Home / Uncategorized / “ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃገርና ዝሓንሸሸ ለውጢ እዩ።”

“ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃገርና ዝሓንሸሸ ለውጢ እዩ።”

 “እቲ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኣተሕሳስባ ዝፈጠሮ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ናይ ምድህማስ ኣከይዳ እዩ ዝኒሀ።”

“ንነገር ካብ ህዝቢ ረብሓ ካብ ምርኣይ ካብ  ጉጅልኣዊን ብሰብ መዚንካ ካብ ምርኣይን  ዝተፈጠረ ሓይሊ እዩ”

ሜ/ጀነራል ክንፈ ዳኘው

ውራይና፡ ኣብዚ ዓዲ ለውጥታት ይርአ ኣሎ። ኢህወደግ ኣቦወንበረ ምስ ቐየረ ቀዳማይ ሚኒስትር እውን መፂኡ። እዚ ባዕሉ ዝኸኣለ ለውጢ ፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ስራሕ እውን ለቒቕካ ኣለኻ። ብሓፈሻ እዚ ከይዲ ለውጢ እዚ ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

ሜ/ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ እቲ ዘለናሉ ኹነታት ሕማቕ እውን እዩ። ከም ፅቡቕ ዕድል እውን ክውሰድ ይከኣል እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሕማቕ ምዃኑ ከም ብሓዱሽ ክንሓስብን ክንምዓረረ፤ ከም ህዝቢ ዝነበሩና ሕማቓትን ፅቡቓትን ነገራት ክንርኢ ዝገብር እዩ። እዚ ክንገብር ዘገድድ ወድዓዊ ኩነታት እዩ።

ሕማቕ ዘብሎ ጠቕላላ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃገርና ዝሓንሸሸ ለውጢ ምዃኑ እዩ። ዋላ ትሕቲ እቲ ናይ ሕገ መንግስቲ ሕንሻሸ ዋላ እኳ እንተኾነ ካብቲ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓታት ወፃኢ ዝኸይድ ሓደገኛ ዝኾነ ኣካይዳ እዩ። ኮይኑ ግን ብሓደ ገፅ ክንምሃረሉ ንኽእል ኢና።   ካብዚ ውድቀት እዚ ቀልጢፍና እውን ክንወፅእ ንኽእል ኢና።

ብካልእ ገፅ ድማ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ምህላውና ዘርእዩ ነገራት ኣለዉ። ፀረ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ፀረ ትካላዊ ኣሰራርሓታትን ዲሞክራስያዊ ባህርታትን ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ምዃኑ እንተዘይተረዲእኻ ድማ ከም ፅቡቕ ዕድል ክውሰድ ኣይከኣልን። ስለዚ ብኽልቲኡ ገፅ እዩ ምርዳእ ዘድሊ። ሓደገኛ ምዃኑ እንተዘይረዲእኻስ ክትምሃረሉን ህዝብን ስርዓትን ክተሕውየሉን ኣይትኽእልን።

ውራይና፡ ሓደገኝነቱ ብምንታይ እዩ ዝግለፅ? እንታይ እዩ ተፈፂሙ?  ተስፋታት እውን ኣለዉ “ፅቡቕ ዶ እኮ ይዛረብ ኣሎ እቲ መራሒ፣ ኢህወደግ እኮ  ኣሎ” ዝብሉ ኣለዉ ብተስፋታት ዝግለፁ። ስለዚ ክንምሃር እንተሃልዩና እውን እንምሃሮ ምእንታን ክንፈልጥ እንታይ ዓይነት ፀገም እዩ ገጢሙና ዝኒሀ?

ጀነራል ክንፈ፡ ናተይ ኣረዳድኣ እንድየ  ዝዛረብ ዘለኹ፤ ንርኣዮ ግዜ ንሃቦ ዝብሉ ኣለዉ። እዚኦም ይርኣይዎ። ኣይትርኣይዎ ኣይብሃልን። እቲ ምርኣይ መሰሎም ጥራይ ዘይኮነስ መሰልና በዚ እዩ ዝረጋገፅ ኢሎም ዝኣምኑ እውን ክኾኑ ዝኽእሉ ይኾኑ። ብናተይ ኣረዳድኣን ኣካይዳን ግን እዚ ሓደገኛ እዩ ዝብል እዩ።  ከምኡ ዘብለኒ ቅድም ቀዳድም እቲ ሕዚ ናብ ስልጣን መፂኡ ዝኒሀ ሓይሊ ኮነ ናይ ውልቀ ሰባት መስርሕ ህዝባዊ ዕላማ፣ መስመር ገለ ዝብሃሉ ማእከል ገይሩ ብግምግማን ብኡን ብኡ ጥራይን ብምርኣይ ዝሓለፎ መስርሕ የለን። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ፅሩይ ዝኾነ ትኽክለኛ ዝኾነ ዕላማ ዘለዎ ሰብ ክመፅእ አዩ ኢልካ ክትተዓሸሾ ኣይትኽእልን።

ካልኣይ እዚ ባይታ እዚ ተጠቒሙ፤ መፂኡ ዝኒሀ  ሓይሊ ኮነ ናይ ውልቀ ሰባት ምትእኽካብ ሒዝዎ ዝኒሀ ኣካይዳ  ፀረ ትካላዊ እዩ። ትካላዊ ማለት ሕገ መንግስታዊ ማለት እዩ። ሕገ መንግስታዊ ትካላት ማለት እውን ፓርላማ፣ ፍትሓዊ ትካላት፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት በቲ ሕገ መንግስቲ ዝተጣየሹ ነቲ ስርዓት ዝሕልዉ ትካላትን ህዝባዊ ውዳበታትን ወሲኽካ ማለት እዩ። ሰለዚ እቲ ኣካይዳ ነዚኦም ዘፍርስ እዩ። ንኣብነት ንድሕሪት እንተይከድካ እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ ዘረባ ጥራይ ኣይኮነን ስራሕ እውን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ዘረባን እቲ ስራሕን ይመሳሰል ድዩ ኣይመሳሰልን ዝብል ገዲፍካ እተን ዝሰርሐን ዘሎ ስራሓቲ ፀረ ሕገ መንግሰቲ እየን። ሓደ ኣብነት ዝጥቀስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሕገ መንግስታዊ ብዘይኮነ  መንገዲ  ከፍርሱ ሃቂኖም ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ውዳበታትን ውልቀ ሰባትን ብፍርዲቤት ውሳነ መሰረት ተበይንሎም እናሃለወ ነዚ ዝስዕር ስጉምቲ ተወሲዱ። እዚ ፍትሓዊ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ፀረ ትካል እዩ። anti establishment እዩ።  ፀረ ትካል ዝኾነ እሞ ድማ ዲሞክራሲ ዝበሃል ነገር ድማ የለን።

ካልኣይ ዕድመ እናተገበረሎም ኣብዛ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕድመ ተገይሩሎም ክኣትዉ እንተኾይኖም ነዚ ዝኸውን ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ናይ ሽብር ሓይልታት እዮም ኢሉ ዝመደቦም ናይ ሽብር ሓይልታት ዋላ ይኹኑ መፂኦም ክዛተዩ ይኽእሉ እዮም ናይ ምባል ልኣላዊ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ኣፍ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኩሎም ህዝብታት ከምኡ ገይሩ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ። ፓርላማ ዘይፈልጦ ዕድመ ካብ ሰብኣዊነት ዝመፅእ ወይ ካብ ዲሞክራሲ ዝብገስ ኣይኮነን። ፀረ ዲሞክራሲ እዩ። ናይ ሓፋሽ ውሳነ ብናይ ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ዉሳነ ክስዓር ፀረ ዲሞክራሲ እዩ።

ካብዚ ድቕቕ ዝበሉ ዝመስሉ ካብ ቅድም ኢሎም ዝተጀመሩ ነገራት ነይሮም። ንሳቶም እውን ከም ኣብነት ክልዓሉ ይክእሉ እዮም። ግን ሕዚ ኮይንና ክንርእዮም እንተሎና ካብዚ ዝዓቢ ፀረ ሕገ መንግስትን ፀረ ትካላዊ ኣሰራርሓን ክመፅእ እንተኾይኑ ካልእ እዩ ዝኸውን። እዚ ሓደገኛ እዩ።

ስለዚ ተስፋ ዝገብር ሰብ ተስፋ ክገብር ይኽእል እዩ። ኣነ ግን ካብዚ ሓይሊ እዚ ተስፋ ኣይገብርን። ተስፋ ዝውሃቦ እውን ኣይኮነን።

ከም ሓይሊ ክትብሎ እንተለኻ ንመን ከም ውልቀ ክትብል እንተለኻ ኸ ንመን ኢኻ ትረቁሕ ወይ refer ትገብር ዘለኻ?

ብላዕላዩ ክርአ እንተሎ ከም ውልቀ ዝረኣዩ ሰበ ስልጣናት ኣለዉ። ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ተሸይሙ ዘሎ ሰብ ጀሚሩ በብደረጅኡ ዘለዉ ሰባት ማለት እዮም። ኣነ ከም ሓይሊ ዝርእዮ ድማ ዘዋሪ ኣለዎ እዚ ጉጅለ እዚ። ዓለማዊ ሓይሊ ኣለዎ። ብካልእ ገፅ ኣብ በባዕሎም እውን ኣብ ረብሓን ውልቃዊ ድልየታትን ካብ ህዝቢ ብምርሓቕ ዝመፅእ ዕላማ ምስሓትን ዝነቐለ፤ ንነገር ካብ ህዝቢ ረብሓ ካብ ምርኣይ ካብ  ጉጅልኣዊን ብሰብ መዚንካ ካብ ምርኣይን  ዝተፈጠረ ሓይሊ ኣሎ። እዚ ሓይሊ እዚ ሓይሊ እንትብሃል ብጣዕሚ ብዙሕ ድዩ ውሑድ ድዩ ዝብሃል ነገር የለን። ናይ ኣተሓሳስባ ተመሳሳልነትን ስምረትን ዘለዎ ማለት እዩ። ኣብ እቲ ናይ ኣተሐሳስባ ተመሳሳልነትን ስምረትን ኣብ ዝተፈላለየ ፀፍሒ ክቕመጥ ዝኽእል እዩ። እዚ ከም ሓይሊ እዩ ክርአ ዝግብኦ።

ካብ ስራሕ ክትለቅቕ እንተለኻ ድሕሪ ምምራፅ ቀዳማይ ሚኒስትር ብቐጥታ ኢኻ ለቒቕካ እሞ ሕቶ የልዕል ኣሎ። ምስ መፀ ወድያው ምልቃቕካ ናይቲ መራሒ ዓቕምን ኣመራርሓን እውን ከይርኣኻ እዩ ዝኸውን ዘሎ እሞ ከመይ እዩ?

ካብ ስራሕ ክለቅቕ ዝሓሰብኩሉ እዋን ቀሊል ኣይኮነን። ብሓፈሻዊ እንትርአ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ሓደ ስራሕ ክንድዚ ዓመት ምስራሕ ይኸብድ እዩ። ክፈትሐን ዝግበአን ሽግራት ክዐውተን ዝግበኣኒ ዓወታት ከምዚአን ከምዚአን ዝበላ ኣለዋ። ንሰን ከዐውት ኣለኒ ብዝብል ጊዜ ተሚኑ ዘቕምጥ ክህልው ይኽእል እዩ። ኣነ ብኽልቲኡ ምኽንያትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝሰርሖ ዝነበርኩሉ ስራሕ እውን ካብ ሰናይ ድልየት ውድብን ህዝቢ ትግራይን ተመዲበ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ስራሕ እዩ። እንተዘይኮይኑ ብዝያዳ ከገልግሎ ዝግባእ ህዝቢ ኣለኒ ኢለዝኣምንን ብኡ ኣቢለ ድማ ሓሳበይ ከይደኸመን ተምሃራይነተይ ከየንቆልቆለን እንተሎ ኣብ ትግራይ መፂአ ከገልግል ዓብዪ ድልየት ነይሩኒ። ኣቐዲሙ!

እዚ ድልየት እዚ ኣብ ሓደ እዋን ከቀላጥፎ ከምዘለኒ ተረዲኡኒ። ብፍላይ ሎምዘበን ቀልጢፈ ካብቲ ዝተመደብክዎ ስራሕ ወፂአ  ብቐጥታ ንህዝቢ ናብ ዘገልግለሉ ስራሕ ክኣቱ ከምዘለኒ ወሲነ እየ። ልክዕ ኣብቲ ዝለቐቕኩሉ እዋን ክለቅቕ ወሲነ ነይረ ማለት ግን ኣይኮነን። ብውሕድ ክሳብ   ሓምለ ነሓሰ  ኸባቢ  ክፀንሕ እኽእል ይነብር። እታ ዝወሰንኩላ እዋን ግን ናይዚ ድምር ውፅኢት እዩ። ኣብ ውሽጠይ ዕግበት ምስኣን ይስምዓኒ ነይሩ። እቲ ዘውፈረኒ እቲ ዘዕበየኒ ህዝቢ ኣየገልገልክዎን። ደቁ ቐቢሩ ንባዕሉ ከርፋሕ ናብራ ይነብር ዘሎ ህዝበይ ካብዚ ንላዕሊ ክሰርሓሉ እዩ ዝግበኒ ነይሩ፤ ምስ ብፆተይ ኮይነ። እዚ ሓሳብ ከምዘሎዎ ኮይኑ እቲ ዝወሰንኩሉ እዋን ግን ኣብዚ ምፅባይ ዕሽነት እውን እዩ፤ ህብስተ መና ካብ ሰማይ ክመፅኣልካ ምምናይ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብቑጠባ ሓፍ ክብል ደልዳላ ክኾን ኣብዚኣ ብፅሒተይ ክፃወት ኣለኒ ኢለ ናብ ምውሳን በፂሐ። ሰለዚ እቲ ጊዜ ኣቐዲሙ እውን ክኾን ይኽእል ነይሩ። ድሒሩ እውን ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ብዝየዳ ግን ኣቐዲሙ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ እዩ።

ብኸመይ ኢኻ ብቑጠባዊ ዕብየት ንህዝቢ ትግራይ ክትሕግዝ ወሲንካ?

ብዙሕ ቐሊል መልሲ ክመፅእ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ቁጠባዊ ጥንካረ ክህልዎ ምግባር ካብኡ ተማሂርካስ ንስኻ እትፈልጦ ነገር ደሚርካ ተግባራዊ ምግባር እዩ ብቐሊል ኣገላልፃ። ብእንግሊዝኛ ህዝቢ ትግራይ ኣግሮኖሚ ይፈልጥ እዩ። ማሕረስ፣ ሓመድ፣ ጠሊ፣ ዘርኢ ይፈልጥ እዩ።  ዘይፈልጠን ድማ ኣለዎ፤ ቴክኒካል ዝኾና ነገራት። እተን ንሱ ዝፈልጠንን እተን ከማይ ዝበሉ ብፆት ኮነ ኣነ ዝፈልጠንን ደሚርካ ኣወሃሂድካ ናብ ዘየቋርፅ ምዕባለ ምእታው እዩ። ስነ ማእቶት ወይ ቴክኖሎጂ ስኽ ኢሉ ካብ ካልእ ዝመፅእ ኣይኮነን። ካብ ካልእ እንተመፂኡ እውን ኣብ ካልእ ከይዱ እዩ ዝሰርሕ። ስለዚ ካብ ባዕልኻ እዩ ክመፅእ ዘለዎ። መበቆላዊ ፍልጠት እዩ ዘድሊ። ነዚ ኣኪብካ ኣወሃሂድካ  ካልእ ክድመረሉ ዝግባእ ደሚርካ ክእለ ዘለዎ እውን ብዘተን ምይይጥን ኣሊኻ ስሩዕ ናይ ትምህርታዊ ኣገባብ ናይ ምስግጋር ስራሕ ተወሲኽዎ ናብ ዘየቋርፅ ምምሕያሽ ምእታው ይከኣል እዩ ኣብ ዝብል ተመስሪትና ኢና እንሰርሕ።  እዚ እዩ መበቆላዊ ዝብሃል ኣካይዳ።

ንዚ ኩንታት፡ ኣብተን ሓደጋታት እንትትገልፅ ነቲ ሕገ መንግስቲ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር ከምዘሎ ገሊፅካ ኣለኻ። ሕገ መንግስታዊ ዘይኮኑ ኣካይዳታት ኣለዉ። ግን ኣብቲ ስርዓት እውን ኣብ ባዕሉ ካብ ትሕት ኢሉ እውን ኣብቲ ፖሊስን ኣብቲ ባህሪ ናይቲ ውድብን ዘለዉ ነገራት  ይጥሐሱ ኣለዉ ዝብሉ ኣለዉ። ፕሮፌሰር ኣንድርያስ ካብ ዘልዓሎ ሓደ እውን እዚ እዩ ነይሩ፤ ናብ ሊበራሊዝም ገፅ ምዝንባል ዘሎ ይመስል እዚ ድማ ሓደጋ እዩ ዝበሎ ነገር ነይሩ። ኣብዚ እንታይ ትዕዝብታት ኣለካ? ብቐጥታ ምስ ሃይለማርያም እውን ትሰርሕ ብምንባርካ እቲ ዝነበረ ክፈርስ ከምዝኾነ እቲ ሓዱሽ ንዕኡ ብዝጥዕሞ መንገዲ ከማሕይሾ ከምዝኾነ ብዕሊ ዝተዛረቦ ነገር እውን ነይሩ?

እቲ ሕዚ ዝኒሀ ኣካይዳ ናብ ኒዮ ሊበራሊዝም እዩ ክወስደና ካብ ዝብል ንላዕሊ እዩ ክርአ ዘለዎ እቲ ጉዳይ። ናብ ኒዮሊበራሊዝም ቁጠባዊ ስርዓት ክንኣቱ ዘኽእሉ ጅማሮታት ምርኣይ ካብ እንጅምር ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብዕሊ ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣይሰርሕን ተባሂሉ ዝተዘረበሉ እዋን ነይሩ። ብሓለፍቲ እዩ እዚ። ገሊኦም ኣብ ኢህወደግ ዘለዉ ገሊኦም ድማ ኣብ መንግስትዊ ስልጣን ዘለዉ። ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ዝብሃል ኣይሰርሕን ኣብ ኢትዮጵያ። ወዲቑ እዩ። ከምዝወደቐ ኣረጋጊፅና ኢና። ኢሎም ብዕሊ ምዝራብ ዝተርኣየሉ እዋን ነይሩ። እንኮላይ እቶም ኣብ ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ዝብሃል ኣተሓሳስባ ሓሳባት ዘለዎም ኣካላት እውን ዝኣረጉ ብኣምሓርኛ “ቆሞ ቀረሽ” ዝብል ስም ተዋሂብዎም ርኢና ኢና።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ብተግባር ናብ ኒዮ ሊበራሊዝም ክንኣቱ ዝገብር ስጉምታት እናተወሰደ መፂኡ እዩ። እቲ ሓደ ቁጠባ ከመይ እዩ ዝህነፅ ኣብ ዝብል ጉዳይ፤ ልምዓታዊ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ዝኣምኖ ኣብ መበቆላዊ ፍልጠት ተመርኵስካ ህዝቢ ብምስታፍ እቲ ህዝቢ ተረባሓይ ብምግባር ዕዳጋ ከቕርቦ ዘይኽእል ናይ ስነ ማእቶት ቀረብ ናይ ቴክኖሎጂ ቀረብ መንግስቲ ከቕርብ ብምግባርን ዘየቋርፅ ቅልጡፍ ምዕባለ ምምፃእ እዩ፤ እዩ ዝብል። ኒዮሊበራሊዝም ድማ ናይዚ ተፀራራ እዩ። ፍንው እዩ። ዕዳጋ ዝገበረት ትግበር እዩ። ትፍንዎ እሞ ኣብኡ ሓሚሱ ዝወፅአ ይውፃእ ዝተሰዓረ ድማ ይስዓር ዓይነት እዩ። እዚ እዩ እቲ መትከል።

ስለዚ ቅድሚ እዚ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ዝነበረ ሓይሊ ወይ ውልቀ ሰብ ወይ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ክትብሎ ትኽእል ኢኻ እቲ ናይ ኒዮሊበራሊዝም መትከል እዩ እናሰርሐ መፂኡ።  ኣብ ሓደ እዋን ኩለን ከባብታትና ብቐጥታ ናይ ደገ ኢንቨስትመንት ኢና እነልምዐን። ካብዚ ወፃኢ ክነልምዐን ኣይንኽእልን። ኢኮኖሚ እውን ዝምዕብል ብፋይናንሳዊ ዓቕም ዘለዎ ኣካል እዩ ዝብል እዩ ነይሩ። ናይ ደገ ኢንቨስትመንት ግደ ኣለዎ እዚ ኣይክሐድን። ግን ሓፈሻዊ ቑጠባኻ ከልምዓካ ኢልካ ኣይኮንካን ተግባራዊ እትገብሮ። ቁጠባ ኣብ ምዕባይ ብፅሒት ኣለዎ፤ ምልማዕ ግን ካልእ እዩ።

ልምዓት ማለት ህዝቢ ወናኒ ስነ ማእቶት፣ ወናኒ ሃፍተ ገነት ክኸውን ምግባር ማለት እዩ። እዚ ምግባር ዝከኣል ድማ ካብ ደገ ብዝመፅአ ፋይናንስ ወይ ኢንቨስትመንት ኣይኮነን። ዋላ እናተጋገየ ዋላ እናወደቐ ባዕሉ እቲ ወዲ ሃገር እዩ ልምዓት ክውንን ዘለዎ። ዜጋ ባዕሉ ዓዲ ኣቡኡ ክሃንፅ ብምግባር እዩ ልምዓት ዝረጋገፅ። ኣብ ሓደ መድረኽ ክመፅእ   ኩለን መንግስታዊ ትካላት ክሽያጣ ኣለወን ዝብል እዩ ነይሩ።  ክትዕ ተኻይዱ ኣብ መንጎ ናይ ኢወደግ ኣመራርሓ። ሽዑ ብመሰረተ ሓሳቡ ኣይኮነን ዝተኻትዑ። ዝኸሰራ ዘይከሰራ ናብ ዝብል ክትዕ እዮም ኣትዮም። ቁጠባ ናይ ምምራሕ ጉዳይ ግን የኽስብ ድዩ ኣየኽስብን ብዝብል ኣይኮንካን እትልክዖ። ዘየኽስብ ነገር ኣይትገብርን ፍሉጥ እዩ። ግን መኽሰብ ህዝቢ ምልማዕ እዩ። ህዝቢ ክኽእል ክፈልጥ ምግባር እዩ። ወናኒ ማእቶት ክኸውን ምግባር ማለት እዩ። ስለዚ እናተሰርሓሉ  መፂኡ እዪ ናይ ኒዮሊበራሊዝም ከይዲ። ብምዃኑ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ናብ ኒዮሊበራሊዝም ንኸይድ ኣለና ካብ ዝብል ንላዕሊ እዩ ክርአ ዘለዎ።

እቲ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኣተሕሳስባ ዝፈጠሮ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ናይ ምድህማስ ኣከይዳ እዩ ዝኒሀ። ብቀሊሉ እተን ዓንተቦይ ዝበልክወን ምፍራስ ትካላዊ ኣሰራርሓታት፣ ውዳበታት እዩ ዝኽየድ ዘሎ። ከምዚ ብምግባር ዝመፅእ ለውጢ ኣሎ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሃልዩ እውን ጌጋ እዩ። ንነብስካ ምትዕሽሻው እዩ። ብተግባር እዩ ዝፈርስ ዘሎ። ስለዚ ካብ ናብ ኒዮሊበራሊዝም ምእታው ብላዕሊ እዩ ከይዱ ዘሎ እቲ ሓደጋ።

ገለ ሰባት ድማ ባዕለይ እውን ኣብ ድምፂ ኣሜሪካ እናተኻታዕኹ ኣብኡ ዝቐረቡ ዝበልዎ “እቲ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚንስተር ዝገብሮ ዘሎ ለውጢ ፅቡቕ እዩ” ዝብል ነይሩ። 27 ዓመታት ኢህወደግ ኣብ ኢትዮጵያውነት ኣይሰርሐን። ኣብቲ ፍልልያት እዩ ዘድህብ ነይሩ። ሕዚ እዩ ዘስተኻኽል ዘሎ ዝብል ነይሩ። ኢህደግ እውን ዝገምገሞ እዚ እዩ። ኣብታ ዝበልኩኻ ክትዕ እቲ ንመንግስቲ ትግራይ ዝወከለ ኣካልን እቲ ብውልቀ ዝተሳፈ ኣካልን ብማዕረ ዝበልወን እየን። እዚኣ ከመይ ትርእያ?

ሐደ ነገር እዞም ከምዚ ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት ኣብ ነናይ ባዕሎም ውዳበታት ተዘራሪቦም ድዮም ከምዚ ዝብሉ ወይስ ነናይ ውልቀ ርእይተኦም እዩ ዝብል ባዕልቶም ተዝርእይዎ። ምኽንያቱ በቲ ውዳበ ዓይኒ ክትርእዮ እንተለካ እቶም መትከላት ባዕልቶም ከምዚ ክትብል ዝገብሩ ኣይኮኑን። እቶም መትካላት ናይቲ ውድብ  ባዕልቶምስ ዝፈቕዱ ኣይኮኑን። ካልኣይ እዚ እንታይ የርእየካ ኣብ ውዳበታት ብፍላይ ድማ ኣብቲ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ውዳበ ዘሎ ሰብ ዝተስተኻኸለን ወያናይ ዲሞክራስያዊ ባህሪ ዘለዎን ኣተሓሳስባ ይጎድሎ እዩ። ድማ እናንጠብጠበ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ እዩ ዘርእየኒ።

ዝኾነ ኾይኑ ኢትዮጵያውነት እንታይ እዩ ዝብል ሕገ መንግስትና ብግልፂ ኣቐሚጥዎ እዩ። ቅድሚ ምፅዳቕ ሕገ መንግስትና እውን እንተኾነ ህዝብታት ተቓሊሶምሉ እዮም። እንኮላይ ህዝቢ ትግራይ!

ስለዚ ኢትዮጵያውነት ብምፈጣር ሓደ ማሕብረሰብ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ክግለፅ ይኽእል እዩ። ሓደ ህዝቢ ሓደ ቋንቋ መንነት ዘይብሉ ህዝቢ ብምፍጣር እውን ክፍጠር ይኽእል እዩ። እቲ ካልኣይ ኣይሰርሕን። በዚ መዳይ ዝተዓወታ  ሃገራት እንተሃልየን ህዝቢ ብምጥፋእ እየን ተዓዊተን። ንኣብነት ኣሜሪካ እቶም ባሕሪ ዝሰገሩ ነቶም ኣውሮፓውያን ሬድኢንድያንስ ዝብልዎም ነባራት ደቂ ኣሜሪካ ኣጥፊኦም ብዙህነት ዘይብሉ ሃገር መስሪቶም እዮም። ግን ንሶም እውን ሃገር ዘለዎም ምኳኖም ርግፀኛ ምዃን ኣይከኣልን። ንብረት እኳስ ነናይ ውልቀኦም እምበር ናይ ሃገር ዝብሃል ንብረት ኣይብሎምን። በቲ በለ በዚ እዚኦም ናይ 2 ክልተ ሚኢቲ ዓመት ስልጣነ ዘለዎም ህዝብታት እዮም። ስለዚ ኣብነት ክኾኑ ኣይኽእሉን። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ናይ ዘበናት ታሪኽን ኣመፃፅኣን ስልጣነን ናይ ዘለዎም ህዝብታት ዓዲ እያ። ነዚኦም ብምጭፍላቕ ኣዲስ ኣበባ እትመስል ሃገር ብምምስራት ሓድነት ክመፅእ ኣይኽእልን። እንተተደለየ እውን ኣይኸውንን እንተኾነ እውን ኣይቕፅልን። ኢትዮጵያ ዝብሃል ስያመ እንተተውሃበ እውን ናይዞም ህዝብታት እዚኦም ህዝባዊ ሃፍቲ ኣብቲ ባህልን ክብርታትን ስለዘሎ እዚ እንትጠፍእ ንሱ እውን ጠፊኡ ክቐሪ እዩ።

ስለዚ እዚ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር   ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያ እዩ ዝሰብኽ ዘሎ ዝብሉ ሰባት ብሓደ ገፅ እቲ ዝተሰለፉሉ ዕላማ ኣይፈልጡን። ካልኣይ ግን ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ እዩ ዝምስረት ዝብል ኣብ ገደል ዝኣተወ ኣተሓሳስባ ኣለዎም ማለት እዩ።

ኢትዮጵያዊ መንነት ባ እንታይ እዩ ንዓኻ ጀነራል?

ኢትዮጵያዊ መንነት ኣብ ናይ ባዕሉ መንነት ኽሳራ ዘለዎ ሰብ ዝሃንፆ መንነት እዩ።  ኣነ ኦሮሞ እየ ዘይብል፣ ትግራዋይ እየ ዘይብል። ኢትዮጵያ ግን ሃገረይ እያ። ስለዚ ኢትዮጵያ ዜግነተይ እዩ ዘይብል ሰብ ንኢትዮጵያ ክሃንፃ ኣይኽእልን። እቲ  ሕዚ ሓድነት ሓድነት፣ ዶ ኢትዮጵያ ኢትዮጰያውነት ዶ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዙ መንገዲ መንገዲ ዝኸይድ ዘሎ ሰብ/መራሒ እውን ብሃይማኖት ኾነ ብብሄር ኽሳራ ዘለዎ ሰብ እዩ። ናይ እንዳማቱ ዝልቃሕ እዩ። ናይ እንዳማቱ ዝልቃሕ ድማ ኣብ ባዕሉ ዘይተኣማመን እዩ። ወይ ዘይብሉ እዩ። በዚ ኣካይዳ እዚ ድማ እታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያ እቶም ብሄር ብሄረሰባት ታሪኾምን መንነታዊ ክብርታቶምን ክኹልዑን ክውልዑን ዘይትገብር፤ ብዝሃነፅዎ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክትድነ ዘይትኽእል ኢትዮጵያ  ክትቕፅል ኣይትኽእልን።

ብናተይ ኣረኣእያ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ክትውክል ኣይትኽእልን። ኢትዮጵያውያን ዝነብሩላ እንኮላይ ኣሜሪካውያን ኣውሮፓውያን ዝነብሩላ ማእኸል ከተማና እያ። ከም ኣዲስ ኣበባ ክንከውን ኣይምነን። ከሲርና ኢና ክንተርፍ። ስለዚ ሓድነት  ኢትዮጵያ እዩ ዝሰብኽ ዘሎ ዝብል ኣይሰማምዓሉን። ሕራይ ይሰብኽ ኣሎ፤ ግን ናይ መን ኢትዮጵያ? ኣያና ኢትዮጵያ?

ነቶም ተቓወምቲ ኾነ ኣሸበርቲ ዝተብሃሉ ውድባት/ኣካላት ምዕዳም ብፓርላማ ዝተፈረጁ  ፓርላማ ብስርዓት ከየልዓሎ ምፅዋዕ ትኽክለ ኣይኮነን ዝብል ይሰማምዓሉ እየ። ግን ዝኾረዩ ዝተፈሓፍሑ ኣካላት ምፅዋዕ፣ ይቕረታ ምብሃሃል፣ እቲ ፖለቲከዊ ባይታ ክመቻቾ ምግባር፣ ከም እወንታ ምውሳድ ዶ ኣይክኣልን?

ፓርላማ እንተዝውስን ምሉእ ብምሉእ እየ ዝቕበሎ። ቅድም ቀዳድምምስ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣካል ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ ኣገዳስን ጠቓምን እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙኋነት ዘይቕብል ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ክህልው ኣይኽእልን። ናይ ውልቀ ሰባት ኣተሓሳስባ ብዙሕ ፀፍሕታት ዘለዎ ምዃኑ ዘይኣምን ሰብ ናይ ባዕሉ ሓሳብ እውን ንመን ክዛረብ ከምዘለዎ ዘይፈልጥ ከም ማለት እዩ። ናይ ኣታሓሳስባ ኣፈላላይ ሽግር ኣይምፅእን።

እዚ ኢልካ ግን እቲ ኣፈላላይ ዝተኣናገደሉ መንገዲ ሕግን ስርዓትን ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። እዞም ናይ ራዕዲ ሓይልታት ዝተብሃሉ ነቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ክነፍር ኢና ኢሎም ዝወፈሩ እዮም። ዝተፈለየ ሓሳብ ስለዘለዎም ኣይኮነን ዘይሕጋዊ እዩ ኣፈታትሕኦምን ምዕዳሞምን ንብል ዘለና። ስለዚ ንሳ እውን እንተይኣልዓልና እቲ ግብረ ራዕዳዊ እዮም ኢሉ ዝፈረጀ ኣካል እንተይፈለጠ ዝግበር ከይዲ ግን ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ንምትእንጋድ ዝመጽአ ዘይኮነስ ካልእ እዩ። መሸጎጢ ናይ ምብዛሕ ከይዲ እዩ። በዓቲ ናይ ምፍጣር ከይዲ እዩ። እዚ ከይዱ ከይዱ ከምኡ ዶ ይቕፅል ካልእ ነገር እዩ። ኣብ ስርዓትን ሕግን ተመስሪትካ እንተዘይገይርካዮ ባዕሉ ራዕዲ እዩ ዝፈጥር። ስለዚ እዚ ከይዲ እዚ ስርዓት ናይ ምፍራስ ከይዲ እምበር ብዛዕባ ሓሳባት ናይ ምትእንጋድ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዘይሕጋዊን ዘይዲሞክራስያውን መንገዲ ይኸይድ ዘሎ ምዃኑ ድማ እቲ ስርዓት ናብ ኢ ዲሞክራስያውነት ዘምርሕ ዘሎ ንምዃኑ መርኣያ ይኸውን ኣሎ።

 ናብታ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝበልናዮ እሞ ንመለስ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣኪብዎም ኣብ ዝነበረሉ ናይ ሃፋትም መድረኽ ዝበሎ ሓደ ነገር ነይሩ። እቲ ስርዓት ልምዓታዊ መንግስቲ ከምዝቕፅል እዩ ገሊፁ። እዚ ምስቲ ናትካ ስግኣት ኾነ ፕሮፌሰር እንድርያስ ኣብ ሸራተን ኣብ ዝነበረ ሓደ ዋዕላ ዝበሎ ዋላ እውን ጫልቱ ኣብ ውራይና ዝፀሓፎ ዝፃረር ዓይነት እዩ። ስለዚ እዚ ከመይ እዩ ዝሳነ?

እዚ ሕዚ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ሰብ ዝብሎ ዘሎ ነገር ደሚርካ እንተርእይኻዮ እዩ ዝሓይሽ እምበር ኣብተን ዝተዛረበን ቃላትን ሓረጋትን እንድሕር ትንጥልጠል ኮይንካ እትደልዮ እውን ፈሊኻ ናይ ምስማዕ ፀገም እዩ ዘጋጥም። ስለዚ እቲ ዝህበካ ምስሊ ምሉእ ክኸውን ደሚርካ ኢኻ ክትርእዮ ዘለካ። እንተዘይኮይኑ ቃላቱ ዲሞክራስያውነት ኮነ ልምዓታውነት ኣይገድፍን ንዝብል ተስፋ ከጠናኽር ይኽእል እዩ። ልምዓታውነት እንታይ ማለት እዩ? ልምዓታውነት ማለት  እዚ እዚማለት እዩ ኢልካ ኣቐሚጥካ ኣብ ክሊ ንሱ ነቲ ዘረባን ተግባርን ንምዝማድ ምፍታን ማለት እዩ።

ንኣብነት ልምዓታዊ መንግስቲ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ኢ ሃይማኖታዊ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። ሰኩዩላር ክኸውን ኣለዎ መንግስቲ ማለት እዩ። ንኹሎም ህዝብታት ዝኸውን መንግስቲ ማለት እዩ። ሃፍታም ክርስትያን ወይ ፕሮቴስታንት እንትበዝሕ ናብኡ ፀብለልታ ዝገብር ምስልምና እንትበዝሕ ድማ ናብኡ ዘዘንብል ኣይኮነን ክኸውን ዘለዎ። ካብ ዘባዕባዕ ናፃ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ንኩሎም ብማዐረ ዘተኣናግድ ክከውን ኣለዎ።

እቲ ሕዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ዝኒሀ ሰብ ግን ኢ ሃይማኖታዊ ኣይኮነን። ሰኩዩላር ኣይኮነን። ሃይማኖታዊ ጥራሕ እዩ ንብምባል እውን የፀግመለይ እዩ። ናይ ኢቫንጀሊካኒዝም/<ወንጌላዊነት> ናይ ፖለቲካ ስረዓት እዩ ዝኽተል ዘሎ።  ከምዚ ኮይንካ ልምዓታዊ ክትከውን ኣይትኽእልን። ይቕረታ ምብሃሃል ዶ ገለ ዶ እንተበለ ንኢቫንጀሊካኒዝም ፖለቲከኛታት ኦርቶደክስ ፀላኢኦም እዩ። እስልምና ንዐኦም ኣሸባሪ እዩ። እዞም ክልተ ሃይማኖታት እዚኦም ኣብ ቦቦትኦም ዶ ኣለዉ ሕዚ ዝብል ባዕሎም እቶም ኣመንቲ ይከታተልዎ። ሓደጋ ገይሮም እዮም ግን ዝወስድዎም ከምዚኦም ዝበሉ መራሕቲ።

ናይ ኣሜሪካ ስርዓት ካብ ቀደሙ ጀሚሩ፤ ኣሜሪካ እቲ ስርዓት ክጣየሽ እንተሎ ካልኦት ብምውሓጥ ዝተፈጠረ ስርዓት ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ልዕልነት ኣብ ዓለም ክነግስ ብምግባር እዩ ኣሜሪካ ክትነብር እትኽእል ኢሉ እዩ ዝኣምን። ገሊኦም መራሕቲ ፈተውትና እዮም ይብልዎም። ዘፋትወናን ዘሰማምዐናን ኣሎ። ናይ ነዊሕ ፈተውትና እዮም ኢለ ግን ኣይምሕልን። ምኽንያቱ ናይ ዓለም ፀጋታትን ሃፍትታትን ብምጥፋእ  ናይ ኣሜሪካ ረብሓ ክረጋገፅ እዮም ዝደልዩ። ነዚ እዮም ዝሰርሑ። ናይዚኦም ልኡኽ ድማ ናይ ልምዓት ሓይሊ ክኸውን ኣይኽእልን።

ከመይ ገይርካ ናይዚኦም ልኡኽ ትብሎ?

እዚ ዘብለኒ ሓደ ባዕሎም ብግልፂ ተዛሪቦም እዮም። ናታቶም ሓይሊ ምዃኑ ብግልፂ ባዕሎም ተዛሪቦም እዮም። ካልኣይ ኩለን እተን ዝገብረን ናይ ኣሜሪካ ረብሓታት ንምርግጋፅ ኮነ ተባሂለን ኣብ ዝተቐመጣ ፅሑፋትን መስመራትን ኮነ ተባሂለን ዝተቐመጣ ስርሓቲ እየን። ካብ ዘረብኡ ጀሚሩ! ኩለን ናይ ኣሜሪካ ኢቫንጀሊካኒዝም ንምምዕባል ዝግበራ ዘለዋ እየን። ናይ ዓለም ናይ ኣሽሓት ዓመታት ስልጣነ ብምጥፋእ ኣቢልካ ልዕልነት ኣሜሪካ ምርግጋፅ እዩ ስርሖም። ናይዚ ራእይ እዚ ሓይሊ ዝኾነ ሰብ ድማ ልምዓታዊ ክኸውን ኣይኽእልን።

ካብዚ ብዝገደደ እውን ክግለፅ ይኽእል እዩ። ናብ ልምዓት ዝወፈረ ሓይሊ ብቄሮ ጌርካ ሓዊ ክበልዖ ብምግባር ናይ ዘርእን ብሄርን ኣፋላላያት እናወላዕኻ “ንሱ ስለ ዝሃፍተመ ንስኻ ደኺኻ” ናይ ዝብል ህውከተ-ፖለቲካ መራሒ ዝኾነ ኣካል ልምዓታዊ መራሒ ክኸውን ኣይኽእልን። ዲማጎግ ይብልዎ ግሪካውያን! ዲማጎግ ማለት ንህዝቢ ዝጠቅም ማለት እዩ ነይሩ ኣብ መጀመርያ። ዳሕራይ ግን እዚ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ከጥፍእ ዝመፀ ኢሎም እዮም ዝትርጉምዎ።

ከመይ ገይርና ኢና ናይ ቄሮ መራሒ ነይሩ ክንብሎ ንኽእል? ርግፅ እዩ እቶም ዝበልካዮም ጥቕዓታት ተፈፂሞም እዮም። ግን ንሱ እዩ መሪሕዎ ዶ ክንብል ንኽእል?

ንሱን ምስኡ ዘለዉ መራሕትን  ኣንሕና እንተዘይተመሪፅና እቲ ናይ ሕዚ ዘሎ ናይ ቄሮ ምንቅስቓስ ደው ኣይብልን ኢሎም ወፊሮም።

ኣብዚ እማ ክሕግዘካ!ዋላ ምስተመረፁ እውን ደጊሞምዎ?

እወ! ኣረ ንሳ ጥራይ እውን ትኣክል እያ።  ንሕና እንተዘይመሪፅና እዚ ናዕቢ እዚ ደው ኣይብልን ምባል ዲማጎግ እዩ። ስርዓተ ህውከት ዝመርሕ ፖለቲካዊ ሓይሊ ምዃን ማለት እዩ። ብህውከት ናብ ስልጣን ዝመፅእ ማለት እዩ። ንቄሮ ኣዕጢቑ ኣሰፈሊፉ እንድዩ ኣውፊርዎ። ብሓፈሻ ነቲ ህውከት ተጠቒሙ ናብ ስልጣን ክመፅእ ዝደሊ ሓይሊ ምዃኑ ባዕሉ ኣረጋጊፁ እዩ። ኣባገዳ እውን ኣዛሪብዎ እዩ። ኣባገዳ ክብሎ እኳ ንዓይ ይኸብደኒ እዩ። ምኽንያቱ ኣባገዳ ብምሰረቱ ናይ ስላምን ዕርቅን እዩ ነይሩ። ግን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣባገዳ ዝመርሕ ሰብ ናትና እንተዘይተመሪፁ ዓዲ ክትርበሽ እያ እዩ ኢሉ። ስለዚ እዚ ስርዓተ ህውከት እዩ። እዚ ድማ ናይ ልምዓት ሓይሊ ክኸውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ኣብ ልምዓት ዲሞክራሲ፣ ማዕርነት፣ ፍትሓውነት ኣሎ።

ስለዚ ልምዓታውነት ክቕፅል እዩ ይበል ኣይበል ብዘየገድስ እተን ቃላት ሰሚዕኻ ዘይኮነስ ብሓፈሻ እቲ ኩነታቱ ገምጊምካ እዩ ኣብ መደምደምታ ክብፃሕ ዘለዎ። ዘረብኡን ተግባሩን ርኢኻ ድማ እታ ዝብለካ ዘለኹ እያ።

ኣብ ሶሻልሚድያ እውን ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እናዞርካ ናብ ህዝቢ እናኸድካ ምዝርራብ ኣሎ። እዚ ገሊኡ ብእወንታ ይርእዮ ኣሎ። እቲ ንመንግስቲ ትግራይ ወኪሉ ኣብ ድምፂ ኣሜሪካ ዝተኻተዐና ሰብ እውን ነቲ ህዝቢ ፅቡቕ እዩ ብምባል እዩ ዝገልፆ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ረብሓ እውን ይውዕል ኣሎ እዩ ዝብል። ነዚ ብጉልህ ዘውፅኦ ዘለኹ ወኪል መንግቲ ኮይኑ ስለዝቐረበ እየ። እሞ እዚ ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

እተን በቦትኡ እናኸደ ዝገበረን ዘሎ ዘረባታት ቅድም ቀዳድም ስራሕ እየን። ገሊአን መተዓሻሸዊ እየን። ገሊአን ናይቲ ኢቫንጀሊካኒዝም  ዝበልኩኻ መርኣያታት እየን፤ ናይ ስርዓተ ህውከት ፖለቲካ መሰጎሚ እየን። ገሊአን ከዓ ህዝቢስ ከዐሽዎ ይኽእል እየ ካብ ዝብል ዝብገሳ ጥራይ ኣይኮናን። ናይ ምክፍፋል ከይዲ እውን እየን። ኣብዛ ሃገርና ዝነበሩ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝመርሑ ዝነበሩ ኣካይዳ እየን። ንህዝቢ ትግራይ ሞተር ኢኻ ኢልዎ። ኣበ ኣዲስ ኣባባ ከይዱ እነኮላይ ንተጋሩ ኣኪቡ ኢትዮጵያውነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እያ ንእሽቶ ትጅምር ኣላ ኢሉ። ኣብ ካልእ ኣላ ኣይበለን። ካብ ኣዲስ ኣበባ እንተወፂእካ ኢትዮጵያውነት የላን እዩ ኢሉ። ኣብ ኩለን ክልላት እንታይ እንታይ ተዛሪቡ ዝብል ገዲፍካ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝተዛረቦ እኳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ትግራይ ኣፍሪስዎ እዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ግን ሰብ ከስተውዕሎ ዘለዎ ኣብዪ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ኣይፈልጦን። ናይ 4500 ዓመት ታሪክ ክፈልጥ 4500 ዓመት እንተዝነብር እውን ኣይፈልጦን። ህዝቢ ትግራይ እውን ንባዕሉ ክፈልጥ ክመራመር እዩ ዘለዎ ይተረፍ ዶ ንሱ። ኣነ ንህዝቢ ትግራይ ይፈልጦ እየ ምባል፤ ድፍረት እዩ። ደፋር እዩ። ድንኳን ገይርዎ ነቲ ህዝቢ? ኣብ ድንኳን ኣቲኻ እኳስ ኣብኡ ዘለዉ ኣቕሑ እኮ ኩሉ ኣይትፈልጦን። ክምሃር ዘይደሊ ምዃኑ ዘይኮነ ዘሕዝን ዲማጎግ ስለዝኾነ እውን እዩ ከምኡ ዝበለ።

እዚ ብምዃኑ እቲ ናብ ህዝቢ እናኸደ ዝዛረቦ ዘሎ ብዓይኒ ናብ ህዝቢ ምቕራብ ጥራይ ዘይኮነ ክርአ ዘለዎ። ከምኡ ዝርእይዎ እንተሃልዮም ይርኣይዎ። ግን ዲማጎግ እውን እዩ። ህዝቢ ዝነዓቐ እዩ። ህዝቢ ኣንኢሱ ዝርኢ እዩ። ካብ ንባዕሉ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝብገስ እውን እዩ።

እቲ ሕገመንግስቲ ኮይንዎ ዘሎ ርኢና። እቲ ኣሰራርሓታትን ትካላውነትን እውን  ንርእዮ ኣለና። እቲ ስነ ሓሳብ እውን ንሪኦ ኣለና፤ ከመይ ይገብሮ ከምዘሎ’። ግን ከምዚ ዝብለ ሰብ ንስኻ ከም ላዕለዋይ መራሒ መንግስቲ ከምዚ ዝበለ ሰብ ናብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ክሳብ ዝመፅእ እሞ ድማ ነቲ ስርዓት ናብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ከውድቕ ክሳብ ዝበፅሕ ሲ እቲ መንግስቲ እንታይ እዩ ዝገብር ነይሩ? ንስኻ ንባዕልኻ ኸ እንታይ ትገብር ነይርካ?

ኣነ እቲ ሕዚ ዘውግዖ ዘለኹ ወተሃደር እናሃለኹ ከውግዖ ኣይኽእልን። ምክንያቱ ብሕገመንግስቲና መሰረት ሓደ ወተሃደር ናብ ሓደ ውድብ ወይ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወጊኑ ክዛረብ ኣይፍቀድን። ድሕሪ ምዝራብ ዝመፅእ ሳዕቤናት እውን ስለዘሎ  ዘይትቕበሎ ንባዕልኻ ትሕዞ እምበር ፖለቲካዊ ቅዋምካ ኣይተንፀባርቕን። ስለዚ ምስቶም ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝነበሩ ሰባት ተደሚረ እዚ እንተዝግበር እዚ እንተዝግበር ክብል ኣይክእልን ነይረ፤ ቦታይ ኣይፈቕደልን።

ከም ውልቀ ሰብ ድማ መምለጢ ክኸውን ኣይኽእልን። ናብ ሰራዊት እንትኣቱ ብናይ ህወሓት ውሳነ ኢና ናብዚ ኣቲና። ውሳነ ህወሓት እንትብል እንተለኹ ጉባኤ ማለት እዩ። ላዕለዋይ ኣካል ናይ ውድብና ንሱ እዩ። እቲ ውሳነ ሰራዊት ከገልግል፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ዘይጠዓመኒ ሰዓት ድማ ናብ ውድበይ ተመሊሰ ህዝበይ ከገልግል ዝፈቅድ እዩ ነይሩ።  ኣብ ዝተረደኣኒ እዋን መሰል ሂቡኒ እዩ እቲ ጉባኤ። መሰል እንተዘይሃበኒ እውን ኣብ ዘይኣመንኩሉ ስርዓት ክሰርሕ ዘይክሰርሕ  ናይ ባዕለይ ውሳነ እዩ።  በዚ መንፅር ክርኢ እንተለኹ ኣቐዲመ እውን ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ከምዚ ሕዚ ከይዓቀንኩ ኣብ ክዛረበሉ ዝኽእል ቦታ ደው ኢለ ክቃለስ ይኽእል እየ። ናሃተይ ብፅሒት ናይ ሓደ ሰብ ብፅሒት ዋላ ትኹን ቐዲመ ክውስን ክኽእል ነይረ እየ። በዚ መንፅር እዚ  ደንጉየ እየ። እዚ ግን ውልቀ ሰባት ኣብ እንገብሮ መስተጋብር እዩ። ውልቀ ሰባት ከምኡ ብምግባርና ክመፅእ ዝኽእል ዝነበረ ለውጢ ብዙሕ ኣይኮነን። እናደስከለ እናወደቐ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ እናተፈጠረ ህዝቢ ታይ ማለት ምዃኑ ምልላይ ዝኣበየ፤ ናይ ህዝቢ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ሕቶ ታራ ሕቶ ክኾን፤ ናይ ልምዓት መስመራትና ምዕራባውያን እናኾኑ እንትኸዱ እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ዝተጠቐመ ሓይሊ… እዚ ዘስዓቦ ማሕበረሰባዊ ምድኻም ኣሎ። እዚ ማሕበረሰብ እዚ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት ማሕበረሰባዊ ምድኻም ዝፈጠረ ፖለቲካዊ ምድኻም ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ምድካም ዝፈጠሮ ማሕበረሰባዊ ምድኻም ገይረ እየ ዝወስዶ።

እዚ ሕዚ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየምፅእ እንታይ እዩ ክግበር ዘለዎ ጀነራል?

ቀዳማይ ነገር ኩሉ ነቲ ሓደጋ ክርድኦ ኣለዎ፤ ብትኽክል። ካልኣይ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ። ገለገለ ሰባት መፍትሒ ናይቲ ፀገም ናይ ውሽጢ ቃልሲ ገይሮም ዝወስዶ ኣለዎ። ብርግፅ ቀዳማይ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ሓፋሽ እንተይኣንቃሕኻ ምሉእ ምስሊ ክሕዝ ከይገበርካ፣ ዲሞክራስያዊ መንገዲ ተኸቲሉ ዝመፀ እዩ እባ ኢህወደጋዊ ስርዓት ተኸቲሉ እዩ መፂኡ እናበልካ እቲ ናይ ውሽጢ ቃልሲ ምውላዕ ይኸብድ እዩ።  ስለዚ እታ ቀዳመይቲ ነገር እዚ መፂኡ ዘሎ ሓደጋ ናይ ውሽጢ ድኽመት ውፅኢት ተመስሪቱ ወያናይ ዲሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከይትህሉ ንኣፍሪካ መርኣያ ከይትኸውን ናይ ዝፅዕር ሓይሊ ሕሽክርና ዝቖመ ምዃኑ ክርዳእ ክኽእል ኣለዎ። እዚኣ ቀዳመይቲ እያ።

እዚ ብዙሕ ምርምር ኣየድልዮን። ኣብ ውልቀ ሰብ እውን ኣይኮነን። ኣብ ኩለን ውድባት ኢህወደግ ዘሎ መንፈስ ገይርካ እውን ምርዳእ የድሊ። እዚኣ እንተኣረዲእኻዮ ሓፋሽ ፅቡቕ እዩ።

ካልእ ብዲሞክራስያውን ሰላማውን መንገዲ ምቅላስ እያ። እዚ ዝኸውን ግን ሓፋሽ እንተኣንቂሕኻ እዩ። ከምኣ እንተዘይተግራ ድማ እቲ ሓፋሽ ናብ ዘይኮነ መንገዲ ክኸይድ እዩ ማለት እዩ። ስለዚ ሓፋሽ ምሓዝ የድሊ።

ንስኻን ብፆትካን ሕዚ ካብ ስራሕ ለቒቕኩም ኣለኩም። እዚ መሰልካ እዩ። ግን ከም ስግኣት እነልዕሎ ኣሎ። ዘይቃለሱ? ንምንታይ ይወፅኡ ዝብሉ ሕቶታት ኣለዉ። ኣብዚ ኸ ንእታይ ትብል?

እቲ ፀገም ብብረትን ብሓይልን ክንከላኸሎ ዝመስሎም ኣካላት ከምኡ ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም። በዚመዳይ እዚ ኣነ ክቕበሎ እየ። ኣቡኡ እናሃለና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ክትዛተየሉ እውን ኣይትኽእልን። ስለዚ እነታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ሕዚ ዝብሉ ይህልዉ እዮም። ስለዚ ኣነ እንታይ እየ ዝብል፤ እቲ ምውፃእ ሓደ ነገር ኮይኑ ብድሕሪኡ ድማ ብዲሞክራስያውን ብሰላማውን መንገዲ ምቅላስ ዝብል ኢኻ ድማ እትትሕዝ። ኣበዚ ብፅሒተይ ክፃወት ኣለኒ።

ካልኣይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ድኽነት መርኣዪ፣ ሰበ ስልጣናት ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ትግራይ እኮ ኣይተረብሐን ዝብል ሓሳብ ክቕበሉ ክንደሊ እንተለና ኣምፂእና እነጎብንየሉ ሙዝየም ክኸውን ኣይግባእን። ናይዚ ተፃራሪ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብወርቂ ዓጠጠጠጥ ኢሉ ዝብል እዩ። ብበዝሒ ወርቅስ ክጠፍእ እዩ ናይ ዝብሉ ከዳዓት ዘረባ እናተዘርበ ዝሰምዕ፣እናሰምዐ ድማ ዝሽቑረር ወለዶ ድማ ክህልው ኣይብሉን። ስለ ዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብኣወንታ ኮነ ብኣሉታ ዝፅበ ዘይከነ እናሃለወ ከምኡ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት እናሰፍሑ ከይኸዱ፤ ብብረት ክንከላኸለሉ ዘይንኽእል እናሃለና ብብረት ክንከላኸለሉ ኢና ኢልና ኣብኡ ኮፍ ካብ እንብል ምስኡ ኮይንና ቁሸታቱ እንተልማዕና ይሓይሽ። ንሱ እዩ ለውጢ ዝፈጥር ኢና ኢልና። ካብኡ ብብረት ዝምለስ ኣሎ እሞ ንዑ ውፈሩ እንተኢሉና ህዝቢ ትግራይ ድማ ንወፍር። ንሱ እንድዩ ኣዕቢዩና። ንወፍር ድማ ናብ ዝበሎ። ስለዚ ክልቲአን ዝሓዘት እያ።

ኣብ ናሃትካ ጉዳይ ምስ ድልየታትን ረብሓታትን ትግራይ እውን ብተጋሩ ዝልዓል ሜቴክ ዝኣክል ዓብዪ ትካል ክትመርሕ እንተለኻ ብዙሕ ፅቡቕ ነገር ሰሪሑ እዩ ዝርአ እውን እዩ። ግን ብዙሕ እውን ድማ ይሕመ እዩ። ህዝቢ ሓያል ጥርጣረ ኣለዎ። ተፃባእቲ ብዙሕ እውን ሰሪሖምሉ እዮም ግዕዝይና ኣለዎ እቲ ትካል ዝብል። ኣብዚኣ ርእይቶ ክትህበላ ይደሊ እየ?

ናይ ሜቴክ ሓምየት ብዙሕ እዩ። ብግዕዝይና መዓት ተሓምዩ እዩ። መበቆል እዚ ሓምየት ንምርዳእ ሓቅታት ምቕማጥ እዩ ዝሓይሽ። እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፤ ሓደ ሜቴክ ዝሰርሖም ፍርያታት ምረኣይ እዩ። ካልኣይ ፋይናንስ ኦዲቱ ምርኣይ እዩ። ሳልሳይ ኣብ ሜቴክ ዝፀንሐ ዲሲፕሊን ምርዳእ እዩ።

ሜቴክ ዝሰርሖም ፕሮጀክታትን  ፍርያቶምን ክንርኢ እንተለና ንኣብነት ግድብ ሕዳሰ መጀመርያ ክጅምር እንቶሎ ዝንበረ ዋጋ ገዲፍና ዳሕራይ ዝወፅአ ካብ 76-80 ቢልዮን  ብር እዩ ዝውድእ ተባሂሉ ዝተተመነ ተመን ጥራይ እንተወሲድና ኣብዚ እዋን እዚ 5250 ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ከፈልፍል እዩ ዲዛይን ተገይሩ። ጀነረተራት ከዓ 15 እየን ነይረን። ሜቴክ ድሕሪ እዚ ውሳነ እዚ ካብ 15 ጀነሬተር ናብ 16 ኣዕብይዎ። ካብ 5250 ሜጋዋት ናብ 6000 ሜጋዋት ሕዚ ኣብ ቀረባ እዋን  ከባቢ ዝተኣወጀ ከዓ ካብ 6000 ናብ 6400 ሜጋዋት ዋጋ እንከይወሰኸ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ዝሰርቕ ትካል ወይ ዝሰርቕ ኣመራርሓ ዘለዎ ትካል ዋጋ እናቖጠበ ኣብ ዓለም ብዘየለ ዋጋ ዝሰርሕ ከመይ ኣቢሉ እዩ? ክሰርቕ ዝደሊ ወይ ዝሰርቕ ከምኡ ኣይገብርን። ሽኳር ፋብረካ እንተርኢኻ     ሜቴክ ብ239 ሚልዮን ዶላር ዝሰርሓ  ሽኮር ፋብሪካ እታ ዝሓሰረት እትብሃል ብናይ ደገ ትካል እትስራሕ 380 ሚልዮን ዶላር እያ እትውድእ። ናይ ቻይና ኩባንያ ከምኣ እዩ ዝሰርሓ። ኣብ ሜቴክ ዘሎ ኣመራርሓ እንኮላይ ኣነ፤ ንዓይ እውን ስለ ዝብሉኒ ማለተይ እየ… ክሰርቕ እንድሕር ደልዩስ እንታይ ኮይኑ እዩ ካልእ እሞ ይትረፍ ብዋጋ ዕዳጋ ዘይሰርሕ? ናይ ዩርያ ፋብሪካ እውን ከምኡ እዩ። ብ 720 ሚልዮን ተኣሲሩ ነይሩ ሜቴክ ግና ብ500 ሚልዮን እዩ ዝሰርሖ ዘሎ። ኣምበሳ ኣውቶብስ 3.5 ሚልዮን ዝገዝአን ዝነበረ ብ1.5 ሚልዮን፣  ትራንስፎርመር ብ 2ሚልዮን ዝስራሕ ዝነበረ ብ500 ሽሕ እናሰርሐ፣ ኣብ ባይታ ክንርኢ እንተለና ክሰርቕ ዝደሊ ትካል ንምንይ እዩ ዝቑጥብ ዘሎ? ክሰርቕ ዝደሊ ኸ ብሕሳር ዶ ይሰርሕ? ዝብል ሓቂ ብምርኣይ ምምላስ ይከኣል እዩ።

ካልኣይ ፋይናንሳዊ ስርዓቱ ዝምልከት እዩ። ሜቴክ ስራሕ ክጅምር እንተሎ ሰብን ዝነበራ ውሑዳት ፋብረካታትን ናይ መከለካያ ሒዙ እዩ ጀሚሩ። መከላከያ ድማ ሰሪሕኹም እትምልስዎ ኢሉ 40ሚልዮን ቅርሺ ኣለቂሑና። በዚአን ኢና ጀሚርና። ብኣዋጅ ክጣየሽ እንተሎ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ካፒታል 4 ቢልዮን እዩ። ቀዋሚ ካፒታል ማለት እዩ። እተን ናይ መከላኸሊ ሃገር ዘለቀሐና 40 ሚልዮን እየን። ስራሕ መካየዲ እየን ድማ እዚአን።

እቲ ተጣየሸሉ ዝተብሃለ ትካል እቶም ዝትምኑ ኣካላት ሕዚ ኣይዝክሮን ቁፅሩ እምበር ትሕቲ 4 ቢልዮን እዩ። ግን 4 ኢልና ዋላ ንውሰዶ። ኣብ ዝሓለፉ 9 ዓመታት ዝሰርሖ ድማ ንርአ። ሕዚ እቲ ትካል 22 ቢልዮን ካፒታል ኣለዎ። ዝሰርቕ ኩባንያ ከመይ ኣቢሉ ክንድዚ የዋህል? ኣብ ናይ ዓድና ታሪኽ ዕዳን ዕንድዳን ዘለዎ እንተዘይኮይኑ ክንድዚ ካፒታል ዘዋህልል ትካል የለን። ኣብዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ 22ቢልዮን እንደገና ክርአ ዘለዎ ዘይድህሰስ ዝብሃል ሃፍቲ ኣሎ። ንኣብነት ዲዛይን ግድብ ሕዳሰ 10 ሻዕ እዩ ተመሓይሹ። እዚ ሃፍቲ እዚ ሪቫልዌሽን ዝብልዎ ናይ ኣካውንቲግ ምሁራን እውን መሰረት ገይርካ ዝተዋህለለ መጠን ገንዘብ እዩ። ዝሰርቕስ ከመይ ኣቢሉ እዩ ክንድዚ ዝሕዝ?

ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብዚ ክልተ ዓመታት  International Finance Reporting System ዝበሃል ዝተኣታተወ ኣሰራርሓ ኣሎ። ካብ ኩለን ኩባንያታት ሃገርና ቀዲሙ ተግባራዊ ዝገበራ ሜቴክ እዩ። ብግልፂ ናትና ሰበ ስልጣን ክዛረቡ ኣይደልዩን እምበር በዚ መዳይ እዚ ሜቴክ ኣዕርዩ (ኣብ ዕፅው/ሚድያ ዘይፀብፀቦዮ ኮይኑ እምበር) እዩ ተመስጊኑ። ክብሎ ዝደለኹ በዚ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ክንደይ ሃፍቲ ከም ዝፈጠርና ክንደይ ከምዝተቖጠበ ቑልጭ ኣቢሉ እዩ ዘርኢ። ሰለዚ ናይ ዝሰርቕ ኣመራርሓ ኩባንያ ኣይኮነን ሜቴክ።

እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ኣብ ሜቴክ ዘሎ ዲሲፕሊን እዩ። ኣሰራርሓ ሜቴክ ብጣዕሚ ወያናይ ዝብሃል እዩ። ሳላ ዝተጋደልና ብግልፂ ነቐፌታን ገምጋምን ሕድሕድ ሰብ ሓሳብ እናሀበላ፤ ሓደ ሰብ በይኑ ዝውስና ስልጣን ኣላቶ። ዓባይ ትኹን ንእሽቶ። እታ ዝተወሰነት ውሳነ ሕድሕዳ እናተርኣየት፣ ትኽክለኛ ምዃና እናተረጋገፀት፣ ሰብ ኩሉ እናተምሃረላ እያ እትኸይድ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ንስርቂ ዘይምችው ስርዓት ኣሎ። ስረቂ እኳ እንተሃልዩስ ብቐሊሉ ኢኻ እትፈልጦ። “ዋንማን ሽው” ዝብሃል የለን ኣብ ሜቴክ።

ክልተ ነገራት ኣለዋ። ኣብ ፓርላማ 77 ቢልዮን እትብል ሓንቲ መሰረታዊ ክሲ ኣላ። እዚኣ ክትነግረኒ ኢኻ። ካልኣይ ሓፋሽ ዝብሎ ኣሎ። ዘይምኽፋል፣ ምጉልእላእ፣ ጉቦ ምሕታት፣ ስራሕ ንእትደልዮ ምሃብ ወዘተ ዝብሉ ይልዓሉ እዮም?

ኣብ መድረኽ ፓርለማ 77 ቢልዮን ተሰሪቑ ተባሂሉ ተዘሪቡ እዩ። ኣብቲ መድረኽ እቱይ ኣይነበርናን። እንተንነብር መብርሂ ምሃብና።  እንህቦ መብርሂ ይመሓላለፍ ዶ ኣይምሓለለፍን ንጎኒ ገዲፈ። ኣብ ካልእ ናይ ቀዋሚ ኮሚቴ መድረኽ ግን ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ምስ ቐረበ ትኽክል ዘይምዃኑ፣ ክፃረ ዝግብኦ ምዃኑ፣ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ድማ ዘይሻራዊ ኮይኑ ነገራት ክፍትሽ ከም ዘለዎ ተነጊረዎ። እዚ ነጊርናዮ ናብ ስራሕ ኣትዩ። ኣፃርዩ። ኣይረኸበን።  ዝተሰረቐ  ተዓሪፋ ከም ዘየለ ኣረጋጊፁ ንምንታይ እዩ ዘየቕረቦ ድኣ ዝብል ኣብ ታሪኽ ክሕተተሉ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኣይመስለናን ነይሩ ኢልካ ካብ ምኻድ ወፃኢ ፀረ ሙስና ዘዋፍሮም ኣካላት ኮነ ባዕሉ እቲ ትካል ዝኣወጃ ሓንቲ ናይ ግዕዝይና ፀብፃብ የላን። ንምንታይ? ንምንታይ እዮም ግዕዝይና ኣይብሎምን ዘይበሉ? እዚ ናይባዕልቶም መልሲ ክህልዎም ይኽእል፤ ኣነ ከም ዝመስለኒ ግን ከም ሜቴክ ዝበለ ትካል ክህልው ኣይድለን ዝኸውን።

ካልኣይ ዘልዓለክዮ ምስ ምጉልእላእ ገለመለ እዩ። መጀመርያ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ ሜቴክ ንተዃነተርቲ ስራሕ ክህብ እንተሎ ናይ ባዕሉ ዝተፈለየ ኣካይዳ ነይርዎ። ብጨረታ ዘካይዶ ስራሓቲ ኣሎ። ቴክሎጅካዊ እንተኾይኑ ጨረታ ኣይገብርን። ሳብ-ኮንትራክት እዩ ዝህብ። ኩሎም ሳብ ኮንትራክተርስ ይምዝገቡ። ኩሉ ተኣማሚኑሉ ስራሕ ይከፋፈል። ከምኡ እንገብረሉ ዝነበርና ምኽንያት ናይ ዕዳጋ ኢኮኖሚ ንዘለዎ እዩ ዝውስን። ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ምስ ሜቴክ ሓቢሮም ክሰርሑ እንተኾይኖም እሞ  ናብ ጨረታ እንተኣእቲናዮም ክሰርሑ ኣይኽእሉን። ምኽንያቱ እቲ ዝሓዘ እዩ ዝበልፆም። ስለዚ ናይ ሳብ ኮንትራክት ኣሳራርሓ ኣዳሊና ኣገባብ ብዘለዎ መንገዲ ኣፅዲቕና ዘርጊሕናዮ። በዚ መዳይ እዚ ካብ 750 ንላዕሊ ሳብ ኮንትራክተራት ኣብ ስርሓቲ ሓፂን መፂን ኣለዉ። ካብ 1 ሽሕ ንላዕሊ ናይ ኮንስትራክሽንን መጓዓዝያን ሳብ ኮንትራክተራት ኣለዉ።

ክንድዚ ዝኣክል ሳብ ኮንትራክት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሜቴክ ወፃኢ ካልእ የለን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ዓለም እውን በዚ ደረጃ እዚ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተርኣየ መርበብ ናይ ማእቶት ሳብ ኮንትራክት የለን። ስለዚ ዕዳጋ ንዘለዎ ወስኸሉ እያ እትብል። ንሕና ግን ዘይብሉ ክሰርሕ ኣለዎ ኢና እንብል። ሰሪሑ ብዓቕሚ ክዓቢ ኣለዎ ኢልና ንብገስ። ኣብዚ ኣካይዳ እዚ ክፍሊት ይዝንግዕ። ትኽክል! ክፍሊት ዝዝንግዐሉ ምኽንያት ሓደ ክፍሊት ተቐቢልና ኢና እንኸፍል። ካልኣይ ብጣዕሚ ብዙሓት ስለዝኾኑ። በዚ ምኽንያት ሓላፋት ኣለዉ። ገሊኦም ሳብ ኮንስትራክት ዝሃብናዮም እውን ይካቱዑና ነይሮም። መንግስቲ ዝሃበና መሰል እዩ ይብሉና ነይሮም። ኣይኮነን ኢና እንብሎም። መንግስቲ ኣይሃበኩሙን። ወያናይ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣካል እንኮላይ ሽዑ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበሩ ናይ ሕዚ ናይ ትግራይ መራሒ ኣብ ቅድሚኦም እዩ ጥርዓን ቀሪቡ። መንግስቲ ኣይሃበኩሙን ኢልናዮም። ናይ ወያነ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣመራርሓ እዩ ኢልናዮም። ስለዚ ሓላፍ ዘለፋት ነይሮም እዮም። ሓዱሽ ኣሰራሓ ብምትእትታውና ምኽንያት ዝተፈጠረ ነይሩ እዩ።

ኣበዚ ከይዲ እዚ ጠልቆምቆም ክብሉ ዝደለዩ ኣመራርሓ ኣይነበሩን ኣይብልን። ውልቀ ሰባት ይነብሩ እዮም። እቲ ትካል ግን ንስርቂ ዝተመቸወ ኣይኮነን።  ክደራደሩ ይነብሩ። ሓደሓደ ሰባት ምስ ዝጥቁሙና ፊት ንፊት ንዛተ ነይርና። ሓደ ንዛተየሉ እዋን ነይሩ። ጥርዓን ይመፅእ ስኽ ኢልና ኣይንገድፋን። ክትበርህ ንገብራ። መረዳእታ እውን ወሲኽና! ብሓፈሻ ንግዕዝይና ዝምችው ኣይነበረን እቲ ትካል።

እሞ ንምንታየ ድኣ እዩ እዚ ኹሉ ፀለመ በል ሕዚ!

ናይ ትግራይ ልዕልነት እኒሀ ተባሂሉ ይዝረበሉ ካብ ዝነበረ ትካል ሓደ ሜቴክ እዩ። ኣብዚ ሕዚ ዝፈርስ ዘሎ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ናይ ሓደ ብሄር ልዕልነት ዝረጋገፁ መስርሕ ኣሎ ዶ የለን ካልእ ዘረባ እዩ። ናይ ቀረባ መራሕትናን ጠርነፍትናን እዚ ጉዳይ እዚ ክልዓል እንተሎ ከመይ ይካትዕሉ ነይሮም ዝብል እውን ይፅንሓልና። ናይ ትግራይ ልዕልነት ዝብሃል ዝነበረ ኣነ ትግራዋይ ስለዝነበርኩ፤ ካብኡ ብላዕሊ ግን ብዘይተለመደ መንገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣይክኣለን ዝብሃል ዝነበረ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ስራሕ ምስራሕ፤ ንህዝቢ ትግራይን ትግራዋይን የኹርዕ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ዘምፅእዎ እዩ።

ካብዚ ቀፂሉ ዝመፅእ ከዓ ንሰረቕቲ ዕድል ከሊእናዮም ኢና። ኣምበሳ ኣውቶብስ 500 ኣውቶብሳት ክዕድግ ውዕል እንትኣስር ካብ ሕድሕድ ኣውቶብስ 1.5 ሚልዮን ብር ኣሕዊና ኢና። 750 ሚልዮን ብር ኣሕዊናላ ኢና ንኢትዮጵያ። እዚ ገንዘብ እዚ ምሕዋይ ማለት ነታ ሃገር  ብዘለዎ ትርጉም ኣብ ክንዲ ምርኣይ ካብዚ ኮምሽን ክወስዱ ዝነበሩ ሰባት ረብሕኦም ስለዝተደፍአ ክንደይ ነገር ተዛሪቦም እዮም። ነተን ኣውቶብሳት መዓት ፀለመታት ተዋሂብወን። እቲ ኹሉ ኢሎም ዝሰምዕ ሰብ ምስ ሰኣኑ ልያቡ እዮም ኢሎም ኣፀሊሞምና። ስለዚ ልያቡ እዮም ዝብሃል ካብ ሱር ዝሰደደ ውልቃዊ ድልየታት እዩ ዝብገስ። ካብኡ ቀፂሉ እውን ዝመፅእ ፀረ ህዝብነት እዩ ዘልዕሎ። ናይ ሰብ ጌጋ ምስ ህዝቢ ናይ ምትሕሓዝ፣ ናይ ሓደ ሰብ ጥንካረ ንሓደ ህዝቢ ዶ የዐንብቦ የኹርዖ ይኸውን ካብ ዝብል ናይ ትሕቱነት ስምዒት ዝመፅእ እዩ።

እዚ ከምዚ እንተኾይኑ ብፍላይ ንስኻን ሜቴክን ከምዚ እናተፀለምኩም እናሃለኹም ስለ ምንታይ ኢኻ ኣብ ሚድያ ወፂእኻ ከምዚ ዘይምተዛረብካ?

ብጣዕሚ ፅቡቕ! ሓንቲ ነጥቢ… ኣይንዛረብን ነይርና ኣይብልን። ሪፖርታጅ ይዳሎ ነይሩ። ዶክመንተሪታት ገለመለ እውን ይዳሎ እሞ ናብ ኢቢሲ ናብ ሬድዮ ፋናን ካልኦት ትካላት ሚድያን ይልኣኹ ነይሮም እዮም። ሕዚ እቲ ፀገም እዞም ሚድያታት እዚኦም   ኣየቕርብዎን ነይሮም። እቲ ስርዓት ናብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላዉ የመላኽቱ ካብ ዝነበሩ ገሊኦም እውን እዚኦም እዮም። ሕልፍ ኢሎም ድማ ሓደሓደ ጋዜጠኛታት ሕዚ ስሞም ምፅራሕ  ኣየድልየንን ባዕሎም ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ኣብ ውልቀ ጋዜጣታት ፅሒፎም በሰላ ፈጢሮም እዮም። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ናብ ፓረላማን ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን መግለፂ ቀሪቡ እዩ። ባዕሎም ከቕርብዎ ብዝብል!

ናይ ኢህወደግ ስራሕ ፈጻሚ እውን እቲ ጉዳይ ባዕልና ዘቲና ባዕልና መልክዕ ክነትሕዞ ኢና ኢሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ናይ ሓዊ ምጥፋእ ዕንክሊል ስለዝእተወ ግን ንሜቴክ ዝከላኸለሉ ጊዜን ቐልብን ኣይረኸበን ኢልና ገዲፍናዮ።

ካልኣይ ነቲ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝፈጠረ መበቆል ናይቲ ሽግር ግልፂ ከይተዛረብኮ ነቲ ተርእዮ ምፍታሕ ኣይክኣልን ዝብል እምነት ኣለኒ። ትክክል እውን እዩ። ተርእዮታት! ንኣብነት ካብ ሰራዊት ብክብሪ ዝትሰናበቱ መብዛሕትኦም ናብ ስራሕ ኣትዮም እዮም። ገሊኦም ናብ ስራሕ ምእታው መሰል ስለዝነረ ጥራይ ኣይኮነን። እንተዘይኣትዮም እውን ሽግር እዩ ነይሩ። ኣጋጣሚ ከይኮነስ ብናይ ታሪክ ኣመፃፅኣ እቲ ዝተሰናበተ ድማ ብበዝሒ ትግራዋይ እዩ።  ትግራይ ብምልኡ እዩ እኮ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብ ቀዳማይ፣ ካልኣይ ሳልሳይ ምዕራፍ ዝተነከዩ ተጋደልቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ ስራሕ ክንህብ እንተለና ተጋሩ ብምዃኖም  ኣይኮናን ንህብ ነይርና። ሰብ ብምዃኖም እዩ። ስለዚ እቲ ትግራዋይ ናብ ስራሕ ክኣቱ እንተሎ ናይ ሓደጋነት ስምዒት ይስምዖም። ንምንታይ እንትብሃል ሓደሓደ ሰባት ነቲ ትግራዋይ ከም ኢትዮጵያዊ ስለዘይርእይዎ ዶ ይኾኑ ዝብሉ ነይሮም። ኣይኮነን። ኣነ ሽዑ እውን ዝብሎ ዝነበርኩ ንባዕልቶም ከም ኢትዮጵያውያን ስለዘይርእዩ እዩ። ከምዚ ዝበለ ተርእዮ መበቆሉ ካልእ እዩ።

ስለዚ ናብ መበቆሉ እንተይከድካ እዚ ድኣ ከምዚ እንድዩ ኣይትብልን። ክትረኽባ ኣለካ! ኣባና ዝነበረ ፀገም እዛ መበቆል እዚኣ ኣርኪብካ ክትትሕዛን ክትፍሻን ኣይትኽእልን። ምኽንያቱ ወተሃደራት ኢና።  ኣቀማምጣይ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ወተሃደራት እንተዘይንኸውን ነይርና ከምኡ ዶ ክንሰርሕ ነይርና ኣይምሰራሕናን ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል ይኸውን። ኣይምሰራሕናን። ተጋደልቲ እንተዘይንኸውን እውን ነይርና ከምኡ ኣይምሰራሕናን። እቲ ውትድርና ድማ ግን ክነኽብሮ ነይሩና። ስለዚ ናብ መበቆል እቲ ሽግር ከይንኸይድ ንጥንቀቕ ነይርና።

ዘይሩ ዘይሩ ግን መርኣያ ናይቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እናተሸርሸረ ምምፃእን እዚአን ሸርሺርካ ሸርሺርካ ኣብዚ ስርዓተ ህውከት እዚ ዝደለይዎ ነበረ ገይርካ እዩ ዝርአ። እንኮላይ ናይ ደገ ሓይልታት ክኸውን ይደልይዎ ናይ ዝነበረ ጉዕዞ ሓደ ኣካል እዩ። እዚ ስለዝነበረ እዩ እዚ ኩሉ ተፈጢሩ። ተሳዒርና ምዃንና እውን ክርአ ኣለዎ።

ግርም! ከምቲ ዝበልካዮ ህወሓት ኣብ ዝመደበኩም ተጋደሉለይ ኣብ ዝበለኩም ኢኹም ነይርኩም። ውድብ ንብሎ ዘለና እቲ ጉባኤ ምዃኑ ይፍለጥ እዩ። ስለዚ ሕዚ ኸ ብፍላይ ንስኻን ጀነራል ተኽለብርሃንን ወፂእኹም ኣለኹም እሞ ተመሊስኩም ዲኹም ናብታ ዘጋደለትኩም ውድብ ክትኣትዉ ወይስ ካልእ ምንቅስቓስ እዩ? ከም ስግኣትን ዕድልን እውን ይርአ እዩ እቲ ናታትኩም ምምፃእ። ስለዚ እታ ሓቂ እንታይ እያ? እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም?

ዋና! ቅድም ቀዳድም ህወሓት ጥሪት ህዝቢ ትግራይ እያ። ኣነን ብፆተይን ጥሪት ህዝቢ ትግራይ ኢና። ህወሓት ካብ ምዃን ዘቋረፅናሉ እዋን የለን። ኣብቲ ውዳበና ኢና ዘይነበርና። ብርግፅ ኣብ ስቓይ ኢካ እትነብር። ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ፣ ባህሊ፣ መስመር ኣብ ሓንጎልካ ሒዝካ ብዙኋ  ፓርቲ ስርዓት ኣብ ዝጠልብ ዓለምን ሰራዊትን ኣቲካ ኣፍካ ዓፂኻ ምንባር ቃንዛ እዩ። ኣብ ቃንዛ ውሽጢ እቲ መሓውር ናይ ህወሓት ኣይነበረን። ህወሓት ከም ሓደ ናይ ኣተሓሳስባ ፅርየት ናይ ህዝቢ ትግራይ ከም መርኣያ ስልጣነ ኣተሓሳስባ እቲ ህዝቢ እዩ ክርአ ዘለዎ።  ናይ ኣተሓሳስባ ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዓወት ውድብ እውን እዩ ህወሓት። ስለዚ ንሕና ህወሓት ኢና። ብኣሰራርሓ መሰረት  ንሕና ናብቲ መሓውር ክንኣቱ ኣይንኽእልን። ኣብ መሰረተ ውዳበ ድዩ ዋላ ዋህዩ ክንኣቱ ኣይንኽእልን። ናብ ላዕሊ እተደይበና መንገዲ ኣይንኸድን። ናብ ላዕሊ እተደይብ መንገዲ እንተሃልያ እውን ኣይንኸይድን።

እዚ ኽልተ ምኽንያታት ኣለውዎ። ሓደ እታ ስራሕ ዘላ ኣብ እንዳ ገባር እያ። ኣብ ደቀቕትን ኣናኣሽትን ትካላት እየን። ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ውሕስና ማእቶት መሰረት ገይርና ኢና እንሰርሕ እንድሕር ኢልና ኣብተን ናይ ማእቶት ቦታታት ክንከውን ኣለና። ስለዚ መደያይቦ ናይ መሓውር ዋላ መሰል እንተኾነ ናብኣ እተኸይድ መንገዲ እንተተረኺባ እውን ንከይንኸይድ ኢና ወሲንና፤ እንተስ ብለበዋ እንተስ ብገለ እናገበርና። ኣብታ መሬት ኢና እንሰርሕ።

ካልኣይ ኩነታት እናተመዓራረየ ክኸይድ እንተሎ እኮ ካባና ዝበልፁ መናእሰይ ይመፅኡ ኣለዉ፤ መናእሰይ ህወሓት መናእሰይ ትግራይ። እዚኦም ነቲ ለውጢ ተሰኪሞምዎ ናብ ብራኸ ክድይቡ እዮም። ናብ በሊሕ ጫፍ ክወስዱና እዮም። ኣብዚ ተመኩሮ ምሕላፍ ክንክእል እንተኽኢልና ፅቡቕ እዩ። ተመኩሮ እንኮላይ ፍልጠት እዩ። እዚኦም እዮም ናብታ ናብ ላዕሊ እትወስድ መንገዲ ክኣትዉ ዘለዎም። ስለዚ ንሕና ህወሓት ኢና። እንሰርሖ ድማ ኣብ ባይታ እዩ እያ እታ መልሲ።

እሞ ሕዚ ናብ ትግራይ መፂእኹም ኣለኹም። ብዙሕ ሰብ የዋግዓኩም ኣሎ። ባዕልኹም ኣብ ስሩዕ መድረኽ እውን እትህብዎም ዘረባታት ኣለዉ። እቲ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ነገር ስዕረት እዩ ዝብልዎ ኣለዉ፤ ኣይፋለን ኣይስዕረትን ዝብሉ እውን ኣለዉ። ኣነን ንስኻን ተሳዒሩ ኢና እንብል ዘለና። እዚ ውድቀት እዚ ካብ ኣክሱም ጀሚሩ  ኣብ ዘበነ እኒ ደቂቀ እስጢፋኖስ፣ ካብኡ ኣብ ዘበን ስሑል ሚካኤል፣ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላን ካብኡ እውን ኣብ ቀዳማይ ወያነ ዳሕራይ ድማ ኣብ ካልኣይ ወያነ እንተርእይና እቲ ህዝቢ ሐደ ሻብ ሓፍ ሓደ ሻብ ድማ ድንን እናበለ እዩ መፂኡ።  ህዝቢ ትግራይ ካብዛ ዕንክሊል እዚኣ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል ሕዚ ናይ ኩሉ ጥዑይ ትግራዋይ ስምምዕ እዩ። እዚ ዕንክሊል እዚ ሕዚ ናብ ባይታ ከየውድቐና ከም ህዝቢ ናብ ብራኸ ንክወፅእ ነዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተገዲሱ ዝበራበር ዘሎ ናይ ለውጢ መንፈስ እንታይ ክትብሎ ትኽእል? ከመይ ክኾን ኣለዎ እቲ ኣካይዳ?

ተሳዒርና ዲና ኣይተሰዓርናን ኣብ ዝብል ስኽ ኢሉ ገሊኡ ሰብ ሓዋዊሱ ከይርድኦ ምእንታን መስመር ህወሓት ኣይስዓርን። ሰብ እዩ ዝስዓር። መስመር ህወሓት ዘይስዓረሉ ምኽንያት ናይ ህዝቢ ናይ ልምዓትን ዲሞክራስን ስለዝኾነ እዩ። ናይ ስልጣነ መስመር ስለዝኾነ እዩ። ወናኒ ከዓ ስለዘሎዎ። ወናኒኡ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ኣብዛ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ነንበይኖም እዮም እትብል እውን ብዙሕ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። ከምኡ ኢሎም ናይ ስትራክቸር ሕቶ ዘልዕሉ ሓይልታት ኣለዉ እዮም። ኣብ ህወሓት ዋላ ካብ ህወሓት ወፃኢ። እዚ ክስተካኸል እዩ ዘለዎ።

ብቐሊሉ ንምርዳእ እማ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ፈጢርዋ ሓቀይ ንብል። ኣተሓሳስብኡ ጅግንነቱ ፅንዓቱ ሂብዋ እንዲና እንብል…. ውዳበ ገይርዋ እንዲና እንብል። በዚ ኣንፃር እዚ እቲ መስመር ሓደን ክልተን እዮም ክትብሎም ኣይትኽእልን። ሰባት ግን የስዕርዎ ነቲ መስመር፤ ነቲ ናይ ህዝቢ መስመር።

ካልኣይ ስዕረት ማለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህልወና ወንበር ብምቑፃር ኣይኮነን ዝልካዕ። እቲ ስርዓት ክሳብ ዝሃለወ ጠቕሊልካ እውን ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ ብስሩ። ናይ ህዝብ ትግራይ ውሕስነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣይኮነን፤ ኣብዚ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝሽርሽር ኣጋጣሚ እንተተፈጢሩ እቲ ውሕስና ናብ ሕቶ እዩ ዝወድቕ ዘሎ። ስለዚ ወንበር ስለዝተሰኣነ ኣይኮነን ስዕረት ዝብሃል ዘሎ። ስዕረት ዝብሃል እቲ ዲሞክራስያዊ ባህሪን ኣሰራርሓን ምሽርራፍ ማለት እዩ። ዝተሃነፀ ስርዓት ወያናይ ዲሞክራሲ ሃገራዊ መስመር ኮይኑ ምቕፃሉን ዘይምቕፃሉን እዩ እቲ ውድቀት ዝብሃል ዘሎ። ካብኡ ሓሊፉ ከዓ እቲ ንኩላትና ዘተኣኻኸበና ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ይሽርሸር ኣሎ። እዚ ከም ስዕረት ዘይወስድ ሰብ እንተሃልዩ መድሓኒት ክረክብ ኣይኽእልን። ገጂፍ ስዕረት እዩ።

ኣብ ክሊ እዚ ህዝቢ ትግራይ   ኣብ መዋእሉ ይወድቕ ይትስእ እዩ። ምውዳቕን ምትሳእን ካብ ክልተ ተርእዮታት እዩ ዝመፅእ። ሓደ ብስሩ ምዕባለ ምውዳቕ ኣለዎ። እቲ ውድቀት ካብ መሪር ምዕባለ ይመፅእ እዩ። ነቲ ምዕባለ ዘተኣናግድ ከባብያውን ኩነታውን ኣጋጣሚ ዘይምፍጣር ውድቀት ኣሎ። ንኣብነት ሕልፍን ትርፍን ማእቶት ኣብ ዘፋፀግካሉ እዋን ነዚ ዘተኣናግድ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታት እንተዘይሃልዩ ማእቶት ይወድቕ። ብኸምዚ ዝመፅእ ውድቀት ኣሎ። ናይ ትግራይ ናይ ስልጣነ ጉዕዞ ሓደ ተርእዮኡ ዝነበረ እዚ እዩ።

ካልኣይ ውድቀት ግን እቲ ስልጣነ ባዕሉ ብዘምጽኦ ውሽጣዊ ጎነፅን ሕመቕን ዝመፅእ እዩ። እዚ ናይ ሕዚ ውድቀትና ኣበየንኡ እዩ ዝምደብ በል። ኣፈላላይ ክህልወና ይኽእል ኣብዚ። ኮይኑ ግና ክወድቕ ዘይግብኦ ዓወትን ስልጣነን ምውዳቑ ክንረዳዳእ ኣለና። ህወሓት ናይ ስልጣነ መግለፂ። ህወሓት ናይ ዓወት ውድብ እዩ። ህወሓት ዝሓዞ መስመር ተቐባልነት ክስእን ምግባር ከም ውድቀት ምስ ወሰድናዮ ኢና ኣበየናይ እዩ ዝምደብ ናብ ዝብል እንኸይድ።

መስመር ግን እንታይ እያ?

መስመር ኣብቲ ናይ ህወሓት ፕሮግራም ዘሎ ሓሳብ ማለት እዩ። ዕላማ፤ ህዝባዊ ልኣላውነት ምምፃእን እዚ ብቐፃልነት ክዓቢ ምግባርን እዩ። ኣብታ ፕሮግራም ዘለዋ ዕላማታት እንትጥቕለላ እዚአን እየን። ህዝባዊ ልኣላውነት ንምፍጣር ቁጠባዊ ውሕስነት የድሊ። ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ውሕስነት ክረጋገፅ ኣለዎ። ናይ ባህልን ታሪኽን ውሕስነት ክረጋገፀሉ ኣለዎ። ካብዚአን ሓዲአን እንተጎዲለን ናይ ህዝቢ ሉኣላውነት የለን። እዚ ድማ እቲ ዕላማ ናይቲ ውድብ ወይ እቲ መስመር ጎዲሉ ኣሎ ንብል።

ቁጠባና ከመይ ገይርና ኢና ናብ ውሕስ ማሕበረሰብ ምምፃእ እንወስዶ ዝብል እዩ እቲ ሓደ ናይ ቁጠባ መስመር ዝብሃል። ቁጠባዊ ውሕስነት ዘይብሉ ህዝቢ ፖለቲካዊ ልዕልነት ክህለዎ ኣይኽእልን። ኣብ ውሽጢ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ባእታታት ልዕልነት ክህልወካ እንተኾይኑ ብቑጠባ ውሕስ ክትከውን ኣለካ። ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልነት እነኮላይ ናይ ፖለቲካ ኣታሓሳስባ ብዙሁነት ክቕፅል ዝኽእል እቲ ህዝቢ ዘተኣማምን ውሑስ ቁጠባዊ ኩነታት እንትህልዎ እንተሎ እዩ።

እቲ ቁጠባዊ ውሕስነት ክመፅኣሉ ዝኽእል ሓደ መሰረታዊ መንገዲ እቲ ስርዓት ቁጠባ ኣብቲ ህዝቢ ኣብ ባዕሉ ክስረት ምግባር እዩ። ኣብ ታሪኹን ክብሩን፣ ኣብ ፀግኡን መበቆላዊ ፍልጠቱን ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ። ባዕዳዊ እንተኾይኑ ዘይመበቆላዊ እንተኾይኑ እቲ ከይዲ ግና እቲ ተረባሒ ዝኸውን እቲ ነዚ ባዕዳዊ ወይ ዘይመበቆላዊ ማእቶት ዝወነነ እዩ ዝኸውን። እንትጅምር ከምዚ ዝበለ ነገር ምትእትታው ሃገራዊ ብሄራዊ ቁጠባዊ መስተጋብር ኣይፈጥርን። ካብኡ ቀፂሉ ዋንነት ስለዝኾነ ቁጠባ ዝወነነ ፖለቲካዊ ልዕልና ኣይህልውን። እቲ ልዕልና ቁጠባ ኣብ ናይ ህዝቢ መበቆላዊ ፍልጠት ክምስረት ክኽእል ኣለዎ።

ሕርሻ ንህዝቢ ትግራይ መበቆለዊ ፍልጠት እዩ። እንኮላይ ዓለም ለኸ ናይ ኣግሮኖሚ ምሁራት ክምሃሩሉ ክምራመሩሉ ዝኽእሉ ዘይተፀሓፈ ዘይተተንተነ ካብ ውልድ ወለዶ ዝመሓላለፍ እዩ እቲ ፍልጠት ህዝብና። ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ እዩ ልምዓት ዝመፅእ። ምዕባለ ኢና ነውግዕ ዘለና፤ ቁጠባዊ ምዕባለ። እምበር ቁጠባዊ  ዕብየት መሬትካ ሸይጥካ ህዝብኻ ኣሰዲድካ እውን ክመፅእ ይኽእል እዩ። ፖለቲካዎ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ ልቦናዊ ልምዓት ከመይ ኣቢልና ነምፅእ ንዝብል ሕቶ እውን በዚ ኢና ክንምልሶ።

ገገሊኡ ውድቀታትና እናተመላሰ ኣብዩ። ክንደይ ሻዕ ኢና ክንወድቕ? ምውፃእ ዶ ኣይክኣልን እዩ ካብቲ ዕንክሊል? ንሓንሳእን ንሓዋሩን?

ኣብቲ ውድቀት ዝብሃል ነገር ዓይነቱን ትሕትኡን ብዙሕ ዓይነት ኣራዳድኣ እዩ እኒሀ። ባህርያዊ ናይ ውድቀት ዕንክሊል ኣሎ። ምዕባለ ከይዱ ከይዱ ናብ ውድቀት ይኸይድ እዩ፤ እዚ እቲ ሓደ እዩ። እቲ ካልእ ናይ ውሽጢ ሕመቕ እዩ። ስለዚ ንኣበነት ናይ ኣክሱም ምዕባለ ባህርያዊ ናይ ውድቀት መንገዲ እዩ ነይርዎ። ገዘፍቲ ናይ ሕርሻ፣ ናይ ኪነ ህንፃ፣ ናይ ሓይሊ ባሕሪ፣ ናይ ፍልስፍናን ካልኦትን ምዕባለታት ዝወነነ ስልጣነ እዩ ነይሩ። ነዚ ዝፃወር ከባብያዊ ኩነት እዩ ግን ተቐቢልዎ። እቲ ስልጣነ ኣብ ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ኩነታት እቲ እዋን ዘይምጥን ከምዝነበረ ዝገልፁ ምሁራት ኣለዉ። ስለዚ ስልጣነ ኣክሱም ክፈትሖ ዝነበረ እቲ ከባብያዊ ኩነታት እዩ ዝብል እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጡ ጎነፅን ጎንፅን ነይርዎ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ እንተበፂሕኻ ድማ ነቲ ውሽጣዊ ጎነፅን ጎንፅን ኢኻ እትፈትሕ።

እቲ ናይ ሕዚ ካብ ክልቲኡ ዓይነታት ውድቀት ኣበየናይ ይምደብ ንዝብል መልሲ እንተኾነ እየ እዚ ዝዛረብ ዘለኹ። እቲ ፀገም ንረዳኣዮ ንቐደም። ብናተይ ኣራዳድኣ ግን ግዳማዊ ሓይልታት ኢዶም ሓዊሶምሉ እዮም፤ ብዘይምንም ጥርጥር። ኮነ ኢሉ ኣሰላልፉኡ ኣስጢሙ ዝኣተወ ሓዲሽ ገዛኢ ደርቢ ኣሎ። ኣብ ትኽክል ኢና ዝኒሀና ዝብል ሓዱሽ ሓይሊ ኣሎ። ክንፈትሖ ዘለና  እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም እዩ። እዚ ንምፍታሕ ድማ ኣብቲ ፀገም ክንረዳዳእ ክንኽእል ኣለና። ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ወያናይ ስርዓትና ኣብ ሓደጋ   ወዲቑ ኣሎ ኣብ ዝብል እንድሕር ተረዳዲእና መውፅኢታ ውሽጣዊ ሽግርና ምፍታሕ እያ። እዚኣ ድማ ናብ መስመርና ትመልሰና እያ።

ናብ መስመር ንምምላስ ንህዝቢ ምስትምሃር የድሊ። ዋላ ክንድቲ ፊደል ዝቖፀረ ኣይተንትን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ግን ርድኢት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። ሓፋሽ ምንቃሕ ዝብሃል እዚ እዩ። ውድብና ብትኽክል እዚ ፀገም እዚ እንተፈቲሓቶ ኣብቲ ዝድለ ክንበፅሕ ኢና ዝብል ዘሎ ህዝብና ተወሳኺ ፍልጠት እውን ወሲኹ ከደይበና እዩ። ዘተታት እንተሃልዩ ከመይ ካብ ሽግር ንውፃእ ኣብ ዝብል እዮም ከድህቡ ዘለዎም። መዋፅኦ ንምዝርራብ ግን እቲ ውድቀት  ህዝቢ ብግቡእ ክርድኦ ግድን ይኸውን።

ናይ ህዝቢ ልምዓት ናይ  ባህልን መንነትን ልምዓት ውፅኢት ምዃኑ ምርዳእ ማለት እቲ መፍትሒ ኣብኡ እናሃለወ ከም ምርካብ ማለት እዩ።

ንሕና ከም ተጋሩ ኣባላት እቲ ፌደሬሽን ክሳብ ዝኾንናን ኣብዚ ሃገር ክሳብ ዘለናን ብመንፅር እቲ ሃገራዊ ኩንታት ረብሓና እንብሎም ክንንፅር ኣለና። ስለዚ ረብሓታትና ተኸቢሮም እዮም እንብል ከም ኣባላት እዛ ሃገር እንታይ እንታይ ክንረክብ እንተለና እዩ?

ንምጅማር ዝኣክል ኣብዚ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እዚ፤ ተንከርከር እናበለ ዝመፅአ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምባል ይሕሸኒ፤ ተረባሕቲ ኢና ነይርና ኢለ እየ ዝኣምን። ተረባሕቲ ኢና ነይርና ዘብለኒ እታ ናይ ኣዲስ ኣበባ ወንበር ኣይኮነትን። ሰላም፣ ዲሞክራሲ መሰረት ገይርና ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ጀሚርና ነይርና። ኣብ ምክብባር ዝተመርኮሰ ህይወት እውን ነይሩና ከም ህዝቢ።

እዛ ተረባሕነት እዚኣ ክትቕፅል እንተኾይንና ከም ተጋሩ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ዝሽርሽር ሓቢርካ ናይ ምንባር ዕድልና ዝሽርሽር ሓይሊ መፂኡ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ክንክእል ኣለና። እዚኣ ባዕላ ሕገ መንግስታዊ መሰል እያ። እዚኣ ክሳብ ዝገበርና ሕገ መንግስታዊ ስርዓት መሰረት ዝገበረ ተረባሕነት ነረጋግፅ ኣለና ማለት እዩ።  ካልኦት ክብሉልና እውን ክንፅበ የብልናን። ዓርሰ ምርኮሳ ስለዘድሊ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ንዓይ ሓራ ዘውፅኣኒስ ካልእ ሰብ እዩ ኢልካ ምእማን ባዕሉ ባርነት ስለዝኾነ እዩ። ካልእስ ሓራ ከውፅኣኒ እዩ፤ ካልእስ እነታይ ኮን ክብለና ዝብሃል የለን። ባዕልኻ ኢኻ ሓራ እትወፅእ።

ኣብዚ ጉዕዞ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እዚ መሰልና ምርግጋፅ እንኽእል ኣብ ናይ ተጋሩ ሕብረትን ኣብ ካብ ካልኦት ዘይምፅባይን ዝተመስረተ ቁጠባዊ ሓርነት እንትምስረት እዩ። ቁጠባዊ ሓርነት ማለት ሚልዮነራት ዘለውዎ ግን ድማ በዓል ማእቶት ዝኾነ ሓፋሽ ዘለዎ ቁጠባዊ ስርዓት ምህላው ማለት እዩ። ኣብ ክሊ ናፃ ኢኮኖሚ ናውቲ ማእቶት ዘለዎ ሓፋሽ ምፍጣር ማለት እዩ። ሰሪሑ ብፅፍሩ ዝነበር ሓፋሽ ምፍጣር ማለት እዩ። ዝምህዝ ሽግር ዝፈትሕን ውሕስን ስርዓት ምርግጋፅ የድሊ።

እዚኣ ንምርግጋፅ ሃገራዊ ተዋፅኦታት ክህልዋ ይኽእላ እየን። ንኣብነት ናይ ፌደራል በጀት ምወሳድ ይከኣል። እዚአን ግን ኣይኮናን ልምዓት ዘምፅኣ። ዓርሰ ምርኮሳ እዩ ልምዓት ዘምፅእ።

ሕዚ ካብ ዘሎ ስግኣት ተበጊሱ ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ኣሎ። ኣግኣዝያን ዝብሃል ምንቅስቓስ ኣሎ። ትግራይ ሪፓብሊክ ክንምስርት ኢሉ ዝሓስብ ዘይስሩዕ ምንቅስቓስ። ኣለው ብስሩ እዛ ኢትዮጵያ እትብሃልስ ወጪ በዚሑና እዩ፤ ቀልጢፋ ክትልወጥ እትኽእል ትግራይ ሪፓብሊክ እያ ዝብሉ ኣለዉ። ዓንቀፅ 39 ንጠቐም ዝብሉ ኣለዉ። እዚኦም ኣብ 25 ዓመት እንበፅሖ ዝነበርናስ ኣብ ሓፂር ዓመታት ክንበፅሖ ንኽእል ኢና ዝብሉ ኣለዉ። ናይቲ ውድቀት ሓደ ዓብዪ ምንጪ እቲ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ባዕሉ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ሓውሲ ውዳበ ዝመስል ውዳበ ኣሎ ነዚ ዝምልከት። ዝተፈላለዩ ዘይፖለቲካውያን ምንቅስቓሳት እውን ኣለዉ፤ ከምዚ እንተገበርና ገለ ዝብሉ። ልክዕ ከምዚ ናይ 60ታት ዝመስል ምንቅስቓስ እኒሀ። ክንፈላለ እንተለና ከም ተጋሩ ኣዐሪና ንፈላለ እሞ ከምዚ ናብ ሓደጋ እንትንመፅእ ግን ብዙሕ ምንቅስቓሳት ኢና እንገብር እሞ ናይዚ ኣብነታት እየ ዝዝርዝረልካ ዘለኹ። እዚ ምንቅስቓስን ተበግሶታትን  እዚ ከመይ ኢኻ ትርእዮ?

እቶም ዝበልካዮም ተበግሶታት ገሊኦም ተበግሶታት እዮም ገሊኦም ድፍኢታት እዮም፤  ናይ ደገ ድፍኢታት። ደሚርካ ግን መፍተሒ ናይ ምእላሽ ምንቅስቓሳት ገይርካ ክውሰዱ ዝክእሉ እዮም። እንኮላይ ፓሽን ዝመስሉ እውን ኣለዉ።

ሕዚ ዋና መፍትሒ ዝመስለኒ ኣብታ ቀንዲ ጉዳይ ዝኾነት ትግራዋይነት ተመስሪትካ ቁጠባዊ ሓርነት ምርግጋፅ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብኡ ወፃኢ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ ግን ምምይያጥ የድሊ። ኣብ ምይይጣት እቲ ናይ ደገ ኢድ ዘለዎን እቲ ናይ እማን ናይ ለውጢ ምንቅስቓስን ኣብ መንገዲ እናተመመዩ እዮም ዝኸዱ። ከምኡ ኮይኑ እግረ መንገደይ ርኢቶ ንምሃብ ግን እቲ ናይ ትግራይ ሪፓብሊክ ዝብሃል ከይበልካዮ እውን ዝኸውን እኮ እዩ። ስለዚ መፍትሒ ኣይኮነን ማለተይ እየ። እቲ መፍትሒ ብሓባር እንነብረሉ ዕድል ምፍታሽ። ከቢድ እውን ስለዝኮነ ኣብ ከቢድ ኢካ መፍተሒ እትረክብ እምበር ኣብ ቀሊል ኣይኮነን።

ካልኣይ ዝመስለኒ ወያናይ ዲሞክራሲ እዩ ነቲ ሽግር ኣምፂእዎ ዝብሉ ሰባት ተጋግዮም እዮም። ክብሃል ዘለዎ ወያናይ ዲሞክራሲ ብግቡእ ስለዘይተተግበረ እዩ እቲ ሽግር ተፈጢሩ። እምበር ወያናይ ዲሞክራሲ ፍልፍል እቲ ሽግር እንተዝኸውን ነይሩ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዓወት ኣይምበፅሐን። ኣብ ከርፋሕ ናብራ ምነበረ።

ምናልባት እዚ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝብሃል ምስ ናይ ደገ ኣተሓሳስባታትን ልጋባትን ደሚርና እንርእዮ እንተኾይንና ፀገም እዩ። በዚ ዝስክፍዎ ሰባት ኣለዉ እዮም። ስለዚ ወያናይ ዲሞክራሲ እንታይ ማለት እዩ? ተፈጥሮኡን ሃፍቱን ናይ መን እዩ? ዋንነቱ? ዲሞክራሲ ንበይና ወያነ ንበይና ከም ኣምር ተረዲእኻ፤ ካብኡ ክልቲአን ደሚርካ ዝመፅእ ናይ ህዝቢ ኣተሓሳባ ድዩስ ኣይኮነን? ብዙሕ ምርምር ከይገበርካ ኣብ ገጠራት ትግራይ ምርድዳእ እዩ። ወያነ ከይበለ ዲሞክራሲ ከይበለ እቲ ኣምር ናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ክነግረካ እዩ።

ኣብ ናይ ሽግር መበቆል ምርድዳእ የድለየና። ምርምር ፅቡቕ እዩ። መፍትሒ ንምእላሽ። ስለዚ ሸጊሩ ዘሎ ወያናይነት ኮነ ዲሞክራስያውነት ጠፊኡ ወይ ተሸርሺሩ ሰባት ኣብ ወንበር ብወንበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣዲስ ኣበባ ምሕሳብ ስለዝጀመርና እዩ። እተን ካልኦት ርእይቶታት ክህበለን ይክእል እየ ግን ብምይይጥ ናብ ሓደ ምምፃእ ይከኣል እዩ።

ንመያየጥ። ምስ መን? ምስ ህዝቢ።’ እታ ሽግር እንታይ እያ መፍትሒኣ ኸ? እዚአን ኩለን ኣብ ህዝቢ ትግራይ መልሲ ኣለወን። ዝኾኑ ሳይንትስታት ምስ ህዝቢ ትግራይ መፅናዕቲ ክሰርሑ ክመራመሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ካልእ ህዝቢ እውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣነ ግን ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ እየ ዝዛረብ ዘለኩ።

ብፍላይ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝንዝሑ ዘለዉ ወፍርታት ጸለመ ተተሓሒዙ ፤ ምስቲ ሕዚ ድማ ብግልፂ መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ተተሓሒዙ እስኪ ናብ ህዝቢ ትግራይ እሞ ንመለስ ረብሓ ትግራዋይ እንታይ ክንብል እንተለና ጎናጎኒ ባዕሉ እቲ ትግራዋይንት እንታይ እዩ ዝብል ምርኣዩ ፅቡቕ እዩ ዝመስለኒ። ካብ ትግረዋይነትን ክብርታቱን ንበገስ ዝብሉ ኣለዉ ንስኻ እውን ትብል ኢኻ። ስለዚ ኩሉሻብ ብዘይኣፈላላይ እንቕበሎም  ናይ ትግራዋይነት ባእታታት እንታይ እንታይ እዮም?

ናይ ትግራዋይነት መለለይታት ብኣወዳድባ እንተርእይናዮም ብዙሓት እዮም። ኣየነዎት እዮም ፍልስፍናታት፣ ተግባራት፣ መትካላት፣ ንዕልታዊ ምንቅስቓሳትና ዝገልፁና ብዝብል መንገዲ ዝፅናዕ እዩ። ነዚ ብደንቢ ወዲቦም ከቕርቡዎን ክስንድዎን ዝኽእሉ ግዱሳት ተጋሩ ከምዘለዉ ድማ እኣምን።

መለለይታት ግን ኣለዉ። ሓንቲ ውሕስናና ብፅፍርና እትብል እያ። ዓርሰ ምርኮሳ ንብላ። ዓርሰ ምርኮሳ መለለይት ናይ ትግራዋይ እያ። ለመና ይፅየፍ። ክሕገዝ ይኸፍኦ። ዓርሱ ዘይኽእል ኮይኑ ከይነብር እውን ይደሊ። ዓርሰ ምርኮሳ ንህወሓት ካብ ዘፈልፈሉ ዓንድታት እቲ ሓደ እዩ። ውድብና ፀላእትና ብብረቶም ክውድኡ ኣለዎም ዝብል ጭርሖ ነይሩዋ። እንኮላይ እቲ ብረትስ ባዕልና ኢና እነምፅኦ እዩ ዝብል ዘሎ። ብናይ ካልኦት ብረት ሕርጓቶን ልምናን ኣይኮናን እንቃለስ። እንኮላይ እቲ ብረታዊ ቃልስስ ባዕልና ኢና እንውድኦ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ድማ። ስለዚ ዓርሰ ምርኮሳ፣ ብፅፍርካ ውሕስናካ ምርግጋፅ ሓደ ወሳኒ ክብሪ እ ዩ ነይሩ ምባል ይከኣል። ኣብዚ እዋን እዚ ዝነሀ ውድቀት ክንርእዮ እንተለና መበገሲኡ እዚ እዩ። ሽግር ማይ ከተማ መቐለ ካሊእ ከምዝፈትሓልና ገይርና ኢና ተፀቢና። ካብቶም ንሕና ኢና ሽግርና እንፈትሓልኩም ዝብሉ ዓበይቲ ሃገራት ብምንታይ ትፍለ እዚኣ? ድጋፍን ሓገዝን ዘይክፅላእ ይኽእል ይኸውን። ለውጥን ምዕባለን ዘምፅእ ግን ዓርሰ ምርኮሳ እዩ።

ኢንቨስትመት እንትመፅእ እውን እቲ ካብ ደገ ዝመፅእ ኢንቨስትመንት እዩ ዘዕብየና ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። ፍልጠትን ክእለትን እንትንሓስብ እውን መበቆላውያን ስነ ፍልጠታተና ዘይኮነ መሰረት እንገብርስ ካብ ደገ እነተኣታትዎም እዮም ዝበዝሑ። ምትእትታው እዩ ዝብሃል እውን ብስሩ እቲ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን እዚ። ኩላ ናይ ደገ እያ። ናይ ደገ እዩ ወሳኒ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ኣውዲቑና።

ትግራዋይነት እንትብሃል እምብኣር ናይ ባዕልኻ ሽግር ባዕልኻ ናይ ምፍታሕ ስነ ልቦና እዩ። ዋላ ዓለም ጫውጫው እንተትብል ናይ ባዕሉ ፀገም ባዕሉ እዩ ክፈትሕ ዝደሊ። ሶቭዬት ዩኑየን፣ ኩባ ገለመለ ኣሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ እንትዘምት ደርጊ፤ ትግራዋይ “ህዝባዊ ወያነና መሪርን ነዊሕን እዩ፤ ዓወትና ናይ ግድን እዩ!” እዩ ዝብል ነይሩ። ሕዚ ግና ንግዳማዊ ሓይሊ ምርኣይ ጀሚርና። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ፀበልልታ እናረኸበ እንኮላይ ተጋሩስ ኮንትሮባንዲስት ዘይምዃንናስ ቄሮን ገለን ክምስክረልና ነፍጠኛታት ክንምስክሩልና፤ ከዳዓት ዓዲ ዘይብሎም ክምስክሩልና ምፅባይና ናይ ዓርሰ ምርኮሳ ሓይሊ ምሽርሻር እዩ። ስለዚ   ትግራዋይነት እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ እቲ ሓደ መልሲ ዓርሰ ምርኮሳ እዩ። ኣብኣ ኮይንና ኢና ሽግርና እንፈትሕ። እዚኣ ጥራይ ማለት ግን ኣይኮነን፤ ካብቶም ብዙሓት እታ ሓንቲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።

ፅቡቕ እሞ ሕዚ እቲ ትግራዋይነት እውን ከምቲ ዝበልካዮ ብፍላይ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ናብ ግዳማዊ ነገራት እናድሃበ ካብ ዓርሰ ምርኮሳ እናወፅአ ከይዱ ሕዚ እቲ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ምሽርሸር ዘመላኽቱ ነገራት ኣለዉ። እዚ ብከምዚ እንተቐፂሉ እቲ ዝኸፍአ እትብሎ ብርኪ ፀገም worest case scenario እንብሎ እንታይ ክኸውን ይኽእል? እቲ ሓደግኡ ንምርኣይ ኢለ እየ፤ ክሳብ ክንደየናይ እዩ ክጎድኣና ዝኽእል ከምዘለዎ እንተኸይዱ እዚ ኩነታት እዚ?

ዲማጎግ ፖፑሊዝም ጀሚሩ፣ ስርዓተ ህውከት ምምራሕ ክጅምር እንተሎ እቲ ሓደ ባህሪኡ ናይ ውሽጢ ጎንፂ እዩ። ውሽጡ ውሽጡ ማዕረ እቲ ብናይ ደገ ኣካላት ዘሎ ጎንፂ እናጎሃረ ዝኸይድ ጎንፅታት ኣሎ። ትፅቢትን መፅባዓታትን ዝፈጥሮ ካልእ ጎንፂ ኣሎ። ናይ ውሽጢ ጎነፅ እውን ናብ ዘይትዓረቕ  ጎንፂ ይኸይድ። ደርጊ ከምኣ እዩ ኮይኑ። ዲማጎግ  ናብ ፋሺዝም እዩ ተሰጋጊሩ። ዋላ ተሸርሺሩ ዓነውነው ክብል ይገብርዎ ዘለዉ ፌደራሊዝም ክሳብ ክንደይ እዩ ከኺዶም? እተን ዝግበራ ዘለዋ ምሽርራፋት መወዳትአን እንታይ እዩ? ሉኣላዊ ተባሂሉ ኣብ ሕገ መንግስቲ ስለ ዝተፀሓፈ ዘይኮነስ እተን ክልላት ብኡኡ እናተለማመዳ መፂአን ብኡ ዝምርሓ ስለዝኾና ኣብ ዝኾነ ሰዓት ደው ምባል ምባለን ኣይተርፍን። ብባህሪኡ ግን ዲማጎግ ፋሺዝም እዩ። ናብኡ እዩ ዝኸይድ።

እተን ሓደጋታት እንትትገልፅ እንተለኻ ኣብቲ መእተዊና እዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ብዙሕ ሕመቓቱ  ከም ዕድል እውን እየ ዝርእዮ ኢልካ ነይርካ እሞ ኣይዋቓዓን ዶ?

እቶም ኣብ ማሕበረሰብ ወይ ደርቢ ዘለዉ ውሽጣዊ ጎንፅታት  ኣብ ጥቐኦም ካልእ ግዳማዊ ጎንፂ ክፍጠር እንተሎ ነቲ ውሽጣዊ ካልኣዊ ጎንፂ ገዲፉ ዳሕራይ ከርክበሉ እየ ኢሉ ናብቲ ግዳማዊ ጎንፂ ንምርዳእ እዩ ዝኸይድ። እዚ ባህሪ ናይ ሕብረተሰብ እዩ። ናይ ደርብታት ባህሪ እዩ። ዘይትዓረቕ ጎንፂ ዘለዎም ደርብታት ኣይትዓረቑን። ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውዳቑን ምትስኡን ጉዳይ ነንባዕሉ ኣይሰማማዕን ካብ ዝብል እናተበገስካ ዝግበር መደምደምታ ጌጋ እዩ። ታሪኽ ኣይፈልጦን ማለት እዩ ንህዝቢ ትግራይ። እቲ ሊሂቅ ግን ናብ ጎንፂ ይኣቱ እዩ። እዚ ጎነፅ እዚ ንታሕቲ ይፈስስ እዩ። ፅልዋ ኣለዎ።

ሕዚ ኣብቲ ህዝቢ ሽግር ይሃሉ ኣይሃሉ ዝብል ገዲፍና ስለዘየለ እውን፤ ኣብቲ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ዝብሃል ናይቲ ሕብረተሰብ ክፋል ብካልኣዋይ ጎንፂታት ፍንትት ፍንትት ኢሉ ይፀንሕ እሞ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ፈተናታት እንትመፅኡ እቲ ካልኣዊ ጎንፅታት ኣፅኒሑ ኣብቲ ዓብዪ ጉዳይ እዩ ዘድህብ። እዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ይኹን እምበር እዚ እውን ሕዚ እውን ኩሉ ትግራዋይ ነዚ ሓሳብ እዚ ይቕበል እዩ ማለት እይኮነን። ክሸጠና ዝደሊ እውን ኣይስኣንን። ንሱ ዘይተሓወሶ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ጎዶሎ ዝመስሎ እውን ክህልው ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ሚልዮናት ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ። በዚ መንፅር እዚ እዩ ድማ ክርእዮ ዘለዎ።

ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ኮይንካ ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ምህላው ፅቡቕ እዩ። በዞም ኣፈላላይ እዚኦም ተፈናቲቶም ዝነበሩ ኣካላት ከምዚ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕብይ ዝበለ ፈተና እንተጋጥም ክሓብሩ ኣብ ምግባር ግደ ኣለዎ።  ሽግር እንተይፈታሕኻ ድማ ምስጋር ዝብሃል የለን።

ዘየልዓልኩልካ ወይ ድማ ክትብሎ እትደልዮ ነገር እንተሃልዩ ንገረና እሞ ክንውድእ።

ፅቡቕ እሞ መብዛሕትአን ዘልዓልክወን ኣብ ናይ ባዕለይ ኣትሓሳስባ ምስ ካልኦት ብፆት ኮይነ ከውግዓሎም እንተለኹ ገሊኦም ዘይቕብልዎ ኣነ ግን ዝኣምነለን ገለገሊአን ነቶም ብፆት ዘይክምልከታ ይኽእላ እየን። ብዛዕባ ትግራዋይነት ክንዛረብ እንተለና ናይዚ ውፅኢት ኣብ ዝኾኑ ነገራት ኢና እነትኩር። ንኣብነት ጅግንነት እዩ። ትብዓት! ሓቦ! ኣለዉ ብዙሓት። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ብደንቢ ንፍለጦ። እቶም ናብዚ ዘብፁሑና ፍልፍል ሃፍትና ዝኾኑ መንነታዊ ፀጋታት ንፍለጦም። ፈሊጥካ ኣይውዳእን። ከክንዲ ዝፈለጥናዮ ግን ተግባራዊ ንግበር። እዚ እኹል እዩ። ንኣብነት ህልኽ ክንገድፋ ኣይብልናን። ህልኽ ግደፉ ዝብሉና ሰባት እሞ ንሕና እውን ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽሪ ስልጣነ እዩ ኢልና እንተተቐቢልና ክንጠፍእ ኢና። ህልኽ ካብ ሓቂ እዩ ዝመፅእ። ህልኽ ዓርሰ ነቐፌታ ንምግባር እውን የኽእል እዩ። ዝተጋገኻ ምዃንካ ክትርኢ ይገብር እዩ። ሎቕማፅ ህልኸኛ ስለዘይኮነ ዓርሰ ነቐፌታ ኣይገብርን። ብኣምሓርኛ ምሽዋድ እዩ ዝብሃል። ህልኽ ውፅኢት ናይ ካልእ መንነትና እዩ። እዚ ክነፅንዖ ኣለና። ንምንታይ ኢና ህልኸኛታት ኮይንና? ናይ እንዳማትና ስለዘይንደሊ ናይና እውን ኣይንህብን። ካብዚኣ እያ እትብገስ። እዚ ናይ ህዝብና መለለይ እዩ። ስለዚ ምፍላጥ ፅቡቕ እዩ፤ ፈሊጥካ ስለዘይውዳእ ድማ ምውሳኽ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ መንነት ዘሊሉ ፍልጠት ዝብሃል የለን። እንተሃልዩ እውን ናይዚ ውፅኢት እዩ።

ካልኣይቲ ካልእ ሃፍቲ ዝበሃል የለን። ንኣብነት ቅርሺ ሃፍቲ ኣይኮነን። ናይ ሃፍቲ መግለፂ ደረሰኝ እዩ። ብርግፅ ዝሰረቐ እውን ቅርሺ ይሕዝ እዩ፤ ዋላ ናይ ዝሰረቐ ተባሂሉ ኣይውሃቦ! ቅርሺ እውን ክነዋህልል እንተኾይንና ማእቶት ክህልወና ኣለዎ። እዚ ክህልወና ዝገብር ድማ ባዕዳዊ ኣታሓሳስባ ኣይኮነን። ባዕዳዊ ፍልጠት እኳ ክንውስኽ እንተደሊና ብናይ ባዕልና ኣተሓሳስባ ክቕነ ክኽእል ኣለዎ።

ማርኬቲንግ ሕዚ ንኣብነት ካብ ኣሜሪካ ክንምሃር ኣይብልናን በሃላይ እየ። ህዝቢ ትግራይ ብምፅናዕ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ። መበቆላዊ ፍልጠት! ህዝቢ ርክብ ዝብሃል ምህሮ ካብ ኣውሮፓን ገለን ቴክኒካት ክንምሃር ንኽእል ንኸውን። ካብ ህዝቢ ትግራይ ግን ሓቂነት ሓዊስና እውን ኢና እንምሃሮ። መበቆሉ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ክነተኣታቱ ዝግብኣና ብዙሕ ነገር ዋላ እኳ እንተሃልዩ ምስቲ መበቆላዊ ፍልጠትና እናወሃሃድና እዩ ክኸውን ዘለዎ። ክንወስዶ ዘይብልና ፍፁም ክንስክፎ ዘለና እውን ብዙሕ ደጋዊ ነገር ኣሎ። ንኣብነት ጥንቆላ እንታይ ክንምሃረሉ ንኽእል? ገሊኦም እናጠንቆሉ ስልጣን ዝሕዙ ኣለዉ ንርኢ ኣለና። ህዝቢና ናብዚ ክንመልሶ? ህዝብና ሕዚ ድኣ ይምለስ ከይህልው እምበር ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ እንተይቀረየ ይቃለሶ ነይሩ። መንግስትን ህዝብን ክተሓዋወሶ ኣይብሎምን ዝብልስ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ 700 ዓመት ጀሚሩ ተቓሊስዎ እዩ። እንኮላይ እናተሓረደ። ሕዚ ምስ ሸገረና መንግስቲ ብመስቀልን ብኾኸብን ኢያ ክትምራሕ ዶ ክንብል ይግባእ? እዚ import ክንገብሮ ዶ ኣለና? ኣይግባእን።

ስለዚ ኣብ ዕደጋ ይኹን፣ ኣብ ህዝቢ ርክብ፣ ኣብ ማእቶት ወዘተ ክብርታት ኣለውና! ንሶም ነጉልህ፣ ንሶም ንጠቐም።

 

 

 

 

 

 

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *