Home / Uncategorized / ህልዊ ኩነታትን ቀጻሊ ኣንፈትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

ህልዊ ኩነታትን ቀጻሊ ኣንፈትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

    

 

 

 

ዝርዝር

መእተዊ. 1

  1. ህልዊ ኹነታት.. 4
  2. ሓጺር ገምጋም ህልዊ ኩነታት ሃገርን መንግስትን. 4

1.1. ኩነታት ሃገርን ተቓወምትን. 4

1.2. ኩነታት መሪሕነት ኢህወደግ.. 7

1.3. ኩነታት  መሪሕነት ሕወሓት.. 9

  1. ሕብረትን ስምረትን ኩሎም ተጋሩ ኣብ ምንታይ?. 13
  2. ትግራይን ትግራዋይነትን. 13

2.1. ትግራይ.. 14

2.2. ትግራዋይን ትግርዋይነትን. 15

  1. ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን. 17

3.1. ኢትዮጵያ. 17

3.2. ኢትዮጵያዊነት.. 17

  1. ኢትዮጵያን ትግራይን. 18
  2. እምነት/ድሌት/ዕላማ/ መትከላት ትግራይ (10ቱ እምነታት) 18

5.1. ሓደ ህዝቢ ሓደ ዓዲ/ስሙር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ/. 19

5.2. መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ትግራይ.. 20

5.3. ዓርሰ እምነትን ዓርሰ ምርኮሳን. 20

5.4. ክብሪን ኣፍልጦን ንታሪክ፣ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ትውፊት፥ ቅርስታት፣ክብርታትን መንነትን ተጋሩ.. 21

5.5. ክብሪ ንዓበይቲ ዓዲ፣ንጀጋኑ ስዉኣትን ንተጋደልትን ትግራይ.. 22

5.6. መትከል ሃገረ-ልፍንቲ.. 22

5.7. ድልየትን ተደላይነትን ኣባላት.. 24

5.8. ማዕርነታዊን ፍትሓዊን  ሃገራዊ ተሳትፎ.. 24

5.9. ሕብረትን ክብረትን. 25

5.10.        መሰረታዊ መሰላት ሕጊ፣ ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላት.. 25

III.        ቀጻሊ ኣንፈት ተግባራዊ ምንቕስቃስ. 25

  1. ሓፈሻዊን ንኹሉ ኩነታት ብዝጠምር ዝምልከት.. 25

6.1. ምትእምማን ኣብ እምነታት.. 25

6.2. ኣፋላልያት ብዉነ ምርዳእን ምኽባርን. 27

6.3. ፖለቲካዊን ማሕበርሰባዉን ትካላት ምጥያሽን ምምዕባልን. 28

  1. ኣንፈት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፍሉይ ኣብ ህልዊ ኩነታት ብዝምልከት.. 28

7.1. ኣሳላልፋ መሪሕነት ኢህወደግን ሃገርን ብዝምልከት.. 28

7.2. ሃገራዊ ኩነታትን ተቓወምትን ብዝምልከት.. 30

7.3. ሕወሃትን መሪሕነታን ብዝምልከት.. 31

7.4. ትግራዋይነትን ኢትዮጵያዉነትን ብዝምልከት.. 36

 

መእተዊ

ተጋሩ  ኣብ ዘበነ ኣክሱም ኣብ ጫፍ ስልጣነ በጺሕና እንትንወርድ ኣምር ናይቲ ስልጣነ ኮነ መንግስታዊ ሓድነትን ህላወን ናይቲ ንግስና ምዕቃብን ንቕድሚት ምቕጻልን ኣብዩና ፋሕ ፋሕ ኢልና ንነዊሕ ዘመናት ኩለመዳያዊ ህማመ ወሪሩና ድከት ኣቲና ኢና ።

ኣብ ዘበነ ሃጸይ ዮሃንስዉን ሓያል ሰራዊት ሃኒጽና ንሙሉእ ሃገር ኣብ ቁጽጽር ብምግባር ሓይልናን ክብርናን ዘርኣና  እንትንኾን ድሕሪ ዉግእን ስዕረትን መተማ ግን መጠን ኣልቦ ዝኾነ ፋሕ ፋሕ ኣጋጢሙ ኣደዳ ጸላኢን ድኽነትን ገይሩና እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ወያነዉን ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ፈጢርና ንጸላእቲ ዘስደመመን ዘርዓደን ጅግንነት ፈጺምና እንትነብቅዕ መሊስና ናብ ናዊሕ ግዘ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን መጽቀጥትን ወሪድና ኢና።

ኣብ ዘበና ዝርኣናዮን ዘርከብናሉን ታሪኽ ዳግማይ ወያነ ትግራይ መዳርግቲ ዘይብሉ ጽንዓትን ጅግነትን ተዓጢቑ ደሚቕ ዓወት ኣምዝጊቡ ዳርጋ ንፍርቂ ክፍለ ዘበን መሪሑን ኣቃሊሱን ኣብዚ ሀዚ እዋን በጺሑ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ከይዲ ኣብ ዉሽጡ እናዓበዩን እናበርከቱን ብዝመጹ ጸገማት ኣብ ቀርባ እዋናት ኣብ ከቢድ ጸገምን መዋጥርን ኣትዩ ይርከብ። ቕልጡፍ ዝኾነ ስጉምትን መፍትሕን እንተዘይገርናዉን ናብቲ ልሙድ ፋሕፋሕ ክኣቱ ከምዝኽእል ግልጺ ዝኾኑ ምልክታት የርኢ ኣሎ።

ኣብቶም ብሓጺሩ ዝተገለጹ ታሪኻዊ ኩነታት ብዙሕ ትንተናን ተወሳኺ ምኽንያትን ምዝርዛር ዝክኣል እዩ። እንተኾነ ግን ኣዉራ ምኽንያትን ምንጪን ዝተሓፈሱ ዓወታት  ስሙር ቅልጽም ተጋሩ ምዃኑ ንበዝሑ ትግራዋይ ዘረዳድእ ሓቂ እዩ። ብኣንጻሩ  ቀንዲ ምኽንያት ዘጋጠመ  ስዕረትን ንኡ ስዒቡ ዝተርኣየ ፋሕፋሕን ድማ ስኣን ናይ ተጋሩ ሕብረትን ስምረትን ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ንሓደጋ ስእነት ሕብረትን ንጸጋታት ሕብረትን ኣመልኪቶም ኣቦና ወያናይ ብላታ ሃይለማርያም  ከምዝስዕብ ይገልጽዎ።

ካብዚ ብምብጋስ ሀዚ ኣንጻላልዩ ዘሎ ሓደጋ ስዕረትን ፋሕፋሕን ክንምክቶን ናብ ረብሓና ክንልውጦን ኣንተኾይና  ቀንዲ  ስትራተጂን ዘየማትእ ቁልፊ መፍትሕን ሕብረትናን ስምረትናን እዩ።

ኣብዚ ዘለናሉ ኣዚዩ ዘበናዊን ብፍጥነት ዝለዋወጥን ከምኡዉን በቢመዓልቱ ብውሑጅ ሓበሬታ  ዕልቕልቕ ኣብ ዝበለ ዓለም ኣፈላላይ ቅቡል ጥራይ ከይኮነስ ከም ጸጋ ዝርኣይ`ዉን እዩ። ስልዝኾነ ኩሎም ኣፈላላያት  ጨፍሊቕኻ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ምሕባር ዝክኣልን ዝድለን ኣይኮነን።እንተኾነ ግን ትግራዋይ ከም ትግራዋይ ሓደ ዝኾነሉን መሰረታዊ ምርድዳእ ዘለዎ ግልጺ ኣንፈት ዝሕዘሉን ቑልፊ ኣጀንዳን ማእኸላይ ሓሳብን መርሚርካ ብምምዛዝ ኣብዙርያኡ ብዉነን ብጽንዓትን ምዕሳል ይክኣልን ይግባእን እዩ ።

እዚ ሓጺር መበገሲ ጽሑፍ እዙይ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ማእኸላይ ሓሳብ ኣለሻ  ከም ሓደ ተበግሶ ክዉሰድን ኣብ ከይዲ ኣብ መንጎ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ብዝግበር ልዝብን ናይ ሓሳብ ፍሕፍሕን ማዕቢሉ ነቲ ዝድለ ምርድዳእ ሓገዝ ኽገብርን ተስፋ ዝሓዘለ እዩ።

በዚ መሰረት ልሙድን ቀሊልን ካብዝኾኑ ዉሱናት መበገሲታት ብምልዓል ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን መንግስትን ብምግምጋም፡ንመንነትናን ንዓድናን ከምኡዉን ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝልዓሉ ንኹላትና ርዱኣት ዝመስሉ ግን ድማ ሓተታዊ ምርመራ ብምክያድ መስረታዊ ምርድዳእ ክግበረሎም ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ዝተኣመነሎም ሓሳባት ከምዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ።

 

 

I.           ህልዊ ኹነታት

1.    ሓጺር ገምጋም ህልዊ ኩነታት ሃገርን መንግስትን

ኣብዚ ሀዚ እዋን ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳያዊ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ጸበባን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኣትያ ከምዘላ ንኹሉ ኩነታት ሃገር ዝከታተል ግልጺ እዩ። እዚ ሀዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ቅልውላው ዉህሉል ዉጽኢት ብዙሓት ምዕበላታትን ብዝተፈላለየ ኣገባባትን ተዋሳእትን ዝተጣመሩ ኩነታትን እዩ።ንኹሉ እቲ ምዕባለን ኩነታትን ምዝርዛርን ምትንታንን ኣዚዩ ከቢድ ስለዝከውንን ነቲ ሀዚ በዚ ጽሑፍ እዚ ክርአ ካብ ዝተደለየ ሓሳብ ዘዉጽእን ብምዃኑ ሓጺርን ናብቲ ዕላማና ብቀጥታ ዝወስድን  ዘብርህን ኩነታት ጥራይ ኣድሂብና ክንርኢ። እዚ ጽሑፍ እዚ ብቐንዱ ኣብ ሃገርና ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ወሰንቲ ፖለቲካዊ ሕቶታትን ብዓይኒ ኣብ ብሄር መሰረት ዝገብሩን ብሄር መሰረት ዝገብረ ኣዋዳድባ ኣብ ዝቃወሙን ሓይልታትን ዉዳበታትን ነንሕድሕዶምን ኣብ ዉሽጦምን ዘሎ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ መንጽር ዝተዳለወ እዩ።

1.1.        ኩነታት ሃገርን ተቓወምትን

ቅድሚ ዉድቀት ደርጊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ጨና ህዝባዉነትን ዲሞክራሲያውነትን ዘይብሎም ፊውዳልዊ ነገስታትን ወታደራዊ መላኺ ስርዓትን ዝሓዘ እዩ ነይሩ።እዞም ስርዓታት እዚኦም ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ሕብረ ብሄራዊ ብዙሕነት ዝመልኣ ሃገር እናመርሑ ግን ድማ ነዚ ሓቂ እዙይ ብምኽሓድ ብሄራዊን ባህላውን ኣፈላላያት ንሓድነት ሃገር ሓደጋ እዮም ኢሎም ዝኣምኑ’ዮም ነይሮም። ካብዚ እምነት እዚ ተበጊሶም ሓደ ህዝቢን ሓደ ሃገርን ንምፍጣር  ብዝብል ዕላማ ኩሉ ዓይነት ብሄራዊን ባህላውን ኣፋላልያት  ኣቕሊጦም ክመኩ ብምግባር ናብ ሓደ ብሄራዊን ሃገራዊን ቋንቋን መንንነትን ብምልዋጥ ሃገር ክሃንጹ ዝፈተኑ ፍጹም ምእኹልን ኣሃዳዊን  መንግስታት እዮም። በዚ ምኽንያት ካብቲ ብሰፊሑ ኣብ ሃገርና ዓሲሉ ዝነበረ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ወጽዓ ፣ ዝተሓላለኸ ድሕረትን ፍጹማዊ ድኽነትን ብተወሳኺ ዋና መግለጺ ናይቶም መንግስታት ብሄር መሰረት ዝገብረ ኣድልዎን መጽቀጥትን ኾይኑ ጸኒሑ እዩ።

 

በዚ መሰረት ህዝብታት ሃገርና ኣንጻር እዞም ስርዓታት እዚኦም ኣብ ዝተፈላልየ እዋናት ብዝተፈላልየ ኣግባብ ተቓዉሞ ክገብሩን ክቃለሱን ጸኒሖም እዮም። መቐጸላታ እቶም  ንመዋእል ዝተኻየዱ ቃልሲታት ዝኾነ፣ ብወያነ ትግራይ ዝተመርሐ፣ ብሄራዊ መሰልን መሰል  ሕቶ ዓርሰዉሳነ እስካብ ምንጻልን ሒዙ ብረታዊ ቓልሲ ወሊዑ ዝተቓለሰን ሓይሊ ነቲ ዝነበረ ዓብላላይ ስርዓት ብዉግእ ስዒሩ ደሚሲስዎ እዩ። ኣብ ቦትኡ ድማ እቲ ሀዚ ዘሎ ሕብረ-ብሄራዊ ህገመንግስትን መንግስታዊ ስርዓትን ንምትካልን ብሄር መሰርት ዝገበረ ፌደራላዊ መንግስቲ ብምጥያሽ ንምምራሕን በቒዑ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት ኣዚዩ ዉሱንኳ እንተኾነ መባእታዊን ብቐጻልነት እናማዕበለ ክኸይድ ዝኽእል ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስን ጽቡቕ ክበሃል ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ዘምጸአ ስርዓት ንምዃንዉን ክኢሉ እዩ።

 

እቲ ሓዱሽ ስርዓት ሕገ መንግስታዊ ዉሕስና ዘለወን ብሄራዊ ዓርሰ ምምሕዳራዊ ክልላት መስሪቱ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ኣብ ዝባኖም ተዳዕኒኑ ካብ ዝነበረ ብሄራዊ ዕብለላ፣ብሄር መሰረት ዝገብረ ኣድልዎን መጽቀጥትን፣ብመንነቶም ክሓፍሩን ክሽቕረሩን ዝገብር ገባቲ ስርዓት ተናጊፎም ባዕሎም ንባዕሎም ከምሓድሩ፣ብመንነቶም ክኾርዑ፣ባህላዊን ታሪካዊን ክብርታቶም ክዕቅቡን ከማዕብሉን፣ብቋንቋኦም ክመሃሩ፣ኩሉ መንግስታዊ ስራሕቲ ክሰርሑን ክዳነዩና ኣኽኢሉ እዩ።

እንተኾነ ግን  ስማዊ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ኣካያይዳታትን ካብ ምጥያሽን ዉስን ዝኾነ ምኽባር መሰላትን ሓሊፉ ኣብ መዳይ ዲሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ከም ኡዉን ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ነቶም ደገፍቱን መሰረቱን ዝኾኑ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ፖለቲካዊ  ሓይልታትኳ ዘዕግብ ስራሕ ክሰርሕ ኣይኽኣለን።

 

ብሄር መሰረት ዝገበሩ ፖለቲካዊ  ሓይልታትን መላእ ህዝብታትን ሃገርና  ዝጠልብዎ ኣብ ኩሉ መሓዉራትን ስራሕትን መንግስቲ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዕዝይናን ወገንተኝነትን ዝጸረየ፥ ብቕዓትን ህዝባዉነትን ዝወነነ፥ግልጽነትን ተሓታታይነትን መስርሑ ዝገብረ ዝተማለአ ዓርሰ ምምሕዳርን ዲሞክራሲያዊ መንግስትን ክዉንኑን ከስተማቕሩን ዘኽእል ምችው ኩነታት ክፈጥር ኣይክኣለን።

 

ካብዚ ብተወሳኺ ንዝልዓሉ ተቓዉሞታት ይኹኑ ንዝቐርቡ ዝተፈለዩ ይኹኑ ንመንግስቲ ዝነቕፉ ሓሳባትን ድምጽታትን ክዕፍን ብዝወስዶም ዘይሕጋዊን ዘይሰብኣውን ስጉምቲታት ዜጋታት ኣብ ከቢድ ፍርሕን ዉርደትን ክጥሕሉን ኣብ መንግስቲ ተስፋ ክቖርጹን ገይሩ እዩ።ምስዚ ጎኒ ንጎኒ እቲ ዝመጸአ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ብስፍሓትን ብፍትሓውነትን መዳዩ መሰረታዊ ዝኾነ ዉስኑነት ዝርኣዮን ክንድቲ ዝድለ ዘይኮነን እዩ።ከም ዉጽኢቱ ድማ  ጭቡጥ ዝኾነ ድኽነትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ጸገማትን ከምኡዉን ሰፊሕ ስእነት ስራሕን ኣስዒቡ እዩ።

 

እዚ ዝወለዶ ኣንጸርጽሮት ካብ ግዘ ናብ ግዝ እናወሰኸ ብምኻድ ናይ መንግስትን ህዝብን ንቡር ርክብ ኣዚዩ ክሕርፍፍን ኩነታት ንቡር ምሕደራ ብኣግባቡ ከይኸድ ኣጸጋሚ ፈተና ክኸዉን ገይሩ እዩ። ነዚ ተበሊጾም ጸረ ሰላምን ጸረ ብዙሕነትን ሓይልታት ካብ ናይ ባዕሎም መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጽልኢት ተበጊሶም ብዝተዋደደ ትካላዊ፣ሞያዊ፣ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ሰፊሕ መሓውርን ተጠቒሞም ንዝተናወሐ እዋን ብተኸታታልነት ብዝዘርግሕዎ ናይ ሓደ ብሄር ልዕልናን ተጠቃምነትን ጽውጽዋይን ምስሉይ ፕሮፕጋንዳን  ኣብ ቅኑዕ ዜጋታት ከይተረፈ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እዝኒ እናርኸበ ክኸይድን ነቲ ዘሎ ኩለምዳያዊ ጸገም መቃጻጸሊን መሳወርን ብምዃን  ከገልግልን ገይሮሞ እዮም።

 

ብተወሳኺ እቲ ብቓልስን መስዋእትን ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝመጸ ናይ ህብረብሄራዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ሞተር ኮይኑ ሃገር ክመርሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ  መሪሕነት ህወሓትን ኢህወደግን ንባዕሉ ናብ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ ብምልዋጥ ፖለቲካዊ ስላጣንን ኢኮኖሚያዊ ተጠቃሚነትን ንባዕሉን ንሓሻኽሩን ብሒቱ ብምሓዝ  ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ኣድልዎን ምግላልን ብምክያድ ከቢድ ዝኾነ ቅሬታ ክፍጠር ገይሩ እዩ። ንዝኾነ ይኹን ተቓዉሞን ናይ ሓሳብ ኣፋላላይን መድረኽን እዝኒን ብምኽላእ ብወታደራዉን  ጸጥታዊን መሓዉራት ንምጭፍላቕ ንድሕሪት ዘይብል ብሙሉእነት ጸረ-ዲሞክራሲ ሓይሊን መላኺ መሪሕነትን ንምዃን በቒዑ እዩ።

 

ብኻሊእ ገጽ እቲ ብወትሃደራዊ ግጥም ዝተስዓረ ናይ ቀደም ዓብላላይን ጸረ ብዙሕነትን ስርዓት ኣብቲ ሃገር ንነዊሕ እዋን ተኺሉዎ ዝጸንሐ ናይ ፕሮፓጋንዳን ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚን ልዕልነቱ ኣይተመንጠለን።በቲ ዝተመዝገበ ወትሃደራዊን ዉስን ፖለቲካዊ ዓወትን ዕግበት ብምፍጣር ዕሽሽ ስለዝተባሃለን ብዝተማለአ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ካብ ህዝቢ ብምንጻል መሊኡ ካብ ሱሩ ተማሒዉ ክጠፍእ ስለዘይተገብረን ብቕሉዕን ብድብያን ፋሕጠርጠር ክብል ዕድል ረኺቡ እዩ። በዚ ዝረኸቦ ዕድል ድማ ካብ ሱር ዝሰደደ ቂም ፣ ጽልኣትን ናይ ተስዓራይነት መንፈስን  እናተበገሰ ብቐጻልነት ሰፊሕ ናይ ምዉቓዕ ዘመተን ጽዕጹዕ ወፍሪ ጸለመን እናካየደ ጸኒሑ እዩ። ከም ዉጽኢት እዚ ድማ እቲ ሓዱሽ ህብረብሄራዊ ስርዓት ዝተማለአ ተቐባልነት ከይረክብ ብምግባር፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምጥርጣርን ጽልኢትን ክፍጠር ኣበርቲዑ ብምስራሕ  ዝተረጋገኣ ሰላማዉን ዲሚክራሲያዊን ሃውህው ተፈጢሩ ዝሐሸ ምዕባለ ከይመጽእ ዝገብር ኣሉታዊ ግደ ነይሩዎ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዜጋታት ኣብ መላእ ሃገር ተንቀሳቒሶም ክሰርሑን ክነብሩን ዝኽእልሉ ኩነታት ኣብ ጸገም ክወድቕን ህብረብሄራዊ ሃገራዊ ሓድነት ከጠፍእን ክኢሉ እዩ።ካብኡ ሓሊፉ እቲ ዝተስዓረ ጸረ ብዙሕነት ሓይሊ ዘሎን ዘየሎን ዓቅሙ ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ዉሽጢ እቲ ስርዓት ዝተፈጠረ መሰረታዊ ናይ ዲሞክራሲ ጸገም ብምምዝማዝን ብምግፋሕን እቲ ጸገም ክጋደድን ኣብ ህዝቢ ዝልዓለ ተስፋ ሙቑራጽ ክፍጠርን ዕዙዝ ግደ ተጻዊቱ እዩ።

 

ብሓፈሻ እዚ ናይ ሐዚ ሃገራዊ ጸገም ብዋናነት ኢወደግ ዝመርሖ ዘሎ  ጸረ ዲሚክራሲ መንግስቲ ዝፈጠሮ መጠነ ሰፊሕ ዓፈናን  ንሱ ዝወለዶ ኩለ መዳያዊ ስእነት ዲምክራሲን እዩ።  እዚ ኩነታት እዙይ ነቲ ፖለቲካዊ መሰረትን ደጋፊ ህበርብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን ዝኮነ በሄርተኛ ሓይሊ ከንጸርጽርን ተስፋ ክቖርጽን ብምግባር ናብ ዝልዓለ ብርኪ ህውከትን ናዕቢን ክዓቢ ገይሩዎ እዩ።

 

በዚ ምኽንያት ድማ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ፖለቲካዊ  ሓይልታት ሰፊሕ ዝኾነ ቅሬታን ተቓዉሞን እናሕደሩ ስለዝመጹ ምስ ጸረብዙሕነት ኮነ ካልኦት ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ደጋዊ ሓይልታት ኣብ ዙርያ እዙይ ዝተፈላለዩ ቅሉዕን ስዉርን ዉዳበታትን ምልዕዓላትን ፈጢሮም ሰፊሕን ተኸታታሊን ተቓዉሞ ኣካይዶም እዮም። በዚ ተቓዉሞ እዙይ ኣብ ከይዲ ናብ ቕሉዕ ናዕብን ዕግርግርን ኣቲዮም ሃገራዊ ሰላምን ስርዓትን ክዛባዕ ብምግባር መንግስቲ ስሩዕ ናይ ምምራሕ ተግባሩ ከካይድ ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ኣብጺሖሞ እዮም።

ከም ዉጽኢቱዉን ብሄርተኛ ሓይልታትን ጸረ ብዙሕነት ሓይልታትን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዘለዎምን ሓቢሮም ክሰርሑ ይትረፍ ክነብሩ ዘይኽእሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምዃኖም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ  ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዝያውን ታክቲካዉን ሓበራዊ ግምባር ፈጢሮም ይርከቡ። በዚ ግዝያዊ ሓበራዊ ግምባር ተጠቒሞም   ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዉጽኢታዊ ጸቕጢ ገይሮም ናይ መሪሕነት ለዉጢ ክመጽእ ናይ ባዕሎም ዝኾነ ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም። በዚ መሰረትዉን እቲ ዝመጸ ሓዱሽ መሪሕነት እግሩ ከይተኸለ፣ ኣብዘለዉ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዝተማለአ ኣራዳድኣን ዝተርጋገአ መርገጺን ከይሓዘ እናሃልወ ብተብትብን ብምድንጋርን መትከላዊ ዘይኮነ ልዝብን ምቅብጣርን ክገብረሎም ኣገዲዶሞ እዮም።እዚ ከምዙይ ዓይነት መትከላዊን ሕጋዉን ዘይኮነ ምሽምጋል ንኩሎም ወገናት ጊዚያዊ ዝኾኑ ቅንጥብጣብ ረብሓታት ካብ ምሃብ ንላዕሊ መሰራታዊን ስትራተጂካዊን መፍትሒ ክኽዉን ኣይኽእልን።

1.2.       ኩነታት መሪሕነት ኢህወደግ

እዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብመሰረቱ ባዕሉ ኣብቲ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ዝፈጠሮ  ንፈትዉቱ ዘርሓቀ ንጸላእቲዉን ዕድል ዝሃበ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኮይኑ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ማሕበረ-ኢኮኖሞያዊ ጸገማት ተደማሚሩ  ናብ ዝልዓለ ቅልውላው ዝዓበየ እዩ።

እዚ ናይ ሀዚ ጸገም ኣቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ስእነት ዲሞክራሲ እዩ  እንተይልና ከመይ ገይሩ እዚ ኹሉ ግዘ ብተናጻጻሪ ብርኪ ተደላዲሉ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ? ንምንታይከ ሀዚ ብፍሉይ ኣብ ዝልዓለ ጸገምን ቅልውላዉን ወዲቁ ንዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሱ ምስ ኩነታት መሪሕነት ዝተኣሳሰረ እዩ።

ናይዚ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ዉድብ ኢህወደግ ኣባላት ዝኾኑ ኣርባዕቲኦም ዉድባት ካብ መፈልምትኡ ተመጣጣኒ ዉድባዊ ዓቅምን መትከላዊ ሓድነትን ዝነበሮም ከይኮኑስ ብፉሉይ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ብደገፍን ሰናይ ድሌትን ሕወሓት ዝተመስረቱ፣ ኣብጽላል መርሕነት ህውሓት ዝማዕበሉ፣ ነቲ መሪሕነት ብዘልዎም ተኣማንነትን ተማእዛዛይነትን ኣብ ስልጣን ዝደየቡን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑን እዮም። ኣብ ከይዲዉን ናይ ባዕሎም መትከላዊ ጽኑዕ እምነትን ዕላማን፣ናይ ዝመርሕዎ ህዝቢ  ድጋፍን ተቕባልነትን ድሌቶምን ዕላሞኦምን ዘፈጽሙሉ ድልዱል ዓቕምን ክፈጥሩ ኣይክኣሉን። መሪሕነት ህውሓት ‘ዉን ነዚ ክፈቅድን ክድግፍን ስለዘይከኣለ ካብ ናይ ሕወሓት ጽግዕተኝነት ወጺኦም ዓርሶም ክኾኑ ዝተጸገሙ እዮም።ኣብ ዝመርሕዎ ህዝብን ክልልን ዘለዎም ስልጣንን ኩለመዳያዊ ሃፍትን ተጠቒሞም ናይ ህዝቢ ሕቶ ክምልሱስ ይትረፍ ብዓቕሙ ሰሪሑ ከይነብርዉን ስልጣኖምን ተጠቃምነቶምን ንምንዋሕ ማእለያ ዘይብሉ ምዝምመዛን ምግሃስ መሰልን ኣዉሪዶሙሉ እዮም።

 

ድሕሪ ግዘ ግን ካብ ህዝብን ኣባላቶምን ብዝበጽሖም ድፍኢትን መሪሕነት ህውሓት ብዝገብሮ ኢድ ኣእታዉነትን እናተማረሩን እናተቐየሙን ዝመጹ እንትኸዉን ዉሽጥዉሽጡ እቲ ዝነበረ ተማእዛዛይነትን ቁሩብ ሓድነትን እናተሽርሸረ ኣብ ቦትኡ ተንኮልን ጽልኢትን እናማዕበለ መጺኡ ኣዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ፈኸም  እናበለ ብጊዘን ብኸይዲን ተሓላሊኹ ኢህወደግ ከም ሓደ ስሙር ግንባር ክመርሕን ክቕጽልን ኣብዘይኽእለሉ  ጸገም ከውድቖ ክኢሉ እዩ። እቲ ማእከላዊ ምኽንያት ቅልውላው ሃገር ኣብ ላዕሊ ኣብ ኩነታት ሃገር ዝተገለጸ ኮይኑ እዚ ኣብ መርሕነት ኢወደግ ዘጋጠመ ጸገም ድማ ብተወሳኺን ከም ደፋኢ ምኽንያት ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

 

ካብቲ ዝጸንሐ ዘይስሙርን ዘይመትከላውን ርክብ ዉድባት ኢህወደግ ብተወሳኺ ነዚ  ህዚ ኣብ ኢህወደግ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘጋደዶን ናብ ዝኸፍአ ጫፍ ክበጽሕ መበገሲን ቀንዲ ምክንያትን ዝኾነን ንመስዋእቲ መለስ ስዒቡ ኣብ ኢሕወደግ ዝተፈጠረ ናይ ጠንካራን ሙእኹልን መሪሕነት ክፍተት እዩ። መለስ ፈጢሩዎ ብዝነበረ ዉላቃዊን መንግስታዊን ጥንካረን ዐቕምን ኣብቲ ሃገር ብዝምጸኦ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግ ከም ዉድብ ይኹን ኣብ ሃገር ብጠቕላላ ተቓውሞታት ከይልዓሉን አንትልዓሉዉን ተሪሮም ከይወጹን ሰፊሕን ስልታዊን ሜላታት ተጠቒሙ ዕዉት ጸቕጢ ኣሕዲሩ ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻሩ ውሽጣዊ ናይ ፓርቲ ፖለቲካዊ ዓቕሚ፣ ናይ መሪሕነት ኩለማዳያዊ ስሙር ሓድነትን ተግባራዊ ብቕዓትን ክህሉ ኣይሰርሐን። ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ዉሽጢ ፓርቲን መንግስትን  ስልጣኑ ብምድልዳል ተካኢ ውልቀሰብ ከይህሉን ትካላዊን ሓበራውን ኣሳራርሓን መሪሕነትን ከይምዕብል ገይሩ ጸኒሑ እዩ። ከም ዉጺኢቱዉን ብጭቡጥ ኣብ እዋን መለስ  ኢህወደግ ከም ግንባር ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ተመንጢሉን ተዳኺሙን፣ ዉድብ ማለት መለስ መለስ ማለት ዉድብ ኮይኑ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ብመለስ ተተኪኡ እዩ ጸኒሑ።

 

እዚ ኣብቲ ግንባር ዝነበረ ኩነታት ድሕሪ ምፍላይ መለስ  ቅልጡፍ ዝኾነ ትካልዉን ዉልቃዉን መተካእታ ከይመጽእ ብምግባሩ  ከም ግንባር ማእከላዊ መሪሕነት ሲኢኑ ዕንይንይ ክብል ገይሩዎ እዩ። ካቡኡ ሓሊፉ እቲ ፓርቲ እብ መንጎ ብሄራዊ ፓርትታት ይኹን ኣብ መንጎ ዉልቀ መራሕቲ ብዝተፈጠሩ ምትፍናናት ብኸይዲ ነንባዕሉ እናተጠራጠረን እናተናሓናሐን ናብ ከቢድ ምምቕቓልን ምክሕሓድን ኣቲዩ እዩ። ናይዚ ዉጽኢትዉን እቲ ስእነት ዲሞክራሲ ዝወለዶ ህዝባዊ ተቓዉሞ በቢከባቢኡ ክልዓል እንተሎ ከምቲ ልሙድ ስልታዊ ብዝኾነ ዓፈናን ጸቕጥን ከዝሕሎን ክዓብጦን ዝኽእል መሪሕነት ኣብ ዙርያ ኢህወደግ ንጨናኳ ኣይነበረን።እዚ ጥራሕ ከይኮነስ እቲ ዝርካቡ ልሙስ መርሕነትዉን ሓበራዉን ማእከላዉን ኣታሓሳስባን መሪሕነትን ስኢኑ ፋሕ ጭንግራሕ ክብል ተገዲዱ እዩ ።

 

በዚ ዘይተዋደደን ዘይተማእኸለን መሪሕነት እናተደናገረ ድሕሪ ምጽናሕ ኣዚዩ ዝተናወሐን ዓይነ መርፍኡ ዝጠፍኦን ኣኼባታትን ገምጋማትን ብምግባርን ሽግሽግ መሪሕነት ብምክያድን ሓዱሽ መርሕነት መዚዙ በቢ ብርኩ ተመሳሳሊ ምትዕርርያት ገይሩ እዩ።  ህዚዉን ግን እቲ ግምባር ኣብ ምድረ በዳን ሃሩርን ማይ ብሕሱም ጸሚእዎ ከምዘሎ ሰብ ንህልዉንኡ ኣዝዩ ዘድልዮ ሙእኹል መሪሕነት፣መትከላዊ ሓድነትን ተግባርዊ ስምረትን ከረጋጽ ከምዘይክኣለ ዘርእዩ ብዙሓትን ገዘፍትን ተግባራትን ስጉምትታትን በቢመዓልቱ ምስማዕን ምርኣይን ዝተለምደ ኮይኑ ይርከብ።

 

ወግዓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምስ ጸረ ብዙሕነት ሓይልታትን ምስ መራሕትን ወደብትን ዘይሕጋዊ ዉዳበታትን ናዕብታትን ዘይመትከላዉን ዘይሕጋዉን ልዝብን ምቅብጣርን ሓዊሱ ንመን ከምዝጠቕሙን ብኸመይ ኣግባብ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕሉን ሓባሪ ዘይብሎም ዉሳነታትን መደረታትን በቢኩርንዑ ኣናሽንደየ ካብቲ ናብቲ ዝላጋዕ መርሕነት ኣብ ኮርቻ ስላጣን ተወዚዑ ይርከብ።

 

እዚ ሓዱሽ መርሕነት ኣብ ቀረባ ግዘ ካብ ምቅብጣርን ምድንጋርን ወጺኡ ፖለቲካዊን ሕገመንግስታዊን ዉግንንኡ ብዘረጋግጽን ሃገራዊ ኣሳላልፋ ሓይልታት ብዝርዝርን ብዕሙቀትን መርሚሩ ዘላቒን ሕጋዉን መፍትሒን ስጉምትን ዝወስድሉ ኣንፈትን መስርሕን ዘርኢ ምንቅስቃስ ክገብር ኣይርኣይን።ንቕድሚትዉን ናብ መትከላዉን ሕገመንግስታዊን ስጉምትን መፍትሕን ዝመጽእ ንምዃኑ ዘመላኽት ሓባሪ ወይ ኣሰር ዘለዎ ኩነታት ዘሎ ኣይመስልን።

1.3.       ኩነታት  መሪሕነት ሕወሓት

 

ህወሓት ከም ፓርቲ ስሙ ባዕሉ ከምዘምልክቶን ሰነዳት እቲ ፓርቲ ከምዝሕብሩዎን ንሓርነት ህዝቢ ትግራይ ዝዓለመ ዉድብ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ እዚ ዉድብ እዚ ብዝተፈላለዩ ኣግባባት ንነዊሕ መዋእል ንሓርነቱ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣካይዱ እዩ።በዚ መሰረት ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ብሄራዊ ዕብለላ ብረታዊ ቓልሲ ወሊዑ ብዋናነት ካብ መስካሕከሒ ግፍዒ ደርጊ ንምንጋፍ ብዝነብሮ ድሌትን ጻምእ ሰላም፣ዲሞክራሲን ልምዓትን  ተበጊሱ ሰብኣዩ የለ ሰብይቱ፣ ሃፍቱ ኮነ ህይወቱ ብሙሉእነት ከቲቱ ኣብ ዙርያ ሕውሓት ብምዕሳል መዳርግቲ ዘይብሉ ጽንዓትን ጅግንነትን ፈጺሙ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል ጸረ ደርጊ ቃልሲ ብዓወት ክዛዘም ገይሩ እዩ።

 

ኣብዚ ከይዲ እዙይ ሕውሓትዉን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሑ ናብ ዓወት ዘብቀዐ ዘሕብን ታሪካዊ ተልእኾ ዝፈጸመ ዉድብ እዩ።ሕወሓት ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ ምዕዋት ጥራይ ከይኮነስ ኣብ ከይዲ እቲ ቃልሲ ነቶም ብመሰረቱ ክብርን ባህልን ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ጸጋታት ጅግንነት፣ዉፉይነት፣ጽንዓት፣ኣብ ጸበባን መከራን ግዘ ድማ ተጻዋርነትን ብልሓትን ብሙሉእነት ዝተጠቐመሎም እንትኸዉን  ነዞም ክብርታትና እዚኦም ድማ  ናብ ዝልዓለ ብርክን ምዕባለን ክብ ብምባል ዝበለጸ ሱር ክሰዱን ናብ ግብሪ ክዉዕሉን ሰፊሕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

 

ኮይኑ ግን እቲ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዉሽጡ ካብ መፈለምታ ብረታዊ ቃልሲ ኣቢሉ ኣብ ጉዳይ ትግራዋይ ብሄርተኝነትን ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ብዝምልከት ዝነጸረ ዕላማ ስለዘይነበሮ ዕላዊ ዝኾነን ኩሉ ዝርድኦን ዝኣምነሉን ትግራዋይ ብሄርተኝነት ክትከልን ክዕምብብን ኣይተቓለስን። ትግራዋይ ብሄርተኝነት መሰረት ዝገብረ ዉዳበ ተኸቲሉ  ብሄራዊ ዕብለላን ወጽዓ ትግራይን መሰረት ዝገብረ ሰፊሕ ዝኾነ  ምልዕዓል ፈጢሩ እንተብቅዕ ማርክሳዉነት ከም ዋና ዕላማን ናይቲ ቃልሲ መምርሒን ገይሩ  ብምዉሳዱ ትግራዋይ ብሄርተኝነት ከም ናይ ህዝቢ መሰለፊ ስልቲ እምበር ከም ዋና መቃለሲ ዕላም ገይሩ  ክቓለስ ኣይኽኣለን።መሪሕነት ሕወሓት ዝተኸተሎ ማርክሳዊነትዉን ጠርዚ ዝነኸሰ ጽንፈኛ፣ ኣብ ድልዱል ሳይንሳዊ ፍልጠት ዘይተመስረተ ዕሙት እምነት፣ ከቢድ ቅጽዓት ብዘስዕብ ዲሚክራሲያዊ ማእከላዊነት ዝተቖረነን ምስ እምነት፣ ድሌትን ጭቡጥ ማሕበረ ኢኮኖሚ ህዝቢ ትግራይ ዘይሳነን እዩ ነይሩ።ምስዚ ብተወሳኺ  ወድዓዊ ባህርይ ደባይ ተዋጋኣይነት ዝሓቶ ጥቡቕ ምሽጥራውነት፣ብመሪሕነት ካብ ዝተኣዘዞን ዝተነገሮን ወጻኢ ሕቶን ስነሞጎታዊ ምርመራን ዘይፈቅድ ኣወዳድባ  ፣ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ጥራይ ዝዉሕዝን ወታደራዊ ናይ እዚ ሰንሰለት ዝፈጠሮን መስርሕ ዝተኸተለ እዩ ነይሩ።

በዚኦም ምክንያት ድማ  ዉሽጣዊ ዲሞክራሲ ከይህልዎን ዲሞክራሲያዊ መሪሕነትን ምኽባር መሰረታዊ መሰላትን ከይሰፍሕ ብምግባር እቲ ቃልሲ ካብ ወታደራዊ ስርሒትን ዓወትን ብተወሳኺ ናብ ኹለ መዳያዊ ህዝባዊ ለውጢ ብሙሉእነት ከይስጉም ዓጊቱዎ እዩ።ከም ዉጽኢቱ ድማ  መሪሕነት ሕወሓት ኣንጻር ደርጊ ብዝግበር ወታደርዊ ቃልሲን ኣብኡ ብዝተርኣየ ጅግንነትን ጥራይ ተሸፋፊኑ ህዝባዉነቱን ዲሞክራሲያዉነቱን ብነጻን ግልጽን መድረኽን ፍልጠት መሰረት ብዝገብረ መትከልን ከይተመዘነን ከይተፈተሸን ናብ ዓወት በጺሑ እዩ።

 

ድሕሪ ዉድቀት ደርጊ ደንበ ሶቤትሕብረት እንትፈርስን ማርክሳዉነት ጸሓይ እንትዓርቦን ብኡ መሰርት ድማ ዝሑል ኩናት ኣብቒዑ ዓለም ናብ ጽልዋ ሓደ ደንበ እንትኣቱን መሪሕነት ህወሓት እቲ ንስሙ ኣማእኺልዎ ዝጸንሐ ምስሉይ ማርክሳዊ ዓምዱ ፈሪሱዎን መንገዲ ጠፊኡዎን ንቑሩብ ግዘ ዕንይንይ ክብል ጸኒሑ እዩ። ብኸይዲ ድማ ካብተን ብቑሩብዉን ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣማዕቢሉወን ዝጸንሐ ጸጋታት ዉፍይነትን ተቓላሳይነትን ቁሩብ ህዝባዉነትን እናረሓቀ ነንባዕሉዉን እናተባለዐ ብምምጻእ ኣብ ዉሽጡ ቅሉዕን ከቢድን ምክፍፋል ኣጋጢሙዎ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ዝኣተወ መሪሕነት ሕወሓት ድሕሪ ናይ 93 ምክፍፋል ኩሉ ዓይነት ምፍልፋል ፖለቲካዊ ሓሳብን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ንመለስ ጠቕሊሉ ብምርካብ  ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ኣታሓሳስባን መሪሕነትን  መለስ ወዲቑ ኣዩ። ኣብ ከይዲ ድማ ንጹርን ህዝባዊን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ እኩብ ሓይሊ ካብ ምዃን ሓሊፉ ስልጣንን ካብ ስልጣን ዝርከብ ጥቕምን እናመቀሮ ቀልጢፉ ናብ ክቱር ናይ ስልጣን ሓይልነት ተለዊጡ እዩ። መለስዉን እቲ ብደርጃ ኢህወደግ ዝተጠቐመሉ ሜላ መቃቒልካ ምምራሕን ዓቕሚ ዘለዎም እነደፋእኻ ዓቕሚ ዘይብሎም እናቐደምኻ ትካልዊን ሓበራዉን መሪሕነት ናይ ምልማስ ከይዲ ብሙሉእነት ብምትግባር ሕወሓት ዝነበራ ተነጻጻሪ ዓቕምን ሰብን ላጽዩ ኣይትብላዕ ኣይቲስተ ገይሩዋ ሓሊፉ እዩ።

 

ድሕሪ ምፍላይ መለስ እቲ ዝተረፈ መሪሕነት ሕውሓት ናይ ባዕሉ ይኹን ናይ ኢህወደግ ስሙር ማእከላዊ መሪሕነት ምርግጋጽ ኣቢዩዎ ካብ ዉሽጢ ኢህወደግ ብዝመጹን ልዕልነት ትግራይ ብዝብል ምስምስ ህዝባዊ ናዕቢ ወሊዕም ብቕሉዕ ኣንጻሩ ብዝተቓለሱን ሓይልታት ተደፊኡ ናብ ምቑዛምን ምስቁንቋንን ኣቲዩ ይርከብ።ብኸይዲዉን ሓደ ብሓደ እናተኣረየ ጸግዑ ክሕዝ ከምዝግበር ዝሕብሩ ብዙሓት ምልክታት  ይርኣዩ ኣለዉ።

በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ስኑ ነኺሱ ክቃለስን ኣብ ዉሽጣዊ ዓቕምን ጸጋታትን ትግራይ ተደሪኹን ተኣማሚኑን፣ ናብ ዝኾነ ይኹን ደጋዊ ሓይሊን ደገፍን ከየቋመተ፣ ሓድነትን ስምረትን ህዝቢ ትግራይ ዓቂቡ፣ መላእ ህዝቢ ትግራይ ተጠቃሚ ዝገብር መሰረታዊን ኩለመዳይዊን ለውጢ ከምጽእስ ይትረፍ ድሕሪ 27 ዓመትዉን እቲ ዝነኣሰ ናይ ምግቢ ዉሕስና ተግባር ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

 

ምስዙይ ጎኒ ንጎኒ መርሕነት ሕወሓት ዕላማን መትከልን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑ ደቁን ብምጥላም መትከላዉን ሕጋዉን ዘይኮኑ ኣሳራርሓታት ብዘይገለ ስክፍታ ብዕሊ ኣብተግባር ብምውዓል ብጉጅለ፣ብዝምድና፣ብዕርክነትን ካልኦት ናይ ምጥቕቓም ስልትታትን ተኣሳሲርካ ስልጣን ብምሓዝ ህዝባዊ ሃፍትን መንግስታዊ ስልጣንን ንዉልቀ ጥቕሚ ምውፋር ልሙድ ተግባሩን መለለይ መንንነቱን ክኸዉን በቒዑ እዩ።

 

ካብኡ ሓሊፉ  መሪሕነት ከም መሪሕነት ብዉልቀ ይኹን ብትካልዊን ሓበራውን ብርክታት ናይ ትግራዋይ ክብርን መንንነትን ብዘዋርድን ብዘሕፍርን ኣግባብ ብቅሉዕ ጻዕዳ ሓሳዊ ኮይኑ ንሰማዒን ንርኣይን ዘደንጹ ባህርይ ተላቢሱ ብህዝባዊ ድፍኢት ተጋሊጹ እዩ። ነዚ ስዒቡ ብዘይምንም ሕንከት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓሊዑ፣ተፈንፊኑን ተናዒቑን  ኣናሃለወዉን ሓፊሩን ተሰኪፉን ስልጣኑ ናብ ዝሕሸን ሓዲሽ ወለዶን ኣረኪቡ ንለውጢ ሓጋዚ ክኸዉን ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዝነበሮ ኣበርክቶ ንዝንተኣለም እናሽቀጠን ንሳ እናሽረፈን ናይ ህዝቢ ስምዒት ብምምዝማዝ፣ እተን ዝርካበን ኢኮኖሚያዊ ለውጥታት እናጋነነ ብምድንጋር፣ ብሓይለ መልጢን ብምስምስን ቦታ እናለዋወጠ ከምዘለዎ ኣብ ስልጣኑ ብምቕጻል ኣብ ታሪክ ተጋሩ ብዘስደምም ኣግባብ ዕሉል መላኺ መሪሕነት ኮይኑ እናቕጸለ ይርከብ።

 

ብሃገር ደርጃዉን ኣብ ማዕርነትን ፍትሓውነትን ዝተመስረተ ክብሪን መሰልን ተጋሩ ዝሕሉ፣ ሕጋዉን ግቡእን ኢኮኖሚያዊ ተጠቃሚነት ተጋሩ ዘረጋግጽ፣ ህዝባዊ ተቐባልነት ዝረኸበን ብቐጻልነት ዘተኣማምን ስርዓት ክተክል ኣይክኣለን። እዚ ከይኣኽሎ ኣቲ ቀይዲ በተኽ ተግባርን ዉልቃውን ጉጅላዉን ተርባሕነት መሪሕነት ህውሓት ብዝፈጠሮ ጸገምን ካልኦት ዜጋታት ገሊኦም ኮነ ኢሎም ገሊኦም ብዘይፍላጥ ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት ጉጉይ ምስሊ ክሕዙን ህዝቢ ትግራይ ብፍሉይ ተጠቃሚን ተሓላቒን እዚ መርሕነት ኮይኑ ክርኣይን ክጥርጠርን  ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ብዉጽኢቱ ‘ዉን ህዝቢ ትግራይ ብጭቡጥ ንሃገራዊ ሕብረብሄራዊ ሓድነት ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዝኾነ ይኹን ሓለፋ ከይተጸበየን ከይርኸበን ኣብቲ ልሙድ ከርፋሕ ናብርኡ ከርተት እናበለ እናሃለወ ብዘይ ሓቂን ብዘይኣግባብን ክግለልን ናብ ህልውንኡ ዘነጻጸረ ሰፊሕ ጸለመን ዘመተን ኢሉዉን ንዘርኣዊ መጥቃዕቲ ክቃላዕን ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ኣብርክቶ ገይሩ እዩ።

 

ብድምር ዉጽኢቱ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ መሪሕነት ሕወሓት ኣብ ትርከብ ትግራይ መጠናዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ለውጢን ዕብየትን ከምዘሎ ዘይክሓድ እንተኾነኳ ብስንኪ ስእነት ብቑዕን ህዝባዉን መሪሕነት ክንድቲ ዝድለ፣ ክኸውን ዝግባኣን ዝክኣልን ስለዘይኮነ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረቱ ክልወጥን እቶም ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ዘለዉ ኣንእሽቱ ድሌታትዉን ክማልኡ ኣይካኣሉን ። ዘፈር ሕርሻ ዉሱን ሰሰን ምህርቲ ዘርኣየኳ እንተኾነ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብሂወት ንምጽናሕ ሀዚዉን ገባር ትግራይ ክልተ ኢዱ ኣሳፊሑ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሪሩ ዝናብ ካብ ምልማን ክናገፍ ዝኽእለሉ ኣንፈት ዝሕብር ኣይረኸበን። መሰረት ልምዓት ጥዕናን ትምህርትን ጽቡቕ ብዝብሃል መጠን ዝተዘርግሑ እንተኾነኳ እቲ ዘፈር ስራሕ ብስንኪ ኣብ ዝባኑ ተዳዕኒኑ ዘሎ ከቢድ ጸገም ጽሬትን ስእነት ብቑዕ ሓይሊሰብን ናብ ሃው ዝበለ ገደል ክጥሕል ብኸቢድ ናህሪ ይሕምበብ ከምዘሎ ባቡር ዝቑጸር እዩ። ስእነት ስራሕን ስእነት ዲሞክራሲን ፍትሕን ኣዚዩ ኣብ ዝሓመቐ ብርኪ ዘሎን በቐጻሊዉን ከቢድ ስክፍታ ዝፈጥር ኩነታት ዝዓሰሎን እዩ። ካልኦት ስራሕትን ምንቅስቓሳትዉን ብተማሳሳሊ መገዲ ሓደ ስድሪ ንቕድሚት ክልተ ስድሪ ንድሕሪት ዉጥም ቅልቅል ዝብሉ ኣድማዒ፣ መሰረታዊን ዘተኣምምንን ዕብየት ንቕድሚት ከምዝግቡ ዘይክኣሉ እዮም።

 

መሪሕነት ህወሓት ካሊእ ተሪፉ እቶም ሕዱር ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብሽም ናይ ግዝኣትን ወሰንን ሕቶን ብምስምስ ዘይፍትሓዊ ተጠቃምነትን ዘወጣውጥዎ ዘለዉ በትሪ ሕንፍሽፍሽን  ፈኸራን ብስልትን ብትብዓትን ክምክትን ክኣሊን ኣይክኣለን።

 

ስለዝኾነዉን ናይ ዉሽጢ ጸገማት ዘሳዉሩዎ ባርዕ ከምዘሎ ኮይኑ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ወሰናት ትግራይ ዘሎ ዓይኒ ጸላእቲ ደም ሰሪቡ ነገር ዝሃርፍ ዘሎ ምዃኑ፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገርና ትግራዋይ ብዓይኒ ጥርጣረን ጽሊእትን ሎሞ ሎሚ ከዓ ከም ፈጣሪ ራዕዲ ዝርኣየሉ ኣፋፍኖትን ንኡ ስዒቡ ዝመጽእ ዘርኣዊ መጥቃዕትን ዘንጻላሉ ዘሎ ብምዃኑ  ንኹሉ ግዱስ ትግራዋይ ኣዚዩ ዘሰክፍን ዘጉሂን ሃዋህው እናተቕልቀለ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ኹሉ ዝኸዉን ዘሎ ከዓ ህዝቢ ትግራይ መትከላዊ መሓዙት ክኾኑኒ እዮም ብዝብል  ትስፉው መርገጽ ቤዛ ተበጅዉ  ናብ ክብርን ስልጣንን ዘብቀዕም ሓይልታት ዕላዊ ብዝኾነ ኣግባብ ጠሊሞም ምስቶም ሕዱር ጸላእቲ ተላፊኖም ብዝመርሕዎን ብቕሉዕን ብስዉርን ብዝነዝሕዎን ፕሮፕጋንዳን ተግባራዊ ቅርሕንቲን ተዋዲዱ ምዃኑ፡ መሪሕነት ሕወሓት ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግ ከምዙይ ዓይነት ክሕደት ክቦቅልን ገዊዱ ናብ ስልጣን ክመጽእን እንተስ ብዉነ እንተስ ብህናነ ዘርኣዮ መዳርግቲ ዘይብሉ ሸለልትነትን ኣርሒቕኻ ዘይምሕሳብን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ እዩ።

 

እዚ ኹሉ ተደሚሩ መሰረታዊን ስትራጂካዊን ቃልሲ ብኹለመዳያዊ ኣግባብ ዝጠልብ ኩነታት ኣብ ኣፍደገ ኩሉ ትግራዋይ የዃሕኹሕ ከምዘሎ ብዘየጠራጥር ዝሕብርን ናይ ንቓሕ ደወል የስምዕ ከምዘሎን ክስሓት ዝክኣል ኣይኮነን።

II.         ሕብረትን ስምረትን ኩሎም ተጋሩ ኣብ ምንታይ?

ኣብ ከምዚ ዝብለ ሃገራዉን ፖለቲካዉን ኩነታት ኣንፈት ቀጻሊ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክኸዉን ይግባእ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብቐዳምነት ኣብ ትግራይን ትግራዋይነትን ምስ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዘለና ርክብን ብግልጽን ምኽንያትዊ ኣግባብን ምርድዳእ ምግባር ኣገዳሲ መበገሲ እዩ። ንሱ መሰረት ገይርካ ድማ ድሌትን ዕላማን ትግራይ ብምንጻር ሓበራዊ ምርድዳእ ፈጢርካ ሕብረትን ስምረትን ተጋሩ ብምድልዳል ናብ ተግባርዊ ቃልሲ ምእታው የድሊ እዩ።

2.   ትግራይን ትግራዋይነትን

2.1.       ትግራይ

ከም መሰረተ ሓሳብ ወይ ድማ ትርጉምን እንታይነትን ትግራይ ብዓይኒ እምነትን ርድኢትን ተጋሩ፣ ኣብ ቋንቋን ኣጠቓቕማን ትግርኛ ብተጋሩ ብዝምልከት ትግራይ ዓዲ ተባሂላ እያ ትግለጽን ትጥቀስን። ዳርጋ ኩሉ ትግራዋይ ንትግራይ ክገልፃ ከሎ “ትግራይ ዓደይ” ወይ “ትግራይ ዓድና” ብምባል እዩ ዝጥቀም። ብኣንፃሩ ንካልኦት ከባቢታት ዓዲ ኣምሓራ፣ ዓዲ ኦሮሞ፣ ዓዲ ዓፋር እናበለ ይገልፆም። ትግራይ ዓደይ ዝብል ኣብ ትግራይ ዝተወልደን ዝዓበየን ትግረዋይ ጥራይ ኣይኮነን። ትግራዋይ ካብ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዝትርከብን ነታ ትዉልዲ ቦታኡን መዕበይቱ መርበቱን ወይ ድማ ናይ ኣቦኡ ዑና ዝኾነት ከባቢ ዓደይ ብምባል ምግላጹ ልሙድ እዩ።ንትግራይን ንትውልዲ ቦትኡን ንኽልቴን ሓደ ገይሩ ዓደይ ምባሉ ድማ ንትግራይ ከምታ ትውልዲ ቦትኡ ገይሩ ከምዚሪኣን ካብኣ ፈልዩ ከምዘይርደኣን ዘረጋግጽ እዩ።ትግራዋይ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ካሊእ ክፋል ኢትዮጵያ ኣንትነብር ኮነ እንትዉለድን እንትዓቢን ዓደይ ዝብሎ ሀዚዉን ንትግራይ እምበር ነቲ ዝተወለደሉ ወይ ዝነብረሉ ከባቢ ኣይኮነን።ተጋሩ ዘይኮኑ ካልኦትዉን  ኣብ ትግራይ ዝተወለዱ ወይ ዝዓበዩ ወይዉን ኣብ ትግራይ ነዊሕ እዋን ብምናባር ኣብዝሓ ዕድመኦም ዝደፍኡ ዋላ ኣንተኾኑ ትግራይ ዓደይ ዝብሉ የለዉን ወይ ልሙድ ኣይኮነን።

  • ዓዲ እንታይ ማለት እዩ?

 

ዓዲ ማለት ከባቢያውን ስነ-ምድራውን ኣገላልፃ ዝውክል እንትኾን ኣብ ውሽጡ’ውን ሰባዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ፀጋታትን ምትእስሳራትን ዘጠቓልል እዩ። በዚ መሰረት ትግራይ ብዓይኒ ከባቢ ዝግለፅን ብንፁርን ብትግራዋይን መዋስንቱን ዝእመንን ዝፍለጥን ወሰንን ደረትን ዘለዋ፣ትግርዋይ ዝበሃል ህዝቢ ዝነብረላ፣ ንትግርዋይነት ዝገልጹ ኩለመዳይዊ ማህበረ-ኢኮኖሚያዊንን ፖለቲካዊን ክብርታት፣ጸጋታትን ምትእስሳራትን ዝህቖፈት ዓዲ እያ።

 

  • ትግራዋይ ትግራይ ዓደይ ክብል እንተሎ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ?

ትግራዋይ  ትግራይ ዓደይ ክብል ተሎ ናተይነትን ዋንነትን ናይታ ትግራይ ተባሂላ እትፍለጥ ዓድን ኩለመዳያዊ ፀጋታትን ንምግላፅ እዩ። በዚ ኣቢሉ ኣብታ ትግራይ ትብሃል ዓዲ ንሱን፣ ንሱን ጥራይ ገባሪ ሓዳጊን ወሳንን ንምዃን ዝርድኣሉን ካልኦት ግን ከምኡ ዝበለ እምነትን ስልጣንን ዘይብሎም ምዃኖም ዝገልፅ እዩ።

 

  • ትግራዋይ ናይ ባዕሉ ዓዲ ዓደይ ኢሉ እንትገልፃን ዋንነቱ እንተረጋግፅን ናይ ካልኦት ከባቢታት ዋንነት’ውን ኣፍልጦ ይህብን ይቕበልን እዩ። በዚ መሰረት ዓዲ ኣምሓራ እንትብል ናይ ኣምሓራይ ዓዲ እዩ፣ ናቱ እዩ፣ ናተይ ኣይኮነን ንምባል እዩ። ዓዲ ዓፋር፣ ዓዲ ኦሮሞ እንትብል’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ናታቶም ዓዶም ምዃኑ ምፍላጥን ምቕባልን ዘረጋግፅ እዩ። ንዓዲ ኦሮሞ ንዓዲ ዓፋር ኮነ ንዓዲ ኣምሓራ ትግራዋይ ዓደይ ዓዲ ኣምሓራ ኣይብልን። ካልኦትዉን ንትግራይ ዓደይ ክብሉ ኣይደሊን ኣይቕበልን።

2.2.      ትግራዋይን ትግርዋይነትን

 

ትግራዋይ ማለት ኣብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ዝነብር ህዝቢ ኢዩ። ናይዚ ትግራዋይ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ህዝቢ ቀንዲ መግለፂኡን መለለይኡን ትግራዋይነት እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ዓርሱ ዝኸኣለ ናይ ባዕሉ መለለይን መግለፅን ዘለዎ መንነት እዩ። ትግራዋይነት ናይ ባዕሉ ዝኾነ  ካብ ዘበን እኒ እኒ ጀሚሩ፣ እቶም ዉሩያት መንግስታት ደኣማትን ኣክሱማዊትን ተትሓሒዙ እስካብ እዚ ናይ ሎሚ እዋንን ዘሎ ናይ ነዊሕ መዋእል ታርኽን ዓርሱ ዝኽኣለ ትግርዋይ ስልጣነን መሰረት ዝገብረ መንነት እዩ።እዚ ትግራዋይ መንነት እዚ ናይ ባዕሉ ዝኾነን ካብ ካልኦት ተፈልዩ ዝልለየሉን ባህሊ፣ቋንቋ፣ስነጥበብ፣ኪነጥበብን ቅርጺ መሪትን ኣሳፋፍራ ህዝብን ዝወነን እዩ። በዚ መንነት እዙይ ዝግለጽ ትግርዋይነት ሓበራዊ ሕሉፍ ታርኽ፣ከም ሓደ ሕዝቢ ኣታኣሳሲሩ ዘቐጽል ሓበራዊ ባህልን ቋንቋን ከም ኡዉን ካልኦት ክብርታትን ዘለዎ ጥራይ ከይኮነስ ብዘይነጻጸል ኣግባብ ዝተጣመረ ህልዉናን መጻኢ ዕድልን ከምዘለዎ ብጽኑዕ ዝኣምንዉን እዩ። ትግራዋይ መንነት እዞም ዝተገለጹ ማሕበረ ኢኮኖሚያዉን ባህላዉን ባህርታትን መግለጽታትን ዘሎዎ ምዃኑ ርድእ ኮይኑ ምስዚኦም ተኣሳሲሩ ከም ቕንዲ ኣንፈትን ዕላማን ዝዉሰድ  ነዚኦም ንምዕቃብን ንምምዕባልን ከሙኡዉን ናብ ጭቡጥ ህዝባዊ ረብሓ ንምዉዓልን ኩለመዳያዊ  ምዕባለ ትግራይ ንምርግጋጽን ዝእምት ፖለቲካዊ እምነትን መርገጽን ዝሓዘ ኣዩ።

 

በዚ መሰረት ትግርዋይነት ብልሙድ ኣቃራርባ ትግርዋይ ብሄርተኝነት እናተብሃለ ዝግለጽን ኣብ ትግራዋይ መንነት ተመስሪትካ ብምዉዳብ፣ ንትግራዋይ መንነት ተጠቒምኻ፣ ከም ትግራዋይ ሓበራዊ መሰልኻ፣ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቦታኻን ኢኮኖሚያዊ ብጽሒትኻን ብምምዛንን ብምንጻርን ረብሓኻ ንምርግጋጽ ዝግበር ማሕበረ ኢኮኖሚያዊን ፖለርቲካዊን ተሳቶፎን ምንቕስቓስን ዝምልከት ቑልፊ መትከል  ዝዉክልዉን እዩ።

 

ትግርዋይ መን እዩ ዝብል ሕቶ ዝምለስን ትግራዋይ ምዃንን ዘይምዃንን ዝፍለጥን ዝግለፅን ትግራዋይነት ከም መንነት  ብምእማንን ብምቕባልን እዩ።ስለዚ ትግራዋይ ማለት ኣነ መን እየ ኢሉ ባዕሉ ንነብሱ መርሚሩ፣ ንውሽጡ ብቕንዕና፣ ብሓቅነት፣ ብዘይ ገለ ፅዕንቶን ትፅቢትን መዚኑ ኣነ ትግራዋይ እዬ ኢሉ ዝኣምንን ንባዕሉ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ብትግራዋይነት ዝገልፅን ዝኾነ ይኹን ሰብ እዩ። መንነትካ ንምፍላጥን ንምግላጽን ኣብዝግበር ዉሽጣዉን ዉልቃውን መርመራን ሓተታን እቲ ዉልቀሰብ ከከም ኣድላይነቱን ወድዓዊ ኩነታትን ትዉልዲን ዓድን፣ኣታዓባብያ፣ቋንቋ፣ስነ ልቦናዊ ምትእስሳርን ርድኢት ሓበራዊ ታሪክን መጻኢ ዕድልን ኣብ ግምት ዝኣቱን ጽልዋ ዝፈጥር ወይ ድማ ከም ሓባሪ ምልክት ዘግልግልን ምዃኑ ምርዳእ ይክኣል እዩ። እንተኾነ እቲ ወሳኒ ግን ኣብ መወዳእታ ዘሎ ናይቲ ዉልቀሰብ ገምጋምን እምነትን እምበር ሕድሕድ ነጥቢ ነኒበይኑ ተቖጺሩን ዓርሱ ክኢሉን ወሳኒ ኮይኑ ዝርአ ወይ ድማ ኩሉ ክማልእ ዝግብኦ ቅድመ ኩነት ኣይኮነን።

 

ብጥማር እንትርኣ ትግራዋይ ታሪኽ፣ ባህልን መንነትን ትግራዋይነት ከምኡ’ውን ትግራይ ከም ሓንቲ ዓርሳ ዝኸኣለት ዓዲ ብሙሉእነት ምስ ሕማቕ፣ ፅቡቕ ተቐቢሉ ናተይ እዩ፣  ኣነ ዝግለፅን ካብ ካልኦት ተፈልየ ዝልለን ብኡ ኣቢለ እዩ ብምባል ድምር ዋንነትን ኩርዓትን ዝስምዖ ሰብ እዩ። ብኽእሊእ ገጹ ነቶም ብተመሳሳሊ ኣግባብ ተጋሩ ኢና ዝብሉ ሰባትዉን ኣነ ናትኩም እየ፣ ምሳኹም ኣየ፣ ኣብዙርያ ትግራዋይነት ንኣኹም ዝምልከት ኩሉ ንኣይዉን ይብጸሕኒ ይምልከትኒ እዩ። ትግርዋይነት ብዝምልከት ብዝሓለፈን ብዝመጽእን ሕማቕኩም ሕማቐይ ጽቡቕኩም ጽቡቐይ እዩ ዝብል ትርጉምን ምትእስሳርን ዝፈጥር እዩ።

 

በዚ መሰረት ትግራዋይነት ውልቀ ውሳነን እምነትን እንትኾን ካሊእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህበካ፣ ዝኸልኣካ ወይ’ውን ናይ ካልእ ኣካል ኣፍልጦን ተቐባልነት ዘድልየካ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ብኣብዝሓ ተጋሩ ኢና ዝብሉ ካብ ተጋሩ ትዉልዲ ዘለዎም እንተኾኑኳ  ብትውልዲን ዘርኢን ቆፀራ፣ ብደምን ዓፅምን ከምኡዉን ብዘርኣዊ ምትእስሳርን ጥራይ ዝዉሰን ኣይኮነን።ካብ ትግራዋይ፣ ዘይተወለደ ምስ ትግርዋይ ናይ ዘርኢ ይኹን ናይ ደምን ዓጽምን ምትእስሳር ዘይብሉ ሰብ ካብተን ሓባሪ ምልክታት ብሓዲአን ወይ ብገሊአን ኣግባብ ብዘለዎ ርክብን እምነትን ንኣብነት ኣብ ትግራይ ተወሊድካ ብምዕባይ ኮነ ባህሊ ቋንቋን  ወይ ስነልቦናዊ ምትእስሳር መሰረት ገይሩ ካብ ልቡ ናይ ብሓቂ ትግራዋይ መንነት እዩ ዝስመዐኒን ዝገልጽንን እንተይሉ ኣይኾንካን ዝብል ክመጽእ ኣይክእልን።

 

በዚ ኣጋጣሚ ትግራዋይ መንነትን ንዕኡ መሰረት ዝገበረ ትግራዋይ ብሄርተኝነትን ምስ ዘርኢ፣ ደምን ዓጽምን ቖጸራ ጥራይ ኣታኣሳሲሮም ዝርድኡን ዝገልጹን ብኡ መሰረት ድማ ንኻልኦት ዘግልልን ብዘርኢ ንዝመስልዎ ጥራይ ዝሓቁፍን ገይሮም ዘቕርቡ ተጋሩ ይኹኑ ካልኦት ጌጋ ኣራኣእያ ምዃኑ ክርድኡን እቲ ግጉይ ኣራኣእያ ካብ ምስጓም ክቑጠቡን ይግባእ።

 

  • ጠማሪ ሓሳብ፥
  • ትግራዋይነት መንነት እዩ።ብጭቡጥ ትርጉሙ ድማ ኣነ መን እየ? ምስ እኒ መን ከ እየ? ዝብል ሕቶ ዝምልስ
  • ባዕላኻ ሓቲትካ ባዕላኻ ትምልሶ መልሲ
  • መልስኻ ኣሚንካ እትቕበሎን ኣትኾርዓሉን
  • ንባዕልኻ ዝገልጽ
  • ምሳኻ ምስ ባዕልኻ ዝተኣሳሰረን
  • ምሳኻ በዘይልውጥ ኣገባብ ዝነብር
  • ናይ ታሪክ ባህሊ ቋንቋ ኣታዓባብያን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራት ውህሉል ዉጽኢት
  • ምስተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ሰባት ሓባራዊነትን ምትእስሳርን ዝግለጸሉ

 

 

3.   ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን

3.1.       ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ብኣውርኡ ፖለቲካዊ ሓሳብ እዩ። ከም ኣረዳዳኣን ኣገላልፃን ተጋሩ ኢትዮጵያ ሃገር እያ። ሃገር ድማ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ እዩ። መጥመርን መግለፅን ሃገራዊነት ኣብ ሓደ መንግስታዊ ጥርናፈን ምሕደራን ዝሓድር ህዝብን ከባቢን እዩ። ብዓይኒ ፖለቲካን ብዓይኒ ካልኦት ሃገራትን ከባቢታትን ድማ መግለፂ ሃገር ሉኣላዊነት እዩ። እዚ ድማ ሓደ ሃገር ኣብ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ባዕሉን ባዕሉን ጥራይ ወሳኒ ምዃኑ ዝገልፅ እዩ።

 

ኣብ ላዕሊ ብዝቀረበ ናይ ዓዲ ትርጎም መሰረት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ዝተፈላለያ ዓዲታት ኣብ ሓደ ጥሙር ምሕደራ ዝሓዘት  ሓንቲ ሃገር እያ። ብኻሊኣ ኣቃራርባ ኢትዮጵያ ከም ሃገር በተን ኣብ ሓደ ጥሙር መንግሳታዊ ምሕደራ በዝተፈላለየ ታሪካዊ ኣግባብ ዝተጠርነፋ ኣብ ውሽጣ ዘለዋ ዓድታት ዝተምስረተት ፖለቲካዊ ማሕበር እያ።

3.2.      ኢትዮጵያዊነት

ኢትዮጵያዊነት ካብ ሀገረ ኢትዮጵያ ዝብገስን ሓደ ሰብ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዘለዎ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ርክብ ዝገልጽ እዩ። በዚ ኣግባብ ኢትዮጵያዊነት በቲ ሀዚ  ዘለዎ ተግባራዊ ጭቡጥ ትርጉምን ቁመናን ዜግነት እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ጥርናፈን ምሕደራን ዘሎ ፖለቲካዊ ማሕበር እዩ እንተይልና ዘግነት ድማ ናይ ሓደ ሰብ ኣብዚ ፖለቲካዊ ማሕበር እዚ ዘለዎ ቦታ ዝገልፅን ምስቲ ፖለቲካዊ ማሕበርን ኣባላቱን ዘለዎ ርክብ ዝውስን እዩ።

 

በዚ መሰረት ዜግነት ኣብቲ ሃገር ዝብሃል ፖለቲካዊ ማሕበር ዘለዉ ውልቀሰብ ኣባላት ዝግለፀሉን መሰሎምን ግቡኦም ዝውስነሉን ናይ ኣባልነት ቦታን ናይ ሕጊ ኩነትን  እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ዝኾነ እዋን ኣባልነቶም ብምግዳፍ ካሊእ ማሕበር ኣባል ዝኮነን ካሊእ ዜግነት ተቐቢሎም ዝነበሩን። ኣባል ዘይነበሩ ድማ በቲ ናይቲ ማሕበር ሕገ-ደንቢ ናይሕጊ እቲ ኣባልነት/ወይ ዜግነት ይረኽቡ። በቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ናይ ሃገርና ናይ  ዜግነት ሕጊ ኢትዮጵያዊ  ዜግነት ብሓፈሽኡ ብትዉልዲ ዝርከብ ከምዝኾነን ካሊእ  ዜግነት ብምሓዝዉን ክትገድፍ ከምትኽእልን  ይሕብር።

 

ስለዚ ምስ መንነት ክነጻጸር ከሎ  ዜግነት በዘርእን ደምን ትውልዲን መሰርት ገይሩ ዝርከብን ብድለትካ ድማ ዝግደፈን እንትኾን መንነት ድማ ለውጢ ዘይግበረሉ ብእምነትካ ትቕበሎ ሓቂ እዩ። እንተኾነ ግን  ዜግነት ካብ መንነት ትሕት ዝብለ ገይርካ ምርዳእ ግጋ እዩ። ዜግነት ንልዕልነትን ክብርን ሃገርካ ክሳብ እቲ ዝልዓለ ናይ ሂወት መስዋእቲ ንምኽፋል ተወፍኻ እትቅበሎን እትነብረሉን ፖለቲካዊን ሕጋዉን ኩነት እዩ።

4.   ኢትዮጵያን ትግራይን

ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኢትዮጵያ ብጥሙር መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ዘለዋ ዓድታተ ሓንቲ እያ። ብቐጥታዊ ኣዘራርባ ኣባል እታ ኢትዮጵያ ትብሃል ፖለቲካዊ ማሕበር ዝኾነት ሓንቲ ዓዲ እያ። ስለዚ ኢትዮጵያ ሃገር እያ፤ ትግራይ ዓዲ እያ። ርክብ ኢትዮጵያ ከም ሃገርን ትግራይ ከም ዓድን ኣካልነት ፖለቲካዊ ማሕበርነት ዝግለፅን ዝውሰንን ጥራይ ኣይኮነን።

ትግራይ ኣካልን ኣባልን ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ ከይኮነትስ ኢትዮጵያ ዝብል ሃገር ፈለማ ዘልዓለትን እዚ ሓሳብ’ዚ በተን ካልኦት ዓድታት ብታሪኻዊ ከይዲ ተቐባልነት ረኺቡ ሃገረ ኢትዮጵያ ክትምስረትን ዝልዓለ ታሪካዊ እጃም ዘለዋን እያ።

 

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ጠጠው ክትብልን ብቐፃልነት ከም ሃገር ሉኣላዊነታ፣ ሓድነታን ክብራን ተሓልዩ ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ክበፅሕን ንዘመናት ብዘይቋርጽ ሃፍቱን ፍልጠቱን ብዘይስስዐ ዝገበረ ደሙን ኣዕፅምቱን ብፅንዓትን ብጅግንነትን ዘወፈየ ትግራዋይ ዝሓዘት ዓዲ እያ።

 

ስለዚ ትግራዋይ ብጭቡጥ ኢትዮጵያዊ ዜጋ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኢትዮጵያዊነት ከም ዜግነት ክህሉን ክቕፅልን ዘኽእል ማእኸልን ዓንዲ ሑቖን ኢትዮጵያዊነትን ኢትዮጵያን እዩ።

5.   እምነት/ድሌት/ዕላማ/ መትከላት ትግራይ (10ቱ እምነታት)

ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ሓደ ትግራዋይ መንነት ዝተጣመረ ሓደ ህዝቢ እዩ።ኣብ ነዊህ ግዘን ከይዲን ዘማዕበሎም ንህልዉንኡ፣ንምነባብሮኡ፣ንስርዓተ ርክቡን ንመጻኢ ዕድሉን መሰረት ዝኾኑ ክብርታትን እምነታትን ዝወነነዉን ከምዝኾነ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ካብዚኦም ብፍላይ ምስ መጻኢ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ሃገርናን ትግራይናን ተኣሳሲሩ ድልዱል እምነትን ናይ ኩሉ ትግርዋይ ሓበራዊ ምርድዳእን ፈጢርና ኣብ ባዕልናን ምስ ካልኦት ኣብዝህልወና ርክብን መሰረታዊ ረብሓና ዝምረሐሎምን ዝረጋገጸሎምን ቁልፊ መትከላትን እምነታትን መዚዝካ ኣብ ግብሪ ምዉዓል ኣገዳሲ እዩ።በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ መትከላት ከም መበገሲ  ናይዚ ከይዲ እዙይ ምዉሳድ ይክኣል እዩ።

 

5.1.        ሓደ ህዝቢ ሓደ ዓዲ/ስሙር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ/

 

ህዝቢ ትግራይ ብኹሎም መዐቀኒታት ዕብየት ማሕበረሰብ ሓደ ህዝቢ እዩ። ኣብ ውሽጢ ማሐበረሰብ ትግራይ  ከም ትግራዋይ ሓደ ህዝቢ ምዃኑ ወሳኒ ብዝኾነ ኣገባብ ዝፃባእ፣ ዝዕንቅፍን ዘይሳነን መሰረታዊን ብርቱዕን ኣፈላላይ የብሉን።

ብውፅኢቱ ድማ ትግራይ ዋላኳ ትግራዋይ ዘይኮኑ ካል ኦት ነበርቲዉን ከምዘለዉዋ ዘይኽሓድ እንተኾነ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካሊእ ጫፍ ብሙሉእነትን ብዋናነትን ትግራዋይ ከም ሓደ ህዝቢ ዝነብረላን ዝውንናን ሓንቲ ዓዲ እያ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ናይ ከባቢያዊ ባህልን፣ ማሕበረሰባዊ ቅርፂ ወይ ላዛ ቋንቋን ካሊእን ኣፈላላይ ፈፂሙ የለን ንምባል ኣይኮነን። ቐንዲ መዐቀንን መግለፅን ትግራዋይነት ልዕሊ ኩሎም ደቀቕቲ ኣፈላላያት ብምስጋር ብትግራዋይነት ምእማን እዩ። ዝርኣዩ ኣፈላላያት’ውን ኣካልን መግለፅን ትግራዋይነት ገይርካ ምርዳእ እዩ።በዚ መሰረት ኩሎም ተጋሩ  ዝኾነ ይኹን ዉሽጣዉን መሰረታዊ ትርጉም ዘይህብን  ኣፈላላዮም ከምዘለዎ ኮይኑ ኩልና ተጋሩ ኢና በዚ ድማ ሓደ ህዝቢ ኢና ኢሎም ቃንዳዕዲዖም ዝኣምኑ እዮም። መግለጺ ትግራዋይነት ብጥማር፥

 

  • ኩሎም ተጋሩ ኣብዝሃለዉ ይሃልዉ ተጋሩ ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ብምዃኖም ሓደ እዮም ኢልካ ምእማን
  • ዘለዉ ኣፈላላያት ናይ ትግራዋይነት ዝተፈላለዩ መግላጺን ሃፍትን እንትኾኑ ኣብዝሃለዉ ይሃልዉ ንኩላ ትግራይን ንኩሉ ትግራዋይን ዝምልከቱ ምዃኖም ምቕባል ።
  • ሕሉፍ ታሪክን መጻኢ ዕድልን ትግራዋይ ብዘይነጻጸል ኣግባብ ዝተኣሳሰረን ንዝኾነ ይኹን ምዕባለን ኩነታትን መምዘኒን መርኣይ መንጽርን ተጋሩ ምዃኑ ምእማንን ምቕባልን
  • ንዝኾነ ከባቢ ትግራይ ወይ ክፋል ህዝቢ ትግራይ ዝምልከት ሓደጋን ስግኣትን ወይ ሃፍትን ፀጋን ንኩሉ ትግራይን ንኩሉ ትግራዋይን ብማዕረን ብዘይኣፈላላይን ጠሚሩ ዝምልከትን ዘገድስን ሓበራዊ ኣጀንዳ ምዃኑ ምቕባልን ምእማንን እዩ።

 

5.2.       መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ትግራይ

 

ትግራይ ዓርሳ ዝኸኣለት ሓንቲ ዓዲ እያ። በዚ መሰረት ውሽጣዊ ነፃነታ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተረጋገፀን ናይ ባዕላ ዕድል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ህዝብን ኣካልን ፅዕንቶን ጠብላቑነትን ባዕላ ጥራይ ትውስንን ዓዲ እያ።ኣብ ጉዳይ ትግራይ፣ኣብ መጻኢ ዕድላን ኣንፈት ምዕባለኣን ወሳኒ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጥራይ እዩ።ካብ ህዝቢ ትግራይ ወጻኢ ካሊኣ ህዝቢ ኮነ ዝኾነ ይኹን ወገን ኣብዚ ዛዕባ እዙይ ዝኾነ ይኹን ተራን ጽልዋን ክህልዎ ኣይፍቀደሉን ጥራይ እንተይኮነስ ከምኡ ዝበለ ዝንባለን ተግባርን ብጽኑዕ ዝኹነንን ኣጥቢቕና እንቃለሶን እዩ ዝኸዉን።

ትግራይ ዓርሳ ክኢላ ባዕላ ንባዕላ ተማሓድር ዓዲ ምዃና ብሙሉእነት ምእማንን ምቕባልን።ትግራይ መን ይመርሓ ብከምይ ኣግባብ ይመርሕ ዝርዝር ኣታሕዛን ኣጣቓቅማን ፖለቲካዊ ስልጣን ከመይ ይኸውን ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ  ፖለቲካዊ ዉሳነታትን ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ብዝግበርን ህዝቢ ትግራይ ብዲሞክራሲያዊ ኣግባብ ብዘካይዶን ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ከይዲ ጥራይ ይዉሰን።

5.3.      ዓርሰ እምነትን ዓርሰ ምርኮሳን

 

ንነዊሕ እዋንን ኣብዝተፈላለዩ ኩነታትን ትግራይ ብመዳይ ኢኮኖምያዊ ጸጋታት ንባዕላ ዘይትኽእልን ካሊእ ይትረፍ ህዝባ መጊባ ንምሕዳርዉን ናይ ካሊእ ወገን ሓገዝ ከምዘድልያን ብቕሉዕ ብዝተፈላልየ መንገዲታት ፕሮፓጋንዳ ክዝርጋሕ ጸኒሑን ኣሎን እዩ።ካብ  ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ህዝብታት ነዚ ከም ሓቂ ወሲዱ ቅቡል ዝገብር ኣይስኣነን።

ብጭቡጥ ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ዝኾነ ይኹን  ክፋል ኢትዮጵያ ወይዉን ኢትዮጵያ ሃገር ከም ሃገር ብናይ ባዕሉ ኢኮኖሚያዊ ሃፍቲ ዓርሱ ዝኽእልን ዝምግብን ከባቢ ኮነ ህዝቢ የለን።ናይዚ ዋና ምክንያት ስእነት ኢኮኖሚያዊ ጸጋ ከይኮነስ ስእነት ብቑዕን ህዝባዉን መሪሕነት እዩ።ትግራይዉን ብተመሳሳሊ መገዲ ህዚ ብዘሎ ኩነታት ዓርሳ ትምግብን ትኽእልን ኣይኮነትን።ናይዚ ምኽንያትዉን ብተመስሳሊ ስእነት ብቑዕን ህዝባዉን መሪሕነት እዩ።

 

ዝርዝር ሳይንሳዊ መጽናዕትታ፣ ጭቡጥ ናይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ተግባራዊ ተሞክሮ፣ ታሪካዊን ህልዊን መረዳእታታት ብዘይካትዕ ኣግባብ ከምዘረጋግጽዎ ትግራይ ወናኒት ማእለያ ዘይብሉም ወሰንትን ስትራተጂካዉን  ተፍጥሯዊ ሃፍትታትን ዕቑር ጸጋታትን እያ። ኣይኮነን ነዚ ሃፍቲ እዙይ ሒዙ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታትን ትሑት ኢኮኖምያዊ ዉህብቶዉን እንተኾነ  ብጻዕርን ብብልሓትን ድሌቱ ዘማልእን ረብሑ ዘረጋግጽን ናይ ዘመናት ዉህሉል ተሞክሮ ዘሎዎ ጥበበኛን ጻዕራምን ህዝቢ ዝሓቖፈት እያ። ስለዚ ትግራይ ዓርሳ ዘይትኽእለለኡ ኩነታት የለን ጥራይ ኣንተይኮነስ ብጭቡጥ ሃፍታምን ኩለመዳይዊ ናይ ህዝባ ድሌት ብዝተማለአ ኣግባብ ትምልስን ዓዲ እያ።

 

ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይጥርጥርን ሰጋእመጋእን ተኣማሚኑ ክሓድር ኣለዎ።ኣብ ዓርሰ ምኽኣል ትግራይ ድልዱል ዓርሰ እምነት ብምርግጋጽ ካብ ደገ ይኹን ካብ ካሊእ ክፋል ኢትዮጵያ ብእንካ ሃባ ክልቲኣዊ ረብሓምበር ብሓገዝን ደገፍን እንጽበዮን እንደልዮን ዝኾነ ይኹን ሃፍቲ ኮነ ረብሓ የለን ዝብል ሓበራዊ መርገጽን እምነትን ክዉሰድ ኣለዎ። ካብ ቁጠባዊ መዳይ ወጻኢ ዘለዉ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዛዕባታትን ዘፈራትንዉን ተጋሩ ዘለዎም ዕቑርን ጭቡጥን ዓቕምታትን ስጡም ሓድነትን ናይ ትግራይ ወድዓዊ ረብሓን መጻኢ ዕድልን ንምዉሓስ ኣብ ሕሉፍ ተፈቲኑ ዘዕግብ ዓወታት ዘምዝገበ፣ሀዚዉን ኣብ ዘትኣማምን ብርኪ ዝርከብን በቕጻሊዉን ናብ ዝልዓለን እቲ ግዘ ዝጠልቦን ኩነታት እናማዕበለ ንምኻድ ብሩህ ተስፋ ዝህብን ብምዃኑ ድልዱል ዓርሰ እምነት ተጋሩ ክረጋጸሉ ዝኽእል እዩ።

 

ብቐጻልነትዉን ዝገጥሙና ጸገማት ንማንም ከይተጸበና ወይ ቑሊሕ ምሊሕ ከይበልና ዓርስና ክኢልና ብዉሽጣዊ ዓቕምና ተኣማሚና ሰባዊን ቁጠባዊን ጸጋታትና ብዉሕሉል ኣግባብ ብምጥቃም ክንፈትሖ ከምንኽእል ዘረጋግጽ መትከል ዓርሰ ምርኮሳ ብሙሉእነት ተርዲእካ ምጭባጥን ምትግባርን ይግባእ። መትከል ዓርሰ ኣምነትን ዓርሰ ምርኾሳን ብተግባር ብምፍጻም ዘይንሰግሮ ጸገም ዘይንበጽሖ  ማሕበረኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምዕባለ የለን። ተጋሩ ናብ ዝደለናዮ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምብጻሕ ዘድልየና ናይ ካሊእ ሃፍትን ደገፍን ከይኮነስ ሓድነትና ብምስጣም ብቑዕን ህዝባዊን መሪሕነት ምዉናን ጥራይ እዩ።

5.4.       ክብሪን ኣፍልጦን ንታሪክ፣ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ትውፊት፥ ቅርስታት፣ክብርታትን መንነትን ተጋሩ

 

ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ናይ ነዊሕ መዋእል ደሚቕን ዘሕብንን ታሪክ ዘለዎም እዮም። መሰረት ትግራውይነትን ቀጻሊ ህልዉናን ምዕባለን ትግራይን ዝዉሰንን ዘተኣማምን ዉሕስና ዝረክብን ታሪክ፣ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ትውፊት፥ ቅርስታት፣ክብርታትን መንነትን ተጋሩ ብዝምልከት፦

  • መርሚርካ ምፍላጥ፣
  • ክብሪ፣ሕጋዊ ኣፍልጦን ከለላን ምሃብ፣
  • ምዕቃብን ናብ ቀጻሊ ወልዶ ምምሕልላፍን፣ምምዕባልን
  • ናብ ዝለዓለ ብራኸ ክብ ምባልን፣
  • ተግባራዊ መምርሒን እምነትን ትግራዋይን ትግራይን ምግባርን

ዘኽእል  ኩለመዳይዊ ህዝባዊን መንግስታዊን ተበግሶን ምንቕስቓስን ብምግባርን ንዕኡ ዝመርሕን ጥጡሕ ኹነታት ዝፈጥርን ብኣግባቡ ዝተዋደደ መስርሕ  ብምትእትታው ብቐጻልነት ዝካየድ ተግባራውን ኣድማዒን ስራሕ ኣንትህሉ እዩ።

5.5.      ክብሪ ንዓበይቲ ዓዲ፣ንጀጋኑ ስዉኣትን ንተጋደልትን ትግራይ

 

ታሪኩን ጀጋኑኡን ዝርስዕን ዘየኽብርን ህዝቢ ንቕድሚት ዘጋጥሙ ጸገማት ሰጊሩ ምዕባለ ከምዝግብ ከምዘይኽእል ብጽኑዕ ብምእማን ኣብ ነዊሕ ዘበን ታሪኽ ትግራይ ዝሓለፉን ዘለዉን ጀጋኑን ዓበይቲ ዓድን ትግራይ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ዉልቃዊ፣ ህዝባዊን መንግስታዊን ክብርን ኣፍልጦን ምሃብ፣ ታሪኮምን ማሕበራዊ ቦቶኦምን ብዝግባእ ክስነድን ክፍለጥን ንዉሉድ ወለዶዉን ክሓልፍን ዝገብር መስርሕ ምፍጣር። ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ህዝባዊ ሓርነት ብጅግንነት ዝሓለፉ ስዉኣትናዉን ብተመሳሳሊ ዉልቃዊ፣ህዝባዊን መንግስታዊን ዝልዓለ ክብርን ኣፍልጦን ብምሃብ ምዝካር ፣ታሪኮም ብዝግባእ ክስነድን ክፍለጥን ንዉሉድ ወልዶዉን ክሓልፍን ዝገብር መስርሕ ምፍጣር። ስድርኦም ዝጥወርሉን ዝድገፍሉን ኣብ ባይታ ዝረገጸ ህዝብን መንግስትን ብዝተዋደደድ ኣግባብ ዝሳተፈሉን ካብ ልቢ ዝዉንኖን ኣካይዳን መስርሕን ምትእትታዉን ብጥብቂ ተኸታቲልካ ምፍጻምን።

 

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተርኣዩ ጸገማት ኮነ ድሕሪኡ ጀጋኑና ዝተሰዉኡሉ ዕላማ ብሙሉእነት ኣብ ሸቶኡ ኣብ ምብጻሕ  ዝተፈጠሩ ድኽመታት ናይቲ ህልው መሪሕነት ሓላፍነትምበር ናይ ስዉኣትና ክብርን ህዝባዉነትን ዝንኪ ወይ ዝትንክፍ ከምዘይኮነ ብዉነ ብምእማን ኣብዙርያ እዙይ ዘሎ ጽልግልግ ምጽራይ። ብህይወት ዘለዉ ጀጋኑ ተጋደልትን ወየንትን ሀዚ ዘለዉሉ ኩነታትን ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበሪኮኖሚያዊ ሰልፍን ብዘየገድስ ኣብ ታሪክ ገድሊ ትግራይ ሂወቶም ከወፍዩ ብትብዓት ወፊሮም ዘሐብን ታሪክን መዳርግቲ ዘይብሉ ጀግንነትን ዝፈጸሙ ብሙዃኖም ብዘይፈላላይ ክብሪ ምሃብን ንኣበርክቶኦም ዝምጥን ጭቡጥ ሕዝባዉን መንግስታዉን ኣፍልጦን ድጋፍን ምግባር። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ፖለቲካዊ ይኹን ካሊኣ ኣፈላልይ ኣንትፍጠርን ናይ ሕጊ ይኹን ናይ ፖለቲካ ጉድለት እንተፍጽሙን እዉን ነቲ ሕሉፍ ታሪክ በዘየጉድፍ ኣግባብ ብክብሪን ብልዝብን ጉድለቶም ምሕባርን ምቅላስን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ግቡእ ሕጋዊ መንገዲ ተኸቲልካ ምእላይን ይግባእ።

 

5.6.       መትከል ሃገረ-ልፍንቲ

 

ናይ ነዊሕ ዘበን ታሪኻዊን ማሕበረሰባዊን ምትእስሳርን ርክብን ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምዘለዎ ኮይኑ በዚ ዘለናዮ ወድዓዊ ኩነታት ሕብረ ብሄራዉነት፣ ማሕበሪ-ኢኮኖሚያዉን ፖለቲካዉን ኣፋላላያትን ድሌታትን ክህልወና ዝኽእል ሓበራዊ ሃገር ስምምዕነት ሃገረ-ልፍንቲ መሰረት ዝገበረ ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት ማእከልን ዋና ዓንዲን  መሰረት ሃገረ ኢትዮጵያ ናይተን ኣባል ዓድታት ሰናይ ድሌትን ሙሉእ ፍቓድን ስምምዕነትን ከምዝኾነ እዚ ድማ ስምምዕነት ሃገረ-ልፍንቲ ማለት ምዃኑ  ሓበራዊ ምርድዳእ ኩሎም ዓድታትን ዜጋታትን ክኸዉን ኣድላይ ዘበለ ጻዕሪ ምክያድ። በዚ መሰረት ኢትዮጵያ እትህሉን በቐጻልነት እትምዕብልን እዚ ናይ ልፍንቲ ስምምዕነት ብኹሎም ወገናት ብሙሉእነት ተቐባልነት እንትረክብን ካብ ልቢ ብዝፈለፍለ ሓቀኛ እምነት እንትኽበረን እዩ ዝብል ኣራዳድኣን ግንዛበን ኣብ ኩሉ ዜጋ ክሓድርን ንተግባራዉነቱ ኩሉ ክስለፍን ኩለምዳያዊ ምንቅስቃስ ምግባር።

 

በዚ ዓይነት ቅርጺ ሃገርን ኣራዳድኣን እቲ ልፍንቲ ስምምዕነት ዘቐምጦ ሃገራዊ ስእልን ትርጉምን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ማሕበር ምዃኑ እዩ፤ ኣባላታ ድማ እተን ነቲ ልፍንቲ ስምምዕነት ቀሪጸን ዝተሳማማዓ ዓድታት እየን። በዚ መንጽር ኢትዮጵያ ከም መጠን ናይ ልፍንቲ ሃገር  እተን ዓድታት/ኣባላት ብዝገብርኦ ኣብ ማዕርነትን ፍትሓዊነትን ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ልዝብ፣ፍሕፍሕን ምርድዳእን እያ ከም ሃገር ትቕፅልን ኣግባብ ምሕደራኣ ዝውስንን። ካብተን ኣባላት ሓደ በይኑ ወይ ክፋል ጥምረት ወይ ብጉጅለ ሃገራዊን ሓበራዉን ዋኒን ብዝምልከት ናይ ኩሎም ወገናት ተሳትፎን ድጋፍን ብዘይብሉ ኩነታት ክውስንን ክመርሕን ኣይኽእልን ዝብል መርገጺ ዝተክል እዩ ።

እንተኾነ ግን ዝኾነ ይኹን ኣባል ዓዲ ኣብዚ ማሕበር እዙይ ምቕፃል ወይ ካልእ ማሕበር ምእታው ወይ ምምስራት ወይ ድማ ካሊእ ዓርሱ ዝኽኣለ ሃገር ምምስራት ብዝምልከት ወይ ድማ ዉሽጣዊ ምሕደራኡን ካልኦት ንባዕሉ ጥራይ ዝምልከቱ ዛዕባታትን  እቲ ዝምልከቶ ዓዲ ባዕሉ ጥራይ ኣብ ውሽጡ ብዝግበር ፖለቲካዊን ዲሞክራሲያዊን ከይዲ ዝውስንን ዝረጋግፅን ምኳኑ ዝቕበልን ዝኣምንን እዩ።ስለዚዉን ስምምዕነት ሃገረ ልፍንቲ ኣብ ሓበራዉን ሃገራዉን ጉዳያት ብሓባርን ብማዕርነትን ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ድማ በይንካ ተፈሊኻ ተማሃድረሉን ትዉስነሉን ሕብረትን ኣፋላላይን ኣጣሚሩ ዝሓዘ መንግስታዊ ስርዓትን ቅርጺ ሓገርን እዩ።

 

እዚ እምነትን መትከልን ብተግባራዊ ኣፋጻጽማ ብፌደራላዊ ቅርጺ ሃገርን መንግስትን ዝግለጽ እንትኸውን እቲ ስምምዕነትዉን በቲ ሕገ መንግስቲ ዘቐምጦ ቃልኪድንን  ብሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ኣቢሉ ዝግለጽ እዩ።ዝርዝር ኩነታቱ ግን ኣብ መንጎ እተን ዓድታት ብቐጻልነት ብዝካየድ ልዝብን ምርድዳእን እናማዕበለ ዝከይድን ዝዉሰንን እዩ።

5.7.      ድልየትን ተደላይነትን ኣባላት

ስምምዕነት ሃገረ ልፍንቲ ዝምስረትን ዝቕጽልን ዝኾነ ይኹን ኣባል ዓዲ ብናይ ባዕሉ ድሌትን ብዘይገለ ጽዕንቶን ናይቲ ሃገረ ልፍንቲ ኣባል ንምዃን ክዉስን ይግባእ። ብካሊኣ ኣቃራርባ እቲ ኣባል ናይ ሃገረ ልፍንቲ ኣባል ናይ ምዃን ጽኑዕ ድሌት ክህልዎ ኣለዎ።ብናይ ባዕሉ ከይዲን መንግዲን ኣቲ ኣባልነት ይረብሓኒ እዩ ናተይ መሰልን ቀጻሊ ዕብየትን ዘረጋጽ ልፍንቲን ሕብረትን እዩ ኢሉ ካብ ልቢ ክኣምንን እቲ ልፍንቲ ክደልን ኣለዎ።

 

ናቱ ናይ በይኑ ድሌት ጥራይ ግን እኹልን ወሳንን  ኣይኮነን ምስኡ ብተወሳኺ እቶም ካልኦት ኣባላት ሃገረ ልፍንቲዉን ናቱ ኣባልነት ብቕኑዕ ልብን መትከላዊ ኣራዳድኣን ክደልዩዎ ኣለዎም።ናቱ ኣባል ሃገረ ልፍንቲ ምዃን ንባዕሉ ጥራይ ከይኮነ ናዓናዉን ዝረብሓና ሕብረትና ዘማዕብል እዩ ኢሎም ብጽኑዕ ክኣምኑ ኣለዎም። ናይ ሓደ ኣባል ምጉዳል ንኹልናን ንሕብረትናን ዘጉድልን ኣሉታዊ ጽልዋ ዝፈጥርን እዩ ኢሎም ብምእማን ንተግባራዊ ኣፋጻጽማኡ ብትብዓት ክቃለሱ ኣለዎም።ተኸደ ይኺድ ተመጽአ ይምጻእ ዝበሃል ኣባል ክህሉ የብሉን።ኩሉ ኣባል ደላይ ልፍንቲን በቲ ልፍንቲ ድማ ተደላይን ክኸውን ኣለዎ።

 

5.8.      ማዕርነታዊን ፍትሓዊን  ሃገራዊ ተሳትፎ

 

እተን ሃገር ዝመስርታ ዓዲታት ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ መሬት ስፍሃሓት፣ናይ ህዝቢ ብዝሓትን መጠን ሃፍትን ብዘየገድስ ሓዲአን ካብ ሓዲአን ዘይበልጻ፣ ማዕረ መሰልን ግቡእን ዘለወን፣ ብሕብረትን ብማዕርነትን ዝሳተፋን ዝዉስናን ምዃነን ኣሚነን ዝቕበላን ንስሉጥ መስርሕን ምዕቡል ኣካያዳን እዚ ምዕሩይ ሕብረት ብሙሉእ ዓቅመን ተወፍየን ዝሰርሓን ክኾና ኣልወን።እዚ ማዕርነት እዙይ ዝግለጸሉን ዝስረሕሉን ትካልን ኣግባብ ዘለዎ መስርሕን ክህሉን ብሙሉእነት ተግባራዊ ምንቅስቃስ ክገብርን ብርቱዕ ምርብራብ ክግበር ኣለዎ።ንማዕርነት ኣባል ዓድታት ዝምልከቱን ማዕርነታዊ ሓድነት ዘርጋግጹን ዝርዝር ሓበራዊ ጉዳያት ኣቐዲሞም ብሙሉእ ስምምዕነት ተፈልዮም ክንጸሩን ብስምምዕነት ክዉሰኑን ይግባእ።

 

ማዕርነት መሰርት ዝገበረ ሕብረት ዝብል መትከል ንኹሉ ጉዳይን ስራሕን ኣብ ኩሉ ዘፈራት ኣብ ግብሪ ዝዉዕል ኣይኮነን።ምዚ መትከልን እምነት እዙይ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ምንጎ ኣባል ዓዲታት ብጥቡቅን ብሙሉእነትን ተቐባልነት ክሕልዎ ዘሎዎን ኣብ ግብሪዉን ክስርሐሉ ዘለዎን መትከል ፍትሓዉነት እዩ።እዚ መትከል ብመትከል ማዕርነት መሰረት ክትግበሩ ካብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ወጻኢ ዘለዉ ጉዳያትን ስራሕትን ብመሰረት ናይ መሬት ስፍሃሓት፣ናይ ህዝቢ ብዝሓትን መጠን ሃፍትን ካልኦት ተቐባልነት ዘለዎም መመዘኒታትን ተጠቒምካ ምዉሳንን ምስራሕን ዝኽእል መስርሕ እዩ።

መትከል ማዕርነትን ፍትሓዉነትን ኣዝሚድካን ኣማጣጢንካን ብምትእስሳርን ኣብ ዙርያ ተግባራዊነቶም ጽኑዕ እምነትን ስምምዕነትን ብምሕዳርን ብከይዲን ብስልትን እናማዕበልካ ምፍጻም ዘኽእል ዝተዋደደ መስርሕ ፈጢርካ ኣብ ግብሪ ምውዓል።

5.9.      ሕብረትን ክብረትን

እዚ ሃገረር ልፍንቲ ብሄራዊ ኣፍላላያትን ካልኦት ከም ባህሊ ቋንቋን ዝበሉ መግለጺ ብዙሕነት ዝኾኑ ዛዕባታትን ከምዘለዉ ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ስለዝኸይድ ሓደ ባህርዩ ካብ ሓድነት ናብ ሕብረት ዘዝምበለ ምዃኑ እዩ። ናይ ብሄር፣ ባህሊን ቁንቋን  ኣፋላላያት ኣናኢሱ ወይ ንጎኒ ገዲፉ ናብ ሓድነት ክጠምር፣ከመሳስል ወይ ከጽብብ፣ ማእከላይ ወይ ሕዉስዋስ ዝመስል ክፈጥር ብዝብል ኣቃራርባ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈትነን ኣካይዳን ተቐባልነት የብሉን። ኣታሓሳስባን ኣራዳድኣን ህዝብን ዉልቀ ዜጋታትን፣ ፖሊሲ ስትራተጂን ኩለመዳያዊ  ምንቅስቃስን መንግስቲ ኣብ ኩሉ ዓይነት ምዉስዋስ ኣፋላላያት ከይንኣሱን ከይቋናጸቡን ሃናጻይ ብዘይኮነ ኣግባብ ድማ ተለጢጦም መዕነዊ ከይኾኑ ብርቱዕ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ። በዚ መሰረት ኣብቲ በፋላላይ ዝተመስረተ ሕብረት ኩሎም ኣፋልላያት ብማዕርነት ኣፍልጦን ክብርን ረኺቦም በቢ ዘለውዎ ዝዓብዩሉ ሕጋዉን ማሕበረሰባዉን መስርሕን ኩነታትን ምፍጣር።

5.10.     መሰረታዊ መሰላት ሕጊ፣ ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላት

ብዓለምለኸ ዉዕላትን ናይ ቃልኪዳን ሰነዳትን ዝተዘርዘሩ መሰረታዊ ሰብኣዊን ዲሚክራሲያዉን መሰላትን ናይ ሃገራት ዓለም ብሉጽ ተሞክሮ ዘርእዮ ትምህርትን ወሲድካ ብሙሁራንን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብን ኣማዕቢልካ ኣብ ህገ መንግስቲ ብምሕንጻጽ ንጥቡቅ ተግባራዊ ኣፋጻጽምኦም ብልዑል ተወፋይነትን እምነትን ምርብራብ።   ኩለምዳይ ተሳትፎ ፣ ተቐባልነትን ወሳንነትን ህዝቢ ዘረጋግጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምህናጽ ብቐጻልነት እናማዕበለ ዝኸደሉ ሃውህው ምፍጣር።

III.        ቀጻሊ ኣንፈት ተግባራዊ ምንቕስቃስ

6.   ሓፈሻዊን ንኹሉ ኩነታት ብዝጠምር ዝምልከት

6.1.       ምትእምማን ኣብ እምነታት

ኩሉ ትግራዋይ እዞም እምነታትን መትከላትን ብዝርዝርን ብዕሙቀትን ክፈልጦም፣ዉጽኢት ሕሉፍ ታሪክናን መሰረት ቀጻሊ ዕድልናን ገይሩ ክቕበሎም፣ ብዘይ ስክፍታን ጥርጥርን ብሙሉእነት ክኣምነሎምን ብትኹረትን ብንቕሓትን ክሕልዎምን ክከታተሎምን ዘኽእል ሰፊሕን ዝተዋደድን ምልዕዓል ገይርካ ድልዱል ሓበራዊ ምትእምማን ምፍጣር።እዚ ብዝርዝር ብከምዝስዕብ መንገዲን መሰርት ገይርካን ተወሰኽቲ ምህዞታት ሓዊስካን  ምፍጻም ይክኣል

  • ኩሎም ማሕበራዊ፣ ኢኮኖምያዊን ፖለቲካዊን ዉዳበታት፣ትካላትን ዉልቃዊ ምንቅስቓሳትን ትግራይን ተጋሩን ኣብ ኩሉ ምዉፋሮም ዝገበሩዎ ምዉስዋስ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ መትከላትን እምነታትን ትግራይ  እምነት ኩሉ ትግራዋይ ክኾኑ፣ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዙርያ እዞም መትከላትን እምነታትን  ክዓስልን ፅኑዕ እምነት ክሕዝ ዝገብርን ዘኽእልን  ኩለመዳይዊን ብብልሓት ዝተዋደደን ተግባራዊ ምንቅስቓስ ዘካይዱሉ መስርሕን ኩነታን ምፍጣርን ምርግጋጽን
  •  ኩሉ ዉልቀሰብን ህዝቢን፣ ዉልቃዊ፣ማሕበርሰባዊን መንግስታዉን ትካላት ናይ ነዊሕን ሓጺርን ግዘ ትልምታቱን ድሊታትን ከምኡዉን ዕለታዊ ተግባራዊ ምንቅስቓሱ በዞም መትከላት መሰረት ክምርሕን ከካይድን።
  •  ኩሉ ዉልቀሰብን ህዝቢን፣ ዉልቃዊ፣ማሕበርሰባዊን መንግስታዉን ትካላት እቶም መትከላት ብዝኾነ ይኹን ኣካልን ኩነታትን ከይሸራረፉ ብንቕሓትን ብትኹረትን ዋርድያ ኮይኑ ዝሕሉን ዝምክትን ክኸዉንን ብተግባርዉን ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይጥሓስ ሓጹርን ዋሕስን እቶም መትከላት ምዃኑ ምርግጋጽ።
  • ብፍላይ ኩሎም ፖለቲካዊ ዉድባትን መንግስትን ትግራይ ኣብዙርያ እዞም እምነታት ሓበራዊ ምርድዳእን ዕላዊ ስምምዕነትን ዝገብሩሉ ኣገዳዲ መስርሕን ኩነታትን ምፍጣር።እዚ ግባራዊ ክኸዉን ህዝቢ ትግራይ ዘየቋርጽን ንዝኾነ ይኹን ምስምስ ዕድል ዘይህብን እዋናዉን ዉጽኢታውን ጸቕጢ ከዕርፈሉ ዘኽእል ብቐጻልነት እናተሃደሰን ምስ ጭቡጥን ህልዊ ኩነታን እናተዛመደን ዝኸይድ ኣትሓሳስባ፣ስርዓትን ተግባርዊ ምልዕዓልን ምፍጣር።
  • ትግራይን ተጋሩን ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዝገብሩዎ ርክብን ስምምዕነትን ነዞም እምነታት እዚኦም ዘኽብር ምዃኑ ምርግጋጽ
  • ኢትዮጵያ ከም ሃገር፣ እተን ካልኦት ኣባል ዓድታት፣ህዝብታትን ዉልቀ ዜጋታትን እዚ እምነት ትግራይ ብዝምልከት ክቕበሉን ከኽብሩን ምእማንን ብተግባር ምርግጋፅን።
  • ኣብቲ ህዚ ኣብስራሕ ዘሎ ክልላዊ ኮነ ፌደራላዊ ሕገመንግስቲ እዞም መትከላትን እምነታትን ብወሳናይ መልክዑ ዝተወሃህዱ፣ ዝተትሓዙን ተኻቲቶም ዘለዉን እዮም። እንተኾነ ግን ብዘየጠራጥርን ብዘይልወጥን ኣግባብ ኣብ ጽኑዕ እምነት ዝተሃነጹ እዮም ንምባልን ብድፍረት ተኣማሚንካ ንምቕሳንን ዝክኣል ኣይኮነን። ኩለመዳያዊ ባህርዮም፣ዝርዝር ትርጉሞምን ዘፈጽምዎ ዕላማን ብሙሉእነት ተቐሪጹ ኩሉ ዝተቐበሎም እዮም ኢልካ ዝቕመጡዉን ኣይኮኑን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ከምዘለዎዉን ንዝተማለአን ዘይተሸራረፈን ተግባራዊ ኣፋጻጽማ ዘድልዮም ናይ ኣራዳድን ትክላዊን ዓቕምን መትከላዊ ቁርጸኝነትን ዝጎድሎም እዮም።ስለዚ እቲ ሕገመንግስቲ ዝተሓንጸጸሉ መሰረት ገይርካ ጽኑዕ እምነት ብምሓዝ ናይቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት መሰረታዊ ባህርዩ ከየተቐየረ ብህዝባዊ ተስትፎን ሞያዊ ብልሓትን ብቐጻልነት ተማሓይሾም ዝምዕብልሉን ብሙሉእነት ዝረጋገጸሉ  ከይዲ ምፍጣርን ብኣግባቡን ብጥቡቕን ኣብ ተግባር ክፍጸሙን ኣድላይ ቃልሲ ምክያድ።

6.2.      ኣፋላልያት ብዉነ ምርዳእን ምኽባርን

ኣብ ነዊሕን ቀረባን እዋናትን ህልዊ ግዘን ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ዝርአ ዘሎ ምትፍናንን እዛ እምባይ መን ይወርሳ ዝብል ናብ ጸግዒ ዝበጽሐ ሕልኽን ምንዕዓቕን ንህዝብናን ንባዕልናን ናብ ዘየድሊ መዋጥርን ምጥፍፋእን ዝመርሕ ብምዃኑ ሙሉእ ብሙሉእ ክዉገድን በቐጻልነትዉን ዝኾነ ይኹን ዕድል ረኺቡ ከይስእርር ብትረትን ብትኩርነትን ምቅላስ።ብፍላይ ኣብ መንጎ ተጋሩን ምስ ካልኦትን ኣብ  ማሕበራዊ ሚድያ ዝርአ ዘሎ ሓሳብን እምነትን መሰረት ዘይገብረ፣ ፍልጠትን ልዝብን ዘየማእኸለ፣ ደረት ኣልቦን ቀይዲ በትኽን ናይ ጎንጺ ማዕበል፣ ናይ ጸርፊ መደራጉሕን እንካ ሃባን ከም ትግራዋይ ዘይገልጸና ጥራይ ከይኮነስ ከም ሰብን ከም ህዝብን ዘሕስረናን ዝኽስረናን እዩ።

 

ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ብዝተኽኣለ መጠን ዘየድሊን ጎዳኢን ኣፍፋልላያት ከይፍጠሩ ብርቱዕ ጥንቃቐን ውሕሉል ኣታኣላልያ ምጥቃም።ዝርኣዩ ዝኾኑ ይኩን ኣፋላልያት ብቀጥታዉን ዘይቕጥታዉን መንገዲታት ተጠቒምካ ብምክብባር፣ ብልዝብን ብሓላፍነት መንፈስን ዝፍትሑሉ ኣግባብ ምኽታል። ታሪክናን ባህልናን መሰረት ዝገበረን ምስቲ ዘመን ተዋዲዱ ዝማዕበለን ናይ ኣፋላላይ መእለይ መስርሕ፣ ዉልቃዉ ባርይን ሓበራዊ ምርድዳእን ኣማዕቢልካ  ኣብኩሉ ግዘን ኩነታትን ኣብ ግብሪ ምውዓል።

 

በቲ ናይ ልዝብን ምእላይን መስርሕ ሓሊፎም ዘይተኣላዩ ኣፋላላያት እንተጋጥሙ ናይቲ ኣፈላላይ መሰረት፣ ትሕዝቶን ምኽንያትን ከሙኡዉን  ኣብ መሰረታዊ ረብሓና ዘለዎ ትርጉም ብንጹር፣ ብዉነን ብዝርዝርን ምርዳእ። ብኡ ምሰረት ድማ እቲ ኣፈላላይ  ከምጸጋን ናይ ሓሳብ ሃፍትን ወሲድካ ብምቕባል በፋላላይ ተሳምማሚዕካን ተኸባቢርካን ምንባር።ብተወሳኺ ካብቲ ኣፋላላይ ብቐጻልነት እናተማህርኻን እናማዕበልኻን እቲ ኣፈላላይ ባዕሉ ናብ ረብሓኻን ናብ ረብሓ ህዝብኻን ዝልወጠሉ ኣግባብን ኣንፈትን ምኽታል።

6.3.      ፖለቲካዊን ማሕበርሰባዉን ትካላት ምጥያሽን ምምዕባልን

መሰልን ረብሓን ህዝቢን ባዕልናን ዝኽበር ብዝተበታተነ ኣግባብ ብዉልቀን ብጉጅለን ብዝግበር ምንቅስቓስ ዘይኮነስ ሰፊሕን ንጡፍን ተሳትፎ ህዝቢ ብዘርጋገጸን ብዝተወደበ ኣግባብ ብዝግበር ቃልስን ምዃኑ ናይ ዓለም ዉጹዓት ታሪኽን ናይ ባዕልና ታሪኽን ጭቡጥ ተሞክሮን ዘረጋግጾ ወድዓዊ ሓቂ እዩ። እዚ ጽኑዕ እምነት ብምሓዝ ሰፊሕን ንጡፍን ህዝባዊ ተሳትፎ ዘርጋገጸ ኣብ ጭቡጥ ማሕበረ ኢኮኖምያዊን ፖለቲካዉን ጸገማትን ድሌታትን ትግራይ ዝተመስረተ  ፖለቲካዊ ዉድባት፣ ማህበርሰባዉ ቅርጽታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምጥያሽ ብዲሞክራሲያዊ ኣግባብ መሪሕኻ ኩለመዳያዊ ናይ ህዝብና ረብሓ ዝረጋገጸሉ ኩነታት ምፍጣር።

 

ኣብ እቶም ሀዚ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ዉዳበታትን ትካላትን ኣባል ኾይንኻ ይኹን ዕላዊ ኣባልነት ከይተቐበልኻ ኩሉ ዝክኣል ደገፍን ጸቕጥን ፈጢርኻ ጸገማቶም እናፈትሑን ኣናተማሓየሹን ጥንኩር ባህርዮም እናማዕበሉን ዝኸድሉ ሃዋህው ክፍጠርን በቐጻልነት ክምዕብልን ኣበርክቶ ምግባር። ከም ኣብነት ብጭቡጥ ሀዚ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ትግራይ ዝነጥፉ ዘለዉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዓረናን ህወሓትን ብዕላማኦም ዝኣምነን ኣቲየ ለውጢ ከምጽእ እየ ዝብልን ኣብ ዙርያኦም ብምስላፍ  ተግባራዊ ተሳትፎ ምክያድ። እቲ ካሊእ ኩሉ ትግራዋይ ድማ ኣብ ማዕዶ ደው ኢሉ ብእንታይ የእትወኒ ወይ ብተስፋ ምቑራጽ ካብ ምዕዛብን ትርጉም ዘይብሉ ሪኢቶን ነቐፌታን ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ብርሑቕ ካብ ምድርባይን ካብ ምሃብን ክወጽእ ኣለዎ።ኣብቶም ፖለቲካዊ ፓርትታት ዘለዎ ውልቃዊን ምኽንያታዊ ዘይኮነን ተቓዉሞን ቅሬታን ንጎኒ ብምግዳፍ  ክጠፍኡን ክዳኸሙን ካብ ምምናይን ምስራሕን ክቑጠብ ይግባእ። ብተወሳኺ ነንባዕሎም ክከባበሩ፣ሕድሕዶምን ባዕሎምን ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ኽኾኑን ንኻልኦት ዲሞክራሲያዊ ሓይልታትዉን ዕድልን ክብርን ክህቡን ዘኽእል ድጋፍ፣ሃናጺ ተቓዉሞን ነቐፌታን፣ዘገድድ ጸቅጥን ድፍኢትን  ክገብርን ብንጥፈት ክሳተፍን ኣለዎ።

7.   ኣንፈት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፍሉይ ኣብ ህልዊ ኩነታት ብዝምልከት

7.1.       ኣሳላልፋ መሪሕነት ኢህወደግን ሃገርን ብዝምልከት

ኣብ ላዕሊ ገምጋም መሪሕነት ኢህወደግ ብዝምልከት ከምተገለጸ ኢህወደግ ካብ ኣመሰራርትኡ ጀሚሩ ብዝነበሮን ኣብ ዉሽጡ ኣናማዕበለ ብዝኸደን ሱር ዝሰደደ ስእነት መትከላዊ ሓድነትን  ድሕሪ መስዋእቲ መለስ  ድማ ኣብ ዉሽጡ ብዝተፈጠረ ስእነት ማእከላዊ መሪሕነትን ዕንይንይ ክብል ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ሀዚ እዋን ካብ ዉሽጡ ብፍላይ ድማ ካብ ኦሆዴድን ክፋል ብኣዴንን ብዝወጹ ግን ድማ ብመትከላት ኢወደግ ዘይኣምኑን ዘይጥርነፉን ከሙኡዉን ንቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ክብሪ ክህቡ ዘይደልዩ ንህዝቢ ትግራይን ንሃገርዊ ቦትኡን ኣበርክቶኡን ቅኑዕ ኣራኣኣያ ዘይብሎም ሓይልታት ካብ ደገን ካብ ዉሽጥን ዝተዋደደ ሸርሕን ሸፈጥን ተኸቲሎም ማእከላዊ መሪሕነት ተረኪቦም ኣለዉ።

 

እዞም ሓደሽቲ መራሕቲ ኢወደግን ማእከላዊ መንግስትን ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግን ኣብ መሪሕነት መንግስትን ምስ መሪሕነት ህወሓት ዝነበሮም ዉሽጣዊ ጽልኢ፣ ምንዕዓቕን ምንሕናሕን ዝፈጠሮ ቂም መሰረት ዝገበረ፣ ንደገፍቶም ካብ ተማእዛዛይነት መሪሕነት ሕወሓት ወጺኦም  ገበርቲ ሓደግቲ ምዃኖም ንምርኣይ ዝዓለመ ሰፊሕ ናይ ፕሮፕጋንዳን ተግባርዊ ምንቅስቓስን የካይዱለዉ። በዚ ከይዲ እዙይ ብሽም ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ደላይ ለውጢን ጥዑም ቃላት እናትሰንዩ እቲ ብደምን ዓጽምን ሙሩጻት ደቁ ዝመስረቶን ዚያዳ ዋጋ ብምኽፋል ድማ ዘማዕበሎን ዉድብ ኢህወደግ ጨዉዮም ብጭቡጥን ብተግባርን ግን ንህዝቢ ትግራይን ንህወሓትን ዘግልልን ናብ ጠርዚ ዝደፍእን መደረታትን ስጉምትታትን ኣብ ምዉሳድ ተጸሚዶምለዉ። በቢመዓልቱ ስልታዊ ብዝኾነ ቕሉዕን ምስሉይን ፕሮፓግናዳ እናተሰነዩ ዝዉሰዱ ዘለዉ ስጉምትታን ንህበረብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ዘናእሱ መደርረታትን ብኹሉ ኩርናዓት እናጋዉሑ ይርከቡ።

 

እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍ ድማ  ምስ ሓይልታት ጸረሰላምን ጸረ ብዙሕነትን ዝተኣሳሰሩ ዉልቀሰባትን ዉዳበታትን ዝግበር ዘሎ ምቅጥብጣርን ምጥምማርን ኢዩ።እዚ ዘይስሙር ጥምረት እዚ ብዋናነት ቀንዲ ዕላሙኡ ንሕወሃት ምድኻምን ምጥፋእን ኣንተኾነዉን ናይ ህወሓት ሓይልን መሰረትን ከሙኡዉን ዚያዳ ተጠቃምን ኢሎም ዝኣምኑዎ ህዝቢ ትግራይዉን ደሪቦም ንሙዉቃዕ ንድሕሪት ከምዘይብሉ ዘርኢ እኹል ምልክታት ኣለዉ እዮም። እዞም መራሕቲ እዚኦም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣቃራርብኦምን ኣዛራርብኦምን ከምነፋሒቶ እናቐያየሩ ዘርእዩዎ ዘለዉ መደናገሪ ተዋስኦ ብከይዲን ብዕላማን ንህዝቢ ትግራይን ንህወሓትን ብምንጻልን ብምድኻምን ናይ ባዕሎምን መሻርኽቶምን  ልዕልና ምርግጋጽ እዩ።

 

ኣብ ኣደባባይ ዓለም ተጠሊዖም ኣብ ሃገርና ልዕልና ትግራይ ኣሎ እዩ ኢሎም ዝመደሩ፣ ነዚ ድማ ብኹለማዳያዊ ቃልሲ  ክንድርዕሞ ኢና ብምባል ብዕሊ ፈኪሮም፣ ብረቶም ወልዊሎም ሸፊቶም፣ ምስ ጸላእቲ ብቕሉዕ ሰሚሮም ኣንጻር ሃገር ብሓፈሻ ኣንጻር ትግራይ ድማ ብፍላይ ዝወፈሩ፣ ወገሐ ጸብሐ ልዕልና ትግራይ ብዝብል ምስምስ ትግራይን ትግራዋይን ብዘለዎ ክዝመትን ክጓነን ሰፊሕ ጎስጓስ ዝገበሩ ሰባትን ዉዳበታትን ብምሕረት ሰበብ እናጎየካ ምስዓምን ምትሕቑቓፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ግልጺ ዝኾነ ንዕቐትን ዉሽጣዊ ቂምን ዝገልጽን ዝፍተል ዘሎ ዉዲት ዘማልኽትን እዩ።

በቲ ተስፋሕፋሕን ገባቲን ሕዱር ባህርዮምን ትምክሕታዊ  ሻጥሮምን ንዘመናት ቖርሚሞም ዘጻበቡዋ ትግራይ ብስም ዶብን ወሰንን ዳግም መሬትና ክገፉ ብዕሊ ዝተሓነዩን ምስ ህዝብን መንግስትን ደምነት ዝተኸሉን ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣፍንኣፍ ገጢምካ ትመክርን መንግስታዊ ክብርን ኣፍልጦን ብምሃብ ክተሳራስርን ዘኽእል ድፍረት ንቐጻሊ ሒዙዎ ዝመጽእ ኣበሳ ብግልጺ ዝሕብር እዩ።

ናይቲ ነቲ ጸገም ዝተሰከመን ብዉጺኢቱዉን መሬቱን መንንነቱን ዝምንጠልን ዝግፈፍን ህዝቢ ምኽርን ሓሳብንኳ ንስሙ እዝኒ ከይሃብካ ካብ ምድቃስካ ንጉሆ ተበራቢርካ ህዝቢ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦን ኣሻሓት ደቁ ዝገበረሉን መሬት ትግራይ ሰሊዕካ ንደመኛ ጸላኢ ንምሃብ ብጉያ ትጻፋዕን ኣብ ኣደባባይ ብዘይገለ ሕፍረትን ሕንከትን ትምድረሉን ኩነታት እንትፍጠር ጽባሕ ነቲ ሕዝቢ ብኣላማሙ ከምድልየትካ ንምዝዋርን ኣፍሪሕካ ንምግዛእን ድልዱል መገዲ ይጽረግ ከምዘሎ ብዘየጣራጥር ዘርኢ እዩ።

 

ክቱርን ሕዱርን ጻምእ ስልጣን ዝወለዶ ኣብታ ወንበር ንምንጥላጣልን ኣብኣ ንምቕናይን ብዝብል ጥራይ ምስ ደጋዊ ይኹን ወሽጣዊ ደመኛ መትከልን ደረትን ኣልቦ ዝኾነ ናይ ጣዕዋ ሕምብጣ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዓለምን ሽርኩቲት ምባልን ህዝቢ ይዕዘብ ከምዘሎ ፍጹም ብምርሳዕ ‘ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጥ ኩሉ ነገር ድማ እየ ዝፈልጥ’ ብዝብል ዕሉል ዕቡይነት ዝወለዶ ድፍረት ዝካየድ ዘሎ መንግስታዊ ተልሂት ብኸይዲ ተሓላሊኹ ብዝፈጥሮ ማህሰይቲ ዓድን ህዝብን ናብ መዋጥር ክጥሕል ይሕምብብ ከምዘሎ ግሁድ እዩ ።

 

ህዝቢ ትግራይ እዚ ምዕባለ እዙይ ከም ወትሩ ብትኩርነት ብምኽትታልን ብንቕሓት ብምርዳእን ብዝኾነ ይኹን ወሽጣዉን ደጋዉን ምስሉይ ኣቃራርባታት ከይተገረሀ ብኣግኡ ሕጋዉን ሰላማዉን መንገዲታት ተኸቲሉ ኣትሪሩ ክቃለሶን ከቃልዖን ይግባእ። እዚ እዋናዊ ቃልሲ እዙይ ንጽባሕ ዘይበሃልን ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘይክኣልን ብምዃኑ  ከምቲ ልሙድ ነዚ ዘድሊ ናይ ኣታሓሳስባን ኣወዳድባን ምስጥጣም ቀልጢፉ ክዉገንን ናብ ተግባርዊ ምላሽ ክእተዉን ይግባእ።

7.2.      ሃገራዊ ኩነታትን ተቓወምትን ብዝምልከት

ሃገራዊ ኩነታትን ተቓወምትን ዘለውሉ ሃዋህው ብመሰረቱ ነቲ ኣብ መሪሕነት ኢህወደግ ዝርአ ዘሎ ቀይዲ በተኽን ኣንጻር ህዝቢ ትግራይን ዉድብ ሕወሓትን ዘቕነዐን ዘይሰሪ ምጉያይ ዘሳስን ዝድግፍን እዩ።ነዊሕ እዋን ብሓይሊ ትምክሕቲ ዝተዘርአ ሓሶትን በለካ ለኽዐካን ቅቡል ገይሩ ወሲዱ ብጊዘ የብለይን መንፈስን ሕዱር ጽልኣትን ነቲ ህብረብሄራዊ ሕገ መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ዳግም ናብ ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር መንግስትን ስርዓትን ንምምላስ ኣብ ምሽብሻብ ኣንፈት ዝርከብ እዩ።

 

እዚ ሓይሊ እዙይ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ሃገርና ዝመጸ ምዕባለን ዕብየትን ሙሉእ ብሙሉእ ብምኽሓድ፣ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ብኣግባቡ ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ ብዝተፈጠረ ናይ ኣፍጻጽማ ክፍተት ንዝሰዓበ ጸገምን ብወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ንዘለዉ ጸግማትን ብኣልማሚት እቲ ሕገ መንግስትን ንሱ ዝፈጠሮ ብሄር መሰረት ዝገብረ ስርዓትን ተሓታቲ ዝገብርን በዚ ምስምስ ድማ ናይ ይፍረሰልና ጭርሖ ብዘይሙቁራጽ ዘጋውሕን እዩ።

 

ብኣንጻሩ ህብረብሄራዊ ስርዓትን ጸጋታቱን ዘስተማቐሩ ቁጽሮም ኣዝዩ ዝበርከተ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና እቲ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ሕገመንግስታዊ ስርዓት  ክማላእን ክሰፍሕን ዘለዉ ጉድለታት ተኣሪሞም ናብ ዝሕሸን ምዕቡልን ኩነታት ክሰግር እምበር መሊኡ ክጠፍእ ዘይደልዩ እዮም። ብምዃኑዉን ምሕዝነታዊን ሓበራዊን ቃልሲ ምክያድን እቲ ስርዓት ምሕላዉን ዝክኣለሉ ኩነታት ኣሎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ኣፈላላይን ኣሰላልፋን ብዝግባእ ብምርዳእ ብዕቱብ መዝሚዙ ናብ ረብሓኡ ምልዋጥ ክኽእል ኣለዎ።

 

በዚዉን ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ዉዳበታቱን መሓዉራቱን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቶም ደገፍቲ ሓይልታት ሰሚሮም፣ ናብ ጭቡጥ ህዝባዉን ፖለቲካዉን ኣድማዒ ሓይሊ ዓቢዮም፣ ናብ ተግባራዊ ቃልሲ ብስፍሓትን ብትረትን ክወፍሩ ዝኽእልሉ ድጋፍ ብምሃብን ጥጡሕ ኩነታት ብምፍጣርን ብትኩርነትት ክንጥፉ ይግባእ።ብኣንጻሩ ድማ ተጻረርቲ ሓይልታት  ትምኒቶምን ድሌቶምን ጥራይ ሓቛፎም ስድሪ ዕብየትን ቁንጣር ዓወትን ከይረኸቡ ናብቲ ናይ ስዕረትን ምቑዛምን ቑሸቶም ዝኣትዉሉ ዝተዋደደ ዉዳበን ኩለመዳያዊ ናይ ቃልሲ ኣንፈትን ተግባራዊ ምንቕስቓስን ክኣቱ ይግባእ።

7.3.      ሕወሃትን መሪሕነታን ብዝምልከት

ህወሓት ከምቲ ኣብ ዘበና እንሪኦ ምስረታ ዉድባት ብጽሑፍን ብፊርማን ደገፍትን ኣባላታን ዝተመስረተትን እንተጥዒሙካ ትስዕባ፣ እንተዘየለ ተፋኑዋ፣ ዘለዉኻ ኣፋላላያት ተጻባጺብካ፣ ትጽቢትካን ዕግበትካን መዚንካ ‘ኣነ የለኹሉን’ ብምባል ንኣባላታን መራሕታን ትገድፋ ኣይኮነትን። ህወሓት ከም ዉድብ ናይ ዘበናት ዉህሉል ታሪክ ወጽዓን መጽቀጥትን ህዝቢትግራይ ዝወለዳ፣ ብደምን ዓጽምን ሙሩጻት ደቂ ህዝቢ ትግራይ ዝተሃነጸትን ካብታ ዝርካባ ጥሪት ህዝቢ ትግራይ እናተቛደሰት ዝማዕበለትን ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ እያ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢትግራይ ይብዛሕ ይዉሓድ ምስ ብዙሕ ጸገማታ ምስ ህዝባ መኺራን ህዝባ ወዲባ ካብ ጫፍ ጫፍ ኣእሚናንን  ኣኽቲታትን ዘሰለፈትን  ናብ ዓወት ዝበቕዐትን እያ።

 

ኣብዚ  ፈታኒን ታሪካዉን ከይዲ እዙይ ኣብ ዝተሰርሐ ኩለመዳያዉን ማእለያ ዘይብሉን ስርሒት ጅግንነት ህዝብና ፣ ምስ ኩሉ ዱርቱነቱ ከም ህዝቢ ካብ ታሪኽ፣ ተግባራዊ ተሞክሮን ሳይንሳዊ ኣምርን ዝተሃነጸ ናይ ዉዳበ፣ መሪሕነትን ተዓዋታይነትን ባህሊ፣ በቲ ናይ ቃልሲ እዋንን ድሕሪኡን ዝተዋህለለ ንዋታዊ ፖለቲካዉን ማሕበረ ኢኮኖሚያዉን ጸጋታት ዝዓቖረት ገዛፍ ትግራወይቲ ትካል እያ። ግን ኣብ ከይዲ መሊኣ መንገዲ እናሰሓተት ሕድሪ ህዝብን ስዉኣትን እናረሰዐት መልክዓን ጠባያን እናለወጠት ዝመጸት እያ።

 

እዚ ኩሉ ዓወትን ስርሒትን እንትመዝገብ ኣባላታን መራሕታን ጥራይ ኣይኮኑን ፈጺሞሞ።ናይ ኣባላትን መሪሕነትን ተራ ከምዘሎ ኮይኑ ኩሉ ህዝቢ ዓሲሉ ዝፈጸሞን ብተግባርዉን ናተይ ኣዩ ኢሉ ዝወነኖን ቃልሲን ዓወትን እዩ።ስለዚ ሕወሓት ከምዉድብ ብታሪካዊ ኣጋጣሚ ኣባልን መሪሕን ጥራይ ከይኮነስ መላእ ህዝቢ ትግራይዉን ዝሓቖፈ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ከይዲ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ብድሕሪኡ ዝተፈጥሩ ጸገማት ቀንዲ ተሓታቲን በዓል ዋናን እቲ ጸገም እቲ ዉድብ ብጠቕላልኡ ከይኮነስ ካብ ህዝባዊ ረብሓን እምነትን ወጺኡ  ናብ ዉልቀ ድሌቱ ዝወፈረ በቢግዚኡ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት እዩ።

ስለዚ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍሉይ ታሪካዊ ኩነታት ዝፈጠሮ ሃፍታም ትካል ህዝቢ ትግራይ ንኣባልን መሪሕነትን ገዲፍካን መሪሕነት ብዝፈጠሮ ጸገም ኣፍሪስካን ከም ብሓዱሽ ካሊእ ዉዳበን ትካልን ንምህናጽ ዝግበር ምንቅስቓስ ምኽንያታዉን ቅቡልን ከክዉን ኣይኽእልን።

 

እዚ ማለት ግን ካብ ሕወሓት ወጻኢ ካሊእ ዉድብ ኣየድልየናን ብምባል ትግራይ ሕዛእቲ ሕወሓት ክትኮን ብሙሉእ ዓቕሙ ምስ ዝረባረብ ኣካል ንትሓዋወስ ንምባል ኣይኮነን። ወይዉን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዩ ንዝብል ኣታሓሳስባ መሪሕነት ህወሓት ምድጋፍን ከም ሓቂ ወሲድካ ተቐበሉ ምባልዉን ኣይኮነን። ንሱ ሓቅነት ዘይብሉን ዘይዲሞክራሲያዊን ስለዝኾነ ዘድልን ዝጠቅምን ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ሓደ ዉድብን ሓደ ኣትሓሳስባን  ጥራይ ዝውክሎ ከም ጻጸ ኣብ ሓደ መገዲ ትኽ  ኢሉ ዝጓየ ዕንዝር ኣይኮነን። ካብ ነዊሕ ግዘ ጀሚሩ ዝተዋህለለን ኣብዚ ዘለናሉ እዋናዊ መድረኽ ዝተፈጥረን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን እምነቱ፣ጠለቡን ነጻነቱን ብሓደ ፓርቲ ጥራይ ዝሕጸርን ዝዉገንን ክኸዉን ኣይኽእልን።

ምስ ሓዱሽ ምዕባለ ካሊእ ሓዱሽን ተወሳኺን ፖለቲካዊ ዉዳበ ኣብዘድልየሉ ኩነታት ህዝቢ ብናጻ ድሌቱን ብናይ ባዕሉ ተበግሶን ክንዲ ዘድልዮን ብዝደልዮን ኣግባብ ክዉደብ መሰሉ እዩ ጥራይ ከይኮነ ክቡር ዋጋ ደም ዝኸፈለሉ ዘይዕገትን ዘይሽረፍን መሰረታዊ መትከሉ እዩ።ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎን ናይ ባዕሉ ታሪካዉን ወድዓዉን ትርጉምን ረብሓን ዘለዎ ዝተሃንጸ ትካልን ዉድብን ግን ምፍራስ ወይ ተስፋ ቆሪጽካ ብምግዳፍ ናብ ጸገምን ዉድቀትን ምድፋእ ኣድላይ ኣይኮነን።

በዚ መሰረት ዘለና ዉድብ ሰፊሕን ዝተዋደድን ህዝባዊ ማዕበልን ጸቕጥን ፈጢርና እናማሓየሽናን እናጣናኸርናን ጎኒ ንጎኒ ምስዚ ብዘይጻረርን ተሳማሚዑን ተሓጋጊዙን ብዝኸይድን ኣግባብ ሓደሽቲ ዉዳበታትን ኣታሓሳስባታትን ምውናን ይክኣልን ይግባእን እዩ።

 

ብተወሳኺ መሪሕነት ዝፈጠሮም ጸገማት ተመስሪትካ ንሕወሓት ከም ጠላምን ጸላኢን ብምቑጻር ብቐጻሊዉን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣይትኽብርን ካብ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ እቶም ጸገማት ኣዋዓዊዕካ ብፖለቲካዊ ቃልሲ ኮነ ብካሊእ ኣግባብ ንምፍራስን ንምድርባይን ዝግበር ፈተን ምስ ገዚፍ ዓቕምን መንግስታዊ ሓይልን ዝሓዘ ሓይሊ ዝግበር ግጥም እዩ ዝኸዉን።ከም ዉጽኢቱዉን ህዝቢ ትግራይ ብደጋፍን ብተቓዋምን ተመቒሉ ነንባዕሉ ዝታኹተኮሉን ሓይሉ ተኸፋፊሉ ክዳኸምን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ህዉከት ዕድል ክህብን ይኽእል እዩ።

 

ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ንሕወሓት ከም ዉድብ ወይ ሃናጺ ብዝኾነ ነቐፌታን ጸቕጥን ገይርካ ብዘይምድጋፍ ወይዉን ብቀጥታ ተጻሪርካ ብምድፋእ ምፍራስ ኣብዚ ሀዚ እዋን ኣብ ማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ዘለዋ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ቦታን ዉክልናን ተኪኡ ነቲ ዝጎደለ ቦታ ዝመልእ ዉድብ ስለዘየለ ኣደዳ ጸላኢን ዘየድሊ ዕግርግርን ዝገብር ስሑት መገዲ እዩ።

 

ብዓብይኡ ድማ ኣንጻር ሕወሓት ዝግበር ቃልሲን ንሕወሓት ደፊእኻ ብምድርባይ ዝርከብ ዓወትን ሕወሓት ከም መሪሕነትን እቲ ህዝባዊ ቃልሲን ፈላሊኻ ንምቅላስ ኣጸጋሚ ኩነታት ምፍጣሩ ኣይተርፍን። ብምዃኑ ድማ እቲ ኣብ ዙርያ ሕወሓት ዓሲሉ ዝተቓለሰን ብዝመጸኣ ዓወታት ድማ ፍናን ዝስምዕን ትግራዋይ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ከንቱ ተሪፉ ማለት እዩ ዝብል መንፈስ ብምፍጣር ናይ ቃልስን ተዓዋትይነትን ወነኡ ክሓስስን ንቐጻሊ ዝግበር ቃልሲ ተስፋ ክቖርጽን ዝገብር ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘስዕብ ከይዲ ካብ ምዃኑ ዓዲ ኣይዉዕልን።

 

በዚ መስረት ሕወሓት ኣቲዩዎ ካብ ዘሎ ምንቁልቋልን መጻድፍን ንምድሓንን ንባዕሉ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ክኸዉን ንካልኦት ዲሞክራሲያዊ ሓይልታትዉን ከኽብርን ተደጋጊፉ ክሰርሕን ዘገድዶ ናይ ለውጢን ምዕራይን ማዕበላዊ ጸቕጢ ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ማዕበላዊ ጸቕጢ ክፍጠርን ተግባራዊ ዉጺኢት ከምጽእን ኣባልነት ብዘየገድስ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይን ፈታዊ ዓዱን  ዘድሊ ደገፍ ኮነ ሃናጺ ነቕፌታ ብዘየቋርጽን ብሓልፍነትዊ ስምዒትን ብምዉፋይ ክረባረብ ይግባእ።

 

ህወሓት ኣብ ምዕራይን ህዝባዉን ዲሞክራሲያዉን ዉድብ ኮይኑ ክቕጽል ኣብ ምርግጋጽን ኣንፈት ጸቕጢ ህዝቢን ቃልሲ ተጋደልትን ኣባላትን ህወሓት ክኽተልዎ ዝግባእ ብዙሕ ዝርዝር ንምቕራብ ዝክኣልኳ እንተኾነ ከም ኣብነትን ሓባሪ መገዲን ክልተ መሰረታዊን  ቀንዲ ነጥብታትን ምቕማጥ ይክኣል እዩ።

ቀዳማይ፡  ኣብ ትግራይን ትግርዋይ ብሄርተኝነትን ግልጽን መትከላዉን ቅዋም ብምሓዝ ናይ ኩሉ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዉን ምንቅስቓስ ማእኸላዊ መምዘኒ ትግራይ ብምግባር ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሰሪዓ እትቃለስ ዉድብ ምግባር እዩ። መሪሕነታን ኣባላታን ‘ዉን በዚ መሰረት ኣብ ዝወፈሩሉን ዝተመደብሉን ናይ መንግስትን ዉድብን ስራሕቲ ብስም ህዝቢ ትግራይ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝነጥፉ ምዃኖም ብምርዳእ ኩሉ ምንቅስቓሶም ነዚ ልኡኽ እዚ ብዝምጥንን ብዘረጋግጽን ኣግባብ ዝሰርሑ ክኾኑ ኣለዎም።ልዕሊ ኩሉ ድማ ከምዉድብ ኣብ ኩሉ ኣታሓሳስባታቱ፣መሓዉራቱን ኣባላቱን እቶም መትከላትን እምነታትን ትግራይ ብዉነ ተርዲኦምን ብሙሉእነት ተቐቢሎምን ከም ስትራተጂካዊ ዕላማን ተግባራዊ መምርሕን ገይሮም ክፍጽሙዎምን ክሕልዉዎምን ዘኽእል መስመርን ኣካይዳን ክኽተል ይግባእ።

 

ካልኣይ፡  ኣብዉሽጢ እቲ ዉድብ ኣብ ኩሎም መሓዉራቱን ምንቕስቓሳቱን ዝተማለአ ዉሽጣዊ ዲሞክራሲን ግልጽነትን ምትእትታዉን ትካልዊ መስርሕ ምትሓዝን እዩ። እዚ ከይዲ እዙይ ዝተዋደደን ዝተማለአን ናይ ኣታሓሳስባ፣ኣወዳዳድባን ተግባራዊ ኣፋጻጽማን ድልዱል ዲሞክራሲያዊ እምነት፣ቁመናን ዘየወላዉል ህዝባዉነትን ዝሓትት መስርሕ ኣዩ። ብዉነን ንኹለመዳያዊ ምንቅስቃስ እቲ ዉድብን ንሱ ዝመርሖ ዘሎ መንግስትን ብዝጠምር ኣግባብ እንተዘይተፈጺሙ ቖሪጽካ ወይ ጨሊፍካ ብገለ ገጹ እትወስዶን እትፍጽሞን ኣይኮነን።

 

በዚ መሰረት ኣብ ኩሎም ዛዕባታትን መሓዉራትን ዝግበር ለዉጥን ምዕባለን እንተኾነኳ ከም ኣብነትን መበገሲን ምርግጋጽ ዉሽጣዊ ዲሞክራሲ እቲ ሓደን ቀንድን ኣግባብ ኣታሓሕዛ ዉድባዊን መንግስታዊን ስልጣን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ መዳይ እዙይ ቀንዲ ጸገም መሪሕነት ህወሓት ፖለቲካዊ ተሳትፎን ኣባልነትን ምስ ጥቕምን ስልጣንን በቀጥታዊ መንገዲ ዝተኣሳሰሩ ገይሩ ምሓዙ እዩ። ኣባላት ህወሓት ብፖለቲካዊ እምነቶምን ተሳትፎኦምን ጥራይ ብቕዓት፣ህዝባዉነትን ሞያን ከይተርኣየ ናይ መንግስትን ህዝብን ስልጣን ዓፍጢጦም ዝሕዝሉ ከይዲን ኣውዳድባን ዝተኸተለ ብምዃኑ እዩ።

 

ብተግባርን ብኣራዳድኣን ኩሉ ኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ናይ ግድን ሚንስተርን ሓላፊ ቢሮን ኮይኑ ስልጣን ዝዉንን  ካሊእ ኣባልን መሪሕነትንዉን በቢብርኩ ከምኡ ስልጣን ዝሕዝን እዩ ተገይሩ።ዝርካቡ ዉድባዉን መንግስታዊን ስልጣን ብምቅርማት ተወዲኡ ስልጣን ዝተስኣነሉ ኣባል ከይተርፈ በደርጃን ምክትልን ሚኒስተርን ሓላፊን ወይ ላዕለዋይ መሪሕነት ብዝብል ጥርኑፍ ስያመ ንስልጣን እንማዓደወ ብተስፋ ቑሊሕሊሕ ክብልን ኣብ ስልጣን ደይቡ ንዝረኽቦ ጥቕሚ ንኣዉድ እናሓሰበ ከምባሁቕን ተምዲቡ ዝጸንሕሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ።

 

በዚ ድማ እቲ ዉድብ ኣባላቱ ብስልጣን ኣታሓሳስባን ተግባርን ክቃነዩን ናይቲ ዉድብ ዕላማን መትከልን ብዝርዝር ዘይፈልጡ፣ እቶም ዝፈልጡ ‘ዉን ዘይግደስሉ ደለይቲ ስልጣን ብሰፊሑ ክስሕብን መዐንደሪ ቑሸት ደለይቲ ዘፍትሓዊ ጥቕሚ ክከዉን ገይሩ እዩ። በዚ መሰረት ዝሰርሕን ዝዉደብን ፖለቲካዊ ኣካል ዉድባዊ መሓዉራቱን ንሱ ዝመርሖ መንግስታዊ ስርዓቱን ዕላማን መትከልን ከይኮነስ ስልጣንን ጥቕምን ብዝደፍኦም ኣባላትን መራሕትን ክዉረር ባህርያዊ እዩ ዝኽዉን።

ብድሌት ስልጣንን ጥቕምን ዝተኣኻከበ ኣባል ኣጻርዩ  ዝግልፍን ብዕላማን መትከልን ዝወፈረ ኣባል መምዩ ከከም ኣድላይነቱ ዝሓቁፍን ንቕድሚት ዘምጽእን ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ዲሞክራሲያዉን ግልጽን መስርሕ ብዘይምህላዉ ድማ እቲ ዘይመትከላዊ ኣባል ናይ ዉድብን መንግስትን መሓዉራት ብቐሊሉ ክቆጻጸርን ኣብኡ ተሓቢኡ ክነብርን ሰፊሕ ዕድል ረኺቡ እዩ።

ካብ ታሕተዋይ ብርኪ ዋህዮ መሪሕነት ጀሚሩ እስካብ ዝልዓለ ቦታ ማእከላዊ ኮሚቴን ኣቦወንበርነት ዉድብን ዘለዉ ናይ መሪሕነት ብርክታት ግልጺ ብዝኾነ ዉድድር፣ ናይ ሓሳብ ብልጫ፣ ሞያዊን ፖለቲካዊን ብቕዓትን ህዝባዉነትን መሰረት ብዝገበረ ምርጫ ከይኮነስ ወይ ቀጥታዊ ምድባ ወይ ጸቢብ መድረኽ መሰረት ዝገበረ ዕጹው መረጻታት ዝትሓዙ እዮም። ካብ ጣብያ ኣቦወንበርነት እስካብ ክልል ፕረዚደንትነት ናይ ህዝብን ኣባልን ቀጥታዊ ተሳትፎን ተቐባልነትን ብዘረጋግጽ ግልጺን ዲሞክራሲያዉን መረጻን ዉድድርን ከይኮነስ ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ብዝፈጠሮ ናይ ፓርቲ ምደባን ሓቐኛ ዉድድር ዘይብሉ ምስሉይ መርጻን ዝካየዱ እዮም።

 

እዚ ብዉሽጣዉሽጡን ብስማዊ መረጻታትን ዝትሓዝ ስልጣንን ቦታን ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብን መንግስትን ሰፊሕ ናይ ስልጣንን ጥቕምን ኔትዎርክን ምትእስሳርን ከፍጠርን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕዉን ዘሕፍር ናይ ሓሶት ጸብጻብን ጸረዲሞክራሲይዊነትን  ክበዝሕን ገይሩ እዩ።ብኡ ኣቢሉዉን እቲ ዝሓዞ ስልጣን ካብ ህዝባዊ ተቐባልነት፣ናይ ሓሳብ ብልጫን ዉልቃዊ ብቕዓትን ዘይፈልፈለ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እቲ ኣብ ኢዱ ዝኣተወ ስልጣን ንባዕሉን ናብቲ ስልጣን ኣምጺኦምኒ ንዝብሎም ሓለፍቱን መገልገሊ ካብ ምግባር ንድሕሪት ዝብል ኣይኾንን።ካብዚ ሕመቕዚ ንምዉጻእ ኣብ ዉሽጢ ፓርቲ ዘሎ መሪሕነት ብግልጽን ዲሞክራሲያዉን ዉድድር ዝተሓዘሉ መስርሕ ክፍጠር ይግባእ።

 

ከም ኣብነት ናይ ኩሉ ዉድባዊ ናይ መሪሕነት ቦታት ኣባላት ብምደባ ከይኮነ ብድሌቶም ክገብሩዎ ዝደልዩን ከምጽእዎ ዝደልዩን ለውጢ ኣብቲ ዝመልከቶ መሓዉር ንዘለዉ ኣባላት ኣቕሪቦም ብዉሽጣዊ ግልጺ ዉድድር ኣእሚኖምን ተመሪጾምን ክመርሑ ክኽእሉ ኣለዎም።  መንግስታዊ ስልጣን ድማ  ኣብ ፓርቲ ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ብዘየገድስ ብግልጺን ኩሉ ዘሳተፈን ዉድድር ብሞያዊ ብቕዓት እናተምዘነ  ክትሓዝን ብተግባራዊ ናይ ምፍጻም ክእለት እናተመዘዘ ናብ ሓላፍነት ክድይብን ክግበር ኣልዎ። ብፍላይ ናይ ህዝቢ ምምህዳር ስልጣንን ቦታን ካብ ኣባላትዉን ነንባዕሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ  ብዝግበር ናይ ሓሳብን ናይ ምፍጻም ዓቕምን መስረት ዝገብረ ግልጺ ዉድድር ክምዘዙን ክምረጹን ዝኽእል ዝተዋደደ መስርሕ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ እዩ።

 

በዚ መሰረት ኣባልነትን ናይ ፓርቲ መርሕነትን ናይ ኣታሓሳስባን እምነትን ጽሬት ፈጢርካ  ንምቅላስን ፖለቲካዊ ኣበርክቶ ንምግባርን ጥራይ ዘገልግል ከምዝኸዉን ዘረጋግጽ ሕጋዊ፣ ትካላዉን መሓዉሩ መሬት ዝረገጸ ስርዓት ምትካል ኣድላይ እዩ።ኣይኮነን ታሕተዋይን ተራን ኣባልነት እቲ ዝልዓለ ኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ ኾነ ፖሊት ቢሮ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ኣበርክቶን ንምግባር እምበር ኣብ ዝልዓለ መንግስታዊ ስልጣን ንምድያብ ዝዉሃብ ሰርቲፊኬት ከምዘይኮነ ዘርጋግጽ መስርሕ ክህሉ ኣለዎ። ኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ ኮይኑ ከም ድሌቱ ብዉልቀኡ ወይ ነጋዳይ ወይ ገባር ኮይኑ ክዋፈር ከምዝኽእልን ኣብ ዝተሓተ መንግስታዊ መሓዉር ኮይኑ ‘ዉን ሞያዊ ኣገልግሎት ከምዓቕሙ ክወፊ ከምዝኽእልን ክፍለጥ ኣለዎ።ብሱሩዉን ንገባር ጠጠው ዝበልኩ እየ ኢሉ ብሽም ገባር ቀትርን ለይትን ዝምሕል ዉድብ ኣብ ማእከላዊ ኮሚቴኡ ዋላ ሓደ ገባር ዘይዉከለሉን ዘይርከበሉን ገይሩ  ድሌት እቲ ገባር ኣነ እየ ዝፈልጥ ዝብል ምዃኑ ዘገርም ኩነት እዩ።

 

መንግስታዊ ስልጣንን ፖለቲካዊ ኣባልነትን ቦታን ዘይተሓዋሰን ዝተፈለየን ኮይኑ ደው እንተይሉ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ መሓዉር ዘሎ ሰብ ንዉልቃዊ ስልጣን ከየቋመተን ንስልጣኑ ብዝለዎ ረብሓ ከይመዘነን ፖለቲካዊ እምነት፣መትከልን ዕላማን መሰረት ብምግባር ንመንግስታዊ ስራሕቲ ንምምራሕን ንምቁጽጻርን ዘኽእሎ መስርሕ ክዉንን ይኽእል እዩ።በዚ መሰረት መንግስታዊን ዉድባዊን ስልጣን ዝተሓዘሉን መንግስትን ዉድብን ብሕጊ መሰረት ተፈልዩ ኣብ ዉሽጢ ፓርቲ ድማ ዝተማለአ ዲሞክርሲያዊ ኩነታት ክሰፍን ዘኽእል ኣንፈትን መስርሕን ተኣታትዩ  ብተግባር ክፍጸም ኣለዎ።

 

ካብ ስልጣን ወጻኢ ዘለዉ ካልኦት ዛዕባታት ምፍልፋልን ምእማንን ሓደሽቲ ሓሳባትን ፖሊሲታትን፣ ምትሓዝ ኣጀንዳን ክትዓትን ፣ኣግባብ ኣወሳስናን ኣታሕዛ ኣፈላላያትን ዝመሳሰሉ ኩሎም ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብዝውሕዝ ዓብላሊ ኣግባብን ከይዲን ጥራይ ከይኮነ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከምኡዉን ጎናዊን ኩሉ ዘሳተፈን ነጻን ግልጽን ዲሞክራሲያዊ መድረኻትን መሓዉራትን ክምራሕን ክካየድን ይግባእ።

7.4.      ትግራዋይነትን ኢትዮጵያዉነትን ብዝምልከት

 

ትግራዋይ ትግራይ ዓዱ እያ ኢትዮጵያ ሃገሩ እያ። ተጋሩ ንኢትዮጵያዊነት ዘለዎም ፍቕርን ክብርን ንምስረታን ምዕባለን ሃገረ ኢትዮጵያ  ዘወፈይዎ  ኩለመዳያዊ ታሪካዊ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዘይክሓድ ግዙፍ ነባሪ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ናይዛ ሀዚ ብተግባር ዘላ ሃገረ ኢትዮጵያ ወድዓዊ ኩነታት ብታሪኽን ብፍቕሪ ሃገርን ጥራይ ክጥመርን ክምራሕን ዘፍቅድ ኣይኮነን።ኢትዮጵያ ከም ሃገር እትቕጽል ሀዚ ኣብ ባይታ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ዝርኣዩ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለዩ ህዝብታታን ዜጋታትን ኣፋላላያትን ድሌታታን መሰረት ገይሩ ዝግበር ልዝብን ፍሕፍሕን ዝዉሰን ፈታኒን ዝተሓላለኸን ህንጸት ሃገር እዩ።

 

እዚ ከይዲ እዙይ ፍጹም ተኣማሚንኻ ኣፍኻ መሊእካኻ ዕዉት ክኸዉን እዩ ዘብል ዋላ ሓንቲ ቅቡል ሳይንሳዊ ስነሞጎት የለን። ትግራዋይ ኣብዚ ከይዲ እዙይ ብቕንዕናን ብዉፍይነትን ካብ ምስታፍን በቶም መትከላትን እምነታትን መሰረት ረብሓኡ ከኽብር ብጽንዓት ካብ ምቅላስን ወጻኢ እቲ ዝድለ ዉጽኢት ከም ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ዉሕስና ክህብ ኣይኽእልን። ካልኦትዉን ብተምሳሳሊ መገዲ ከምኡ ጥራይ እዮም ክገብሩን ከጽበዩን ዝኽእሉ።ካብ መንገዲ ልዝብ ወጻኢ ሃገር ክተቕጽል ወይ ነቲ ዉጽኢት ካብ ናይ ኩሉ ሓበራዊ ስምምዕነት ወጻኢ በይንኻ ወይ ብጉጅለ ክተዉሕስ ምፍታን ኩለመዳያዊ ዕንወት ምቅልጣፍ ጥራይ እዩ ዝኸዉን።

 

እስካብ ህዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እዚ ናይ ልዝብን ናይ ሓበራዊ ስምምዕነትን ሃገር ህንጸት ብቕንዕናን ብትኽክልን ኣብ ግብሪ ንሙውዓል ዝተገብረ ፈተነ ዳርጋ የለን። እቲ ዝሓሸን ነዚ መትከል ዝቐረበን ፈተነ  ምስ ምኩሉ ዱሩትነቱ በቲ ሀዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝተኸየደ ክያዶ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሃገርና ናይ ታሪካዊ ቅርሕንትን ምትፍናን ማእከል ኮይና ጸኒሓ እያ።ሕዚ ነዚ ኹነታት እዚ ንምቕያርን ኩሉ ወገን ዝኣምነሉን ዝስማመዐሉን ሃገር ንምዉሓስን ህዝቢ ትግራይ ዕድል ሂቡን ተውፈዩን ዘድሊ ጻዕሪ ክገብርን ብጽንዓት ክቃለስን ድልው ክኸዉን ይግባእ።

 

እንተኾነ ግን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊነቱ ሒዙ ዝቕጽልን ኢትዮጵያዉን ሃገራዊ ሓድነታ ተሓልዩ ዝነብርን ብኹሎም ወገናት ድሌትን ስምምዕነትን እምበር በይኑ ዘቑሞን ዘቐጽሎን ሃገር ከምዘየለ ክርዳእ ይግባእ። ብተወሳኺ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና እትቕጽል ትግራዋይ ድማ ኢትዮጵያዊነቱ ሒዚ ዝነብር እቶም ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝቐረቡ መትከላትን ዕላማታትን ትግራይ ብኹሎም ኢትዮጵያዉያን ተቕባልነት ረኺቦም ኣብ ዙርያኦም ሃገራዊ ምትእምማን እንትፍጠር ጥራይ እዩ።

 

በዚ መሰረት ትግራዋይ ሃገራዊ ፍቕሩ፣ ታሪካዊ ቦትኡን ኣበርክቶኡን ዝግብኦ ክብርን ኣፍልጦን ረኺቡ፣ በቲ ስምምዕነት መሰረት ደላይን ተደላይን ብምዃን ናሃቱ ድሌትን ክብርን ብልዝብን ብምክብባርን ዝረጋገጸሉ ሃገር ክሃንጽ ክቃልሰ ኣለዎ። እዚ ክሳብ ዘይኮነ ከም ቑርዲድ ተጣቢቑ ዝበሉኒ ሰሚዐ ዝሃቡኒ በሊዐ ኢትዮጵያዊ ኮይነ ይነብር ዝብል ዕሙትን ስነሞጎታዊ ዘይኮነን እምነትን ድሌትን ክሕዝን ኣብዚ ክትከልን ምኽንያትዊ ኣይኮነን። ብካሊእ ገጽ እቶም ዝደልዮም ክብርታትን መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ ብቓልሰይ ከርጋግጽ እየ ብዝብል ቅኑዕ ግን ገርሂ እምነትን መርግጽን ናይ ካልኦት ዉጽኢታዊ ስምምዕነትን ድጋፍን ከይረኸበ በይኑ ዝገብሮ ጻዕርን ህልኽን ዳርጋ ብሓደ ኢድ ዝግበር ጣቕዒት እንትኾን ትርፉ ድማ ተላሓሒጽካ ምዉዳቕ እዩ።

 

ትግራዋይ ሓለፋ ኮነ ትሕት ዝበለ ኢትዮጵያዊ ኣይኮነን ከም ኩሎም ኢትዮጵያዉያን ማዕረ ኢትዮጵያዊ እዩ።።ስለዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያዉነት በይኑ ኣይሕጎስ በይኑ ኣይግደስ።ኣብ ስምምዕነት ልፍንቲ ዝተመሰረተ ሃገር ስለዝኾነ ብኡ መሰረት እጃሙ የወፊ ብኡ መሰረት መሰሉ የኽብር።

 

በዚ መሰረት ትግራዋይ ብዉልቀ ይኹን ብሓብር ኣብ ዝግበር ማሕበረ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዉን  ምንቕስቓሳት ማእከልን መመዘኒን ኩሎም ተግባራት ንዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ትርጉምን ኣበርክቶን ብምግባር እዚ ዝረጋገጸሉ ኩነታት ብዉነ ብምፍታሽን ክዋፈር ኣለዎ።ኣብ ኩሉ ዓውድታት ማሕበረ ኢኮኖሚን ፖለቲካዉን ዉዕሎታት በዚ ኣታሕሳስባን ኣርዳድኣን ተመስሪቱ ተግባርዊ ምንቕስቓሱን ኣካይዳኡን ብዉሕልነትን ዓርሰ እምነትን ክመርሕ ይግባእ።

 

ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ንሕና ኢትዮጵያ ኢና ብታሪክ ዋጋ ከፊልና ኢና ብዝብል ኣብ ሕሉፍ ጥራይ ተንጠልጢሉ ምስ ሀዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ዘይሳነ ምስ ረብሓን ቀጻሊ ዕድልን ህዝቢ ትግራይ ብዝርዝር ተተንቲኑ ዘይተወሃሀደ ዕሙት ኢትዮጵያዊነት ከምቲ ሕሉፍ ናይ ቁርቁስ መድረኽ እመበር ዘተኣማምን ሃገር ሃኒጹ ሰላምን ልምዓትን ከረጋግጽ ዝኽእል ኣይኮነን።ስለዚ ንትግራይ ኮነ ንኻሊእ ዝጠቅምን ዘድልን ኣይኾንን።

 

በዚ ዝተገለጸ ኣታሓሳስባን እምነትን ዝምራሕ ትግራዋይን ትግራይን ኣብ ምዕሩይ ሕብረት ዝተመስረተት ኢትዮጵያ ኣብ ምሕናጽ ክገጥሙዎ ዝኽእሉ ብዉሕዱ ኣርባዕተ ብድሆታት ኣለዉ።

 

ቀዳማይ፡ ብብሄርካ ሙዉዳብ፣ ብሄር መሰረት ዝገብረ መሰል ዓርሰ ዉሳነን ዓርሰ ምምህዳርን ዘይወሓጠሎም እዚ እምነትን መርገጽን እዚ በታኒ ሃገር እዩ ኢሎም ገሊኦም ብቕንዕና ዝኣምኑ ገሊኦም በዚ ተጎሊቢቦም እቲ ዝተስዓረ ስርዓት ከቐጽሉ ዝደልዩ ሓይልታት እዮም።

 

እዞም ሓይልታት እዚኦም ገሊኦም ብቕሉዕ እቲ ዘሎ ሕገምንግስታዊ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ፈሪሱን ፌደራላዊ ስርዓት ዝብሃል ተሪፉን ናፍቲ ናይ ቀደም ኣሃዳዊ መንግስትን  ክፍለሃገር ዝብል ኣካላልላን ክምለሱ ዝደልዩ እዮም። ገሊኦም ድማ ፌደራላዊ ስርዓት ተቐቢሎም እተን ብሄር መሰረት ገይረን ዝተከለላን ዝተኻለላን ክልላት ከምብሓዱሽ ክጥረራን ብዝተፈላለዩ መምዘኒታት ክበታተናን ዝህቕኑ እዮም። ነዚኦም ብዉሕሉል ፖለቲካዊ ቃልሲን ህዝባዊ ድፍኢትን ብሄር መሰረት ዝገብረ ፖለቲካዊ ኣወዳድባን ንኡ መሰረት ገይሩ ዝትከልን ዝምራሕን ህብረብሄራዊ ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ክቃወሙን ከዐንቅፉን ዝኽእልሉ ህዝባዊ መሰረት ከይህልዎም ምግባር ዝክኣለሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር ብምቅላስ እዮም ክእለዩ ዝኽእሉ።  እቲ ኣንጻር ኣዚኦም ሓይልታት ዝግበር  ቃልሲ በዚ ጥራይ ጥራይ እንተይተሓጸረ ብወሳናይ መልክዑ ንሶም ባዕሎምዉን ነቲ ብሄር መሰረት ዝገብረ ኣወዳድባ ተቐቢሎም ብኡ መሰረት ፖለቲካዊ ሰልፎም ዝሕዙሉ ዘተኣማምን ፖለቲካዊ መድረኽ ከርጋገጽ ዝዓለመ ክኸዉን ይግባእ ።እዚ ቃልሲ እዙይ ሕጋዊ፣ሰላማዊ፣ዲሞክራሲያዊን ሰብኣዊን ባህርዩ ከይለቐቐ ዉዕውዕ ህዝባዊን ፖለቲካዊን ልዝብን ዉድድርን ጥራይ ተኸቲሉ ዝካየድን ዝምራሕን ክኸዉን ኣለዎ።

 

ካልኣይ፡ ብሄር መሰረት ዝገብረ ኣወዳድባን ፖለቲካዊ ቃልስን ተቐቢሎምን ተኸቲሎምን ግን ድማ ፖለቲካዊን መንግስታዊን ስልጣንን ሃገራዊ መሪሕነትን ብህዝቢ በዝሒ፣ ክልላዊ ሃፍትን ካልኦት ተመሳሳሊ መዐቀኒታትን መሰረት ክሽንሽኑ ዝደልዩ ሓይልታት እዮም።እዚኦም ናይ ዲሞክራሲ ትርጉምን ኣካይዳን ናይ መላእ ህዝቢን ፖለቲካዊ ተዋሳእትን ስምምዕነት፣ድሌትን ወሳንነትን ምዃኑ ንጎኒ ገዲፎም ዲሞክራሲ ማለት ናይ ብዙሃን ኣገዛዝኣ እዩ ብዝብል ቁንጽል ኣራዳድኣ ብሽም ዲሞክራሲ ክጎብጡ ዝህቅኑ እዮም።በዚ ኣታሓሳስባ ተምስሪቶም ድማ ቁጽርና ብዙሕ እዩ ኢሎም ስለዝኣምኑ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ዘለዎ ብሄርን መሻርኽቱን ኣብ ኩሉ ጉዳይን ኩነታትን ብሓፈሻ ኣብ ቁልፊ ዝብሉዎ ድማ ብፍላይ ንሶም እናወሰኑ ገዛኢ ፖለቲካዊ ስፍራ ተቖጻጺሮም ዝኸድሉ ፖለቲካዊ ስርዓት ከተኽሉ ዝደልዩ እዮም። እዚ ብትርጉሙ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝሓዝዎ መትከል ማዕርነት ዝጻባእ፣ ታሪካዊ ክብሩን ቦትኡን ዝሽርሽር ፣ ከም ህዝቢ ዝወነኖን ዘውሓሶን ፖለቲካዊ ዓቕሙን ናይ ምግባር ተኽእሎኡን ዘይምጥን፣ናብ ንእሽተይ ፖለቲካዊ ተጻዋትይ ብምቕያር ዝኾነ ይኩን ፖለቲካዊ ሚዛን ከይህልዎን ኣብቲ ናይ ፖለቲካ ጓይላ መጣቐዒ ጥራይ ኮይኑ ብናሃቶም ሰናይ ድሌት ክሕርጎት ዝገብር ተቐባልነት ዘይብሉ መርገጽ እዩ። መፍትሒኡ ድማ መትከል ማዕርነትን ፍተሓዉነትን መሰረት ገይርኻ ዝግበር ፖለቲካዊ ቃልስን ዉሕሉል ልዝብን እዩ።

 

ሳልሳይ፡ መሪሕነት ህውሓት ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዝፈጸሞም ጉድለታትን ዝፈጠሮም ጸገማትን መዝሚዙን ተበሊጹን ናብ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ብምልጋብ ሃገራዊ ቦታን ፖለቲካዊ ቁመናን ትግራይ ክድህልን ኣብ ዝካየድ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ትግራዋይ ተሸቑሪሩን ተሰኪፉን ካብ እምነቱን ድሌቱን ወጻእ ዝተብሃሎ ክቕበልን ዝሰርሕ ሓይሊ እዩ።እዚ ሓይሊ እዙይ ብግዝያዉነት ስምዒት ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ከጓሃህርን ዝተወሰነ ቅርሕንቲ ብምፍጣር ዉሱን ፖለቲካዊ ከስቢ ክረክብ ዝኽእልኳ እንተኾነ ከም ዘላቒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝርአን ስትራተጂያዊ ቃልሲ ዘድልዮን ኣይኮነን።ኣብ ባይታ ብዘሎ ክዉንነት ተምስሪትካ  ዕላዊን ዝተዋደድን ሓቃዊ መረዳእታት ብምቕራብን ብምርዳእን እቲ ምድንጋራት ምግላህ ይክኣል እዩ።

 

ራብዓይ፡ ካብ ባዕሉ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝልዓልን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያዊነት ተስፋ ብሙቑራጽ ወይ ናይ ባዕልና ናጻ ሃገር ወይ ምስ ዝመስሉና ዝብሎም ብልፍንቲ ዝምስረት ሓዱሽ ሃገር ንምህናጽ ዝደሊ እዩ።እዚ ሓይሊ እዙይ ትግራዋይ ንዘመናት ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያዊነት ዝኸፈሎ ኣዚዩ ከቢድ መስዋእትነትን ዘወፈዮ ልዑል ኣበርክቶን ብጭቡጥ ህዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ክብርን ቦታን ብኻልኦት ኢትዮጵያውያን ዘለዎ ተቕባልነትን ብዝርዝር ብምግምጋም ንትግራዋይ እትደልን እተኽብርን ሃገረ ኢትዮጵያ ንምምስራት ዝግበር ቃልሲ ዝጭበጥ ሕልምን ዝትግበር ዕላማን ኣይኮነን ኢሉ ዝኣምን እዩ። ብተወሳኺ ዋላ ኣብ ኢትዮጵያ ንትግራዋይ ኣወንታዊ ዝኾነ ስምዒትን ምቅርራብን ተዝፍጠርዉን ብወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዘሎ ቁጽሩ ኣዚዩ ዝበርከተ ናይ ብሄራት በዝሕን ዘለዉ ገዘፍቲ ናይ ፖለቲካ ድሌታትን ኣፋላላያትን ብዲሞክራሲያዊ መንገድን ህዝባዊ ልዝብን ኣቃራሪብካን ኣካኣኢልካን ንኹሉ ዝጠምርን ኩሉ ዝሳማመዐሉን ሓደ ሃገር ምፍጣር ብጭቡጥ ዝብጻሕን ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ዘረጋጽን ኣይኮነን ዝብል መርገጽ ዝወስድ እዩ።

 

ብኣንጻሩ ትግራይ ዘለዋ ተፍጥሮኣዊ ዕቑር ሃፍትን ትግራዋይ ዘለዎ ስጡም ሓድነትን ጻዕራምነትን መሰረት ገይሩ ኣብኡ ጽኑዕ እምነት ብምሓዝ ንእሽተይ ግን ድማ ልምዕትን ጠንካራን ሃገረ ትግራይ ምዉሓስ ጭቡጥን ተግባራዊ ክኸዉን ዝኽእልን ናይ ቃልሲ ኣንፈት ምዃኑ ኣበርቲዑ ዝኣምንን እዚ ንምግሃድ ብዝተፈላለዩ ዉዳበታትን ምንቅስቓሳትን ዝወሳወስ እዩ።

እዚ ሓሳብን ምንቅስቓስን እዙይ ኣብ ትግራይን ትግራዋይነትን ልዑል ዓርሰኣምነት ዘሎዎን ብመትከል ዓርሰ ምርኮሳ መሰረት ዘላቒ መፍትሒ ዝእምትን ብምዃኑ ብዓይኒ ዘላቒ ረብሓን መሰረታዊ እምነትን ትግራይ ዝጽላእን ዝንቀፍን ኣይኮነን።ብመትከልን ብግብርን ትግራይ ዓርሳ ዝኽኣለት ናጻ ሃገር ንምዃን ዘኽእል፥ ብመዳይ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ጸጋታትን ሃፍትን ኮነ ብመዳይ ፖለቲካዊ ብቖዓትን ህዝባዊ ሓድነትን ዝተማለአ ወድዓዊ ጥጡሕ ኩነታት ዘረጋገጸት እያ።

 

እቲ ሕቶ ብጭቡጥ ሀዚ ካብ ዘለናዮ ሃገረ ኢትዮጵያ ንምውጻእን ሓዱሽ ሃገር ንምውሓስን ዝግበር ቃልሲን መስዋእትን ምስ ነዚ ሃገር ብልዝብን በቶም መትከላትን መሰረት ንምቕጻል ዝግባር ቃልሲን መስዋእትነትን ብምንጽጻር ዝሐሽን ዝቐለለን መገዲ ቃልሲ ኣየናይ እዩ ዝብል እዩ። ናይቲ ቃልሲን መስዋኣትነትን ዋጋን ክብደትን ከምዘለዎ ኮይኑ ብዝልዓለ ጽንዓትን ርብራብን እንትዕወትከ ዘላቒን ዝዓበየን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘርጋግጽ መኒኡ እዩ ዝብልዉን ክርአ ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ናይቲ ቓልሲን መስዋእትነትን ክብደትን ዋጋን  ብመንጽር በቀሊሉን ብፍጥነትን ንህዝቢ ትግራይ ከላዓዕል፣ ህዝባዊ ማዕበል ፈጢሩ ከንቀሳቕስ ዝኽእል፣ ኣብ መንጎ ተጋሩ ዉሽጣዊ ጎንጺን ኣፈላላይን ዘየምጽእን መትከላዊን ጽኑዕን ስሙር ቅልጽም ተጋሩ  ዘረጋግጽን መገዲ ኣየናይ እዩ ዝብል ብዕሙቀትን ብዝሰኸነ መንፈስን ብምግምጋም ንጹርን ኩሉ ዝኣምነሉን ኣንፈት ቃልሲ ምሓዝ ኣድላይ እዩ። እዚ ንበይኑ ካብ ስሚዒትን ሃናጻይ ዘይኮነ ክትዕን ወጺእኻ፣ብህድኣትን ብኽዉንነትን መገዲ ግዘ ወሲድካ ሰፊሕ ክትዕን ናይ ሓሳብ ምልዉዋጥን ዘድልዮ እንትኸዉን ከም መብገሲ ግን ዝስዕብ ሓጺር ሓሳብ ወሲድካ ክርአ ይኽእል እዩ።

 

ተጋሩ ንኢትዮጵያ ዘለዎም ታሪካዊ ፍቕርን ክብርን፣ ንሃገራዊ ሕብረትን ምትእስሳርን ዝህብዎ ኣወንታዊ ትርጉም፣ ኣብዚ መዳይ ዝተኸፈለ መስዋእትነትን ኩለመዳዊ ኣበርክቶን በቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን ጥራይ ከይኮነስ ኣንጻር እዙይ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባን ኣንፈትን ክገጥሞ ዝኽእል ተቓዉሞን ኣብ ህዝቢ ዝበጽሕ ናይ መንፈስ ህዉከትን ጽንኩር ፈተና ምዃኑ ኣይተርፍን። በዚ መሰረት ካብ ኢትዮጵያ ወጺእና ሓድሽ ሃገር ንምምስራት ንቃለስ ዝብል ኣንፈት ቃልሲ ዝህልዎ ተቐባልነት ኣዚዩ ትሑት ክኸዉን ከምዝኽእልን ምንልባትዉን ናብ ምክፍፋልን ዉሽጣዊ ጎንጺን ከምርሕ ዝኽእልን ዕድል ዘለዎ እዩ።

 

ካሊእ በዚ ዘለናሉ ወድዓዊን ከባቢያዊን ኩነታት ሓድሽ ሃገር ንምምስራት ዝግበር ቃልሲ ምስ መዋሳንትና ወይ ምስ ማእከላዊ መንግስቲ ወይ ድማ ምስ ሃገር ከቐጽሉ ዝደልዩ ሓይልታት ናብ ብረታዊ ቃልሲን ደማዊን መብረስን ኩናትን ከይምረሐ ዝዕወተሉ ዕድል ኣዚዩ ዝጸበበ እዩ።ምስ ዝመጽእ ኩናትን ህዉከትን ተታሓሒዙ ኣብ ትግራይ ኮነ ብፍላይ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝነብር ትግራዋይ ክወርድ ዝኽእል ግፍዕን ክሳራን ኣዚዩ ኣዕናዉን መሰረታዊ ዓቕምታትና ዝፈታተን ክኸዉን ዝኽእለሉ ዕድል ክፉት እዩ። ብኡ ሓሊፍካዉን ንሱ ዘስዓቦ ዕንወትን በሰላን ተሽኪምካ እቲ ዝድለ ዉጽኢት ብዝተኣማምንን ብዝድለን ኣግባብ ምዉሓስ ኣዚዩ ፈታኒ እዩ።

 

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ኢትዮጵያ ብወግዒ በተን መትከላትን ልዝብን መሰረት ዝተገብረ ፈተነ ህንጸት ሃገር ዘየለ ብምዃኑን እዚ መገዲ ቃልሲ እዙይዉን ብወሳናይ መልክዑ ናይ ፖለቲካን ናይ ሓሳብን ፍሕፍሕ ብምዃኑ ዝመስረትናዮን ዋጋ ዝኽፈልንሉን ሃገር ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ኮይንና ንኹላትና ዝኸዉን ሃገር ንምህናጽ ጻዕርን ቃልሲን ምክያድ ዝሓሸ እዩ። ብዉሕዱ እዚ ዘይክኣልን ዘይዕወትን ምዃኑ ብተግባር ተፈቲኑ እንትረጋግጽ እቲ ካሊእ መማረጺ ናብ ዝኸደና የብሉን።ብቕኑዕን ብጽንዓትን ሃገር ንምቕጻል ፈቲና ብርቱዕ ምርብራብ ገይርና ኣንተኣቢዩና ከም ናይ መወዳእታ መማረጺ ምስንኣትዎዉን ብጥምረትን ብትረትን ንምክያድ ዝሕሸ ኩነታት ዝፈጥር እዩ።

 

ናይ ኩሉ ዓንዲን ማእኸልን ግን ኣብዝኾነ ይኹን ግዘን ኩነታትን ኣብቶም መትከላትን እምነታትን መሰረት ዝገብረ ሕብረትን ስምረትን ተጋሩ ኣስጢምካ ምሓዝን እዚ ድልዱል መሰረት ኣርጊጽኻ ንኹሉ ኣንፈትን ምዕባለን ብርግኣትን ብትኩርነትን መዚንካ ምስ ህዝብኻ ብምምኻርን ብምዉሳንን ንፍጻመኡ ብሙሉእ ዓቕሚ ምርብራብ እዩ።

Check Also

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ

ውራይና መበል 57 ሕታም pdf ሙሉእ wurayna text 57

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *