Home / Uncategorized / ንተጋሩ ከገድሱና ዝግብኦም ዓበይቲ ኣጀንዳታት

ንተጋሩ ከገድሱና ዝግብኦም ዓበይቲ ኣጀንዳታት

(ብተሾመ በየነ በርሀ)

ሓጺር መእተዊ

ሓፈሻዊ ዕላማ እዚ ጽሑፍ ብመንጽር ሓደሽቲ፡ ሕሉፋትን ናይ መጻኢን ምዕባለታት ፖለቲካ ሃገርና ተጋሩ ክንሕዞ ዝግባእ ኣረዳድኣን ክንሰርሓሉ ዘለና ለውጢን እንታይ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ሕቶ መበገሲ መልሲ ንምሃብ እዩ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብ ፖለቲካዊን ትካላዊን ብውሱን ውን ኣብ ኢኮኖሚ መዳያት ብርክት ዝበሉ ወሰንቲ ሕጽረታትን ድኽመታትን ከምዘለዉ ንርኢ ኢና፡፡ እቶም ኣብ ቑጠባን መነባብሮን ዝተርኣዩ ኣዎንታዊ ለውጥታት ከተቐጽል ውን እንተኾነ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕን ትካላዊ ዓቕምን ሱር በቖስ ለውጢ ክተምጽእ ግድን ይኸውን፡፡ እዚ ጽሑፍ እቶም ብሰፊሑ ክረኣዩ ዝጸንሑ ስትራቴጂካዊ ጉድለታት ንምድህሳስን ኣንፈት ንምሕባርን ዝተዳለወ እዩ። ብመንጽር እዙይ፡ ክምልሶም ዝተበገስክሎም ሕቶታት፤ ካብ ሕሉፍ ሒዝናዮም ዝመጸና ጸገማት እንታይ እዮም? ንቐጻሊ ዕብየትና ዝሓልኩና ፈተናታት ኣየነኦም እዮም? ንዞም ይገጥሙና ዘለዉ ፈተናታት ብኸመይ መንገዲ ወይ ድማ ኣንፈት ክንፈተሖም ንኽእል? ዝብሉ እዮም፡፡

እዞም ሕቶታት መሰረታውን እዋናውን ስለዝኾኑ ኩሉ እናተሓጋገዘ መልሲ ክህበሎም ይግባእ፡፡ ንኩሉ ሽግርና መልሲ ዝኸውን ፍታሕ ኣብ ሓደ ሰብ ወይ ድማ ጉጅለ ስለዘይርከብ፡፡ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ንምይይጥ ዝቐረቡ እንትኾን ኣብ ናይ ትግራይ ኣጀንዳ እጃሞም ክብ ከብሉ ንዝደልዩ ግዱሳት ከም መልዐሊ መመያየጢ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ፡፡ ብእምነተይ ሎሚ ኣብ ቐራን መገዲ ኢና ዘለና፤ ስለዝኾነ ውን ኣይጠፍኣኒ ኣይነበረኒ እንብለሉ ጊዜ ኣይኮነን፡፡

ፈተናታት ምስ ኣንፈት ፍታሕ

እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተቐመጡ ዓሰርተ ስትራቴጂካዊ ፈተናታትን ፍታሖምን ሳይንሳዊ መገዲ ብዝተኸተለ ምርምርን ጽንዓትን ዝተኻየዱ ዘይኮነስ ካብ ውልቀ ተሞክሮን ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት በቢእዋኑ ካብ ዝገበርክዎ ምይይጣትን ዝማዕበሉ ምዃኖም ክገልጽ ይፎቱ፡፡ ብምዃኑ፡ ካብዚ ዝተልዓለ ኣብዚ ጽሑፍ ገለ ሕጽረታት ክረኣዩ ስለዝኽእሉ ነዚ ንምምላእ ግብረ-መልሲ ክወሃብ ድማ ካብ ኣንበብቲ ይጽበ፡፡

  1. ታሪኽ ትግራይ ግቡእ ቦትኡ ክሕዝ ብውነ ምስራሕ

ልዕሊ ኩሉ፡ ትግራይ መሰረት ታሪኽ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ምርዳእን ብግቡእ ምሓዙን የድሊ። ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ሰናይ ሽም (Image) ዝፍልፍል ኣብ ኩሎም ወሰንቲ ምዕራፋት ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበራ ኣወንታዊን ዝበረኸን ብጽሒት ብሓደ ገጽ፤ ድማ ህዝባ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ካብ ዘማዕበሎ ሕያውነት ብካልእ ገጽ እዩ። ብዙሓት ልሂቃንን መራሕቲን ነዚ ሓቂ እዚ በብእዋኑ ይዛረቡልን ይጽሕፍሉን ዘለዉ ጉዳይ እዩ፡፡ ቐዳማይ ሚኒስቴር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እውን ብዕለት 5 ማዝያ 2010 ኣ.ም. ኣብ መቐለ ንነብርቲ እቲ ክልል ዝተዛረብዎ ቃል ከም ሓደ ኣብነት ምውሳድ ይከኣል፡፡

ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ትግራዋይ ንዘበናት ንምክልኻል ሃገሩ ዝኸፈሎ ዋጋ ርጉጽን ዘይማትእን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ሃገር ኣብ ምህናጽን ፀብለልታ ዘለዎም ሃገራዊ ዕማማት ኣብ ምስልሳልን ርኡይ ተራ ዝነበሮምን ዘለዎምን ደቂ ትግራይ ብዙሓት እዩም፡፡ ቅዱስ ያሬድ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ፡ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ገብረ ህይወት ባይከዳኝ፡ ልኡል መንገሻ ስዩም ካብ እቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጋሩ እቶም ውሑዳት ኣብነታት እዮም፡፡ ምስ እዚ ጎና ጎኒ ክበሃል ዝከኣል ትግራይ ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ ስነ ልቦናን ናይ ሓባር ናውታውን ባዕላዊን ሓድጊ ዝነበራ ግደ ርኡይ ምዃኑ እዩ፡፡

ነቲ ዓቢይ ታሪኽና ንትምክሕቲን ካልኦት ህዝብታት ንምውሳንን ከምዘይንጠቀመሉ ኩሉ ዝፈልጦ ኮይኑ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ክህልወና ዝግብኦ ናይ ታሪኽ ቦታ ዝያዳ ንምርግጋጽን ንዕብየት ቱሪዝምን ብሰፊሑ ክነውዕሎ ይግባእ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ይኸውን ከምዘየለ ኣብነታት ብምጥቃስ ምብራህ ዝከኣል እዩ፡፡ ብሓጺሩ እቲ ሕቶ እዞም ዓበይቲ ጸጋታት ታሪኽ ተዋሃሂዶምናስ ነስተማቕሮምን ብግቡእ ነቓልሖምን ዶ ኣለና ዝብል እዩ፡፡ ኣብዚ ክበሃል ዝኽእል ነዚ ዘይካትዕ ታሪኽናን ኣበርክቶናን ካልኦት እናተቐበልዎን እናነኣድዎን እናሃለዉ ንሕና ግና ንኡኡ ብዝምጥን ደረጃ ንረብሓና ኣይነውዕሎን ዘለና ዝብል እዩ፡፡ ንሱ ጥራሕ ድማ ኣይኮነን፡ ብዕድመ ዝዓበና ነቶም ዝንኣሱ እነሕልፎ ታሪኽ እዩ ኢልና ብግቡእ ዝወሰድናዮ ኣይመስልን፡፡ እቲ ንዝሓለፉ ዓማውቲ ብሕወሓት (ድሕሪ እዚ ውድብ እናበልና እንጽውዖ) ክዝንቶ ዝጸንሐ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ኩሉ ጊዘ ኣብ ታሪኽ እቲ ብረታዊ ቃልሲን ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ዓማውቲን ዝተሓጽረ ምንባሩ ነዚ ሽግር እዚ ኣብ ምግዳድ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ነይርዎ ክበሃል ይከኣል፡፡

ኣብ ከተማታት ትግራይን ኣብ ወጻእን ካብ ዝነብሩ ተጋሩ ብቑጽሮም ውሑዳት ዝኾኑ ልሂቃን ንታሪኽ ትግራይ ካብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈልዮም ብምዝንታውን ብምስትምሃርን ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወሳናይ ናይ ታሪኽ ብጽሒት ብተዘዋዋሪ እናጎድኡ ይርከቡ፡፡ ታሪኽ ትግራይ ንበይኑ ፈሊዮም ብምቕራብ ዝተፈለየ መንነት ክእልሹ ይስትብሃል፡፡ ሕልፍ ሓሊፎም ንትግራይን ትግራዋይን ዝረብሕ ንምዃኑ ዘጠራጥር ‘ሃገረ ኣግኣዝያን’ ዝብል ሓዱሽ መንነት እውን የጎሳግሱ ኣሎዉ፡፡ ብደረጃ ሃገር ንዘጓንፈካ ፈተናታት ምቅዋምን ምቅላስን ሓደ ነገር ኮይኑ ኣብኡ ተደሪክኻ ካሊእ መንነት ምምሃዝ ግና ዘይቅቡልን ጎዳእን ምዃኑ ክንርድኦ ይግበአና፡፡

እቲ ተስፋ ዝህበካ ጉዳይ እዚ ናይ ምንፃል ኣተሓሳስባ ስካብ ሕዚ ሰፊሕ ደገፍ ዘይረኸበ ምኻኑ እዩ፡፡ ከምኡ ኮይኑ ግና እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ታሪኽ ይኹን ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካ ገና ዝተማልአ ኣረዳድኣ ንዘይሓዘ ዕሸል መንእሰይ ናይ ምድንጋር ኣቕሙ ዝንዓቕ ኣይኮነን፡፡ ምእንቲ እዚ፡ ታሪኽ ትግራይ ቅድም ቀዳድም ካብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈጺሙ ዘይፍለን ከምዘይብተኽ ኮይኑ ዝተዋደደን እዩ ኢልና ክነስተምህር ኣለና ኢለ ይኣምን፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ፡ ታሪኽ ትግራይ ካብ ናይ 43 ዓመት ታሪኽ ዝነውሐን ኸባቢ 3,000 ዓመታት ዘቑጸረን ምዃኑ ድማ ሓቂ እዩ፡፡ ነዚ ጥረ ሓቂ እዚ ከይተቐበልና ትግራይ መሰረት ታሪኽ ኢትዮጵያ እያ ክንብል ኣይንኽእልን እሞ፡፡ ብሓጺሩ ታሪኽ ትግራይ ኣብ ኣኽሱምን ይሓን እምበር ኣብ ደደቢት ኣይጀመረን፤ ዋላ እኳ ካብ ደደቢት ናብዚ ዘሎ ታሪኽና ጻዕቒ ዘለዎን ናይ ብዙሕ ሰብ መስዋዕቲ ዝሓተተ እንተኾነ፡፡

ኮይኑ፡ እቲ ን17 ዓመታት ዝተገብረ ቃልሲ ብወነ ክርአን ናይ ታሪኽ ቦትኡ ድማ ክቕመጠሉን ዘለዎ እዩ፡፡ ብዙሕ ህይወት ዝተገበረሉ፡ ናውታዊ ሃፍቲ ዝበረሰሉ፡ ህዝቢ ብስፍሓት ዝተማዘበለሉ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ዘበን ስለዝኾነ ትርጉሙ ኣነጺርካ ክርአ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ቅድም ቀዳድም ህዝቢ ትግራይ ንቓልሲ ዘላዓሎ ምኽንያት ነይርዎ እዩ ኢለ ይኣምን፡፡ ካብኡ ብምቕጻል፡ እቲ ቃልሲ ብውጽኢት እትምዘን ናይ ባዕሉ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት ስለዘለውዎ ናይ ዚኦም ሚዛን ካብ ስምኢት ነጻ ብዝኾነ መንገዲ ክግምገም ኣለዎ ይብል፡፡ እቲ ንቃልሲ ዘበገሰ ሕሉፍ ናይ ስርዓታት ወጽዓ ሓቀኛ ምኽንያት ከምዝነበረ ወሲድካ ነቲ ናይ ቃልሲ ኣካይዳ ንኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊስካ ብዕምቆት ክፍተሸ ይግባእ፡፡

ብዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዐርዩ ትሑት ኩነታት ናውቲ ኮይኑ ምስ ገዘፍቲ ተፈጥሯዊ ማሕለኻታትን ብርቱዕ ጸላኢን እናተገባገበ ብፍሉይ ናይ ምውዳብ ተኽእሎ ዝበጸሐሉ ሸቶ ዘስደምም ስለዝኾነ ምሽጥር ስርሒቱ በቐጻሊ ክጉሕጓሕ ዘለዎ እዩ፡፡ ነቲ ዘገርም ታሪኽ ብግቡእ ብኩሉ ሳይንሳዊ ሜላታት እናሰነድካ ክኽወድ ይግባእ፡፡ እቶም ሰብ ታሪኽ እንተይሓለፉ እንከለዉ ሙሉእ ቅያታቶም ክቕዳሕ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ኣይፋሉን ክንብሎም ዘለና ብሓደ ገጽ ኣብ ሕሉፍ ተሸኺልካ ንወድዓዊ ሽግራትካ ብሕሉፍ ስርሒት ንምጉልባብ ምፍታንን፤ ንኹሉ ብርክታትን መልክዓትን እቲ ቃልሲ በሰር ከም ዘይነበሮም ገይርካ ምስኣልን ብኻልእ ገጽ እዮም፡፡

ንሱ ጥራሕ ድማ ኣይኮንን፡፡ ሰራሕቲ ቕያ ንዝኾኑ ስሙያት ተጋሩ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ግቡእ ኣፍልጦ ኣብ ትግራይ ክንህቦም ይግባእ፡፡ ብጥንቓቐ እናገምገምካ፤ እንኮላይ ብሽሞም ሓወልቲ ድዩ፤ ጽርጋ ይኹን ትካላት ወይ ድማ ዓመታዊ መደባት (ስፖርት ክኸውን ይኽእል) ምጽዋዕ ክንሓስበሉ ኣለና፡፡

  1. ናይ ሓሳብ ብዝሃነትን ውልቀ ነጻነትን ክዕምብብ ኣድላይ ኩሉ ምግባር

ዝኾነ ሰብ፡ ሰብ ብምኻኑ ጥራሕ ናይ ውልቂ ሓሳብ ክህልዎ ምኽኣሉ ባህርያዊ እዩ፡፡ ነዚ ባህርያዊነት መሰረት ገይሩ እዩ ድማ ህገ መንግስቲ ሃገራት (ናትና እውን ሓዊሱ) ንምግላጽ ሃሳብ ከም ዓንዲ ስርዓት ዲሞክራሲ ገይሩ ዝወስዶ፡፡ ንሱ ጥራሕ ድማ ኣይኮነን፤ ናይ ዝኾነ ለውጢ መበገሲ ናይ ሓሳብ ብዝሃነት እዩ – ኩሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ነገር ብሓደ ዓይነት መገዲ ክሓስብ እንከሎ ስለዘይኮነ፡፡ ኣይኮነን ዶ ኣብ ትግራይ ዝኣምሰለ ብሚልዮናት ህዝቢ ዝነብረሉ ኸባቢ፤ ኣብ ሓደ ስድራ ውን እንተኾነ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ኣጠማምታን ክህሊ ግድን ክኸውን ሕዚ ውን ባህሪያዊ እዩ፡፡ ንብዝሃነት ሓሳብ ዋጋ ዝህብ ማሕበረሰብ ምስዝህነጽ ድማ ከይዱ ከይዱ ዘላቒ ማሕበራሰባዊ ምዕባለ ይረጋገጽ፡፡

ብኡኡ ልክዕ ብትግራዋይነትካ ክትሓብር ግድን ዝኾኑሎም ኣጋጣሚታት ብዙሓት እዮም ክኾኑ፡፡ ንኣብነት ኣብ ምሕላው ሓባራዊ መንነት ኣብ ምዕባይ ቋንቋን ባህልን ክትሓብር ግድን እዩ፡፡ ናይ ሓባር ብዙሕ ድልየት ስለዘለካን ምሕባር ነዚ ንምምላእ ኣገዳሲ ስለዝኾነን – ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ ከምዝበሃል፡፡ እዚ ማለት ግን ናይ ውልቂ ሓሳብን ምህዞን ክጉዕጸጽ ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ድማ ምርዳእ ንዕብየትና ቅድመ ኩነት እዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይወጻእናን፡፡

ዲሞክራሲያዊ ብዝሃነት ኣብ ምትእንጋድ ትግራይ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ትርከብ ክልል እያ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ምስእተነጻጽር ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዲሞክራሲ እቲ ዝተሓተ እዩ ኢልና ክንለዓል ውን ንኽእል ኢና፡፡ ካብ አድማስ አታሓሳስባ እቲ ውድብ ዝተፈልየ ሓሳብ ሒዝካ ምውስዋስ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ፡፡  መልዓሊ እዚ ቐያዲ ተግባር እቲ ነጊሱ ዝጸንሐ መላኺ እምነት ፖለቲካ ከምዝኾነ ድማ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፡፡ እንኮላይ ብጭርሖታት ኣቢሉ እናተገለጸ ስለዝጸንሐ፡፡ ‘መንገዲ ሕወሓት ብሕታዊ መንገዲ ዓወት እዩ‘ ዝብልን ብግልባጡ ድማ ‘ካብ መገዲ ሕወሓት ወጻኢ ዘሎ ኩሉ መንገዲ ዕንወት እዩ’ ዝብሉ ጭርሖታት ንተግባር ይመርሑ ዘለዉ ኣሉታዊ ብሂላት እዮም፡፡

ብሓፈሻ ዝኾነ ሰብ ካብ መስመር እቲ ውድብ ውጽእ ዝበለ ሓሳብ ከቕርብ እንተደፊሩ ቀጥታዊ ተኸታታሊ ጸቕጢ ገይርካ ክዕቀብ ይግበር፤ እንተዘይተዓቒቡ ክኸፍሎ ዝግደድ ዋጋ ክህልዎ እዩ፡፡ እቶም ብዝተፈላለዩ እዋናት ዝጽውዑ ኣኼባታት ውን እዞም እተፈለየ ሓሳብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝግመቱ ወገናት ዝሓውሱ ኣይኮኑን፡፡ እቶም በቲ ውድብ ዝመሃዙ ከም ካኺቶ ዛኣምሰሉ ጸርፍታት ኣብ ጥቕሚ  እንትውዕሉ ደማ  ዘሰክፈካ እዩ፡፡

ካብ እዙይ ዝገደደ ኣብ ቑጽሮም ዘይነዓቕ ተወለድቲ እቲ ክልል/ብሄር እናገፍሐ ዝኸደ ኣሉታዊ ተርእዮ ኣሎ፡፡ ንሱ ውን ‘ትግራዋይ ክሓስብ ዘለዎ ከምዚ እዩ‘፤ ‘ከመይ ገይሩ ትግራዋይ ከምዚ ይዛረብ?’ ዝብሉ ርእይቶታት ካብ ማሕበራዊ ሚድያታት ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ንዘቕረበ ሰብ ብናይ ጸርፊ መዳራጉሕ ተሀውትቶ፤ ኩሉ ከምዚ ዓይነት መርገጽ ክወስድ ኣለዎ ኢልካ ሕልፍ ዝበለ ጸቕጢ ትገብር፤ ነቶም ዝፍለዩ ሰባት እውን ኣሽማት ትጥቅዐሎም፡፡ እዚ ዝንባለ ኣብ ዲያስፖራ ተጋሩ ዝሓየለ ውን እንተኾነ ኣብ ዓዲ ውን ቀሊል ዝብሃል ዝርግሐ ኣይብሉን፡፡ ብሓጺሩ እንትርአ እዚ ብሓደ መልክዕ ንሕሰብ ዝብል ድፍኢት ንተጋሩ ክኸፋፍለና ተዘይኮይኑ ከምቶም ነዚ ዘሰጉሙ ወገናት ዝደልይዎ ሓድነት ክፈጥረልና ኣይኽእልን፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ፡ ግልጺ ምይይጥ፤ መሃዛይ ሓሳብ ምቕራብ፤ ውዕውዕ ክትዕን ዝተፈለየ ሓሳብ ምሃብን ዝኣምሰሉ መግለጽታት ሓደ ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ኣብ ዝትሓተ ብርኪ እዮም ዝርከቡ፡፡ ፈሊና ክነቕምጦ እንተኾይና ብሓሳብ ምክእኣልን ንናይ ካልእ ውልቀ ሰብ ወይ ድማ ጉጅለ ሓሳብ ክብሪ ምሃብን (ሓንጎፋይ ምባል) ዝኣምሰሉ ናይ ዲሞክራሲ ሀሁ ብስርዓት ናይ ምኹስዃስ ሰፊሕ ዕማም ይጽበየና ኣሎ፡፡

ኣብ እዚ ከም ፍሉይ ተርእዮታት (exceptions) ክጥቀሱ ዝኽእሉ ጽቡቓት ኣፋፍኖታት ኣለዉ፡፡ እዚኦም ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዘለዉ ገለ ምሁራት ነጻ ኮይኖም ዝህብዎ ርእይቶ፤ ኣብ ከተማታት ትግራይ ይዝርግሓ ዘለዋ ሓደሽቲ መጽሄታትን ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚድያታት ብትብዓት ርእይቶታቶም ዝገልጹን ዘካፍሉን ተጋሩ ቑጽሮም እናበዝሐ ይኸይድ ምህላዉን እዩ፡፡ እዚ ኮይኑ እዞም ብትብዓት ኣብ ብዝሃነት ሓሳብ ይዋስኡ ዘለዉ ወገናት ክባር ዋጋ ይኸፍሉ ከምዘለዉ ግና ምግማት ይከኣል እዩ፡፡ እዚ ኮይኑ ኣብ ገጠር ዝነብር ትግራዋይ ብፍሉይ ክንጥምቶ ኣለና፡፡ እዚ ምእንተ ምንታይ ነባራይ ገጠር ትግራይ መጠሻኣ እታ ውድብ እዩ ክትብሎ ስለትኽእል- ባህርያት ማሕበረ ኢኮኖሚኡ ንቑጽጽር ስለዝጥዕም፡፡ ዘርክበሉ ማሕበራዊ ሚድያ ውን ወይ ስሩዕ ነጻ ፕረስ ውን እዩ ዘይብሉ !

ንምጥቕላል ናይ ሓሳብ ብዝሃነት ክዕምብብ ንምግባርን ኢልካ እውን ነዙይ ንምኽባርን (celebrate) ንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝወስድ ውን እንተኾነ ነዚ ዝጸንሐ ድሑር ባህሊ ምልዋጥ ኣዐርዩ አገዳሲ ስለዝኾነ  ብዝቐልጠፈ ምንቅስቓስ ክጅመር ኣለዎ፡፡

  1. ካብ ንቕዘት ዝተናገፋን ዝደልደላን ቤት ዕዮታት መንግስቲ ምህናጽ

‘ንቕዘት’ ዝብል ቃል ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኮራፕሽን ንዝብል ቃል ወይ ድማ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ሙስና ንዝበል ቃል ወካላይ ኮይኑ እዩ ቐሪቡ ዘሎ፡፡ ነቲ ተግባር ስእላዊ ገይሩ ዝገልጾ ‘ንቕዘት‘ ዝብል ቃል እዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ነዚ ቃል እናተጠቐምኩ ክቕጽል እየ፡፡

ሓደ ሕብረሰብ ክጎናጸፎም ካብዝግብኦም ክብርታት እቲ ሓደ ንንቕዘት ምጽያፍ ምዃኑ ጸቒጥካ ክዝረበሉ ይግባእ፡፡ ንቕዘት ገፊሕ ጽንሰ ሓሳብ እንትኸውን ንኩሎም ዘይግብኡኻ፤ ከይረሓጽካን እሴት ከይወሰካን ብዝሓዝካዩ ፍሉይ ቦታ ተጠቒምካ ሓለፋ ክትወስድ ናይ ምድላይ ዝንባለታት ብሓደ ገጽ፤ ዘይግብአካ ጥቕሚ ወይድማ ሓለፋ ክትወስድ ንካልኦት ብጥቕሚ ክተዳህልል ኣእምሯዊ ዝንባለ ምሓዝ ብኻልእ ገጽ ማለት እዩ፡፡ ብካልእ አባሃህላ ንቕዘት ንተግባር ዝመርሕ ኣእምሯዊ ዝንባለ እዩ፡፡

ገሊኡ ሰብ ዝለዓለ ሕልና ስለዘለዎ ካብ ብጓሓቱ ንንቕዘት ይጽየፍ፤ ገሊኡ ድማ ዝንባለ ውን እንተሃለዎ ሕጊ ስለዝፈርሕን እቲ ሕጊ ውን ብግቡእ ስለዝፍጸምን ኢዱ ኣርኒቡ ይነብር፡፡ ብዝኾነ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንቕዘት ዝንባለ ስለዘለዎ ንዝኾነ ነዃል ሕጊ ክጥቀም ድልዊ እዩ፡፡

እሞ ንንቕዘት ብተኸታታሊ ኣስተምህሮ ምክልኻል ከም ቀንዲን ቀዳማይን ኣንፈት ክውሰድ ከምዝግብኦ ዘረዳድእ ኮይኑ፤ ንብቕዓት ሕጊታት፡ (ማይ ዘየስርዉ ሕጊታት) ትካላት መንግስቲን ሲቪል ማህበርን ግና ክትክኡ ኣይኽእሉን፡፡ ሕግታት ንጹራትን ንተግባር ንቕዘት ኣብ ምቕጻዕ ከኣ ብዘየናሕሲ ዝትግበሩን ክኾኑ ኣለዎም፡፡ ኣድላይነቶም ዘታሓትት ሕጊታት ወይ ድማ ኣንቀጻት ሕጊ እንተልዮም ንተግባር ንቕዘት በሪ ናይ ምኽፋት ተኽእሎ ስለዘለዎም እዚኦም ክእለዩ ይግባእ፡፡ ትካላት መንግስቲ ድማ ንሕጊታት ከፈጽሙ ዝኽእሉ፤ ኣቐዲሞም ንተግባር ንቕዘት ዘፍሽሉን ዕድል ዘይህቡን ክኾኑ ኣለዎም፡፡ ነዚ ድማ ውፍይነትን ብቕዓትን እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዓቢይ ብጺሒት ኣለዎ፡፡

ኣብ ትግራይ እናበርትዐ ዝመጸ እቲ ሓደ ናይ ንቕዘት ተርእዮ ምቕባል ብላዕ (ጉቦ) እዩ፡፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ግልጋሎት ወሃባይ ቤት ዕዮ ብላዕ ምቕባል ይርአ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ክልልን ንስራሕ ካብ ካልኦት ክልላት ናብ ትግራይ ዝኸዱን ዝዛረብሉ እዩ፡፡  እዚ ናይ ብላዕ ኩነታት ድማ እናዓበየ ዝመጸ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እዩ፡፡ ናብ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተን ዒስራን ዓመታት እንተኸይድና ኣይኮነንዶ ብላዕስ ቐሊል ስርቂ እውን ኣይነበረን፡፡ መኪና ምቑላፍ፤ ገዛ ምዕጻው ዝበሃል ነገር ዳርጋ ተሪፉ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፡፡ እሞ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ኩነታት ብክንድዚ ዝኣክል ቅልጣፈ ተለዊጡ እንተይልና ነዚ መልሲ ንምሃብ ርእሱ ዝኽኣለ መጽናዕቲ የድልዮ፡፡ እንተኾነ ግና ንምዕባይ ብላዕ ናይ ተሓታትነት ምትሓት፤ ነጻ ፕረስ ዘይምህላዉን ናይ ፖለቲካ ኣያነት (political patronage) ካብቶም ዓበይቲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ፖለቲካዊ ኣያነት እንትንብል ካብ ንዓቕሚን ሞራላዊ ብቕዓትን ንፖለቲካዊ ምእዙዝነት ዕድል ዝህብ ኣካይዳ ማለትና እዩ፡፡

ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ ብብላዕ ጥራሕ ኣይኮነን ዝኽሰስ፤ እንኮላይ ብመሰረታዊ መዐቐኒ ጨዋነት ውን እምበር፡፡ ኣብ ቢሮታት ዘሎ ናይ ቢሮ ንቡር (norm) እናተሓተ ምኻዱ ብጭቡጥ ዝርአ እዩ፡፡ ንጋሻኻ ብትሕትኛ ምትእንጋድን ክተድምጽ ምፍታንን ይተርፍ ዘሎ ጸጋ ቐዳሞት እዩ፡፡ ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ንክትምራሕን ክትጥርነፍን ጠንጠነለይ ምባል (contempt of authority) ብሰፊሑ ዝርአ ልምዲ ካብ ዝኸውን ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ‘ታይ እሞ ክተምጽእ ኢኻ፤ ኣብ ድላይካ ብጻሕ’ ዝብሉ መልሲታት ምስማዕ ዘይልሙድ ኣይኮነን፡፡ እቲ ኣብ እዋን ስርዓት ፊውዳሊዝም ‘ክንዲ ጣፍ ዝዓብየካስ ክንዲ ጣፍ የጽርየካ’ ዝብል ምሳለ ይጥቀም ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣብ ካልእ ጫፍ ‘ታይ ተምጽእሞ፡ ተደሊኻ ኪድ ጥራዕ‘ ዝብል ክሰምዕ ተገዲዱ እዩ፡፡

ኣብ ትግራይ ድልዱላትን ምዕሩያትን ትካላት ቤት ዕዮ ምናልባሽ እንተሃልየን ብቑጽሪ ውሑዳት እየን ክበሃል ይከኣል፡፡ ቀንዲ መግለጺ ቤት ዕዮታት መንግስቲ ትግራት ተለዋዋጣይ መሓውርን ብኡኡ ዝኣክል ዘይቐሰነ ሰራሕተኛን እዩ፡፡ ቢሮታት በቢጊዚኡ ይዕጸፋን ይዝርግሓን ካብ ምዃነን ዝተልዓለ እዚ የስዕቦ ዘሎ ኪሳራ ክትጽብጽቦ የጸግመልካ እዩ፡፡ ካብ እዚ ብተወሳኺ ቤት ዕዮታት መንግስቲ ንመዓልትታት፤ ንሰሙናት ንገምጋም ክብላ ኣፍ ደግአን ይዓጽዋ ስለዝኾና ‘ዝቕጽል መዓልቲ/ሰሙን ኣብ ኣኼባ ስለዝኾና ኣገልግሎት ኣይንህብን’ ዝብል ምልክታ ምርኣይ ዝተለምደ እዩ፡፡

ባህሊ ገምጋም ነቲ ዝጸንሐ ባህሊ ሲቪል ሰርቪስ ተክኢዎ ይርአ እዩ፡፡ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ኣብ ሚኢቲ ዓመታት ንዘዋህለሎ ኣዎንታዊ ባህሊን ንቡርን ዓቒብካ ኣብ ክንዲ ንኡኡ እናማሓይሽካ ምዃድ ብዘይ ግቡእ መጽናዕቲ ከምዘሎ ብጥረኡ ንገምጋም ብምትእትታው ብውጽኢቱ ዓቕሚ ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ ክትሕት ተገይሩ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ እዚ እምነት ከኣ ኣብ ብዙሓት ሰብ ሙያ ከምዘሎ በቢጊዚኡ እናተገልጸ ዝጸንሐ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ዓቕሚ ቴክኒካዊን ፖለቲካዊን መሪሕነት ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ እናንቆልቆለ ከምዝኸደ ብዙሕ ሰብ ክዛረበሉ ይስማዕ፡፡ እቲ ብ1984 1985ን ካብኡ ቐጺሉ ኣብ ዘለዉ ኸባቢ ሓሙሽተ ዓመታትን ዕሰል እንትብሃል ብሓንሳብ ብወነ ናብ ትግራይ ዝወሓዘ ምሁር ትግራዋይ ንጨና ውን የለን፡፡ ገሊኡ ብምጉዳል ኣተሓሕዛ ናብ ዝመጸሉ ተመሊሱ፤ ገሊኡ ድማ ብጽበት ዕድላት እቲ ክልል ዝለምለመ ሰውሒ (green pasture) ከናዲ ናብ ካልኦት ከተማታትን ወጻኢን ከይዱ እዩ፡፡ ንኡኡ ክትክእ ዝግባእ ሓዲሽ ወለዶ ውን ብኣውርኡ ‘ፖለቲካዊ ኣመራርሓ’ ብዝብል መዋሰናይ ኣካይዳ እቲ ውድብ ክንዲ ዝከኣል ነቲ መስርዕ ክመልእ ኣይከኣለን፡፡

ኣብ እዚ ከይጠቐስክዎ ዘይሓልፍ እንተሎ፤ ውሳነታት ኣብ እዋኑ ስለዘይወሃቡ ሰብ ጉዳይ ብዘይ ውሳነ ንሰሙናትን ንኣዋርሕን ገልታዕታዕ ክብሉ ዝርኣዩ ምዃኖም እዩ፡፡ እቲ ብዓል ጉዳይ ኣብ መወዳእታ ዝረኽቦ ውሳነ ውን ዘዕግቦ ንምዃኑ ውሕስነት ኣይብሉን ፤ ናይ እዚ ምኽንያት እቲ ውሳነ ኣብ ብላዕን ወገናውነትን ዝተሰረተ ናይ ምዃኑ ዕድል ዝገፍሐ ስለዝኾነ፡፡

ናይ እዚ ኩሉ ውጽኢት ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ ሰብ ዘንጸርጽረሉ፤ ድኻ ዝበኽየሉ፤ ብዓል ወገን ናይ ልቡ ዝገብረሉ፤ ዓቕሚን በጀትን እቲ ክልል (ምናልባት ብውስን ክኸውን ይኽእል) ዝባኽነሉ እምበር ነቲ ናይ እቲ ህዝቢ ጠለብ ግልጋሎት ዘማልእ ኣይኮነን፡፡

  1. ነንርእሱ ዝደጋገፍን ተሓታትነት ዘንገሰን ስርዓት ምህናጽ

ናይ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዓንዲ ሑቐ ትካላት ሓንቲ ሃገር ዘለዎም ናይ ውሽጢ ነጻነትን (independence) እዞም ትካላት ነንርእሶም ዝህልዎም ኣብ ሚዛን ዝተሰረተ ርክብን እዩ (check and balance)፡፡ ካብዚ ወጻእ፡ ዲሞክራሲ ይኹን ሰብኣዊ መሰላት ጥዑም ቃላት ካብ ምዃን ኣይሓልፉን፤ መተግበሪኦም ናይ ትካል ነጻነትን ነንርእሱ እናተደጋገፈ ንተሓታትነት ዘዕስል ርክብ ትካላትን ስለዝኾነ፡፡

ኣብ ትግራይ ዋሕዲ ነጻን ዱልዱል ትካላት ዲሞክራሲን ፍትሕን ኣሎ፤ ንኹሉ ኣዛዚን ዓብላልን እቲ ገዛኢ ፓርቲ ስለዝኾነ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ውድብን መንግስቲን ሓደን ዘይፈላለዩን እዮም፡፡ ዳርጋ ንኹሉ ጸፍሒ መዝነት መንግስቲ ዝሓዝዎ ኣባላት ውድብ ካብ ምዃኖም ዝተልዓለ ናይ ውድብን መንግስቲን ኣኼባን ዘተን ኣፈላላይ ኣይብሎምን፡፡ ብሓጺሩ ኣብ ትግራይ ሓላፊ ዓብዪ ይኹን ንኡሽተይ ዝኾነ መንግስታዊ ትካል ክትከውን ኣባል ውድብ ክትኸውን ኣለካ እዩ ዝበሃል፡፡

ካብ እዚ ዝገደደ፡ ብደረጃ ስነ ኣእምሮ መንግስቲን ፓርቲን ነንበይንቶም ምዃኖም ዝርዳእ ሰብ ብዙሕ  ኣይመስልን፡፡ ፓርቲ በሓፈሻ ብፖሊሲን ብዝሸሞም ሓለፍቲን ኣቢሉ ብዝፈጥሮ ጸቕጢ/ጽልዋ እንተዘይኮይኑ ኣብ ዕለታዊ ስራሕቲ ቤት ዕዮ መንግስቲ ካልእ ርኡይ ግደ ክህልዎ ዘይግባእ ምዃኑ ዝተስሓተ ይመስል፡፡ ኣባላት እቲ ውድብ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ መሸቑረሪ ኩነታት ኮይኖም ክሰርሑ ዘገድድ ሃዋህው እዩ ዘሎ፡፡ ንኣዋጅን መምርሕን ሲቪል ሰርቪስን/ሕገ መንግስትን ተወኪሶም ክወሓሶም ዝጠርዓሉ ኣገባብ ብዓብላሊ ደረጃ የለን ክበሃል ይከኣል፡፡

መንግስቲን ውድብን ሓደ ኮይኖም ይርኣዩ ንምዃኖም እቲ ሓደ ፎኪስን ዘየካትዕን ኣብነት ብዙሓት ቢሮታት መንግስቲ ብጭርሖታት እቲ ውድብ ተሸሊሞም ዝርኣዩ ምዃኑ እዩ፡፡ ካልእ ድማ፡ ኣባላት እቲ ውድብ ብሰዓት መንግስቲ ንናይ ውድቦም ኣኼባ (ምናልባሽ ውን ብናይ መንግስቲ በጀት) ንመዓልትታት፤ ንሰሙናት ዋላ ንኣዋርሕ ካብ መኣዲ ስራሕ ይፍለዩ ምዃኖም እዩ፡፡  ኣብ በቢኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ‘ውድብና’ እናበልካ ምዝራብ ንቡርን መመላኸኢ ወግዒን ምዃኑ ድማ ይፍለጥ፡፡

ብሓጺሩ ጥርዓን ብግቡእ ዝሰምዑ፤ ሓቒ ዝዝርግሑ፤ መሰል ክኽበር ዝሰርሑ ኢሉ ውን ውሳነ ዘሕልፉ ነጻ ትካላት ብዙሓት ኣይኮኑን – ዳርጋ ኩሉ ንቲ ውድብ ማእኸል ገይሩ ስለዝንቀሳቐስ፡: እቲ ዘሕዝን ኮላይ ቤት ፍርዲታት ነጻነት (independence) ዘለዎም ኣይመስሉን፡፡ ኣብ በቢኸባቢኡ ውድብ ብዝጸወዖ ኣኼባ ‘ኣብ እዚኣማ’ እናተብሃለ ዝውሰን ውሳነ ንብዙሓት ህጊታትን መሰላትን ዝግህስ እዩ፡፡ ብዛዕባ ቤት ፍርዲ ክንውስኽ እንተኾይና፡ ሓደ ሓደ ዳኛታት ንጡፋት ደገፍቲ እቲ ውድብ ምዃኖም ዝፍለጥ እዮ፡፡ ዳያኑን ሰራሕተኛታትን ትካላት ፍትሒ ገምጋም ብዝበሃል መሳርሒ ብፖለቲካ ዝጽለዉ እምበር ብነጻ ሕልና ክሰርሑ ዝተገደፉ ኣይኮኑን፡፡ ኣብ ምሻም ዳያኑ ውን ከምኡ ፖለቲካዊ ውሳነ ዓብይ ብጽሒት ኣለዎ፡፡ ኣብ ቐረባ እዋናት ንክሽየሙ ንቤት ምኽሪ እቲ ክልል ብፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሕጹያት ‘ናይ ወሓስ መሰል ፈቒዶም እዮም‘ ብዝብል ተቓውሞ እንከይተሸሙ ዝተረፉ ሕጹያት ንዝክር ኢና፡፡

ብዘይካ ኣብ ቐረባ እዋን ክርአ ዝጀመረ ውስን ግን ዘተባብዕ ለውጢ፣ ነጻ ፕረስ ዝበሃል ብሱሩ ውን ዝሕሰብ ኣይነበረን፡፡ ብበጀት መንግስቲ (ብምልክታት ኣቢሉ) ዝሃጠረት እታ ወርቃዊት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኾነት ድምጺ ወያነ ቀንዲ ማዕኸን ሓበሬታ እያ፡፡ ኩለን ጣብያታት ሬድዮ ክበሃል ይከኣል እንካብ ናይ እቲ ውድብ መላኺነት ነጻ ከምዘይኮና ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነ – እቲ ዘሕልፈኦ መልእኽቲን ትሕዝቶ መደብን ንርእሱ መርትዖ ዝለዝኾነ፡፡ ቴሌቪዥን እቲ ክልል ወግሐ ጸብሐ ነቲ ውድብን ፍጻመታት እቲ መንግስቲን እትንእድ እያ፡፡  ካብ እዚ ዝተልዓለ ነታ ቲቪ ሰብ ‘ቶግ’ ቲቪ እናበለ እዩ ዘባጭወላ፡፡ ኣብ እዛ ጣብያ ነቲ ውድብ ደጊፉን ንኢዱን እንትርፊ ዝቐርብ ዝነቅፍን ጥርጣረ ዘለዎን ብዙሕ ሰብ ክቐርብ ኣይርኣይን፡፡

ንመዳይ መድብለ ፓርቲ (ሰልፊ) እንተርኢና ዝገደደ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ፡፡ ኣብ ትግራይ ንተነሓናሕቲ ፓርቲታት እቲ ባይታ ዝሓርፈፈ እዩ፡፡ ክትዋስአሉ እትኽእል ባይታ ዝጸበበ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባላት ተነሓናሕቲ ውድባት ንህይወቶም ከምዝሰግኡ ይዛረቡ፡፡  እቲ ኣዐርዩ ዝኸፍአ ተርእዮ ድማ ‘ጸላእትና‘ ዝብል ስነ ኣእምሮ ዘይተተንከፈን ኣበርቲዑ ዝቕጽል ምህላዉን እዩ፡፡ እዚ ድሑር ቃል ንነጻ ሰባት ዝድህልን ንመሰሎም ዝዳፋእን ኣባሃህላ ኮይኑ፤ እንኮላይ ካብ ኣንደበት ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ እዩ ዝስማዕ፡፡ ኣብዚ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዘሎዎ ካብ ማሕበረሰብ ተኣልዮም ኣብ ውስን ማሕበራዊ ርክብ ክሕጸሩ ዝተገደዱ ኢድዩ እናተብሃሉ ዝጽውዑ ነበርቲ እቲ ክልል ምንባሮም እዩ (ናይ ሎሚ ኣይፈለጥኩን)፡፡ ብተወሳኺ ኩሉ ሰብ ፍትሒ እንትረክብ፤ ብምኽንያት ሕሉፍ ደርቦም ገዝኦምን ንብረቶምን ዘይተመለሰሎም ወገናት ኣብ ትግራይ ምህላዎም ውን እንትንሓስብ ክንጉሒ ንግደድ ኢና፡፡ 

ኣብ ትግራይ ካብ ኣፍልጦ እቲ ውድብ ወጻእ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ማሕበር ይኹን ትካል ምጥያሽ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይሕሰብ እውን እዩ ኮይኑ ጸኒሑ፡፡ ዝከኣል እንተመሰለ ውን ንሓጺር ጊዜ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡ እታ ኣብ ፈለማ ተነጻጻሪ ትካላዊ ነጻነት ዝነበራ ማልት እኳ ካብ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣትሒዙ እትግናሕ ብላዕለዎት መሪሕነት እቲ ውድብ ኮይና ኣላ፡፡

ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከባ ትካላት እንተሃልየን ማሕበራት ሲቪል እየን፡፡ ብደረጃ ሃገር ውን መብዛሕትአን በቲ ቅድሚ ቕሩብ ዓመታት ዝወጸ ሕጊ እናተዳኸማ ዝመጻ እንተኾና ኩነታት እተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት ግን ዝገደደ እዩ፡፡ ካብ ብጓሓቱ ክህልዋ ዘይተደለያ እየን፡፡ ፈለኽ ፈለኽ ዝብላ ውሑዳት እንትሃለዋ ውን ነቲ ውድብ ከውሊ ብዝገበሩ ሓጢጦም ንባዕሎም ብዝኾኑ ኣፈኛታት ዝምርሓ ስለዝኾና ዘይረን ዘይረን ንረብሓ ኣባላትን ህዝብን ዝውዕላ ኣይኮናን፡፡

ንምጥቕላል ኣብ ትግራይ ዘተኣማምናን ሽግር ዝፈትሓን ትካላት ክህልዋ እንተኾይነን ቅድሚ ኩሉ ኣብ ሚዛን ዝተደረኸ ትካላዊ ነጻነትን ትካላዊ ምትሕልላውን ዘይሕለፉ መትከላት ምዃኖም ምርዳእን ምቕባልን የድልየና እዩ፡፡

  1. ኣብ ሃገር ዘሎ ልዕልነት ሕጊን ዲሞክራሲን ወሓስካ ምኻኑ ምጭባጥ

ዝኾነ ህዝቢ ከስተርሒ ተኾይኑ ኣብ ሃገር ብዘሎ ልዕልነት ሕጊን ዲሞክራሲን ክኸውን ኣለዎ፡፡ እዚኦም ምስዝረጋገጹ እዩ ውሕስነት ሓባራዊ መሰል ሕልዊ ዝኸውን፡፡ ብኣጠቓላሊ፡ ዲሞክራሲን ልዕልነት ሕጊን ፍቱናት ኣፋውስ ሽግራትና እዮም ኢልና ክንለዓል ይግባእ፡፡ ዲሞክራሲ እንትነግስ ውሕስነት መሰላት እናተረጋገጸ ይኸይድ፤ ልዕነት ሕጊ እንትነግስ ወዲ ሃገር ይቐስን፤ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘለዎ እምነት ይድነፍዕ ኢሉ እውን ሃሪሱ ይሓድር፡፡ ኣሽዑ ‘ሓቂ ሒዝካ ኣብ መንገዲ ሃርስ’ ዝብል ምሳለ ቀዳሞት ናይ እማን ሓቂ ይኸውን፡፡            ‘

ኣምር ልዕልነት ሕጊን ዲሞክራሲን ብሕልፊ ቑጽሮም ኣብ ዝወሓደ ህዝቢታት ዝገዘፈ እዩ።፡ ንትግራይ እንተወሲድና ብደረጃ ሃገር ካብዘሎ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ብጽሒት ህዝባ ኣስታት 6%–7% ዝግመት እዩ፡፡ እዚ ብተነጻጻሪ ውሑድ ቑፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ክርባሕ ዝኽእል ሕገመንግስቲ እታ ሃገር እንትኽበርን ሰብኣዊ ዴሞክራሲያዊ መሰላት ኣብ ዘተኣማምን ሰረት እንትህነጹን ጥራሕ እዩ። ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ህላዌ ዝኾነ ብሄር (ብፍላይ ብቑጽሪ ዝወሓደ) ኣብ ልዕሊ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ድማ ሓይሊ ተንጠልጢሉ ክቕፅል ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ ንዘላቒ ውሕስነት ጠንቂ ካብ ምዃን ኣይሓልፍን፡፡ እዚ ሓይሊ እንትደክም፤ ‘ዋይ ዋይ’ ጠፋእና ስለዘኽትል!

ልዕሊ ኩሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ኸባቢ እዚ ሃገር ብነጻነት ተንቀሳቒሱ ዝሰርሓሉ፤ ከም ህዝቢ ንርእሱ ዘማሕድረሉ፡ ጻጋታቱ ዝሕልወሉ፡ ብመንነቱ ኣብ ሓደጋ ዘይወድቀሉ ሕጊን መስርሕ ዲሞክራሲን እንተድኣ ተማሊኡ፤ ካብ እዚ ንላዕሊ ዝጠልቦን ዝብህጎን ሸቶ ኣይህልዎን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዙሪያ ብሄር ዝተርኣዩ ዘሰንብዱ ግርጭታት እንታይ ዓይነት ጉድኣት ኣብጺሖም ከምዝሓለፉ ከኣ ኩላትና ብቐረባ እንዝክሮ እዩ፡፡ ነዚኦም ዓይነት ኣሰንበድቲ ሓደጋታት ዳግም ከይገጥሙ እቲ ውሕስነት ዘሎ ኣብ ምዕሳል ዲሞክራሲን ልዕልነት ሕጊን እዩ፡፡

እዚ ማለት ነዚ ህዝቢ ኣብ ፌድራላዊ መንግስቲ ዝህልዎ ብጽሒት መዝነት ኣየገድሶን ማለት ኣይኮነን፡፡ ብሉጻት ደቁ ብማዕርነት ክሳተፉን ንመዝነት ዕድል ክረኽቡን ዘፍቅድ ስርዓት ፖለቲካ ምህናፅ ግድን ከምዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ኮይኑ ግና ናብ ደቂቕ ምጽብጻብ ምውራድን ንዝተወሰኑ መዝነታት ፈሊኻ ብኣና እንተዘይተታሒዘን ውሕስነት ኣይብልናን ኢልካ ምሕሳብ ግና ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ዝዓብየ እዩ ክኸውን፡፡

ኣብ ብዙሃት ሃገራት ከምዝርአ፡ ብቑጽሪ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለዎም ብሄራት ወይድማ ማሕበረሰባት ዓቕሚ ክሃንጹ እንተመሪጾም ንሱ ኣብ ሳይንስ ቴክኖሎጂ ትምህርቲን ንግድን እዩ፡፡ እዚ ዓቕሚ እዚ፡ ምስ ሓለዋ ሕጊን  ዲሞክራሲን ተደሚሩ ነቲ ብሄር ወይ ድማ ማሕበረሰብ ዝዓበየ ውሕስነት ከጎናጽፎ ይርአ፡፡

  1. ረብሓታት ትግራይ ምስ ሃገራዊ ረብሓታት ኣጣዓዒምካ ምስጓም

ኣብ ምትካል ፌድራላዊ ስርዓት ተጋሩ ዝተጻወትዎ ተራ ዓቢይን ዘይትካእን እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ነዚ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ኣብ ምምጽኡን ምትካሉን ተጋሩ ዝኸፈልዎ ናይ ደም ዋጋ ገዚፍ ከምዝኾነ ግልጺ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ካብዚ አትሓሳስባ እዚ ዝብገስ ሓደ ዘየዋጽእ አረኣእያ ከምዝማዕበለ ንርኢ ኢና፡፡ ንሱ ውን ንቲ ስርዓት ፌዴራሊዝም ሕሉፍ ተሓላቒ ኮይንካ እቲ ክልል ክረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ሸለል ምባል ወይ ድማ ምህጋር እዩ፡፡ ናይ እዚ መግለፂ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ኣብነት ካብ ትግራይ ዝተወከሉ ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ሃገር እዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ፓርላማ ናይ ስራሕ ዓመታት (ብጠቕላላ ልዕሊ ዒስራ ዓመታት) ብዘይካ ኣብ ውሑድ እዋናት ካብ ትግራይ ዝተወከለ ዝኾነ ኣባል ፌድራል ፓርላማ ብዛዕባ ጠለብ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ወይ ድማ ብዛዕባ ዝውክሎ ህዝቢ ሓደ ከባቢ ብፍሉይ ክዛረብ ኣይስማዕን፡፡ እዚ ድማ ንተወከልቲ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ምስንዕዘብ ግን ካብዚ ዝተፈልየ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ፤ ኣብ ትግራይ ኣብ ምጥላብ ብፌድራል መንግስቲ ዝህነጻ ፕሮጀክታት ምድሓር ዘሎ ይመስል፡፡ እንተዘይኸውን ድኣ ጸገም ማይ ከተማ መቐለ  እስካብ ሕዚ እንታይ ኣጽንሖ!

ካልእ ኣብነት ንምሃብ ዝኣክል ብፌደራል መንግስቲ ዝወጹ ሕግታት ቅድሚ ዝኾነ ክልል ኣብ ትግራይ ይትግበሩ ንምዃኖም ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ትግራይ ቐዳመይቲ መፈተሺት ዝኾነ ሓዱሽ ዝተኣታቶ ሕጊን ስርዓትን እያ፡፡ ካብ እዚ ሓሊፉ (ሎሚ ድኣ ይተርፍ ኣሎ እምበር) ትግራይ ከም መርኣያ ለውጢ  እናተወሰደት ብዙሕ ዑደት ይግበረላ፡፡  መፈተኒት ሕጊታት ምዃና ንባዕሉ ሽግር ኣይምኾነን፤ ኾይኑ ግና ሕጊታት ክትግበሩ እንከለዉ እቲ ፌድራላዊ መንግስቲ ካብ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ብዝሰጠመን ብዝኸፍአን ኣገባብ ይትግበሩ ምዃኖም እዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ እትረኽቦ፡፡ ንኣብነት ንኣፈጻጽማ ስርዓት ግብሪን ፈቓድ ንግዲን እንተወሲድና እቲ ፌድራላዊ መንግስቲ ካብ ዝሓሰቦም ንላዕሊ ኣብ ትግራይ መኣዝኑ ብዝሰሓተ ደረጃ እንትፍጸሙ ተዓዚብና ኢና፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ንዝወጸ ፈቓድ ሕጊ ንግዲ ንምትግባር፤ ዘፈር ምትሕውዋስ ኣይከኣልን ንዝብል ኣንቀጽ ብጥረኡ ብምውሳድ ‘ኣብ ሬስቶራንት መግቢን መስተን ብሓደ ኣይሽይጥን’ ዝብል ምኽልካል ከምዝነበረ ይዝክር፡፡

ከም ትዕዝብተይ እንተኾይኑ ናይ እዚ ኩነታት መንቀሊ ‘እቲ ፌድራል መንግስቲ ንሕና ብቓልስና ዘመጽናዮ መንግስቲ ስለዝኾነ ልዕሊ ኩሉ ኣንሕና ክንጣበቐሉ ኣለና’ ብዝብል ሓሳብ ዝግለጽ ማእዝኖም ዝሰሓቱ ኣረኣእያታት ኣብ እቲ ፖለቲካዊ ኣካል ዓብሊሉ ምጽንሑ እዩ፡፡

  1. ዝስማምዑኻ ስትራቴጂታት ልምዓት ምሕንጻጽን ምትግባርን

ሓደ ኢኮኖሚያዊ ስትራቴጂ ንናይ ሓደ ሃገር ወይ ድማ ክልል ሰባዊን ተፈጥራዊ ሃፍቲ ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ ዝሕንጸጽ፤ ነዚ ምስዝግበር ድማ እዩ ዘተኣማምንን ቐጻሊን ዕብየት ዝረጋገጽ፡፡

ንትግራይ መግለፂኣ ዝኾኑ ናይ ባዕላ ኢኮኖሚያዊ ጸጋታትን ፈተናታትን ኣለውዋ፡፡ ስለዝኾነ ዝሕንጸጽ ዝኾነ ስትራቴጂ ቑጠባ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ካብ እዚ ወጻኢ ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ትግራይ ዝጸበበ ትሕዝቶ መሬት ዘለዋ፤ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝቐልጠፈ ዕብየት ከተማታት ዝርኣያላ፤ ብኣቃምጣ ኣብ ወሰን (ጸግዒ) ሃገር እትርከብ እያ፡፡ ኣብ ምዕባለ ኢንዱስትሪ፡ ዋህዲ ሃፍቲ ተፈጥሮን (ንኣብነት ሃብቲ ማይ) ኣብ ወሰን ሃገር ምስ ምርካባ ዘሎ ጸቢብ ዕዳጋን ደሚርካ ቀንዲ ቐይዲታት እቲ ክልል እዮም፡፡

ብካልእ ገጽ ድማ፡ ጻዕራም ህዝቢ ዝሓዘት፤ ክውደብን ክወፍርን ኮታስ ብተነጻጻሪ ብቐሊሉ ክዓስል ዝኽእል ህዝቢ ዘለዋን እያ፡፡ ንሃፍቲ ተፈጥሮ ወሲድካ ውስን ኸባቢታት እቲ ክልል ንሰፊሕ ሕርሻ ክውዕሉ ዝኽእሉ ምዃኑ ውን ዝፍለጥ እዩ፡፡ ብኻልእ ገጽ ድማ፡ እቲ ክልል ሰፊሕ ሃፍቲ ቱሪዝም ዘለዎ እንትኸውን፤ ሰፊሕ ታሪኻዊ ሃይማኖታዊ ሓድግታትን ዘስደምም መልክዕ ተፈጥሮን ኣብ እዚ ከም ኣብነታት እንጠቕሶም እዮም፡፡  ኣብ ላዕሊ ከምዘውሳእክዎ ከኣ እቲ ናይ 17 ዓመታት ስርሒታት ህዝቢ ምስ ኩሉ ሓድግታቱ ሓጋዚ ፍልፍል እቶት ቱሪዝም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ምእንቲ እዚ፡ ኣብ ትግራይ ነዚኦም ሓቅታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ርእሱ ዝኽኣለ (original) ስትራቴጂ ልምዓትን ዕብየትን ምሕንጻጽ የድሊ እዩ፡፡ እንተዘይኮይኑ ብሃገር ደረጃ ዘሎ ትልሚ ሒዝካ ንኡኡ ምስ ባይታ እንተየዛመድካ ንምትግባር ምፍታን ንጭቡጥ ኩነታት ምስሓት እዩ ክኸውን፡፡ ልዕሊ ኩሉ ንዝተፈላለዩ ኸባቢታት ትግራይ ብማስተር ፕላን ኣቢልካ ንጸጋታቶም ኣብ ረብሓ ምውዓል ዘዋጽእ ኣንፈት እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ከተማታት ትግራይ ንናብራ ምቺዊ፤ ሓድግታተን ዝሓለዋ፤ ፈጠርቲ ስራሕን ብዑደኛታት ተበጻሕቲን ዝፍተዋን ንክኾና ክንጽዕር ኣለና፡፡ ከተማታትና ኣብ ትሑት ብርኪ ዕብየት ዘለዋ ምዃነን ከም ጸጋ ክንወስዶ ይግባእ — ብዙሕ እንተይተጸየቐ ክነርክበለን ስለንኽእል፡፡ ብካልእ አበሃህላ፡ ኣብ ዝሐሸ ባይታ ፍልጠት ስለዘለና ካብ ብሐዚ ኣብ ዝህልወን ቕልጡፍ ዕብየት ዘየናስሕ ክንገብር ዕድል ኣለና፡፡ ተዘይኮይኑ መጻኢ ወለዶ ብኣና ምሕዛኑ ስለዘይተርፍ!

ብሓፈሻ ንመጻኢ ኣንፈት ምዕባለ ወሲድካ ኣብ ትምህርቲ፤ ኣብ ቱሪዝምን ኣብ ኣፍራይነት ኣናእሽተይ ትካላት ዘድሃበ ትልሚ ልምዓት ዘዋጽእ ምዃኑ ዝሓለፉ ዓመታት ባና ተስፋ ኣርእዮም እዮም፡፡ ብፍላይ ናይቲ ማሕበረሰብ ናይ ምሕዞ ዓቕሚን ህርኩትነትን ከም መልዓሊ ገይርካ ንምዕባይ ውልቀ ዘፈር (private sector) ዓቢይ ጠመተ ክወሃብ ይግባእ፡፡ እቶም ብውልቆም ዝህርክቱ በቢኸባቢኡ ዘለው ተጋሩ ዓቕሞም ኣተኣኻኺቦም ዝምውልሉ ባይታ ክፍጠር መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ተበግሶ ክወስድ ኣለዎ፡፡

ምስ እዚ ጎና ጎኒ፡ ትግራይ ኣብ ምልማዕ ሓይሊ ሰብ ክተድህብ ኣለዋ ዝብል ዝዓበየ እምነት አለኒ፡፡ እዚ ሓይሊ ብሓደ ገጽ ኣብቲ ክልል ክህሊ ንዝድለ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ከፈጽም ዝኽእል፤ ብካልእ ገጽ ድማ ኣብ ዝኾነ ኸባቢ ዓለም ተዛዊሩ ክሰርህ ዘኽእሎ ዓቕሚ ዝህልዎን ከም ኣድላይነቱ በዚ ዝርባሕን እዩ፡፡ ብኣውርኡ ግና ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻእ ንዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ሰብና ብዘይ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ጸንቒቕና ክንጥቀም ክንኽእል ኣለና፡፡ እንኮላይ ብሰንኪ ኣፈላላይ ፖለቲካ ኣብ ወጻኢ ንዘንቲ እለት ተሰዲዶም ዝነብሩ ተጋሩ ውን ሓዊሱ ንኹሉ ዘሳትፍ ዕርያ ባይታ ክንፈጥር ኣለና፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ውን ከምኡ ንፖለቲካዊ ኣፈላላይ ወጊድ ኢልና ብኹሉ መዳይ ንዓቕምና ክንጥቀም ኣለና ይብል፡፡

  1. ጻዕራም ጭዋን ብግቡእ ዝተሃንጸን መንእሰይ ሓይሊ ኣብ ምፍጣር ብውነ ምንጣፍ

መንእሰይ እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ዝሓዘ አካል ሕብረተሰብ እዩ፡፡ ካብ 18 እስካብ 35 ዕድመ ዘሎ መንእሰይ ዳርጋ ፍርቂ ሚኢታዊ ብጽሒት ኣለዎ፡፡ እዚ ሓይሊ እዚ ብግቡእ እንተድኣ ተሃኒጹ፡ ክንዲ ዝከኣል ኣብ መዓልኡ እንተውዒሉ፡ እታ ሃገር ወይ ድማ ክልል ተስፋ ዕብየትን ራህዋን ከምዘለዋ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል፡፡

ብሓፈሻ እንትርአ፡ ኣብ ከተማታት ትግራይ ቐሊል ዘይብሃል ስራሕ ኣልቦነት ከምዘሎ ብዓይንኻ ዝርአ እዩ፤ ዋላ ህርኩትነት እቲ መንእሰይ ከም ዘሎ ኮይኑ፡፡  ብዝኾነ ሓደ ሓደ ግምታት ከምዝሕብርዎ ኣብ ትግራይ ዘሎ መጠን ስራሕ ኣልቦነት ካብ ዒስራ ሚኢታዊ ዘይንእስ እዩ፡፡ ቀትሪ መዓልቲ ኣብ ጎደናታት ከተማ ንብዙሓት መናእሰይ ብዘይስራሕ ተኣኪቦም ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡ ብርክት ዝበለ ቑጽሪ መንእሰይ ውን ኣብ እንዳ ጫት ዓሪዱ ቖጽሊ ክሓኪ ሰዓታት የሕልፍ ምዃኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡ ንኹነታት ጫት እንተወሲድና፡ ዋላ እኳ ብዕሊ ኣይነገር እምበር ኣብ መቐለ ዝርግሐኡ ናብ እተን ብጫት ዝፍለጣ ነባራት ከተማታት ኢትዮጵያ ብናህሪ ይግስግስ ምህላዉ እንትንዕዘብ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣይተረፈን፡፡ ናይ መስተ ኩነታት ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ ኣብ እዚ ብዙሕ ዝበሃል የለን፡፡

እቲ ካልእ ንቲ መንእሰይ ወለዶ ዝጸልዎ ጉዳይ ኩነታት ጽርየት ትምህርቲ እዩ፡፡ ኣብዚ፡ ትግራይ ብትምህርቲ ካብተን ዝተሓታ ክልላት ሓንቲኣ እያ፡፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ዝሓልፉ ተምሃሮ ብዝምልከት ኣሃዛትን ሚኢታዊ ብጽሒትን እንትርአ ኩነታት ትግራይ ዘጃህር ከምዘይኮነ ይዝረብ፡፡ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ትግራይ ናብ ዩኒቨርስቲ ብበዝሒ (ብሚኢታዊ እንትዕቀን) ተምሃሮ ካብ ዝሰዳ ኸባቢታት ሃገርና ሓንቲኣ ምንባራ እንዝክሮ እዩ፡፡ ተምሃሮ ትግራይ ብሒሳብን ትምህርታት ሳይንስን ጸብለልታ ዝነበሮም ምዃኖም ውን ከምኡ፡፡ እዚ ኩነታት እናተቐየረ ይኸይድ ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ ብነስሓ ዝዛረበሉ እዩ፡፡ ቐንዲ ምኽንያት ውድቀት ጽርየት ትምህርቲ ድማ ትግበራ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ክልል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዝበዝሖ ከምዝኾነ ምስክርነት ሰብ ሙያ ትምህርቲ ዘድልዮ ውን ኣይኮነን፡፡

ዋላ እኳ ኣዐሪኻ ከምቲ ካልእ መዳይ ምህናጽ መንእሰይ ዝምረር እንተዘይኮነ ኣብ መዳይ ስፖርት ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ዘሎ ኮይኑ ንርኢ፡፡ ኣብ ስፖርት፡ ብሽክሌታ አትሌቲክስን ብውስን ድማ ክዕሶ እግሪ ትግራይ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ እኳ እንተሃለዋ፤ ንመንእሰይ ዝኸውን ማእከላት ስፖርትን መዘናግዒን ኣብ ምድላውን ብዕሊ ንስፖርት ኣብ ምትብባዕን ዝተርፍ ብዙሕ እዩ፡፡

በሊሕ መግለፂ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጸርሑ ሽግራት ከኣ ካብ ትግራይ ንስደት ብእግሩ በረኻን ባሕርን ኣቋሪጹ ዝስደድ መንእሰይ ብዙሕ ምዃኑ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዋላ ምስ ጸገሙ ልምዓት ኣሎ፤ ፋብሪካታት ይትከላ ኣለዋ፤ ኮይኑ ግና እዚ እንሃለወ ከቢድ ቑጽሪ መንእሰይ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ገጹ ከውሕዝ ይርአ ኣሎ፡፡ ብሓቂ መንግስቲ ብመዳይ ደቐቕትን ኣናእሽተን ትካላት ኣቢሉ ገዚፍ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ትእምት ውን ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ቐሊል ኣይኮነን ዓሚማ፡፡ ኮይኑ ግና ምስቲ ዝስደድ መንእሰይ እንትነረኣእዮ፤ ሕዚ እውን እኹል ስለዘይኮነ ዝተዓጻጸፈ ስራሕ ከምዝጽበየና ንርዳእ፡፡ ብፍላይ ሕዚ ውን ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ውልቀ ዘፈር ኣብ ምግፋሕን ከም ዘፈር ኢኮኖሚ ድማ ኣብ ቱሪዝም ምድሃብን ዘዋጽእ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ፡ መናእሰይ ብዝምልከት ዘይንሓልፎ ሓደ ዓቢይ ቁም ነገር ኣሎ፡፡ ንሱ ውን መናእሰይና ንመጻኢ መሪሕነት ክንደይ ዝኣክል ነዳልዎም ኣለና ዝብል ሕቶን ነዚ እንህቦ መልሲን እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ኢሉ ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝህሊ ናይ መጻኢ ፈተናታት ብግቡእ ተረዲኦም ዓቕሞም ብተኸታታሊ ዝሃንጹ ወረጃታት መናእሰይ በብዝሒ ክህልው ይግባእ፡፡ ነዚ ውን ኩሉ ግዱስ እየ ዝብል ብውነ ክሰርሓሉ ዝግባእ እዩ ክኸውን – ብፍላይ ናይ መሪሕነት ኣስተምህሮን ተኽእሎን ዘጨብጡ ትካላት ክነፍሪን ክነድንፍዕን እንተዘይኪኢልና ንመናእሰይና ብቕዓት ክነዕትሮም ኣይንኽእልን፡፡ ንብሉጽነት ውን (excellence) ግቡእ ቦታ ክንህቦ ኣለና፡፡ ‘ካብ ሃገራያ ዝተወንጠሐት ምሸላሲ ወይ ንወንጭፍ ወይ ንዒፍ’ ዝኣምሰሉ ኣባሃህላታት ሕዚ ቦታ ኣይህልዎምን፡፡ ዝውንጥሑ መናእሰይ ከርና የድልዩና እዮም፡፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ቑመት ኣሕጺርካ ብምኽርካም (mediocrity) ኣቢልካ እትውንጨፎ ምዕባለ ኣይህልንሞ! ኣብዚ ብማልት ቕድም ኢሉ ዝተጀመረ ማእኸል ብሉጻት ተምሃሮ ቓላሚኖ ብዝምልከት ነቲ ተሞክሮ ኣልሒምና ሪኢና ክነጋፍሖ ተንኽእል ክሕግዝ ምኽኣለ፡፡ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ብዝምልከት ክንስሕቶ ዘይብልና ድማ ቀንዲ ጉዳይ ኣሎ፡፡ እዚ ወለዶ ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ፍሉያት ባህሪያት ኣለዎ፤ ኩሉ ወለዶ ከምኡ ስለዝኾነ፡፡ ነዚ ኣብ ግምት እናእተውካ ምዃድ እምበር ብክብርታትን ባህርያትን ሕሉፍ ወለዶ ኣቢልካ እናመዘንካ ነቲ ወለዶ ዝግብኦ ዋጋ ምኽላእን ንምትሓት ምፍታንን ፈጺሙ ኣይግባእን፤ ዓገብ ውን ክበሃል ኣለዎ፡፡

  1. ዝማዕበለ ስነ ጥበብን ቋንቋን፤ ዝተዓቀበ ሃፍታም ባህሊ ክህሊ ምትብባዕ

ከምዝፍለጥ ሓደ ህዝቢ ብናውታዊ ሃፍቲ ጥራሕ ክዓግብ ኣይኽእልን፡፡ መንፈሳዊ ሃፍቱ ብልክዕ ናውታዊ ሃፍቱ እንተዘይዓብዩ እቲ ሕብረተሰብ ዝተማልአ ቁመና አይህልዎን፡፡ ንባዕሉ ንምግላጽ ዝማዕበለ ቋንቋ የድልዮ፤ ንክዘናጋዕ እምነቱን ታሕጓሱን ክገልጽ ዋላ እውን ከስተማስል[1] ሙዚቃ የድልዮ፡፡ ዓሚቕ ፍልስፍንኡን ኣረኣእዩን ንምግላጽ ቅብኢ የድልዮ፤ ንኩሉ ዘተኣሳስር ዝልዓለ መንፈሳዊ ርውየት ንምርካብ ድማ ስነ ጽሑፍ ናይ ግድን ይኸውን፡፡

ትግራይ ንብዙሓት ስነ ጥበባዊ ትውፊታት ኣብ ሕቑፋ ዝሓዘት ክልል እያ፡፡ ሓወልትታት ኣኽሱም ዝቐረጸ ትውልዲ ዝነበራ፡ ያሬዳዊ ዜማታት ዝተደረሰላ፡ ንብዙሓት ቋንቋታት ኢትዮጵያ ሰረት ዘንጸፈ ቋንቋ ግእዝ ዝቦቖለላ እያ፡፡ ብሓጺሩ ንኣብነታት ስነ ጥበብ ትግራይ ንምዝርዛር ጊዜ ዝወስድ እዩ ክኸውን፡፡

ኣብ ትግራይ ሙዚቃ፤ ቅብኢ፤ ስነ ጽሑፍ፤ ሓድጊ ትውፊት፤ ስነ ጽሑፍን ተመሳሳልቲ ዘፈራት ስነ ጥበብ እንተርኢና ብዙህ ዝተርፎም ኣብ ገሊኡ ድማ እናደኸሙ ዝመጹን እዩም፡፡ ንነባር ቋንቋና ንግእዝ ዝሃብናዮ ጠመተ ብዙሕ ኣይኮነን፡፡ ንሽማግለ ወለዶና ዝከናኸንን ካብኡ ዝመሃርን ሕሉፍ ስርዓት ትግራይ ደኺሙ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ኣድህቦኡ ናብ ናውታዊ ምዕባለ (material growth) ዝገበረ፤ ንናይ ነዊሕ ታሪኽ ደቂ ሰባት ቦታ ዘይህብ ፖለቲካዊ መስርሕን ኣረኣእያን ስካብ ዝሃለወ ኩነታት ስነ ጥበብ ቋንቋን ባህልን እናገደዶ እዩ ክኸይድ፡፡

ሎሚ ንህጻናት ትግራይ ናይ ኣያታቶምን ሓጎታቶምን ዝጸንሑ ዛንታታትን ያታታት (ነበረያ ነበረ፤ ሕንቅሕንቅሊተይ፤ እንካኣዝግነኒ ወዘተ) ብስነ ጥበባዊ መልክዕ ብሕትመት ዝተዳለዉ ስራሕቲ ክቐርቡ ሰፊሕ ጠለብ ኣሎ፡፡ ነዚ ክነማልእ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ ብቋንቋ ትግርኛ (ኣይኮነን ዶ ብካልኦት ቋንቋታት ትግራይ) ዝተጽሓፉ መጽሓፍቲ ብቑጽሪ ኣብ እዙይ እተዉ እትብሎም ኣይኮኑን፡፡ ብትግርኛ ተዳልዮም (ብዘይካ ብጣዕሚ ውሑዳት) ‘ኣንጀቴ’ ዘበሉ ስራሕቲ ፊልም የለውን፡፡ ኣብ ኸባቢ ኣኽሱምን ካልኦት ቑሩባት ኸባቢታትን ከም ባህሊ እናተወረሰ ዝመጸ ክእለት ቅብኢ ካብ ዝነበሮ ነቕ ኣይበለን፡፡ እቲ ኣብ ዓለም ውን ከይተረፈ ዓቢይ ኣቓልቦ ረኺባ ዝነበረ ሰርከስ ትግራይ እኳ ኣበይ ከምዝኣተወት ኣይፍለጥን፡፡ ኣብ ከተማታት፡ ነባራት ባህላዊ ጸዋታታት ከምኒ ኣያናቕላ፤ ቓርሳ ሸውላለን ካልኦትን ዳርጋ የለውን ክበሃል ይከኣል፡፡

ካብ ቐረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ይዋስኡ ዘለዉ ወናማት ሰብ-ኪነት መናእሰይ የምጽእዎ ዘለዉ ለውጢ ከይነኣድኩ ኣይሓልፍን፤ እንተሓሊፈ ሚዛናዊ ስለዘይኸውን፡፡ ዳግማይ ትንሳኤ በዓል ኣሸንዳን መተኣኻኸቢ ተወለድቲ ምዃናን ውን ከምኡ፡፡ ከምኡ ኮይኑ ጥንቃቐ እንተዘይተገይሩ፤ እቲ መንግስቲን ውድብን ንኣሸንዳ ብዝደለይዎ መልክዕ እናዓብለልዎ ከይከዱን ባህላዊ ትሕዝትኡ ከይስእንን ድማ ስግኣት ኣሎ፡፡

ነዚ ኣብ ትሑት ብርኪ ዝርከብ ስነ ጥበብን ቋንቋን ንምቕያር ብዙሕ ስራሕ ከምዘድሊ ዘየተሓትት ኮይኑ፤ ንምቕያሩ ግና ንጹር ስትራቴጂ የድልየና እዩ፡፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ነዚ ኩነታት ኣብ ሓጺር ጊዜ እትቕይሮ ኣብ ዝብል ዋኒን ድማ ኣድሚና ክንሓስብ ኣለና፡፡ ምጥያሽ ክልላዊ ትካላት ስነ ጥበብ፤ በብእዋኑን በተኸታታሊን ምክያድ ስርዓት ኣፍልጦን ከምኡ እውን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስነ ጥብባዊ ምህዞን ምንቅስቓሳትን እናተዓዘብካ ካብኡ ምምሃር ዝኣምሰሉ ስልትታት ብዕምቆት ክርአዩ ዘለዎምን ተተኸቲልናዮም ከርብሑና ዝኽእሉን እዮም፡፡

ንቋንቋ ትግርኛ ወሲድካ እቲ ቋንቋ ስሩዕ መልክዕ ክሕዝ ተታሒዙ ዘሎ ኣንፈት ዝድገፍ ኮይኑ፤ ነናይ ኸባቢኡ ላዛ፤ ቃላትን ኣባሃህላታትን (dialect) ብውነ እናተመገበ ክኸይድ ግና ይግብኦ፡፡ ንኹሉ ኣብ ሓደ ሒላብ ኣእቲና ክንለውሶ ኣለና፡፡ ተዘይኮይኑ እቲ ቋንቋ ክህልዎ ዝግባእ ሃፍቲ ቃላት ላዛን ትውፊትን ክስእን ምዃኑ ኣየጠራጥርን፡፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቑሸት ትግራይ ንዝርከብ ናይ ከባቢ ስነ ቃል ኣማዕቢልካ ናብ ስሩዕነት ክትወስዶን ንቲ ቋንቋ ክተሐይለሉ ከም እታወት ክትጥቀመሉን ግድን እዩ፡፡ እዚ ኩሉ ብኸይዲ ዝማላእ ኮይኑ፡ ብፍላይ ግን ሜላታት ርክብ ህዝቢ ብውነ ነዚ ተዝትሕዝኦ ኣብ ምስላጡ ብዙሕ ምሓገዛ፡፡ እንተኸማይ ኣይኮነን ዶ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘሎ፤ ዶብ ሰገር ንዘሎ ሃፍቲ ስነ ቃልን ስርዓት ቋንቋ ውን እንተኾነ ከም ሓደ ሃፍቲ ቖጺርና ንሓደ ናይ ሓባር ትግርኛ ክንምግበሉ ክንኽእል ኣለና፡፡

  1. ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ናብ ንቡር ምምላስ

ኣብ 1990 ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተወልዐ ኩናትን ነዊሕ ምትፍናንን፤ ብኡኡ ምኽንያት ንዝበጽሐ ጥፍኣትን ኪሳራን ተሓታታይ መን እዩ ዝብል ሕቶ ምምላሱ ምስ ዕላማ ናይ እዚ ጽሑፍ ዝኸይድ ኣይኮነን፡፡ ብዝኾነ እቲ ሓቂ ብዙሕ ውን ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡

እቶም ካብ 1990 ኣ.ም. እስካብ 1992 ኣ.ም. ዝተኻየዱ ውግኣት ክንድዚ ንዝኣክል ጊዜ (ንዒስራ ዓመታት) ንክልቲኤን ሃገራት ናብ ምሉእ ምብትታኽ ከምርሐን ከምዝኽእል ዝገመተ ኣይነበረን፡፡ ክልቲኤን ሃገራት ብታሪኽ፤ ብቋንቋ፤ ብባህሊ፤ ብኢኮኖሚን ማሕበራዊ ስነ ኣእምሮን ኣዐርየን ዝተኣሳሰራ እየን፡፡ እቲ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ እዘን ክልተ ሃገራት ሙሉእ ዲፕሎማሲያዊ ምብትታኽ ገይረን ምጽንሐን የናስሕ እዩ እንተበልኩ ዝበዝሕ ኣይኮነን፡፡

እቲ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ይመስል ዝተብሃለሉ ኵናት ክልቲአን ሃገራት ንምሕላፍ ሂወት ኣሽሓት መናእሰይ ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ እዚ ክልተ ኣሓት/ኣሕዋት ህዝቢታት ንዒስራ ዓመታት ኸልኻሊ ሓጹር ‘ተተኺሉ’ እዞም ህዝቢታት ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ርክቦም ተቋሪጹ እዩ ዘሎ፡፡

ካብ ኤርትራ ብዝውሕዙ ስደተኛታት እቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝነበረ ርክብ ብውስን መልክዑ ምምሕያሹ ኣይከሓድን፡፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎዎም ርክብ እናተማሓየሸ ምኻዱ ውን ከምኡ፡፡  ሳላ ሓይሊ ስነ ጥበብ (the power of art) መንእሰይ ክልቲኡ ሃገር ውስን ርክብ ምፍጣሩ፤ ምሁራት ክልቲኤን ሃገራት ንምቅርራብ ተበግሶ ምውሳዶም ከም ካልኦት ኣወንታዊ ምዕባለታት ዝውሰዱ እዮም፡፡  እዚ ኩሉ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ዲፕሎማሲያ ምትፍናን (ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት) ሕዚ እውን ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ፡፡ ብዝኾነ ኣብተን ሃገራት ዝበጽሐ ቀጥታዊ ይኹኑ ዘይቀጥታዊ ኪሳራ ሰፍ ዝብል ኣይኮነን (ብፍላይ ብምብትታኽ ርክብ ህዝብታት ዝግለጽ) ፡፡

እዚ ሓፈሻዊ ኮይኑ፤  ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሐ ጉድኣት ግና ብተነጻጻሪ ዝኸበደን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዘሕዝንን እዩ፡፡ እሞ እዚ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝርከብ ጎረባብቲ ህዝቢ (ትግርኛ ተዛራቢ፤ ዓፋር፤ ኩናማን ሳሆን) ስካብ መዓዝ እዩ ከምዚ ኮይኑ ዝቕጽል ዝብል ሕቶ ዘይዛሪ ኮይኑ ምቕጻሉ ኣይተረፈን፡፡ ስለዚ ነዚ ኩነታት ፍታሕ ሂቡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓፈሻ፤ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ድማ ብፍላይ ክተሓወወሱን ብእሂን ምሂን ክነብሩን ዝገብር ሜላን ብልሓትን ካብ ዲፕሎማሲ ክምዘዝ ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ብዘይ ጥርጥር ኣገዳሲ ረብሓ ትግራይ እዩ፡፡

መጠቓለሊ

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብዝሕ ዝበሉ ኣዎንታዊ ለውጥታት ኣለው፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ መዳይ ዓበይቲ ስዳሮታት ተኸይዶም እዮም፤ ዝንኣዱ ምዕባለታት ውን ተራእዮም እዮም፡፡ ብፍላይ ግን እቲ ዘሐብን ድኽነት ኣብ ምንካይ ዝተሰላሰለ ዕዮ እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ህዝባ ኣብ ፍጹም ድኽነት ካብ ዝነብረላ ትግራይ ሎሚ ኩነታት ተቐይሩ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ናብ ኸባቢ ዒስራን ሸውዓተን ምውራዱ ይሕበር ኣሎ፡፡ ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ትግራይ ብዘየቋርጽ ስራሕቲ ምሕዋይ ብመብዛሕቲኡ ሓምለዋይ ለቢሶም እዮም፡፡ ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕና፤ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ግልጋሎታትን ህዝቢ ‘የዒስ’ እትብሎ ዕብየት ከምዝተርኣየ ዘካትዕ ኣይኸውንን፡፡ ኮታስ ዋላ ውን ከምቲ ዝበሃል ኣይኹን፤ ዋላ ውን ዝተርፎ ይኹን፤ ኣብ ሸነኽ ጽርየት ግልጋሎት ህዝቢ ድኽመት ይሃሉ፤ ብዙሓት ዓበይቲ ኣዎንታዊ ፍጻመታት ከምዘለዉ ግና ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ላዕሊ ከብርሆ ከምዝፈተንኩ ገዘፍቲ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ፈተናታት እናተዋህለሉ ከምዝመጹ ምርዳእ ይከኣል፡፡ ነዞም ፈተናታት እዚኦም ብትብዓት ምስንገጥሞም፡ ብውነ ሓደሽቲ ለውጥታት ምስ ነብስና ምስእነዋህድ፡ ናይ እማን ዝማዕበለት፤ ዲሞክራሲያዊ ባህላ ዝዓበየ፤ ንድኽነት መሊኣ ዝሰዓረት ትግራይ ንክንርኢ ክንዕደል ኢና፡፡ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ካብ ንርእሳ ሓሊፋ ሃገር ኣብ ምህናጽ ውን ልዑል እጃም እትዋጻእ ትግራይ ውን ክትህልወና እያ፡፡

እዚኦምን ካልኦት ምስ እዚኦም ዝተኣሳሰሩን ለውጥታት ምስ እንትግብር መንእሰያ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝማዕበለላ፡ ሙሉእ ሰላም ዝዓሰላ፡ ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ክትምክት እትኽእል፡ ህዝባ ድማ ብካልኦት ህዝብታት ከም ጽቡቕ መሓዛ ዝርኣየላ ትግራይ ብዘይ ጥርጥር ክንርኢ ኢና፡፡

ንጻጋታት ታሪኻ ብግቡእ እተስተባህልን ንኡኡ ሒዛ ኣብ ምጉልባት ሃገራዊ ሓድነት ግቡኣ እትጻወት፤ ውሕስነቱ ኣብ ልዕልነት ሕጊን ዲሞክራሲን ዝገብር ወለዶ ዘለዋ፤ ዝደልደላ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ትካላት መንግስቲን ዘለዋ፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነጻን ልኡኸን ብግቡእ ዝፈልጣን ትካላት ዘለዋ፤ ብሕልፊ ድማ ንንቕዘት ዝቃለስ ማሕበረሰብን ነቲ ቃልሲ ዝድግፍ መሓውርን ቁመናን ዘለዋ ክልል ክትህልወና ብምሉእ ምትእምማን ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ መንግስቲ እቲ ክልል ንረብሓ እቲ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወን ኣብ ሞንጎ ክልላዊን ፌድራላዊን ረብሓታት ሚዛን ክሕሎ ዝሰርሕን ክኸውን ይግባእ፡፡ ማሕበረሰብና ውን ንብዝሃነት ሓሳብ ዘኽብርን ብኡኡ እናተመገበ ዝድንፍዕን ክኸው ከምዘሎዎ መማረጺ የብሉን፡፡ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ክልልና ንፍሉይ ሰብኣዊን ተፈጥሮኣዊን ጸጋታት እቲ ክልል ኣብ ግምት ኣእትዩ ዙሪያ ምላሽ ዝምዝምዝ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ነዚ ኩሉ ዘፈጽምን ብኡኡ ዝጥቀምን ብትምህርቲን ኣረኣእያይን ዝማዕበለ ወለዶ ድማ ምኹስኻስ ዘይሕለፍ ናይ ወትሩ ጻዕርና ክኸውን ይግባእ፡፡ ምስዚ ማዕረ ማዕረ ንመንፈሳዊ ድልየት እቲ ህዝቢ ብስነ ጥበብ ክምገብ ዘተባባዕ ስርዓት ክህነጽ ኣለዎ፡፡ ኣብ መወዳእታ ብዘላቒ ረብሓና ክንውስኽ ናይ ዚ ኸባቢ ህዝብታት ሓበራዊ ድልየት ንምርዋይን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ብዝቐልጠፈ መቐይሮ ነጥቢ የድልዮ፡፡

ኣብ ሕሉፍ ኣካይዳታትን መስርሓትን ተመርኵሲና መሰረታዊ ለውጢ ክነምጽእ ከምዘይከኣለና ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ጉዕዞ ዘርኣየና ይመስለኒ፡፡ ኣብ ኣተሓሳስባና፤ ኣብ አተኣላልያናን ስትራቴጂናን ለውጢ እንተዘይገይርና ኣብ ቐራን መንገዲ ኮይንካ ደንገርገር ስለዘየዋጽእ ምእንቲ ባዕልና ክንብል ክንልወጥ ኣለና፡፡ ስለዝኾነ እውን ጊዜ እንተይሃብና ንጎዳና ለውጢ ብዝቐልጠፈ ክንተሓሓዞ ይግባእ ይብል፡፡

የቐንየለይ

ንዝኾነ ርእይቶ፡ teshbey.berhe@gmail.com፤

ቑ.ሳ.ፓ 102035 ኣዲስ ኣበባ

[1] እዚ ኣብ ትግራይ ልሙድ እዩ፡፡ ደርፊ ንነዊሕ ጊዜ ወጽኣኻን መረረትኻን እትገልጸሉ ሜላ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፡፡

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *