞ እዚ ሓዱሽ ኩነት እዚ ንዓኻ ዝፈጠረልካ ስምዒትን ትርጉምን እንታይ እዩ?

ሜ/ጀነራል ኣበበ፡  ብ ዓውዲ (context) እዩ ክርአ ዘለዎ። ጉንቦት 20 ዋርድያ ድሕረት ዝነበረ ደርግ ክድምሰስ እንተሎ ሓዱሽ ስርዓት የድሊ ነይሩ። ንሱ እዩ ደማ ተጀሚሩ። ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ከይዲ እዩ ነይሩ። እዚ ከይዲ እዚ ክልተ ባህርያት ነይሮምዎ። እቲ ሓደ ብመዳይ ዲሞክራሲ ዘሎ ናብ ዲሞክራስያውነት ናይ ምስግጋር እንትኸውን እቲ ካልኣይ ደማ ብመዳይ ቁጠባ ናብ ካፒታሊዝም ናይ ምስግጋር ከይዲ እዩ ነይሩ። እዚ ኩነታት እዚ ቁጠባዊ ኾነ ፖለቲካዊ መሰረት ኣብ ዘይነበሮ ኩነት ኮይንካ ዝተጀመረ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓዱሽ ብርኪ ኮይንና ኢና ንጅምር ነይርና። እዚ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ካለእ ዓድታት እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ዝግበር ወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ደርቢ ወይ እውን ኣብ መንጎ እቲ ገዛኢ ደርብን ተቓዎምቱን ብዝግበር ፍሕፍሕ ዝመፅእ እዩ ነይሩ።  ንሕና ግን ደርጊ ክረዳዳኣና ስለዘይከኣለ ንዕኡ ደምሲስና ኢና ናብ ስግግር ዝነቐልና። ብዙሓት ዓበይቲ ምሁራት እውን ዝብልዎ እቲ ዝዓበየ ዝብሃል ስግግር እዚ እዩ። ምክንያቱ negotiation ስለዝሰኣንካ ኢኻ ናብ ኵናት እተምርሕ።

ስለዚ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ካብቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ፅቡቓት (one of the best) ሕገ መንግስታት ሓደ ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ፀዲቑ እቲ ናይ ዲሞክራሲ ስግግር ተጀሚሩ። እቶም ፖለቲካዊ ትካላት እውን ምጥያሽ ተጀሚሮም። ቑጠባዊ መሓውራት እውን ተጣይሾም። ነቲ ክህነፅ ዝሕሰብ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ክስከም ዝኽእል ማእኸላይ ደርቢ (middle class) እውን ብኡ ልክዕ እናተፈጠረ መፂኡ። ዋላ እኳ እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣዐርዩ ዓብዪ ቁፅሪ ዘይብሉ እንተኾነ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ታሕተዋይ ኣካል ማእኸላይ ደርቢ ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ። እዚ እንድሕር ኮይኑ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ፅቡቕ ኣኺዱና እዩ። ዓብዪ ናይ ልምዓት ለውጢ ኣምፁአልና እዩ። ብዝተወሰነ ደረጃ ናይ ዲሞክራሲ ሃዋህው ዋላ እኳ እንተሃለወ ክንድቲ ዝድለ ግና ኣይከደን። እዚ ኣብ 1993 ዓም ተፈቲኑ ብዙሕ ፀገማት ተራእዮምሉ።  ኣብ 97 ዓም እውን ከምኡ ብዙሕ ፀገም ርኢናሉ። ኣብ 2007 ድማ እንደገና ተፈቲኑ ንሱ እውን ኣይሰመረን።

ኣብዚ ከይዲ እዚ ዝተርኣየ ፀረ ዲሞክራሲ ዝኮነ ሃዋህው እናዓበየ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ንቕሓት እናበፅሐ እዩ ከይዱ። ትካላት ዲሞክራሲ ከምዘይማዕበሉ ዝተርኣየሎም ኩነታት እዮም ነይሮም። እቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ እውን ንድሕሪት ዝኸዱሉ ኩነት ተራእዩ። ኣብ መንጎ ህዝብን ፖለቲካዊ መራሕትን ዝነበረ ኣፈላላይ እናተበላሸወ ከይዱ። እቶም ዝበዝሑ መራሕቲ ፀረ ዲሞክራሲ ዝኾነ ቅዋም ሒዞም ስልጣን ናይ ምብሓትን ስልጣን ማእኸል ናይ ምግባርን ኩነት ተፈጢሩ። ስለዚ ህዝብታት ኢትዮጵያ ነዚ ፀረ ዲሞክራሲ ዝኾነ ምንቅስቓስ ምቅዋም ጀሚሮም። ብርግፅ እቲ ዝልዓለ ምቅላስ ዝጀመረ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ድሐሪ 40 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መሊሱ ዲሞክራስያዊ ብዝኮነ መንገዲ ምቅላስ ጀሚሩ። ኣብ 2007 ዓም ዝነበረ ጉባኤ ናይዚ ሓፈሻዊ መግለፂ እዩ ነይሩ። እቶም ሕዚ ዝግምገሙ ዘለዉ ፀረ ዲሞክራስያዊነት፣ ሓሶት ፀብፃብ፣ ኔትወርክ ገለመለ ዝብሃሉ ሕዚ ዝግምገሙ ዘለዉ ኣብቲ ጉባኤ እቲ ተላዒሉ እዩ። እቶም መራሕቲ ግና ፀሪፎምዎ። ካልኦት ናይ ነበለት፣ ሳምረ ብዙሕ ቦታት ኣበነት እውን ምውሳድ ይከኣል እዩ። ኣብ ትግራይ ተኾሊፉ እዩ።

ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ቀፂሉ። ሓፈሻዊ ናይቶም ምንቅስቓሳት መንፈስ ብፀረ ዲሞክራሲ ኣይንግዛእን ዝብል እዩ ነይሩ።

ናይዚኣ ኣብነት ዶ ክትነግረኒ? ኣበይ ኣበይ ዝነበረ ማለትካ እዩ? ካብ እምኒ ምድርባይ ዝዘለለስ ኣብይ እዩ ንፁር ሕቶ ቀሪቡ?

ኣብ ኩሉ! ኣብ ኦሮሞ፣ ኣብ ኣምሓራ ዋላ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዝበሉ ምንቅስቓሳት እዮም ነይሮም። እቲ እምኒ ምድርባይን ዘይምድርባይን ዳሕራይ ክመፅኦ እየ። ገበነኛታት ተጠቒሞምሉ ዶ እቲ ምንቅስቓስ ኣይተጠቐመሉን ካልእ ነገር እዩ። ግን ከም ኣብነት ዝልዓሉ እዮም።

ግን እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት ኣምሓራ ንኣበነት ኣብ ጎንደር ኣብ ባህርዳር ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ብስሩዕ ብግልፂ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕቶ  እዩ ነይሩ። ልዕልነት ትግራይ ኣሎ ብዝብል ጭርሖ ዝተሰነየ እውን እዩ ነይሩ። እዚ ከመይ ኣቢልካ ናይ ዲሞክራሲ ሕቶ ምባል ይከኣል?

ሕዚ መጀመርታ ክምለሰ ዘለዎ ኣብቲ ስርዓት ናይ ኢ ዲሞክራስያዊነት ባእታ ነይሩ ዶ ኣይነበረን ዝብል እዩ ክምለስ ዘለዎ። ፀረ ዲሞክራሲ ስርዓት እዩ ኮይኑ መፂኡ ማለት እንታይ ማለት እዩ፤ እቲ ህዝቢ ዲሞክራስያዊ መሰላቱ ከየረጋግፅ ይኽልከል ማለት እዩ። ብሰለማዊ መንገዲ ዝመሰሎ ነገር ከይገብር፣ ናይ መሬት፣ ንብረት መሰላቱ ይሕደግ፣ ፍትሒ ይስእን። ብዘይኣግባብ ይእሰር። ኩሎም ፀረ ዲሞክራስያዊ በደላት ይበፅሖ ማለት እዩ።

ስለዚ ኣብ ኩሉ ዝልዓል ምንቅስቓስ ቀዳማይ ነጥቡ መሰልና ተጣሒሱ ዝብል እዩ። እዚ ጥሕሰት እዚ ንኣብነት ምስ መሬት ይተኣሳሰር።   ገባር ብዘይኣገባብ መሬቱ ይሕደግ። ካሕሳ የብሉን መጣየሺ ኣይብሉን። እንተጠርዐ ወይ ይእሰር ወይ ይጋፋዕ። ወይ እውን ካልእ ይሕተት። ስለዚ እቲ ቀዳማይ እቲ ኩነታት እዩ ክርአ ዘለዎ። context እዩ ዘድሊ ዝበልክዎ ነዚ እዩ።

እቶም “የትግራይ የበላይነት” ዝብሉ ቅድሚ 25 ዓመት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። 84 ዓም እዩ ተጀሚሩ። ክንኣቱ ጀመርና እውን ነይሮም እዮም፤ ግን ዝሰምዖም ሰብ ኣይነበረን። ዘይተሰምዕሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሰብ በቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ዕጉብ ስለዝነበረ እዩ። በቲ ለውጢ ዕጉብ ነይሩ። ብቋንቋ ምዝራብ ተጀሚሩ። ባዕልኻ ምምሕዳር ተጀሚሩ። እዚ ዝፅበዮ ዝነበረ መሰል ስለዝነበረ ተረጋጊፁሉ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እቶም ትምክሕተኛታት፤ እዞም ትምክሕተኛታት ፀቢብነት ዝብሉ ቃላት እኳ ኣብቲ እንዳ ኢህወደግ ኣዝዮም ዝተመራስሑ ቃላት ብምዃኖም ኣይደልዮምን ግን እቲ ዋና ሓሳቡ እቶም ጫፋት ቦታ ኣይነበሮምን። እተን ወሰንቲ ስልጣናት ካብ ቀዳማይ ሚኒስትሩ ካብ ጳጳሱ ጀሚሩ   ዋላ እውን ኣብ ኢድ ተጋሩ እናሃለወ እቲ ህዝቢ ሓውሲ ይግብኦም እዩ ዝብል ስምዒት ነይርዎ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ተቓሊሶም እዮም ንሶም እዮም ናፃ ኣውፂኦምና እሞ ሓውሲ ይግብኦም እዩ ዓይነት ስምዒት ነይሩ። ስለዚ ዝበልዎ ንስማዕ እናበለ እዩ ከይዱ።

እዚ እናበለ እንትኸይድ ግን እቲ ብኸመይ ዝኣመሰለ ሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፀ መሰል ክድፋእ ጀሚሩ። ብብዙሕ መንገዲ ሰብ ተጋፊዑን ተበዲሉን። እዚ ኣብ ኩሉ እዩ።

ሰብ ምንፅፃር ጀሚሩ። ብርግፅ ኣብ ኦሮምያ ኣብ 2008 እታ ናይ መጀመርታ ዝወሰዳ ስጉምቲ ገዛውቲ እቶም ሓለፍቲ ወረዳታት ምእሳርን ገዛውቶም ምቅፃልን እዩ ዝነበረ። ትካላት መንግስቲ ምቅፃል እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝተጀመረ እናተጋደደ ከይዱ ከም ውልቀ ሰብ ኮነ ከም ክልል መሰልና ኣይተረጋገፀን ናብ ዝብል ተሰጋጊሩ። መሬትና ተመንዚዑ ዝብል ሕቶታት ምልዓል ተጀሚሩ። በዚ አዩ እቲ ህዝቢ ተላዒሉ።

ነዚ ዝተበለፀሉ ወንጀለኛታት ድማ ኣለዉ። ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ ነገር ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ   ነቲ ምንቅስ ተጠቒሞም ረብሐኦም ብዘረጋገፁ ወንጀለኛታት ኣይምዘንን። እቲ ሓደ መምዘኒ ዲሞክራስያዊ ባይታ ኣሎ ዶ የለን ዝብል እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ነዚ ባይታ እዚ ይስከሞ ዶ ኣይስከሞን ዝብል እዩ። ኣይስከሞን ነይሩ ኣብ ኦሮምያ። ስለዚ ህዝቢ ክልዓል እንተሎ በታ ናይ ህይወቱ ሕቶ በታ መሬቱ በታ ዝበልዓን ዝሰትያን በታ ዝረኽባ ኣገለግሎት እዩ ዝመዝና። ነቲ ምንቅስቓስ ዝርእየሉ መነፅር ኣይኸውንን እንትብል እንተሎስ በቲ “እንድዕላኖኻ” ዝብሎ መሓውር መንግስቲ እዩ ዝምዝኖ።

ስለዚ ቅድሚ 2006 ሰላም ነይሩ። እዚ ማለት እቶም ፅንፈኛታት ግን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ እናኸፍኦ እናኸፍኦ ምስከደ ግና ብሰፊሕ ምቅስንቓስ ጀሚሩ። እዚ ገበነኛታት ተጠቂሞምሉ እዮም። ብሄር ተኮር ዝኮነ ጥቕዓት እውን ክፍፀም መንገዲ ኮይኑ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኣምሓራ ብዓብይኡ ነቲ ምንቅስቓስ ጠሊፎምዎ እዮም። ብባህሪኡ ግን እቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ናይ ዲሞክራሲ ሕቶ እዩ ምባል እዩ ዝከኣል።

እቲ ህዝቢ ትኽክለኛ ዝሓቶ ሕቶ ኣይብሉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ኣብ ኦሮምያ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቅሩብ ምትሕውዋስ ትርእየሉ ኢኻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን ኣዐርዩ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ። ዳረጋ ምሉእ ብምሉእ ክብሃል ብዝኽእል ደረጃ ኣንፃር ካልእ እዩ ነይሩ። ዝተገበራ ሰላማዊ ሰልፍታት ስም ብኣዴን ኣየልዓላን። መራሕቲ ብኣዴን ኣይተንከፋን። ዋላ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝነበረ ብቐጥታ ፈነወ ዝሓለፈ መድረኽ ናይ ባህርዳር እውን ንሱ ኢኻ እትርኢ…..?

እዚኣ ጠቓሚት ነጥቢ እያ። እቶም ዝተርኣዩ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ኣምሓራ ህዝቢ እዩ ኣይብልን። ናይ ብኣዴን እዩ። ነቶም ፅንፈኛታት እዮም ብኣዴን ኣኪቦምሎም። አዚ ናይ ኢህወደግ ውድቀት እዩ ዘርእየካ። እምበር ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ክኸውን ኣይኽእልን።

እዚ ኹሉ ዝሓትት ዝነበረ ሰብስ መራሕቲ ብኣዴን እዮም ከም ካሴት መሊኦሞ መፂኦም እምበር ናይ ውሽጡ ኣይኮነን ዝዛረብ ዝነበረ እኮ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ? እንታይ ክኸውን ይኽእል ድኣ ናይቲ ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ዘላ ሕቶ?

ንሰን ድኣ እተን ዓንተቦይ ዝበልኩኻ። ናይ ዲሞክራሲ፣ ናይ ፍትሒ ናይ ልምዓት ሕቶታት እዮም ህዝቢ ክህልዉዎ ዝኽእሉ ሕቶታት።

ኣብ ኣምሓራ፣ ኦሮምያ ዋላ ኣብ ትገራይ ዝነበሩ ሕቶታት መሰልና ይረጋገፀልና ዝብል መንፈስ ዝነበሮም እዮም እየ ዝብል። እዞም ሕቶታት እዚኦም ነቲ ገዛኢ ውድብ ደፊኡ ደፊኡ ደፊኡ ሓደ ጊዜ ናይ ተሃድሶ ናይ ገለ ናብ ዝብል መድረኽ ኣእትይዎ። ከምኡ ኮይኑ እውን ግን ክፈትሖ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እቲ ዝበዝሕ ኣመራርሓ ፀረ ዲሞክራሲ እዩ ኮይኑ። ፀረ ህዝቢ እዩ ኮይኑ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ኮይንካ ምፍታሕ ኣይከኣልን።

እቲ ገዛኢ ደርቢ፣ ፀረ ዲሞክራሲ ኣብ ዘለሉ ኩነት እዩ ዶክተር ኣብዪ ናብ መሪሕነት መፂኡ ዘሎ እሞ ከመይ እዩ ትብል እዚ ከይዲ?

ምምራፅ ዶክተር ኣብዪ ብክልተ መንገድታት ምርኣይ ይከኣል እዩ። ብሐደ ገፅ ኣብታ ናይ ኢህወደግ ኣቦወንበር መረፃ ዝነበረት ቴክኒካል ዝኾነት ነገር ምርኣይ ይከኣል። በቲ ካልእ ድማ እቲ ምሉእ ባይታ ወይ ኮንቴክስት ምርኣይ እዩ። እዚማለት ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ምንቅስቓስ ኦሮሞ ዝነበረ ኣብ ስልጣን እታ ሃገር ብዝግባእ ኣይተወከልናን ዝብል እዩ። እቲ ባዕሉ ህወሓት እውን ዝኣመነሉ ኣብ ናይ ኦሆዴድ ጣጣ ኣትዩ ኣብኡ ኔትወርክ ሰሪሑ ዝፈፀሞ ሓምዞቕዞቕ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ኦሮሞ ባዕልና ክኢልና ኣይንውስንን ዘለና፤ ካልኦት እዮም ዝውስኑልና ዘለዉ ዝብል ስምዒት ተፈጢሩ እዩ። እኒ ለማ ምስ መፁ ዝብልዎ ዝነበሩ እውን ንሱ እዩ። እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ተግባራዊ ይኹን ዝብል እዩ ዝነበረ። ንሕና ከም ክልል መሰልና ኣይረጋገፅን ዘሎ ዝብል እዩ ነየሩ። ግን አቲ ማእኸል እየ ዝብል ኢህወደግ ነዚ ብኣግባቡ ዝምልስ ኣይነበረን። ልክዕ ከምዚ ናይ ደርጊ ዝመስል ናይ ማእኸላውነት ፀባያት እዩ ነይርዎ።

ስለዚ እቲ ናይ ኦሮሞ ምንቅስቓስ ኮነ ናይ ኣምሓራ፤ ዶንጎላ ምድርባይ ስለዘይነበሮ እምበር እቲ ናይ ትግራይ እውን እንተኾነ ብቐንዱ መፍትሒኡ ካብ ኢህወደግ ድዩ ክመፅእ ወይስ ካብ ኢህወግ ወፃኢ ዝብል አገዳሲ ሕቶ እዩ።

ካብ ኢህወደግ ወፃኢ ክንብል እንተለና እቶም በዚይ በቱይን ዘለዉ ኣካላት ማለት እዩ፤ እዚኦም ድማ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ዘኽእል ዘሓሸ ዓቕሚ ኣይብሎምን። ነዓይ ካብዚ ዝመፅእ መፍትሒ እናፀበበ እዩ ከይዱ። ስለዚ ካብ ኢህወደግ ዝመፅእ መፍትሒ እዩ ዝሓሸ ክኸውን ማለት እዩ። ካብ ኢህወደግ ዝመፅእ ኸ ካበይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ እውን ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ብውሑድ እቶም ናይ ኦሆዴድ መራሕቲ ብፍላይ ንኒ በዓል ለማ ምስ መፁ እቶም መራሕቲ ባዕሎም እውን ዲሞክራስያዊ ዝኮኑ ሕቶታት ኣለውዎም እዮም። ክልልና ባዕልና ነመሓድር። ፌደራሊዝም ተግባራዊ ይኹን ዝብል ነይርዎም ኣለዎም። ተራእዩ ዘይፈልጥ ድማ ኢትዮጵያውነት ማእኸል ዝገበረ ፌደራሊዝም እዮም ከንቀሳቕሱ ጀሚሮም። ስለዚ ንዓይ እቲ መፍትሒ ካብ ኦሆዴድ እዩ ክመፅእ ዝኽእል ዝብል መደምደምታ ነይሩኒ።

እቲ መፍትሒ ካብ ህወሓት ክመፅእ ዘይኽእለሉ ምልክታት ነይሮም። ዋላ ፀረ ዲሞክራሲ ኢሎም ገምጊሞም ብድሕሪኡ ግን ፀረ ዲሞክራሲ ማለት ባዕሉ እንታይ ማለት እዩ ዝብል define ምግባር ኣይኽእሉን። ህወሓትን ብኣዴንን በዚ መዳይ ሓደ እዮም። ካብኦም ዶኾን ክመፅእ ይኾን እቲ መፍትሒ ዝብል ግምት ነይሩኒ። ካብኦም ኣይመፅእን። ተረጋጊፁ ድማ።

ብዝዓበየ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኦሮሞ ስለዝነበረ እቶም በላሕቲ (brilliant) ዝብሃሉ መራሕቲ እውን ናብ ቅድሚት መፂኦም ናብ ስልጣን ደይቦም። ስለዚ ንዓይ እዚ ሕዚ ዝነበረ ናይ ስልጣን ስግግር ብሓደ ወገን ሰለማዊ ብምንባሩ፣ ካልኣይ ድማ ክሳብ ሕዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሰርሖም ዘሎ ስርሓቲ ርኢኻ እማን እቲ መፍትሒ ካብ ኦሆዴድ እዩ ክመፅእ ዝግባእ ዝነበረ ክትብል ይገብረካ።

ስለዘ እዚ ኩነታት እዚ ብምምፅኡ ዋላ እኳ ኣብ ፀላም እንተነበርና ዝተወሰነ ብርሃን ክርኣየኒ ገይሩ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ጉንቦት 20 ዘምፃእናዮ ዓወት ሓደ ዓወት ኣምፂኡ እዩ። ንሳ እውን ሓታቲ ማሕበረሰብ ፈጢሩ እዩ። ሓታቲ ማሕበረሰብ ድማ ንህንፀት ዲሞክራሲ መሰረታዊ እዩ። እዚ ብግሉህ ዝርኣየሉ ኩነት እዩ ተፈጢሩ። እዚ ሓታቲ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ስግኣት ዝነበረ ኦሮሞ ናይ ምንፃል መንፈስ ተዓርዩ ዝተስተኻኸለ ቅዋም ምዃን ጀሚሩ ኣሎ።

ከምቲ ዝበልካዮ ኮይኑ ይኹን እምበር ግን ኣብቲ መፂኡ ዘሎ መሪሕነተ ምስ ብዙሃነት ዝተኣሰሰረ ስግኣታት ኣለዉ። ከም ውድብ ድዩ ከም ውልቀ ዝርአ ዝብል ባዕሉ ንዓይ ሓደ ሕቶ እዩ። ግን ስኽ ኢልና ኣብዪ ዝመርሖ ኢልና እንተወሲድና ናብ ኣሃዳውነት እዩ ዝወስደና ዘሎ ዝብል ኣሎ። ባዕሉ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስኣበባ እዩ እምበር ውፅእ ኢልካ ዳርጋ የለን ዝብል ዘረባ ይዛረብ ነይሩ። ስለዚ ኢትዮጵያ እትብሃል ንዓይ ትርጉም ዝህበኒ ኣብ ውሽጣ ብሄራት ብሄረሰባት ዘለውዋን ነዚኦም ድማ መሰሎም ኣኽቢራ እትኸድ ዘይኮነስ እቶም ብሄራት መሰሎም ባዕሎም ዘጋግፁ ፡ ንኢትዮጵያ ‘ውን ብገዛ ፍቓዶም ዝፈጥርዋ ገይረ እየ ዝስእላ። ንስኻትከኩም እውን ዝተቓለስኩምሉ ዝመስለኒ እቶም ብሄራት ብሰናይ ፍቓዶም ዝፈጥርዋ እምበር ንሳ እትህቦም እትኸልኦም ዓይነት ኣይመስለንን። እቲ ሕገ መንግስቲ እውን ንሕና ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኢሉ እዩ ዝጅምር። እሞ እዚታት ከመይ ኢኻ ትርእዮ?

ምናልባት ኣነ ኣብዪ ዝተዛረቦ ዘይሰማዕክዎ ክህልው ይኽእል እዩ። ኣብ ኢቲቪ ዜና ሰዓት 7 ዝከታተሎ ዝሰማዕክዎ ግን ኢትዮጵያውነት ምስ ብዙኋነት ኣተኣሳሲሩ እንትገልፆ  እየ ሰሚዐ። ብናተይ ኣረዳድኣ ኢትዮጵያ እትብሃል ብዘይ ብዙኋነት የላን። ብዙኋነት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዝህሉ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብቲ ካቢኔ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኣነ ኾነ ካልእ ሰብ ካብ ዝገልፆ ንላዕሊ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ እንትግለፅ እውን ሰሚዕና ኢና። ብዙኋነት እንትብሃል ብዘይካ እቲ ንኡስ እቲ ብዙሕ የለን። ብዘይካ እቲ እውን እቲ ካልእ የለን። ስለዚ እቲ ብዙኋነት ዝገለፀሉ መንገዲ ዝገርም እዩ ነይሩ። ምስ ቆርበትን ዓፅምን ስጋን ኣተኣሳሲሩ እዩ ገሊፅዎ። ቆርበት ንእሽቶ ሚኢታዊ ናይቲ ኣካል እዩ ኢልካ ኣይትድርብዮን ኢካ። ብዘይቆርበት ሰብ ሰለዘየለ። ዓንዲ ሕቖ ንእሽቶ እያ ግን ብዘይካኣ ህይወት የለን። ስለዚ ከም ኣነ እቲ ዘረባ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፀገም ኣይርኣኹሉን። የግዳስ ካልእ ሰብ ይትንትነሉ ካብ ዝነበረ ዋላ ኣነ ይዛረበሉ ካብ ዝነበርኩ ኣዝዩ ብዝተፈለየ ምልከታ እዩ ርእዩ ኣቐሚጥዎ።

ስለዚ ኣብቲ ብዙኋነት ስግኣት የለን ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ?

ኣይኮነን። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ጉዕዞ ግና ፅቡቕ ዝብሃል ክያዶ እዩ ዝከይድ ዘሎ። ኣብ መፃኢ ካልእ ጉዳይ እዩ።

እዚ ዘልዕለልካ ዘለኹ መሰረታዊ ክብርታት እቲ ስርዓት ዝብሃሉ ይጥሓሱ ኣለዉ ዝብሉ ስለዘለዉ እየ። ብተወሳኺ ድማ ናይቲ ስነ ሓሳብ ባዕሉ ዓበይቲ ኣምራት ይጥሓሱ ኣለዉ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ንሱ ምስተመረፀ ሃይለማርያም ዝበሎ ኣሎ። እቲ ስርዓት ለውጢ ጀሚረዮ ነይረ  ኣይወዳእኽዎን እሞ፤ ሕዚ ግን ንዕኡ ዝምልእ ሰብ መፂኡ ኣሎ ብምባል እቲ ናይ ፕራይቬታይዜሽን ስራሕ ቀልጢፉ ከምዝጅምር ዝተዛረቦ ዘረባ ነይሩ። እዚ ብዙሓት ዘዛራረበ እዩ። ዝተፈላለዩ ውሳነታት እውን ኣለዉ ብድሕሪኡ ዝመፅኡ። ኮሜሳ ምፍራም፣ ምስ ጅቡቲ ዝግበሮ ወግዒ ወዘተ ዳርጋ ምሉእ shift ዝመስል ነገር ኣለዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ መድረኽ እውን ፕሮፌሰር እንድርያስ ናብ ሊበራልዝም ዝኸይድ ዝመስል ነገር ኣሎ፤ ከምኡ እንተኾይኑ ዝህልውዎ ሓደጋታት ብምባል ዘቐመጦም ነገራት ነይሮም። ኣብዚታት ናትካ ሓሳብ እንታይ እዩ?

ሕዚ እቲ በዓል እንድርያስ ዝበልዎ ኣይሰማዕኽዎን። ኣይፈለጥኩን እውን። ግን ናይ መጀመርያ ክስምረሉ ዘለዎ ኢህወደግ ብስነ ሓሳብ bankrupt ኮይኑ እዩ። ወዲቑ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብስም ወያናይ ዲሞክራሲ ፀረ ዲሞክራሲ እዩ ኮይኑ እቲ ስርዓት። ወያናይ ዲሞክራሲ ነይሩስ ሕዚ ወያናይ ዲሞክራሲ ዘይኮነ ይመፅእ ኣሎ ዝብል መበገሲ ኣነ ግጉይ እዩ ዝመስለኒ። ወያናይ ዲሞክራሲ ማለት መጀመርታ ሰብኣውነት እዩ። ናይ ሰብ ክበሪ እዩ። ይቕሪ ምባል እዩ። እዚ እዩ መሰረት ወያናይ ዲሞክራሲ። ምኽንያቱ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ መሰረት ሊበራል እዩ። ኣብ ልዕሊ ሊበራሊዝም እዩ ዝውሰኽ። ሊበራል ኣተሓሳስባታት ኣብቲ ሕገ መንግስቲ እውን ዝተቐመጠ እዩ። እቲ ሕገ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሓዘ እዩ ናይ ጉጅለ መሰላት፣ ናይ ፖለቲካል ኢኮኖሚ መሰላት፣ ናይ ስነ ከባቢ መሰላት እውን ዝውስኽ።

ሕዚ እቲ መሰረታዊ ኢህወደግ ዝጠሐሶ እዚ እዩ። ከምኡ ስለዝኮነ ህዝቢ ናዕቢ ኣልዒሉ። ስለዚ ነይሩስ ዝጠፍእ ዘሎ ገይርካ ክውሰድ ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢህወደግ ንወያናይ ዲሞክራሲ ንባዕሉ ወይ ኣይፈልጦን ወይ ኣይኣምነሉን። ብድሕሪኡ እዚ ሕቶ እዚ ናተይ ሕቶ እውን እዩ ነይሩ። ናበይ ገፅ እዩ ክኸይድ እዚ ሰብኣይ እዚ እየ ዝብል ነይረ።

ኮይኑ ግና ካበቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ኣይወፀን። ወያናይ ዲሞክራሲ ሰብኣዊ እዩ human እዩ። ሰብኣዊ መሰል የገድሶ። ኣብ ሕውነትን ፍቕርን ዝኣምን እዩ። ዝበዝሓ ኢህወደግ ዘጨማለቐን ክብርታት እዩ ዘልዕል ዘሎ። ብናተይ ገምጋም ብመንፅር ወያናይ ዲሞክራሲ ሕዚ እቲ ዝሓሸ ሰብ መፂኡ ኣሎ እየ ዝብል። እተን ክልተ መፅሓፍቱ ኣንቢብካየን ትኸውን ኢኻ?

ናይ መን መፅሓፍቲ

ናይ ኣብዪ። ብ2009 ዝፀሓፈን ክልተ መፅሓፍቲ እኮ ኣለዉኦ። ብብርዒ ስም እዩ ፅሒፍወን።

ናቱ ምዃነን እሞ ከመይ ገይርካ ርግፀኛ ኮይንካ?

ናቱ እየን። ሓደ ሽዑ ባዕሉ ዝሃቦም ሰባት ረኺበ ነይረ። ንልደቱ እውን ሓቲተዮ ነይረ። ኣነ እየ ፅሒፈዮ ነይረ ኢሉ እዩ ሂብዎ።

እሞ እዚኣስ ብናትካ ደረጃ እቲ መፅሓፍ ናቱ እዩ ምባል ትኸብድ እያ ኢለ እየ። እቲ መፅሓፍ ኣርኢኻኒ እንዲካ ኣንቢበዮ እውን እየ። ግን ናይ ኣብዪ እዩ ኢልካኒ እምበር መረጋገፂ ኣይሃብካንን። ብግምት እንተዘይኮይኑ? ብግምት ድማ ብኣኻ ደረጃን ንዚ መፅሀትን ኣይምጥንን?

ኖኖ ብግምት ኣይኮነን።  ሂቡኒ እዩ ዝበለኒ ሰብ እንድየ ረኺበ ብርግፅ ንካልኦት እውን ሓቲተ ናቱ እያ ኢሎምኒ እዮም። ክጠራጠር ዝገብር ነገር ኣይብለይን። ርግፀኛ ስለዝኾንኩ እየ። ስለዚ ኣብኣ እተን ኣብኣ ዘስፈረን ነጥብታት ካብቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝወፅአ ኣተሓሳስባ ከምዘይብሉ እየን ዘርእያ። ሓደ ወያናይ ዲሞክራሲ proper ምዃኑ ይገልፅ እዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ሲ ሃብታም እንቁላሊሕ ዝበልዓላ ድኻ ሓርኢ ደርሆ ዝበልዓላ ዓለም እያ እዩ ዝብል። ካልኣይ ሊበራልዝም ምስ ናይ ዓድና ማበረሰባዊ ኩነታት ኣይኸይድን ኢሉ እዩ ዝሙጉት ሳልሳይ  ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝምልከት ዋላ ኣብ ናይ ሸራተን መድረኽ ዝተዛረቦ ኣሎ። መንግስቲኢድ እናእተወ ገለ ዝብል ሕቶታት ተላዒሉሉ ይትረፍ ዶ ኣባናስ ኣብቶም ዝዓበዩ እውን ከመኡ ከምዘሉ ይቕልዱልና እንዳኣዮም ዝለዉ ብዝብል ዝገለፆ ኩነታት ነይሩ። ስለዚ ካብኡ ዝለቐቐ ኣተሓሳስባ ኣይብሉን።

ስለዚ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኣካይዳ ነቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝፃባእ ዘይኮነስ human face እዩ ዝህቦ ዘሎ እምበር ኣይጥሕሶን ዘሎ። ትምክሕቲ ፀቢብነት ዝብሉ ቃላት ኣይጥቀምን ዘሎ። ብርግፅ ኣነ እውን ከምዚኦም ዝበሉ ቃላት ንከይጥቀም ፈቲነ ነይረ። ግን ኣይከኣልኩን። ንሱ ግን ሰብኣዊ መንፈስ እዩ ዝህቦ ዘሎ። እምበኣር ኣይፃባእን ዘሎ።

ስለዚ ነቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ተወሳኺ ሓይሊ እዩ ዝህቦ ዘሎ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ። ከም መጠን ተጋዳላይ ክትምልሶ ዝደሊ፡ ሕገ መንግስቲ ብደም ኢና ኣምፂእናዮ ናትና ናይ መወዳእታ ቀይሕ መስመርና እዩ ዝብሉ ብዙሓት ተጋሩ ኣለዉ። ኣካይዳ ኣበዪ ዘይጥዕሞም ዘሎ ንሱ በቲ ናይ ቃልሲ ውፅኢት ከም ዝመፀ ዘይኮነስ እግዝሄር ከምዘምፅኦ ንጉስ እየ ተባሂለ ካብ ዓንተቦ ገለመለ ዝብሉ ዘረባታቱ እናልዓሉ ዝነቕፍዎ ኣለዉ። እዚ ኸ ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

ሰባት ጥንቆላ እዮም ዝብልዎ። ኣብ ፌስቡክ እውን ርእየዮ ኣለኹ። ኣነ ካብዚ ዘረባ እዚ እቲ ሰብ ክንደየናይ ከም ዝድሓረ እየ ዝርዳእ። ሕዚ ኣደይ ኣዴኻ እኖታትና ብሓፈሻ ንጉስ ክትከውን ትኾን ኢኻ። ኣብዚ ክትበፅሕ ኢኻ ዘይትብሎ ውሉድ ዘሎ ኣይመስለንን። እታ ዝልዓለት ትምኒት ወላዲት እያ። ኩሉና እውን በዚ ኢና መፂእና። ግን ገሊኡ ይሕዞ ገሊኡ እውን ኣይሕዞን። ኣነ ዝተረዳእኽዋ ambition ይሃልኹም እትብል እያ። ኣነ ካብ ኣደይ ከምዚ ዝበለ ambition ሒዘ እየ ተበጊሰ። እዚ ድማ ኩሉኹም ይሃልኹም እዩ ዝብል ዘሎ።

ንጉስ እየ እኮ እያ እታ ዘረባ። ቪድዮ እውን ነይራ ንጉስ ክትከውን ኢኻ እትብል። ንዓይ እውን ኣይጠዓመንን። ወይ መራሒ እንተዝብል እኳ ምሓሸ እምበር ንጉስስ እንታይ እዩ። ክምረፅስ ግድን እዩ እግዝሄር እዩ ከምኡ ኢልዎ። እግዚሄር እዩ ኣቐሚጡኒ እኮ እዩ ዝብል ዘሎ ብደረቓ። ሰለዚ ንስኻ ኢኻ ትትርጉሞ ዘለኻ እምበር ንሱስ ተርጕሙ እውን ኣይኮነን ዝዛረቦ?

ኖኖ ኣብታ ናይ ስልጠና መድረኽ ርኢዮ ኣለኹ።

ኣብታ ናይ ስልጣኑ መዓልቲ እውን ኢልዋ እዩ። ዳሕራይ ድማ ኣረጋጊፅዋ ኣብታ ስልጠና ንሚንስተራት ዝሃባ። ንመለስ ንሳሞራ ነጊረዮም ነይረ እየ ኢሉ? እዚኣ እኳ ኣይተግርመልካን ድያ?

እወ ኢሉ! ኣብራህሪህዋ እዩ። ኣነ essence እየ ዝርኢ። ድሓር ኣነ ብዝተረደኣኒ እንድየ ዝዛረብ፤ ንሱ ብዝበለሉ ወይ ብዝሓሰቦ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ኣነ ንሳ ብደንቢ እየ ኣስተማቒረያ። ambition ክህልወካ እዩ ዝደፍእ ዘሎ። ምስ ጥንቆላ ምስ ገለ ኣተሓሒዘ ኣይርድኦን። ፍልፍል ambition ኣዲኡ ገይሩ ኣሎ። ስለዚ ብዙሕ ዘዘራርብ ኣይኮነን።

ሓደ ዓብዪ ስግኣት ዘሎ ድማ ሕዚ ኩሉ እሱር ናይ ምፍታሕ ዝመስል ወፍሪ እዩ። ኣብ መንጎ እቲ መሪሕነትን ህዝብን ብዝነበሩ ዘይምዕሩይ ርክባት ክፍትሑ ዝተውሃበ ኣንፈት ኣሎ ብኢህወደግ። ግን ካብዚ ዝልል ኢሉ ከበድቲ ገበናት ዝገበሩ፣ ሰብ ዝቐተሉ፣ ብፓርላማ ዝፀደቐ ሕጊ ክሳብ ምጥሓስ ዝበፅሕ ዓይነት ኣፈታትሓ እሱራት ኣሎ። ናይ እኒ ደመቀ ናይ እኒ ኣንዳርጋቸው ምእሳር ከም ኣብነት ምውሳድ ይካኣል። እዚታት እንታይ ፈጢሩልካ? ሕግን ስርዓትን ዝተኸተለ እዩ ዲኻ ትብሎ?

ሕዚ እውን እቲ context ምርኣይ እዩ እቲ ወሳኒ። ፍትሒ ጎዲሉ ነይሩ። ዳርጋ ተሰይሩ ነይሩ። አቲ ውድብ እውን ዝገምገሞ እዚ እዩ። ፍትሒ ኣብ ዝጎደለሉ እዋን ዝተኣሰሩ ኣካላት ኣለዉ። ኩሎም ብዘይፍትሒ ተኣሲሮም ማለተይ ኣይኮንኩን። ስለዚ ካብዚ ንምውፃእ ሓደ ምንቅስቓስ ምፍጣር ኣድላዪ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ካብ ዓንተብኡ ኢህወደግ ክንፈትሕ ኢና እንትብል እንተሎ ኣነ ደጊፈዮ እየ። ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይነበረን። ስለዚ ሓደ ሽዑ ቅድሚ ምምፃእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ዝተፈትሐ ደመቀ እዩ። ንሱ ኣነ ጉድለት እዩ እየ ዝብሎ፤ ብኽልተ መንገዲ።

እቲ ሓደ ናይ መከላኸሊ ሰራዊት ዝቐተለ እዩ። ብካልኣይ ድማ ናይቶም ግዳያት ስድራ ጉዳይ address ከይተገበረ እዩ ተፈቲሑ። እዚ ክፍታሕ ኣይነበሮን።

ግን ኣነ ሕዚ እንታይ እየ ዝብል ሓደ ምንቅስቓስ ብጉድለቱ ኣይኮነን ክግምገም ዘለዎ። ስራሕ ፈፃሚ ኢህደግ ዝወሰኖ ፅቡቕ እዩ ኢለ ይወስድ እሞ ከምዚ ዝበለ ነገር ግን ኽፍተት እዩ።

ካልእ ናይ ኣንዳርጋቸው ጉዳይ እዩ። ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ክልተ ስምዒት እዩ ነይሩኒ። በቲ ሓደ ገፅ ኣንዳርጋቸው እንተትፈሐ ናይቲ ምንቅስቓስ ዕብየት እዩ ዘርኢ። ናይቲ ይቕረታ ዕብየት እዩ ዘርኢ። ብካልእ ገፅ ድማ እቲ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ኣሎ። ብመሰረቱ ግን ኣንዳርጋቸው ተፈሪድሉ እዩ ስለዚ ብይቕረታ ክወፅእ ይክእል እዩ። ናይ ሕጊ ክፍተት ኣይብሉን። ምኽንያቱ ፕረዚደንት እንድሕር ይቕረ ኢሉ ክፍታሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣንዳርጋቸው enemy of the sate እዩ እቲ ገበኑ። ካብ ናይ ደመቀ ይገድድ እዩ ገበኑ፤ ግን ሕጋውነቱ ናቱ እዩ ዝሓይሽ።

እቲ ጠቕላላ ግን እንታይ ይመስለካ፤ እቲ ኣብ ኣምሓራ ዘሎ ኩነታት ኢህወደግ ብጠቕላላ ብአዴን ድማ ብፍላይ ብግቡእ ዘይምስርሖም ዝመፅአ እዩ። ብካልእ ገፅ ድማ እዚ ኩነታት እዚ ረብሓታት እውን ኣለዉዎ እዮም። እቶም ኣምሓራ ኢትዮጵያውያን ኢና እምበር ኣምሓራ ኢና እዮም ክብሉ ፀኒሖም። ሕገ መንግስቲ እዩ ኣገዲዱ ኣምፂእዎም። ኣምሓራ ኢና ምባል ጀሚሮም። እዚ ዓወት እዩ። ነቲ ዲሞክራስያውነት ይሕግዝ እዩ። ግን ዝተዓሞቐ ናሽናሊዝም ክመፅእ እንተሎ ይራጋሕ እዩ። ናይ ምስፍሕፋሕ ነገር እውን እለዎ። ስለዚ እቲ ዓወት ተቐቢልና እቲ ሓደጋ ድማ ኸዓ እናስተውዓልና ኢና ክንከይድ።

እቶም ብግዕዝይና ዝተኣሰሩ እውን ገሊኦም እኳ ኣይፈልጦምን እዚኣ እዮም ገይሮም ተኣሲሮም ዝብል መንፈስ ነይሩ። ናይ ዛይድ ንኣብነት። ፖለቲካዊ መንፈስ ዝፈጠሮ እዩ ነይሩ እቲ ምኽንያት። ናይ ኩሎም ኣይፈልጦን። በቲ በለ በዚ ፍትሒ ኣጉዲለ ነይረ እንተኢልካ እሞ ነዚ ንምቕራፈ ምንቅስቓስ እንተድኣጀመርካ ብዙሓት ምፍታሕ ናይቲ ምንቅስቓስ ሓደ ኣካል ገይረ እየ ዝወስዶ። ኣብዚ ውልቀ ሰባት ብጌጋ እውን ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ቀስ ኢልካ እናስተኻከልካ ግን ክኽየድ ይኽእልእዩ። ናይ ኣንዳርጋቸው ሃገራዊ ገበን ስለዝኾነ ፀገም ዘይክፈጥር ይኽእል ይኸውን። ናይ ከም እኒ በዓል ደመቀ ግን ሰብ እንድዮም ቐቲሎም ናይዞም ዝጠፍኡ ህይወት address ክግበር ክክእል ኣለዎ።

ኣጠቓላሊ እቲ ስርዓት ፀረ ዲሞክራሲ እዩ ነይሩ ትብል ኣለኻ። እቶም ነዚ ንምፍታሕ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ድማ ብእወንታ ወሲድካ ኣለኻ። ስለዚ እንታይ እዩ ወሲኹ ኢኻ ትብል ዘለኻ ኣብ ዲሞክራታይዜሽን እዚ ከይዲ እዚ?

ፅቡቕ! እዚኣ እያ እታ ቁምነገር!  ዕላማ ሓደ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ እንታይ እዩ እንተተብሃሊካ ሰብኣውነት (humanity) ዝብል እዩ። ስለዚ ትኽክል እዩ። እዚኣ እዩ ድማ ወሲኹ።

ናይቲ ስርዓት  ለውጢ መፂኡ ክንብል እንተኾይንና ካብቲ ሕገ መንግስቲ ጀሚሩ ብዙሓት ለውጥታት ክርኣዩ ዶ ኣይግበኦምን እዮም ?  ኣብ ምንታይ እዩ ዘሎ ናይቲ ለውጢ ሕምብርቲ?

እቲ ዘጋጠመ ፀገም ብፍላይ ድማ እቲ ኢ ዲሞክራስያውነት ሕገ መንግስቲ ሕማቕ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ንሱ ብግቡእ ካብ ዘይምትግባር እዩ መፂኡ። እቲ ሕገ መንግስቲ ከምቲ ዝበልኩኻ ካብቶም ውሑዳት ብሉፃት ሕገ መንግስቲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ኣነ። እዚ ኣብ ምትግባር እዩ ፀገም ተፈጢሩ። እዚ ሰብ እዚ፤ እዚ  ሕገ መንግስቲ ኣይርበሕን ኢሉ እንተዝብገስ ሓደ ነገር ምበልና። ከምናተይ ኣረዳድኣ ግና ነቲ ሕገ መንግስቲ ተቐቢሉ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ኣሚኑ ምምሕያሻት ይገብር ኣሎ። ዛጊድ ኣብ 60 መዓልትታት ዝገብሮ ነገር እተን ዘረባታት እየን። እዚአን ድማ ኣገደስቲ እየን። ምኽንያቱ ንዓይ እቲ ቀንዲ ነጥቢ እቲ ሓሳብ እዩ። ብዛዕባ ትካላት ዝዛረበሉ ንኣብነት ኣብ መንጎ ፓርላማን ፈፃሚ ስራሕ ዝህልዎ ርክብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣቐሚጡ እዩ። ናይ ፍትሒ ከይድና እንታይ ክመስል ከምዘለዎ መሰረታዊ ለውጢ እውን ከምዘድልዮ ኣቐሚጡ እዩ። ናይ ደቂ ኣነስትዮ እውን ከምኡ። ኣብ ሕሉፍ 27 ዓመታት ብዙሕ ለውጢ እዩ መፂኡ በዚ መዳይ። መሰል ደቂ ኣነስትዮ ንምርግጋፅ ተሰሪሑ እዩ። ናብ ማእኸል ንምምፃእ ዝተገበረ ነቲ መንእሰይ ናብ ማእኸል ንምምፃእ ዝተገበረ ፃዕርታት ኣሎ። ስለዚ ኣብቲ መፅሓፍ እውን ዝበልኩኻ ካልኣይ ድማ ኣብቲ ናይ ሰብ ሃፍቲ ዝተዛረቦ እውን ኣሎ።

ኣነ እኳ እታ መፅሓፍ ከም መጣቐሲ ምጥቃም እንተትረፍ። እምነት ኣይብለይን። ካብተን ዕላዊ ዘረባታቱ ተበጊስካ እንተትዛረብ?


ንሱ ናትካ እምነት እንድዩ ኣነ ግን ኣይጠራጠርን። ብዝኾነ ኣብዘን ዘረባታቱ እውን ዋላ እንተወሲድና  ብዛዕባ ግዕዝይና ዝተዛረቦ ነገር ኣሎ። ኣብ ደገ ዘሎ ገንዘብ ክመፅእ ኣለዎ ዝብል ኣሎዎ። እቲ  ኣብ መንጎ ናይ majority and minority ዘሎ ርክብ እውን ብጣዕሚ ብዝገርም ኣገላልፃ እዩ ዘብርሆ። ኣብዛ ሓፃር እዋን እታ ክገብራ ዝኽእል ነገር ገይሩ እዩ። ካብኡ ዳሕራይ እናርኣይናዮ ንኸይድ።

ናብቲ ውክልና እስኪ ንምፃእ። ኣብ ምንቅስቓስ ኦሮምያ ዝነበረ ሓደ ኣብ ፌደራል ውክልናና ውሒዱ ዝብል እዩ። እዚ ፍትሓዊ ክሳብ ዝኾነ ፀገም ዘለዎ ሕቶ ኣይኮነን። ግን ሕዚ ተገይሩ ዘሎ ድማ እተን ፖለቲካዊ ስልጣናት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዳርጋ ተቖፃፂርዎ እዩ ዘሎ። ኣብ ገሊኡ ብኮሚቴ ዝምራሕ ስራሕ ሸውዓተ ሸሞንተ እድሕር ዘድሊ ካብ ካልእ ብሄር ሓደ ሰብ ጥራይ የሳትፍ። ስለዚ ናይ ትግራይ ልዕልነት እንተነይሩስ (ነይሩ ስለ ዝበልካ እየ) ተገልቢጡ ናይ ኦሮምያ ልዕልነት ዶ ኣየምፅእን ትብል? ኣብቲ ጉዕዞ እውን ትርእዮ ዘለኻ ብሓደ እዮም ተጓቲቶም ዝኸዱ። እዘታትስ እንታይ ይፈጥረልካ?

ገገለኡ ሓበሬታ ዘይክፈልጦ ይኽእል እየ። ገሊኡ ካቢኔ ግን ኣነ ውን ሕቶ የልዕል ነይረ እየ። እዚኣስ እከለ እንተኾነ ዶ ኣይምሓሸን ገለ ዝብል ካብ ዓይኒ ብቕዓት እናመዘንኩ ይሓስብ ነይረ። እተን ናይ ካቢኔ ቦታታት እንተርእይኻየን ምስቲ ዝነበረ ኢኻ ኣዛሚድካ እትርእዮ። ንኣብነት ናይ ሰራዊት መራሒ ትግራዋይ፣ ናይ ድሕንነት ሓላፊ ትግራዋይ፣ ናይ ቁጠባ ኣማኻሪ ትግራዋይ ወዘተ እዮም ነይሮም። ናይ ኣምሓራ እውን ከምኡ እዮም ነይሮም። ስለዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገብሮ ዘሎ ለውጥታት ኣብ ትሕቲ ፍርሒ ኮይኑ ዝገብሮ ዘሎ ገይረ እየ ዝወስዶ። ምኽንያቱ አቲ ተሳዒረ ዝብል ናይ ህወሓት ኣመራርሓ እተን ናይ መከላኸሊ ሃገርን ናይ ድሕንነትን በርታት ተጠቒሙ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እናሓሰበ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ኮይኑ እዩ እቲ ለውጥታት ዘካይዶ ዘሎ ኢለ እየ ዝሓስብ። እዚ ስግኣት እዚ ድማ ዘየለ ስግኣት ገይረ ኣይኮንኩን ዝወስዶ። ከም ስግኣት ሓሲቡ ነዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእትዩ ምኻዱ ንዓይ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን።

ግን ጌጋ እዩ?

ጌጋ ኣይኮነን። ፈለማ ክገብሮ ዘለዎ ምቁፅፃር እዩ፤ control እዩ ክገብሮ ዘለዎ።

ከመይ ማለትካ እዩ? ትግራዋይ ስለዝኾነስ ዝጥርጠር ሰብ ኣሎ? ኣይእመንን?

ከምኡ ኣይኮነን። ኣብዪ ከይምረፅ ብዙሕ ምንቅስቓስ እዩ ነይሩ።

ካብ መን?

ካብቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ተጋሩ። ስለዚ ንሱ ተመሪፁ ናብ ስልጣን ክመፅእ እንተሎ እታ ናይ መጀመርታ ስራሕ ክገብራ ዘለዎ ኣነ ከመይ ክኸውን ኣለኒ ዝብል ምምላስ እዩ። ካብዚ ኣንፈት እዚ ብምብጋስ ነቲ ክሃንፆ ዝሓስብ ዘሎ ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ከቐምጦ ክኽእል ኣለዎ ማለት እዩ።

እሞ እዚኣ ንምግባር ካብ ናይ ባዕሉ ብሄር ናብ ስልጣን ከምፅእ ኣለዎ ማለትካ ድዩ?

ከምኡ ኣይኮነን። እታ ናይ ብሄር ጉዳይ እኮ ቅድም ኢልና ከምዝበልናዮ ምስቲ ዝነበረ ኢና ደሚርና ክንርእዮ ዘለና።

ዋእ ዝነበረ ድኣ ዘየለ። ሕዚ እኮ ኩለን ሚኒስትራት ትፈልጠን እንዲኻ ብኦሮሞ እንድየን ተመሊአን ዘለዋ። ስለዚ ዝተደላደለ መሰረት ክህልዎ እንተኾይኑ ኦሮሞ ናብ ስልጣን ከምፅእ ኣለዎ ዝብል ከም ስትራተጂ የኽይድ ድዩ?

ሕዚ ካብተን ወሰንቲ ዝብሃላ ስልጣናት እታ ሓንቲ መከላኸሊ ሃገር እያ። ኣብኣ ሚኒስትር ኣሎ። ቺፍ ኦቭ ስታፍ ድማ ኣሎ። ቺፍ ኦቭ ስታፍ ተለኣኣኺ እዩ። ብናይ ዓድና ኩነታት ተለኣኣኺ እውን ኣይኮነን ብሓቂ። ካብዚ ዘሊሉ ድሕንነት ኣሎ። ድሕንነት ኣብ ናይ ስልጣን ቦታ ዓብዪ ቦታ እዩ። ካብኡ እቲ ናይ ቁጠባ ዓውድታት ኣሎ። እዚ እውን ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ ብበዝሒ ኣምሓሩ ኣለዉ። ሓደ እዋን እኳ ቆፂረዮም ነይረ። ስለዚ ድፍእ ኣቢሉ ምጅማሩ ነቲ ዝረጋፅካዮ ባይታ ድልዱልነት ኣገዳሲ እዩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ነባራት ናይ ህወሓት ሰበ ስልጣናት ብበዝሒ ካብ ስልጣን ዝተኣለይሉ ገሊኦም  ብጡሮታ ዝወፅእሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብታ ናይ ጥሮታ ክትዓት ኣለዉ። ገሊኡ ሰብ ትኽክል እዩ ዝብል ኣሎ። ገሊኡ እውን ጥሮታ ምውፃእ ትክክል ዋላ እኳ እንተኾነ ኣገባቡ ግን ልክዕ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ። ገገሊኦም ብስሩ እከለ ጥሮታ ወፂኡ ኢልካ ዜና ምስራሕ መልእኸቱ የባርረኩም ኣለኹ እዩ ኢሎም ዝምጉቱ ኣለዉ። ናትካ ርኢቶ?

ብዙሓት ብጥሮታ መልክዕ ምውፅኦም ሰሚዐ ኣለኩ።  ስፍሓቱ ክንደየናይ እዩ ርግፀኛ ኣይኮንኩን። ኮይኑ ግና ኣብታ ዶክተር ኣብዪ ቅድሚ ምምራፁ ከባቢ ግና ኣነ ፅሒፈ ነይረ። እቶም ነባራት ኣመራርሓ በቲ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባ እናኸዱ ብፍላይ ኣብ ህወሓትን ኣብ ብኣዴንን ነቲ ምንቅስቓስ የጥፍእዎ ኣለዉ፤ ኢለ ነይረ። ብትግርኛ እውን ከውፅኦ ኢለ ነይረ እቲ ፅሑፍ ጥሮታ ምስ ወፁ ድኣ ኮይኑ እምበር። እቲ ኣብ ልዕለይ ዝግበር ዘመተ መጋደዲ እዩ ክኾን ኢለ እየ ገዲፈያ። እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ምትኽኻእ ቅድሚ 15 ዓመታት ክግበር ዝነበሮ እዩ። ኣብ ህወሓት ተጀሚሩ ነይሩ እዩ ኣገባብ ድኣ ኣይንበሮን እምበር። ስለዚ ሓዱሽ ኣመራርሓ ምህላዉ ኣገዳሲ እዩ።  ብ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ንሓዱሽ ኩነታት ምምራሕ ኣይካልን። ስለዚ…

እወ ክትክኡ እኮ ኣለዎም። ካብቲ ቦታ ብጥሮታ ክወፅኡ ኣለዎም ኣብ ዝብል ይሰማማዕ እየ። ካብ ፖለቲካ ግን ጥሮታ ምውፃእ እይከኣልን። ከማኻ ማለት እዩ። ሕዚ ኣብ ህወሓት ፅቡቕ ዝቐፀለ ነገር ኣሎ፤ እዚ ከምዚ ዝበለ ኣመራርሓ ኣብቶም ምስ ምሁራት ምስ ነጋዶ ወዘተ ዝግበሩ ዓበይቲ ኣኼባታት  የሳትፍዎም እዮም። ሕዚ ነዚኦም ካብ ኩሉ ምፅራግ ግን ነቲ ሕብርተሰብ geninue ኮይኑ ኣይስምዖን። ዋላ ከምኡ ኮይኑ እውን ግን እዞም ሰባት እዚኦም ምስታፎም ፅቡ ቕ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ኣብዚ ዝብሉ እውን ኣለዉ እሞ ህወሓት እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ ትብል?

እዚ ናተይ ሕቶ እውን እዩ። እዚ ተሃድሶታት ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ተስፋ ነይሩኒ። ተስፋይ እውን ይገልፅ ነይረ፤ ህወሓት እንተዓርያ ብዘለዋ ሶሻል ካፒታል ኢህወደግ እውን ክዕሪ እዩ ዝብል ነይሩኒ። ናይ ዶክተር ደብረፅዮን ምምራፅ እውን ነቲ ተስፋይ ኣለምሊምዎ ነየሩ። ሓደ ቲም ዶ ይፍጠር ይህልው ኢለ ነይረ። ናይ ጌታቸው፣ ናይ ኣስመላሽ ናብ ላዕሊ ምምፃእ ተኣኪቡ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ዶ ይመፅእ ይህልው ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ጌታቸው ረዳ እውን ብዛዕባ በላሕቲ መራሕቲ ኦሮምያ ናብ ስልጣን ምምፃእ ኣመልኪቱ እውን ተዛሪቡ ነይሩ። እዚታት ተስፋ ዝሃቡኒ ነገራት እዮም ነይሮም።

ድሓር ኣብታ ፅሕፍተይ ዝበልኩኻ ደብረፅዮን ናበይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ዝብል ነጥቢ ኣለትኒ። እታ ናተይ ፈላመይቲ ነጥቢ ዝነበረት ደብረፅዮን መሪሕነታዊ ናፅነቱ ከረጋግፅ ኣለዎ። ካብቶም ዘይትመረፁ ኣበኡ ዕጉግ ኢሎም ዘለዉ ናፃ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ 93 ንውድብ ኣሕሚሞማ ካብኡ ጀሚሮም እናሕመምዋ ዝመፁ እዮም። ከየዶም ከይዶም እግሪ ዘይብላ ክገብሩዋ ዝከኣሉ ሰባት እዮም። ሕዚ ክትዕሪ እንተኾይና እዚኦም ቆሪፃ ቆራሪፃ ክትድርብዮም ኣለዋ።

እቶም ኣኼባታት ይሰምዖም እየ። እዞም ኣኬባታት እዚኦም ሓደ ናይ ትራንስፎርሜሽን ኣጀንዳ ተነፂሩሎም ናብ ለውጢ ከእትዉ እዮም ትፅቢት ዝግበረሎም። ይኹን እምበር ዋላ ሕዚ ክንደይ ገምጊምና ኢሎም ተሓዲስና ኢሎም ብዘይካ ናይ ህወሓት መንገዲ ካልእ መንገዲ የለን እዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ኣይኽርተምን። ኣይስተኻኸልን። ልዕሊ ኹሉ ዓንቃፊ ለውጢ ዝኸውን ዘሎ እዚ እዩ። ገምጊመ ኢልካ ናብዚ ተመሊስካ ምእታው ልዕሊ ኹሉ ገበን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ ዝተረጋገፀ ኣይኮነን እምበር ኣብቲ ማሕበራዊ መድያ ዝሰማዕናዮ ኣገኣዝያን ዓረና ፀላእቲ እዮም ዝብሉ እዮም። እንድሕር ዘይበሉ ኮይኖም መፂኦም ከምዚ ኣይበልናን ኣይወፀናን እዮም ክብሉ ዘለዎም። እንተዘይኮይኑ ከምዝበልዎ እዩ ዝውሰድ። እቲ ናይ ዲሞክራሲ ሃዋህው እዚ እዩ።

ሕዚ ኣብ ለውጢ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ነገር ኣብቲ ሕብረተሰብ “ንልወጥ ኢና ዘለና” ዝብል መንፈስ ምፍጣር ምኽኣል እዩ። ሕዚ ናይ ኣብዪ በዚ እዩ ዝረአ። ናይ ለውጢ መንፈስ ፈጢሩ ኣሎ።  ዳርጋ ኣብ መላእ ኢትዮጰያ ብፍላይ ትግራይ እዚ መንፈስ እዚ ኣሎ። ብዘይካ እቶም ናብ ህወሓት ኣዐርዮም ዝተፀግዑ ካልኦት ብዙሓት ዝተሓጎሱ ይረክብ ኣለኹ ኣብዚ ኣብ መቐለ። እቲ ነናይ ለውጢ መንፈስ ኣብ ኩሉ ኣሎ።

እዚ ናትካ እምነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ እትብሎ ዘለኻ ብኣንፃሩ ግን እቲ ናይ ካልኣይ ወያነ ቃልሲ ልክዕ ከምቲ ካብ ቅድሚ ዘበነ ሃፀይ ዮሃንስ ጀሚሩ ዋላ ኣብ ቀዳማይ ወያነ ዝነበሩ ወያነታት ዝተሰዓረ ወያነ እዩ ዝብል ስምዒታት ኣሎ እዩ። ንስኻ ግን ዓወት እዩ ወሲኩ ኢኻ ትብል ዘለኻ?

እወ! ናተይ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ብዙሓት ሰባት እምነት እውን እዩ። ብዘይካ እቲ ናብ ኣድሓርሓራይ ናይ ህወሓት ኣካል ዝተፀገዐ እቲ ካልእ ዝበዝሕ ከምዚ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ። ብዙሕ ጥርጣረታት እውን ኣለዉ። እቲ ምጥርጣራት ኣነ ፀገም እዩ ኣይብልን። ግን ዋላ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ተጋሩ ተገላጊልና ዝብሉ ኣካላት ኢኻ እትርኢ። ኣብዚ ኣብ መቐለ እውን ከምኡ። ስለዚ ክንልወጥ ኢና ዝብል መንፈስ ክፍጠር ኣለዎ። ኣብ ህወሓት ግን እዚ ኣይርእይን ዘለኹ።

ከም ተጋሩ ኣብዚ ዓዲ ረብሓና ተረጋጊፁ እዩ እንብል እንታይ እንታይ ክኾን እንተሎ እዩ? ብስሩ ናይ ተጋሩ ዝብሃል ረብሓ ኸ ኣሎ ዶ?

እወ ኣሎ። ብመሰረቱ ግን ናይ ህዝብታት ረብሓ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን እዮም። ካልእ ኣይብሎምን። እዞም ሰለስተ ነገራት ንትግራይ እንታይ ማለት እዮም? ንካልእ ኸ  እንታይ ማለት እዮም ዝብል ግን ኣፈላላይ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሰላም ማለት ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ክኾን እንተሎ ማለት እዩ? ከም ማለት እዩ። ስለዚ ክብርታቱ፣ ባህሉ ወዘተ ዝሕልው ኩነት ተፈጢሩ ዶ ኣይተፈጠረን ዝብል እውን ኣብዚ ይርአ እዩ።

በዚ መዳይ እንትርአ ትግራይ ተሳዒሩ እዩ ኣይብልን። ብርግፅ ዝተሰዓሩ መራሕቲ ህወሓት ኣለዉ። ገለ መራሕቲ ህወሓት ምስዓሮም ንዘላቒ ረብሓን ክብርን ተጋሩ  ክውዕል ይኽእል እዩ። ሰለዚ ዘደንግፅ ኣይኮነን ማለት እዩ። ስለዚ ዕድል እዩ።

ህወሓት ብዙሕ ዓወታት ኣምፂኣ እያ። ብብዙሕ ዓወታት እናተጎልበበት መፂኣ እያ። ይትረፍ ካልእ ሰብ ዋላ ኣነ ባዕለይ ቅድሚ 2007 ዓም ንህወሓት ክነቅፍ ብጣዕሚ እዩ ዘፀግመለይ ነይሩ።  ምኽንያቱ እቲ ዝዓበኹሉ፣ ዘምፃአቶ ዓወትን እቲ መስዋእትን ኢኻ እትርኢ። ሕዚ ግን እቲ ሰብ ናፃ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ህወሓት ክገብሮ ኣለዎ ዝብሎ ሕዚ ኣብ ማእኸል ፅቡቕ ምንቅስቓስ እንተሃልዩ ንዕኡ ክድምረሉ፤ ፀገማት እንትርእይ ድማ ንክዓግቶ ክቃለስ ክኽእል ኣሎዎ እየ ዝብል። እዘ ንምግባርድማ ንባዕሉ ክርኢ ኣለዎ።

ብናተይ ኣረኣእያ እቲ ምሁር መንእሰይ ሕዚ ንትግራይ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ከብፅሓ ዝኽእል እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እዚ መንእሰይ እዚ ስልጣን ከሕድግ ኣለዎ። እታ ሓንቲ ኣብ ኦሆዴድ ዝተርኣየት ድሓር እውን ናብ ኢህወደግ ዝተሰጋገረት ስልጣን ምምንጣል እያ። እቲ መንእሰይ እዚኣ ክገብር ኣለዎ። እኒ ኣብዪ ዝመፅእሉ መንገዲ እዚ እዩ።  ኣብ ህወሓት ግን ነቲ መንእሰይ ኣየቕረብዎን። ምስ ክብሮምን ረብሐኦምን ስለዘተሓሕዝዎ እዩ ከምኡ ዘይገበሩ። ስለዚ ኣብ ማእኸል ሃገር ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ፅቡቕ ምድማር ነቲ ሕማቕ ድማ ምቅላስ የድሊ።

ብፍላይ እቲ መንእሰይ ተደራጂዉ ኣብ ትግራይ እንተኽኢሉ ካብ ህወሓት ስልጣን መንጢሉ እንተዘይኮይኑ ድማ   ካልእ ናይ ባዕሉ ፈጢሩ ናብ ዝሓሸ ናይ ለውጢ መንገዲ ክኸይድ ኣለዎ።

ሕዚ ኣብቲ ኢትዮጵያውነት ምስልቻው ዝመስል ነገር ኣሎ ኣብቲ መንእሰይና። ባዕላ ንኢትዮጵያ እትብሃል ክሳብ ምፅላእ ዝበፅሐ ነገር ትርኢ ኢኻ። ብሓደ ወገን ትግራይ ሪፓብሊክ ዝብሃል ንበይንና ዓደ እንተመስረትና ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ። ብስሩዕ ዘይምዃኑ እምበር ኣግኣዝያን ዝብሃል ምንቅስቃስ እውን ኣሎ፤ ክልቲኡ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ብሓደ ክገብር ዝደሊ። ብሓፈሻ ምውፃእ እዩ እቲ መፍትሒ ዝብል ጥንክር ብዝበለ ምንቅስቓስ እውን ዝግለፅ ኣሎ እሞ ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

እቲ ሓደ መሰረታዊ ነገር ከምዚ ዝበለ ምንቅስቓስ ምግባሮም መሰሎም እዩ። ኣማራፂ ሓሳብ እዩ ዝከውን ዘሎ። እዚ ሓሳብ እዚ ንትግራዋይ ዝበለፀ ዶ ይጠቕሞ ወይስ ዝበለፀ ይጎድኦ ዝብል እዩ ዝፈትሖ። እቲ ካልእ ወሳኒ ነጥቢ ግን እዚ ምንቅስቓስ እዚ ብጠንካራ ፕሮግራም ዝተመርሐ ኣይመስለንን። ከምዘሎ ይፈልጥ እየ። ስለዚ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ እንታይ እዩ ዘይብል ዘሎ ዝብል ግልፂ ዝኾነ ነገር ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ምስ ፈለጥካ እዩ ምዝራብ ዝሓይሽ።

ከም ምህላው ግን ኣገዳሲ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና ዝብል ስዒሩ እንተወፂኡ ከምዝስዕር እውን ይግምት። ክስዕር ኣለዎ እውን ኢለ ይኣመን ምኽንያቱ ካባና ንላዕሊ ኢትዮጵያውነት ዝምልከቶ የለን። ትፈልጣ ኢኻ እዛ ሃፀይ ዮሃንስ በልዋ ዓባይ ዘረባ ዘላ። ስለዚ ንዓይስ  ንስኻ ትግራዋይ ኢኻ እምበር ኢትዮጵያዊ  ኣይኮንካን ክትብለኒ ኣይትኽእልን። ሓደ መዓልቲ ነጊረካ ነይረ ይመስለኒ… ኣነ ኣበበ እየ። ወዲ መቐለ እንደርታ እየ። ትግራዋይ እየ። ኢትዮጵያዊ እየ።

ትግራዋይነት ንዓኻ እንታይ እዩ? ኢትዮጵያውነት ኸ? ትግራዋይነትን ኢትዮጵያውነትን ዝምልከት ኸ?

እዛ ሕቶ እዚኣ ሕዚ ዜግነት ዝብሃል እንታይ እዩ ናብ ዝብል ክትዕ እያ ክተእትወና። እዚኣ ብናይ ባዕለይ መንገዲ ክምልሳ። ኣነ ሕዚ ከም ውልቀ ናይ ባዕለይ ፍሉይ ነገር ኣለኒ። ከም ትግራዋይ ድማ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ኣለኒ። ከም ትግራዋይ ድማ ምስ ካልኦተ ብሄራትን ህዝብታትን ዝካፈሎ ካልእ ኣተሓሳብ ኣለኒ። ስለዚ ክትበካ ኣይትኽእልን፤ ካብዚኣ ክሳብ ኣብዚኣ ኢትዮጵያዊ ካብዚኣ ክሳብ እዚኣ ድማ ትግራዋይ ምባል ዝኸብድ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ሓዲኡ ክጎልህ ይኽእል እዩ። እቶም ምሁራት ከምዝብልዎ እውን multiple identity እዩ ዘሎ።

እታ ትግራዋይነት ንዓኻ እንታይ እያ?

Define ምግባር ብጣዕሚ እዩ ከቢድ። ምኽንያቱ ምስ ካልኦት ብዝህልዎ ርክብ ኢኻ ፍታሕ እትህቦ። ተነፃፃሪ እዩ ድማ መንነት። ብዉሕድ ግን ትግራዋይነት ዝገልፃ ክብርታት ኣለዋ። እዚአን ናተይ እውን እየን። እዚአን ግን ኣብ ትግረዋይነት ጥራይ ዝተሓፀራ ኣይኮናን። ንኣብነት ናይ ትግራይ ምስ ኣምሓራ ክትፈልዮ ዝኸብድ እዩ።

እሺ ድሓን እዚኣ ትፅንሓልና እሞ እቲ ናይ ብሄራት ቃልሲ ኣብ ሃገርና ፀኒሑ እንድዩ  ናይ ተጋሩ ግን ኣይተነነፀረን ዘሊቑ ዝብሉ ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ኦሮምያ ግልፂ እየን ነይረን። እታ ሓንቲ ዝነበረት ምግንፃል እያ። ካብታ ጨቋኒት እያ ዝብልዋ ኣቢስንያ ምውፃእ እያ እተዋፅእ ዝብልዋ ኣለዋ። ካልኣይቲ narrative ፌደራሊዝም ዝኣምን ኣሎ። ሳልሳይ ድማ ብህዝብን መሬትን ዝዓበይና ኢና ስለዚ ዓብላላይነት ክህልወና ኣለዎ ዝብሉ ኣለዉ። እንተዘይኮይኑ ድማ ናብታ ቀዳመይቲ narrative እዮም ዝምለሱ። ኣብ ትግራይ ግን ከምዚ ዝበለ ዝተነፀረ narrative ዘሎ ኣይመስለንን። ህወሓት እውን ባዕላ ኣጥፊኣ እያ ኢለ እየ ዝሓስብ። ኣብ ኢትዮጵያስ ልዕሊ ሰባ ሓላይትን ጓል ቤትን ኮይና እያ ዘሊቓ። እዚ ድማኪሳራ እዩ። ክንፈላለ ንኽእል ኢና ኣበዚ ግን irrelevant ናብ ምዃን ኣብቂዕዋ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ዝበልካዮ ብታሪክን ባህልን ክንተኣሳሰር ንኽእል ኢና ግን ከም ተጋሩ ንባዕልና ኣብ ከመይ ዝአመሰለ ነጥቢ ኣቐሚጥና ኢና ክንቃለስ ዘላና ትብል?

ኣነ ሕዚ ከም ህወሓት ግልፂ ዝኾነ narrative ዝነበሮ እዩ።  እቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ከምዝነበሮ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ እንትረጋገፅ ኣብ ትግራይ እውን ይረጋገፅ ዝብል እዩ ነይሩ እቲ መርገፂ። እዚ ንዓይ ሕዚ እውን ዝሰርሕ እዩ። እንታይ ድኣ ኮይኑ እዩ ተኾሊፉ ድማ በል። እታ ዲሞክራሲ እትብሃል ነገር ወፂኣ። ስለዚ ክንሃንፃ ዝሓሰብናያ ኢትዮጵያ ተዘሪጋ። ህወሓት ጥራይ ማለተይ ኣይኮነንእ፤ እቲ ኢህወደግ ዝብሃል ፍጡር ኾሊፍዋ። እዚ ደማ ኣብ ትግራይ እውን ፀገም ፈጢሩ። ሓደ ምሁር ኣሎ ከመይ ይገልፆ ይመስለካ፤ ትግራይ Open air musiem እያ ይብል እሞ ብኡ ልክዕ ድማ Tigrai Open air prison እውን እያ እዩ ዝብላ።

ስለዚ እቲ ዘቐመጥናዮ ዝነገርኩኻ narrative ብዘይዲሞክራስያዊ መልክዕ እዩ ተቐይሩ። ሕዚ እውን ብናተይ ኣረኣእያ ሓድነት ኣገዳሲ እዩ። ረብሓ ኣለዎ። ስለዚ ህወሓት ተግባራዊት ዘይገበረታ narrative እያ እታ ዝበለፀት ረብሓ ትግራዋይ እተረጋግፅ ኢለ እየ ዝኣምን። ምኽንያቱ ትግራዋይ እንተተነፀለ ማእኸሉ ዲሞክራሲ እንተዘይኮይና ሻዕብያ እያ ክትኸን ማለት እዩ። ተመሳሳሊ ዕፃ ኣለዎ። ሻዕብያን ህወሓትን ሓደ ዓይነት እዮም ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። እቲ ዕፃ ግን ተመሳሳሊ እዩ። ከምታ ኢሳያስ ዝመርሓ ዓዲ እንተድኣ ክንከውን መሪፅና ክንጠፍእ ድኣ እምበር ከም ተጋሩ ክንቅፅል ኣይንኽእልን። ስለዚ እንተተነፀልና እውን ብሓባር እንተኮይና እውን እታ ማእኸል ህላወና እታ ዲሞክራሲ እያ።

ብፍላይ ከም minority መጠን እቶም ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘለዉ ረብሓታት ብግቡእ  እንተዝኸዱ ነይሮም ሕልዋት  (safgurded) ኢና። እታ ሕምብርቲ እንተዘይሃልያ እንተሃለና ኾነ እንተወፃእና ጥፍኣት እያ። ስለዚ ንዓይ እታ ናይ ህወሓት narrative ንተጋሩ እታ ዝበለፀት ናሬቲቭ እያ ነይራ።

መፃኢ ዕድል ተጋሩ ኣብዛ ሃገር እንታይ ዝኸውን ይመስለካ?

እንትጅምር ኢትዮጵያ ናብ ጥፍኣት ዘምፅእዋ ክልቲኦም ጫፋት (extremes)  እዮም። ናይ ኣምሓራ ጫፋትን ናይ ኦሮሞ ጫፋትን እዮም ንትግራይ ኣብ ሐደጋ ኣውዲቖምዎ። ስለዚ እቲ ትግራዋይ እግሪ እገሪ እዞም ሰብ ጫፍ ኣይኮነን ክከይድ ዘለዎ። ስኽ ኢሉ እዩ ዲሞክራስያዊ መድረካት ክፈጥር ዘለዎ። ዲሞክራሲ ሓይሊ እዩ። ህወሓት ንእሽተይ ብረት፣ ውሑድ ሰራዊት፣ ኣብ ዘየላ ፋይናንስ ሒዙ እዩ ስዒሩ። ሕዚ ክስዕር እንተኾይኑ እውን ከምታ ናይ ትማሊ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ዕላማ ክህልዎ እንተሎ እዩ። እዚ ዕላማ እዚ ተመሳሳ ሊ ዕላማ ምስ ዘለዎም ካልኦት ህዝብታት ኮይንካ ዝፍፀም እዩ ዝኸውን።

ሐዚ እቶም ጫፋት ንኣብነት ናይ ኣምሓራ ጫፍ ኣሎ። ኣስፋሕፋሓይ ሓይሊ መሬት ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። እዚ ናይ ብኣዴን ውድቀት እዩ ዘርእየካ። እቶም ሰብ ጫፍ ነቲ ዲሞክራስያዊ ዝበሃል ውድብ ውሒጦምዎ እዮም። ነዚ ኣስፋሕፋሓይ ሓይሊ ምቅላስ ዝከኣል ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ እዩ።

እታ ቐፃሊት ግጥም ኣብ መንጎ እቶም ሰብ ጫፋት እያ እትኸውን። ንሕና ዲሞክራስያዊያን ኮይንና ኣብ ዝቐረብናሉ ጊዜ ረብሐታትና ብዝልዓለ ደረጃ ዝረጋገፀሉ ኩነት እዩ ዘሎ።  ምኽንያቱ ክልቲኦም ጫፋት እዮም ናብ ውግእን ምጥፍፋእን እዮም ዝመፅኡ። ማእኸል ምጥንካርና ድማ ዲሞክራስያዊ ዝኮነ insight ምሓዝ እያ።

እታ ሕዚ ምስ ጫፋት ኣተኣሳሲርካ ዘምፃእኻያ ምስታ ቅድም ኢልካ ዝነገርካኒ ኣይትኸይድን። እቲ ኣብ ኣምሓራ ኮነ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ extremist እኮ ገለ ናትኩም ብፆት እውን ኣፀቢቖም ከምዝትንትንዎ ናይቲ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ዝብሃል ኢድ ኣለዎ እዩ። ሰለዚ እቲ ጫፍ እዩ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ።

ከምኡ ኣይኮንኩን ዝበልኩ። እቲ ምስ ናይ ዶክተርአኣብዪ ምምፃእ ኣተኣሳሲረ ከም እወንታ ዘልዓልክዎ እቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ initial legitimacy ረኺቡ ኣሎ። እዚ ድማ ፅቡቕ እዩ እየ ዝበልኩ። ምሉእ ተቐባልነት እውን ኣይኮነን እኮ። initial legitimacy እዩ። ዋላ ኣብ ኦሮምያ እውን ዝደልደለ መሰረት ኣይብሉን ገና እዩ።  ድሓር እቶም ሰብ ጫፍ ክመፅኡ እዮም።

ሚድያ እንተርኢኻ እኮ ሕዚ ኣንፃር ትግራይ እየን ዘለዋ። ቆልዑ ትግራይ ኣምሓራይ ዝብኢ እዩ እናተብሃለ እዩ ዓብዩ ኢሎም ተጠሊዖም ምዝራብ ጀሚሮም። ብስሩ ብስምዒት ደረጃ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓበይቲ ሚድያ ሃገርና ናብ ክትዕ ዝቐረበ ነገር እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ኣነ ኣብ ወያነ ልቢ ዝገበረ ትግራዋይ እንድየ ከምኡ እናተብሃልኩ ኣይዓበኹን። ስለዚ ከመይ ገይርካ ኢኻ እቲ ምንቅስቓስ ኣንኢስካ እትርእዮ ዘለኻ?

እዞም ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣብ 2009 እንድዮም ናብ ስልጣን መፂኦም፤ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ድማ ዝፍለጥ ኩነት እዩ። ምቁፅፃሩ ኣብዘ ይክኣል ደረጃ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሚድያ ስራሕ እኳ ተጋሩ እናመርሕዎ እውን እንድዩ ፀረ ትግራይ ነይሩ፤ ሕዚ ገዲድዎክኾን ይኽእል እዩ። ገዲድዎ እውን እዩ። እዚ ኣካል ናይቲ ዲሞክራታይዜሽን እዩ። እቲ ዝጎደለ ዲሞክራሲ ኣብ ሚድያ እውን እዩ ዝንፀባረቕ። እዚ ምስ ውሐደ ነቶም ጫፋት ቐለብ ይኸውን። ኣብ ሓደ ዝርአኽዎስ ብዛዕባ ፌደራሊዝም እንተዛተስ ዳርጋ ኩሎም ኣምሓሩ እዮም ዝቐርቡ። ነቲ ፌደራሊዝም defend ዘይገብር እዩ። እዚ ናይቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኣካል ገይረ ኣይወስዶን። ገና እኮ እዩ ካቢኔ ካብ ዘጣይሽ እኳስ ቅሩብ እዩ ገይሩ።

ድላዩ እንዶ ይውስን የሎን?

ኣብ ክልተ ወርሒ እኮ ስርዓት ኣይትቕይርን። ምልክታት ጥራይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል። ንሳ ድማ ገይሩ ኣሎ።

እተን ምልክታት ድማ ሕማቓት ምልክታት እየን። ኣንፃር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣንፃር ፌደራሊዝም ኣብ ኣደባባይ ብዕሊ ብግልፂ እኮ እየን ዝፍፀማ ዘለዋ። ብስሩ ኸ ጀነራል ውሕስና ዲሞክራሲ እንታይ እዩ? ሕዚ እቶም ናይ ኦሮምያ ሕቶታት እውን እኮ ኩሎም ሰኣኖ ዲሞክራሲ ዘልዓሎም እዮም ምባል ኣይትኽእልን realisitic እንተኾይንካ። ኣንፃር እቲ ካልእ እኮ እዮም ዘለዉ።

ሕዚ መበገሲኻ ኢኻ እተስተካኽል ዘለካ ኣብ ከምዚ። ህዝቢ ኦሮሞ ኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን እዩ ዝደሊ። ኣብ ሓደ እዋን ጫፋት ወሲዶምዎ ናብ ሓደ ኣንፈት ወሲዶምዎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚኣ ሓንቲ መሰረት እያ።

እታ ካልኣይቲ እዚ ሓዱሽ ኣመራርሓ እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ እንታይ ክገብር ይኽእል ኢልካ ምሕታት እዩ። እቲ ካልእ ግን እቲ ዝነበረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ዝነበረ ኢ ዲሞክራስያዊነት ዝፈጠሮ እዩ። ጫፋት ኦሮሞ ኣብ ኦሮሞ ቲቪ ኣብኣ፣ እቶም ናይ ኣመሓራ ጫፋት ኣብ ኢቲቪ ድላዮም ክብሉ ይክእሉ እዮም። እዚ ዝርአ ዘሎ ነገር እዩ።

እቲ ቀንዲ ንሕና ሕዚ እንታይ ንግበር ዝብል እዩ።  ዲሞከራሲ እያ ሕዚ ኣጀንደ ክትከውን ዘለዋ። ሕዚ ገባር ንውሰድ። ንገባር ዲሞክራሲ እንታይ እዩ እንተኢልካኒ ብምሉእ ዓቕሙ ዝንቀሳቐሰሉ ባይታ ወይ ዕድል  ምፍጣር ማለት እያ። ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ምእላይ ማለት እያ። ብዘይኣገባብ ከይመሓደር ምግባር ማለት እያ። ኣብ ሰራዋት ሰባት የዛራርብ ነይረ። displaced ዝኾኑ ገባራት  እዮም። ተበዲልና ኢሎም ግን ሰለማዊ ሰልፊ ክገበሩ ኣይከኣሉን። እግሪ ሓሪባ ዘጋጠሞም ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ እዚኣ ምእላይ ማለት እያ። ስለዚ ዲሞክራሲ ማለት ክትብደል እንተለካ እምቢ ምባልን እምቢ ኢልካ ድማ እትረትዓሉ ናይ ፍትሒ መንገዲ ኣላ ማለት እዩ። እዚኣ ናብ ሸቃላይ፣ ናብ ምሁር ወዘተ ብማዕረ ትኸይድ።

ሕዚ እኮ መዓት ምሁር ኣሎ። ኣበይ ኣበይ ከብፅሓና ዝክእል ምሁር እኮ እዩ ዘሎ። እዚ ከይፅጋዕ እዩ ተገይሩ። ዓረና ንውሰድ። ዓረና ፅቡቕ ድዩ ኣይፅቡቕን ካልእ ነገር እዩ። ከይንቀሳቐስ ግን ይግበር።

ንሕና እቲ ዋና ሓይልና ርእስና እዩ። ሓዱሽ ሓሳብ ከምፅእ እንተሎ ምዕንቃፍ ግን ፀገም ይኸውን ኣሎ። ፓርላማና እስኪ ርኣዮ። ኣበኡ ዘሎ ኣካለ እኮ ረብሓ ትግራይ ከረጋግፅ እዩ ኣትዩ። ብተግባር ግን ናይ ህወሓት oldgurds ረብሓ ከረጋገፅ እምበር ንህዝቢ እንትውክል ኣይርአን። ስለዚ እቶም ትካላት እውን በዚ መንገዲ ተራእዮም ዲሞክራስያዊ ምግባር የድሊ።

ትግራይ እኮ ሰብ ሃፍቲ ዝባረሩላ ዓዲ እያ እትኸውን ዘላ። ሃፋትምና እንተኣባሪርና፣ ምሁራንና እንተዘይኣፀጊዕና፣ ገባርና እንተኣማሪሩ ኣበይ ኣለና ድኣ ንብል? ገለገለ ሓረስቶት ዝዛረብዎ ሕዚ ዝገርም እ ዩ። ካብቲ ናይ ሃይለስላሰ ዘይንኣኣስ በደል እዩ ዝበፅሐና ዘሎ እዮም ዝብሉ። ስለዚ እዚ ምስትኽኻል የድልየና።

ናይ ዶክተር ኣብዪ ናይ 20 ጉንቦት መግለፂ ሰሚዕካዮ ዶ ነይርካ?

ኣይሰማዕክዎን!

መልእኽቲ ዶ ይህልወካ ወይ ከይገለፅካዮ ዝተረፍካ እንተሃልዩካ

ሕዚ ሓንቲ ትግራዋይ ረሲዕዋ ዘሎ ኣጀንዳ ናይ ትራንስፎርሜሽን ኣጀንዳ እያ። ኣበይ ኣለና? ናበይ ንኺድ? ግልፂ ዝኾነ ናይ ትራንስፎርሜሽን ኣጀንዳ የለን። ኣብቶም ዝብሎም ዝነበርኩ ተስፋ ዘንበርክሎም በዓል ደብረፅዮን እንትሃልዩ ወይ ተሓቢኡ እንተኾይኑ እውን እንተዝወፅእ። ወይ የለን ማለት እዩ። ስለዚ  ትግራይ ካበይ ናበይ እያ ትኸይድ ዘላ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናይ መጀመርታ እዩ። ንሳቶም እንድሕር ዘይገበርዎ ድማ እቲ ምሁር ምንቅስቓስ ክጅምር ኣለዎ። ሓደሓደ ኣካላት ዝጀመርክምዎም ነገራት ኣለዉ ይፈልጥ እየ። እዚ ምዕባይ። ብሓቂ ኣብቲመንእሰይ ሕዚ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣሎ። ዘይተጠመረ ኮይኑ እምበር! ሕዚ ፀላኢየ ፈታዊየ ገለመለ ዝብሃል ገዲፈካ ሓሳባት ምጥማር እዩ ዘድሊ።

እቶም ኣጀንዳታት ምስተነፀሩ እቶም ትካላት ድማ ምምዕርራይ የደሊ። ካብ ፓርላማ ጀሚሩ ክሳብ ወረዳ ዘሎ ናይ ፍትሒ ናይ ፀጥታ ኣካላት ክርአ ኣለዎ። ትግራይ ፖሊስ ስቴት ካብ ምዃን ክትወፅእ ድማ ኣለና።

ነቲ ምሁር ግን ንምንታይ ይመስለካ ዘየፀግዖ?

ከይፍንቅሎ ስለዝፈርሕ እዩ። ኣብ ምሁር ብዘለዎ ኣረኣእያ ገለመለ ዝብሃል የለን። ከይፍንቅሎ ስለዝፈርሕ ጥራሕ እዩ። ስልጣን ማእኸል ገይሩ ስለዝትንትን እዩ። ኩሎም ክብል ኣይክእልን፤ ግን ካብቶም ዘለዉ መራሕቲ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ መራሒ እንተመፂኡ ከይወስደሉ ስረዝፈርሕ ጥራይ እዩ።

ሰለዚ ህወሓት ናይ እማን ክትሕደስ እንተደልያ ባዕላ እናፈለጠት ብምሁራት ክትውረር ክትፈቅድ ኣለዋ።

ካልኣይ እቲ ምስ ማእኸል ዓዲ ዘሎ ርክብ ዝምልከት እዩ። ብጣዕሚ Volotile ነገር እዩ ዘሎ። ስለዚ ስትራተጂክ መሓዙትና በዓል መን እዮም? ዝብል ነገር እውን ክንፈሊ ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ፀገም   ደመቀ ክምረፅ እዩ ምስተብሃለስ መን ስትራተጂክ መሓዛና ኢሎም ሓሲቦም ድዮም ወይስ መን ክልኣኸለና ይኽእል ኢሎም እዮም ሓሲቦም ደመቀ ክመርፁ ዝተጓየዩ ኢለ ይሓስብ ነይረ። ስለዚ ስትራተጂክ ምሓዛ ምፍላይ ከድሊ እዩ።

ብትኽክል መን እዩ ሕዚ ስትራተጂክ መሓዛ ዝብሃል?

ነቲ ሕገ መንግስቲ ተሰኪሙ ዝኸይድ ሓይሊ ማለትና እንድዩ እቲ ስትራተጂክ መሓዛ፤ በዚ መሰረት እቲ ዝልዓለ ሓይሊ ዝነበረ ዛጊድ እቲ ናይ ኦሮምያ ምንቅስቓስ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ከም ምንቅስቓስ ብዙሕ ሕማቕ ነገር ኣለዎ። ግን ሕምብርቱ እንተርእይኻዮ ግና ፌደራሊዝም ዝምልከት እዩ። ኣብ ሶሻል ሚድያ ሕዚ ዝርእዮ ዝነበርኩስ ካብ ኩሉ ብዝልዓለ ደረጃ ሕገ መንግስቲ እናጣቐሰ ዝሟጎት ዝነበረስ እቲ ናይ ኦሮምያ እዩ።

እሞ እቲ ሕዚ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ግን ሕገ መንግስቲ ዝግድሾ ኣይኮነን። ዶከተር ኣብዪ መጀመርያ ካብ ዝገበሮም ዘረባታት ሓደ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ስልጣን ክግድብ እየ ዝብል እዩ። እዚ ፀረ ሕገ መንግስቲ እዩ።

እንታይ ኮይኑ ፀረ ሕገ መንግስቲ ኮይኑ?

ኣብ ሕገ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘይተገደበ ናይስልጣን ዘበን ከምዘለዎ እዩ ዝገልፅ።

ዋእ እሞ ሕገ መንግስቲ ኣይምሓሸን ድዩ?

እሞ ስኽ ኢልካ ዶ ሕገ መንግስቲ ተመሓይሽ ኢኻ?

ፕሮግራም እኮ እዩ ዝተዛረበ

እንታይ ፐሮግራም ክኾን ድኣ መፂኡ እኮ እዩ እዚኣ ክገብር እየ ዝበለ። ክመሓሽ እንተኾይኑ ድማ ናይ ባዕሉ መንገዲ ተኸቲሉ ይገብር እምበር ከምይ ገይሩ መፂኡ ስልጣን ክግደብ እየ ይብል? ካልእ እውን እቲ ዘሎ ናይ ስልጣን ሽግሽጋት ካቢኔ አሎ ንዕኡ ዝተውሃቦ ስልጣን እውን ኣሎ፤ ምስኡ ኮይኑ ክሰርሖ ዝግባእ እምበር ስኽ ኢሉ ከምዝምሰሎ ምግባር ከመይ ገይርካ ትኽክል እዩ ትብል። ኣነ ዶክተር ኣብዪ ዋላ ሓንቲ ሕገ መንግስታዊ መራሒ እዩ ዘብል ነገር ኣይረኸብክሉን።

ብዝኾነ ሓደ ዛጊድ ኣብ ዝተሰርሓ ስርሓቲ ዝተዋፈረ መራሒ መጀመርታ ክገብሮ ዘለዎ ፐሮግራም ምቕማጥ እዩ። ኣብቲ ቅድም ኢለ ብዛዕባ ናይ ትራንስፎርሜሽን ኣጀንዳ ዘልዓልክዎ እውን ኣብ ሕገ መንግስቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ስልጣን ገደብ የለን። ንሱ ግን እዚ ፀገም ይፈጥር ስለዘሎ ከማሓይሽ እየ እዩ ዝብል ዘሎ።

ፅቡቕ እታ ዘረብኡ ብኣ ንተርጉማ። በቲ ካልእ ገፅ ከዓ ጉንቦት 7፣ ኦነግ ዝብሃሉ ውድባት ፓርላማ ዘፅደቖ ሓደ ሕጊ ኣሎ ብኡ መሰረት ገበነኛታት እዮም። ስለዚ እዚ ሰብ እዚ ከም መራሒ ነቲ ዝትኸሰሰሉ ሕጊ ከልዕለሎ ይኽእል እዩ። ግን ከምታ ሕጊ ንምዃን ብፀብፃብን መረዳእታን ኣቢልካ እቲ ፓርላማ ኣእሚንካ ዝተገበረት ከምኣ እያ ከዓ ሕዚ ክትልዓል ዝነበራ። ንሱ ግን ስኽ ኢሉ እዩ ዝፈትሕ ዘሎ። መሰረታዊ ሕግታት እናጠሓሰ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ኣብ ዘለሉ ኩነት ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ሕገ መንግስታዊ እዩ ምባል ዝከኣል?

ኣነ ዛጊድ ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እዩ ዝብል እምነት ኣይብለይን። እቶም ናይ ኦሮምያ ዝኣተዉ ዝተፈረደሎም ወይ ዝተፈረጁ ኣይኮኑን ነይሮም። ናይ ኣንዳርጋቸው ድማ ምሕረት እዩ። ዋእ እኒ በዓል ፍስሃ ደስታ እኮ ወፂኦም እዮም። ምሕረት እዩ እዚ ድማ ሕጋዊ እዩ። ሌንጮ እኮ ቅድሚ ዓመታት መፂኡ ነይሩ እኮ እዩ። ምስ መለስ ዋላ ምስ ሃይለማርያም ይራኸቡ ነይሮም እዮም።

እሞ እቲ ምሕረት ኮነ እቲ ፃውዒት እኮ ፀገም ኣይብሉን። ግን ክገበሮ ዝግባእ ዝነበረ ንሰላምን ድሕንነትናን ክብሃለ እዞም ኣካለት እዚአም ምሕረት ንግበረሎም ኢልካ ነታ ሕሕጊ ዘውፅአ ሕጊ መውፅኢ ኣካል ኣእሚንካ ዶ ኣይኮነን ክግበር ዝነበሮ? ፓርላማ እንተወሲኑ እውን ፀገም ዘለዎ እኮ ኣይኮነን። ግን ብሕጊ እዩ ክከውን ዘለዎ። ውሕስና ኣይብልካን ብሰብ ደረጃ ዝግበር እንተኾይና።

ትኽክል። ኣነ እውን ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ይሰማማዕ እየ። ግን ሕዚ ፐሮግራም እዩ። ከም ፕሮግራም እዩ ክውሰድ ዘሎዎ። እቲ ፕሮግራም እሱራት ንፍታሕ ዝብል እዩ። ከምታ ዝበልካያ ናብ actual action ክመፅእ እንተሎ ግን ሕጊ ክወፅእ ኣለዎ። ወይ ናይ ኣሚኒስቲ ሕጊ ክወፅእ ኣለዎ። ወይ ከዓ ቴረሪስት እትብል ሕጊ ክትቅየር ኣለዋ። ኣብ ተግባር እንትትመፅእ እዚኣእያ ክትከውን ዘለዋ። ንገሊኦም እውን ረኺበዮም ነይረ፤ እታ ዝበልካያ እየ ኢለዮም። ስለዚ እቲ ዝብሃል ዘሎ ከም ፕሮግራም እንተወሲድናዮ ፅቡቕ እዩ። ናይ ስነ ከበባ መሰል እንተወሲድካ ንኣብነትስ ድሕሪ 60 ዓመት ተግባራዊ ዝኾን ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ሎምዓንቲ ብዓቕምኻ ትጅምራ።

ስለዚ እቲ ሕዚ ገይርዎ ዘሎ ኣብ ተግባር እንትመፅእ ሕጊ መሰረት ክገብሩ ኣለዎም። እታ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይ ስልጣን ገደብ እውን ከምኣ እያ እትውሰድ። ሕጊ ኣይኮነትን። ፕሮግራም እያ። ኣጀንዳ እዩ ዝነግረና ዘሎ። ኣበዚ ኣብዚ ኣብዚ ለውጢ ከምፅእ እየ ምባል ፀገም የብሉን። እዚኦም ብሕጊን ስርዓትን ክኸዱ ኣለዎም ዝብል ድማ ካልእ ጉዳይ እዩ። ኣነ ብሕግን ስርዓትን ክኸይድ ኣለዎ ኣብ ዝብል ምሳኻ ኣለኹ።

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *