Home / Uncategorized / እዋናዊ ገምጋም ዞባዊ፣ ሃገራዊን ክልላዊን ኩነታትን፡ ቀፃሊ ዕድል ተጋሩን!

እዋናዊ ገምጋም ዞባዊ፣ ሃገራዊን ክልላዊን ኩነታትን፡ ቀፃሊ ዕድል ተጋሩን!

 

ብግዱሳት ተጋሩ

  1. መእተዊ

ናይ ኩነታት ገምጋም ንምግባር ብዙሓት ፅንሰሓሳባዊ መነፅራት ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ እዮም። ናይቶም መነፅራት ኣመራርፃ በቲ ናይቲ ገምጋማይ ባህሪን ልምዲን ዝፅሎ እንተኾነ ውን ብቐንዱ በቲ ናይቲ ዝግምገም ኩነታት ተፈጥሮን ስፍሓትን ባህሪ ይውሰን። በዚ መሰረት ኣብዚ ገምጋም እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ከም ዓንዲ ኣጠማምታ ንምጥቃም መሪፅና ኣለና ።

  1. ናይ ኩነታት ገምጋም ዋና መበገሲና ኣብዚ መድረኽ ናይ ትግራይ ረብሓ ከመይ ነረጋግፅ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝዓለመ ጥራሕ እዩ።
  2. እዚ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ኩነታት ምዕባለ ናይ ታሪኽ፣ ናይ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ስነልቦናዊ፣ ቴክኖሎጂ፣ ጂኦግራፊ፣ ሃይማኖታዊ እምነታት ከምኡ ውን ናይ ዓለምለኻዊ ፣ አህጉራዊ፣ ከባቢያዊን ውሽጣዊን ሓይልታት ኣተሓሳስባ፣ ድሌት፣ ተኽእሎን ተግባራትን መስተጋብራዊ ርክብ ዝፅሎ ስለዝኾነ ብማዕባሊ ውስብስብ ስርዓታዊ መነፅር ክረአ ኣለዎ።
  3. እቲ ስትራክቸር ውስብስብ ብምኻኑ ድማ ናይ ኩነታት ኢተገማታይነትን ዘይንፁርነትን ዝዓብለሎ ስለዝኾውን አብቶም ደፋእቲ ሓይልታት ኣተኩርካ ምምርማር ይሓትት።
  4. ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ክልልና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ናይ ሰለስተ መሰረታዊ ረቓሒታት ማለትውን ጂኦፖለቲካ፣ ስነሓሳብን (ideology) ብሄራዊ መንነትን (identity & civilization) መስተጋብራዊ ምትእስሳር ውፅኢት ጌርካ ምጥማት ስለዝኾነ ውን ዓለማዊ፣ ዞባዊን ውሽጣዊን ሓይልታት ኣብ ሓደ ኣተኣሳሲርካ ምግምጋም የድሊ።
  1. ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት

ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ብውሕዱ ናይ ሓሙሽተ ጂኦፖለቲካዊ ሓይልታት ድሌትን ተግባርን መስተጋብር ይርአ ኣሎ።

  • ኣሜሪካን ናይ ምዕራብ ሓይልታትን

ኣሜሪካ ብሓደ ገፅ ናይ ኢራንን ቱርኪን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ህንዲ ውቅያኖስን ከምኡ ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ክህልወን ዝኽእል ተፅዕኖ ንምግዳብ፣ ብኻልእ ገፅ ራሻን ኢራንን ኣብ ሶርያ ፈጢረንኦ ዘለዋ ሕብረት ንበሽር ኣልዓሳድ ኣድሒኑ ክፈጥሮ ዝኽእል ሓዱሽ ጥምረት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን ኣዛቢዑ ናይ ኣሜሪካ ጥቕሚ ከይጎድእ ንምዕጋት፣ ብቐንዱ ድማ ናይ ቻይና ሓዱሽ ዓለማዊ ሓይሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ህንዲ ውቅያኖስን ምስፍሕፋሕን ናይ one road – one belt ፕሮጀክት ተግባራዊ ምንቅስቓስ ክፈጥሮ ዝኽእል ስትራቴጃዊ ተፅዕኖ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ ውን ቻይና ኣብ ኣፍሪካ እትፈጥሮ ዘላ ኢኮኖሚያዊ ኤምፐርያሊዝም ብፍላይ ድማ ንኢትዮጵያ ከም ድልድል መራኸቢትን ኣብነታዊ ተምሳሌትን ምጥቃማ ኣብ ኣሜሪካ ዝፈጠሮ ዓሙቕ ስግኣት ንምእላይ፣ ምስዚ ብተወሳኺ ኣብ ኦጋዴን ብቻይና ዝተጀመረ ነዳዲ ናይ ምውፃእ ምንቅስቓስ ምስቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝፀንሐ ናይ ነዳዲ ሃፍቲ ኣጠቓቕማ ተተሓሒዙ  ኣብ ኣሜሪካ ዝፈጠሮ ቅንኢን ስስዐን ከቢድ ናይ ኢድ ኣእታውነት ድፍኢት ፈጢሩ ኣሎ።

ኮይኑ ውን ኣሜሪካ ኣብዚ ዞባ ኣለኒ እትብሎ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓኣ ብቐጥታ ብናይ ባዕላ ሓይሊ ኣእዳውነት ክትፍፅሞ ኣይደለየትን። ስለዝኾነ ናይ security outsourcing strategy ክትጥቀም መሪፃ ኣላ። ነዚ ድማ ናይ ሳዑዲ፣ ዓረብ ኢሚሬት፣ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ወፂኡ ዝኒሀ ሓዱሽ ሓይሊን ጥምረት ብምጥቃም ጊዚያዊ ናይ ሓይሊ ሚዘን ረብሓ ረኺባ ኣላ። ነዚ ሓይሊ ሚዛን ንምጥንኻር ድማ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዒስራ ዓመት ዝፀንሐ ጎንፂ ብመንገዲ ሳውዲን ዓረብ ኢሚሬትን ክፍታሕ ብምግባር ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታት ተነቢሩ ዝፀንሐ ማዕቐብ ክለዓል ፀቕጢ ብምፍጣር ዝለዓለ ፃዕሪ ትገብር ኣላ። ኣብ እዚ ጎደቦ እዙይ ኣመሪካ እትገብሮ ፍሕፍሕ ኣብ ኣፈሪቃ ይኹን ዓለማዊ ናይ ዕዳጋ ብፅሒታ ንምቕፃል ካብዘለዎ ትርጉም ኩሎም ዓይነት ስጉምትታት ክትወስድ ከምእትኽእል ምግማት ኣይኣብን፡፡ ሃፂያዊት ኣመሪካ ኣብ እዚ ሕዚ እዋን ኮርፖሬት መንግስቲ ሙዃናን ብቶም ዓበይቲ ኩባያታት ረብሓ ዝእዘዝ ስርዓተ መንግስቲ ዝሃፀት ሙኻናን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ ግሁድ ባህሪ እዙይ ንኮርፖሬት ረብሓታት ዝልዓለ ስጉምቲ ክትወስድ ዘገድዳን ዘኽእላን ሙኻኑ ጥርጥር የብሉ፡፡ ኣብክሊ እዙይ ድማ ንጅቡቲን ሶማሊያን ናብቲ ሓዱሽ ሕብረት (Alliance) ንምፅንባር ውን ናይ ሶማሊያ ፕረዚደንትን ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴርን ከም ሸምገልቲ ብምጥቃም ምንቅስቃስ ይግበር ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ውን ነዚ ሓዱሽ ዕድል ተጠቒሙ ብኣሜሪካ ዝምረፅ ጎብለል ናይዚ ዞባ ንምዃን ዝነበሮ ሕልሚ ዳግም ኣጠጢዑ ኣሎ።

  • ናይ ዓረብ ሃገራት

ናይ ዓረብ ሃገራት ብፍላይ ድማ ብሳውዲን ዓረብ ኢሚሬትን ዝምራሕ ጥምረት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ በዘን ዝስዕባ ምኽንያታት ናይዚ ዞባ ጂኦፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይነን ወፂአን ኣለዋ። ቐዳማይ ምስ ናይ ነዳዲ ዋጋ ምውዳቕን ተተካኢ ቴክኖሎጂ ዓብዩ ቦታ እናሓዘ ምምፃእን ተተሓሒዙ ኣብ ነዳዲ ተሞርኩሱ ዝተሃነፀ ኢኮኖሚያዊ ሓይለን ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ ኣብዚ ዞባ ሓዱሽ ናይ ዓዳጋ ከባቢ ብምፍጣር ንምክሕሓስ ፅኑዕ ድሌት ስለዘሕደራ። ካልኣይ ምስ ኢራን፣ ካታርን ቱርኪን ኣብ የመን፣ ቀይሕ ባሕሪን ህንዲ ውቅያኖስን ከባቢኡን ብዘለወን ናይ ኣይዲዮሎጂን ጂኦፖለቲካውን ምስፍሕፋሕ ንሕንሕ ልዕልንአን ንምርግጋፅ ስለዝዓለማ። ሳልሳይ ኣሜሪካ ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ብሄራዊ ጥቕሚ ንምርግጋፅ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ንሕንሕ ብኢድኣዙር ክትፍፅም ስለዝመረፀትን ናይ ሳዑዲ ጥምረት ድማ ነዚ ናይ ውክልና ልኡኽ ክፍፅም ስለዝተሓረየን ከም ዕድል ክምዝምዞ ስለዝወሰነን እዩ።

  • ግብፂ

ግብፂ ሓድሓደ ሻዕ ምስ ናይ ሳዑዲ ጥምረት ተሰሊፋ ካልእ ጊዜ ድማ ብተናፀል ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ክተረጋግፅ እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ብቐንዱ ምስ ክልተ ጉዳያት ዝተኣሳሰረ እዩ። እቲ ሓደ ምኽንያት ምስ ናይ ኣባይ መፋስስ ኣጠቓቕማ ተኣሳሲሩ ብዘለዋ ታሪኻዊ ግጉይ ፖሊሲ ናይ ስዑዲን ዓረብ ኢሚሬትን ድጋፍ ተጎዝጉዛ ንኢትዮጵያ በተለኣኣኺ ሓይሊ ብምቁፅፃር ህዳሴ ግድብ ንምዕንቃፍ ዝነበራ ድሌት ምስኻዕ እዩ። ንጊዚኡ ድማ ዝተሳኸዐላ ይመስል። ስለዝኾነ ድማ እዚ ረኺባቶ ዘላ ጊዚያዊ ዓወት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ጠጠው ዝብለሉ መደላድል ናይ ምፍጣር ተልእኾ ትፍፅም ኣላ። ካልኣይ ናይ ኣልሲሲ መንግስቲ ንሙስሊም ኣሕዋት (Muslim brotherhoods) ከም ቀንዲ ፀላኢ ምስምውሳዱ ተተሓሒዙ ምስ ሱዳን፣ ኻታርን ቱርኪን ዘለዋ ንሕንሕ ብላዕለዋይነት ንምዝዛም ካብዘለዋ ድሌት ዝብገስ እዩ።

  • ቻይና

ቻይና ናይ one road one belt ፕሮጀክት ንምስኻዕ ዘኽእላ መደላድል ንምፍጣር ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ህንዲ ውቅያኖስን ቦታ ንምሓዝ ከምኡ ውን ኣብ ኣፍሪካ ናይ ኢኮኖሚ ልዕልና ንምቁፅፃር ትፋለም ኣላ። ምስዚ ሓዱሽ ናይ ዞባና ጂኦፖለቲካዊ ሓይሊ ሚዛን ለውጢ ተኣሳሲሩ ቸይና ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ናይ ኢንቨስትመንት ድሌት እናቐነሰት ምህላዋ ከምኡ ውን ብዛዕባ ዕዳ ምምላስ እትጭነቐሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። እቲ ቕድሚ ሐዚ ኣብሞንጎ ቻይናን ኢትዮጵያን ከምኡ ውን ኣፍሪካን ከምድልድል መራኸቢ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ናይ ኢህኣዴግ ሓይሊ ዝነበራ ተስፋ ውን ዝውዳእ ዘሎ ይመስል። ስለዝኾነ ውን ሰሜን ሱዳን፣ ኬንያን ናይ ደቡብን ምዕራብን ኣፍሪካ ሃገራት ከም ቀዳማይ ምርጭኣ ጌራ ትንቀሳቐስ ኣላ። እዚ ምርጫ እዙይ ከምዘለዎ ኮይኑ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ዕዳጋ ብፅሒት ብቐሊሉ ዘይትገድፎን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘለዋ ናይ ዕዳጋ ብፅሒት ንምክልኻል ኣብ እቲ ሽኩት ክትቕፅል ከምእትኽእል ምግማት የድልይ፡፡

ትዕዝብቲ

  1. እዚ ኣብ ዞባናን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ናይ ዓለማዊ ኩነታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ተፈጢሩ ዝኒሀ ንሕንሕ መቐፀልታ እዩ።
  2. ኣሜሪካ ብዝተኸተለቶ ዘይቀጥታዊ ኢድ ኣእታውነት ስትራቴጂ ምኽንያት ናይ ሱዕዲን ኢመሬትን ሓይልታት ብላዕለዋይነት ዝዋስእሉ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።
  • ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓይሊታት ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ናይዚ ዞባ ጎብለል ኮይንካ ናይ ምውፃእ ንሕንሕን ጎንፂን ናብ ካልኣዋይ ብርኪ ብምውራድ ኣብ ትሕቲ ፅላል ናይ ስዑዲ ጥምረት ብሳልሳይ ረድፊ ተለኣኣኻይነት ተሰሪዖም ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ መስርዕ ዝዋፈርሉ ኩነታት ይመቻቾ ኣሎ።
  1. ኣብዚ ረድፊ ጅቡቲ ሶማሊያን ሱዳንን ንምስላፍ ብመንገዲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዝኒሀ ሓይሊ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።
  2. ኣሜሪካ ካብ ቐጥታዊ ወታደራዊ ጣልቃ ኣእታውነት ወፃእ ኣብዚ ዞባ ጂኦፖለቲካዊ ልዕልና እትጭብጠሉ ኩነታት ተመቻችዩ ኣሎ።
  3. እዚ ሕዚ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝኒሀ ፖሊተካዊ ተርእዮ ንዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ዓለማዊ ግዝኣት ዝተሰለፈን ዝተዓስከረን ሓይሊ ፀብለልታ ዝፈጠረሉ ናይ እቲ ሃፀያዊ ንሕንሕ መቐፀልታ እዩ፡፡
  • ስነሓሳባዊ (Ideology)

ነቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባናን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ካልኣይ ረቓሒ ምኽንያት ናይ ኣይዲዮሎጂ ምስሕሓብ እዩ። ኣብ ከባቢናን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝኒሀ ናይ ኣይዲዮሎጂ ግጥምን ተፅዕኖ ምስፍሕፋሕን ጉዳይ ካብቲ ጂኦፖለቲካዊ ንሕንሕ ተነፂሉ ዝርአ ኣይኮነን። እዞም ናይ ዓለምናን ዞባናን ልዕለ ሓያላን ሓይልታት ኣብ ዞባና ከረጋግፅዎ ንዝደልዩ ጂኦፖለቲካዊ ልዕልና ናይ ኣይዲዮሎጂ ምስፍሕፋሕ ከም ቀንዲ ኣንፈት ይጥቀሙ ኣለው። እተን ካብ ደገ ዝተኣታተዋ ዘለዋ ኣይዲዮሎጂ ብምዕራባዊያን ናይ ኒዮሊበራል-ኢቫንጀሊካንዝም፣ ብናይ ሳዑዲ ጥምረት ሳላፊዝም፣ ብቻይና ኢኮኖሚያዊ ኤምፐሪያሊዝም፣ ብቱርኪ ናይ እስላማዊ ብራዘርሁድ ከምኡ ውን ብኢራን ናይ ሸዓት እስላማዊነት እዮም። እዚ ናይ ኣይዲዮሎጂ ምስፍሕፋሕ ንሕንሕ ብውሑድ ክልተ መልክዓት ኣለውዎ። እቲ ሓደ መልክዕ ኣብ ሞንጎ እቶም ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ኢምፖርት ዝግበሩ ዘለው ኣይዲዮሎጂታት ዘሎ ዘይተዓረቕ ጎንፂ እዩ። ምዕራባዊያን ዝኾነ ዓይነት ናይ እስላማዊነትን ናይ ቻይና ቁጠባዊ ሃፀይነት ምስፍሕፋሕን የስገኦም እዩ። ናይ ስዑዲ ጥምረት ናይሸዓትን ብራዘርሁድን ፅልዋ ምስፋሕፋሕ ከም ዋና ስግኣት ይወስዱ። ናይ እዚ ጎንፂታት ሳዕቤን ምስ ጂኦፖለቲካዊ ንሕንሕ ተዛሚዱ እዩ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝፈስስ ዘሎ።

እቲ ካልኣይ መልክዕ ድማ እቲ ካብ ደገ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝፈስስ ዘሎ ኣይዲዮሎጂ ነቲ ነባርን መበቆላዊን መንነትን ፍልስፍናን ህዝቢታት ንምፍራስ ብዝተወጠኑ ፕሮጀክትታት ዝፍፀም ዘሎ ምኻኑ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ዞባ ቀርኒ አፍሪካ ዝካየድ ዘሎ ናይደገ ሓይልታት ምስፍሕፋሕ ብመልክዕ ሉስሉስ ኩናት (soft war) ዝግለፅ እዩ። ነዚ ድማ ናይ ባህሊ ወራርን ኣይዲዮሎጂያዊ ምስፍሕፋሕን ከም ቀንዲ ስትራቴጂ ዝጥቀም እዩ። ምስፍሕፋሕ ዓረባዊነት፣ ምዕራባዊነትን ናይ ቻይና ሓዱሽ ሃፀይነትን ኣብ መበቆላዊ መንነት፣ ፍልስፍናን፣ ኣተሓሳስባን ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ዘነፃፀሩ ሓደጋታት እዮም።

ትዕዝብቲ

  1. ገንዘባዊ ሓይሊ ንናይ ኣይዲዮሎጂ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክትታት ከም ቀንዲ መሳርሒ ኣብጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።
  2. ናይ ሳውዲ ጥምረት ኣይድዮሎጂ ምስፍሕፋሕ ምስ ጂኦፖለቲካዊ ሓይሊ ሚዛን ተኣሳሲሩ ልዕልና ዝሓዘ ይመስል።
  • ትግራይ ነቲ ብኣይዲዮሎጂ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ዞባዊን ዓለምለኻዊ ሓይልታት ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ጎንፂ መዝሚዛ ንብሄራዊ ረብሓኣ ክተውዕል ዘኽእላ ቁመና ኽትፈጥር ኣለዋ።
  1. መንነት

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ናይ ጂኦፖለቲካን ናይ ኣይዲዮሎጂን ጎንፅታት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ መንነትን ናይ ኣተሓሳስባን ጎንፅታት ተኣሳሲሩ ክረአ ኣለዎ። ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንሀ ኩነታት ምድንጋር ዝዓብለሎን ንፁር ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ንምርኣይ ዘሸግርን እንተኾነ ውን ንሰልስተ ሓደሽቲ ተርእዮታት ሓዊስካ ብውሑዱ ሓሙሽተ ናይ ዓለማዊ ኣጠማምታ ረድፍታት ምዕዛብ ይከኣል። ንሳቶም ውን ብሄርተኝነት፣ መበቆላዊ ስልጣኔያዊ ምልከታ፣ ኣንዲት ኢትዮጵያ፣ ሳላፊዝም፣ ኢቫንጀልካል-ኒዮሊበራሊዝምን ኣብዮታዊ ዲሞክራሲን እዮም።

ምስ ብሄርተኝነት ተኣሳሲሩ ብፍላይ ኣብ ኣምሓራን ደቡብ ኢትዮጵያን ሓደሽቲ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለው። ኣብ ኣምሓራ ቅድሚ ሓዚ ናይ ኣምሓራ ህልውና ክሒዱ ዝፀንሐ ኢሊት ናይ ኣምሓራ ብሄርተኝነትን ተስፋሕፋሓይ ፖሊሲኡን ጎሊሁ ዝወፀሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ሓይሊ እዚ ኣብዞም ቀፀልቲ ኽልተ ዓመታት ውሽጢ ልዕልንኡ ኣረጋጊፁ ናይ ባዕሉ ኢምፓየር ናይ ምፍጣር ሕልሙ ንምስኻዕ ኣብ ውሽጥን ከባቢኡን ምስዘለው ብሄራት እስካብ ኲናት ምውላዕ ክኸይድ ከምዝኽእል ዘመላኽቱ ጉዳያት ምስትውዓል ይከኣል። ናይዚ ብተፃራሪ ብምምሕዳራዊ ውሳነ ኣብ ኣምሓራ ክልል ተሓቑፎም ዝፀንሑ ናይ ኣገው፣ ቅማንትን ኦሮሞን ህዝብታት መንነት መሰረት ዝገበረ ብህራዊ ሕቶታቶም እናጠንከረ ምምፅኡ ምስቲ ተስፋሕፋሓይ ናይ ኣምሓራ ብሄርተኛ ምንቅስቓስ ኣብዘይተዓረቕ ጎነፅ ኣትዮ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ውን ከም ሲዳማን ወላይታን ዝመሳሰሉ ሓደሽቲ ብሄርተኛ ሓይልታት ዝወልዕዎ ምንቅስቓስ ኣብቲ ከባቢ ሓደሽቲ ኣሰላልፋታት ይፍጠሩ ኣለው። ኣብ ኦሮሞ ዝፀንሐ ብሄርተኝነት ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ጎሊሁ ዝወፀ እንተመሰለ ውን ኣብ ውሽጡ ሓደሽቲ ምዕባለታት ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ሓደ ሓዱሽ ሓይሊ ብናይ ቀለም ወያነ ኣቢሉ ብናይ ኦሮ-ማራ ምሕዝነት ስልቲ ካብ ውሽጢ እህኣዴግ ተበጊሱ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ናይ ኦህዴድ ሓይሊ ናብ ኣንዲት ኢትዮጵያ ዘዘንበለ ፖለቲካዊ ኣንፈት ተኸቲሉ ይነጉድ ኣሎ። ስፍሓቱ ዘይንዓቕ ናይ ኦሮሞ ሓይሊ ገዛኢ ናይ ምዃን ሕልሙ ዝተሳኸዐ መሲሉ ስለዝተርኣዮ ናብ ናይ ሓንቲ ኢትዮጵያ አተሓሳስባ ግዝኣት ተደሚሩ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ምፍራስ ይተግህ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ሓይሊ ናይ ኩሽ ሃገር ምስረታ ዝሓልም ከምኒ ዳውድ ብዝኣመሰሉ ነባር ናይ ኦነግ ኢሊት ዝምራሕ ናይ ኦሮሞ ምንቅስቓስ እንትኾን ብሰሜን እስካብ ራያ ዓዘቦ ብምዕራብ ቤንሻንጉልን ጋምቤላን ብደቡብ እስካብ ናይሮቢ ከምኡ ውን ብምብራቕ ሶማሊያ ሓዊሱ ሓዱሽ ስቴት ንምህናፅ ዝዓለመ ብባህሪኡ ተስፋሕፋሓይ ምንቅስቓስ እዩ። እቲ ሳልሳይ ናይ ኦሮሞ ሓይሊ ብኒ ጁሃር ዝምራሕ ምንቅስቓስ እንትኾን ዋና ዕላምኡ ብናይ ሳላፊስት ኣይዲዮሎጂ ዝምራሕ መጀመሪያ ናይ ኦሮሞ እስላማዊ መንግስቲ ቐፂሉ ንሙሉእ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ሳዑዲ መራሽ ማእኽላይ ምብራቕ ናብ ሓደ እስላማዊ ግዝኣት ምሕዋስ እዩ። እቲ ራብዓይ ሓይሊ ብመሰረቱ ነቲ ዝፀንሐ ፌደራሊዝም ከቐፅል ዝብህግ ሓይሊ ኮይኑ ብመጠኑን ተፅዕንኡን አብዚ እቶ ዘይብሃል ብተነፃፃሪ ብዕድመ ኣብ ዝደፍኡ ናይ ፀጋም ኣይዲዮሎጂ ዝኽተሉ ኤሊታት ዝተወሰነ ምንቅስቓስ እዩ።

እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ሰለስተ ናይ ኦሮሞ ሓይልታት ናይ ወያነ ሓይሊ ንምውቃዕ ብዋዕላ ዘይተገልፀ ግንባር (implicit alliance) ፈጢሮም እስካብሐዚ ብሓባር እናሰርሑ ፀኒሖም እዮም። ሐዚ እቲ ናይ ወያነ ሓይሊ ናብ ዘየስግእ ኩነታት በፂሑ ስለዘሎ እቲ ግንባር ኣብ ሞንጎ እቶም ናይ ኩሽን ሳላፊስትን ሓይልታት ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኮይኑ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ናይ ኦሮማራ ሓይሊ ዕድሚኡ ሓፂርን ኣብ መንነታዊ መማረፂን ወጥሪን ዝኣትወሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ። እቲ ሓደ መማረፂ ናይ ኢህኣዴግ ዓርሲ ከም ሽፋን ተጠቒሙ እስካ ብቲ ቐፃሊ መረፃ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ኣናዊሑ ነናብ ደንብኡ ምብታን እንትኾን እቲ ካልኣይ መማረፂ ካብ ብሐዚኡ እቲ ዝበዝሕ ሓይሊ ናብቶም ክልተ ሓይልታት እቲ ካልእ ድማ ናብ ናይ ሓንቲ ኢትዮጵያ ደንበ ተፀንቢሩ ኣብ ቀፃሊ ልዕልነቶም ኣረጋጊፆም ንክወፁ ዘኽእል ኩነታት ምምችቻው እዩ።

እቲ መበቆላዊ ስልጣነ መሰረት ዝገበረ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይን ኤርትራን መሰረት ዝገበረ ናይ ኣግኣዚያን፣ ትግራይትግሪኚን ትግራዋይነትን ምንቅስቓስ፣ ናይ ኢዮጵያ ሶማል ምስ ህንዲ ውቅያኖስ ሶማል፣ ናይ ኢትዮጵያ ዓፋር ምስ ኤርትራን ጅቡቲን ዓፋር ናብ ሓደ ስቴት ዘምፅእ፣ ቤንሻንጉል ናብ ሰሜን ሱዳን ከምኡ ውን ጋምቤላ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝሓውስ ምንቅስቓስ እዩ። እዞም ምንቅስቓሳት እዚኦም ድሌቶም ናብሸቶ ከብፅሑ ነዊሕ ጊዜ ዝሓቱ እንተመሰሉ ውን በቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ናይ ዞባናን ዓለምናን ሓይሊታት ዝፈጠርዎ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ከምኡ ውን ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኦሮሞን ኣምሓራን ሓይሊታት ዝህሉ መስተጋብር ዝፋጥሮ ለውጥን ብዓብይኡ ዝፅሎ እዩ።

እቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ዝለዓለ ቦታ ኽሕዝ ሃንደፍደፍ ዝብል ዘሎ ሳልሳይ ሓይሊ ናይ ሓንቲ ኢትዮጵያ ኣይዲዮሎጂ ዝኽተል እዩ። ናይዚ ሓይሊዚ ዋና መሰረት ብናይ ዘመናት ኣስምሌሽን ጉዕዞ ብሄራዊ መንነቱ ዝሰኣነ ኣብ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ከባቢታት ዝርከብ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ እንተኾነ ውን ብቐንዱ ኣብ ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ። ካብ ሃይለስላሰ ጀሚሩ ኣብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ሃገራት ተዓብዒቡ ዝፀንሐ መንታ ዜግነት ዘለዎ ኤሊትን ብኦሮኣማራ ሽም ዝተኣከበ ድቓላ ሓይሊን ውን ናይዚ ጭርሖ ዋና መራሒ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ብምዕራባውያን ውን ዝድገፍ እዩ። ምስ ናይ ኦሮሞ ሊበራል ሓይሊታት ተደሚሩ ክሰርሕ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኒዮሊበራል ስርዓት ዋና ሓይሊ ኮይኑ ክወፅእ ይኽእል እዩ ኢሎም ዝትስፈውሉ እዩ። ኮይኑ ግን ብዘይካ ምስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ምስቶም ኣብላዕሊ ዝተገለፁ ኩሎም ሓይሊታት ዘይዕረቕ ጎንፂ ስለዘለዎ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ልዕልና ሒዙ ክወፅእ ኣይኽእልን።

ብራብዓይ ደረጃ ክቕመጥ ዝኽእል ሓይሊ ደንበ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ እዩ። ናይዚ ሓይሊ እዚ ቐንዲ መሰረት እቲ ናይ ትግራይ ሓይሊ ኮይኑ ኣብቶም ካልኦት ከባቢታት ብዝተበታተነ መልክዕ እንተዘይኮይኑ ዝተወደበ ህልውና የብሉን። እቲ ብሽም ኢህወዴግ ተኣኻኺቡ ዝነበረ ግንባር ውን በቢክልሉ ቅቡልነት (Legitimacy) ዘይነበሮ ዓርሲ (Pseudo front) ብሽም ህዝቢ ዝምሕል ናይ በለፀኛታት ምትእኽኻብ ስለዝነበረ ነቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዝኒሀ ኩነታት ንኽመፅእ ዘመቻቸወን ደንብኡ ኣመዓራርዩ ዝኸደዐን እዩ። ኮይኑ ግን ብውልቀሰባት ደረጃ ዝተበታተነ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ሓይሊ ኣብ ኩሉ ከባቢ ኣሎ። ብቐንዱ ከዓ ኣብቶም ዝሓለፉ ፪፯ ዓመታት ብወያናይ ዲሞክራሲያዊ መስመር ዝተጠቐመን ተስፋ ዝፈጠረን ግን ድማ መሪሕነት ዝሰኣነን ሓፋሽ ህዝቢ ኣሎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን እዚ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ሓይሊ በቶም ካልኦት ሓይሊታት ተዋሒጡ ኣሎ። ንቐፃሊ ውን ኣብ ሓፂር ግዘ ተጠናኺሩ ናይ ምምላስ ዕድሉ ንኡሽቶን እዩ። እዚ ሓይሊዚ ዘለዎ መማረፂ በቢክልሉ ትኹረት ዝህብ ተቐዋሚ ሓይሊ ኮይኑ ንባዕሉ ከምብሓዱሽ ምውዳብን ምስ ፌደራሊስት ሓይሊታት ስልታዊ ጥምረት ፈጢሩ ነቶም ናይ የማናይ ኣኽረርቲ ሓይሊታት ዝለዓለ ቦታ ከይህልዎም ምቅላስን እዩ። እዚ ክገብር ዝኽእል ግን እቲ ዝፀንሐ ናይ ኢህወዴግ ዓርሲ ከምዝፈረሰ ክእውጅ ኣለዎ። ኣብ ንኡስን ዓብዩን ፕሮግራም ዝተመስረተ ሓዱሽ መቃለሲ መድረኽ (Platform) ክፍጠር ኣለዎ። እቲ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ቁመንኡ ስለዝሰኣነ ቅድም ክብል ካብ ቻይናን ቱርክን ዝረኽቦ ዝነበረ ድጋፍ ስኢኑ ኣሎ። ስለዚ መጀመሪያ ንባዕሉ ክውድብ ኣለዎ። ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ድማ ዕድላት ፈሊዩ ከምብሓዱሽ ክተኣሳሰር አለዎ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሓይሊታት ምስ ናይ ደገ ሓይሊታት ዝተኣሳሰረ ህልውና ዘለዎም እዮም። ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ እቲ ሕዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብናይ ሳዑዲ ጥምረት ፋይናንሳዊን ማተሪያላዊን መፅብዓን ሞራላዊን ሓሳባዊ ድጋፍን ከምኡ ውን ናይ ምዕራባውያን ስርዓታዊ ለውጢ (structural change) ንምምፃእ ዝተወጠነ ናይ ሉስሉስ ኩናት (soft war) ስትራቴጂ ተሓጊዙ እግሪ ክተክል ይፀዓር ኣሎ። ስለዝኾነ ውን ብሓደ ገፅ ናይ ምዕራብ ኒዮሊበራሊዝም ብመንገዲ ኢቫንጀሊካኒዝም ብካሊእ ገፅ ከዓ ናይ ዓረብ ሓዱሽ ኮሎኒ ብመንገዲ ምስፍሕፋሕ ሳላፊዝም ነቲ ነባርን መበቆላዊን ናይ ክርስትናን እስልምናን እምነታት ከምኡ ውን ክብርታትን እሴታትን ኢትዮጵያውያን ብምፍራስ ፅግዕተኛ ስርዓት ንምትካል ብኸቢድ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ተደጊፉ ርብርብ ይግበር ኣሎ። ኣብዚ ምንቅስቓስ ድማ ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ከምኡ ውን ዓረባዊን ምዕራባውን ሚዲያታት ከም ኤጀንት ኮይኖም የገልግሉ ኣለው።

ነፀብራቕ

ካብዚ ኣብላዕሊ ንምቕማጥ ዝተፈተ ኩነታት ብምብጋስ እዘን ዝስዕባ ሓሳባት ምቕማጥ ይከኣል።

  1. ኣብ ዞባና መሰረታዊ ናይ ጂኦፖለቲካዊ ሓይሊታት ኣሰላልፋ ለውጢ ይፍጠር ኣሎ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ኢትዮጵያ ውን ናይ ስርዓት ለውጢ ስግግር ይካየድ ኣሎ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ሳዑዲን ኤመሬትን ጥምረት ኣብዚ ዞባ ከረጋግፅኦ ዝዓለመኦ ረብሓ መፈፀምቲ ሳተላይት ሃገራት ይኾና ኣለዋ። ምዕራባውያን ውን ብመንገዲ ሳዑዲ መራሽ ሓይሊ ኣብዚ ዞባ ዘለወን ልዕልና የረጋግፃ ኣለዋ። እዚ ድማ ኣብ መንነትን ህልውና መበቆላዊ ስልጣነ ትግራይን ዘነፃፀረ ሓደጋ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን አብ ስልጣን ዝኒሀ ሓይሊ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ናብ ጠላዕ ዘእቱን ናይ ከበባ ስትራቴጂ ዘጠናኽርን ስጉምትታት የቀላጥፍ ኣሎ። ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ መሰል ርእሰ ውሳነ ተጠቒሙ ህልውንኡ ዘቐፅለሉ ኩለመዳያዊ ስጉምትታት ክወስድ ኣለዎ። ኣብ ሞንጎ እዞም ዓለማዊ፣ ዞባዊን ውሽጣዊን ሓይልታት ዘሎ ጎንፂታት ከምዕድል ተጠቒሙ ረብሕኡ ዘሐልወሉ ናይ ባዕሉ ጂኦፖለቲካዊ ቁመና ክፈጥር ኣለዎ። ነዚ ድማ ሰሜን ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ቻይና፣ ኻታር፣ ቱርኪ፣ ኢራንን ሩሲያን ኣብ ጎንና ጠጠው ዝብልሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና። ኣብ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝኒሀ ዕድል ብምስፋሕ ነቲ ኤርትራ ሸይጡ ስልጣኑ ከናውሕ ዝህንደድ ዘሎ ናይ ህግደፍ ሓይሊ ፀሪጉ ንረብሓ እርትራን ህዝቢ ትግራይን ጠጠው ክብል ዝኽእል ሓይሊን ምንቅስቓስን ንኽውላዕ ክንሰርሐሉ ይግባእ።
  2. ሃገረ ኢትዮጵያ ንምግማቱ ኣፀጋሚ ዝኾነ ቅልጡፍ ናይ ኩነታት ምልውዋጥ ዝረኣየሉ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ወዲቓ ኣላ። ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ፓንዶራ ቦክስ ዝወፁ ገራሒ ዘይብሎም ንስልጣን ዝመናጨቱ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዘርኢን ብሄርን ከም መሕብኢ እናተጠቐሙ ነቲ ስራሕ ዘይብሉን ክፈጥር ዘይኽእልን መንእሰይ ሓይሊ ከምፈረስ እናጋለቡ ሕግን ናይ ሕጊ ልዕልናን ክፈርስ ብምግባር ናብ ናይ ኢንተርሃሞይ ሓዊ ይደፍእዎ ኣለው። ናይዞም ሓይልታት እዚኦም ዋና ድሌት ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝኒሀ ሕምስምስን ክፍተትን (crisis & power vaccum) ብምስፋሕ እቲ ሕምስምስ ኣብ ዝፈጥሮ ኩነታት ትርፊ ሸሚቶም ነቲ ናይ ኢህኣዴግ ዓርሲ ሙሉእ ብሙሉእ ፀራሪጎም ብኣቃራጭ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ምቁፅፃር ኣብ ሞንጎኦም ጃላነት እንተተፈጢሩ ድማ ናይ ሽግግር መንግስቲ ምጥያሽ እዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝኒሀ ሓይሊ ቀንዲ ፍልፍል ናይቲ ሽግር ኣብ ርእሲ ምኻኑ ነታ ዝምነያ ናይ ስልጣን ዕድመ ውን ከናውሕ ዓቕሚ ዘይብሉ ብኣሰላልፋ ድማ ናብዝተርነዐ ወገን ቀልጢፉ ብዋጋ ዕዳጋ ክስለፍ ዝኽእልን እዩ። እዚ ኩነታት ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት እናማዕበለ ዝመፀን እቲ ቅልጡፍ ውድቀት ከይመፅእ ተፃዊሩ ዝፀንሐ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ውን ሐዚ ንቁልቁል ኣፉ ኣብዝድፍኣሉ ደረጃ ምስምብፅሑ ተኣሳሲሩ ኣብ ሓደገኛ ብርኪ ምብፅሑ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ሰለስተ ምዕባለታት ከስዕብ ይኽእልእዩ።
  3. ፌደራል ስርዓት ምቕፃል

እቲ ዝፀንሐ ፌደራል ስርዓት ክቕፅል ዝኽእል ብዝንኣሰ ክልተ ኩነታት እንተተማሊኡ እዩ። ሓደ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ሓይሊ እንደገና ተጠናኺሩ ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ክሰጋገር ምስዝኽእል። ካልኣይ እቲ ድምፁ ዘየስምዕ ዘሎ ግን ድማ በቲ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተስፋ ኣሕዲሩ ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ ነቒሑን ተወዲቡን ንረብሕኡ ክልዓል ምስዝኽእል እዩ። እቲ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ሓይሊ ተጠናኺሩ ናብ ፀረመጥቃዕቲ ክሰጋገር ዝኽእል ብቐንዱ ካብ ትግራይ/ህወሓት እዩ። ህወሓት ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ክሰጋገር ዝኽእል ድማ እዘን ዝስዕባ ስጉምትታት ክወስድ ምስዝኽእል እዩ። ቐዳማይ ዘለውዎ መሰረታዊ ጌጋታትን ናይ ቃልሲ ስትራቴጂ ስሕተታትን ሱርበቆስ ብዝኾነ መንገዲ ተማሂሩ ዘለው ዕድላት ክምዝምዝ ዘኽእሎ out of the box ኣጠማምታን ኣካይዳን ክፈጥር እንተኽኢሉ እዩ። ካልኣይ ናይ ኢህወደግ ህልውና ከምዘብቀዐ ብዕሊ ኣዊጁ ሓዱሽ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲን ፌደራሊስት ሓይሊታትን ዝሓቁፍ መድረኽ ክፈጥር እንተኽኢሉ። ሳልሳይ እዞም ናይ ‘ኣንዲት ኢትዮጵያን ናይ ምንፃል ሓይልታት (Centrifugal forces) ዝኒሀዎም ፅልዋ እንትዳኸም እዩ።

  1. ድኽምትን ኣብ ቅልውላው እትነብርን ሃገር (Sustainable crisis)

እዚ ሲናርዮ እዚ ናይዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ዝተርኣዩ ኩነታት ቐፃልነት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። እዚ ኩነታት ብክልተ ተሓሰብቲ መልክዓት ክግለፅ ይኽእል እዩ ። 1) እስካብ እቲ ቐፃሊ መረፃ ዝካየድ እዚ ዓርሲ ናይ ኢህኣዴግ መንግስቲ (Seudo EPRDF) ከምዝቕእል ተሓሳቢ ዝገበረ እዩ። እዚ ምስዝኸውን እቲ መንግስቲ ብሰለስተ መሰረታዊ ጎንፅታት ክሕመስ እዩ። ቐዳማይ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓርሲ ኢህወዴግ ዝቕፅል ዘይዕረቕ ጎንፂ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሞንጎ እዞም ናይዚ ዓርሲ coalation ውድባት ኣብ መትከልን ዕላማን ዘይምርኮስ ምሕዝነት ስለዘሎ ናይ ንሕንሕን ምውጣትን ግብግብ (Power mongering infight) ስለዝቕፅል ዝለመሰን ዝተጎሰየን ሃፍቱን ፀግኡን ኣብ ልምዓትን መሰረታዊ ጉዳያት ዘየውዕልን መንገስቲ ይኸውን። እዚ ድማ ንፀረ ዲሞክራሲያዊን ምልካዊ ምሕደራ የቃልዕ። ካልኣይ እቲ መንግስቲ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሕቶታት ክምልስ ዘይኽእል ስለዝኸውን ድማ ናይ ህዝቢ ናዕቢ ይቕፅል ስለዝኾነ ሰላም ስለዘይህሉ ኢንቨስተመንትን ናይ ልምዓት ስራሕቲን ይዳኸሙ። እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ኩነታት ብምጥባር (ዲማጎጂያዊ መፅብዓታት ብምእታው) ምፅብዓ ምስራሕ እንቲኣቢ ድማ ብሓይሊ ከህድእ ክሙክር እዩ። እዙይ ዘይነፃፀል ባህሪያዊ ዕንክሊል መሊሱ ናብ ዝብኣሰ ዒንክሊል የእትዎ። እቲ ሳልሳይ ጎነፅ ኣብሞንጎ እዞም ዝተፈላለየ ዘይዕረቕ ድሌት ዘለዎም ተቓወምቲ ሃይልታት ከምኡ ውን ምስዚ ዓርሲ መንግስቲ ዝህልዎም ርክብን እዩ። እዞም ሓይልታት እንተኽኢሎም እቲ ዝኒሀ ቅልውላው ኣበኣኢሶም እዚ መንግስቲዚ ልሙስ ምኻኑ ብምቅላዕ ኣብዝሓፀረ ግዘ ብመልክዕ ጥምር መንግስቲ ብዘይመረፃ ስልጣን ንምሓዝ ክተግሁ እዮም። እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብቲ ቐፃሊ መረፃ ዝለዓለ ሓይሊ ሚዛን ሒዞም ንምውፃእን ሓይሎም ንምርኣይን ኣብቀፃሊ ንሕንሕ ክኣትው እዮም። እዚ ድማ ሰላም የፍርስ ናብቀፃሊ ዒንኪልል የእቱ።

ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ሕቶ ኣብ ቅልውላው ቀፃልነት (Sustainabl crisis) ክህሉዶ ይኽእል ዝብል እዩ። እዚ ብዝነኣሰ ኣብ ናይቲ ኢኮኖሚ ናይ ምፅዋር ዓቕሚን ናይቲ መንግስቲ ኪራይ ናይ ምክፍፋል ተኽእሎን፣ ናይ መከላከያን ፀጥታ ሓይልታትን ተፀዋርነት፣ ኣብሞንጎ እዞም ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ዝህሉ ሓይሊ ሚዛን ይምስረት። በቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት እቲ ኢኮኖሚ ተፀዋርነቱ እናተሓንኮኸ ምስምምፅኡ ኣብዘስግእ ደረጃ ዝበፅሕ ዘሎ ይመስል። ኮይኑ ግን እቲ መንግስቲ ካብቶም ብድሕሪት ዝድግፍዎ ሓይሊታት ሓገዝን ልቓሕን እንተረኺቡ ዘላቒ መፍትሒ እንተዘየምፀአ ውን ንዝተወሰነ ግዘ ክጥብር ይኽእል እዩ። ናይ ፀጥታ ሓይልታት በቲ ቅልውላው ተጠቓዕቲ ስለዝኾኑ ንውሕ ንዝበለ ግዘ ቁመንኦም ሓሊዮም ክቕፅሉ ኣይኽእሉን። ኣብ ሞንጎ እዞም ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ዘሎ ሓይሊ ሚዛን ፈሊዩ ኣይወፀን። ጃላነት እንተተፈጢሩ ናብ ድርድር ናይ ምምፃእ ዕድል ክህልዎም ይኽእል እዩ። ናብዚ ደረጃ እስካብ ዝመፁ ግን ንሕንሕ ክቕፅል እዩ። እዚ ኩነታት ድማ ናይደገ ሓይልታት ጣልቃ ኣእታውነት ክዕድም ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ረቓሒታት ዝፈጥርዎ መስተጋብርን ሕልኽልኽ ምዕባለታትን ኣብ ግምት ብምእታው እዛ ሃገር ኣብትሕቲ ቅልውላው ክንደይ ግዘ ከምትፀንሕ ምትንባይ ኣፀጋሚ እንተኾነ ውን እቲ ዕድል ዝተፀንቀቐ ኣይኮነን።

2) ድሕሪ መረፃ ዝፍጠር ኩነታት ተሓሳቢ ብምግባር ዝግለፅ እዩ። ናይቲ መረፃ ከይዲን ውፅኢትን ምስቲ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ ሲናርዮ ዝተኣሳሰረ እዩ። እቲ መረፃ ኣብ ኣካይድኡ ክህሉ ካብ ዝግባእ ስምምዕ ምፍጣር ጀሚሩ ከቢድ ንሕንሕ ዝፈጥር እዩ። እዚ ድማ ብቐንዱ ኣብቶም ተነሓናሕቲ ሓይልታት ዝህሉ ባህሪን ኣሰላልፋን ብኡኡ ኣቢሉ ዝፍጠር ናይ ሓይሊ ሚዛን ጃላነትን ከምኡ ውን ናይቲ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ዓቕሚን ዝሙርኮስ እዩ። እቲ መረፃ ተተኻይዱ ናይቶም ፌደራሊስት ሓይልታት ድምፂ ዝዕብልለሉ ኩነታት እካ ዝለዓለ ዕድል እንተሃለወ ናይ ኣንዲት እትዮጵያ ሓይልታትን ተወላወልቲ ጉጅለታትን ቦታ ውን ዓብዩ ምኻኑ ኣይተርፍን። ስለዝኾነ ውን ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚሩ እስካብ ፖሊሲታት ስምምዕነት ስለዘይፍጠር እቲ ፓርላማ ኮነ መንግስቲ ብቐፃሊ ናይ ጎይቂ ዓንኬል ዝፅመደሉ ኩነታት ስለዚ ድማ ናይ ድኹም መንግስቲን ቐፃሊ ቅልውላውን ሃገር ሲናርዮ ምፍጣሩ ዘይቐሪ ክውንነት ናይ ምኻን ዕድል ዝዓበየ እዩ።

  • እታ ሃገር ናብ ምብትታን ክተምርሕ ትኽእል እያ።

እዚ ሲናርዮ ብዝነኣሰ ሰለስተ ኩነታት እንትፍጠሩ እዩ ክውንነት ዝህልዎ። ሓደ ሕገመንግስታዊ ስርዓት እንትፈርስ ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ልምዓታዊ መንግስቲን ልዕልና ንሓንሳብን ንሓዋሩን እንተብቅዕ። ካልኣይ ኣብሞንጎ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ሓይልታት ዘሎ ባህሪያዊ ንሕንሕ ወይ ብዕርቂ ወይብጎንፂ ተበኣኢሱ ነቶም ካልኦት ብሄርብሄረሰባት ዘግለለ ከይዲ እንትፍጠር። ሳልሳይ እዞም ማጆሪቲ ንሕና እና ዝብሉ ሓይልታት ናይ ሓዲኦም ዓብላልነት እንትፍጠር። ሐዚ ብዘሎ ምዕባለ ሰለስቲኦም ቅድመ ኩነታት ይፍጠሩ ኣለው። ኣብቶም ናይ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት (Integrative forces) ብሄር ብሄረሰባት ድማ ተስፋ ናይ ምቑራፅን መማረፂ ምንዳይን ኣተሓሳስባ ጎሊሁ ይወፅእ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ እንተፈሪሱ እቲ ፍትሕ በየናይ ኣገባብ ይፍፀም? ዝብል ሕቶ እዩ። ነዚ ስዒቡ ሰለስተ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት መሰል ርእሰውሳነ ምክያድ ኮይኑ እቲ ከይዲ ብሰላማውን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ክፍፀም ይግብሮ። ኮይኑ ግን እዚ ሐዚ ስልጣን ሒዙ ዝኒሀን ናይ ኣንዲት ኢትዮጵያ ሓይሊታትን እዚ ንምቕባል ድልውነት ስለዘይብሎም ብቐሊሉ ዝፍፀም ኣይኸውንን። ካልኣይ ብሓይሊ ዝፍፀም ፍትሕ እዩ። እዚ መማረፂ ድማ ናብ ሕድሕድ ኩናት ዘእቱ እዩ። እቲ ናይ ሓይሊ መንገዲ ስዒቡ ዝፍጠር ኩናት ዘይተወሰንን ርጂናዊ ባህሪ ዝሓዘን እዩ ክኸውን። ቅድም ኢሉ ከምዝተገለፀ ስልጣኔያዊ መንነት መሰረት ዝገበረ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምፍጣሩ ኣይተርፍን። ስለዚ ውፅኢቱ ቐፃሊ ዞባዊ ኩናት እዩ ክኸውን። ንሱ መሊሱ ድማ ጂኦፖለቲካውን ኣይዲዮሎጂያዊን ናይ ዓለምለኸ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ኣስዒቡ መዋፅኢ ዘይብሉ ሕልኽላኽ ይፈጥር። ሳልሳይ ካብ ፈደራሊዝም ዝነኣሰ ናይ ኮንፈደሬሽን መማረፂ ኣብሞንጎ ክልላት ምትእትታው እዩ። እዚ መማረፂ እዚ ነቲ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ ናይ ሕድሕድ ኩናት ሓደጋ ክቕንሶ ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ውን ብካልኣይ ብርኪ ተመራፂ ሓሳብ ክኾን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ክፍጠር ዝኽእል ፈተና ናይ ተስፋሕፋሒን ጎባጥን ዕላማ ዘለዎም ሓይልታት ነናይ ባዕሎም ኢምፓየር ንምፍጣርን ጂኦፖለቲካዊ ልዕልነት ንምቁፅፃርን ዝፅሕትርዎ ደማዊ ኩናት እዩ። እዚ ሓደጋ ጠንካራ ናይ ሓባር ሰራዊት ከምኡ ውን ናይ ወሰን ምክላል ጉዳይ ዝፈትሕ ስርዓታዊ (Institutional) ቅርፂ ምፍጣርን ይሓትት።

ብምጥቕላል ካብዘን ኣብላዕሊ ዝተገለፃ ሲናርዮታት ውሽጢ ኣብ ቁጽሪ ክልተን ሰለስተን ማለት ውን ናይ ዝተዳኸመት ሀገርን ቀፃሊ ቀውስን ኩነታት (state) ወይከዓ ናይ ምብትታን ሓደጋ ናይ ምፍጣር ዕድሉ ዝለዓለ እዩ። እስካብ ሐዚ ብዘሎ ምዕባለ ዝተረጋገፀ ነገር እንተሃለወ እቲ አብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብተግባር ተፈቲኑ ውፅኢታዊ ዝኾነ ስርዓት ብኢትዮጵያ ደረጃ መሊሱ ናይምቕፃል ዕድሉ ብጣዕሚ ፀቢብ ምኻኑ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ዓይነት ስርዓት ዘይፀውር ናይ ማሕበረተሰባዊ ስርዓተ ውዳበን ምዕባለ ብርኪ ከምኡ ውን ብሄራዊ መንነት ታሪኻዊ ትረኻ ኣፈላላይ ዝወለዶ ጎንፂ (Clash of civilization) ኣሎ። ኣልኣይ ኣብ ዞባና ዝፍጠር ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ናይ ኣይዲዮሎጂ ምስፍሕፋሕን ብዝምልከት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለው ሓይልታት ውን ዘሳተፈን ኢትዮጵያ ኣብ እትበሃል ሃገር ህልውናን ሉኣላዊነትን ተመሳሳሊ መትከላዊ ቅዋም ዘይምህላውን ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ናይ ብሄራዊ መንነት ሉኣላውነት ዝዓበየ ቦታ ስለዘለዎን እዩ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላውን ቁመና ምስትኽኻልን ኣጀንዳ ተባራዒ ኮይኑ ወፂኡ ኣሎ።

  1. ኣብዚ ናይ ቀውሲን ምድንጋርን ኩነታትን ግዘን ኮይና ካብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር እንትንሓስብ ህልውናና

ናይ ምርግጋፅን ኩለመዳያዊ ሓርነት ናይ ምብሳርን ሸቶታት ማእኸል ዝገበረ ኩለመዳያዊ ቁመናን ቅኒትን ምስትኽኻል ከምኡ ማሕበረተሰባዊ ምንቅስቓስ ምፍጣር ተባራዒ ጉዳይ ኮይኑ ይረአ ኣሎ። ህልውናና ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ብሰለስተ መልኽዕ ዝግለፅ እዩ። ሓደ ትግረዋይ መንነትና መሊሱ ክውላዕን ካብ ዝኾነ ጥቕዓት ክንከላኸሎን ምኽኣል። ካልኣይ ድሕነት ሂወትን ዓዲን ተጋሩ ምርግጋፅ። ሳልሳይ ቁጠባዊን ፕለቲካዊን ሉኣላዊነት ተጋሩ ምርግጋፅ። ኩለመዳያዊ ሓርነት ናይምርግጋፅ ሸቶና ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሓበሬታዊ፣ ሕጋዊ፣ ወታደራዊ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ወዘተ ዘካተተ እዩ። ኣብዚ ብፍሉይ ትኹረት ዘድልዮ ጉዳይ ቁጠባዊ ሓርነት ተጋሩ እንትኾን ኣብ መበቆላዊ ስልጣነ ትግራዋይነት ዝተሞርከሰ ናይ ሕርሻ ኢንደስትሪያላይዜሽን ማእኽል ናይ ቁጠባዊ ሓርነትና ክንገብሮ ይግባእ። ብፖለቲካዊ ሓርነት መዳይ ክረአ እንተሎ ውን ናይ ተጋሩ ስልጣነን ታሪኽን መሰረት ዝገብረ ስልጣኔያዊ መንግስቲ (Civilizational state building) ምህናፅ ከም ዕላማ ዝወስድ ሃናፅቲ እሴታትና ኣለልዩ ዘልምዕን ዝጥቀምን ስርዓት ክፍጠር ኣለዎ። ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን ኣጋጥሙና ዝኒሀ ዕድላት መዝሚዝና ስግኣታት ምእንቲ ክንቅንስ እዘን ዝስዕባ ስጉምትታት ፍሉይ ጠመተ የድልየን።

  1. ካብ ኢትዮጵያ ስትራቴጃዊ ምንስሓብ ምፍፃም
  • እዚ ተግባር ብንፁር ስትራቴጂ ክምራሕ ኣለዎ።
  • ኣብቲ ፌደራል እንገብሮ ፃኒሒት እንተሃሊዩ እዚ ሕገምንግስቲ ዘረጋግፀልና መሰል ዓርሰ ውሳነ ሓንኽኽና ምጥቃም።
  • እቲ ፌደራል ስርዓት ምስዝፈርስ ናይ ኮንፈደሬሽን ውዳበ ንኽፍጠርን ብኡኡ ግዘ ገዚእና ብሰላማዊ መንግዲ ናይ ተጋሩ ህልውናን ሓርነትን ንምርግጋፅ ምምዝማዝ።
  1. ናይ ሰሜንን ደቡብን ተጋሩ ሓድነት ምፍጣር
  • ዝተፈጠረ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክብ ከይኹለፍን ዘላቒ ክኸውንን ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኤርትራ ክህልው ዝኽእሉ ሰለስተ ሓይልታት ማለትውን ፩) ኣብዘይሕጋዊ ናይ ደቂ ሰባት ንግዲ ዝተዋፈሩ ወንጀለኛታት (Smaglers) ፣ ፪) ዓረባዊ ኤርትራዊነትን ኣሃዳዊ ኢትዮጵያውነትን ዝሓልሙ ፖለቲካዊ ነጋዶን ተስፋሕፋሕቲን ሓይልታት፣ ፫) ብናይ ዶባዊ ሓፁርን ሸቐጣዊ ሕፅረትን ዝጥቀሙ ኮንትሮበንዲስት፣ ፬) ኣብ ስልጣን ዘለው ውልቀ መለኽቲን ተጠቀምቲን ዝምብርከኽሉ ህዝባዊ ሓይልታት ድማ ልዕልና ዘረጋግፅሉ ኩነታት ምፍጣር።
  • ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ሕውነትን መበቆላዊ ሓድነትን ዝሃንፁ ሲቪክን ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ምስፍሕፋሕ።
  • ሓድነት ክልቲኦም ህዝብታት ዝፃብኡ ዘይሓቖፍቲ ዘይህዝባዊን ናይ ኣመለኻክታ ምዝባዕን ምብራዝ እሴታት ዝፈጠሩ ጠቐራትን ፃህያያትን ምፅራግ።
  • ኢኮኖሚያዊን ትሕተቅርፃዊን ምትእስሳራት ምህናፅን ምድልዳልን።
  • ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ብኮንፈደሬሽን ናብ ሙሉእ ውህደት ዘሰጋግሩ ኩለመዳያዊ ንጥፈታት ምክያድ።
  1. ናይ ጂኦፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይሊ ሚዛን ምህናፅ
  • ህዝብታት ዓፋር፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ኤርትራ፣ ኣገው፣ ቅማንትን ካልኦት ብሄርበረ ሰባትን ካብ ኣምሓራ ይኹን ኦሮሞ ክመፅእ ንዝኽእል ተስፋፍሒ ፖለቲካዊ ተፅዕኖ ንምምካን ምጥቃም።
  • ናይ ቻይና፣ ሩስያን ቱርክን ምትእስሳር ብምጥንኻር ካብ ምዕራባውያንን ዓረብን ወገን ዝመፅእ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ምምካት።
  • ዕድላት ዝምዝምዝ መንግስታዊ ትሕዝቶን ቅርፂን ምድላው
  • ህንፀት መንግስቲ ሃገረ ትግራይ (State building) ማእኸል ዝገበረ ናይ ተልእኾ ቅኒት ምግባር።
  • ብስርዓተ እሴታትን ክብርታትን ትግራዋይነት ዝተሃነፀ መሪቶክራሲ ምህናፅ።
  • እቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዝኒሆ ናይ ትግራዋይነት ኒሕን ሓቦን ናብ ዝጭበጥ ሓይሊ ምቕያር።
  • ንዕላማ ዘገልግል ናይ ሕጊ ማዕቐፍን ፖሊስን ምቕራፅን ምትግባርን።
  • ነፃ ናይ ፋይናንስ፣ ሓበሬታ፣ ፀዓት፣ መጎዓዚያ፣ ነዳዲ፣ ኣታዊን ወፃኢን ንግዳዊ መስመር፣ ወፃኢ ሸርፊ መዋህለሊዓቕሚን፣ መንገዲ ወዘተ ትሕተ ቅርፂን ናይ ኣገልግሎት ኢንደስትሪታትን ምውናን።
  • ናይ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ መርበብ ምዝርጋሕ።
  • ናይ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ምህዞን ማእኽለትን መርበብን ምዝርጋሕ።
  • ቫይብራንት ሲቪክ ማሕበራትን ናይ ብሕቲ ሴኽተርን ምፍጣር
  • ነፃ ሲቪክ ማሕበራት ምብዛሕ።
  • ብኽላስተር ዝሰርሕ ብኢኮሲስተም ዝተኣሳሰረ ናይ ውልቂ ቢዝነስን ኢንዳስትሪ ትካላትን ምስፍሕፋሕ።
  • ሕድሕድ ቤተሰብ ናብ እንተርፕራይዝ ዘሰጋግር ጣብያታት ድማ ናይ ዕዳጋ ማእኸል ዝገብር ናይሕርሻ ኢንዳስትሪ ምህናፅ።
  • ንሓሳብን ፍልጠትን ከም ኮላተራል ዝወስድ ናይቬንቸር ፋይናንስ ስርዓት ምዝርጋሕ።
  1. ህዝቢ ትግራይ ናብ ኩለምዳያዊ ምንቅስቓስ ምእታው
  • ምንቃሕ
  • ምውዳብ
  • ምዕጣቕ
  1. ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝነጥፍን መሪሕነት ዝህብን ናይ ኢሊት ክሪቲካልማስ ምውህላል
  • ብውሑዱ ናይ ሰለስተ ዓይነት ኤሊት ክሪቲካልማስ እንተተፈጢሩን ኣብሞንጎኦም ናይ ሓሳብ እሴት መርበብ እንተተሃኒፁን ኩለመዳያዊ ሓርነት ተጋሩ ንምምፃእን ቀፃልነቱ ንምርግጋፅን ውሕስነትይረክብ።
  • ህንፀት ናይ ፖለቲካ ኤሊት
  • ህንፀት ናይ ቴክኖክራትን ፕሮፌሽናልን ኤሊት
  • ህንፀት ናይ ኣካዳሚ ኤሊት
  • ህንፀት ናይ ቢዝነስ ኢሊት

መጠቓለሊ ርእይቶ፡

ኣብዚ መዋእል እዚ እነካይዶ መማረፂ ዘይብሉ ናይ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ ምርግጋፅ ማእኸል ዝገበረ ቃልሲ ኣብ ናይ ዓለማውን ሃፀያዊን ናይ ዕዳጋ ብፅሒት ምዕባይን ምቁፅፃርን ዝሻኾቱ ዓለምለኻዊ ሓይልታትን ኮርፖሬት መንግስታትን ዝዋገዩሉ መድረኽ ሙዃኑ፡ እዚ ሃፀያዊ ሽኩት እዙይ ሃገራዊ መንነት ንጨና እኳ ብዘይብሉ ግዙእ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስታዊ መሓውር ዝተዓጀበ ሙዃኑ፡ እዙይ ብሙዃኑ ድማ ካብ እቲ ዝተለመደ ፖለቲካዊ ፅፍትውና ንባዕልና ሓራ ኣውፂእና ብረብሓን ህልውናን ህዝቢ ጥራሕ እናርኣና ክንስጉም ግድን ዝገብር ናይ ቃልሲ ምዕራፍ እዩ፡፡ ኣብ ከምዙይ ዝኣመሰለ ፖሊተካዊ ምዕራፍ ይትረፍ ኣብ ዝሓሸን ሃገራውን ዓለማውን ሓይልታት ብንፁር ዝርኣዩሉ መድረኽ እኳ ዝነቕሐን ዝተወደበን ሓፋሽ ዘስልፍ ቃልሲ ግድንን መተካእታ ዘይብሉን እዩ፡፡ ናይ እዚ ዘበን እዙይ ውደባን ዕጥቅን ድማ ኢኮኖሚያዊ ውዳበን ዓቅምን ከም ዓንዲ ዝወስድ ይኸውን፡፡ እዚኦም ዘጣመረ ቃልሲ ክንካይድ ድማ መቦቆላዊ ኣሓሳስባታትን ዓቕምታትን ዝተደረኸ አካይዳ ወሳኒን ብሕታውን ኮይኑ ክውሰድ ይግባእ፡፡

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *