ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሹመት ፕረዝደንትን ምኽትልን ጠቕላይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣፅዲቑ

0
331

ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ፕረዝደንት ጠቕላይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኮይነን ተሸይመን።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ ራብዓይ ዘበን ራብዓይ ስሩዕ ጉባኤ እዩ ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ፕረዝደንት ጠቕላይ ቤት ፍርዲ ንክኾና ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበሉ ሹመት ተቐቢሉ ኣፅዲቑ ዘሎ።

ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓላፍነት ዘገልገላን በቲ ሞያ ዝለዓለ ልምድን ተሞክሮን ዘለወን ኮይነን ኣብ ሃገርና ሐዚ ንዝሕስብ ዘሎ ምምሕያሽ ሕግን ፍትሕን ብዝሓሸ ዓቕሚን ውፉይነትን ከፍፅማ ትፅቢት ከምዝግበረለን ድማ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሕግን ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ፀገማት ብዝግባእ ብምርዳእ ንመፍትሒኡ ከምዝሰርሓ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ እምነቶም ገሊፆም።

ነቲ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበ ሹመት ፕረዝደንትነት ጠቅላይ ቤት ፍርዲ ብሙሉእ ድምፂ ዘፅደቑ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፕረዝደንት ጠቅላይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ድማ ዝተውሃበን ሓላፍነት ህዝብን መንግስትን ብትግሃትን ውፍይነትን ንምፍፃም ቓለ መሓላ ፈፂመን።

ብዜካ እዚ እቲ ቤት ምኽሪ ምኽትል ጠቕላይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኮይኖም ከገልግሉ ንዝተሾሙ ኣይተ ሰለሞን ኣረዳ ሹመቶም ኣፅዲቑ።

ፕረዝደንት ጠቕላይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ ዳኜ መላኩ ምኽትሎምን ብገዛ ፍቓዶም ካብ ስርሖም ከምዝተሰናበቱ ድማ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here