Home / Uncategorized / ብሄር ተኮር ፌደራሊዝም ሓቀኛን ሓደገኛን

ብሄር ተኮር ፌደራሊዝም ሓቀኛን ሓደገኛን

ብ ጉዕሽ በርሀ

መጀመርያ ብሕቶ እየ ክጅምሮ ዝደሊ

ኣብ ታሪክ ዋላ ሎሚ ቀንዲ ምኽንያት ዘጋጠመ  ስዕረትን ንኡ ስዒቡ ዝተርኣየ ፋሕፋሕን  ስኣን ናይ ተጋሩ ሕብረትን ስምረትን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ቃልሲ ህወሓት፣ ኢህኣፓ፣ ኢድዩ፣ ደርጊ ወዘተ ነይሮም እዮም። እዚኦም ክርኢ እንተለኹ ትሕዝትኦም ብዘየገድስ ሕዚ ኮይነ ክርእየ እንተለኹ ትግራዋይ እዩ ሞይቱ እየ ዝብል። ነንሕድሕድና እናተዋጋእና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ወዲእቕና እየ ዝብል። ስለዚ እዚ ዓይነት ኣካይዳ ጌጋ ምኳኑ ፈሊጥና ከመይ ኣቢልና ኢና ናብ ሓደ እንመፅእ? መሰረታዊ ባይታ ከመይ ንፍጠር? ንኩላትና ብማዕረ ዘሳትፍ ባይታ ከመይ ንምፍጠር? ዝብል እየ ክምልስ።

ካልኣይ ምስ ብሄርን ዋንነት መሬትን  (ከምዚ ናይ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያን) ዝምልከት ናይ መሬት ድዩ ዋላ ናይ መንነት እንብሎ ዛዕባ ዛጊድ መልሲ ኣይረኸበን። ስለዚነዚ እውንመልሲ ክህብ እየ። ብከመይ ይፍታሕ ዝብል ማለተይ እየ። ብፍላይ ኣብ ኢንድስትራላይዜሽን ዝልዓል ሓደ ፀገም እዚ እዩ። ኢንዳስትርያላይዜሽን እንተሃልዩ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ክህሉ ግድን እዩ። ስለዚ እዚ ከመይ ኢና  ክንቆፃፀሮ እንኽእል ዝብል ወሳናይ ሕቶ እዩ። ምግላ ወ ኦብለላ/ማርጅናላይዜሽን ከመይ ኢና ክንከላኸሎ እንኽእል? እቲ ኣሰሚሌሽን ኢንተግሬሽን ፀገም የብሉን። እቲ ግን ከመይ ኢና እንከላኸሎ ዝብል ክርአ ዘለዎ እዩ። ሓደ ኣሰራርሓ እንተዘይኣቐሚጥና እቲ ጉዳይ ሓደገኛ እዩ። ኣጀንዳ እናኸፈትና ኢና ክንከይድ ማለት እዩ። ስለዚ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ድኣ ዝብል እውን ክምልስ ክፍትን እየ።

ብሳልሳይ ደረጃ ብስሩኸ እቲ ብሄር ተኮር ፌደራሊዝም ናይባዕሉ ስትራክቸር ኣለዎ ዶ? ዝብል ክርኢ እየ። ኣነ ኣይርኣየንን። ናብዚ ሕዚ ዘለናዮ ኣቲና ዘለና እውን ስትራክቸር ስለዘይብሉ እዩ። እዚ ክርኢ እየ ማለት እዩ።

ካልእ ብዛዕባ ቋንቋ እዩ። እዚ ብዛዕባ እቲ ቋንቋ ባዕሉ ዘይኮነስ እቲ ፖለቲካዊ ፅልውኡ እንታይ እዩ? ዝብል እውን ክርኢ እየ። ቋንቋ እናዓበየ እንትኸይድ ንኣበነት ኦሮምኛ፣ ኣምሓርኛ ናይ ዩኒቨርስቲ ቋንቋ ክኾኑ እዮም። ትግርኛ እውን ከምኡ። ሓሲብናሉ ዶ ኣለና በዚ መዳይ እዚ? ዝብል ሕዚ ኣብ ግምት ምእታው ይግባእ።

ብዙሓት ሕቶታት እዮም ዘለዉ። ብፍላይ ኣብ ብሄረ ተኮር ፌደራሊዝም ክኾን እንተሎ ንኣብነት ግብሪ ንውሰድ፤ ንፁር ኣይኮነን። ናብ ሓደጋ ዝተቓልዐ እዩ። እዚ ውን ክስርሓሉ እዩ ዘለዎ። እዚ ከም ሓሳብ እዩ።

ሕዚ ብዛዕባ ፌደራሊም እየ ከዕልል!

ኣብዚ ሓደ ልሙድ ፌደራሊዝም ዝብሃል ኣሎ። ‘ሀ’ን ‘ለ’ን ዝብሃላ ብሄራት ኣለዋ ንበል። እዚአን ኣብ ፌደራል ስርዓት ኣለዋ ኢልና ንውሰድ እሞ እቲ ልሙድ ዘብለን ኣይንፀላን። ኣይነፃፀላን። ኣብ ሕገ መንግስተን ኣየእተውኦን እቲ ምንፃል። ኣብቲ ሓደ ድማ ‘ሀ’ን ‘ለ’ን ዝብሃላ ርእሰን ዝከኣላ ሃገራት እየን። ብኮንፍደሬሽን ዝመሓደራ እየን። እዚ ማለት ኣብ ዝመቸወን ብሓደ ይኾና ኣብ ዘይመቸወን ድማ ርእሰን ዝኸኣላ እየን ማለት እዩ። ወያናይ ዝበሃል ፌደራሊም ድማ ኣሎ። እተን ክልተ ብሄራት ናይ ምንፃል መሰል ኣለወን። ግን ከ ኣብ ሓደ ሃገር ዝተጠርነፋ እየን።

እዞም ሰለስተ ዓይነታት ፌደፋሊዝም እዚኦም ነናይ ባዕሎም ፅቡቕን ሕማቕን ጎኒ ዘለዎም እዮም። ኣብዚ ዝርአ ግን ኣድላይነት ዓንቀፅ 39 እዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ዓይነት ፌደራሊዝም ክልተ ብሄራት ኣብሓደ ሃገር ይነብሩ፤ ግን ድማ ናይ ምንፃል መሰል ስለዘይብሎም ክንፀል እየ ኣብ ዝብልሉ እዋን ብዘይካ ብሓይሊ ብካልእ ኣይኾነሎምን። ኣብቲ ካልኣይ እንትጅምር ኮንፈደሬሽን እዩ። እቲ ሳልሳይ ግን ከም ዓንቀፅ 39 ብዝበለ ውዕል ይተኣሰሰራ እሞ ኣብ ዘይጠዓመን ንክኸዳ ይኽእላ እየን። ኣብዙይ ክትሓዝ ዘለዎ ግን ዓንቀፅ 39 ዝኣመሰለ መሰል ንከምዚ ዝበለ ፌደራሊዝም ጠማራይ ባእታ (unifying power) እምበር ኣፍራሳይ ወይ ነፃላይ ግደ ኣይኮነን ዘለዎ።

ኣብ ቼክ ዝተርኣየ እዚ እዩ። ጎንፂ ኣይነበረን። ክተዐርዮ እውን እትክእል ዓይነት እዩ። ኣብ ዩጎዝላቭያ ግን ብሓይሊ እዮም ተፈላለዮም። ምድማይ ነይርዎ። ስለዚ ዓንቀፅ 39 ኣድላዩ ምዃኑ ኢኻ እትርኢ።

እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን፤ ምስ ዓንቀፅ 39 ተኣሳሲሩ ክፍተታት ኣለዉ። እቶም ክፍተታተ ከምዚ ዝስዕብ ምቕራብ ይከኣል እዩ።

  • እቲ ድምፂ ግዴታ ክኸውን ኣለዎ። ወዲ 18 ዓመት ከድምፅ እንድሕር ዝኽእልኮይኑ እዚ ክፋለ ማሕበረሰብ እዚ ብግድን ድምፁ ክህብ ክኽእል ኣለዎ።
  • እቲ ሚኢታዊ ዝዓበየ ክኸውን ኣለዎ። ብውሕድ እኳ ልዕሊ 85% ክኸውን ኣለዎ እምበር ከምቲ ሕዚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ መንግስቲ ዘሎ 2/3 ክኸውን ኣይብሉን። እንግልዝ ክትፍለ ዘፀግመላ ሓደ እዚ እዩ። 25% ጥራይ እዩ ክትፍለ ኣለዋ ኣብ ዝብል ኣድሚፁ። እቲ ዝበዝሕ ክትፍለ ኣይብላን ዝብል እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ሓደ አካል እውን ኢኻ ክትርእዮ ዘለካ። ንኣብነት ሶማልያ ክፍለ እየ እንድሕር ኢላ እሞ እቲ 51% እንድሕር በዚ ተሰማሚዑ እቲ ዝተረፈ 49% ንእሽቶ ኣይኮነን። እዚ ድማ እዩ ፀገም ዝፈጥር። ስለዚ ክፍለ እንድሕር ኮይኑ ኣሚኑሉነ ብዝዓበየ ሬሾን ክዕቀን ክኽእል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ካልእ መሬት ዝምልከት እዩ። መሬት ናይ መን እዩ ዝብል ግልፂ ኣይኮነን።  ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ መሬት ናይ መን እዩ እንተኢልካኒ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን እዩ ዝብል። እዚ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ውሕድ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢ ከይድካ ፋብሪካ ተኸልካ ንበል። ኣብኡ ድማ ናይ ካልእ ኸባብታት ህዝብታት ከይዶም ይሰርሑ። ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ወለዶታት እዚ መሬተይ እዩ አዮም ክብሉኻ። እዚ ብምንታይ ኢኻ ትከላኸሎ? ስለዚ ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን መሬት ብግቡእ እዩ ክፍለጥ ዘለዎ። ሕዚ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ዶብ ኣየድልን ገለ እንትብሉ ይስምዑ እዮም። ንመፃኢ ግን ሓደገኛ እዩ። እዚ ኣባና እውን ገጢሙ ከምዘሎ እዩ ማለት እዩ።

ናይ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያን እንተወሲድና ምስዚ እዩ ዝተኣሰሰር። ኣብ ኦሮምያ ሕዚ ነቲ ሓረስታይ ካሕሳ ሂብካ ክተፋንዎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቀንዲ  ሕቶ ዝኸውን ዘሎ ግን ኣብቲ መንነት እዩ፤ ናይ መንነት ሕቶ እዩ። እቲ ናይ መንነት ሕቶሲ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ኣሎ እዩ ዝብል እዩ እቲ ሕቶ። እዚ ጠጠው ክተብሎ ክትክእል ኣለካ።

እቲ ናይ ኦሮሞ ስግኣት ግልፂ እዩ። ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰፍሓት ቁፅሪ ንኦሮሞ ኣዲስ ኣበባ እናገበረታ እያ ክትከይድ። እዚ ሲ ከመይ ጠጠው ነብሎ እዩ ሕዚ እቲ ቀንዲ ዛዕባ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፤ ብግልባጡ እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኦሮምያ እናወሓጠቶ ከይዳ ኣዲስ ኣበባ ዝብሃል ክጠፍእ ይኽእል እዩ። እዚ ከዓ ኵናት ክውላዕ ዝገብር እዩ። ስለዚ እዚ ከመይ ንፍትሓዮ እዩ ሕዚ ዘዛርበና ዘሎ።

ኣብ ፖለቲካል ሳይንስ ልሙድ ኣይኮነን፤ ንኣብነት ሓደ ኢንጅነር እዛ ገዛ እዚኣ ክንደይ የድልያ እንታይ የድልያ የስልሕ እሞ 100 ብያጆ እዩ ዘድልያ ክብል ይኽእል። 100 ብያጆ ኢልዎ ግን ብኣ ኣይኮነን ዝድምድማ። መሐለውታ እዩ ዝገብር። 110 ብያጆ ይገብራ ከም ማለት እዩ። እዚኣ ኢና ክነገብር ዘለና ኣብ ፖለቲካ እውን።

ስለስተ ዝዳወባ ብሄራት ንውሰድ። እዘን ብሄራት እዚአን እታ ሓንቲ 70% እታ ካልኣይቲ 20% እታ ሳልሰይቲ ድማ 10% በዝሒ ህዝቢ እዩ ዘለወን ንበል። ኣብዚ ከምዚ ዝብለ ኩነታት ኢንቨስት እንገብሮ ኣበይ እዩ ክከውን ዘለዎ? ኢንቨስት ክንገብሮ ዘለና ኣብ ነብሲ ወከፍ እተን ብሄራት ኣይኮነን። የግዳስ መማእኸሊ ኢና እንመርፅ። ሰለስቲአን ዝራኸባሉ ሓደ ማእኸል እሞ ንመርፅ ኣብታ ማእኸል ንሳ ኢንቨስት ንገብር። ሽዑ እውን ግን እቲ ምስፍሕፋሕ ከከም በዝሒ ህዝበን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከም ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባት ሃፍቲ ሒዛ ናብ ሓደ ብሄር ጥራይ ክትሰፍሕ ኣይብልካን። ሽዑ እቲ ዝፍጠር ፀገም ንፁር እዩ። ስለዚ ንነብሲ ወከፍ በዝሒ ህዝቢ ‘ኮኦፍሸንት’/ኣንፋቲ ምውሳኽ የድሊማለት እዩ።

ንሕና ንኣብነት ኣብ ኩናማ ሓንቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ እንተከፊትና ኣብ ቀፃሊ ክልተ ሰለስተ ወለዶ እቲ ብሄረሰብ ክነጥፍኦ ክንክእል ኢና። እዚ ሓደጋ እዩ። ሰለዚ ኩሉሻብ ክንሓስቦ ዘለና ድሕንነት ናይቲ ኢንቨስት እንገብረሉ ከባቢ እውን ከገድሰና ይግባእ።  ስለዚ እንተኽኢልና ንሕና ኣብ ትግራይ ከምዚ ዝበለ ሃኒፅና ንሳቶም መፂኦም ክሰርሑ ኢና ክንግር ዘለና።  ምክንያቱ ንሳቶም ማርጅናላይዝ ንምግባር ዓቕሞም እውን ስለዘይፈቕደሎም ማለት እዩ። ስለዚ ናይ ኣዲሰ ኣበባ ኮነ ካልኦት ፀገማት ንምፍታሕ ኮኦፍሸንት ዝበሃል ነገር ምርኣይ የድልየና እዩ በሃላይ እየ።

ብሳልሳይ ደረጃ ክርአ ዘለዎ እቲ ናይ ፌደራሊዝም ስርዓት ባዕሉ እዩ። 9 ክልላት ኣለዋ፤ እዚአን ከመይ እየን ክኾና ዝብል ክርአ ኣለዎ። ወያናይ ፌደራሊዝም ምዃኑ ፅቡቕ እዩ። ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራሊዝም ምዃኑ ፀገም ኣይብሉን። እቲ ፀገም ስትራክቼርድ ዘይምዃኑ እዩ።

ከም ኣነ እቲ ስትራክቸር ክኸውን ዘለዎ ዝብሎ በዚ መልክዕ ከረድእ።

እቲ ሓደ ኣብ ሓደ ክልል ውሽጢ ዝተፈላለዩ ብሄራት ክህልዉ ይኽእል እዮም። ስለዚ እዚ ክልል እዚ ነቶም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ብሄራት መሰረት ዝገበረ ኣወቓቕራ ክህልዎም ምግባር የድሊ። እንትጅምር ፌደራላዊ ስርዓት ዘድሊ ዝሓሸ ምምሕዳር ንምፍጣር እዩ። በዚ መሰረት ድማ እቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ክልል ዝርከቡ ብሄራት መሰሎምን ተረባሓንቶምን ብዘረጋግፅ መልክዑ ዘኽይድ ዓይነት ኣወቓቕራ ምፍጣር እዩ እቲ ሓደ። እቲ ካልኣይ ሓደ ክልል ሓደ ብሄር ዝሓዘ ገይርካ ምስፋር ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ዝርአ መሰረታዊ ነጥቢ ናይታ ክልል ኣባላት ዝኾን ዘሎ ሓደ ብሄር ጥራይ እዩ ማለት እዩ። ሳልሳይን ዘይተለመደን ድማ ሓደ ብሄር ሰፊሕ መሬትን ብዙሕ ህዝብን ይህልዎ እሞ እዚ ንምምሕዳር ስለዘፀግም ኣብ ክልተ ክልል ትገብሮ። እዚ ክልተ ክልል ዝኸውን ዘሎ ብመሰረቱ ኣብ ክልተ ክልል ዝነብሩ ሓደ ዓይነት መንነት ናይ ዘለዎም ክልላት እዮም ማለት እዩ። ስለዚ ሕዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ምስ ፌደራሊዝም ስርዓት ዝተፈጠረ ፀገም ክእለ ዝኽእል በዚ ዓይነት ስትራክቸር እዩ።

ናይ ኣሜሪካ ፌደራሊዝም በታ ሳልሳይቲ ዓይነት ኣወቓቕራ ዝተዋቐረት እያ። እታ ካልኣይቲ ዝጠቐስናያ ዓይነት ኣወቓቕራ ዝበዝሕ ኣብ ኣውሮፓውያን ሃገራት እያ እትርአ። እታ ቀዳመይቲ ናይ ስዊዘርላንድ ዓይነት እያ።

ካብዚ ተበጊስካ ክብሃል ዝኽእል እንተሎ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራሊዝም ንናይ ኣሜሪካ ኮነ ንናይ ስዊዘርላንድ ጥራይ ኣይመስልን። ንናይ ኩሎም እዩ ዝመስል። ስለዝኾነ ድማ በዞም ሰለስተ ዓይነታት ጥማር እዩ ክፍጠር ዘለዎ። ብኡኡ ኢና ክንሃንፆ ዘለና።

ካብዚ እናተበገስና ብዛዕባ መድብለ ፓርቲ፣ ብዛዕባ ዘይመለሱ ሕቶታት ልምዓት፣ ብዛዕባ ላዕልዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ወዘተ ኣብዚ ክምዚ ዓይነት ናይ ፌደራሊዝም ኣወቓቕራ ተደሪኽና ኢና ክንሃንፅ ዘለና። በዚ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ እኮ ኣብ ሓደ ዓዲ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ እንተተረኺቡ ፀገም እዩ ክኸውን። ስለዚ በዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ መንገዲ።

እቶም ልዕል ክብል ዝተጠቐሱ ሰለስተ መሰረታዊ ኣወቓቕራታት ነናይ ባዕሎም ባህርን ናይ መፃኢ ትሕዝቶን ኣለዎም። እዚ ማለት እቲ ቀዳማይ ዘሎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኣብ ሓደ ክልል ዝሓዘ ኣካይዳ እቲ ቁጠባ እንትዓቢ ብቐጥታ እቶም ብሄራት ናብ ነናይ ባዕለን ክልልነት እየን ዝዓብያ። እቲ ካልኣይ ዘሎ ሓደ ክልል ሓደ ብሄር ዝብል ድማ ናብቲ ሳልሳይ እዩ ዝዓቢ። ማለት እውን ክልተ ባዕለን ዝኸኣላ ሓደ ብሄር ዘለወን ክልላት ይኾና። እቲ ሳልሳይ ኣወቓቕራ እውን እንትኾነ ብትሕዝትኡ እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ።

ካብዛ መሰረታዊት ናይ ፌደራሊዝም ኣወቓቕራ እዚኣ ብምብጋስ መድብለ ፓርቲ ከመይ ከምዝጣየሻ ድማ ንርአ። ኣነ ብወገነይ ፓርትታት 5 ክኾና ኣለወን ኢለ እየ ዝኣምን። 30 ኣርብዓፓርትታት ናይ ቆልዑ እዩ። ክልተ እንተኮይኖም እቶም ፓርታት እውን ኣይጽቡቕን። ብሎክ እዮም ዝገበባበሩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርአ እውን ንሱ እዩ።  ካልኣይ ከይትምረፅ እዩ ዝሓልከካ። ሰለስተ እንተኾይኑ ድማ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ እናዘንበለ ሚዛን እዩ ዘስሕት። ኣርባዕተ እንተኾይኖም ከ? ሚዛን ምሕላው ይኽእል እዩ። ሓምሻይ ግን የድለየና እዩ ነዚ ዘስተኻኽል።

ሕዚ ምስቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ናይ ፌደራላዊነት ኣወቓቕራ ከመይ ከምዝተኣሰሰር ከብርህ። ፈለማን ቅድሚ ኹሉን ብሃገር ደረጃ ሓሙሽተ ፓርታት እዮም ዘድልዩ ኢለ ኣለኹ። እዚ መደምደምታ እዚ ኣብቶም ብሄራት እዩ ክጅምር ዘለዎ። እዚማለት ንኣብነት ኣብ እቲ ቀዳማይ ዝበልናዮ ኣወቓቕራ ማለት እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ክልል ዝርከባ ብሄራት ዝበልናየን፤ እተን ብሄራት ነናይ ባዕልተን ሓማሓሙሽተ ፓርትታት ክሕዛ ኣለወን። እዞም ኣብ ውሽጢ እታ ክልል ንዝርከባ ንብሄራት ዝወከሉ ውድባት እዚኦም ልዕል ኢሎም ከም ክልል ክጥርነፉ ኣለዎም። ክጥርነፉ እንተለዉ ግን ሓሙሽተ እዮም ክኾኑ ዘለዎም። እዚ ማለት ክልተ ብሄራት ኣብ ዘለዎ ክልል ዘለዉ 10 ውድባት ከም ክልል ክኾኑ እንተለዉ ሓሙሽተ ይኾኑ ማለት እዩ። እዚኣ ሓንቲ ንሓዝ።

ኣብታ ካልኣይቲ ድማ ሓንቲ ብሄር ዘለዋ ክልል ኢና ኢልና ኣብቲ ኣወቓቕራ። ኣብዚ ዘተሓትት የብሉን፤ ሓሙሽተ ውድባት ጥራይ ይህልዉ። ኣብቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣወቓቕራ ማለት እውን ኣብቲ ሓደ ብሄር ብዙሕ ክልል ዝበልናዮ ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ  ዘለዋ ክልላት ሓማሓሙሽተ ውድባት እሞ ይሕዛ ብመንነት ሓደ ስለዝኾና ድማ ከም ሓደ መንነታዊ ባእታ ናብ ሓሙሽተ ድማ ይጭፍለቓ።

ሰለስቲኡ አወቓቕራ ሓማሓሙሽተ ውድባት ሒዙ እውን ኣየቋርፅን። ከይዱ ከይዱ ናብታ ብሃገር ደረጃ ክትህልው ኣለዋ ዝበልክዋ ሓሙሽተ ጥራይ ውድባት እየን ክፅንበራ ዘለወን።  ስለዚ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ በብሓሙሽተ ዝመፅአ ናይ ውድባት ትሕዝቱ ኣብ ጉዕዝኡ እናተጨፍለቐን እናተሓዋወሰን ኣብ መወዳእታ ናብ ሓሙሽተ ሃገራዊ ውድባት ይፀርያ ኣለዋ ማለት እዩ። እዚ እቲ ህዝቢ ኣብ ታሕቲ ሰፊሕ ኣማራፅታት ክረክብ እተን ውድባት እውን ፅቡቅ ንሕንሕ ገይረን ካብተን ሓሙሽተ ሃገራዊ ውድባት ሓንቲ ንምዃን ክጓየያ ዝገብር እዩ።

ኣብ ከይዲ መረፃታት ካብ ታሕቲ ጀሚሩ እቲ ቤት ምኽሪ (ንኣብነት ኣብ ውሽጢ እተን ክልላት ኣብ ዘለዉ ውድባት) ኣቦወንበርን ምኽትል ኣቦወንበራትን ከፍልጡ ኣለዎም። ሕዚ ዝርአ ዘሎ ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ጉባኤ ነቲ ሓፈሻዊ መሪሕ ምስ መረፀ ዳሐራይ እዮም ኣቦወንበርን ምኽትልን ዘፍልጡኻ። እዚ ንኔት ወርክ እውን የቃልዕ እዩ። ዘይክኢላ ሰብ እውን ክመፅእ ይኽእል እዩ። ስለዚ እከለ ኣቦወንበረይ እዚ ድማ ፕሮግራመይ ኢሉ እዩ ናብ መረፃ ክመፅእ ዘለዎ።

እዚ ምስተመረፀ እሞ ናብ ሃገራዊ ፓርቲ ምስ ደየበ፤ ስልጣን ምስ ሓዘ ማለት እዩ፤ ኣብታ ዝተመረፀላ ክልል ወይ ብሄር ብዘለዉ ዘይተመረፁ ወይ ዘይተሰዓሩ ውድባት ፅኑዕ ክትትል እዩ ዝግበረሉ። እቶም ዝተሰዓሩ ሓመድ ድፋጭኡ እዮም ዘብልዕዎ። ብስሩ እውን ሓይሊ ክረኽቡ ምእንታን ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ካብዚኦም ካብቶም ዝተሰዓሩ እዩ ክኸውን ዘለዎ።  ሽዑ እቲ ናይ ስልጣን ሚዛን ዝተመዓራረየ ይኸውን። ህዝቢ እውን ይጥቀም።

እዚ ከምዚ ዓይነት ነቲ ዝተሰዓረ ውድብ እውን ቦታ ዝህብ ኣካይዳ ኣብቲ ሃገራዊ እውን ዝሰርሕ እዩ። ካብ ዘለዉ ሓሙሽተ ሃገራውያን ውድባት እቲ ሓደ ሓደ እዩ ዝስዕር። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ግን ብከምዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ስልጣን ክኣትዉ ብምግባር ኣብቲ ውድብ ምስጢር ዝብሃል ነገር ክጠፍእን ተሓታትን ዘለዎ ኣሰራርሓ ክሰፍንን ይሕግዝ ኣሎ ማለት እዩ።

ሕዚ ትግራይ ከመይ ትኹን ዝብል ሕቶ ነልዕል። ካብዚ ቐፂለ ዝብሎ ትግራይ ከመይ ክትከውን አለዋ ዝብል እዩ።

ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናይ ፒራሚድ ቅርፂ እዩ ዘለዎ። ኣበዚ ናይ ፕራሚድ ቅርፂ ሓይልታት ክህልዉ ኣለዎም። ንኣበነት ከምቲ ዝጀመርናዮ ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ውድባት እንተድኣ ሃልዮም ካብዚኦም እቲ ዝሰዓረ ኣካል ኣብታ ፕራሚዳዊት ቅርፂ ክህልዎ ዝግባእ ብፅሒት ንፁር ክከውን ኣለዎ። ዝደለዮ ኣይኮነን ክሕዝ ዘለዎ። እታ ጠርዚ እውን ክትፍለጥ ኣለዋ። ንኣብነት ክሳብ ከንቲባ እዩ ብፖለቲካዊ ሽመት ዝቕመጥ ኢልና ክንልዓል ንኽእል ኢና። ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ብሞያ ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ ቦታ ባዕሉ ሞያ ስለ ዝሓትት።

ልዕል ኢልና እንታይ ኢልና ነይርና? እቲ ናይ ፖለቲካ ሰዓራይ ኣካል ካብቶም ሓሚሽተ እቲ ሓደ እንድዩ ዝኸውን ዘሎ፤ እቲ ዝሕዞ ቦታ በቲ ዝተጠቐሰ ደረጃ ተወሲኑ ይቕመጥ እሞ እቶም ካልኦት ናይ ስራሕ ቦታታት ብኻልኦት እዮም ዝትሓዙ ዘለዉ። ስለዚ እቲ ስራሕ ዝስራሕ በቲ ህዝቢ ወይ እውን በቲ ናይ ካልእ ፖለቲካዊ ኣካል (በቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ) ዝስራሕ ስለዝኸውን ስልጠት ይህልዎ። ብስሩ እውን እቲ ዝሰፍሐ ዓንኬል ስራሕ በቲ ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይኮነስ በቲ ካልእ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ማለት እዩ።

እቲ ካልኢ ኣብዚ ዝልዓል ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ጉዳይ እዩ። ምስቲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኮነ ውድብ ምትእስሳር ዘይብሉ ህዝብን ህዝቢ ጥራሕን መሰረቱ ዝገበረ ናይ ድሕንነትን ፀጥታን መሓውር ድማ ክህልወና ኣለዎ። ኣብ ረብሓ ህዝብን መንነትን መሰረት ገይሩ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ የድሊ።

ኣብቲ ላዕለዋይ ኣካል እውን ማለት እውን ኣብቲ ፓርላማ ዝኣትዉ ኣካላት እውን ሰብ ሞያ ክኾኑ ኣለዎም። ፖለቲካል ሳይንስ፣ ስነ ቁጠባ፣ ሕጊ ወዘተ ዝትምሃሩ ንዓለም ክርእይዋ ዝኽእሉ ፕሮፎሽናልስ እዮም ክኾኑ ዘለዎም። ኣብቲ ፓርላማ ጥራይ እውን ዘይኮነስ ኣብቶም ካልኦት ናይ ስልጣን ቦታታት ንኣብነት ኣብ ናይ ጥዕና መሪሕነት ብኡኡ ዝተማሀረ ኣብ ሕርሻ እውን ሕርሻ ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መንገዲ እዩ ክህነፅ ዘለዎ።

እቶም ሓሙሽተ ውድባት ኣበየናይ ቦታ ንመን ሒዘ እየ ክስዕር ዝክእል ኢሎም ክሓስቡ ክኽእሉ ምግባር የድሊ። ድሓር ከዓ እቲ ኣባልነት ስኽ ኢሉ ብፍንው ክኸውን ኣይብሉን። ወሰን ክህልዎ ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ 5 ሽሕ ኣበላት ጥራይ ክህልውዎ ምግባር የድልዮ። ሕዚ ዝርአ ዘሎ ኣባልነት ምብዛሕ ምስ መረፃ እዩ ዝተኣሰሰር ዘሎ። ብዙሕ ኣባል እተእትውስ ብዙሕ መራፂ ንምርካብ እዩ። እዚ ዘኽይድ ኣይኮነን። ምርጫ ብክእለትካን ኣገልግሎትይካን ክትከውን ኣለዋ። እቲ መሪሕነት ውሕድን ፅሩይን እሞ ትገብሮ ካብኡ ከዓ ተረባሓይ እውን ክኸውን ትገብሮ።

ቅድም 10 ዓመት ናብ ትግራይ መፂአ እናሃለኹ ሓደ ከንቲባ 3 ሽሕ እዩ ነይሩ መሃይኡ። ማስተርስ ዝሓዘ ድማ 3500። ድግሪ ዘለዎ 2700። ከምኡ እናበለ ይወርድ። ሕዚ ከምዚ እንተኮይኑስ ነታ ከንቲባነትስ መን እዩ ዘወዳደራ? እቲ ዝተምሃረ ኣይምነያን። ካብኣ ዝበለፀት መሃያ እናረኸበ እንታይ ኢልዋ ንዓኣ ዝደሊ። ኣብ ከንቲባ ምዃን ዝበዝሐት ስራሕ እዩ ዝረክብ ዘሎ እምበር ዝበዝሕ መሃያ ኣይኮነን ዝረክብ ዘሎ። ስለዚ እቲ ከንቲባ እንታይ ኣለዎ 10 ሽሕ መሃያ ዝወስድ እንተገብርናዮ? ሽዓ ዝኸኣለ እዩ ዝረኽባ ማለት እዩ። ናብታ ቦታ ዝግበር ጉያ ፀቢብ ይኸውን፤ ሽዑ ዝሓሸ ሰብ ክወፅኣ ትገብር። ኣብቲ ውድድር ኢኻ ዝሓሸ ሰብ እትረክብ።

ኣብ ኣባልነት ወርሓዊ መዋጮ ክህልዎ ኣይብሉን። እቶም ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ዘለዉ ኣካላት ብናይ መንግስቲ በጀት ይንቀሳቐሱ። መዋጮ ዝብሃል ጠጠው ክብል ኣለዎ። መንግስታዊ በጀት ሒዙ ዝነቀሳቐስ ስራሕን ኣሰራርሓን እዩ ክህልወና ዘለዎ። እዚኣ እንተገይርና እታ እንደልያ ትግራይ ክንረኽባ ንኽእል ኢና።

ካልእ ኣነ ክርአ ዘለዎ ዝመስለኒ እቲ ናይ መሪሕነት ፀገምና እዩ። ኣብ ትግራይ ናይ መሪሕነት ወይ ሊደርሽፕ ፀገማት ከምዘለዎ እዩ ዝርኣየኒ። ክንደይ ዝኣክል መሪሕነት የድልየና? ብቑዕ መሪሕነት! በቲ ዝጀመርናዮ እነተከይድና 5 ውድባት ክህልዋና ኣለወን ኢልና ኣለና። ካብዚኦም ሓደሓደሽሕ መሪሕነት እኳ እነተጠሊብና ጠቕላላ ናብ 5 ሽሕ ዝኾኑ ብቑዓት መራሕቲ የድልዩና ኣለዉ ማለትእዩ። እዚኦም ከመይ ኢና ነብቅዖም ዝብል ድማ ክርአ ኣለዎ።

እዞም ብቑዓት መሪሕነት እዚኦም ከመይ ገይርና ኢና ክነብቅዖም ኣብ ዝብል ሕዚ ንኣብነት ዶክትሬት ድግርን ማስተርስን ካልእን ኢልና ክንብገስ ንኽእል ኢና። እዚ ግን ምሉእ ምስሊ ዝህብ ኣይኮነን። ርግፅ እዩ ትምህርቲ ወሳናይ እዩ። ብድምር ግን እቶም መዐቀኒታት ብዝርዝር ክቕመጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ብምዃኑ እቲ ሓደ ትምህርቲ (education) ኢዩ ኢልና ንበገስ። ምኽንያቱ እንተዘይተማሂሩ ዓለም ክርእያ ኣየኽእልን። ክመራመር ኣይኽእልን። ስለዚ ምምሃር ዝብሃል ነገር ወይ ትምህርቲ ፈላማይ መዐቀኒና እዩ ክኸውን ዘለዎ።  ስለዚ ብትምህርቲ ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ደረጃን ብቕዓትን ዘለዎም ኣካላት ብዝርዝር ምሓዝ የድሊ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ካብዚ ምሁር ክፍሊ እዚ እንደገና ምምራፅ እዩ። ውሱናት ትመርፅ! እትመርፀሉ መንገዲ ድማ “ባህሪ” ዝብል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ባህሪ ዘለዉ ውፉይነት፣ ፃዕራምነት፣ ህዝባውነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ባህርታት መሰረት ገይርካ ካብቲ ምሁር ትመፅር ማለት እዩ። ካብቲ ምሁር በዚ መንገዲ እዚ እንትንመርፅ እንተለና ውሑዳት ኢና ንረክብ። ምሁር ኮይኑ ዘይሰቲ፣ ዘይሰክር፣ ዘይሕሱ፣ ዘይልቕብጥ፣ ስድርኡ ብኣግባቡ ዝመርሕ ወዘተ ብዝብል እንተመሪፅናዮም ኩሉ ዝተምሃረ ጥዑይ ከምዘይኮነ ኢና እንፈልጥ። ስለዝኮነ በዚ ንሓሪ ማለት እዩ።

ብትምህርቲ ሓሪና ኣለና። ካብቲ ምሁር እውን ብባህሪ ፈሊና ኣለና። እዚ ግን እኹል ኣይኮነን። ካልእ መፍለዪ ድማ ነምፅእ። ንሱ እውን “ተመኩሮ” ዝብሃል እዩ። በታ ዝተምሃራ ምህሮን በታ ዘላቶ ፅብቕቲ ባህሪኡን እንታይ ሰሪሑ? ንኣብነት ፋብሪከ እንድሕር ዝመርሕ ነይሩስ እንታይ ከስቢ ኣምፂኡ? ብኸመይ መሪሕዋ? ብሓፈሻ እንታይ ተመኩሮ ኣለዎ? ብዝብል ድማ ምምራፅ የድሊ ማለት እዩ።  ብከምዚ ዝበለ መፃፈፊ መንገዲ ኢና መሪሕነት እንመርፅ። ምናልባት 10 ሰባት ንምርካብ 1000 ሰብ ናብ ከምዚ ዝበለ መፃፈፊ መፃረዪ መንገዲ ምእታው ግድን ይብለና። ሕዚ ኣብ ትግራይ ዝርእዮ ዘለኹ ክፍተት ኣብዚ እዩ።

ሕዚ እዞም ከምዚ ዝበሉ ኣሰራርሓታት ኮኑ በዚ ኣሰራርሓ እዚ ዝመፁ ኣመራርሓታት ኣይተርኣዩን። ካብ ሕዚ ግን እዚ ኢና ክንገብር ዘለና። ህወሓት እውን ነዚ ጊዜ ሂቡ ክሓስበሉን ክትግብሮን እዩ ዘለዎ። እዚ ሓይሊ እዚ ብተኸታታሊ ብቕዓቱን ክእለቱን ብሚድያ እናቃላሕኻ ኣብ ቀፃሊ ናብ ባዕሉ ዝከኣለ ውዳበ ክመፅእ ብምግባር ነታ ዓዲ ክመርሕ ዝክእል ክኢላ መራሒ ክወፅኣሉ ይኽእል እዩ። እዚ ናብ ፓርላማ ክኣቱ ይኽእል። ናብ ሴኩዩሪቲ እውን ክኣቱ ይኽእል እዩ። ህወሓት እውን ኣብዚ ዓርሰ እምነት ክህልዋ ክኽእል ኣለዎ። ይኽእሉ እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ክመፅእ ኣለዎ። እዞም ሓይልታት እዚኦም እዮም መማረፂ ፓርቲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም እውን ክዘልቁ ዝኽእሉ።  ህዝቢ ትግራይ እዚ ይሕሸኒ ናብ ዝብለሉ ደረጃ ክመፅእ ዝኽእል እውን ሽዑ እዩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ክልዓል ዘለዎ ዝመስለኒ ንሕናሲ ቑፅሪ ህዝብና ኣይንፈልጥን። ወዲ ሓደ ዓመት ህፃን ኣብዛ ዓዲ ክነደይ እዩ? በዓል ፀጋ ዕድመ ክንደይ እዩ? ክንደይ መንእሰይ ክንደይ ገለ ዝብል ኣይብልናን። እዚ ኢና ክንሰብር ዘለና ሕዚ። እዚ ብምፍላጥ ኢኻ ቁጣበኻ ዲዛይን እትገብር። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ቑፅሪ ትሕቲ 5 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ክንደይ ምዃኖም ዘይፈልጥ ነጋዳይ ክዳን ስኽ ኢሉ እዩ ብግምት ገዚኡ ክመፅእ ማለት እዩ።  ስለዚ ናይ ትግራይ ምሉእ ዳታ ክህልወና ኣለዎ። ቑፅሪ ጫማናን ቑመትናን እንተይተረፈ ዝሓዘ ናይ ዳታ ቡኽራ ክህልወና ኣለዎ። ነቲ ቢዝነስ ማሕበረሰብ እውን ክንምግቦ ኣለና። ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገበን ሪኮርድ ክህልው ኣለዎ። እቲ ንገበን ዘቃልዕ ዘሎ እዚ እዩ፤ ዘይትፍለጥ ገንዘብ ክትኣቱ እንተለስ ነዚኣ እተረጋግፅ መስርሕ ክትህልው ኣለዋ። ስለዚ ኣብ ትግራይ “ኮደ-ሰብ” ዝብሃለ ነገር ክተኣታቶ ኣለዎ። እዚ ከቢድ ነገር ኣይኮነን። ብዝኾነ ናይ መንግስቲ ኣካል ክስራሕ ይኽእል እዩ። እዚ ንእሽተይ ይመስል ግን ወሳናይ ነገር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እንታይ ገጢሙኒሲ፤ ካብ ዓዲግራት ናብ ዓድዋ ዝስራሕ መንገዲ ኣሎ። ኣብቲ መንገዲ ንዝፈረሱ ገዛውቲ ካሕሳ ይውሃብ እዩ። ዝኾኑ ሰባት ዘየለ ገዛ ሰሪሖም እሞ ከምዝፈረሰ ኣመዝጊቦም ገንዘብ ክቕበሉ  ኣፈሪሞምዎ ነቲ ዝምልከቶ ኣካል። እዚ ሕዚ ካብ ዳታ ዘይምሓዝና ዝብገስ እዩ። መን ኣበይ ይነብር እንተዝፍለጥ ነይሩ ናብዚ ኣይምተኣተወን። ስለዚ እቲ ናይ ግዕዝይና መጠን ዝጋደድ ዘሎ እውን ሰኣን ከምዚ ምግባር እዩ። ኣነሲ ንብረተይ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። ሕዚ ትግራዋይ ገዝኡ ንብረቱ ተቓፂሉ ክብሃል እነተሎ ዳታ እንተዝህልወና ነይሩ መን ክንደይ ከምዝጠፍኦ ይፍለጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ሕዚ ናብ ከምዚ ዝበለ ስርዓት/ሲስተም ኢና ክንኣቱ ዘለና።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ካልእ ክህልወና ዘለዎ ቅጥዒ እዩ። ንዚ ኩሉ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ዘሳጥሐና ዘሎ ቅጥዒ ዘይምህላው እዩ። ናይ ገዛ ክራይ ድዩ፣ መኪና ብዛዕባ ምሻጥ ምልዋጥ ድዩ ኩሉ ነገር ብቕጥዒ ክኸውን ኣለዎ። ዋላ ኣብ ኦንላይን ፕሪንት ገይርካ እትጥቀመሉ ቅጥዒ ክህልወና ኣለዎ። ደረጅኡ/ስታንዳርዱ ዝሓለወ ቅጥዒ ክህልው ኣለዎ።

ኣብነት፡ ሓደሲ 20  ሽሕ እዩ ኣለቂሕዎ። ባዕልኻ ስለእትፅሕፍ ብፊደል ፅሓፍ ዝብል ሕጊ እውን ስለዘየለ ኣብ ባዕልኻ እትፅሕፎ ነገር ብድሕሪ እታ 20 ሽሕ ዜሮ ወሲኹላ። 200 ሽሕ እየ ኣለቂሕካ ኢልዎ። ምንም ክገብር ኣይኽእልን ገዝኡ ሸይጡ ከፊልዎ። ብድሕሪኡ እቶም ርኢና ኢና ዝበሉ መሰኻኽር ገንዘብ ክህቦም ተሰማሚዑ ስለዝነበረ እቲ ሓደ ምስክር ውሒዱኒ ኢሉ ኣቃሊዕዎ። ተመሊሱ እቲ ዘጭበርበረ ናብ ቤት ህንፀቱ ኣትይዋ። ስለዚ ቅጥዒ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። ኣብ በዓል ጀርመን ናይ ባዕሎም ቅጥዕታት ኣለዎም ከምኡ እዮም ዝገብሩ።

ካልእ ብዛዕባ ቋንቋ እዩ። ግዕዝ ሽላ ኣይንበሎ። ኣብ ዓለም ካብቶም ጥንታዊ ፈደል ዘለዎ ቋንቋ ዝውንኑ ህዝቢ ሓደ ንሕና ኢና። ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ግዕዝ። በዓል ጀርመን፣ ጃፓን፣ ኣሜሪካን ካልኦትን ግዕዝ የምህራ እየን። ምኽንያቱ ካብ ግዕዝ ረብሓ ስለዝረኽባ እየን። ንምዕባለ ትግርኛ እውን ዓብዪ ሓገዝ ኣለዎ። ስለዚ ሸላ ምባል ኣየድልን ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ናብ ህወሓት ንመለስ። ህወሓት ታሪክ ሰሪሑ እዩ። ክልልና መስሪቱ ዓንቀፅ 39 ድማ ኣቐሚጡልና ኣሎ። እዚ ዓብዪ ዓወትና እዩ። ነዚ መስዋእቲ ዝኾኑ ተጋደልቲ ኣነ ደስ ኣይብለንን ኣዲስ ኣበባ ክቕበሩ። ኣብዚ ክቕበሩ ኣለዎም። ሓወልቲ ድኣ ንምንታይ ኣብዚ ተሰሪሑ? ስለዚ ኣብዚ ንቕበረሎም። ብባህልና ካልኣይ ቀብሪ ዝብሃል ኣሎ። ንሱ ኣብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይግበርዎ ድሓን። መቓብር ጀጋኑና ግን ትግራይ ይኹን። በዓል እያሱ በርሀ ተሰዊኦምስ ነቲ ማእኸል ሃገር እንታይ እዩ? ንዓና እዩ ዘገድስ ዝያዳ። ስለዚ ናይ እያሱ መቓብር ኣነ ኣብዚ እንተዘህልው ምተሓጎስኩ።  መፃኢ እውን ሳይንትሳት ክፍጠሩ እዮም። ንዐኦም እውን ከምኡ ።

ካልእ ሃይማኖት ዝምልከት እዩ። ኣነ ሃይማኖት ዝምልከት ዝተፈለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለኒ። ሃይማኖት ናይ ግሊ እዩ ሃገር ናይ ኩሉ እዩ ዝበሃል ኣበሃህላ ኣሎ። ኣነ ኣይቕበሎን።  ምኽንያቱ ትግራይስ ናይ እተዉ በሎ ሃይማኖት ክኾን ኣይብላን። ሳዕቤን እውን ኣለዎ። ሃይማኖት ትካላዊ እዩ ክከውን ዘለዎ። ዘለዋ ሃይማኖታት እውን መምርሕታትን ኣቕሪበን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እየን ክኸዳ ዘለወን። ዝመፅእ ሓዱሽ ሃይማኖት እውን እንተኾነ ተፀኒዑ እዩ ክኣቱ ዘለዎን ብትካላዊ መልክዕ ክኸይድ ዘለዎን እምበር ስኽ ኢሉ እተው በሎ ክኸውን ኣይብሉን። እንተዘይኮይኑ ሓደጋ እዩ። እቲ ፈረንጂ ዝብልዎ ሃይማኖት ናይ ግሊ ገለመለ ዝብሃል ነገር ንሕደጎ። ፈሊጦም እዮም ድማ ከምኡ ዝብሉ። ስለዚ ትካላዊ ክኸውን ኣለዎ ሃይማኖት።

ካልእ ኣብዚ ከልዕሎ ዝደሊ ተኽሊ ሞሪንጋ እዩ። ኣብ ዩትዩብ ኣቲኹም ርኣይዎ ሓንቲ ፕሬፌሰር ኣላ ዘቕረበቶ። ኣብ ትግራይ እዚ ተኽሊ እዚ ፍልፍል ውሕስና ምግቢ እዩ። ማንም ገባር ሓደ ወይ ክልተ ተኽሊ ክህልዎ ኣለዎ። ምኽንያቱ ምግቢ እዩ። መሬት ትግራይ እቲ 5%  እኳ በዚ እንተሸፊንናዮ ውሑሳት ኢና ክንከውን። ቀለብ እንስሳ እዩ ድማ። ንሱ ዝበልዐት ጤል እቲ ዝበለፀ ስጋ እዩ ዘለዋ። ስለዚ ፖለቲከኛታት እዚ ኣብ ኣእምርኦም ክእትውዎ ኣለዎም። ሞሪንጋ መድሓኒት ጥራይ ዘይኮነስ ውሕስና መግቢ መረጋገፂ መንገዲ እውን እዩ።

ምስ ሞሪንጋ ተኣሳሲሩ ዝልዓል ካልእ ኣገዳሲ ተኽሊ በለስ እዩ። በለስ ግን ሲዚናል እዩ። ምስ ሞሪንጋ ዘራኽብ ኣይብሉን። ኣብ ሞሪንጋ ዘሎ ስነ መዓዛ ልዑል እዩ። ቖፅሊ ከዓ ስለዝኾነ ዓመት ምሉእ ንበልዖ። ኣጣልና ዓመት ምለእ ይጣጥመኦ። ዓብዪ ዕድል ከዓ ኣለና። ኣባና ዘሎ ኣየር ኩነታት ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮፓ ዘየለ እዩ። እዚ ግን ኣይተጠቐምናሉን። ካልኦት እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። በለስ እውን ረብሓ ኣለዎ።

**   **   *

እቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራሊዝም ኣነ ንዓና ይሰርሕ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ምክንያቱ ናይ ብሄር ሕቶ ዓብዪ ሕቶ እዩ። ስለዚ ሓደ ብሄር ናይ ባዕሉ መሬት ብትኽክል እንተዘይፈሊጡ ወይ ክጎብጥ እዩ ወይ ክጉበጥ እዩ። ድሓር ናብ ኵናት ኢና ክንኣትው። ምዕራባውያን ክንደይ ቃልሲ ገይሮም ኣብ ብሄር ናብ ዝተመስረተ ስርዓት እየን ከይደን። እዚ እንተዘይገይርና ሓደጋ እዩ። ስለዚ ህልውንኡ ክነረጋግፀሉ እዩ ዘለና። ሕዚ ንሕና ንኩማናስ ክንውሕጦም ድዩ ዘለና? ኣይኮነን! ክነኽብሮም እዩ ዘለና ከም ብሄረሰብ። ብምንታይ ኢና እነኽብሮም? እታ መሬቶም ብምሕላው ይጅምር። ንሱ እውን ከስፋሕፍሕ ኣይብሉን። ኣብ ድልየቱ ናይ ትግራይ ቦታ ግን ክነብር ክሰርሕ ይክእል እዩ። ኣብ ኩናማ ሓደ ዓብዪ ፋብሪካ እንተተኺልካስ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ወለዶታት ክትውሕጦ ኢኻ። እዚ ጌጋ እዩ። ስለዚ እቲ መሰል ጥራይ ዝብሃል ኣካይዳ ወሰን ክህልዎ ኣለዎ በሃላይ እየ። ስለዚ ብሄር ዶብ ክህልዎ ኣለዎ። መሬት ትግራይ ናይ ተጋሩ እዩ። ናይ ብሄር ሕቶ ብጣዕሚ ዓብዪ ሕቶ ስለዝኮነ ድማ ነዚ ምትእንጋድ ግድን ይኸውን። ኣድላይነት እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ብፍላይ ድማ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራላዊ ስርዓት ድማ በዚ እዩ ዝርአ። ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ምዕራባውያን ኣብዚ ዝነበሮም ጣጣ ወዲኦም እዮም። ኣብ ኣፍሪካ ግን ገና ኢና። ግድን ድማ ክንወፅኦ ኣለና። እንድሕር ከምዚ ኮይኑ ስለምንታይ ድኣ እዛ ዓዲ ኣብ ሓደጋ ኣላ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። እቲ መልሲ ዝኸውን እቲ ኣወቓቕራ ፀገም ስለዝነበሮ እዩ። ከምቲ ኣብ መእተውየይ ዝበልክዎ ክኸውን ኣለዎ እቲ ኣወቓቕራ ፌደራሊዝም። ናይ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያን ሕቶ ምምላስ ዘይከኣለ ስትራክቸር እኮ ኢና ንርኢ ዘለና። ህወሓት ዝተዋገኣሉ ቋንቋ ኦሮምኛ ሕዚ ኣይኮነን መሰሉ ክረክብ ዝነበሮ፤ ቅድሚ 27 ዓመት እዩ። ንሕና ቋንቋና እንታይ ንኸውን ከምዘለና ምርኣይ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ናይ “ስትራክቸር ፌይለር” እዩ ገጢሙ እየ ዝብል ዘለኹ። ብስሩ እውን ወያናይ ፌደራሊዝም ሓቀኛን ሓደገኛን እዩ እየ ዝብሎ። እቲ ሓቀኛ ክብሎ ዝገብረኒ ብሄራት በቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እንተተደራጅየን ዘላቒ ዝኾነ ልምዓትን ሰላምን ስለዘምፅእ እንትኸውን እቲ ሓደገኛ ዝገብሮ ድማ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ስለዝፈጥር እዩ። ንካልኦት ብሄራት እውን መምሃሪ እዩ ዝኸውን።

*****

ምስ ምንባር ዝተኣሰሰረ ነገር ድማ ኣሎ። ፋብሪካታት ክትተክል እንትለካ ንዕኡ ዝኸውን ሓይሊ ሰብ እንተድኣ ዘይኣቅሪብካሉ ናይ ካልእ ብሄር ሰብ መፂኡ ይመልኦ እሞ ኣብ ከይዲ ይውሕጠካ። ንኣብነት ሕዚ ኣብ ደቡብ ክፋል ኢትዮጵያ ዝሓስቦ እዚ እዩ። ትግራይ መሬት ትካረ እሞ ተጋሩ ከይዶም ተጠቒሞም ዓዶም ይመፁ፤ እንተዘይኮይኑ ስግኣት ኢኻ ትኾኖም። ናብ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ኣታሓሳስባ ምምፃእ የድሊ።

ኣብ ዓድና ዝኾነ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ሓሳብ ብናፅነት ክቐርብ ኣለዎ። መማረፅታት ክቐርቡ ኣለዎም። ኩሉ ሓላይ ትግራይ ኣብ ልምዓት ትግራይ፣ ኣብ ክብርታት ትግራይ ወዘተ ማዕረ ኮይኑ ኣብቶም ፕሮግራማቱ ምናልባት ክፈላለ ይኽእል ይኸውን። እዚ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ካብቶም ዝፈላለዩ እቶም ዘሰማምዑ ናይ ትግራይ ጉዳያት ኣለውና።

እዚ ኹሉ ንምግባር እቲ ባይታ ይፈቅድ ዶ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ብድምር እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ንምትእትታው እቲ ባይታ ዝፈቅድ ባይታ ክኸውን ኽኽእል ኣለዎ። እቲ ህልው ኩነታት ኣይፈቅድን እሞ ከምዚ ዝበለ ሓዱሽ ኣሳራርሓን ኣተሓሳስባን ጌጋ እዩ ክንብል ኣይክእልን። ክፈቅድ ኣለዎ። ኣብ ህወሓት ውሽጢ እውን እኮ ኩሉ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ። ነቲ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ኣካል ንምንታይ ዕድል ዘይውሃቦ ኣብ ካልእ ክውደብ። ሓሙሽተ ፓርትታት የድልያ ዝበልናዮ እኮ ነዚ እዩ። “ኮኦልሽን” ስለዝድለ እዩ። ንሓደንቲ ዓደ ሓደ ዝስዓረ ፓርቲ ዝሓስቦ ሓሳብ ጥራይ ኣይኮነን ዘኺዶ። ኮኦልሽን እዩ ዘድሊ።

ኣብ ፌደራላዊ ስርዓትና እንድሕር ድኣ ከምቲ እንደልዮን እንሓስቦን ዘይከይዱልና ወይ እንድሕር ድኣ ክኸፍኣና ደልዩ ሰለስተ መማርፅታት ኣለውና ኢለ እየ ዝኣምን። እቲ ሓደ እቲ ንሕና ኦፈር እንገብሮ ፌደራሊዝም ተቐባልነት እንድሕር ዘይረኺቡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስኽ ኢልካ ምንባር ይከኣል እዩ። ናይ መንነት ሓድነት ስለዘለና ደማ ምስ ኤርትራ እው ብሓባር ምዃን ይከኣል እዩ። እዚ ዋላ ብሓደ ከይኮንካ ኣብ ኤርትራን ኣብ ትግራይን ንፉዓት መራሕቲ እንተድኣ ተፈጢሮም በዚኦም ኣቢልካ ጠንካራ ህዝብታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካልኣይ መማረፂ ኮንፈደሬሽን እዩ። እዚ ንምግባር እቲ ካልእ ምድፋእ ኣየድልየካን። መንግስቲ ኢኻ፤ በቃ ኣብ ዘራኽብ እናተራኸብካ ኢኻ እትኸይድ። ዝተወደበ ህዝቢ ኣለካ፤ ስለዚ ከም ድላይካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ሳልሳይ ድማ ኣግኣዛዊ መንግስቲ ምምስራት እዩ።

ንኹሉሙሉ ግን ናይ ምሁራት ተሳትፎ የድሊ። እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል እንታይ ዓይነት ስግኣትን ዕድላትን ኣለውና ካብ ዝብል ጀሚሩ ብዝተፀንዐ መንገዲ ክእቶ ኣለዎ። ወያናይ ፅንሰ-ሓሳብ ዝብል ብዓርሱ ናይ ብሄራት ማዕርነት እዩ ዝብል። ግን ኣይተተግበረን። እዚ ክርአ ኣለዎ።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ክንሓበር ኣለና። ዘይምሕባርና ኢና እዚ ኩሉ ፀገም ዝበፅሓና ዘሎ። እቶም መውፅኢ መንገድታትና ተፀኒዖም ብሓባር ኢና ክንወፅኦም ዘለና።

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *