Home / Uncategorized / ስለምንታይ 11 ለካቲት ብድምቀት ነኽብራን ንዝክራን?

ስለምንታይ 11 ለካቲት ብድምቀት ነኽብራን ንዝክራን?

1) ናይ ሓዱሽ ታሪኽን ሓዱሽ ምዕራፍን በኳሪት ዕለት ስለ ዝኾነት

2) ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ዝተሰውኡ ጀጋኑና ንምዝካርን ሕድሮም ከምዘይንጠልም ንምዝኽኻርን

3) ንቲ ንምእማኑ ዘፀግም ጅግንነት፣ ውፍይነት፣ ብፃይነትን ዓወትን ዝተረኣየሉ ቃልሲ ዘለና ክብሪ ንምግላፅን፣ ንቲ ከይዲ ዝመርሑ፡ ኣብቲ ከይዲ ዝተሳተፉ ጀጋኑና (ህልዋትንን ስውኣትን) ኩሎም ዘለና ኣድናቖትን ክብርን ንምግላፅ

4) መስተንክራዊ ታሪኽ እንድዩ ተሰሪሑ፡ ካብቲ ታሪኽ ንሎምን ፅባሕን ዝኸውን ትምህርትን ተሞኩሮን ንምውሳድ እዩ ብዋናነት እዛ ዕለት እንዝክራ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተኻየዱ ፉሉያት ናይ ዓወትን ጅግንነትን ታሪኻት ናይዚ ቐረባ ዘበን እታ ጫፍ ብልሒ እንድያ ንምሃረላን ንኾርዐላን። ታሪኽ ብመሰረቱ ንሕብረተሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት፡

 

• ታሪኽ፡ ሀ) ህልዊ ኩንታት ሕብረተሰብ ንምርዳእ ወሳኒ ስለ ዝኾነ እዩ፣ ጆርጅ ሳንታያንስ ዝተብሃለ ፈላስፋ ከዝብሎ “to comprehend the present, one must study the past. History is vital for understanding the issues and problems that presently confront the world”

ለ) ኣብ ቅድሚትካ ዘሎ ፅልግልግ ንምግላህ ውን ስለ ዝጠቅም እዩ; makavelie ከምዝብሎ “Whoever wishes to foresee the future must consult the past; .. the same problems exist in every era”

ሐ) ካሊእ ድማ ታሪኽ ከም ዓቅቢ መንነትን መሰረት ሓበንን ስለዝኾነ እዩ፣ ታሪኽ ድኻማትን ብልጫታትን ሕብረተሰብ ንምልላይ ይጠቅም፡ ሰብ ቀፃሊ ዕብየትን ግስጋሰን ንኸመዝግብ ግድነት ዝፈፀሞም ጌጋታት እነኣረመ፣ ብልጫታቱ እናማዕበለ ኽኸድ ኣለዎ፣ ታሪኽ ዘይምፍላጥ ማለት ዘይምዕባይ ማለት እዩ፣ ሮማዊ ፀሓፊ ሲሰሮ ከም ዝበሎ ‘ኣብ ዝሐላፈ ግዝያት ዝተገበረ ዘይምፍላጥ ልክዕ ከም ዕሸል ቆልዓ ምዃን እዩ፣ናይ ዝሓልፈ ዕዮታት ዘይምጥቃም ዓለም ብፍልጠት ዕሸል ኮይና ክትነብር ከም ምግባር እዩ፣’ ታሪኽን ዕቤትን ቀጥታዊ ዝኾነ ሞገታዊ ምትእስሳር እዩ ዘለዎም። ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ላባራቶሪ ታሪኽ ኣዩ።

መ) ታሪኽ ከም ምንጪ ድሪኺት ጉልበት ውን እዩ፣ ዛንታ ውርያት ጅጋኑን ሊቃውንትን ብምዝንታዊ ናይ ኣብነትነትን ሕራነን ምንጪ ስለ ዝኾነ እዩ።

~ ካብዞም መትከላት ተበጊስና ንሎምን ፅባሕን ብዘለዎ ትምህርትን ተሞክሮን ኢና እንዝክሮ።

Check Also

ትግራይ ንጀጋኑ ደቃ ብዘይኣፈላላይ ከተመስግን እያ፡ ሰኑይ!

ዕለተ ሰኑይ ለካቲት 2011 ንትግራይ፡ – ፍሉይ ናይ ክብሪ ብዓል ኮይኑ ክውዕል – ፍሉይ ናይ …

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *